ዕብየትን ዕንወትን ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ

27/02/2018 18:45 PM

ዕብየትን ዕንወትን ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ

ጸዋዒት ንሕደሳን ዳግመ ህንጻትን

ደራሲ ፡ ዶ/ር ተስፋ ገብረመድህን

ናብ ትግርኛ ተርጎምቲ ብሰመረ ከሰተን: መም/ተኽለ ስብሃቱን


ዕብየትን ዕንወትን ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ


ዕብየትን ዕንወትን ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ - ጸዋዒት ንሕደሳን ዳግመ ህንጻትን።
ደራሲ ፡ ዶ/ር ተስፋ ገብረመድህን
ናብ ትግርኛ ተርጎምቲ ብሰመረ ከሰተን: መም/ተኽለ ስብሃቱን

አዛ ናይ ሎሚ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብቀዳሞት ተመሃሮኣን ነበርቲ ከተማ መንደፈራን ሳንጆርጆ ተባሂላ ኢያ ትጽዋዕ ኔራ። ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ካብ ኣስመራ ኣስታት 60 ኪ.ሜ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ፡ካብ መንደፈራ ድማ ኣስታት ክልተ ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ። ኣብ ኣዚዩ ሰሓብን ጎልጎል ዝኾነ ቅርጺ መሬት ዘለዎን ክትርከብ ከላ ነቲ ካብ ኣስመራ ናብ ዓዲ-ዃላ ዝውስድ ጽርግያ ተጎዝጒዛቶ ትርከብ። ብጽዑቕ ቀላሚጦስ ዝተኸበት፣ ልሙዕ ናይ ሕርሳ መሬትን በተን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ምልኩዓት ዓድታት ዝተኸበበት ኢያ። ቤት ትምህርቲ ሳን-ጆርጆ ነቶም ካብ ከባቢኣ ዝርከባ ዓድታት ዝመላለሱን፡ካብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ ዝመጹ ተመሃሮን ተአንግድ ነበረት። ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆን ከምኡውን ኣብ ከረንን ሰገነይትን ዘለዋ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ትምህርታት ካብተን ቀዳሞት ትካላት ክፍሊ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ኢየን። ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ብ1902 ዓ.ም.ፈ ኢያ ተመስሪታ።ኣብ ትሕቲ በብግዚኡ ዝመጹ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ሓይልታት ድማ ንኣስታት 90 ዓመታት ኣገልጊላ።ኣብ ፈለማ ከም መባእታ ማለት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ክሳብ 1942 መግዛእቲ ጥልያን ዘብቅዕ፣ተመሃሮ ኣብ ከባቢ 13 ዓመት ዕድሜኦም ይጅምሩ ዓቕመ ኣዳም ምስ በጽሑ ድማ ይውድኡ።መምህራን ገለ ውሑዳት ሓዲግካ ዳርጋ ኩሎም ኢጣልያዊያን ኢዮም ኔሮም። ትሕዝቶ ናይቲ ስርዓተ ትምህርቲ ንኤርትራዊያን ዝወሃብ ዝነበረ ፍኹስ ዝበለ ከም ቁጽሪ፣ቋንቋ ጥልያን ከምኡውን ናይ ኢደ ጥበብ ሞያዊ ትምህርቲ ከም ጽርበት ዕንጨቲ፣ጽርበት ሓጺን፣ምምሕዳርን ምዕቃብ መሳርሒታትን ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ዕላማኡ እቶም ዝተመረቑ ተመሃሮ ነቲ ሓፈሻዊ መግዛእታዊ ምሕደራ ኣድላዪ ክኢላዊ ኣገልግሎት ወይ ዓቕሚ ንምቕራብ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም መግዛእቲ ጥልያን ምስ ተሳዕረ፣ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ(1942-1952) ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከም ቤት ማእሰርትን ናይ ዝተፋናቐሉ ስደተኛታት መዕቆቢን ተቐይራ ነይራ።ኣብ መጀመርያ 1950ታት እዛ ቤት ትምህርቲ ዳግም ናብ ንቡር ተመሊሳ፣ኣብ ግዜ ፈደረሽን ከም ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ስራሓ ጀሚራ።ካብ 1961 ጀሚራ ድማ ካልኣይ ደረጃ ብምዃን ኣብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተጀመረ ናይ ካልኣይ ደረጃ ብምቕጻል፣ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተሰምያ።ኣብ ኤርትራ እታ ዝዓበየት ቤት ትምህርቲ ካለኣይ ደረጃ ኢየ ኔራ።በብግዝኡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ ካብዛ ቤት ትምህርቲ’ዚኣ ተመሪቖም ኢዮም።ታሪኽ ሳንጆርጆ ከም ዝሕብረና መብዝሕቶኦም እቶም ፍሉጣት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከም በዓል ደግያት ሓረጎት ኣባይ፣ደግያት ወልደሚካኤል መሓሪ፡ደግያት ተፈሪ ወልደሚካኤል፡ኣዝማች በርሀ ገብረኪዳን፡ግራዝማች ኣስመሮም ወልደገርግስ፡ደግያት ስብሃቱ ዮሃንስ ደግያት ኣብርሃ ተሰማ፡ቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፣ኣዝማች ናይዝጊ ሰመረ፡ደግያት ላይነ ኪዳነማርያም፡ኣዝማች ተስፋይ በራኺ፡ጀነራል ሃይለ ባይከዳኝ፡ኮሎኔል ተኽለ ገሹ፡ባሻይ ጸሃየ ገብረኢየሱስ፡ኣብርሃ ደቦጭን ካልኦትን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ከለዉ፡ብዙሓት ካልኦት’ውን ካብ ከባቢታት ኤርትራን ካብ ኢትዮጵያን ዝመጹ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ’ዚኣ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ራብዓይ ክፍሊ ዝወድኡ ኢዮም። ድሒሩ ኣብ ሳንጆርጆ ካለኣይ ደረጃ ዝወድኡን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቶም ዝቐጸሉን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዝዮም ፍሉጣትን ዕዉታትን ምሁራት ሞያዊያን ብምዃን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራውን ኣህጉራውን ደረጃታት ንሃገሮም ኤርትራ የገልግሉ ኣለዉ።ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዓለም ፍሉጥን ልዑል ኣኽብሮት ዘለዎን ቦታታት ከም ኣህጉራዊ ትምህርታዊ ትካላት መምህራን ናይ ዩኒቨርሲቲ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ-ፍልጠት ከም ባህርያዊ ስነ-ፍልጠትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ይምህሩ ኣለዉ።ከምኡ’ ውን ኣብ ምርምር ስነ-ፍልጠት፡ ተክኖሎጂ፡ ሓበረታታት፡ ሙዚቃ፡ፈጠራዊ ስነ-ጥበብ፡ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ህዝባዊ ምምሕዳራት፡ፖሊቲካዊ መራሕትን ናይ ህዝባዊ ጥዕና ክኢላታት ሓኻይምን፡ፋርማሲስትን፡መሃንድሳትን፡ጠበቓታትን ናይ ስነ-ቁጠባ ምሁራትን ኮይኖም ይሰርሑ ኣለዉ። ከምኡ’ውን ናይ ዝተፋላለዩ ንግዳዊያን ትካላት ኣውፈርቲ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ብምዃን ኣብ ሃገሮም ምግልጋል ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዙሓት ኢዮም።

SAN GIORGIO SCHOOL

ቤት ትምህርቲ ሳን-ጆርጆ ቀንዲ ምንጪ ናይ መበቆላዊ መንነትን ባህላዊ ውርሻን ልምዳዊ መምርሒታትን ስርዓታትን ማሕበራዊ ክብርታትን ሃይማኖታዊ እምነታትን ባህላዊ ስርዓታትን (ሕጊ እንዳባ) ናይ መበቆላዊ ፍልጠትን ጥበብን ሞያዊ ክእለትን ሞራላዊ መንፈሳዊ መምርሒ(ግብረ-ገብነት ወይ ስነ ስርዓት) እትረኽበላን እትዕቅበላን ቤት ትምህርቲ ኢያ ኔራ። ሳንጆርጆ ብእተቅስሞ ኩሉ ዓይነት ዘመናዊ ትምህርቲ እተተግብረላ ኢያ ኔራ። ተመሃሮ ሳንጆርጆ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዝቐሰምዎ ጽቡቕ ትምህርቲ ንሞያዊ ዕብየቶም ልዳትን እብነ-ኩርናዕን ብምዃን ዓወት ዘጓናጽፍን ብሩህ መጻኢ ህይወት ዝህብን ዘኹርዕን ኢዩ።ኣብ ዝሓለፉ ሓያለ ዓመታት ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ኣብ ቁጠባዊ፡ማሕበራዊን ፖሊቲካዊን ጉዳያት ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ጌራ ኢያ። ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ብትምህርታዊ ብቕዓትን ስፖርታዊ ውድድራትን ሓንቲ ካብተን ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርታት ብጸብለልትነታ ፍልጥቲ ኢያ።ኣብ ኣካዳሚያዊ ብቕዓታ ኣብ ማእከላይን ካልኣይ ደረጃን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓትሉ እዋን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ርእሰ-መምህራን ነብስሄር መም/ኣሴር ገብረመድህንን ናይ ኣውራጃ ሰራየ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ሓላፊ ዝነበሩ ኢንስፐክተር ሰዓረ ካሕሳይን ኢያ።እዞም ክልተ ሓለፍቲ ብጉዳይ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከም ኣብነታዊያን ኮይኖም ኣብ ታሪኽ ዝጥቅርሱ ኢዮም።እዞም ክልተ መራሕቲ ልዑል ናይ ምምራሕ ብቕዓት ከም ዝነበሮም ምስክርነቶም እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ዝርከብ ዝነበረ ልዑል ውጽኢት ኢዩ።ሓደ ካብቲ ኣዚዩ ዝነኣድ ኣበርክቶኦም ኣብ ኣመራርጻ በላሕትን ንኡዳትን መምህራን ካብ ክፍሊ ትምህርቲ ኮይኑ ንቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ዓቢ ናይ ምዕባሌ ስጉምቲ ዘርኣየ ኢዩ። ነዚ ናይ መምህር ኣሴር ዘደንቕ ናይ ምምራሕ ክእለት ከም ዝነበሮም እተብርህ ሓንቲ ኣብነት ክተቅስ እደሊ።ንሳ ከኣ ሓደ እዋን ኣብ መንጎ ሓደ ናይ ኣምሓርኛ መምህርን ተመሃራይን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ጉዳይ ኢዩ።ብሓደ ነሽቶ ዝተላኦለ ግጭት እቲ መምህር ነቲ ተመሃራይ ንስኻ ኣድጊ ኢኻ ይብሎ’ሞ እቲ ተመሃራይ ትቕብል ኣቢሉ ንስኻ ኢኻ ኣድጊ ኢሉ ይምልሸሉ።ቀጺሉ እቲ መምህር ኣዚዩ ነዲሩ ነቲ ተምሃራይ ክጸፍዖ ኢዱ ወስ ምስ ኣበለ፡እቲ ተመሃራይ ነብሱ ንምክልኻል ነቲ መምህር ብኢዱ ብምሓዝ ምስ ደፍኦ፣አቲ መምህር ይወድቕ፣ብኡ ብኡ ተንሲኡ ብቀጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት መምህር ኣሴር ብምኻድ ክሴታኡ የቕርብ።ክሴታኡ ድማ እቲ ተመሃራይ ብህጹጽ ካብ ቤት ትምህርቲ ክባረር ይሓትት፣ ጥርዓኑ ምስ ዘይፍጸም ግን ናብ ሓገረይ ክምለስ ኢየ ብምባል ንመምህር ኣሴር ብሕርቃን ይሓትት።መምህር ኣሴር ንዘደቐቐ ነገር ከይተረፈ ብጥንቃቐ ዘድህብ ብምንባሩ ነቲ መምህር ብህድኣት ሰሚዑ፣ብኣኽብሮት ከምዚ ክብል መለሰ።ኣብ ቤት ትምህርትና ዝኾነ ዓይነት በደል ምስ ዝፍጸም ብሸለልትነት ኣይንሓልፎን ኢና።ኣብ ማሕበረ ትምህርትና ሰናይ ስነ-ምግባር ስነ ስርዓት ከም ዝህሉ ንኹስኩስ፣ኣብ መንጎ መምህራንን ተመሃሮን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ውህደትን ምቕሉልነትን ሰላም ክሰፍንን ትጽቢትና ኢዩ።ሓደ ተመሃራይ ካብ ሕጊ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ በደል ምስ ዝፍጽም ብግቡእ መርሚርና ናይ ምጉዳል ስነ-ስርዓት መቕጻዕቲ ክውሰዶ ኢዩ።ናብ ሃገርካ ናይ ምምላስ ሃቀናኻ ግን ናብ ሃገርካ ክትምለስ እንተ ደሊካ ዝኽልክለካ የልቦን።እንተኾነ ንስኻ ኣገዳሲ መምህር ስለ ዝኾንካ ኣብዚ ክትጸንሕ እላበወካ ምስ በልዎ።ብድሕርዚ እቲ መምህር ነቲ ልኡም ቃላት ናይ መምህር ኣሴር ድሕሪ ምስማዕ ሓሳቡ ቀይሩ ስርሑ ክቕጽል ወሰነ።እታ ኣብ መንጎ’ቲ መምህርን ተመሃራይን ዘጋጠመት ግርጭት ድማ ብሰላማዊ ኣገባብ ብክልቲኦም ወገናት ይቕሬታ ብምውህሃብ ብሰላም ተደምዲማ።እታ ጉዳይ ብሰላም ክትዓርፈሉ ዝኸኣለት ብውሕሉልን ክእለት ኣፈታትሓ ግርጭት ዝነበሮም፣ናይ መሪሕነት ብቕዓት ዝውንኑ መምህር ኣሴር ገብረመድህን ኢያ። ብድሕር’ዚ መምህር ኣሴር ኣብ ንኡስ ዕድሚኡን ሓያል ኣበርክቶ ኣብ ዝህበሉ ዕድመ ብ1967 ብሃንደበት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።ሳንጆርጆ ኣብ ዕድሚኣ ካብ ዝረኸበቶም ዝለዓለ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ተወፋይነትን ስለ ዝተፈልዩዋ መሪር ሓዘን ተሰሚዑዋ።ኣብ ዕረፍቲ መምህር ኣሴር ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆን ህዝቢ ከተማ መንደፈራ ዘሐጉስ ተባዕ ስጉምቲ ወሲዱ፣ንሱ ከኣ ቤተ-ሰብ መምህር ኣሴር ንሬሳ ወዶም ናብ ዝተወልደሉ ዓዱ ናብ ዓዲ ቀይሕ ወሲዶም ክቐብርዎ ደለዩ።ህዝቢ ከተማ መንደፈራ ድማ ነዚ ብኣሽሓት ብምቅዋም፣ዓዲ ቀይሕ መበቆል ዓዱ’ኳ ይኹን እምበር፡መንደፈራ ናይ ብሓቂ ዝፈትዋ ከተማኡ ስለ ዝኾነት ኣብዚ ኢና ብዝለዓለ ደረጃን ኣኽብሮትን እንቐብሮ ብማለት ኣብ መንደፈራ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣብ ግዜ መሪሕነት ኢንስፐክተር ሰዓረን መምህር ኣሴርን ኣተሓሕዛ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ዝምስገን ከም ዝነበረ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።እቲ ዓቢ ዝናን ጽቡቕ ስምን ናይ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ኣብ ርእስ’ቲ ጽቡቕ መሪሕነት ናይ መም/ኣሴር እቲ ዘይሕለል ጻዕርን ስራሕን ምምሕዳር ናይ መምህር ኢዮብ ኣርኣያ ስለ ዝተሓወሶ ኢዩ። ንዕብየትን ብራኸን ናይ’ዛ ቤት ትምህርቲ ብዝያዳ ሓጋዚ ዝነበረ ውፉያትን ብሉጻትን በላሕትን መማሕራን ብምንባሮም ብቑዓት ተመሃሮ ብምፍራይ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ብሉጻት ዜጋታት ኮይኖም ሃገሮም ኣብ ምግልጋል ይርከቡ ኣለዉ።

ድሕሪ ሞት መምህር ኣሴር፣ከምኡውን ኢንስፐክተር ሰዓረ ብዝረኸብዎ ናይ ዝለዓለ ደረጃ ሓላፍነት ናብ ኣስመራ ምስ ተቐየሩ፣ኩነታት ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከም ቀደሙ ክቕጽል ኣይተራእየን።ምኽንያቱ እቲ ዝናዊ ጉዕዞ ናይ ሓፈሻዊ ኩነታትን ትምህርታዊ ብቕዓትን ከንቆልቁል ጀሚሩ።ብፍላይ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1970ታትን 1980ታትን ኣዚዩ ብናህሪ ከንቆልቁል ጀሚሩ።ምስ ምኽታም መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናብዚ ሕጂ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ዘሎ ደረጃ ብምንቁልቋል ካብተን ኣብ ሃገርና ዘለዋ ካልኦት ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርታት ሳንጆርጆ ንዕብየታን ምምሕያሻን ዘድሊ ነገራት ተነፊጉዋ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ትርከብ።ሳን ጆርጆ ሃብታም ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታኣን ሕጂ ዘላቶ ኩነታትን ክመዛዘን ከሎ ዓቢ ፍልልይ ኢዩ ዘለዎ።ናይ ታሪኽ ምሁራን እዚ ሕጂ ወዲቓቶ ዘላ ደረጃን ሕሉፍ ታሪኻዊ ሓቅታትን ካብ ምምዝጋብን ምእካብን ክቑጠቡ የብሎምን።ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ በቲ ጨካን ጎበጣ ምህደራ ጣልያንን እንግሊዝን መግዛእታዊ ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዘመናት ተሳቕያ ኢያ።ኣብ ዝቐረባ እዋን ብዘይካ ናእሽቱ ክፍልታት ልክዕ ከምቶም ኣብ ገጠራት ዝህነጹ እንተ ዘይኮይኑ ምሕዳስ ይኹን ካልእ ሓዲሽ ኣይተገብረላን።ካብ መግዛእታዊ ግዜ ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ምሕዳስን ምምሕያሽን ስለ ዘይተገብረላ መልክዓ ተደማሲሱ ኣብ ሕማቕ ደረጃ ትርከብ ኣላ።ስለዚ እቲ ታሪኻዊ ናይ መጀመርያ ህንጻኣ ኣብ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ኩነታት ይርከብ ኣሎ።መናድቓን ቦሎፎናታን ይወድቁ ኣለዉ።ነቓዕ መናድቓን ቀዳዳት ቦሎፎናታታን መንበሪ ኣትማንን ኣናጹን ጠባብቕን ጨራሩን ኮይኑ ኣሎ።ብፍላይ ኣብ ግዜ ክረምቲ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘይብሉ እዋናት።ናሕስታት፡መትረብን ቦሎፎንን ስፍራ ሳሬትን ጣንጡን ካልኦት ሓሳኹን ኮይኑ ኣሎ።እቶም ናይ ቀደም ዕንጨቲ ብፍልሖ ስለ ዝተበልዑ ዝነበሮም ቅርጽታት ኣጥፊኦም ይርከቡ።መዓጹን መሳኹትን ኣዚዮም ስለ ዝተማዛበሉ ካብ ኣገልግሎት ውጻኢ ኢዮም።ነታ ቤት ትምህርቲ ዘወቅቡዋ ዝነበሩ ጽቡቓት ኣግራብን ዕንባባታትን ተደምሲሶም ብደረቃት ቆጥቋጥን ዝነቐጹ ሳዕርን ተተኪኦም ስፍራ ጻጸን ፍልሕዕን ኮይኖም ክትርኢ ከሎካ ዘሕዝን’ዩ።እቶም መሕጸብ ነብስን ዓይኒ ምድርን ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኖም ተዓጽዮም፣ሰሌዳታት ካብ ምሕርፋፍ ዝተላዕለ ክትጽሕፈሎም ዘይከኣል ኮይኑ።እቶም ናይ ቀደም ህንጻታት ዝርካቦም ስለ ዝወሓዱ ካብ ዋሕዲ ክፍልታት ዝተላዕለ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክሳብ 80 ተመሃሮ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሰለስተ ተምሃሮ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ይመሃሩ ኣለዉ።ብናይ ቀደም ስርዓተ ትምህርቲ(curriculum) ተመሃሮ ሳንጀርጆ ጽርበት ዕንጸይትን ካልእ ኢደ-ጥበባትን ይመሃሩ ኔሮም።ሎሚ ግን ኩሎም እቶም ኣገደስቲ ተክኒካዊን ሞያዊን ክእለታት ወይ ጥበባት ዝሓዙ መደባት ካብ’ቲ ስርዓተ ትምህርቲ ተኣልዮም ኢዮም።ብሓፈሻ ሎሚ ኣብቲ ውሽጢ ክፍልታት ኣቲኻ ነቲ ዓንዩ ዘሎ ናይ ቀደም ህንጻታት ክትዕዘብ ከሎኻ፣እዚኣ ናይ ብሓቂ ናይ ቀደም ሳንጆርጆ ናይ ብሓቂ ኣብ ንቡር ኩነታትን ዓዳሚ ኣከባቢን ተመሃሮ ዝመሃሩላ መምህራን ዝምህሩላ ቤት ትምህርቲ ዲያ ክትብል ኣዚዩ ዝኸብድ ኢዩ።ሳንጆርጆ ዳርጋ ናይ መወዳእታ ትንፋስ ሒዛ ኢያ ብኣፈርኩቡ ትሰሓግ ዘላ።ስለዚ ሳንጆርጆ ቅድሚ መጉሓፊ ናይ ዝፈራረሱ መናድቕን ህንጻታትን ክትከውን ምፍራዳ ህጹጽ ረድኤት ናይ ምሕዳስ የድልያ ኣሎ።

ከም ጽቡቕ ሓሳብ ናይ ቀደም ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ነበርቲ ከተማ መንደፈራ፣ኣብ ኣስመራን መንደፈራን ሽማግለታት ኣውጺኦም።ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራዊያን መብዝሕቶኦም ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜርካን ዝርከቡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሽማግለታት ከካብ ቦትኡ ተመዲቦም።ኩሎም ድማ ብሓባር ሓንቲ ኤርትራዊት ማሕበር ንህንጻን ምሕዳስን ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ብዝብል ማሕበር መስሪቶም።ነዚ ኣብ ግብሪ ንመዓል ወይ ምጥንኻር ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራዊያን-ኣሜሪካዊያን ኣብ ጥቅምቲ 2010 ሓደ ፍሉይ ዝኾነ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ኣርሊንግቶን ቨርጂንያ ኣኼባ ኣካይዶም።ጽቡቕ ስም ሳንጆርጆ ንምዝካርን ንምህናጽን ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርታት ኤርትራ ትምህርቲ ንምድንፋዕ ቤት ትምህርታት ክህነጻን ገንዘብ ንምውጻእ ተወዲቡ።ኣብቲ ዝተወደበ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ናይ ቀደም ተመሃሮን ዕዱማት ኤርትራዊያንን ካብ ኣሜሪካን ካናዳን ክሳብ ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ተሳቲፎም።እዚ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ንነባራት ተመሃሮ ሳንጆርጆ ዝምልከት ኮይኑ፣ንቐጻሊ ዝራኸቡላን ንናይ ምህናጽ ዕላማኦም ዝፍጽሙላን ዕድል ኢያ።እታ መዓልቲ ብባህላዊ ሙዚቃታት፡መግብን መስተን መደረታትን ግጥምታትን ዋዛ ምስ ቁምነገር ደሚቓ ውዒላ።ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ኣኼባ ገንዘብ ክርከበሉ ዝከኣለሉ ማለት ካብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ባህላዊ ትካላት፡ስነ-ፍልጠታዊ ማሕበራት፡ልምዓታዊን ናይ ተራድኦን ማሕበራት፣ንግዳዊ ትካላት፣ሞያዊያን ማሕበራት፣ግዱሳት ውልቀሰባትን ኣብ ኣሜሪካ፣ካናዳን ኤውሮጳን ካልኦት ክፍለ-ዓለማትን ንምርካብ ኢዩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ውጥን 58 ክፍልታት ምስኡ ቤት ጽሕፈታት፡ቤት-ንባብ፣ኣዳራሽን ካልእን ዘማልኤ ብእስታት $6.5 (ሽዱሽተን ፈረቓን ሚልዮን ዶላር ንምህናጽ ኢዩ።መደብን ዕላማን ናይቶም ኣብ ኤርትራን ሰሜን ኣሜሪካን ካልኦት ቦታታትን ምንጪ ኣታዊታት ብምድህሳስ ሓዲሽ ህንጻ ብምህናጽ ናይ ምስትምሃር ጸጋታት ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ክብ ንምባል ኢዩ።ድሕሪ ቀሊል ዘይኮነ ጻዕሪ ገንዘባዊ መብጽዓታት ምርካብን ኣድላዪ ዘበለ ናይ ስራሕ መደብ ምድላውን፣እታ ሃገራዊ ማሕበር ስራሓ ንምጅማር፣ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሰናይ ፍቓድ ክትረክብ ብዘይ ምኽኣላ ክትፈልጥ ከሎኻ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ።ካብ መንግስታዊ ምምሕዳር ከተማ መንደፈራ ንጹር ብዘይኮነን ዘይፍሉጥን ምኽንያት እቲ ቀጠልያ መብራህቲ ተነፊጉዋ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ቅዱስ ዕላማ ንኽትግበር ዘይምፍቃድ ድማ እቲ ክቱር ድሌትን ምትብባዕን ናይ’ቶም ደገፍቲ እቲ ውጥን ከም እተደልየ ኣብ ግዜኡ ክትግበር ኣይተኻእለን።እቲ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ድማ ንግዜኡ ተወንዚፉ ኣሎ።ነዚ ቅዱስን ፍትሓውን ዕላማ ንምትዕንቓፍ እከይ ማሕለኻታት ንምንታይ ተደልዩ ዘሕዝን ኢዩ።ናይ ሕጂን ናይ መጻኢን ተመሃሮ ሳን-ጆርጆ ካብ ብቑዓት መማህራኖም ክመሃሩ ይግበኦም ኢዩ።ተመሃሮ ናይ’ዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤትና ምዃኖም ክንዝክር ይግባኣና።ምኽንያቱ ኩልና ኣካል ሓንቲ ዓባይ ቤተሰብ ኤርትራ ስለ ዝኾና።እምበኣር ነዚ ንምዕዋትን ትምህርቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንምድንፋዕን ነቲ ንድሕሪት ዝጎተና ከነወግድ ይግበኣና።ነቶም ነባራት ተመሃሮ ሳንጆርጆ ነዚ መደብ’ዚ ንምዕዋት ብሓያል ድሌት ዘርኣይዎ ዘይሕለል ጻዕርን ተወፋይነትን ምስጋና ይግበኦም።ምኽንያቱ ነባራት ተመሃሮ ሳንጆርጆ ኣብ መንደፈራን ኣስመራን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ንዕዱማት ኣጋይሽን ካልኦትን ብምጉስጓስ ገንዘብ ኣብ ምውጻእ ዕዉት ስራሕ ሰሪሖም።እንተኾነ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጥን በቲ ዘጋጠመ ግዝያዊ መኻልፍ፣ናይ ቀረባ መደቡ ሸቶኡ ክወቅዕ’ኳ እንተ ዘይከኣለ ድሒሩ ከም ዝዕወት ዘጠራጥር ኣይኮነን።እምበኣር ቃልስና ኣብ ዓወት ክበጽሕ ብቐዳምነት ነቲ ናይ መጀመርያ ውግእና ኣንጻር ኒሕ ዘይምህላው፣ተስፋ ምቑራጽ፣ኣሉታዊ ስምዒትን ክንዕወት ትብዓት ከነማዕብል ኣሎና።ዳግመ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ሕጂን ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታትን ሽሕ’ኳ መሰሉ ተነፊጉዎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ኣፍ-ሞት እንተ ጸንሐ ፈጺሙ ኣይሞተን፣ምኽንያቱ ዋናታት ናይዚ ጉዳይ ብህይወት ስለ ዘለዉ።ስለዚ ኩሎም ኤርትራዊያን ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ክድንፍእ ዝደልዩ፣ ብፍላይ ድማ ነባራት ተመሃሮ ሳንጆርጆ ብሓደ ጭቡጥ ዝኾነ ውጥን ንምሕዳስ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ንምጅማር ንዳግመ ርክብ ህጹጽ ጻዋዒት ይግበር ኣሎ።

እምበኣር ቅርጻ ከነሐድሶ፣ጽባቔኣ ክንመልሶ፣ናይ ጥንቲ ምስላ ከነማሓይሾ፣ዝናኣ ንተካእትና ከነውርሶ ማለት ነቲ ጽቡቕ ስም ሳንጆርጆ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከነሐድሶ ምሉእ ተወፋይነትን ዘይሕለል ጻዕርን ናይ ነባራት ተመሃሮኣን ካልኦት ግዱሳት ኤርትራዊያንን ብሓድነት ኣብ’ቲ ተልእኾ ከነተኩር ይግባእ።ብዛዕባ ፍትውቲ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን፣ምኽንያቱ ቁስላን ስቅያታን ኩሉ ግዜ ቅሳነት ስለ ዘይህበና።ዕንወት ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ዕንወት መንነትና ኢዩ።ምኽንያቱ ልዑል ኣምላኽ ፍቓዱ ኮይኑ ካብዚ ዓለም ብሞት እንተ ዘይተፈሊና ንሕና ደቃ ብህይወት ክሳብ ዘሎና ነዚ ቅዱስ ዕላማ ኣብ ሾቶኡ ከይበጽሕ ዝእግዶ ሓይሊ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ።ስለዚ ንትግባረ ናይዚ ውጥን ባህግና ኣብ መፈጸምትኡ ከይበጽሐ ክንድቅስ የብልናን።ኢድና ከይንህብን ተስፋ ከይንቖርጽን ትብዓትን ነብሰ ምትእምማንን ክህልወና ይግባእ።ምኽንያቱ ነገራት ክመሓየሹ ኢዮም።እቲ ዕንቅፋት ዝፈጥር ዘሎ እውን ኣብ ግዜኡ ኣላሽ ክብል ኢዩ።ፈራሓት ውጥን ኣይጅምሩን፣ደካማታት’ውን ከም ዘይውድእዎ ንጹር ኢዩ።ዕዉታት እቶም ዘይዕንቀፉ ዘይኮኑ፣እቶም ፈጺሞም ዘይሕለሉ ኢዮም።ስቓይ ናይ ዝሓለፈ ውድቀትና ከነእንግድ ድሌት የብልናን።ኣብዚ አዋን’ዚ ብዙሓት ዝዕመሙ ስራሓት ስለ ዘለዉና ካብዚ ንላዕሊ ክንጽበን ንብላሽ ግዜ ከነጥፍእን የብልናን።እቶም መንእሰያት ነቶም ዓበይትን ናእሽቱን ወለዶ ኣብ ምብርባርናን ኣብ ምጥርናፍናን ናይ ተበግሶ መሪሕነት ወሲድኩም፣ብድሕር’ዚ ንውጥን ሕዳሰ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ኣብ መፈጸምትኡ ንኽበጽሕ ምሕጽንታ ይቐርበልኩም ኣሎ።ንሕልሚ ሕዳሰ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ክዉን ንምግባር ተመሃሮ ሳንጆርጆ ዝነበርኩም መንእሰያትን ዝነበሩ ዕዱማት ኣጋይሽን እንደጌና ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዝመስል ኣብ ዝጥዕም ቦታን ግዜን ክትእክቡና ብቕዓትን ሓይልን ኣለኩም።ነባራት ተመሃሮ ሳንጆርጆ ነቲ ዘይሃስስ ስም ቤት ትምህርቶም ከኽብርዎን ስም ናይቶም ንኡዳት መማህራን ኣባላት ቤት ትምህርቶም ከበርኽዎን ሞራላዊ ግዴታ ኣለዎም። ንቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ክንህባ እንኸል ዝዓበየን ዝበለጸን ህያብ ውቅብቲ ብምግባር ዘይሃስስ ህይወት ምሃብ ኢዩ። እምበኣር እዚ ውጥን ህይወት ረኺቡ ቀጻልነት ክህልዎ፣መንፈስና ልዕል ከነብልን ነታ ናይ ዓወት ሽግ ኣበሪኽና ክንሕዛን ሃልሃልታኣ ሓይሊ ተስፋን ኩርዓትን ክህበና ክንብገስ ኣሎና። ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ሕጂ ዘለዋ ጸገማት ተኣልዩ ናይ ሓዲሽ ምዕራፍ ህይወታ እትጅምረሉ ግዜ ክትረክብ ተስፋና ወሰን የብሉን።ልዑል ፈጣሪ ስለ’ቲ ሰናይ ፍቓዱን ክቡር ባርኾቱን ንቐጻሊ ከይፍለያ ንጽሊ።ምኽንያቱ ሳንጆርጆ ሓዲሽ ህይወት ክትሰርዕ ብመንገዲ ሓይሊ ፈጣሪ ጸጋኡ ምስ ዘይፍለያ ጥራይ ኢዩ።

ዶ/ር ተስፋ ገብረመድህን
West Virginia University


Share with friends:


San Giorgio School Mendefera Documentary


See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን