03/10/2024 00:15 AM
መበል 11 ዓመት ዝኽሪ፡
ናይቶም ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡
ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ፡ 369 ኤርትራዊያን።
11th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa, on 3rd October 2013
11 ዓመት ዝኽሪ፡ ናይቶም ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ 369 ኤርትራዊያን።
11th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa, on 3rd October 2013.
ሰላም ንኹልኹም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም!
ኣብ መፈለምታ ናይዛ ቅድሚ ሳልስቲ ዝተዛዘመት ወርሒ መስከረም 2024፡ ነታ ኣብ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት ናይ ኤርትራውያን ብሓበን ዘኪርናያ።
ካብዛ ወርሒ ከይወጻእና፡ ኣብ 18 መስከረም 2024 ድማ፥ ነቲ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘጋጠመ ዘሕዝን ታሪኻዊ ጥልመት፡ ንሕድሪን መብጽዓን ሰማእታትና፡ ማለት፡ ትግባረ ቅዋምና ዝተኾልፈሉ፥ ናጻ ጋዜጣታትና ዝተዓፈናሉ፡ ሓርበኛታት ኣርካናት መራሕቲ ሃገርናን ናጻ ጋዜጠኛታትናን ዝተሓየሩላ፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ጸላም ክትነግሰላ ዝጀመረት ዕለት፡ ብዓቢ ሓዘን ዘኪርናያን፡ ኣስተንቲንናን። እቶም ኣብዛ ዕለት 18 መስከረም 2001፡ ብቓጻ ተጨውዮም እተሰወሩ ሓርበኛታት፡ ነቲ ዉዕዉዕ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ፡ ማለት፡- ሃገርና ናብ ዓዲ ቅዋምን ልዕልና ሕጊን፡ ንቡር ህይወትን ክትሰጋገር፡ ንኹሎም ዜጋታት ዘሳትፍ ሓድሽ መድርኽ ንሃገራዊ ምዕባለ፡ ኣብ ሃገርና ክኽሰትን፡ መንእሰይና ቀሲኑ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ንኽነብርን፡ ዝጽውዕ ጠለብ ኢዩ ነይሩዎም። ይኣክል! ኩሉ ዝሓለፈ ኣከያይዳና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ናብ ንቡርን ቅዋማዊን ኣሰራርሓ ንምእታው፡ ስልጣን ናብ ህዝብና ከነረክብ ኣሎና፡ ኢዮም ዝበሉ። እቲ ፊን ከም ዝበሎ ዝኸይድ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ካልእ ስዉር ዕላማ ስለዝነበሮ፡ ነዞም ኣርካናትና ጨውዩ ብምስዋር፡ ኣዒንቲ ሕብረተሰብና፡ ደፊኑዎ። ንሕና ውን ከም ህዝቢ፡ ነዞም ናይ ህዝቢ ሕቶ ዘልዓሉ መራሕትናን ጋዜጠኛታትናን፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ እዝኒን ግብረመልሲን ኣይሃብናን። ኮነ ኸኣ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ራዕዲን ሽበራን፡ ስደትን ኲናትን ሰስዓቦ ዘየቋርጽ ሞትን ሓደጋታትን፡ ጃምላዊ ቅዝፈትን፡ ኣብ ዓሚቕ ሓዘንን፡ ተሸሚምና ንርከብ ኣሎና። ኣብ ታሪኽና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ደልሃመት ኣቲና፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብፍልሰት መንእሰያት ደቃ፡ ካብ ዓለም እትልለ፡ እተገርም ሃገር፡ ኮይና ኣላ።
ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዋጋ ዘይክፈሎ ጊልያነት፡ ብስም ሃገራዊ-ኣገልግሎት፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ተቖሪኖም፡ መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱ ይርከብ። ኣብታ ወለዶም በጃ ዝሓለፉላ ዓዶም፡ ቀሲኖም ክነብሩላ ኣይከኣሉን። ንቡር ህይወቶም ክገብሩ፡ ክምርዓዉን ክወልዱን፡ ዕድል ኣይረኸቡን። ናይ ውልቆምን መጻኢ ሂወቶምን ምዕባለ ክሓስቡ፡ ክመሃሩ፡ ክመራመሩ፡ ንነብሶም፡ ንስድራቤቶምን ሃገሮምን ዘርብሕ ሞያ ከጥርዩን፡ ዕድል ተዓጽዩዎም። እቲ እንኮ ዝራኣዮም ኣማራጺ ኸኣ፡ ካብ ሃገር ሃጽ ኢልካ ምውጻእ ኮይኑ። ኣብ ጉዕዞ ስደት ከቢድ ሓደጋታት እናፈለጡ፡ ካብ ዘሎናዮ ጊልያነት፡ ንሱ ይሓይሽ ብምባል፡ ናይ ህይወቶም ዕድል ንሓደጋ ኣቃሊዖም፡ ናብ "ዓዲ ራህዋ" ንምብጻሕ፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም፡ ብኣማኢታት ኣሻሓት ተሰዲዶም። ኣብቲ ጉዕዞ ምድረበባን ባሕሪን፡ ኣእላፋት መንእሰያትናን ደቅናን ጠፊኦምን ተሳቕዮምን። ነዚ ሰጊሮም ዓዲ ሰላም ዝበጽሑ እንተኾነ ውን፡ ኣብ ጉዕዞ ብዝሓደሮም ከቢድ በሰላ፡ ብስነ-ኣእሙሮኣዊ ምንዋጽን ጭንቀትን ክሳቐዩ ይርኣዩ።
እዚ ኣብ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013: ንመላእ ዓለም ዘሰንበደን ዘሕዘነን፡ ናይ ልዕሊ 369 ኤርትራውያን ህልቂት፡ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢጣልያ (ላምፓዱሳ) እምበኣር፡ ኣብ ኣፍ-ደገ እቲ ምዕቡል ዓለም ስለዘጋጠመ ጥራይ ኢዩ፡ ዓቢ ዜና ኾይኑ እምበር፡ ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ፡ ካብዚ ቁጽሪ'ዚ ዝዛይድ ይኹን ዝውሕድ፡ ኣብ ሓደ እዋን ጥራይ ዝተኸስቱ ብዙሓት ሓደጋታት ናይ ኤርትራውያን ተራእዮም ኢዮም። ንኣብነት ቅድሚ ህልቂት ላምፓዱሳ፡ 400 ኤርትራውያን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑሉ እዋን፡ ዝዝከር ኢዩ፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ዘጋጠመ ህልቂት፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ወጺኡ፡ "እንታይ ክገብሩ ኢዮም ከ፡ ናብኡ ከይዶም?" ክብል፡ ከምዝሓጨጨሉ ንዝክር ኢና። እቶም ኣብ ጥዑም ቦታ እንነብር ኤርትራውያን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ ዝዓደለና ሰብኣዊ ሕልና፡ ብግቡእ ክንጥቀመሉን፡ ወጽዓ ናይ ህዝብና ንዓለም ክንነግርን፡ ኣይከኣልናን። እቲ ካብ ባሕሪ ተዘቚቑ ዝወጽአ ሬሳታት ኤርትራውያን ግን፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዒ፡ ኣውያቱ ብግብሪ ኣመስኪሩን ኣስሚዑን። ሎሚ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2024፡ ነታ ህልቂት 369 ኤርትራውያን ዘርድኣትና፡ ርግምቲ ዕለት፡ ላምፓዱሳ፡ ን11 እዋን ኢና፡ ብዓቢ ሓዘን ንዝክራ ዘሎና።
ERIPM (03 October 2024:
ዝኽሪ መበል 11 ዓመት ግዳያት ላምፐዱሳ!!!
ህልቂት ላምፓዱሳ ኮነ፡ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠመ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ሓዘኑ ብእኩብ ገሊጹ፡ ነቲ ናብዚ ኩነታት ክበጽሑ ዝደፋፍአ ግጉይ ፖሊሲን ምልካዊ ምሕደራን ኤርትራ ድማ ብዓውታ ኮኒኑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ቤተሰብ ናይዞም ግዳያት ግን፡ ከምቲ ንቡር ወግዒ ናይ ሕብረተሰብና፡ ሓዘኖም ክገልጹ ኣይተፈቕደሎምን። እቲ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መራሒ መንግስቲ ሃገረ-ኤርትራ እንተኾነ እውን፡ ንጉድኣት ዝበጽሖም ቤተሰብ፡ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ እኳ ኣይሃቡን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ እታ እንኮ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ (ኤሪቲቪ)፡ "ዘይሕጋውያን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ" ብምባል ኢያ፡ ነቶም ዝሃለቑ ኤርትራውያን ክትጠቕሶም ተሰሚዓ። እቲ ኣማኢታት ሬሳታት ኤርትራውያን፡ ከም ንቡር ናብ ዓዱ ከይዱ፡ ንቡር ሓመድ ኣዳም ክለብስ ስለዘይተኻእለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ጋህስታት፡ ተኸዚኑ ኢዩ ዝርከብ። እቶም ሰብኣዊ ሕልና ዝጎደሎም ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ፡ ኢደ-በይዛ ናይቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ዝኾኑ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነዞም ኣብ ላምፐዱሳ ዝሃለቑ ኤርትራውያን፡ ዘይናቶም ስም ክህቡዎምን ኣብ ልዕሊ ሬሳታቶም ክስዕስዑን ኢዮም ተራእዮም። ካብዚ ዝኸፍእ፡ ብታሪኽ ዘሕትትን፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ጭካነ ኸኣ የለን።
እቲ ንመንእሰያት ደቂ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣት፡ ኣብ ባሕሪታትን ምድረበዳን ጥራይ ተወሲኑ ኣይተረፈን። ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይምልከት ኲናት ናይ ኢትዮጵያ (ትግራይ፡ ካልእ ከብባቢታት ኢትዮጵያን)፡ ተገዲዱ ናብ ሓዊ ዝኣተወ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብኡ ዝሃለቐ ኤርትራዊን፡ ቁጽሩ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ብብዙሓት ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ንኤርትራ ከም ናይ ውልቁ ጥሪት ገይሩ፡ ዝደለዮ ዝሸጣን ዝልውጣን ውልቀ-መላኺ ግን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ንህዝብና መርድእ እኳ ክገብረሉ ኣይደለየን።
ሃገርና፡ ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ልዕልና-ሕጊ፡ ከምዚ ዘላቶ ኣብ ትሕቲ ራዕዲን ሽበራን ክትቅጽል እንተፈቒድና፡ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ዘህልቕን ዘብርስን ዘሎ ኩነታት፡ ክቕጽል ኢዩ። እቲ ዲክታቶሪያዊ ኣመራርሓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ከም ህዝቢ፡ ስጉምቲ ዘይምውሳድና፡ ተሓተትቲ ኢና ንኸውን። እቶም በዚ ኹነታት እዚ ዝያዳ ተሓተትቲ ዝኾኑ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን፡ ስልጣን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምንዋሕ ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝርከቡ ኣካላት ኢዮም።
ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ብኽትሰምዖ ዘስካሕክሕ መግደራን ኣስካሕካሒ ሓደጋታትን ሰጊሮም ናብ ሃገረ-ሰላም ብምእታው ዑቕባ ዝረኸቡ መንእሰያት፡ ኣብ ከቢድ በሰላ ናይ ጭንቀት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኩሉ-መዳያዊ ምሕብሓብን ደገፍን ክንገብረሎም ከኣ ይግባእ። ነቲ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ውርደትን ጭንቀትን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ንምምሓው፡ ኩልና፡ ይኣክል! ንበል። ህዝባዊን ፖለቲካዊን ውደባታትና ኣሐይልና፡ ነዚ ከይሲ ስርዓት ናይ ሃገርና፡ ሓሕ! ንበሎ። ዕድመ ምልኪ ንምሕጻርን፡ ፍትሒ ንምዕዋትን፡ ሃገራዊ ዜጋዊ እጃምና ነበርክት!
ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን፡
ኣብ ሓሙሻይ ዓመት ዝኽሪ ዝቐረበት ጽሕፍቲ፡ ነቲ ክሳብ ሽዑ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ስደትን ጉድኣትን እትሕብር ስለዝኾነት፡ ደጊምኩም ኣብዚ ርኣዩዋ።
ኣብ መወዳእታ 2018 ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን 507,300 ኢዮም።
እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት 2017 ዝነበረ ቁጽሪ ኤርትራውያን (ማለት 486,000 ኤርትራውያን) ዝለዓለ ምዃኑ ኢዩ። በዚ መሰረት፥ ኤርትራ፥ ኣብ ዓለምና፥ ኣብ ምፍራይ ብዝሒ ስደተኛታት ታሽዓይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ ኣላ።
እተን ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ሃገራት፥- ኢትዮጵያ 174,000, ሱዳን 114,000, ጀርመን 55,300, ስዊዘርላንድ 34,100, ሽወደን 27,700, ኖርወይ 15,200, ነዘርላንድ 14,900, እስራኤል 14,500, ዓባይ ብሪጣንያ 13,000 ምዃኑ ጸብጻብ የመልክት።
ኣብዚ ላዕለዋይ ቁጽሪ`ዚ ዘይተጸብጸቡ፡ ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ገና ኣብ መስርሕ ምጽራይ ዝርከብ 78,600 ኤርትራውያን ከምዘለዉ እውን እዚ ጸብጻብ ወሲኹ የብርህ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ፡ ነቶም ምዝጉባት ሓገዝ ዝግበረሎም ኤርትራውያን ዑቕበኛታት ጥራይ ዝምልከት ኢዩ።
ዝርዝር ጸብጻብ ኣብዚ ተወከስ።
ንኹሎም ጉድኣት ዝበጽሖም ስድራቤታት፡ ጽንዓት ይሃቦም።
ንኹሎም ግዳያት፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።
መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም
03 October 2024
ERISAT (03 Oct. 2021): ብቀጥታ ዝመሓላላፈ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቂት ላምፐዱዛ | 8th year Lampedusa...
Global Yiakl: ፍሉይ መደብ ብዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ #ይኣክል
ብምኽንያት 3 ጥቅምቲ፡ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቒት ላምፓዱሳ።
ERI-TV (News 04 Oct 2013).
ዜና ኤሪ-ቲቪ፡ ዕለት 04 ጥቅምቲ 2013
Eritrea//TEKLINO....LAMPEDUSA, Italyhe 111 coffins were numbered
Video Assenna:ROME Demo:Mother Activist Asgedet Speaks Passionately Regarding the Lampedusa Tragedy
NEWEST VIDEO Funeral service of Eritrean Lampedusa Victims
Eritrea Lampedusa Tragedy/ @TG3L
ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)
● ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)
ቃለመጠይቕ ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ። Interview with Father Mussie Zerai (06 October 2014)
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- ኣብ ወርሒ 10፡ 2013 ዝነበረ ኩነታትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ግብረመልሲን
- ተዘክሮታት ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ላምፓዱሳ ብ`ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን፡ ዞባ ኤውሮጳ (ኣብ ፓልቶክ መርበብ ኤርትራዊያን ንፍትሒ 02/10/2020)
- 7ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ፡ ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ቢቢሲ ትግርኛ 03/10/2020)
- 7ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ፡ ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 03/10/2020)
- 7ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ፡ ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ERISAT 03/10/2020)
- 7ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ፡ ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ባይቶ ይኣክል ሕመኣ 03/10/2020)
- ጀኔቫ 03/10/2020 - ምስራሕ ናይ ስደተኛታት መስጎጒ መዓስከር ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ:: ኣብ ላምፓዱሳ ሂወቶም ዝሰኣኑ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ድማ ዝኽሪ ተጌርሎም።
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)


ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።