20/12/2024 23:50 PM
ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ 05/12/2024
Eritrean National Salvation Front (ENSF), second regular excecutive committee meeting statement, 05/12/2024.
ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣
ኣብ ትሕቲ’ቲ ኣብ ኤርትራን ኣብ መላእ ዞባናን ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ኣገዳስን ቅልጡፍን ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ካብ 1-5 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ።
ፈጻሚ ኣካል እቲ ኣጀንዳ ብምጽዳቕ ብምጅመሮ ኣኼባኡ፡ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ፡ ኣብ ሃገርናን፡ ዞባናን ዓለምን ሰፊኑ ዘሎ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝገልጽ ፖለቲካዊ ጽሑፍን፡ ከምኡ’ውን ስራሓት ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ኣካል ምግምጋምን፣ ብምቕጻል ብዛዕባ ኩነታት ሓይልታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስን ዘጠቓለለ ጉዳይ ዘትዩ።
ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፡ ነቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ሰፊሕን ሚዛናውን ፖለቲካዊ ጽሑፍ ብዕምቆት ብምርኣይን፡ ኣብ ኩሎም እቶም ምስ ሃገራዊ ቃልስና ዝተኣሳሰሩ ውሽጣውያንን ግድማያንን ጉዳያት ብግቡእ መሚዩ ድሕሪ ምምይያጥን፡ ንመጻኢ ስራሓት ከም መምርሒ ዘገልግል ጽማቚ ብምውጻእ ኣጽዲቑ። ብድሕሪ’ዚ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ነቲ ብኣብያተ ጽሕፈታት ዝቐረበ ጸብጻባት ስራሓት ሰሚዑ፣ ኣብዚ ድማ ኣድላዪ ምይይጣትን ገምጋማትን ብምክያድ፣ ሓያልን ድኹምን መዳያት ኣለልዩ፣ ንዝቐረቡ ጸብጻባት ኣጽዲቑ። ካብኡ ተበጊሱ ድማ ኣገደስቲ ውሳኔታት ወሲዱ፣ ንዝቕጽል መድረኽ ድማ መደባት ስራሕ ተሊሙ። ፈጻሚ ኣካል፡ ኩለን ምምሕዳራት ኣብያተ-ጽሕፈታት ፈጻሚ ኣካል፡ ነቲ ተወጢኑ ዝነበረ መደባት ኣብ ምትግባር ዝገበርኦ ዕቱብ ጻዕሪ ኣድናቖቱ ብምግላጽ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዝካየድ ውድባዊ ዕማማት ንምትርናዕ ዝያዳ ጻዕሪ ክገብራ ኣተባቢዑ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝብና፡ ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝኸደ ኣደዳ ስቓይን ስደትን፡ ካልእ ኩሉ ዓይነት ዓፈናን ራዕድን ተቓሊዑ ይርከብ ምህላዉ ብሩህ ኮይኑ፡ እቲ ናብዚ ዘብጸሐ ዋና ጠንቂ ድማ፡ እቲ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ፖሊሲታት ህግዲፍ ምዃኑ ብምንጻር፡ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ሚዛኑ ኣንቢሩ። ህዝብና ካብዚ ገባቲ ስርዓት ንምግልጋልን፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ንምውሓስን፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸሙን፡ ገና‘ውን ዝፍጸሙ ዘለዉን ኩሎም ግፍዕታት፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላይ ኣብ ዝካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ውድብና ግሃድኤ፡ ምስ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ብምትሕብባርን ብምውህሃድን፡ ቃልሲ ህዝብና ንምብራኽ ኣገዳስን ወሳንን ዕማም ምዃኑ ብምእማን፡ ከም ወትሩ፡ ዝተዓጻጸፈ ቃልሲ ከካይድ ምዃኑ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠሞም ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታት ብዕትበት ሪኡን መዚኑን። ብፍላይ ድማ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዞባና ሰፊኑ ዘሎ ውግኣትን ግርጭታትን፣ ኣመልክቱ ብዕምቆት ድሕሪ ምምይያጥ፣ ነዚ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ናይ ሰብኣዊ-መሰል ትካላት ቀጻሊ ርክብ ብምክያድ፣ ኩነታት ስደተኛታትና ኣብ ምምሕያሽን፡ ጸጥታኦም ኣብ ምውሓስን ግቡኦም ክፍጽሙ ኣብ ምዝኽኻር ብዕትበት ክስርሓሉ ምዃኑ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣነጺሩ። ምስዚ ዝተተሓሓዘ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ንጉዳይ ሓተትቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕግታት ከኽብሩን፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዘይቅቡልን ኢ-ሰብኣውን ግፍዕታት ደው ከብሉን ፈጻሚ ኣካል ጸዊዑ። ቀጺሉ፡ ኤርትራውያን ስደተኛኛታ ኣብ ሃገሮም ውሑስ ህይወት ዝረኽብሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡ ናይ ምምላስ ዕድል ክሳብ ዝረኽቡ፣ ኣብቲ ተዓቚቦሙሉ ዘለዉ ሃገራት፡ ግቡእ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክረኽቡ፣ እቲ ነዚ ዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሓላፍነቱ ክሰከም፣ ፈጻሚ ኣካል ተሪር ምሕጽንታ መጸዋዕታን ኣቐሪቡ።
ግደ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ምምካት ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ ድማ፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ከምኡ’ውን በርጌሳዊ ውዳበታትን ሃገራውያን ሊሂቃንን፡ መሳርዖም ብምጥርናፍ፣ ንገባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ንምእላይ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ምሕያል ተርኦም ክጻወቱ ጸዊዑ። ኣኼባ፡ ብዛዕባ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ብዕምቆት ዘትዩ። ኣብ ሃገርናን ዞባናን ዘሎ ህሉው ምዕባሌታት ዘስዕቦ ዘሎ ብድሆታት ንምግጣም ድማ፡ ጻዕርታቶምን ኩሉ ዓቕሞታቶምን ብሓባር ጠርኒፎም ክቃለሱ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ርእዩ። ካብዚ ስተራቲጂካዊ መርገጽ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፣ መስርሕ ሓድነታዊ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ልፍንቲ፡ ምሉእ ሓድነት ብምርግጋጽ፣ ኣብቲ ህዝብና ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ፡ ኣብ ሃገርና ሓርነትን ፍትሕን ንምንጋስ ዘካይዶ ዘሎ ምዑት ቃልሲ፡ ኣድማዒ ኣበርክቶ ክገብር ንኽበቅዕ፣ ናይ ውድብና ነቕ ዘይብል መርገጽ ምዃኑ ኣኼባ ኣረጋጊጹ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብቲ ብደንበ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዝካየድ ዘሎ ዓውዲ ቃልሲ መሪሕ ተራ ምእንቲ ክጻወት፣ ቃልሱ ከኻዕብትን፣ ሰሪዑዎም ዘሎ መደባት ከሰላስልን፡ ሳልሳይ ጉባኤኡ ንምክያድ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ዕዉት ንምግባርን፣ ውድብና፣ ሓገዝቲ ሓሳባት ኣብ ምብርካት ዝከኣሎ ኣስተዋጽኦ ክገብር ድልዊ ምዃኑ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ኣረጋጊጹ። እዚ ትካል’ዚ ኣብቲ ድሕሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝትከል ህዝባዊ ምሕደራ፣ ብመልክዑን ብትሕዝቶኡን፡ ምልኣት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ሃገራዊ ሕመረት ለቢሱ ንኽዕወት፣ ራኢን ጻዕርን ውድብና ምዃኑ፡ 2ይ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣስሚርሉ።
ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፡ ኣብ ዞባናን ዓለምናን ብቐጻሊ ዝኽሰት ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ እዋን ከኣ፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ዘይቅርዑዊ ልፍንትታትን ናይ ሓይልታት ዝምድናታትን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ይኹን፣ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንዝፍጠር ግርጭታት፡ መሊሱ ንኽባራዕ፡ ላንባ ናይ ምንስናስ ገደ ይጻወት ከም ዘሎ ርእዩ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ድማ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ልዑላውነት ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከብ ግዝኣታዊ መሬት፡ ወደብ/ባሕሪ ክውንኑ ድልየት ከም ዘለዎም ዘመልክት፡ ብቐጻሊ ዘቃልሕዎ ዘለዉ ሓደገኛ መግለጺታት፣ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ናይዚ ሓደገኛነት ብዕምቆት መዚኑ። ብፍላይ ድማ እቲ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ይኹን ኣብ ልዕሊ’ቶም ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት፡ ደጋጊሙ ክዛረቦ ዝጽንሐ ናይ ፈኸራ ቋንቋ፣ ማልት፣ ሓንሳብ “ንኤርርትራ ናብ ቓዛ ክንቅይራ ኢና፣ ጉዳይ ውነና ባሕሪ፡ እንተስ ብፍቶት እንተስ ብሓይሊ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ወዘተ” ዝብል፣ ንርግኣትን ሰላምን ናይቲ ከባቢ ዝህውኽን ናይ ምፍርራሕ ዝባህርያቱ ቃላትን፣ ንጹር ጥሕሰት ልዑላውነትን ኢልና ስለ እንቖጽሮ፣ ንልዑላወንትናን ሓድነት መሬትናን ብዝምልከት፣ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ፣ ዋልታ ሃገርና ክንከውን ምዃንና፣ ኣኼባ ኣነጺሩ ኣረጋጊጹ። መራሕትን ሊሂቃንን ኢትዮጵያ፡ ናይ ፈጠራ ታሪኽ እናምጽኡ፣ “ባሕሪ ናይ ምውናን መሰል ኣሎና” ዝብል ከንቶ መጎት ምቕጻሎም ድማ፣ እዚ ዊንታዊ ኣተሓሳስባ‘ዚ ዘኸትሎ ሳዕቤን ዓብን ሓደገኛን ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ካልኣይ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ከጠንቅቕ ይፈቱ፡፡ ሰበ-ስልጣን ናይ ክልቲኡ ሃገራት፣ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን፡ ውሳኔ ኣህጉራዊ ቤት ፍርድን፡ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ባይታ ንምሕንጻጽ ብትግሃት ክሰርሑ ድማ ኣኼባ ጸዊዑ። እዚ ትግበረ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን፡ ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ፡ ቐጻሊ ርግኣት ኣብ ምፍጣር ዓቢ እጃም ከም ዘለዎ እምነትና ምዃኑ ድማ፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣረጋጊጹ።
ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸይድ ዘሎ ወትሃደራዊ ኲናት ኣልዒሉ ድሕሪ ምምይያጥ ዘለዎ ዓሚቝ ሻቕሎት ገሊጹ። እቶም ኩሎም ኣብዚ ዝዋስኡ ዘለዉ ሓይልታት፣ ንላዕለዋይ ሃገራዊ ረብሓ ሃገሮም ሱዳን ቀዳምነት ክህቡን፡ ፍታሕ ንምርካብ ድማ፡ ናብ መኣዲ ዘተ፡ ብዘይ ወዓል-ሕደር፡ ብምእታው፣ ሱዳን ካብዚ ትሳቐዮ ዘላ ኣዕናዊ ቅልውላው ንምግልጋል ክሰርሑ፡ ሕውነታዊ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ። እዚ ምስ ዝገብሩ ጥራሕ ኢዩ ድማ፣ ሓድነትን ናጽነትን ህዝቢ ሱዳን ኣብ ምዕቃብ ኮነ፤ ልዑላዊ ሃገራዊ ትካላቱ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰራዊት ሱዳን፡ ኩሉ ዓቕምታቱ ብሓባር ጠርኒፉ ምስ ዝሰርሕ ጥራሕ ምዃኑ ንልዑላውነትን ናጽነትን ሰላምን እታ ሃገር ኣብ ምሕላው፡ ሓላፍነቱን ግዴኡን ክጻወት ዝኽእል ዝብል ሚዛኑ ኣንቢሩ። ብምቕጻል ኣኼባ ፈ. ኣካል፣ ንኹለን እተን ዞባውን ኣህጉራውን ሓይልታት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ጣልቃ ብምእታው፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግርጭት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ሱዳን ዝግበር ዘሎ ኲናት ተወሳኺ ነዳዲ ካብ ምንስናስ ክቚጥባ ጸዊዑ። ኣኼባ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ዝካየድ ዘሎ ወራር እስራኤል ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዛራረበሉ ግዜ፡ ነቲ ኣስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ፍልስጤአማውያን ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ኮኒኑ። ነቲ ንፍትሓዊ ናይ መሰል ርእሰውሳኔ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጤም ዝድግፍ መትከላዊ መርገጽ ውድብና ድማ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ኣኼባ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም እትፍጽሞ ዘላ ናይ ጽንተት ተግባር ደው ከተብሎ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ፡፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዓረብን እስራኤልን ዘሎ ግርጭት ኣመልኪቱ ዝወጸ ኣህጉራዊ ውሳኔታት ብምቕባል፡ ንጉዳይ ፍልስጤም፡ ፍትሓውን ዘላቕን ፍታሕ ምርካብ፣ ንሰላም ናይቲ ከባቢ ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ፣ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣዘኻኺሩ።
ፈጻሚ ኣካል ኣብ መዛዘሚ ኣኼባኡ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከቡ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ንዝተሰርዑ መደባትን ናይ ስራሕ ትልምታትን ውድብ ኣብ ምትግባር ዘርኣይዎ ዕቱብነት ድሕሪ ምምጓስ፣ ተደራራቢ ጻዕርታቶም ብዝያዳን ብቐጻልን ክብ ከብሉ ኣተባቢዑ።
ነጻን ሓራን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!! ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!! ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና !
ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
05/12/2024
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።