መድረኽ - ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ?

05/02/2018 16:57 PM

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ”
- ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ
- ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ?

1ይ ክፋል


ብ'ታደሰ ኪዳነ (ቢርሚንግሃም-ዓባይ ብሪጣንያ)
by Mr. Tadese Kidane (Birmingham - UK)
03/02/2018


ታደሰ ኪዳነ


ቀዳማይ ክፋል

ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምዝርግሐይ፡ ምስ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ክራኸብ ፈቲነ ኢየ። ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታኦም ኣትየ “contact us” ዝብል ረኺበ፡ ዘለኒ ስኽፍታን ርእይቶን ጽሒፈ ክሰድድ ተደጋጋሚ ፈቲነ። ፍጹም ኣይከኣልኩን፡ ከሕልፈኒ ኣይከኣለን። ንብዙሓት “ይፈልጡ ኢዮም” ዝበልኩዎም ሰባት ሓቲተ ናይ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን ኢመይል ክራኸብ ብዙሕ ጽዒረ።

ድሕሪ’ዚ ኩሉ ጻዕሪ፡ ኣብ ገጻት መርበብ ኢንተርነት ኣትየ፡ ናይ ዝሰርሕሉ ወይ ናታቶም ፕሮፋይል ክገልጹ ክብሉ ዝጸሓፍዎ ሰነዳት ሃሰስ ክብል ጀሚረ። በዚ መንገዲ’ዚ ከኣ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናይ ክልቲኦም ኢመይል ረኺበ። ከም ላዕለዎት ሓለፍትን መስረትን ‘መድረኽ’ ድማ ናብ ክልቲኦም ብመንገዲ’ቲ ዝረኸብክዎ ኢመይል፡ ስኽፍታይን ዘለንኒ ርእይቶን ጽሒፈ - ምስኦም ተራኺበ ክፈትሖ ፈቲነ ኢየ። ድሕሪኡ’ውን ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መድረኽ ሓው ሰመረ ተ ሃብተማርያም ተጸሓሒፍና። ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን ካብ “ዕበጦ-ዕበጦ” ዝሓልፍ ኣይኮነን። ብፍላይ፡ ናይ ኢደይ ተለፎን ከይተረፈ ዝሃብኩዎም ገለ ካብኣቶም፡ ነቲ ንዓመት መመላእታ ብጥንቃቐን ብውሕሉል መንገድን ብቐጻሊ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ኣዕናውን ፈላላይን ፈነወታቶም “errors” ኢሎም ከነኣእስዎ ዝፈተኑ ኣለዉ።

ነቲ ምእንቲ ፍትሒ እነካይዶ ቃልሲ ስለዘየርብሕን ክቕጽል ስለ ዘይደለኹዎን ከኣ እነሆ፡ ነቲ ኮነ ኢሎም ኣብ ህዝቢ ምጥርጣርን ምፍልላይን ንምፍጣር ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ዘይቅርዑይን ዘይውዱንን ዜናታቶም፡ ንሰነዳቶም ምርኩስ ገይረ፡ ብጭብጢታት ኣሰንየ፡ ናተይ ርእይቶ ወሲኸ ናብ ሰማዒ አቕርቦ ኣለኹ። ነቲ ስርዓት ኮነ፡ ነቶም ነቲ ስርዓት ዝመርሑ መኮነናት፡ በብውልቅን በብዓዶምን ከፋፊልና’ዶ ንርኣዮም ወይስ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ . . . ኣብ ዝብል ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ሕቶ ስለ ዘለዓዕል ከኣ ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ኣይተራእየንን። ሰናይ ንባብ፡-

ዜናታት ሬድዮ መድረኽ ዝከተታተል ሰብ ኣይኮንኩን። ስሕት ኢለ ግን ንእግረ መንገደይ ዜናታቶም ሕልፍ-ሕልፍ ይብሎ ኢየ። ሓደ መዓልቲ ግን ንእዝነይ ዝኹርኩሕ ገለ ቃላት ሰሚዐ። ሽዑ ብዙሕ ኣይተገደስሉሉን፡ “ሙላቑ ኢዩ ዝኸውን” ኢለ ከም ዋዛ ሓሊፈዮ።

ንካልኣይ - ሳልሳይ ግዜ ተመሳሳሊ ቃላትን ሓረጋትን ከደጋገም ምስ ሰማዕኩ ግን፡ ብዛዕብኡ ክሓስብን ኣቓልቦ ክገብረሉን ጀሚረ። ብመደብ ብውሕሉል መንገዲ እናተሰኹዐ ሰማዕቲ ንምድንጋር ዝዓለመ ከይከውን ክጠራጠር ጀሚረ። ሽዑ ከኣ ኢየ ንሰነዳት ራድዮ መድረኽን ጽሑፋቶምን ተወኪሰ ከረጋግጽ ዝፈተንኩ። ብሓቂ’ውን ሙላቕ ኣይነበረን።

ኣዳለውቲ መርበብ ሓበረታ መድረኽ፡ እንተላይ ረድዮኦም ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ፍሉይ ጽልእን ቅርሕንትን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። እዚ ግን ኣብ ሚድያ በዚ ኣቅሪቦሞ ዘለዉ መንገዲ ክገልጽዎ ዘይሕሰብ ኢዩ። ሓለፍትን ኣካየድትን መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ፡ እኳ’ድኣ ሃገር ንምምራሕ ዝመጣጠሩ ዘለው ስለ ዝኾኑ፡ ደጋጊሞም ዝፍንዎዎ ዜናታት - ፖለቲካዊ ዕላማ ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ንፖለቲካዊ ዕላማ ከም ዝሰርሑ’ውን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ራድዮ መድረኽ ይገልጹ ኢዮም። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር፡ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ዕላማ? ዝብል ኢዩ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና፡ ንታሪኽ ውልቀ-መለኽቲ እንተ ተዓዚብና፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ዘሎ ህዝቢ፡ ሓለይቲ ናይ ገለ ወገን ተመሲሎም፡ ንኻልኦት ዝውግንን ዝንጽልን መርዛም ሓሳባት ይዝርግሑ ኢዮም። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ “ጋላና ሽንፍላ ታጥቦ ኣይጠራም” (ጋላን ርስሓት ከስዐን ተሓጺቡ ኣይጸርን ኢዩ) ዝብል ኣንጻር ህዝቢ ኦሮሞ ዘነጻጸረ - ናይ ነገስታት ኣምሓራ ነጻልን ጽልኢ ዘጓሃህር ቃላትን ብሓደ ወገን፡ መርገጺ ሳዳም ሑሴን ኣንጻር ኩርዳውያን ድማ በቲ ሓደ . . ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ከኣ ንሓደ ወገን ነጺልካን ኣሰይጢንካን (demonize ገይርካ) ካብቲ ክትንጽሎን ከተርሕቖን ዝደለኻ ወገን ዝመጹ ሰባት ሓደገኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ነቲ ካልእ ወገን ኣስጋእቲ ምዃኖም ትገልጽ። ንስኻ ከኣ ሓላውን ተኸላኻልን ናይቲ ‘ናተይ’ ዝበልካዮ ወገን ተመሲልካ፡ ብእኦም ክትሕሎን ክትክበርን ዝግበር ፖለቲካዊ ጸወታ ኢዩ።

መድረኽ’ውን ኣብቲ ብዕለት 30/11/2017 “ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ናዕቢ ‘ናይ ጀበርቲ ምንቅስቓስ’ ተባሂሉ ክጉስጎሰሉ መደብ ኣውጺኡ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ብ3 ታሕሳስ’ውን ኣብ ራድዮ ዘንበብዎ ኣርእስቲ - 3ይ ሕጡበ ጽሑፍ፡ ከምዚ ክብሉ ምስክርነቶም ሂቦም ኣለዉ፡-

“. . . ከም ዝፍለጥ ኣብ 1973 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ኢሰያስ ኣፎርቂ መጀመርያ ነቶም ሃይማኖት ምስልምና ዝኽተሉ ተጋደልቲ ‘እዚ ምንቅስቓስ ኣንጻር እስልምና ዝቐንዐ ናይ ክርስትያን ምትእኽኻብ ኢዩ’ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳቡ፡ ጸኒሑ ነቶም ሃይማኖት ክርስትና ዝኽተሉ ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ደቂ ሓማሴንን ሰራየን ፈልዩ “እዚ ናይ ኣከለ ጉዛይ ምንቅስቃስ ኢዩ - ርሓቁሉ” ኢሉ ከም ዝገማምዖም፡ መወዳእታ ድማ ነቲ ምንቅስቃስ ብግፍዓዊ መንገዲ ከም ዝፈጸሞ ይዝከር” ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ። ሕጂ’ውን ንሳቶም (መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ) ነዚ ተመክሮ’ዚ ኢዮም ዝደግሙ ዘለዉ። ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቕ 30/11/2017፡ ራድዮ 03/12/12፡

እቲ ብኢሰያስ ኣፎርቂ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከም ፖለቲካዊ ስርዓት መጠን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዕቆበሉ ስነ-ሓሳብ ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ብንጹር ከም ዝረኣናዮ፡ ስነ-ሓሳብ ህግደፍ፡ ኣብ ኣውራጃውን ወገናውን ምፍልላይ ዝዕቆብ፡ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ምብትታን ህዝብን፡ ተሓታትነት ዘይብሉ ብርሰት ሃገርን ኢዩ ክደልዮ ጸኒሑ። ብሰንኪ’ዚ ጉዕዙይ ፖለሲ’ዚ ድማ ሎሚ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ሕድሕዱ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ስለ ዝኣትዎ፡ ሓቢሩ ጸገሙ ክፈትሕ ኣይከኣለን። ካብ ፍርሕን ምጥርጣርን ሰጊሩ ናቱ ንእሽቶ “ተዕቁበኒ” ዝብላ ጎጆ ክሰርሕ ዝፍትን’ውን ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ “ካብ ክፉእ ዝገብሩኻስ፡ ሕማቕ ዘልምዱኻ!!” ዝብል ምስላ ኣቦዋት የዘኻኽረካ።

እቲ ውሑድ ዝቑጽሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣጸቢቖም ንዝዓብዩዎን ዝበዝሐ ጸጋታት ዝውንኑን ስርዓታት ስዒሩ፡ ሃገራዊ ክብሩ ከረጋገጽ ዘኽኣሎ - ሓድነቱ ኢዩ። እናተሓጋገዘን እናተደጋገፈን ዝኸይድ ህዝቢ እምበር፡ ብዋጋ ካልኦት ክነብር ዝደሊ ወገን የብልናን። እዚ ዝረአ ዘሎ ምጥርጣራት ንባዕሉ፡ ከምቲ ባዕላቶም መድረኽ’ውን ዝገለጽዎ፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝተኣታተወ፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ከኣ ናብ ፖሊሲ ዝተቐየረ ፖለቲካ እምበር፡ ኣብ ባህሊ ህዝብና የለን።

ህዝብና ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝተበተነሉን ኣብ ዝደኸመሉን እዋን፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ተወለድቲ ገለ ከባቢታት፡ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈልየ፡ ዝያዳ ወገናውያን፡ ዝያዳ ካልኦት ብዓድን ኣውራጃን ዝተኣሳሰሩን ዝሓስቡን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ልዕሊ’ቲ ካልእ ህዝቢ ትሕተ ሃገራውያንን ኣውራጃውያንን ምኳኖም ከእሙኑና፡ ብእኡ ኣቢሎም ከኣ፡ ናብ ስልጣን ገጾም ከይቅልቀሉ እቲ ካልእ ዝብልዎ ወገን ከስተውዕለሎምን ክጥንቀቐሎምን ክምዕድዎ ይረኣዩ ኣለዉ።

ገለ ገርሀኛታትን ደለይቲ ጽቡቕን፡ “ትጋገን ተኽፍኦምን ኣለኻ!” ከም ዝብሉኒ እፈልጥ ኢየ። ፍርዲ ቅድሚ ምሃብኩም፡ ንገለ ካብቲ ባዕሎም ፈጢሮም “ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረኸብናዮ!” እናበሉ ናብ ሰማዕቶም ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ትሕዝቶ፡ ብዕለታት ኣሰንየ ከቅርበሉም ክትዕገሱኒ ግን ጽቡቕ ኢዩ። ዝረኸብኩዎ ጭብጥታት እንተላይ ናይ ገዛእ ርእሰይ ርእይቶ ወሲኸ ከቕርበልኩም ኢየ፡-


ጭብጢ ቁጽሪ 1. መድረኽ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ብጽሑፍ፡ ብዕለት 09/04/2017ን 26/03/2017ን (ክልተ ግዜ) “ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ንግዳዊ ትካላት ሓለፍቲ . . “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣስፊሮም ኣለዉ፡-

. . . ኣብ ኤርትራ ክፉእን ካብ ሕጋዊ ኣካይዳ ወጻኢ ብዙሕ እሱር ከም ዝሳቐ፡ መራሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ከኣ ንሃብታማትን ሰብ ንብረትን ኣጽኒዖም ከም ዝኣስሩ፡ በባትር ቀጥቂጦም ድሕሪ ምስቓይ ከኣ “ከምዝን ከምዝን ንብረት ኣለካ፡ ንዕኡ ሸጥካ ክንድዚ እንተ ከፊልካ ክትወጽእ ኢኻ!” ከም ዝብልዎም፡ ተጠውዮም ነቲ ንብረት ዝገዝኡ ድማ ንሶም እቶም ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ምዃኖም ይገልጹ። መድረኽ ቀጺሎም ኣብቲ 8ይ. 9ይን 10ይን ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ነዚ ዝስዕብ ኣስፊሮም ኣለዉ

“. . . ከምቲ ዝተገለጸ ጀነራል ፍሊጶስ ዝመራሒኦም ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብዚ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለዉ ኢዮም። ካብ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብዚ ሰባት ኣእሲርካ ዝግበር ዘሎ ንግዲ ዝስርዑ ኮለነል ተስፋልደት ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት፤ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን ካብ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ካብ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ኢዮም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ንግዲ ማእሰርቲ፤ ከነፍተሓልካ ንብረትካ ሽጥ - ኣዚዩ ብዙሕ ኣታዊታት ጌሮም ዝሃብተሙ ሰባት ኮይኖም ምህላዎም ይግለጽ።

“ብዘይካ እዚ እቶም ሃብታማት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዘለዉሉ እዋን እዞም ሓለፍቲ ናብ ስድራቤት እሱራት ሰባት እንዳለኣኹ ኣቦኹም ዓይኑ ክዓውር ደሊዩ 200 ሽሕ ኣምጽኡ ሓቢእና ከነሐክሞ፥ ጓልኩም ሕማም ጌራ ኣላ ጽባሕ ሞይታ ኢልኩም ከይትጠዓሱ ሕጂ 100 ሽሕ ኣምጽኡ ዝገበርና ጌርና ከነሐክማ እንዳበሉ ብዙሕ ገንዘብ ካብ ዝጨነቖ ሰብ ይወስዱ ምህላዎም ተገሊጹ።

“ብፍላይ ኮለነል ተስፋልደትን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦንን ብትሕተ ሃገራዊ መስመር ንዝቐርብዎም ሰባት ካብ ኩሉ መሰናኽላት ሓራ እንዳገበሩ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ካብ ማእሰርቲ ምውጻእን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ብብዝሒ የዘውትሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።” (ሕብሪ ናተይ)

ብፍሉይ እዞም ክልተ መኮነናት እዚኣቶም “ትሕተ ሃገራውያን ኢዮም” ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ። እታ “ብፍላይ” ትብል ሓረግ ከኣ “ትሕቲ ሃገራዊ መስመር” ንክልቲኦም እምበር፡ ንካልኦት መኮነናት ከም ዘይትምልከት ንምግላጽ ኢዮም ተጠቒሞሙላ። እቲ ምንጭታ” ዝብልዎ ዘልዉ’ውን፡ ባዕሎም ዝሰንዕዎ እምበር፡ ሎሚ ኤርትራ ‘ከምዚ ዝብለ ዜና ዝሰድድ ሰብ ኣሎ’ ዝብል እምነት የብለይን።

ነዚ ክብ ኢሉ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ (4) ግዜ ማለት ብ02/04/2017፡ 28/03/2017 ከምኡ’ውን ብ30/03/2017 03/12/2017 ኣብ ረድዮ መድረኽ ከም ዝንበብ ብምግባር ናብ ሰማዕቶም ከም ዝበጽሕ ገይሮም። ቀጺሎም ኣብ 27ን ሓምለን 30 ሓምለን፡ ገለ ጸጋጊኖም ኣብ ሬድዮ ብንባብ ደጊሞሞ።

ንምሉእ ትሕዝቶ፡ 09/04/2017  26/03/2017  ብራድዮ 30/03/2017  28/03/2017  02/04/2017  03/12/17  ጠውቕ

ጭብጢ ቁጽሪ 2. ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዕለት 28 መስከረም 2017 ዓ.ም ብጽሑፍ፡ ድሕሪኡ’ውን ኣብ ራድዮታቶም ዘንበብዎ “. . . ኣብዚ እዋን እዚ መስርሕ ምእሳርን ምልቃቕን፡ ከምኡ እውን ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ናብ ንግዳዊ ትካላት ተቐይረን ምህላወን ተሓቢሩ።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡
. . . ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጽ፡ ሌላን ጉሌላን፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ከም ዝሕወሶ፡ ዋላ እቲ ምእሳርን ምልቃቕን ኣሱራት’ውን ብእትፈልጦም ስበስልጣን ከም ዝውሰን (ከከም ስብካ ምዃኑ) ይሕብር። ቀጺሉ ምስ ጀነራል ፊሊጶስ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ኣዝማዶም ካብ ማእሰርቲ ከም ዘውጽኡ’ውን ጽሑፎም ይገልጽ። ኣስዕቡ

“. . . ምስ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን፡ ኮለነል ተስፋልደት፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ፡ብሪጋደር ጀነራል ጋይም ወዘተ ቅርሕንቲ ንዘለዎም ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝበልዮ ብኣንጻሩ ቅርበት ዘለዎም ሰባት እንተኾይኖም ካብ ማእሰርቲ ነጻ ከምዝበሃሉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

እቲ በዞም ሰበስልጣን ‘ፍታሕ ግበረሉ’ እንዳተባህለ ዝፍጸም ሕድገታት ካብ ማእሰርቲ ነጻ ምልቃቕ፡ስግረዶብ ተረኺቦም ከለዉ ነጻ ምስዳድ፡ ቪዛ ምሃብ ወዘተ ዘጠቓልል ኮይኑ ምስ ክፍሊት ገንዘብ ዝተኣሳሰር ኢዩ ዝበሉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ እቲ ብብሪጋደር ጀነራል ስምኦንን፡ ኮለነል ተስፋልደትን፡ ወይዘሮ ሳባ ሃይሉን ዝግበር ፍታሓት ብዝያዳ ምስ ዓዳዊ ኣውራጃዊን ምትእስሳር ዝተተሓሕዘ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።” ይብል መግለጺ መድረኽ (ሕብሪ ናተይ)

ነዚ ጽሑፍ’ዚ እውን ብዕለት 26 መስከረም 2017ን፡ ሰንበት ዕለት ሓደ (1) ጥቅምት 2017ን፡ ክልተ (2) ግዜ ኣብ ራድዮ መድረኽ ከም ዝንበብ ገይሮም። ንምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብዚ 28/09/2017 ጠውቕ

ሕጂ’ውን ኣስማት ናይ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ተስፋልደትን ወ/ሮ ሳባ ሃይሉን ጠቒሶም ንደቂ ዓዶምን ደቂ ኣውራጅኦምን ጥራይ ፍታሕ ዝገብሩ፡ ነቲ ናቶም ወገን ፈልዮም ካብ ማእስርቲ ነጻ ዘውጽኡ - ሓደገኛታትን ፈላለይትን ምዃኖም ከእምኑና ይፍትኑ ኣለዉ። ጀነራል ፊሊጶስን መሰልቱን ግን ንኣዝማዶም ጥራይ እምበር ምስ ዓድን ኣውራጃን ምትእስሳር ዘለዎ ጸይቂ ስለ ዘይገብሩ፡ ወገናውያንን ኣውራጃውያንን ከም ዘይኮኑ ንሰማዕቶም ይነግሩ ኣለዉ። “ኣዴኺ’ዶ ሓትነኺ ይሕሻ፡ ሓደ ኢየን ኩለን ይለሓሳ” ድያ ዝበለት ዓባየይ ግምጃ!!! በወገነይ ኣብ ኩሎም መኮነናት ህግደፍ ፍልልይ ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን።

ጭብጢ ቁጽሪ 3፡ “. . . ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዘይንቡር ስርዓት፡ ንቡር ህይወት ዘይብሎም ዜጋታት ‘ዝነብሩላ’ ሃገር. . . “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሰቲ፡ ብ 11 ሚያዝያ ዝተጻሕፈ፡ ድሕሪኡ ኣብ ራድዮኦም ዝተነበ ትሕዝቶ’ውን፡-

ኤርትራ ብሰንኪ ዘይንቡር ስርዓት፡ ዜጋታታ ንቡር ህይወት ዘይነብሩላ ሃገር ምዃና፡ ህግደፍ ብምርጫ ዘይኮነስ ብጠመንጃን ብጉራደን ዝመጸ ስርዓት ምኳኑ፡ ኮታ ዳርጋ ኩሉ’ቲ ሰብ ዝደጋግሞ ሓጥያት ህግደፍ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኣብ 8ይ ሕጡበ ጽሑፍ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ሰፊሩ ኣሎ። ንምሉእ ንባብ ኣብዚ ጠውቕ 11/04/2017

“. . . ንቡር ነጋዳይ ሰሪሑ መኽሰቡ ይእክብ፤ ንመንግስቲ ቀረጹ እንዳኸፈለ ድማ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ኣበርክቶኡ ይገብር። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነጋዳይ፤ ንግዱ ግርም እንተኸይዱ ኣብ ዓይኒ ጀነራል ፍሊጶስ፥ ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፤ ወይ ውን ጀነራል ኣብረሃ ካሳ ስለዝኣቱ፤ ዕድል ገይሩ ብትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳር ተዘይተማሒሩ፤ ዝኾነ መመሳመሲ ተፈጢሩ ናብ ቤትማእሰርቲ ከምዝዳጎን ይግበር። ተቐጥቂጡ ንብረቱ ሸይጡ ብዋሕስ ክወጽእ ምስተነገረ ድማ ገንዘቡን ንብረቱን ነቶም ጀነራላት ኣረኪቡ ጥራይ ከምዝወጽእ ይንገሮ። ስለዚ ኢዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነጋዳይ ንቡር ህይወት ዘይብሉ ዜጋ ዝቑጸር።” (ሕብሪ ናተይ)

ኣብዚ’ውን ንጀነራል ፊሊጶስ ወሲኽካ - ብሰንኪ’ዞም ትሕቲ ሃገራውያን፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ነጋዶ፡ ንቡር ህይወት ስኢኖም ኣለዉ . . . ተማሒሩ ንግዱ ከካይድ ዝኽእል ከኣ ወገን ናይቶም ትሕተ-ሃገራውያን ጥራይ ኢዩ. . ይብሉና ኣለዉ መድረኽ።
ኣማውታ ናይቲ ብስሚ ዝተቐትለ ሃብታም ነጋዳይ ነብሲ-ሀር ፍቕረ ዕንድማርያምን፡ ብተመልከተለይ - ብጥይት ዝተቐትለ ነብሲ-ሀር ሳምሶም ገረዝግሀርን (ወዲ ቀሺ) ግን ኣብ መንጎ’ዞም ብትሕተ ሃገራውነትን ኣውራጃነትን ሃብቲሞም ዝብልዎም ዘለዉ መኮነናትን ዝነበረ ናይ “መን ዝይዳ ሃብቲ ወነነ” ውድድር ከም ዘይክነ፡ መድረኽ ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ ኢዮም።

ኣብዚ ክብ ኢሉ፡ ብቐጥታ ካብ ጽሑፋቶም ዝወሰድኩዎ ሕጡበ ጽሑፋት፡ መድረኽ ደጋጊሞም “ብትሕቲ ሃገራዊ መስመር፡ ትሕቲ ሃገራዊ ምትእስሳር፡ ዓዳዊ፡ ኣውራጃዊ ምትእስሳር” ዝኸስዎም ዘለዉ፡ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፡ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ተስፋልደትን ወ/ሮ ሳባ ሃይሉን ኢዮም። ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ - በዓልቲ ቤቱ ንጸይቀ ዕሉል ኢሰያስ ኣፎርቂ ኢያ። ኣርባዕቲኦም ድማ ተወለድቲ ሓደ ኣውራጃ ኮይኖም፡ ባዕሉ ኢሰያስ ኣፎርቂ መሪጹ ኮፍ ዘበሎም ኢዮም። ንሳቶም ግን መሳርሒ ናይዚ ዘሎ ኣዕናዊ ስርዓት እምበር፡ መግለጺ ጠባያትን ባህርያትን ናይ ኣብ ሓደ ከባብን ኣወራጃን ዝነብር ህዝቢ ከም ዘይኮኑ ሓለፍቲ መድረኽ’ውን ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ኢዩ።

መድረኽ ኣብ ኩሉ ጽሑፋቶምን ናይ ራድዮ ዜናታቶምን፡ ካብ ካልእ ከባቢታትን ኣውራጃታትን ንዝመጹ መኮነናት ህግደፍ፡ “ንሰበይቱ፡ ንዘመዱ፡ ንዞሙኡ ወዘተ” ዝብል እምበር፡ ንዋላ ሓደ - ነዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ሓጥያት ዘሰከምዎ ሓላፊ የለን። ኣብ ክሉ’ዚ ክብ ኢለ ዘቕረብኩዎ ሰለስተ ኣብነታት ኮነ፡ ኣብቲ ቀጺለ ዘቕርቦ ካልእ ብዙሕ ጭብጥታት፡ መድረኽ - ብመንገዲ’ዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ መኮነናት፡ ንህዝቢ’ቲ ንሶም ዝመጽሉ ከባብን ኣውራጃን፡ ካብቲ ካልእ ከባቢታን ኣውራጃታትን ብዝተፈልየ መንገዲ ወገናውያንን ትሕተ- ሃገራውያንን ምዃኖም፡ ንሰማዕቶም የጠንቅቑ ኣለዉ። ነየናይ ዕላማ?

ይ   ቕ   ጽ   ል

ታደሰ ኪዳነ
ቢርሚንግሃም (ዓባይ ብሪጣንያ)
03 February 2018


Share with friends:


See also recent Articles by Tadese Kidane:


See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር: