Radio Saeyob - Krn Saeyob

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit


ቦኽሪ ፈነወ - ድምጺ ሰእዮብ
Radio Saeyob - launch
Krn Saeyob ክርን ሰእዮብ

Krn Saeyob ክርን ሰእዮብ


ቦኽሪ ፈነወ - ድምጺ ሰእዮብ
Radio Saeyob - launch
Krn Saeyob

Friday, 16 November 2018 broadcast

ቦኽሪ ፈነወ - ድምጺ ሰእዮብ ዓርቢ ዕለት 16 November 2018 ብቋንቋ ትግረ፡ ክጅምር ኢዩ። ድምጺ ሰእዮብ፡ ወትሩ ዓርቢ ካብ ሰዓት 6 ክሳብ ሰዓት 7 ናይ ምሸት ብመርበብ ኣሰና ኣቢሉ ብሳትላይት ናብ ኤርትራ ዝፍኖ መደብ ኢዩ። እዚ መደብ ዚ ብ'ፓልቶክ ሩም ድላለት ህሌና ዝዳሎ መደብ ኢዩ። እዚ መደብ'ዚ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ካብ ሰዓት 1 ክሳብ ሰዓት 2 ወጋሕታ፡ ከምኡውን ቀዳም ካብ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓትት 10 ቅድሚ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ኣስመራ፡ ይድገም።

Radio Saeyob (Krn Saeyob) is launching its first broadcast to Eritrea on Friday, 16 November 2018. Managed by Eritrea Room Dlalet Halena 2018, Radio Saeyob will broadcast to the people of Eritrea, Every Friday, via Satellite through Radio Assenna, from 6 to 7 pm. This programme is repeated after mid-night from 1 to 2 am as well as on Saturday from 9 to 10 AM Asmara time.

መርሓባ ድምጺ ሰእዮብ!

እንቋዕ ሓጎሰና! ድምጺ ናይቲ እነፍቅሮ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይቲ እነፍቅሮ ታሪኽ ህዝብና ህዝቢ ትግረ፡ በቲ ንሱ ዝርድኦን ዘስተማቕሮን ቋንቋኡ ኣቢልኩም ናብ ውሽጢ ኤርትራን ናብ መላእ ዓለምን፡ መደባት ሰሪዕኩም ብምጅማርኩም፡ ብስም መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም ዮሃና እብለኩም። ከምኡ'ውን ንፓልቶክ ሩም፡ ድላለት ህሌና፡ ነዚ መደብ'ዚ ምብጋስኩም፡ ከም ኩሉ ድምጹ ከስምዕ ዝደሊ ኤርትራዊ ዝለዓለ ፍናን ይሰማዕኩም ክብል እፈቱ።

ክቡራት ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራውያንን፡ እዚ ተታሓሒዞሞ ዘለዉ ዓቢ ዕማም፡ ብቐሊል ዘይግመት ኩሉ መዳያዊ ወጻኢታት ዝሓትት ኢዩ። ስለዝኾነ፡ እቲ መደብ ዕዉትን ኣድማዒን ውጽኢት ንክህልዎ፡ ብሞራል፡ ብሓሳብን ምኽሪን፡ ብንዋትን ገንዘብን፡ ሓገዝኩም ከይፍለዮም እምሕጸን።

ቦኽሪ ፈነወ ክርን ስእዮብ፡ ብመንገዲ መርበብ ኣሰና ኣቢሉ ምፍናዉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ዝምዕብል ዘሎ ምርሕብባር የርእየና። ንመርበብ ኣሰና ድማ ዓቢ ምስጋና ይግብኦም። ጻዕርኹም ተደማሚሩ፡ ድምጺ ናይቶም ዕቡሳት ኣብ ምቅላሕን፡ ርክብ ኤርትራውያን ኣብ ምዕዛዝን ዝህልዎ ተራ ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ። ዓቢ ሞጎስ ንዓኹም ይኹን።

ዮውሃንስ ጸጋይ
መርበብ ስኒትና.ኮም።


Share with friends: