ንዝኽሪ 20 ሰነ: ኣደ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

17/06/2020 21:25 PM

ዝኽሪ 20 ሰነ:
ኣደ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ።
ብግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ

ዝኽሪ 20 ሰነ - ኣደ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ

ንዝኽሪ 20 ሰነ: ኣደ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ። ብግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ

ንዝኽሪ 20 ሰነ

ኣደ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ

ወይዘሮ ግምጃ ግደ

ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ከብዳ ዝተሰከመቶ

ኣብ ዝባና ሓዚላ ታተ ዘበለቶ፡

ሰለስተ ዓመት ሓቊፋ ጸባ ጡባ ዘስተየቶ፡

ኰስኲሳ መልሚላ ናብ ትምህርቲ ዘንቀለቶ፡

ናብ ሃገራዊ ቃልሲ ዘፋነወቶ፡

ድሃዩ ከይሰምዐት ዓመታት ዘሕለፈቶ፡

መስዋእቱ ሰሚዓ ብእልልታ ተቐቢላቶ።

ኣደ ስዉእ ብዓልቲ ሓለፋ፡

ነዊሕ ተጸብያ ዘይትቐብጽ ተስፋ።

እወ ንሳያ ኣደ እቲ ጅግና ኣንበሳ።

ዕለት 25 መጋቢት 1982 ኣብ መደበር ራሳይ ዘጋጠመ መስዋእቲ ጅግና ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ክትዝክር ከሎኻ፡ ክብርቲ ወላዲቱ ወይዘሮ ግምጃን ኣዴታት ስዉኣት ጀጋኑን እየን ኣብ ኣእሙሮኻ ቁልጭ ዝብላኻ።

ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ዋላ እኳ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ ከባቢ እቲ ክብርቲ ወላዲቱ ዝነብራሉ ቦታ (ዓዲ ንኣምን ዓንሰባ) ይንቀሳቐስ እንተ ነበረ፡ ወላዲቱ ወይዘሮ ግምጃ ግን ድሃይ ወደን ከይረኸባ ንዓመታት እየን ተጸቢየን።

ካብ ዕለታት ሓደ ንግሆ ግን፡ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን ብጾቱን ኣብ ውግእ ዒላ በርዕድ ውዒሎም፡ ሃንደበት ደበኽ ኢሎመን። ካልእ እዋናት ግን፡ ብማእከል ዓዲ እናሓለፉ ኣላጊሶመን ስለ ዘይፈልጡ፡ ድሃዩ ብወረ ጥራሕ እየን ዝሰምዓ ነይረን። መልኣከ በዚ ከባቢ ሓሊፉ ክብልወን ከለዉ፡ ክንደይ ድኣ ይጭክን ዘየላገሰኒ እናበላ ካብ ምጭናቕ ኣየዕረፋን። ካብቶም ዓበይቲ ደቀን ግን፡ ድሃዩ ንምርካብ ደድሕሪኡ ኮለል ካብ ምባል ኣየዕረፉን።

ሓደ ግዜ (ኣብ መጀመርታ 1972 ኣቢሉ) ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ የሕዋቱ (ወይዘሮ ህንድኣት)፡ መልኣከ ኣብ ከበሳ ወጺኡ ከም ዘሎ ምስ ሰምዔት፡ ንዝኾነ ሰብ ከይሓበረት ተሓቢኣ ገጹ ክትርኢ ክሳብ ባሕሪ ከም ዝወረደት ይዝንቶ። መልኣከ ግን፡ ከም ኩሉ ተጋዳላይ፣ ብዛዕባ‘ዚ ናይ ወለዱ ምጭናቕ ብዝምልከት፡ ንመስዋእቲ ኢሉ ከም ዝወጸ ስለ ዝፈልጥ፡ ክቐብጽዎ እዩ ዝመርጽ ነይሩ።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፣ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ 1975 ኣቢሉ፡ መልኣከን ብጾቱን ኣብ ኲናት ዒላ በርዕድ ውዒሎም ንላዕላይ ዓንሰባ ኣብ ዝሰግርሉ ዝነበሩ ንግሆ፡ ብማእከል ዓዲ ንኣምን ክሓልፉ ስለ ዝነበሮም፡ ሃንደበት ንገዛ እንዳ ኣቦይ ተኽለ ኣላጊሶም።

ኣብ‘ቲ እዋን እቲ ገዛ እንዳ ኣቦይ ተኽለ ብደርጊ ነዲዱ ስለ ዝነበረ፡ ክብርቲ ወይዘሮ ግምጃ ኣብ ገዝኦም ኣይነበራን። ኣብ እንዳ ሓወብኡ (እንዳ ኣቶ ወልድኣብ) እየን ጸኒሐንኦም።

ወይዘሮ ግምጃ፡ ወደን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ሃንደበት ህሩግ ምስ በለን ከመይ ኮን ተሰሚዕወን ይኸውን ዝብል ሕቶ ክልዓል ናይ ግድን እዩ። ነዚ ሕቶ እዚ ንኽንምልስ፡ ንነብስና ኣብ ቦታ ወይዘሮ ግምጃ ክንቀርጻ ይግባእ።

ሕስብ እሞ ኣብልዎ፡ መልኣከ ልክዕ ከም’ታ ብቆልዕኡ ከሎ ማዕጾ ገዛ ከይኳሕኩሔ ንውሻጠ ዝኣትወሉ ዝነበረ ግዜ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ሃንደበት ህሩግ ክብለን ከሎ ወይዘሮ ግምጃ ከመይ ከም ዝተሰምዐን እሞ ገምትዎ። ወይዘሮ ግምጃ ብዛዕባ እቲ መልኣከ እግሪ ተኽሊ ዝነበረሉ እዋን ምስታ ምንኣሱ ሓብቱ (ምንያ) ጸባ ጡብ ዝጫረተሉ ዝነበረ ግዜ ደኾን ትዝ ኢልወን ይኸውን? እቲ ንዓመታት ገጹ ዘይርኣይኦ ወደን ከለልይኦ ክኢለን‘ዶ ይኾና?

እስኪ ባዕልኻትኩም ገምቱዎ!

ቅድሚ ናብ ገድሊ ምኻዱ ቀይሕ መልክዔኛ ዝነበረ ወደን፡ ጸጒሪ ርእሱ ብቖቢዕ ዝተኸወለ፡ ገጹ ብጸለሎ ዝመስል ጭሕሚ ዝተሸፊነ፡ ክሳዱ ክሳድ-ገመል ብመዓመምያ ዝተጠምጠመ፡ ካላሽን ምስ ዝናሩ ዝዓጠቐ ምልምል ጎበዝ ህሩግ ምስ በለን፡ ወይዘሮ ግምጃ ሰንቢደን’ዶ ይኾና?

ከመይ ጌረን ከለልይኦ ዝብል መልሲ እዩ ዝርኣየካ። ምናልባት ፍሽኽ ምስ በለን፡ ብፍላይ ድማ እተን ዕምባባ ዝመስላ ኣስናኑ ቅልቅል ምስ በላ ደኾን ወቓሕ ኢልወን ይኸውን?

እንድዒ! ክንደየናይ! ምስ‘ቲ ዝነበረን ስንባደ ብቐሊሉ ከለልይኦ እየን ኢልካ ክትግምት ኣሸጋሪ እዩ።

እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ግን ከምኡ ኣይነበረን።

መልኣከ ቆቢዑ ካብ ርእሱ ኣውጺኡ ምስ ሰዓመን፡ ወደን ምዃኑ ቀልጢፈን እየን ኣለልየንኦ። እቲ ካብ ቁልዕነቱ ዝለመድኦ ድምጹ፡ ቁሩብ ዕርድድ ኢልወን ድኣ እምበር፡ ኣደ ኡሉ ምስ ሰዓመን፡ ወደይ ኢለን እየን ሕንቕ ኣቢለን ስዒመንኦ።

ደጊምኩም እሞ ኣስተውዕሉ፡! ነቲ ካብ ማሕጸነን ዝወጸ ፍንጫሕ መሰንገሊኤን፡ ምልላዩ ስኢነን ይኾና ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተ ድኣ ኣልዩ፡ ፍቕሪ ወላዲት ዘየስተማቐረ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ። ኣይምሰልኩም! ከብዲ ወላዲት ፍሉይ እዩ።

ወይዘሮ ግምጃ ንወደን ሕንቕ ኣቢለን ምስ ስዓምኦ፡ ልክዕ ከም’ታ ክውለድ ከሎ ሸውዓተ ሳዕ እልል ዝተባህለሉ፡ ኩሎም ገረባብቲ እንታይ ተረኽበ ክሳብ ዝብሉ፡ ንግዳም ወጺኤን እየን እልልታ ደርጒሔንኦ። መልኣከ ወደን ዳግማይ ዝተወልደ ግዲ መሲልወን ኮይኑ፡ ምዕጉርቱ ክሳብ ዝቐይሕ ንዕኡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ብጾቱ በብሓደ ስዒመንኦም?

ናይ’ታ መዓልቲ እቲኣ ታሕጉስ’ሲ ከም ዝሓለፈ ሓሊፉ። ብድሕሪኡ‘ኸ ወይዘሮ ግምጃ ንመልኣከ ወደን ብሂወቱ’ዶ ርኤንኦ ይኾና ዝብል ሕቶ ክልዓል ናይ ግድን እዩ። ብኸመይ እየ እሞ ክምልሰልኩም? ብኸመየ እሞ ክጅምሮ? ምኽንያቱ ንዓኻትኩም ዘሓጉስ መልሲ የብለይን።

ድሮ ገሚትኩሞ ትህልዉ፡ ክብርቲ ወይዘሮ ግምጃ ዕድል ኣይገበራን። ንጅግና ወደን ዳግማይ ክርእይኦ ኣይተዓደላን። ዕጫ ናይ መብዛሕትኤን ኣደ ስዉኣት ኤርትራውያን በጺሕወን። ጅግና መልኣከ ተኽለ ወደን ተሰዊኡ። መርድእ መስዋእቱ ድማ ከም ሰበን ተነጊረን።

ጅግና ተጋዳላይ ወደን ብጉጅለ ዓብደላ እድሪስ ኣብ መደበር ራሳይ መጋቢት 25, 1982 ተቐቲሉ። ወይዘሮ ግምጃ ግን እዚ ሓበሬታ‘ዚ ተነጊርወን ምዃኑ ኣፍልጦ የብለይን። ጅግና ወደን ኣብ ዝወጸሉ ዕላማ ረጊጹ ሂወቱ ንሃገሩ በጃ ሂቡ ሓሊፉ። ንዘልኣለም ድማ ክዝከር ይነብር ኣሎ።

እወ! ጅግና ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ፡ ኢደይ ኣይህብን ብምባል ኣብ መትከሉ ጸኒዑ፡ ኣርማ ናይ ጀጋኑ ሓርበኛታት ለቢሱ‘ዩ ብቆራጽነት ተሰዊኡ።

ወላዲቱ ወይዘሮ ግምጃ ድማ ድሕሪ ነጻነት ሃገር፡ ላዕላይ ፈጣሪ ጸዊዕወን ኣሰር ወደን ስዒበን። ወላዲኡ ክቡር ኣቦይ ተኽለ ባህታ ግን፡ ቅድሚ መስዋእቲ ወዶም እዮም ካብ‘ዛ ዓለም ሓሊፎም።

ሞጎስን ክብርን ንወለዲ ጀጋኑ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽሑፍ ካብታ “ሌላ ምስ ጅግና ስውእ መልኣከ ተኽለ” ዘርእስታ ኣብ 2016 ዘሕተምክዋ መጽሓፍ ዝተዋጽአ’ዩ።

ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ

Girmai Bokre Kahassai

bokrila@gmail.com


Share with friends:


See also recent Articles by by Mr. Girmai Bokre Kahassai:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

• ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ ተጋዳላይ፡ መልኣከ ተኽለ፡ ብ`ግርማይ ቦኽረ፦
1ይ-ክፋል፡  2ይ-ክፋል፡  3ይ-ክፋል፡  4ይ-ክፋል፡  5ይ-ክፋል፡  6ይ-ክፋል፡ 


ዕላል ምስ ኣቶ ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ፡
ደራሲ ሓዳስ መጽሓፍ “ሌላ ምስ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ




Share with friends: