06/06/2024 18:47 PM
ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን።
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ by Democratic Front For Eritrean Unity.
ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡
ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነታትን ውደባታትን ካብ ቅድሚ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና ዝነበረ መድረኽ ቃልሲ ጀሚሮም ዋላ እኳ«ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን እዩ» ዝብል ዘይወድዓውን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ናይ ዕብለላ ፖለቲካዊ እምነት እንተነበረን፡ ነዚ ዘይቅኑዕን ኣብራስን እምነት‘ዚ ንምርግጋጽ ክበሃል ኣብ ልዕሊ ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘለዎም ተቓለስቲ ውድባት ክሳብ ወታሃደራዊ ጎነጽ ምጥቃም ዝበጽሕ ተርእዮ/ውግእ ሕድሕድ/ እንተነበረ ነቲ ወድዓዊ ህልውና ናይ ውድባትን ዝተፈልየ እምነታትን ክልውጦ/ከጥፈኦ ኣይከኣለን፡፡
ሃገራዊ ነጻነትና ብኣዝዩ ከቢድ መስዋእትን ስንከላን፡ ሓሳረ-መከራን ብምኽፋል ምስ ተረጋገጸት ኣብ ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ኩነታት‘ውን ኣይተቐየረን፡፡ እቲ ናይ ዓብለልቲ ግጉይ ርእይቶ መሊሱ ተጠናኺሩ፡ ነጻ ፖለቲካዊ እምነት ምሓዝ ይኹን ተወዲብካ ምቅላስ ከም ገበን ተቖጺሩ፤ ፍሉይ እምነት ዘለዎም ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ከም ከዳዓትን ሓሙሻይ መስርዕን ተራእዮም ብሓይሊ ንክጠፍኡ ብመ/ህግደፍ እናተሰርሓሉ መጺኡን ይቕጽል ኣሎን፡፡ ካብዚ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ሓቂ‘ዚ ብምብጋስ ድማ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ሓይለን ኣላፊነን ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክቃለሳ ዝተፈላለዩ ልፍንታዊ ግንባራት እናመስረታ ክቃለሳ ጸኒሐንን ይቃለሳ ኣለዋን፡፡ ተቓወምቲ ውድባትና ብከምዚ ዝጥቀስ ዘሎ ኣገባብ እናተቓለሳ ዝመጻ ይኹና‘ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ሓደን ዝጠንከረን ሚዛንን መርገጽን ንምሓዝ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ ቃልሲ ግን ቀሊል ኣይነበረን፡፡
ንኣብነት ካብቶም ዝቀላቐሉ ዝነበሩን ዘለዉን ዝተፈለላለዩ ርእይቶታት ንምጥቃስ ዝኣክል፤ ገለ ውድባት መ/ህግደፍ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን /ጸላኢ/ ኢዩ ክውገድ ኣለዎ ክብል እንከሎ፤ ገለ ድማ መ/ህግደፍ ዲክታቶር‘ዩ፤ መ/ህግደፍ ገባቲ/በሓቲ እዩ፡ ዝብሉ ርእይቶታት ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብዚኦም ፍልይ ዝበሉ ድማ፡ መ/ህግደፍ ሃገራዊ ስለ ዝኾነ መላኺ እምበር ጸላኢ ክበሃል ኣይክእልን እዩ፡ ጸላኢ ክበሃል ዘለዎ ባዕዳዊ ሓይሊ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ዝብል፡ ስጊንጥር ዝኾነ እምነትን ክለሳ ሓሳብን ዝህቡ ርእይቶታት፤ ገለ ናብዚ ዝቀራረቡ እምነታት ድማ፡ ንዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ምስ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ትካላቱ ዝቕበል፡ እቲ ጸገም ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዝተወሰኑ መሳርሕቱን ምዃኖም ብምጥቃስ ክለግሱ ከም ዘለዎም፡ እቲ ስርዓትን መሓውራቱን ግን ከም ዘለውዎ ክቕጽሉን ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ክመርሑ ከም ዝግበኦም ዝቕበል እምነት‘ውን ህልዊ እዩ፡፡ ካልእ ስርዓት ህግደፍ ናይ ህዝብን ሃገርን ልዑላውነት ካብ ናይ ግዳም ወረርቲ ዝከላኸልን ዝዕቅብን ከም ዘሎ ዝገልጹ ሓይልታት‘ውን ኣለዉ እዮም፡፡
እዞም ብመጠኑ ዝተጠቕሱ ርእይቶታት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ /ህግደፍ/ ደጋፍትን ኣተባባዕትን ተጣበቕትን ኣሞጎስትን ርእቶታት ዝሕብርዎ ነገር እንተሃለወ፡ ደምበ ተቓውሞና ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ/ህግደፍ/ ዝተነጸረ ሓባራዊ ሚዛንን መርገጽን ኣብ ምሓዝ ዓቢ ፖለቲካዊ ብደሆ ከጋጥሞ ምጽንሑን የጋጥሞ ምህላዉን እዩ ብብሩህ ዝሕብርን ዘረጋግጽን፡፡
እዚ በዳሂ ፖለቲካዊ ተርእዮ‘ዚ ምስቶም ኣብ ደምበ-ተቓውሞና ዝረኣዩ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ድኽመታትን ጸገማትን ተደሚሩ ተወሳኺ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ብምዃኑ ንምውጋዱ ክንቃለስ ከም ዝግባኣና ዘተሓታትት ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ/ህግደፍ/ ሓደን ዝጠንከረን ገምጋምን መርገጽን ከይሓዝና እንገብሮ ቃልሲ እናተሰናኸለ ኣብ ሽትኡ ከይበጽሐ ግዜ ዝበልዕ፤ ዓቕምታትና ዘዳኽምን ዕድመ ናይ ጸላኢ ጭቆና ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ካልእ ዘምጸኦ ኣወንታዊ ፖለተካዊ ኣበርክቶ የብሉን፡፡
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢና ክተሓዝ ዝግበኦ መርገጺ ሓደ ካብቶም ብቐዳምነት ክስርዑ ዝግበኦም ነጥብታት እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣንጻር ጸላኢ ክካየዱ ዘለዎም ቃልስታት/ዕማማት/‘ውን በዚ ቀዳማይን ኣገዳስን መርገጺ እዚ ክምርሑን ክምእዘኑን ስለ ዝግባእ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝተነጸረ ሓባራዊ መርገጺ ከይሓዝካ ዝካየድ ናይ ቃልሲ ዕማማት‘ውን ስለ ዘይዕወቱ፡ ብሃውሪ እንተተፈተኑ‘ውን ናይ ቃልሲ መርሖን ኣንፈትን ስኢኖም መኺኖም ዝተርፉን ዝፈሽሉን እዮም ዝኾኑ፡፡
እዚ ኣብ ውሸጢ ደምበ-ተቓውሞና ዝረአ ዘሎ ድኽመታትን ዓንቀፍቀፋትን፡ ብከፊሉ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዘሎ ዘይተወሃሃደ መርገጺ ዝብገስ ምዃኑ ዝካሓድ ኣይኮነን፡፡ ይኹን‘ምበር እቲ ጸገም፡ እዚ ኣሉታዊ እምነታትን ርእይቶን ምህላዉ ጥራሕ ኣይኮነን ዝፍጥር ዘሎ እንታይ ዳኣ፡ እቲ ናብ ልዕሊ ጸላኢ/ህግደፍ/ ዝተነጸረ መርገጺ ዘለዎ ዝበዝሐ ተቓዋሚ ሓይልታት ካብ ዘለዎ ሓባራዊ እምነት እናተበገሰ ናብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ክካየድ ዝግበኦ ቃልሲ ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣብ ምግባርን፡ ነቶም ዘይቅኑዕ ርእይቶ ብምሓዝ ምስ ጸላኢ/ህግደፍ/ ዝደናገጹን ዝድግፉን ዘለዉ ኣካላት ኣብ ምቅላዕን ምምካትን፡ ግበኦም ካብ ዘይምፍጻም ዝብገስ ዝረአ ዘሎ ጉድለታት ዝዓበየ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ እዩ፡፡
እዚ ማለት ካኣ እቶም ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ንጹር መርገጺ ዘለና ተቓወምቲ ኣካላት፡ ኩሉ ተቓዋሚ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሓደ ንጹር መርገጺ ክሕዝ ከይተጸበና፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእን፡ ደጋፍን ተደናጋጽን መርገጽን ርእይቶን ዘለዎም ኣካላትን ክካየድ ዝግበኦ ቃልሲ ከም ግቡእና ወሲድና እናኣቃላዕና ህዝባዊ ቃልስና ኣጠናኺርና ዓቲብና ክንቃለስ ብዘይምብቃዕና ዝተራእየን ገና ዝረአ ዘሎን ድኽመታት ህልውን ዓብን ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዘይተነጸረን ዝተፈላለየን ፖለቲካዊ መርገጺ ብምሓዝ ክንቃለስ እንተዳኣ ተመሪጹ ህዝባዊ ቃልስና ካብ ዘለውዎ ዝተፈላለዩ ድኽመታትን ጸገማትን ምልቓቕ እናተሳእኖ ዝተረመሰ ፖለቲካዊ ሂወት ከሕልፍ ምፍቃድን ምፍራድን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ናብ ሓደጋ ምፍሻል ከአንፍት ዝግደድ እዩ ዝኸውን፡፡
ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢና ዝተነጸረ ገምጋምን መርገጽን ብምልኣት ከይጨበጥና ምቅላስ፡ ጸላኢ ብምውጋድ ዝተማለአ ነጻነት፡ ሰላምን ምርግጋእን ብምስፋን፡ ደሞክራስዊ ለውጥን ልምዓትን ክውን ብምግባር ምጥቃምን ምዕባለ ናይ ህዝብታትናን ሃገርናን ምርግጋጽ ስለ ዘይካኣል፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ክተሓዝ ዘለዎ መርገጺ ፍሉይ ትዂረት ብምሃብ ንምጭባጡ ዕቱብ ቃልሲ ንከነካይድ ኢና ንሕተት ዘለና፡፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ኩሉ ዓይነት ጭቆና ክሰፍን፡ ዕድመ ጸላኢ ክነውሕን፡ ነጻነትና ክትድንጉን፡ ኣብ ብህዝብታትናን ሃገርናን ሰላምን ምርግጋእን ንከይህሉን ከይሰፍንን ዝገብር ዘሎ መን ኢዩ ኢልና ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሕቶ ክንድህስስ ከለና፡ ድኽመታት ናይ ደምበ ተቓውሞና ዕድል ዝሃቦም ውልቀ-መላኺ ስርዓት ህግደፍን ዕሱባትን ምሉኻትን ኣባላቱን ሰዓብቱን ካለኦት ኣብ ቃልሲ ተስፋ ዝቖረጹ ውልቀ-ባእታታትን ጉጅለታትን እዮም፡፡ ስለ ዝኾነ ናብ ኣቶም ዘነጻጸረ ኩሉ-መዳያዊ ዘላቒ ቃልሲ ከነካይድ ክንበቅዕ ኣለና፡፡
ናብ ዓወት ከብጻሓና ዝኽእል ብሕታዊ መማረጺ ናይ ቃልሲ‘ምበኣር ኣብ ደምበ-ተቓውሞና ዘለዉ ድኽመታትን ጸገማትን እናፈታሕና፡ ናብ ደምበ ጸረ-ሰውራ/ጸላኢ/ ዘዘንበሉን ዝውግኑን ዘለዉ ዓንቀፍቲ እምነታትን ኣካላትን እናመከትናን እናኣፍሸልናን ንጨፍዓፊ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ተቓሊስና ንምውጋዶም ምርብራብ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ፡ ዝኾነ ተቓዋሚ ሓይሊ ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ፡ ሓላፍነታዊ ተረድኦ ብምሓዝ፡ ስሉጥ ዓወትን ውልቀ ጠቐምን ከይተጸበና፡ ዘላቒ ዓወት ንምርግጋጽ፡ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ተንበርከኽትን ኣካላት ተኣማሚኑን ተወሃሂዱን ዝቃለስ ስጡም ሃገራዊ ሓይሊ ብምውዳብ፡ ውሑስ ሃገራዊ ዓወት ንምርግጋጽ ክንቃለስ መተካእታ ዘይብሉ ወድዓዊ ሕቶ ናይ ህዝባዊ ቃልስና እዩ‘ሞ ምእንቲ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን በብዝዓቕምና ሓሪንና ንቃለስ!
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
02 ሰነ 2024
See also more articles by Democratic Front For Eritrean Unity
ካልኦት ብ'ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።