ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit


22/03/2019 18:16 PM

United Eritreans For Justice
(North America and Canada)
Conference
ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡
ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን
16-17 March 2019

United Eritreans For Justice


ዜና ዋዕላ ኣትላንታ

ኣብ ህልው ኩነታት ዘተኮረ ብውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ጨንፈር ኣሜሪካን ካናዳን ዝተወደበ ወርክሾፕ ካብ 16-17 መጋቢት ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኣትላንታ ጆርጅያ ተኻይዱ ። ኣብ'ቲ ኣስታት 200 ተሳተፍቲ ዝተኻፈልዎ ኣኼባ ብኣቦ መንበር ብጻይ ተወልደ ኪዳነ መደረ ዝተኸፍተ ክኸውን ከሎ ድሕረ ባይታን መጻኢ መደባትን ውድብ ዝገልጽ ጽሑፍ ድማ ብኣባል ባይቶ ብጻይ ዮሴፍ ኣስገዶም ተነቢቡ። ክልቲኦም ኣባላት መሪሕነት ኣብ መደረኦም ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ 5 ውድባት ኣስሚሩ ካብዝተበገሰሉ ሚያዝያ 2017 እንዳዓበየን እንዳጎልበተን ይኸይድ ምህላውን ተቂሶም ከም ውጽኢት ከኣ ብዙሓት መንእሰያት ይውደቡ ምህላዎም ንተጋባእቲ ገሊጾም፤፤

ብምቅጻል ቃልሲና ላዕሉን ታሕቱን( pros and cons) ዝግምግምን ዘባራብርን መልእኽቲ ብሓረበኛ ተቓላሲት ኣበባ ኣብርሃ ዝቀረበ ኮይኑ ሓፍትና ኣበባ " እንካንያ ሕጂ ክንዲዚ በዚሕና ሓሙሽተ ኮይና ዝተኣከብናሉ ግዜ ስለዝነበረ ነዚ ሕጂ ዘለና ዓቅሚ ብግቡእ ተጠቂምና ንቅድሚት ንገስግስ" ክትብል ሙት ዘተስእ መልእኽታ ደምዲማ።
ብተወሳኺ ምሕያል ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝምልከት ብጅግና መናሰይ ወይኒ ወናን ቀሪቡ ዝቀረበ ኮይኑ ፥ብጸይቲ ወይኒ ኣብ መልኽታ ኩሉ ተቃላሳይ ሓፍቱ ፥መቅረብኡ ፤ ሰበይቱ ኣብ ቃልሲ ከሳትፍ ትጽቢት ይግበሩ ክትብል መድረኻዊ ጻዊዒታ ኣቅሪባ።

ተሳተፍቲ ኣብቲ ዝቀረበ ጽሕይፋት ክትዕ ድሕሪ ምክያድ ናብቲ ብዶ/ር ገብረመስቀል ገብረየናስ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ መንዩ ብዝብል ሕቶ ዝጀመረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ተሰጊሩ ፤፤ ዶ/ ር ገብረ ኣብ መጽናዕቱ ህዝቢ ኤርትራ ሰለስተ ጸላእቲ ከምዘለዎ ንሳቶም ከኣ ኢሳያስ ፥ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡውን ጅኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ከምዝኾኑ ብትንታነ ኣቅሪቡ። ብፍላይ እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ኢሳይስ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጸፍዪ ዝጸንሐ ልኡኽ ናይ ኢትዪጵያ ምኻኑ ነጥብታት ጠቂሱ ደምዲሙ። ኣብ'ቲ ጂኦ ፓለቲካ ኢሉ ዘቀመጦ ንድሕሪት ብምምላስ ምስዚ ዘለናዮ ኩነታት ኣላጊቡ ብምቅራብ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ውድቀት ነዚ ሕጅብሳይንሳዊ መንገዲ ኣቀመጡ ኣብ መወዳእታ "ኣነ ክቃለስ የ ንስኹም ከ ?" ብምባል ኩሉ ወዲ ሃገር ኤርትራ ከድሕን ጸዊዑ። ከምኡውን ዶር ገብረ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ብዛዕባ swot analiss ማለት ብልጫታት፥ ሕጽረታት፤ ዕድላት ከምኡውን ብድሆታት ዝብል ሳይንሳዊ መገምገሚ ስራሕ ምስ ኩነታትና ቃልስና ኣዛሚዱ ብመሳጢ መንገዲ ኣቕሪቡ። ዝኾነ ንገብሮ መደባት ኣብ'ዚ መቓን እዚ ተጎዝጉዝና ክንገሮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እንተዘይኮይኑ ቃልስና ከነዐውት ከምንጽገም ኣስሚርሉ።

ካብኡ ብምቕጻል ዶ/ ር ሳላሕ ብዛዕባ ሓጺርና ዘሎን ክህልወና ዘለዎን ማለት ርክብ (commnication) ፡ ምቅብባል ከምኡውን ብዛዕባ ኣመራርሓ ንህቦ ትርጉም ዘርዚሩ ኣቅሪቡ። ዶ/ር ሳላሕ ኣብ ኣስተምህሮኡ መራሒ ብዓቅሚ እንበር ብኻልእ ክንመዝን ከምዘይብልና ኣቀሚቱ። ከምኡውን ተራ ደቂባንስትዩ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ። ዶ/ር ሳልሕ ዝበዝህ ግዜ ካብ ነቲ ዛዕባ ንርኢ ነቲ ዛዕባ ዘቅርብ ዘሎ ሰብ ብምትካር ንድሕሪት ንጉተት ከምዘለና ኣስሚርሉ፤፤ ካብዚ ከምዝታት ክንወጽእ ከኣ ለወብኡ ኣቅሪቡ።

ብተወሳኺ ሓርበኛ ሰንጋል ወልደንስኤ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስትራተጂ ምስዝተፈላለየ ዓውድታት ሳይንስ ብምዝማድ ብዝምስጥ መንገዲ ኣቅሪቡ። ሓው ሰንጋል ኣብ ኣስተምህሮኡ ውዳበን መትከልን በይኑ ከዐውት ከምዘይክእል ኣቀሚጡ ቃልሲ ክዕወት እንተኾይኑ መትከል ፥ ውደባ፥ ከምኡውን ስትራተጂ ተወሃሂዱ (Synergy) ክኸይድ ከምዘለዎ ኣቀሚጡ።

ኣብ መወዳእታ ኣሰናዳኢ ቀስተ ደመናን ተሸላሚ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ዝኾነ ጋዜጠኛ ሚልክያስ ምሕረትኣብ "ካብ ደገፍቲ ህግደፍ እንታይ ንመሃር" ብዝብል ኣርእስቲ ደለይቲ ፍትሒ ጎዲልና ዘሎ ኣጉሊሑ ብምውጻእ ብኣብነታት ኣሰንዩ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ። ጋዜጠኛ ሚልክያስ ኣብ መደርኡ ደገፍቲ ህግደፍ ዋላ ንእከይ ነገር ይኹን እንበር ኣብ ስርሖም ዝያዳ ደለይቲ ፍትሒ ውፉያት ምኻኖም ከይሓብአ ገሊጹ። ቅዱስ ዕላማና ከነዐውት ከምኦም ውፉያት ክንከውን ከምዘድሊ ከኣ ጸዊዑ፤፤ ነጋድጋዳዊ መልእኽቲ ሓው ሚልክያስ ከም ወትሮ ካብ ተሳተፍቲ ገፊሕ ናእዳ ረኺቡ።

ብሓፈሻ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ኣኸባ ኣትላንታ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ምስ ህዝቢ ዝተላለየሉ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢሂን ሚሂን ዝተበሃለሉ ፥ ደቂ ኣንስትዩ ጎሊሐን ዝወጻሉ ፥ እቲ ወትሩ ቦኺሩ ንብሎ ዝነበርና ተራ ምሁራን ኣብ ቃልሲ ጎሊሑ ዝተራእየሉ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ተሳተፍቲ በቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኸባ ዕግበቶም ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ተመሳሳሊ መዳባት ተሰሪኦም ህዝቢ ቓልሱ ከሐየል ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ከም መንኮርኮር ኮይኑ ከገልግል ለወባ ቀሪብሉ።




How to conduct a SWOT Analysis
ብድዕስ ትንታነ ብኸመይ ከምዝካየድ


Strategic Plan VS Action Plan (P1)

Strategic Plan VS Action Plan (P2)

Strategic Plan VS Action Plan (P3)



Inspirational speech by Dr Salah Nur






Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:



Share with friends: