19/06/2024 16:36 PM
ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ by Democratic Front For Eritrean Unity.
ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
ብእምቤታ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ኣለሻ ግዝኣታዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ብጽንዓትን ሓቦን ኣላሽ ከይበለ ተጓዒዙ፡ ነቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝፈለመ ፖለቲካዊ ካርታ ሃገርነት፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ውድባትን መጀመርያ ብሓይሊ ቀጺሉ ብሕጊ ብህዝበ ውሳኔ፡ ሕቶ መሬታዊ ልኡላውነቱ ዘሐደሰን ዝመለሰን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተሰጋግሩ፡ ኣብ ዳግማይ ፈታኒ ናይ ህልውና ቃልሲ ይርከብ ኣሎ። ካብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ መጀመርያ 40ታት ክሳብ 1991 ከይረብረበ ብክቡር ኩለ-መዳያዊ መስዋእቱ ልኡላዊ መሬቱ ኣውሒሱ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ካብ ዝኣቱ እነሆ 33 ዓመት ኣቑጺሩ።
ብእምነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ሓደ ብዝተናወሐ ቃልሲ ኣብ ነጻነት ዝበጽሐ ሓርበኛ ህዝቢ ን33 ዓመት ኣብ ትሕቲ ሰላም ሕርሙ፡ ሓሶት ምፍብራኽ፡ ህዝቢ ምክፍፋል፡ ኲናት ምጽዕታር ዝዋኒኑ ሓደ ሰባዊ ስርዓት ክግዛእ ዘይንቡር’ዩ። ፈጺሙ ክኸውን ዘይነበሮ ተርእዮ’ዩ። ደግሓኤ ህዝቢ ከም ህዝቢ ካብ ውዳቤኡ ወጻኢ ምንቃፍ ጠንቅን ሳዕቤንን ስለ ዘየነጽር፡ መን ጠንቂ መን ከ ሳዕቤን ብብሩህ ክኽመጥ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። ናይ’ዚ ሎሚ ገጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ጠንቅን ቀዳማይ ተሓታትን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ዘቤታዊ ጸላኢ’ዩ። ካልኣይ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ዝጸንሐን ዘሎ ዘይንጹር ዝሩግ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ድኹም ባህሊ ስራሕን’ዩ። ሳዕቤኑ ከኣ ሕድሕድ ምትእምማን ዝጎደሎ፡ ንፖለቲካዊ ወጽዓኡ ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ብደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ዝተገርሐ ባህርን ኣሰራርሓን ከይወነነ ብተግባር ዝዛረብ ስምዒት ኣማዕቢሉ ምህላው’ዩ።
ብርግጽ ሎሚ ሎሚ ናይ ሓቐኛ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ባህጉ ምሉእ ንምሉእ ከም ዝተኾልፈ፡ ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ መግዛእቲ ባርባራዊ ህይወት የሕልፍ ከም ዘሎ ዝተረደአ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰሰነ ይመጽእ ኣሎ፡፡ ነዚ ብዘቤታዊ መግዛእቲ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕ ምስ ተግባራት ሕሉፋት ስርዓታት ብምንጽጻር፡ ደረጃ ናይ’ቲ ሕሰም ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ከም ዝበጽሐ ተገንዚቡ፡ ቅድሚ ህግደፍ ዝስራዕ ጸላኢ የብልናን ዝብል ገዛኢ ኣተሓሳስባ የማዕብል ምህላው ኣወንታዊ’ዩ። እዚ ዋላ’ኳ ክወስዶ ዘይነበሮ ግዜ ዝወሰደን ምስ መስተንክራዊ ግብራዊ ሓርበኝነቱ ክነጻጸር እንከሎ ደረጃ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ገና ከም’ቲ ዝድለ ዘይሰጎመ ምዃኑ ዘመልክት እንተኾነ፡ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ።
ቃልሲ ጸረ-ህግደፍ ሎሚ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ቅድሚ ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገር ብመልክዕ ነቐፌታዊ ደገፍ፡ ድሕሪኡ ከኣ ከከም ፖለቲካዊ ባህሪአን ዝዓደለን ጸረ-ህዝቢ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህ.ግ/ህግደፍ ከቃልዓን መፍትሒ ሓሳባት ድማ ክህባ ዝጸንሐ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ነይረንን ኣለዋን’የን። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ብባህሪኡ ፍልይ ዝበለ መልክዕ ዝሓዘ፡ ብወሳኒ መልክዑ ብመንእሰያት ዝምራሕ፡ ጸረ-ህዝቢ ባህሪ ህግደፍ ክቃላዕ፡ ምንጪ ቁጠባኡ ክነጽፍ፡ ናይ ሓሶት ማዕከናት ዜናኡ ካብ ህዝቢ ተነጺለን በይነን ክቑዝማ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም ስርዓት ምስ ኩሉ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መሓውሩ ካብ ናይ ስልጣን ርኻቡ ክጽረግ ኣለዎ ዝብል ቁጠዐ ተፈጢሩ፡ ናብ ኣካላዊ ጥምጥም ተሰጋጊሩ ይርከብ፡፡ በዚ ቁጠዐ ዝወለዶ ተባዕ ግብራዊ ስጉምቲ፡ መጀመርያ ጉጅለ ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታት ዘተኣታተዎ ራዕዲ (ፍርሒ) ተሰቢሩ፡፡ ብካልኣይ ኤርትራዊ ሓርበኝነት ብቑዕ ቀላሲ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ እንተረኺቡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ኣብ ቦትኡ ምህላው ተረጋጊጹ ኣሎ።
ብርጌድ ንሓመዱ ብግዜ ንውሓት ዘይበሊ፡ መሰል ብልማኖን ምጽወታን ከምዘይርከብ ዘረድእ “መሰልና ብቃልስና” ዝብል መሪሕ ጭርሖ እናስመዐ ዘካየዶ ዘሎ ቃልሲ ንዘቤታዊ ጸላኢ በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ማለት ስነ-መጎት ሓይሊ የዛርቦ ኣሎ። ዘቤታዊ ጸላኢ መኸወሊ ናብ ዘይብሉ ቅሉዕ ግብረ ሽበራዊ መንግስቲ ከም ዝተሰጋገረ ብተግባሩ ከረጋግጽ ገይርዎ ይርከብ፡፡ ብዝተጸንዐን ዝተወደበን ኣገባብ ዘዋፈሮም ሕልናኦም ዝሸጡ ዕስለ፡ ብዝፍጽምዎ ዘለው ፖለቲካዊ ዘይኮነ ገበናዊ ተግባር ብዙሓት ተቓለስቲ ኣካሎም ይጎድሉ መስዋእቲ ይኸፍሉ ኣለው’ዮም። ኣበየናይ ኩርናዕ ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ናይ ደገፍቲ ህግደፍ ዘይኮነ ናይ ኣሸባሪ ስማዊ ዘቤታዊ መንግስቲ ፖሊስን ተግባርን’ዩ። ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ 24 ግንቦት 2024 ሎሚ’ውን ምኽንያት ኣልቦ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘነጻጸረ ተኽእሎ ኲናት ከም ዘሎ ምትንብሁ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ልኡኻቱ ንዝገብርዎ ዘለው ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘተሃናኹት ገበናዊ ተግባር ከይተሰከፈ በርትዑ ቀጽልዎ ምባሉን ግብረ ሽበራዊ መንግስቲ ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ። በትሪ ብርጌድ ንሓመዱ ጸላዕላዕ ከም ዝበሎ’ውን የረድእ።
ኣብ መወዳእታ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) መን ብዘየገድስ ኣንጻር ህግደፍ ይንኣስ ይዕበ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ንዘበርክት ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ንጉድለታቱ ብእርሙን ሓጋዝን መልክዑ ምንቃፍ፡ ንኣወንታኡ ከኣ ምትብባዕ ዝብል ጽኑዕ መትከላዊ እምነት ነይርዎን ኣለዎን። ካብ’ዚ ስሩት ፖለቲካዊ መትከላዊ እምነት’ዚ ተበጊሱ ድማ፡ ንንጥፈታት ብርጌድ ንሓመዱ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ክከታተሎ ጸኒሑ። ኣብ በበይኑ እዋናት ዘውጸኦም ዝነበረ ወግዓዊ መግለጺታቱ ከም ዘመልክትዎ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ጸላኢኡ ፈልዩ ብጥንቁቕ ኣገባብ ብትብዓት ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ንዘመዝግቦ ዓወት ብዓይኒ ቃልሲ ከመጉስን ከተባብዕን ጸኒሑ። ኣረኣእያኡ ዝተነጸረ፡ ተሓታትነት ዘለዎ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ክኸውን’ውን ምኽሩ ክልግስ ጸኒሑን’ዩ። ሕጂ’ውን ብርጌድ ንሓመዱ ተሪፍዎ ዘሎ ሕጋውን ፖለቲካዊ ሃጓፍ ክምለእ የዘኻኽር።
ደግሓኤ ኣብ ኩሉ ቦታት ብብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተጸውዑ መድረኻት እናተረኽበ ኣወንታዊ ተራ ተጻዊቱን ይጻወት ኣሎን። ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ክሳብ ዘይተመለሰን ኣብ ሃገርና ልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ዘረጋግጽ ባይታ ክሳብ ዘይተረጋገጸን መስዋእቲ ንቕድሚት’ውን ክንከፍል ኢና፡፡ ኣብ ትሕቲ ናይ መን ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓስ፣ ህዝባዊ ማዕበል ኮይኑ ዝተፈጸመ ብዘየገድስ ከኣ፡ እቲ ዝኽፈል መስዋእቲ ህዝባዊ’ዩ። ጀጋኑና ናይ ውድባቶም ዘይኮነ ናይ ውጹዕ ህዝቢ ሰማዕታት’ዮም። በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎ’ቶም ንስለ ድሕነት ህዝቢ ክብሉ ዝተሰውኡ ተቓለስቲ ስድራቤትን መቕርብን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል። ናይ ግድን መሰልና ብቃልስና ብክቡር ደምና ብመስዋእትና ክረጋገጽ’ዩ። ስቓይና ክሓጽር መስዋእትና ክውሕድ ግን፡ ሕድሕድ ኣፍልጦ ተወሃሂብና፡ ተኸባቢርና ተናቢብናን ቀላጽምና ኣላፊና ኣንጻር ደመኛ ዘቤታዊ ጸላኢና ንወፍረሉ ፖለቲካዊ ባይታ ንፍጠር። መልእኽቲ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)’ዩ።
ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
4 ሰነ 2024
See also more articles by Democratic Front For Eritrean Unity
ካልኦት ብ'ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።