ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ 19 Feb 2021

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

20/02/2021 23:14 PM

ዜና ዕረፍቲ፡
ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ
ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡

Veteran Ambassador Adhanom Ghebremariam, passes away, 19 Feb 2021

ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም 1945 - 2021፡ 19 Feb 2021

ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ 19 Feb 2021
Veteran Ambassador Adhanom Ghebremariam, passes away, 19 Feb 2021

ክቡር ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ብምኽኒያት ሓጺር ሕማም ትማሊ ዓርቢ ዕለት 19 የካቲት 2021 ዓ.ም፡ ብመስዋእቲ ሓሊፉ ኣሎ፡፡
በዚ ኣጋጣሚ፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ንስዉእ ክቡር ተቓላሳይ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም መንግስተ ሰማያት፡ ንመላእ ቤተሰቡን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

ብዙሓት ገዳይም ተቓለስቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ሙሉእ መዋእሎም ተጋዲሎምን ተቓሊሶምን፡ ናብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረላ መበቆል ሃገሮም ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ፡ ኣብ ፈቐዶ ስደት ህይወቶም ይሓልፍ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ኣዝዩ ዘሕዝን ተረኽቦ ኢዩ። ካብዚ ዘይንቡር ኩነታት ንክንወጽእ ከኣ፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ንነብስና ናብ ንቡር ሕልናዊን ሞራላዊን ኩነት ተመሊስና፡ ኣብታ ንፈትዋ ሃገርናን ህዝብናን፡ ንቡር ንምምላስ፡ ኢደይ ኢድካ ኢልና ተማላሊእና ክንሰርሕ፡ ይግባእ።

ሓደ ህዝቢ፡ ነቲ ብባህሪይ ዝተዓደሎ ሰብኣዊ መሰላት ክሓትትን ክቃለሰሉን፡ ዘይሕከኽ መሰል ከምዘለዎ፡ ኣብቲ ኣብ 1948 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኣወጀ፡ ኣድማሳዊ መሰል ደቂ-ሰባት (UN Universal declaration of human rights) ሰፊሩ ኣሎ። ነዚ መሰል ዚ ምቅላስ ከኣ፡ ፍትሓዊ ኢዩ።

ካብዚ ቀጺልና እምበኣር፡ ንዕረፍቲ ገዲም ሓርበኛ ኣድሓኖም ገብረማሪያም ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ነዚ ዝምልከት ዝኽሪታትን መግለጺታትን፡ ካብ ፈተውቱን መቓልስቱን፡ ከምኡውን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታን፡ ኣብ ታሕቲ ነቕርበልኩም ኣሎና።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና።
20 February 2021



ATV: ወየ ስለ መስዋእቲ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም
ብ` ሃይለ ገረንስኤ



SNITNA 27 Feb 2021: ወየ!..ወየ!..ወየ!
ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማሪያም
ብ`ተጋ/ ኢሳያስ ኣስፍሃ
Martyr Veteran Ambassador Adhanom Ghebremariam` Eulogy, by Isaias Asfaha.



Erican Yiakl ኢሪ-ካን ይኣክል 28 February 2021:
ተዘክሮ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብዓይኒ መቃልስቱ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ 'ሊንጎ'
ተዘክሮ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብዓይኒ መቃልስቱ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ 'ሊንጎ'



ERISAT 28 Feb 2021: Remembering Hero Ambassador Adhanom Gebremariam
ፍሉይ መደብ ንዝኽሪ ጅግና ተጋዳላይ ኣምባሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም…



ERISAT 27 Feb 2021: ንዝኽሪ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝተዳለወ ፍሉይ መደብ። ሓርበኛ ኣይነብርን እዩ ታሪኹ እዩ ዝውረስ።






ጸሎት-ፍትሓት 27 ለካቲት 2021
ፋንዋ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማሪያም
ኣብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ኣለም ኦርቶዶክስ ናይ ኤርትራ
4331 Bladensburg Rd, Golmar Manor, MD 20722
ቀዳም ለካቲት 27, 2021
ሰዓት 10 ቅ.ቀ.


ሓመድ ድበ
ኣብ Fort Lincoln Cemetery & Funeral Home
3401 Blandensburg Rd, Brent wood, MD 20722
ቀዳም ለካቲት 27, 2021
ሰዓት 12፡30 ድ.ቀ.


ተበግሶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብምኽንያት መስዋእትን ቐብርን ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ብቐረባ ንዝፈልጥዎ ኣጋይሽ ዓዲሙ ብዛዕባ ጦብላሕታታቶምን ተዘክሮታቶምን ሰኒዱ፡ ዘቕረቦ ዓቢ መደብ፡
ቀዳም Saturday, 27 February 2021



ሕድሪ ጀጋኑና፡ ፍሉይ መደብ፡ ንዝኽሪ ስዉእ ተጋዳላይ፡ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማሪያም።
Celebrating and reflecting the life of Martyr Ambassador Adhanom Ghebremariam.
ቀዳም Saturday, 27 February 2021



Global Yiakl: 22 Feb 2021:
ብምኽንያት መስዋእቲ ሓርበኛ ኣምባሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብቐረባ ንዝፈልጥዎ ኣጋይሽ ዓዲሙ ብዛዕባ ጦብላሕታታቶምን ተዘክሮታቶምን ከዘንትውልና እዮም`ሞ፡ ምሳና ሓቢርኩም ከተምስዩ ብኽብሪ ንዕድም።



ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ 19 Feb 2021
ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ
ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡

ክቡር ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ብምኽኒያት ሓጺር ሕማም ትማሊ ዓርቢ ዕለት 19 የካቲት 2021 ዓ.ም፡ ብመስዋእቲ ተፈሊዩና`ሎ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ንስዉእ ክቡር ተቓላሳይ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም መንግስተ ሰማያት፡ ንክብርቲ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን መላእ ቤተ-ሰቡን መቓልስቱን ክኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ንምነ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ።


ATV: ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ተሰዊኡ፡ (1945-2021) - ምስ ሓጺር ታሪኽ ህይወቱ


Part-1
“ኤርትራ፡ ኣብ ቀራና መገዲ ዘይኮነት ዘላስ ዝወደቐትን ዝፈሸለትን ሃገር’ያ ኮይና” ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም (ቀዳማይ ክፋል) (SBS Tigrinya)
ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ 19 Feb 2021
SBS Tigrinya : Interview with AdHanom Gebremariam: ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግምባርን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ ኣማሓዳሪ ዞባ፡ ኣምባሳደር ኣብ ስዊድንን ናይጀሪያን ዝነበረ፡ ኣባል ምስቶም ን ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ዝተቓወሙ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን እዩ። ሎሚ ኣብ ኣመሪካ ብስደት ካብዝነብረሉ ኮይኑ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ምስ ራድዮ ኤስ ቢ ኤስ ተንቲኑ ኣሎ።

ወይ ኣብዚ ጠውቑ፡

Part-2
“ህግደፍ መቐጸልታ ህዝባዊ ግምባር’ዩ፡ ክልቲኦም ብዓንተቡኡ ቀተልቲ እዮም። ”ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም
ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ 19 Feb 2021
ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ካብ ዝተላዕሉ ነጥቢታት፡ጀበርቲ መንደፈራ፡ ኣግኣዝያን፡ ጀሃድ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንእስላም ንምክትታል ዝተገብረ ፈተናን ውጽኢቱን፡ ሓጂ ሙሳ፡ ጉጅለ ወዲ ዓሊን ፈተነ ፎርቶን ካልእን።

ወይ ኣብዚ ጠውቑ፡


We mourn the death of Adhanom Gebremariam
Eritrea Hub:

Adhanom was a veteran of the liberation struggle and a military commander.
He left his university studies in his third year to join the armed struggle for Eritrean
independence in 1972...Read more


ሓርበኛ ኣድሓኖም፡ ምሉእ ህይወቱ ንሞያኡ ዋጋ እናኸፈለ ሓሊፉ
[ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን)]

ንኣድሓኖም ከም ሰነድ ክትግንጽሎ ዝኸብድ ርሒብ ታሪኽ ዝሓቈፈ ሰብ እዩ። ብግዳም ክትርእዮ እንከለኻ ተደፋራይ ኣይኮነን፤ እቲ ሱቕ ምባሉ ባሕሪ ከብዱ ዝጸወሮ ብዙሕ ዘይተገልጸ ምስጢር ከም ዝነበሮ የገምግመካ።
ካብ 1972 ዓ/ም ክሳብ መጀመርታ 1990 ዝነበረ ምሉእ ህይወቱ፡ ምስ ሰብ ዝበልዕ ባሩድን ሓጻውንን`ዩ ኣሕሊፍዎ። ብገዛእ ጻዕሩን ሓርኮትኮቱን ንነብሱ ብወታደራዊ ሳይንስ ስለ ዘዕጠቓ፡ ብቕዓት ናይ ኲናት ኣመራርሕኡ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ይትረፍ ኣብ መዛግብቲ ስለያ ጸላኢ`ውን ድሙቕ ቦታ`ዩ ዘለዎ። ኣብ ሬድዮ ርክብ ድምጹ እንድሕሪ ተሰሚዑ ከም ዘባህርሮም፡ ባዕሉ`ቲ ኣብ ሓሙሻይ ወራር ብሳልሳይ ግንባር ንወታደራት ደርግ መሪሑ ዝመጸ ብህይወት ዘሎ ተኪኤ ቐሺ (ኣዘርዋይስ) ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።...Read more


ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ነባሪ ታሪኽ ገዲፉ ስለዝሓለፈ ብሰላም ዕረፍ!!
[ብሪ/ጀነራል ተኸስተ ሃይለ]

ሞት ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ምስ ሰማዕኩ ብጣዕሚ ሓዚነ። ዘይሃስስ ታሪኽ ገዲፉ ስለዝሓለፈ ግና ብሰላም ዕረፍ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ። ንቤተሰቡን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ክብል ክብሪ ይስማዓኒ።
ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከም ኩሉ ሰብ`ዩ ናይ ሞት ዕጫ በጺሑዎ። ምኽንያቱ ብሕጊ ተፈጥሮና ከምታ ዝተወለድናላ፡ ሓንቲ መዓልቲ እውን ካብዛ ዓለም ሓንሳብን ንሓዋሩን ብሞት ክትፍለ ባህሪያዊ ትዕድልቲ ናይ ኩሉ ፍጡር ስለዝኾነ። እቲ ኣገዳሲ ግና ኣብ ዓለም ብሂወት ኮለኻ ብጽቡቕ ታሪኽ ትዝከረሉ ነገራት እንተለዎ ግና፡ እቲ ሓዘን መሪር ዋላ እንተኾነ ንታሪኹ ክብሪ ሂብካ ከተሞጉሶ፡ ንጽቡቑ ወሪስካ ከኣ ነቲ ዘይትመልሶ ነገር ግና ተቐቢልካ ነብስኻ ኣጸናኒዕካ ጥራይ ክትከይድ ትግደድ። Read more
Source:
https://www.facebook.com/tekeste.haile.92/posts/424654098807628
accessed: on 23 Feb 2021


Alena Media TV: 20 Feb 2021


"ኣድሓኖም ኣብ ኩሉ ቦታ ከም ኩሉ ክኸውን ዝኽእል ሰብ'ዩ ኔሩ።"
[ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ SBS Tigrinya]: ስነጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሊንጎ

ብምኽንያት ሕልፈት ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማሪያም ጻንሒት ምስ ስነጥበበኛ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ)። Read more

ወይ ኣብዚ ጠውቑ፡


ATV: ካብ ሰነዳት - ሓርበኛ ስዉእ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብምኽንያት ዝኽሪ 18 መስከረም ፡ ኣብ መስከረም 18 2012 ምስ ድምጺ ኣሰና ዝገበሮ:


Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement (GI)
Message of condolence
On the passing of Veteran Ambassador Adhanom Ghebremariam


We, the members of Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement (GI), are deeply saddened by the untimely passing of Ambassador Adhanom Ghebremariam, a highly respected and admired Veteran Fighter of the Eritrean struggle for the independence of Eritrea. Read more

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድፋንዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ
መግለጺ ሓዘን
ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ ሓርበኛ ተቓላሳይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማሪያም


ንሕና ኣባላት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድፋንዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ሃንደበታዊ ሞት ናይ ክቡር፡ ምቕሉልን ፍቱውን ሓርበኛ ናይ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራን ተቓላሲ ንፍትሒን፡ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማሪያም፡ ከቢድ ሓዘን ይስምዓና። Read more


ቃል ሓዘን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ቃል ሓዘን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ብዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መሪር ሓዘን ከም ዝተሰምዖም ይገልጹ።. Read more


ERISAT: ንኽብሪ ስዉእ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም እተጻሕፈ መፋነዊ ደብዳቤ
ብጻዩ ሓርበኛ መስፍን ሓጎስ


ቃል ሓዘን፡ ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ፡ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማሪያም
ብ`ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ክቡር ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፦
እዚ ስነስርዓት ምፍናው’ዚ ኣብታ ምእንቲ ናጽነታ ንእስነትካ ዘወፈኻላ፡ ካብ ነብስኻ ኣሕሊፍካ እትፈትዋ ኤርትራ ሃገርካ ኪፍጸም ነይሩዎ። ብሰሪ’ቲ ንሃገርናን ህዝብናን ረጊጹ ዘሳቒ ዘሎ ጠላም ውልቀ-መላኺ ግን፡ ኣይተኻእለን። ምእንቲ ህዝቢ፡ ምእንቲ ሃገር፡ ምእንቲ መሬት ተቓሊስና፣ ከም ብዙሓት ናይ ቃልሲ ብጾትካ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ብድሕነት ምንባር፣ ኣብ ገዛእ መሬት ዓደቦኻ፡ ንቡር ሓመድ ኣዳም ምድባይ ተነፊግካ።Read more


ዝኽሪ ጅግና ስውእ ኣምባሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም
ምስ ነባር ተጋዳላይ ዓብዱራሕማን መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ 6 መጋቢት 2021. መግለጽን ተሞክሮን ሓድነት ሰለስተ ውድባት ኤርትራ


ገለ ካብ ሓጸርቲ ዕላላት ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም
ብ`ተጋዳላይ ታደሰ ኪዳነ፡ ካብ ከተማ በርሚንግሃም፡ ዓባይ ብሪጣንያ


መስዋእቲ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ዝተሰዋኣሉ መዓልቲ ማለት ዕለት 20 ለካቲት ኢየ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከም ሰበይ ሰሚዐ። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ዝኽርታተይ ንድሕሪት ናብቲ ናይ ገድሊ ዓመታት ተመሊሱ። ኣብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ወታደራዊ ምርብራብ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ናይ ምዝላቕ እዋን፡ ስም ኣድሓኖም ተደጋጊሙ ክጥቀስ እሰምዕ ነይረ ኢየ። ሓደ ካብቶም ብሱላት ወታደራውያን መራሕቲ ናይቲ ውድብ ምንባሩ ብሓደ ወገን፡ ውድብ ዘይባረኾ ቤት-ትምህርቲ ካድር ከፊቱ ይምህር ነይሩ’ ዝብል ንዓይ ብሩህ ዘይኮነ ደብዛዝ ዕላል ከኣ በቲ ካልእ። እንተኾነ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበሮ ኩነታት፡ ኣነ ከም ተራ ተጋዳላይ ኣብ ግምባር ናቕፋ፡ ንሱ ከም መራሕ ብርጌድ ኣብ ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ኣብ በበይኑ ቦታን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ስለ ዝነበረን፡ ብዛዕብኡ ዘይምዝራብ እመርጽ። መዛንኡን ናይ ቀረባ መሳርሕቱን ክዛረብሉ ስለ ዝሓይሽ። Read more


ግጥሚ ሕማቕ ተረኽቦ
ብተሾመ ወልደሚካኤል
ግጥሚ ሕማቕ ተረኽቦ ብተሾመ ወልደሚካኤል

ትጽቢትና`ዩ ኔሩ፡ ክትከውን ቅርስና
ክትነብር ክትትርኽ፡ ናይ ግንባራት ውዕሎና
ንኹሉ ዝጥምት፡ ኔሩካ ልቦና
እጃምካ ስኑድ`ዩ፡ ኣብ መኸተ ገድልና። Read more


Negarit 120: መፋነዊ ንዓርከይ ኣድሓኖም ገብረማርያም - A Tribute to my Friend Adhanom - كلمة وداع لصديقي ادحنوم



Share with friends:

See also related/ ካልእ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማሪያም ኣብ ጽምብል ዝኽሪ ድሩዕን ብጾቱን ኣብ ኣመሪካ ዘስመዖ መደረ: 24 መጋቢት 2018


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: