Eritrean Veterans Day 2018

12/08/2018 21:31 PM

Eritrean Veterans Day 2018

Celebration UK Report

ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2018

ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ

Eritrean-National-Service

ትማሊ ዕለት፡ 11 August 2018፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንርከብ ኤርትራውያን፡ "መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2018" ብክብ ዝበለ ኣገባብ ጸምቢልናዮ ውዒልና። እቲ ጽምብል፡ ኣብ ኣዳራሽ Initiatives of Change ዝተኻየደ ኾይኑ፡ ሰዓት 2 ድሕሪ-ቀትሪ ጀሚሩ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ድማ ከምቲ ዝተመደበሉ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብዚ ጽምብል'ዚ ካብ ሎንዶንን ካልኦት ከተማታትን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ሓርበኛታትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ከምኡ'ውን መንእሰያትን ተሳቲፎሞ።

እቲ መደብ፡ ብ'ዶ/ር ሉል ስዩም፡ ሓንቲ ካብ ኣባላት ሽማግለ በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት፡ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ሓጺር መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ፡ ነቲ ጽምብል ብዝኽሪ-ሰማእታት ብናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ከፊታቶ። ካብኡ መድድርኽ ናብ ሚስተር ጆንሶን ኣባል Initiatives of Change ኣመሓላሊፋቶ ንሱ ድማ ንትካሉ ወኪሉ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ናብዚ ንምስታፍ ኣብቃዓኩም ድሕሪ ብምባል፡ ሓጺር ታሪኽ ናይቲ ትካልን ዕላምኡን ገሊጹ። ቀጺሉ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ መድርኽ ሰላምን ዕርቂን ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ገሊጹ።

Eritrean Veterans Day 2018-UK

መድርኽ ቀጺሉ ናብ ኣላይ መድርኽ መንእሰይ ረድኢ ዓይቡ ተረኪቡ። እቲ መድርኽ ካብ ምጅማር ክሳብ መወዳእታ ብኡኡ እናተኣልየ ኢዩ ተኻይዱ። በዚ መሰረት፡- ነዚ በዓል ዘንጸባርቕ ብኣዳላዊት ሽማግለ ዝተዳለወ መልእኽቲ፡ ብሰለስቲኡ ቋንቋታት (ትግርኛ፡ ዓረብን እንግሊዘኛን) ቀሪቡ። ቀጺሉ መድርኽ ነዚ መዓልቲ'ዚ ዝተዳለወ መጽናዕታዊን ትምህርታዊን ወረቓቕቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፡-

(1) ብ'ዶ/ር ተስፋማሪያም መሓሪ፡- Intergenerational Patriotism for Peace, Justice and Democracy in Eritrea.

(2) ብ'ሓርበኛ መብራት ደረስ፡- National Reconciliation (ሃገራዊ ዕርቂ)

(3) ብ'ሓርበኛ ዓሊ መሓመድ ሳልሕ፡- The Ethiopia-Eritrea Peace Process and Our Role (ብዓረብኛን ትግርኛን)

ካብኡ፡ ሕቶን መልሲን ከቕርቡ ንተሳተፍቲ መድርኽ ተኸፊቱ። ድሕሪ'ዚ ናይ ሻሂን ቡንን፡ ቁርሲን፡ ሓጺር ዕረፍቲ ወሲድና።

ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ክፉት ናይ ርእይቶን ዘተን መድርኽ ኢዩ ተኸፊቱ። ውዕዉዕ ብዝኾነ ተሳትፎ ድማ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ቀሪቦም። ኣብ መወዳእታ መደብ፡ ተሳተፍቲ ዘለዎም ገምጋም ርእይቶኦም ዘስፍሩሉን ንመጻኢ መደባትና ዝሕግዝን ሕቶታት ዝሓዘ ፎርም ተዓዲሉዎም ብምምላእ ተዛዚሙ።

እዚ ጽምብል'ዚ ብተንቃሳቓሲ ናይ ሓርበኛታት ኣሳእልን ዜማታትን እውን ዝማዕረገ ኢዩ ነይሩ።

እዚ ንሳልሳይ እዋኑ በብዓመቱ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ኩሉ ዘድሊ ወጻኢታቱ፡ ብወለንታዊ ወፈያ ናይ ገንዘብን ብዓይነትን (መግቢ ወዘተ) ናይ ኣደለውቲ ሽማግለ ኢዩ ተሸፊኑ። እቲ ዝዓበየ ቀጻሊ ሓገዝ ናይ መኣከቢ ቦታ ድማ ብ'Initiatives of Change ኢዩ ክፍቀደልና ጸኒሑ፡ በዚ ድማ ክብ ዝበለ ምስጋና ይግብኦም።

ንዓመታ ከምዚ እዋን፡ ብዝሰፍሐን ብዝበለጸን ከነብዕሎ እናተተስፎና፡ ንኹልኹም ተሳተፍቲን ነቶም ጊዜኹምን ገንዘብኩምን ከይበቐቕኩም ዝተበጆኹም ኣባላት ኣዳላዊት ሽማግለ ድማ ዝለዓለ ምስጋና ይብጻሕኩም።

ኣዳላዊት ሽማግለ በዓል
መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ።

Eritrean Veterans Day 2018-UK

Here below is our Video report)
ስዒቡ ናይ ቪድዮ ጸብጻብና እነሆ


Eritrean Veterans in the Uk 2018 Introduction


"Opening Speech" by Biniam Debesay / Eritrean Veterans in the Uk 2018. Part 1


Dr. Mebrat Deres Presentation / Eritrean Veterans in the Uk 2018. Part 2


Veteran Ali Mohamed Saleh Presentation / Eritrean Veterans in the Uk 2018. Part 3


Dr. Tesfamariam Mehari Presentation - Eritrean Veterans in the Uk 2018 Part 4


Q&A - Eritrean Veterans in the Uk 2018. Part 5


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: