Placeholder Picture
Placeholder Picture
20 ሰነ ዝኽሪ ስዉኣትና፡ ረዚን ሕድሪ ኣብ ዝባንና ኣሎ!

18/06/2020 22:25 PM

20 ሰነ ዝኽሪ ስዉኣትና
ረዚን ሕድሪ ኣብ ዝባንና ኣሎ!

ብገብረዝጊ ኣፍወርቂ

20 ሰነ ዝኽሪ ስዉኣትና፡ ረዚን ሕድሪ ኣብ ዝባንና ኣሎ!

20 ሰነ ዝኽሪ ስዉኣትና፡ ረዚን ሕድሪ ኣብ ዝባንና ኣሎ!
ብኣቶ ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ንሕና ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ እዛ ሰላም ጌርና ሽገርገር ዘይብላ ሃዲእና ብጻዕርና ሰሪሕና ብጽቡቕ ክንነብረላ ብኣምላኽና ዝተዓደለትና ገነት መሬት፣ ኩልና ኣመንቲ ኣብ ጉዕዞና በብእምነትና ንፈጣሪና ኣመስጊና ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ /ረቢ ብኣካል ክንርእዮን ክንድህስሶን ካብ ዉሽጢ ልብና ድልየት ኣሎና። እንተኾነ ግን ዘይረኤን ዘይድህሰስን ረቂቕ ኣካል ኣብ ኩሉ ቦታ ምሳና ከም ዘሎ ተረዲእና ኣብ እንነብሮን እንኸዶን ኣብ ውሽጢ ኩሉ ፍጡር ከምዘሎ ስለንኣምን ምስሉ / ስእሉ ብዓይኒና ርኢና ኣብ ልብና ኣቐሚጥና ንምሕረቱ ኣምላኸይ ምሳይ ኣሎ መደቐይ ንሱ ኢዩ ኢልና ንኣምን።

ውግእ ቀታሊ ኢዩ። ቀታሊ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ጉዕዞ ገድሊ ከምኡውን ድሕሪ ነጻነት ናይ ዶባት ውግእ ኩሉ ፍጡር ሰብን እንስሳ ዘቤትን ኣብ ገዝኡ ከሎ ወይ ወፊሩ ከይተመልሰ ፣ እንስሳዘገዳምን ለመምታን ኣብቲ ዝነብረሉ ስቱር መጽለሊ ቦታኦም ሰፊሮም ከለዉ፣ ኣዕዋፍ ካብ ሰፈረን ወጺኤን ኣብ ሰማይ እንዳበረራ ከለዋ፣ ኣብ ቀላይን ባሕርን ዝነብሩ እንስሳ ባሕሪ ብሰላም እንዳኣንሳፈፉ፣ በብዓይነቱ ዘራእቲ፣ ኣሕምልቲ ፣ ተኽሊ ፍሬታት ዓንቢቡ ወሊዱ ሸዊቱ ኣብዝነበረሉ ጊዜ ብጠያይትን ተባራዒ ቦንባታት ጽላኢ ተቐቲሉን ተቃጺሉን። ኣግራብ ዓበይትን ነኣሽቱን ብመጋዝ ጸላኢ ተቖሪጹ፣ ስልማት መሬት ቐጠልያ ሳዕሪ፣ ዝተፈላለየ ሕብሪ ጻዕዳ ቀይሕ ቀጠልያ ብጫ ዘለዎም ዕንባባታት ክትርእዮም ዘብህጉ መልክዕን ግርማን ናይ ሰፋሕቲ ጎላጉል - ዓቦይቲ ጎቦታት ተቓጺሎም ቀምሲሎም።

ኤርትራ ነጻ ሃገር ኮይና ህዝባ ብሰላም ምእንቲ ክነብር ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዓ.ም በብጊዜኡ ኣብ ስውራ ዝተሰለፉ/ ዝተሰለፋ ጀጋኑ መንእሰያትና ኣብቲ ምስ ወተሃደር ጽላኢ ዝተገብረ ዓውደ ውግእ ክብርቲ ሂወቶም ከፊሎም ሰንኪሎም ነጻነት ኣበሲሮሙና፣ ህዝቢ ብነጻነቱ ዘሊሉ ተሕጉሹ።

ቀዳማይ መድረኽ ናይ ነጻነት ቃልሲ ተወዲኡ ህዝቢ ብውሽጢን ብደገን መንፈሱን ሐሳቡን ብሐደ ራኢን ሕልምን ኣመዓራርዩ ሃገር ክሃንጽ፣ ከልምዕ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ተሰጋጊሩ፡ ጻማ ጻዕሩ ክረክብ ንስራሕ ኣብ ተበገሰሉ ጊዜን፡ ወለዲ መስዋእቲ ደቖም ከይተደበሱ ከለዉን፡ ብታህዋኽ ዝተሃንደሰ ዘይተሐስበ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ጸረ ሰላም ኢሰያስ ብዝጻሕተሮ ጽልኢ፡ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ ምእንቲ ሃገር ክይትውረር ምስ ናይ ወጻኢ ሐይልታት ተዋጊኡ መስዋእቲ ከፊሉን ሰንኪሉን ሃገር ኣድሒኑ። ወተሃደር ጸላኢ ዶብ ስጊሩ ክሳብ ሎሚ፡ ንዓመታት ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዓስኪሩ ይነብር ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ብዶብ ኣሳቢቡ ምስ ሕሱም መነባብሮ ሰራዊትና ተጻብኦ ውግእን ወረ ውግእን ክነፍሕ ንዓሰርተታት ዓመታት ክገብሮ ዝጸንሔ ከይኣኽሎ፡ ሎሚውን ክደፍር ከሎ ይኽሕድ፡ ክሰግእ ከሎ ድማ እታ ናይ ቀደም ጥሩንባ ኣልዒሉ፡ ጥሩንባ ውግእ ይነፍሕ ኣሎ። ሕልና ዘይብሎም ምእዙዛት ተኻላኸልቲ፣ ተለኣኣኽቲ፣ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻእን ዕሱባት ሰባት ኣዋፊሩ ነቶም ስርዓተ ሕጊ ይተሓሎ፡ መሰል ደቂ ሰባት ይከበር፡ ዝበሉን ዝተጣበቑን፡ ካብ ጊዜ ገድሊ ጀሚሩ ዘማዕበሎ ቀንጻሊ ዕላማ ተኸቲሉ፡ ዓፊኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የሕቅቕ፡ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ንሕስያ ዘይብሉ ብተመልከተለይ መንእሰይ ይቐዝፍ፡ ኣሎ። መሬትና ልምዓት ተሓሪምዋ፡ ዝነበረ ህንጻታት ዓንዩ፣ ዝተሃንጸ መንበሪ ገዛውቲ ብቡልዶዘር ፈሪሱ፣ ባሕርና ብናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ሐይልታት ተደፊሩ፣ ሃብቲ ባሕሪ ተጠቃሚ ዝነበረ ህዝቢ፡ ካብ ባሕሩ ተሰጒጉ፣ መንእሰይ ብጻዕሩ ሰሪሑ ከይነብር ካብቲ ጨካን ተግባሩ ሰጊኡ፡ ሃገር ገዲፉ ኣብ ቕድሚኡ ዘጋጥሞ ሐደጋታት ሰጊሩ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተጸባይ ግብረ-ሰናይ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ክሳብ መዓስ?

እንባኣርከስ ክቡር ህዝቢ! ነቲ ኩሉ መሪር ጸበባን ጸገምን ብዓማጺ ስርዓት ኣባና ዝዓለበ ሕጂውን ከይድገም፡ ኣብ ልዕሌና ከም ሰርቢ ማይ ተንጠልጢሉ ዘሎ ደበና በቲንና፡ ንሓዋሩ ከነጥፍኦ፡ ከምቲ ነቲ ካብ ሰብ ዝልዓለ ባህርን ስልጣንን ዘለዎ ክንርእዮን ክንድህስሶን እንምነዮ ግን ከኣ ዘይከኣል ዘይርኣ ወይ ዘይተሓዝ ረቂቕ ነገር፡ ምስ ኩልና ዝነብር ኣምላኽ ምስሉ/ስእሉ ብዓይንና ርኢና፡ ኣብ ውሽጢ ልብና ኣቐሚጥናዮ ኢና እንነብርሞ፡ 20 ሰነ ስውኣትና ምእንቲ ክቐስኑ፡ ብኽብረት ብሰላም ሃዲእና ሽምዓ ወሊዕና ክንዝክሮም ኢና። ደጊምና ድማ ነቲ ጎዲሉና ዘሎ ሕግን ፍትሕን ከነምጽእ፡ ምስሊ/ስእሊ እቶም ዘልዕሎም ዘይብሎም ኣብ ሓዘንን ጓሂን ዘለው ወለዲ፡ ስእሊ እተን ካብ ውሽጢ ገዛ ወጺኤን ኣብ ገበላ በይነን ተኾርምየን ተጨቢጠን ዘለዋ ኣደታት ስዉኣት፡ ኣብ ሂወተን ዘሎ ሕሰም ብዓይንና እንዳረኤና፡ ብሕልና ኣብ ውሽጢ ልብና ኣስፊርና፡ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣትና፡ መበገሲት ሓርነትና ጌርና ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ተኸባቢርና፡ ኣስላምና ክርስትያና ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ራኢናን ሕልምናን ክዕወት ሓቢርና ንቕድሚት ንመርሽ። ኣብ ምንጎና ዝፈላሊ የብልናን። ሐላፍነት ዘይብሉ ወንጀለኛ ፣ ፈላላይን ጸላኢን ናይ ኩልና፡ ፊጌን ኢሳያስ ጥራይ ኢዩ

ስለዚ፡ ምስ ኩሉ ባህግታትናን ጽቡቕ ድልየትናን፡ ነቲ ከዓውተና ዝኽእል ነጥብታት ንጹር ኮይኑ ዝቐለለን ዝሓጸረን መንቀሊ መደብ ወሲድና፦ ብዝሕና ጸጋና ፣ ሐድነትና ዓወትና፣ ሰራዊትና መንደቕና ከምዝኾነ ኣሚንና፡ ብዘይ ዝኾነ ጸቕጢ ንነብስና ነጻ ጌርና፡ ሃየ ንበግስ።

ናይ ዜናን ሐበሬታን፣ ምሁራት፣ ሰብ ሞያ፣ ሰብ ጸጋ፣ ፖለቲካውያን ውድባት ወዘተ...... ምስ ምንቕስቓስ ይኣክል ሐደ ጽኑዕ ድልድል ተመስሪቱ፡ ኣንፈቱ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝጠመተን ዝበጽሕን ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን ዘይምትእምማን ተፈጢሩ ዘሎ ጋግ፡ ካብ ናይ ነንሕድሕድ ስግኣት ዘድሕን፡ ናብ ሕውነትናን ሐላፍነትናን ዝመልስ፣ ክብርና ዝሕሉን መስመር ፈጢርና፡ ጸግዒ ህዝቢ ኮንና ናብ ዓወት ዘብጸሐና መሚና ንቃለስ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ


ኣይረሳዕናዮን! We haven't forgotten!




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: