Placeholder Picture
Placeholder Picture
ንሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ፡ ማእዝኑ ከይነስሕቶ ንጠንቀቕ ሓደራ፣

20/12/2024 21:32 PM

ንሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ፡ ማእዝኑ ከይነስሕቶ ንጠንቀቕ ሓደራ!

ብዶ/ር ነጋሲ ሓድጉ፡ By Dr Negassi Hadgu.

ንሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ፡ ማእዝኑ ከይነስሕቶ ንጠንቀቕ ሓደራ! ብዶ/ር ነጋሲ ሓድጉ፡ 1ይ ክፋል፣

ሰላም ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተኸታተልቲ እዚ መደብ ከመይ ቀኒኩም፧ ጸጋን: ሰላምን፡ ምሕረትን እግዝኣብሔርን ምስኩልና ይኩን ኣሜን።

ብሰንኪ እቲ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ፡ ባዕደሽበራዊ ጃንዳ ህግደፍ: ኣብ እታ እነፍቅራን እንፈትዋን ሃገርና ዝተሓረመና ሰላም፤ ኣብተን እትነብርወን ዘለኹም ሃገራት ትረኽብዎ ንኽትህልዉ ይምነየልኩም።

ብምቕጻል ነዚ ሓጺር፡ ግን ከኣ መድረኻውን ኣገዳሲ ዝኾነ ዓወት ዘጓናጽፍ ናይ ቃልሲ እማመ፡ ሒዘልኩም ቐሪበ ኣለኹ’ሞ ሰናይ ምክታል።

ንሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ማእዝኑ፡ ከይነስሕቶ ንጠንቀቅ ሓደራ፣

መን ኢዩ ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ፧

ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ፡ ኣነ፣ ንስኻ፣ ንስኺ፣ ንሳተን፣ ንሳቶም፣ እወ ንሕና ኩላትና: እቶም ብሰንኪ ኢቲ ሕጋዊ ምኳን ፈንፊኑ ዓመጽ ዝመረዘ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ጃንዳ ህግደፍ: ኣብ ልዕለናን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዘካይዶ ዘሎ ድምጺ ኣልቦ ህዝብዊ ጽንተት ዘቘጥዓና ኣብ መላእ ዓለም ተደዲና እንነብር ዘሎና ኤርትርዉያን ኢና።

ስለዚ ነዚ ቁጥዐ እዚ ከም መንጠርሪ ብምጥቓም፡ ኣብዚ እዋን: ኣብ ቃልሲ ሰማያዊ ማዕበል፡ ብርገድ ንሓመዱ ዝተሰረተ፥ ኣብ ኣዉራጃዊ ምሕደራ መሰረት ዝገበረ ዘይምኩል ፈደረላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ብምቋም: ነዚ ሕጋዊ ምኳን ፈንፊኑ: ዓመጽ ዝመረጸ: ናይ ጽንተት ጉጅለ: ስርዓት ኣልቦ: ጃንዳ ህግደፍ: ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብታ እፍቅራ ሃገርና ንምብራሩ: ሓቢርና ምቅላስ መደረኩ ሕጂ ኢዩ።

ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ብዘዐዉት ኣገባብ ቃልሲ ኣበጊስናዮ ዓወት እንዳተጓናጸፈ ከሎ’ስ ንምንታይ ኢና ናብቲ ንልዕሊ 60 ዓመታት ተፈቲኑ ዝፈሸለ ኣገባብ ቃልሲ ክንቋርኖዝድለ ዘሎ፧ ንምንታይ ኢናከ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታና ዘይንምሃር፧

ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብ ከትኵረሉ ደልየ ዘለኹ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣድማዕነትን ኣገዳስነትን ምቋም ኣብ ቃልሲ ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ዝተሰረተ፥ ኣብ ኣዉራጃዊ ምሕደራ መሰረት ዝገበረ ዘይምእኩል ፈደረላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደትኢዩ።

ብጽሞናን ብዘይኣምሰሉነትን፡ ክሳብ መወዳእታ ንኽትከታተሉኒ ከኣ እላቦ።

ነቐፌታ፡ ሕቶ ወይ ድማ ማዕዳእን ተድኣኣለኩም ኮይኑ በዚ ዝስዕብ ኢመይል Negassi9@gmail.com ክትረኽቡኒ ትኽእሉ ኢኹም፡ የቀንየለይ።

ድሕረባይታ / መእተዊ

ኣብዚ ንዅላትና ርዱእ ክኸውን ዘለዎ ጉዳይ እንተሃልዩ፡ ሃገርካ ማለት፤ እወ መረበትካ: እንተ ኣለኻ መንበሪትካ እንተ ሞትካ መቕበሪትካ ማለት ኢዩ።

ብምቕጻል ንኹሉኹም ኤርትራውያን መንእሰያት ብኑጹር ክሕብረኩም ዝደሊ፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይንቡር ካብ ዝነብር ልዕሊ 50 ዓመታት ኮይኑ ስለ ዘሎ፤ እቲ ንቡር: ማለት ሓንቲ ስድራቤት ከም ስድራቤት ብሓባር ኮይና መኣዲ ንክትበልዕን፤ ኩነታታ እትጸዉየሉ/ እትዝትየሉ መድረኽ ካብ ዘይትረክብ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኮይኑ ኣሎ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ካብ ወልዶ ናብ ወልዶ ክመሓላለፍ ዝግበኦ ዝነበረ ዉህሉል ሕብረተ-ሰብኣዊ ጥበብ ተገቲኡ ኣብ ክንድኡ ቅጥፈት፡ ጥልመት፡ እንባገነናዉነትን፡ ባዕዳዉነትን፡ ህዝባዊ ጽንተት ዝሰፈነሉ መድረኽ ምህላዉና ኢዩ ዘመልክት።

ብተወሳኺ ኣብዚ ክንርድኦ ዝግብኣና ጃንዳ ህግደፍ ንህዝብና ኣብ’ዚ፡ እዋን’ዚ ከም ሓደ ዘርኡ ዝበለዐ ሓረስታይ ይገብሮ ከም ዘሎ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ፡ ተካኢ ወልዶ ነፊጹ፡ ሃጽ ኢሉ ናብ ስደት ከም ዝስደድ ብምግባር ኤርትራን ኤርትራዉነትን ብምድምሳስ፥ ሕልሚ ዓባይ ኢትዮጵያ "ኤርትራ መሬታ እምበር ፤ ህዝባስ ኣየድልየናን ኢዩ ዝተባህለ ትንቢት ስርዓታት ኢትዮጵያ" ንምትግባር ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ዕሸላት ደቁ ናብታ ዘይሕጋዊት ትካል መዓስከር ሳዋ ብምጭዋይ: ኣብ ወተሃደራዊ መዓስኬራት ብምድጓን ኣብ ዘይ ምልከቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ውግእ ሕድሕድ ኣብ ከም በዓል ሱዳን፡ ሶማል፡ የመን ከምኡዉን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝረኣናዮ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ብኣማኢት ኣሻሓት ከምዘቕዘፈን የቕዝፍ ከምዘሎን ክንዝንግዖ የብልናን።

ከም’ቲ ሓደ ዓሻ ዘርኡ ዝበለዐ ሓረስታይ ዋላ ሰናይ ዘመን ኮይኑ ኣዝመራውን እንተመጸ ብሰንኪ ሕጽረት ዘርኢ ብጥምየት ዝመውት።

ህዝቢ ኤርትራ’ዉን፡ ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና፡ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይትን ፡ ሰብ ዝሰርሖ ጥሜትን፤ ኣብ ኢድ ጭፍራ ህግደፍ ይጸንት ኢዩ ዘሎ።

ብተመሳሳሊ እዚ ኣጽናትን፡ ሕጊ ኣልቦን ባዕደ-ሽበራውን ጃንዳ ህግደፍ፡ ነቲ ማሕበራዊ ምትእስሳርና’ዉን ይሰብሮ ከምዘሎ ክንዝንግዖ የብልናን።

ኵልና ከም እንፈልጦ ወዲ-ሰብ፡ ብተፈጥርኡ ፖለቲካዊ ፍጥረት ኢዩ። ፖለቲካዊ ፍትሒ ከኣ ብቐጥታዊ ወይ ድማ ብዘይ ዉክልናዊ ተኻፋልነት ናይ ሓንቲ ሃገር ዜጋታት ክረጋገጽ ስለ ዘይኽእል፤ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ሕብረተሰባዊ መቆሚያታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ቃልሲ ንኸነካይድ ናይ ግድን ኢዩ። ስለዚ ዕዉት ቃልሲ ነካይድ ኣሎና ክንብል እንተኾይና መሰል ዉልቀ-ሰብ፡ ስድራቤት፡ ማይቤት፡ ዓዲ፡ ዞባ ከተማ (ቀበሌ)፡ ከተማ፡ ወረዳ፡ ኣዉራጃ፡ ብዘዉሕስ ሕጊ ተመሪሕና ክንቃለስ ኣሎና ዝብል ዘለኹ።

ሓቂ እዩ ስቪካዉያን ማሕበራት ይዅና፡ ዉድባት ከምኡዉን ፓርቲታት ኣለዋና፡ ብዝመስለንን ብዝጥዕመንን ንኽዉደባን ንኽቃለሳን ምሉእ መሰል ኣለወን። ይኹን እምበር ኣብ’ዚ ዘለናሉ፡ ናይ ጽንተት መድረኽ ግን: ህላዉነትና ክረጋገጸሉ ዘኽእለና ኣገባብ ቃልሲ፡ ካብ ኣመሰራርትኡ ጀሚሩ ህዝባዉነቱ ዘረጋገጸ: ኣብ ቃልሲ ሰማያዊ ማዕበል : ብርገድ ንሓመዱ ዝተሰረተ: ኣብ ኣዉራጃዊ ምሕደራ መሰረት ዝገበረ ዘይምእኩል ፈደረላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ብምቛም ምቅላስ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኢዩ በሃላይ እየ።

ገለ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ቃልሲ ሰማያዊ ማዕበል : ብርገድ ንሓመዱ ዝተሰረተ: ኣብ ኣዉራጃታት እምነ መሰረት ዝገበረ ዘይ ምእኩል ፈደረላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት መስሪትና ክንቃለስ ኣሎና ዘብሉኒ ነጥብታት ከኣ እዞም ዚስዕቡ ኢዮም።

1ይ) እቲ ቐንዲ ብጣዕሚ ድቃስ ዝኸልኣኒ ጉዳይ: ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ሃገርና ኤርትራ ዓድታታ ፈሪሰን፣ ከተማታት ዓንየን፣ ስድራቤታት፡ ተበታቲነን፣ እቲ ዝበዝሐ መንእሰይ ወለዶ ህዝባ ኸኣ ኣብ ስደት ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ምህላዉና ኢዩ። ብተወሳኺ እቶም ኣብ ዓዲ ተሪፎም ዝመስሉና ዘለዉ መንእሰያትና’ዉን እነተኾነ ምስ ስድርኦም ወይ’ዉን ኣብ ዓዉደ ትምህርትን ስርሓትን ዘይኮነስ: ከም ደቂ ዛግራ ተሃዲኖም፡ ናብ መዓስኬር ባርነት ሳዋ ብምዉሳድ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ተቋሪኖም: ኣብ ናይ ባርነት ወተሃደራዊ መዓስኬራት ተዳጒኖም ይቕዘፉን ይጸንቱን ምህላዎምን ኢዩ።

2ይ) ከም’ዉን ብሰንኪ እቲ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ፡ ባዕደ-ሽበራዊ፡ ጃንዳ ህግደፍ: ኣብ ናይ ጎረባብትና ዉሽጣዊ ጉዳየን ኢድ ኣእታዉነትን ተጻባእነትን። ንሃገርና ኤርትራ፡ ናብ ሓንቲ ብመላእ ሕብረተሰብ ዓለም፡ እተፈንፈነት ደሴት ተቐይራ ትርከብ ምህላዋ ኢዩ።

3ይ) ናይ ዉድባት ጥምረት ብምቛም ክንቃልስ ፈቲናዮ ብሰንኪ ዉድበይ ካብ ናትካ ትዓቢ ኣነ ኢየ ክመርሕ ዝግብኣኒ ብዝብል ናይ ከንቱነት ስልጣን ቅድድም፡ ነቲ ዝመስረትናዮ ጥምረት ብዝግባእ ከንስርሖ ኣይከኣልናን።

4ይ) ብተወሳኺ ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ 2011 ኣብ ኣዋሳ ጉባኤ ብምክያድ ናይ ዉድባትን፡ ስቪካዉንያ ማሕበራትን ጥምረት ብምምስራት ክንቃለስ ፈቲና፤ ይኹን እምበር፡ እዚ እዉን ብሰንኪ ናይ ስልጣን ቕድድም ከነስርሖ ኣይከኣልናን።

5ይ) ከምኡ’ዉን ይኣክል ዝበሃል ህዝባዊ ጥርናፌ ብምቛም፡ ክንቃለስ ጀሚርና ይኩን እምበር ብሰንኪ ምእኩልነት ዝሓዘ ስሪዒታዊ ቅርጽን: ጭፍራ ህግደፍ ብቐሊሉ ንኸጥቅዖ ዕድል ስለዝረኸበ ከም እቲ ዝድለ ከድምዕ ኣይከኣለን።

መወዳእታ ኣብዚ እዋን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ተረኽቦ ኣሎ: ኣብዚ እዋን ኢዚ እቲ እንኮ ንመጀምርታ ግዜ ነቲ ጃንዳ ህግደፍ ኣርዒድዎ ዝርከብ ዘሎን ንኣቓልቦ ዜናታት ዓለም ዝሰሓበን፤ ንመግስታት ዓለም ብንጹር ስግረ-ሃገራዊ ዓፈና (transnational repression) ኣብ ሃገራቶም ብጃንዳ ህግደፍ ይፍጸም ከም ዘሎ ዘነጸረ ናይ መንእሰያት ምንቅስቃስ ብብርገድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ሰማያዊ ማዕበል: ኣብ ዘይ ምእኩል ኣመራርሓ ዝተሰረተ ጥርናፈ ሓያል ናይ መንእሰያት ምልዕዓላት ኣብ ደገ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ መድረኽ ብምህላዉና ኢዩ።

ይኹን እምበር ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ቃልሱ ብዓወት መታን ንኽዛዝሞ ቐላሲ ከም ዘድልዮ ንዅላትና ርዱእ ክኸዉን ይግባእ፣ ስለዚ እየ ኸኣ ኣብ እዚ ግዜ እዚ ብኣምሳልን ቅርጽን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ክንምስርት ኣሎና ዝብል ዘለኹ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ኣብ ቃልሲ ሰማያዊ ማዕበል: ብርገድ ንሓመዱ ዝተሰረተ: ኣብ ኣዉራጃዊ ምሕደራ መሰረት ዝገበረ ዘይምእኩል ፈደረላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ብምቛም ሓቢርና ንምቅላስ መድረኹ ሕጂ ምዃኑ ክሕብር ደስ ይብለኒ።

ሓደ ካብ'ቶም ብልጫታት ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ነታ ንልዕሊ 33 ዓመታት መሳርሒ ናይ ጃንዳ ህግደፍ ኮይና ዝጸንሀት ማሕለኻ ፍርሒ ፈንጢሱ ድምጺ ህዝቡ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝካይድ ዘሎ ህዝባዊ ጽንተት ንማሕብረተሰብ ዓለም ከፍልጥ ምኽኣሉ ኢዩ።

ብተወሳኺ ምልዕዓል ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ፡ ነቲ ኣብ ፈቀዶ ናይ ባርነት ወተሃደራዊ መዓስኬራት ጅሆ ተታሒዙ ዝነበር ዘሎ መንእሰይ እዉን ስደት ናይ ባርነቱ ፍታሕ ከም ዘይኮነ ዘነጸረሉ መድረኽ ኢዩ።

ክቡራት ኤርትራዉያን ኣብዚ ንኩላትና ርዱእ ክከዉን ዘለዎ ጉዳይ: ጃንዳ ህግደፍ ብረት ኣዕጢቁን ዓሊሙን ኣርዒዱን ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ጽንተት ጅሆ ሂዝዎ ዝነብር ዘሎም መንእሰይ ኤርትራ: ነቲ ምልዕዓል ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ዘሰክሞ ዘሎ ፍሽለት ብምግንዛብ መታን ከይልዓል ራዕዲ ሒዝዎ ስለ ዝርከብ: ኣብ ርእሲ እዚ ምልዕዓል እዚ ኩሉ ዓይነት ጸለመታት ከካይድ ከካይድ ምኳኑ ክዝንግዖ የብልናን በሃላይ ኢየ።

ነዚ ንምዕዋት ከኣ ቅድም ቀዳድም ኩልና እቶም ንጸንት ከም ዘሎና ዝተረድኣና ኤርትራዉያን ዜጋታት፣ ነዚ ፍጹም መላኺ ኢደ-በተኻዊ ስርዓት-ኣልቦ ጃንዳ ህግደፍ ኣልጊስና፣ ሓንቲ ደሞራሳዊትን፣ ፍትሓዊትን ቅዋማዊትን ኤሪትራ ንምርግጋጽ መታን ክንበቅዕ ኩላትና ኣብ እዚ ተላዒሉ ዘሎ ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ዝተሰረተ: ኣብ ኣዉራጃዊ ምሕደራ መሰረት ዝገበረ ዘይ ምእኩል ፈደረላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ኮይና ክንምዝገብ ኣሎና ዝብል ዘለኹ።

ነዚ ከም እዚ ዝበለ ዓቢ ትካል ንምምስራት ንኽበቅዕ እምብኣር ቅጥዒ ምዝገባ ኣባልነት ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ እንተ ዉሓደ እዞም ዝስዕቡ ትሸዓተ ረቛሒታት ከማልእ ይግበኦ።

1. ምሉእ ስም:_____________________
2. ትውልዲ ዓዲ:____________________
3 ወረዳ:__________________________
ወይ ትዉልዲ ቀበሌ/ዞባ ከተማ:____________
4. ከተማ:_______________
5. ኣዉራጃ:______________
6. ትነብረሉ ዘሎኻ ከተማ:______________ ኣዉራጃ:___________ ሃገር:__________
7. ኢመይል:_______________________
8.ቴሌፎን:________________________
9. ፍሉይ ሞያ/ፍሉይ ክእለት: ____________________________

ኣብዚ ከስምረሉ ዝደሊ ኣገዳሲ ነጥቢ ማሕበራት ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ በተን እንነብረለን ዘሎና ከታማታት ብኤርትራዉነትና ኢና ከነቁመን ዘሎና

ኣብ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ግን፡ በቲ እተወለድናሉ ዓዲ፣ ወረዳ፣ ዞባ ከተማ (ቀበሌ)፣ ከተማ፣ ኣዉራጃ ኢና ክንጥቀም ዘሎና።

ምንጪ ናይ ክልቲኡ ትካላት ምስረታ ከኣ እቲ ኣብ ቕጥዒ ምዝገባ ኣባልነት ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ እንህቦ ሓበሬታ ኢዩ።

ኣብዚ ንዅላትና ኤርትራዉያን ከብርሆ ዝደሊ ኣገዳሲ ነጥቢ: ምንቅስቃስ ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ንትንሳኤን ህላዉነትን ቀጻልነትን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ሓደ ካብቶም ወሰንቲ ጥርናፌታት ምዃኑ ኢዩ።

ስለዚ እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል እዚ ብዝኾነ ይኹን ንኸይተዓናቐፍ ብግቡእ ክንከናኸኖን ክንሕብሕቦን ኣሎና በሃላይ ኢየ።

ማሕበራት ሰምያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመድ ኣብ እንነብረለን ዘሎና ከተማታት ከምዚ ዝስዕብ ቅርጺ ክህልወን ይግባእ።

ማሕበራት ሰምያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመድ

ስርሓትን ዕላማን ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ

ቀዳማይ ዕላማ፣ ኣብተን ከም ስደተኛታት ተዓቝብና እንነበረለን ዘለና ሃገራት መዓልታዊ በቶም ዘይ ሕጋውያን ማፍያውያን ትካላት ጸጥታ ስርዓትን ሕጊ ኣልቦ ዝኾነ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም ስግረ-ሃገራዊ ዓፈናን (Transnational repression) ግብረሽበራዊ ተግባራትን ንምምካቱን ንምቑጻዩን ንምጥፍኡን ብትብዓት ምቅላስ እዩ።

ካልኣይ ዕላማ፣ ኣብተን ተሰዲድና ንነበረለን ሃገራት ንዘጋጥሙና ማሕበራዊ ብድሆታት ንምፍታሕን፣ ደቅና ብጽቡቕ ስነምግባር ንምዕባይ ማሕበረኮማት፡ ብምቛም ማሕበረ-ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንምሃብን ንምርካብን እዩ።

ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ዕላማ ከኣ፣ ኣብ ኣዉራጃ መሰረት ዝገበረ ዘይ ምእኩል ፈደረላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ብምምስራት፣ ነቲ ሕጊ ኣልቦ፣ ማፍያ፣ ፍጹም መላኺን፣ ኢደ-በተኻዊን ጃንዳ ህግደፍ ኣልጊስካ: ሓንቲ ፍትሓዊት፣ ደሞክራሳዊትን ቅዋማዊትን ሃገረ ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ኤርትርዊ ቃልሲ ዝለዓለ ጾር ብምስካም እምነ መሰረት ንምትካል እጃምና ንምብርካት ኢዩ።

ክቡራት ኣሓትን የሕዋትን፡ ንምንታይ ንቃለስ ከም ዘለና ንፈልጥ፤ ንሱ ኸኣ፣ ነቲ ሕጊ ኣልቦ፣ ማፍያ፣ ፍጹም መላኺን፣ ኢደ-በተኻዉን ኣጽናትን ጃንዳ ህግደፍ ኣልጊስካ ሓንቲ ፍትሓዊት፣ ደሞክራሳዊትን ቅዋማዊትን ሃገረ ኤርትራ ንምርግጋጽ ኢዩ።

ስለዚ ኣብ እዚ ንዅልና ርዱእ ክኸዉን ዘለዎ ዓወትና ዝረጋገጽ ነቶም በዚ ጃንዳ ህግደፍ፡ ተደናጊሮም ዘለዉ ኣሕዋትና ኣሓትናን ኣብ ጐድንና ከም ዝጽንበሩ ወይ እዉን፡ ነቲ ኣጽናቲ ጃንዳ ህግደፍ ካብ ምድጋፉ ዓዲ ምስ ዝዉዕሉ ምዃኑ ክንዝንግዖ የብልናን። ስለዚ ኣብ እዚ እዋን ደገፍቲ እቲ ጃንዳ ህግደፍ ዝነበሩ፡ ክጽንበሩና ኸለዉ፤ ኣበይ ነይርኩም ዘይ ኮነስ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም በሃልቲ ክንከዉን ይግባእ።

ንሎሚ ዘሎኒ ፕሮግራም/መደብ፡ ኣብዚ ክዉድእ እየ። ኣምላኽ ብሰላም የጽንሓና፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣርእስትታት ሒዘልኩም ክቐርብ እየ።

1) ንቀዳማይ ዕላማ ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ንምዕዋት ክንክተሎም ዝግቡእና መምርሕታት፣

2) ንካልኣይ ዕላማ ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ንምዕዋት ከነቝሞም ዝግቡና ትካላት፣

3) ንሳልሳይ ዕላማ ሰማያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ንምዕዋት ከነቝሞ ዝግብና ትካልን መምርሕታቱን፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን ተቃለስቱን፣

ዉድቀት ነቲ ሕጋዊ ምኳን ፈንፊኑ ዓመጽ ዝመረጸ ባዕደ-ሽበራዊ: ናይ ጽንተት ጉጅለ: ስርዓት ኣልቦ:

ጃንዳ ህግደፍን መሻርኽቱን፣

እግዝኣቢሔር ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ፣

ዶ/ር ነጋሲ ሓድጉ፡

• ብ PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።



See also more articles by Dr Negassi Hadgu.
ካልኦት ብ'ዶር ነጋሲ ሓድጉ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: