ክብሪ ንሓርበኛዊት ኤርትራዊት ኣደ!

08/03/2017 23:54 PM

ክብሪ ንሓርበኛዊት

ኤርትራዊት ኣደ!

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ


Eritrean women in struggle   ሎሚ፡ ሸሞንተ (8ተ) መጋቢት 2017 (March 8)፡ ኢዩ። እዛ ብኣህጉራዊ ደረጃ ኣብ መላእ ዓለም ብኽብሪ እትበዓል ወግዓዊ ዕለት፡ ንኹሉ'ቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዓለም ዝወርድ ዝነበረ ወጽዓ፡ ከምኡ ውን ካብዚ ወጽዓ'ዚ ንምግልጋል ዘካየድኦ ተባዕ ቃልሲን፡ እናዘከረት፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ማሕበረ-ሰብ ክረጋገጽ ዝግብኦ ምዕሩይ ተራን መሰልን ደቀንስትዮ ንምዝኽኻር ዝቖመት ኣህጉራዊት ዕለት ኢያ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት'ዚኣ ክንዝክር ከሎና፡ ብዘይካ'ቲ ከም ኩሉ ሕብረተሰባት ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ ጓል-ኣንስተይቲ ዝወርድ ዝነበረ መጽቀጥቲን ካብኡ ንምልቓቕ ዝተኻየደ ቃልሲን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ምናልባት መዳርግቲ ዘይብሉ፡ ተሳትፎን ሓርበኛነትን ደቀንስትዮ ኤርትራ እናዘከርና፡ እንሕበነላ ዕለት እውን ኢያ። እወ፡ ብዘይ'ቲ ልዕሊ ሓደ-ሲሶ ዝኸውን ተሳትፎን ጅግንነትን ደቀንስትዮ ተጋደልትና፡ ከምኡ'ውን መላእ ሕብረተሰብና፡ መዓንጥአን ሸጥ ኣቢለን ደቀን በጃ ሓርነት ዘፋነዋን ዝሓብሓባን ደቀንስትዮ ኣዴታት ኤርትራውያን፡ እታ ሕጂ ረኺብናያ ዘሎና ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ኣይምኾነትን ነይራ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ፡ ነቲ ናይ ቀደም፡ ማለት እዋን ቃልሲ ዝነበረ ኩነታትን ተራን ደቀንስትዮ: ብሓፈሻዊ ትንክፍ ኣቢለ፡ ዝያዳ ሓይለይ ናብ ህሉው ኩነታት ደቀንስትዮ ኤርትራ ከድህብ ኢየ።

ኣብቲ መስተንክር ዝመልኦ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ኣብ እዋን ተኻታታሊ ወራራት ጸላኢ፡ ብሰንኪ ዘጋጥም ዝነበረ መስዋእቲ፡ ኣብ ገለ ኣሃዱታት፡ ደቀንስትዮ ዝዓብለልኦ ምንባሩ፡ ይጥቀስ። ኣብቲ ኩነታት'ቲ ድማ ደቀንስትዮ፡ ዕርደን ገጥ ኣቢለን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ መስተንክር ዓወታት ኣመዝጊበን ኢየን።

ኣብ ደጀናት ሰውራና፡ እታ ሓርበኛ ተጋዳሊት፡ ማዕረ'ቶም ብጾታ ተባዕትዮ፡ ኣብ ንጥፈታት ደጀንና፡- ሕክምና፡ ኢደ-ስራሓት (ፋብሪካታት)፡ ጋራጃት፡ ማሺነሪታት፡ ዜናን ሓበሬታን፡ ምንቕቓሕ ወዘተ ዝኣመሰሉ ብምስታፍ፡ ኣዝዩ ዝነኣድ ኣበርክቶ ገይራ ኢያ። እተን ኣብ ደጀን ተዓቚበን ዝነበራ ኣዴታት እውን፡ ከቢድ ርሃጸን ነስኒሰን፡ ኣብ ኲናት ዝተወግኡ ተጋደልቲ ናብየንን ተጋደልቲ ደቀን ሓብሒበንን ኢየን።

እታ ኣብ ግንባር ብቀጥታ ዘይተሳተፈት ኤርትራዊት ኣደ፡ ካብ ማህጸና ዝወጹ ደቃ መሪቓ ንሰውራ ኣፋንያ፡ ስልማታ ቀንጢጣ ንድሕነት ሰውራኣ ወፍያ፡ ቅጫ ቀጭቅጫን ጋዓት ኣብሲላን ንተጋደልቲ ደቃ ዓንጊላ ኢያ። እንጣጢዕ በጽቢጻ ፈቐዶ ግንባራት እናኸደት፡ ዝነቐጸት ጎሮሮ ተጋደልቲ ደቃ ኣርዊያ፡ "ኣጆኹም ዞም ደቀይ!" እናበለት ብሞራል ደቃ ኣተባቢዓ። ዝተወግኡ ጀጋኑን ዕጥቆምን ኣብ ውሻጠ ብምሕባእን ብምቕባርን እናዓቀበት፡ ካብን መዓስከር ጸላኢን ናብ ደጀን ተጋደልቲን እናተማላለሰት፡ ሚስጢራዊ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘኸትል ሚስጢራዊ ተልእኾታት ሒዛ፡ ብብልሓት ብምትሕልላፍ፡ ቀንዲ መስመር ሓበሬታ ኮይና ሰሪሓ። በዚ ኸኣ ንዓወታት ሰውራና ዘዕዘዘት፡ ኣደ ኢያ።

እወ፡ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብቲ እዋን ገድሊ፡ ድርብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ድርብራብ ቃልሲ ኢያ ኣካይዳ። ነቲ ዝነበራ ከቢድ ባህሪያዊ ጾታዊ ተጻብኦታት በዲሃ ተጓዒዛ። ብጾታ ንኸይተግድዕ ብምባል፡ ካብ ውላድ ብገዛእ ድሌታ ተሓሪማ፡ ብሰንኩ ድማ ቆልዓ ናይ ምውላድ ዕድመኣ ሰዊኣ። እተን ብዕድል ውላድ ዝገበራ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ኣደታት ድማ፡ ኣብ መበል 1 ዓመትን ክልተ ወርሒን ዕድመ ናይ ደቀን፡ ሓዲገናኦም ናብ ዕድርታት ብምኻድ፡ ምስቲ ገና ዘይነጸፈ ኣጥባተን ዝፈጥረለን ዝነበረ ውጥረት (ማለት፡ ምልኣት ጸባ ጡብ ዝፈጥሮ ቃንዛ) እናተሳቐያ፡ ናብቲ ድሕሪት ዝሓደግኦ ዕሸል ውላደን ከይተመልሳ፡ ገንሸል መስዋእቲ ኮይነን ሓሊፈን። ገለ ድማ ከቢድ ስንክልና ወሪዱወን ኣብ መደበር ስንኩላን ኲናት ተዓቚበን። እስከ ሓጺር ዛንታ ናይዛ ሓርበኛ ኣብዚ ንርአ።

ብኸምዚ፡ ልዒሉ ዝተገልጸ፡ ገና'ውን ብግቡእ ዘይተጸውየሉ ኣደናቒ መስዋእቲን ጅግንነትን ኤርትራውያን ደቀንስትዮና፡ ኢና እምበኣር ናብ ናጽነት ኤርትራ ክንበጽሕ ዝኸኣልና። እቲ ዛንታ ጅግንነት ደቀንስትዮና፡ ንብዙሓት ጽውጽዋይ ኮይኑ ይስምዖም ይኸውን። እቲ ሓቂ ግን፡ ኩሎም ተማራመርቲ ታሪኽ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቃልሲ መሰል ደቀንስትዮ ዝመራመሩ ኣካላት፡ ንቃልሲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብልዑል ኣድናቖት ብምትኳር፡ ክጽሕፉሉ ኢና ንርኢ። ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን፡ ብጀጋኑ ሓርበኛታትና ክንሕበንን እቲ ዝግባእ ሞሳአን ድማ ክንህበንን (ከም መንግስቲ ኮነ፡ ከም ግለ-ሰባት፡) ሓላፍነትን ግዴታን ኣሎና።

እታ በዚ ፈታኒ እዋን ዝሓለፈት ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ፡ ናጽነት ምስኮነ እቲ ሕልማ ተጋሂዱ'ዶ? ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት'ከ ትርከብ ኣላ? ኢልና ክንሓትትን ከነስተንትንን እምበኣር ግዴታና ኢዩ። ነዚ ንምስትንታን ክሕግዘና፡ በዘን ዝስዕባ ኣርእስትታት ቁሩብ ክድህስስ ክፍትን ኢየ፡-

1) ምብትታን ቃልኪዳንን ማሕበራዊ ተነጽሎን፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ።

ናጽነት ኮይኑ ዓዲ ምስኣቶና፡ ኩሎም እኳ እንተዘይኮነ፡ ብዙሓት ኣብ ሜዳ (ገድሊ) ሓዳር መስሪቶም ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ክፈላለዩ ኢዮም ተራእዮም። ጠንቂ ናይቲ ምፍልላይ እንታይ ኢዩ ነይሩ? ንሱ ዝፈጥሮ ማሕበራዊ ሳዕቤናት ከ እንታይ ኢዩ?

እቶም ኣብ ሜዳ ዝተመርዓዉ፡ ገሊኦም ኣብ ሜዳ ከለዉ ውላድ ዝገበሩ ገለ ድማ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናይ ናጽነት ውላድ ዝገበሩ ኢዮም ነይሮም። ጠንቂ ናይቲ ምፍልላዮም ድማ፡- (ሀ) እቶም ተባዕትዮ ናብ ንኣሽቱ ዘይተጋደላ ደቀንስትዮ ከቋምቱ ወይ ክሰድዑ ብምጅማሮም: ምዃኑ ህዝቢ ዘስተብሃለሉ ኢዩ ነይሩ። (ለ) ኣብ ሜዳ፡ ናይ ሃይማኖትን ካልእን ኣፈላላይ ስለዘይነበረ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ድሕረ-ባይታ ዝነበሮም ተጋደልቲ ከይተረፈ፡ ቃልኪዳን ይምስረት ነይሩ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ብሜዳ ዝመጽአ ባህሊን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ዝጸንሐ ልምዲን፡ ምግጫው ስለዝፈጠረ፡ ብሰንኪ'ዚ፡ ብዙሓት ሰብሓዳር ተጋደልቲ፡ ክፈላለዩ ተገዲዶም። ገለ ግን፡ ነዚ ተጻዊሮም ኣብ ሓዳሮም ብምጽናዕ ሰጊሮሞ ኢዮም። (ሐ) ካልእ ናብ ምብትታን ሓዳር ዘምርሕ ዝነበረ ኩነታት ድማ፡ እቲ ደርባዊ (ማለት፡ ናይ ሃብታምን ድኻን ወለዲ ስድራቤታት) ዘንቀሎ ጸገማት ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ ሜዳ፡ ገለ ደቂ ሃብታማት ምስ ደቂ ድኻ ስድራቤት ሓዳር መስሪቶም ይነብሩ'ሞ፡ ናብ ዓዲ ምስኣተዉ፡ እቶም ወለዲ ወይ ቤተሰብ ናይቲ/ታ ሃብታም፡ ብዓይኒ ምስትንዓቕ ምጥማት ይጅምሩ። እዚ ዝፈጠሮ ዘይምቹእነት ሓዳር፡ ብፍላይ በተን ደቀንስትዮ ተጋደልቲ፡ ዘይተጸበይኦ ስለዝነበረ፡ ተቐባልነት ኣይረኸበን፡። ብኸምዚ ኸኣ ናብ ምፍልላይ ሓዳር ከምርሕ ተራእዩ። (መ) ኣብ ካልእ ኩነታት ምስ እንምልከት ድማ፡ ምስቲ ድሑር ባህሊ ሕብረተሰብና ዝተኣሳሰረ ኾይኑ ንረኽቦ። ወለዲ ናይቲ ተባዕታይ፡ ሰይቲ-ወዶም ልክዕ ከምተን ካልኦት ኣንስትዮ ሕብረተሰብና፡ ምእዙዛት ናይ ውሻጠ ኮይነን ከገልግላኦም ጸቕጢ ክገብሩ ይጅምሩ። እዚ ድማ በተን ተጋደልቲ ቅቡል ስለዘይነበረ፡ ብሰንኩ ናብ ምፍልላይ ሓዳር ኣምሪሑ። ድምር ናይዚ ኹሉ እምበኣር፡ እታ ቀንዲ ተሰካሚት ናይዚ ኹሉ ወጽዓ፡ እታ ጅግና ተጋዳሊት ጓልኣንስተይቲ ኮይና። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ኣቦ ዘይብሎም ቆልዑ ሒዛ ንበይና ሓዳር ከተነባብር፡ ዝኸበደ ጾር ትስከም ኣላ። እቲ ምስኣ ዝነበረ ተጋዳላይ-ነበር መጓዕዝታ ግን፡ ብኣንጻሩ፡ ካልእ ደስ ዝበለቶ ወይ ወለዲ ዝመረጹሉ ጓልኣንስተይቲ ተመርዕዩ፡ በቲ ቤተሰቡ ዝሰማምዑሉ ባህሊ፡ ሓድሽ ሓዳር መስሪቱ ክኸይድ ተራእዩ። እምበኣር፡ እዚ እቲ ንደንስትዮ ተጋደልቲ ኣብቲ መጀመሪያ ዓመታት ናጽነት ዘጋጠመን፡ ከቢድ ብድሆ ኮይኑ ንኽብሪ ጓላንስተይቲ ድማ ዝተንከፈ ኢዩ ነይሩ። ብኸኣልእ ኣዘራርባ፡ መርኣያ ናይ ዘይንቑሕ ሕብረተሰብ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝተሰረተ ናይ ተጋደልቲ ሓዳር፡ ንኹሉ ዝተጠቕሰ ተጻብኦታት በዲሆምን ተጻዊሮምን ክሳብ ሕጂ ዝጓዓዙ ዘለዉ ብዙሓት ተጋደልቲ ምህላዎም ድማ በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ሕብረተሰብና ክሕበነሉ ዘለዎ ኢዩ።

2) ግዳያት ምጽልጻል (ምፍናው ካብ መንግስታዊ ትካላት።

ድሕሪ ፈለማ ዓመታት ናይ ናጽነት፡ ኣብቲ ቀዳማይ መፋርቕ 1990ታት፡ ኣብ ኩለን ትካላት መንግስቲ፡ "ምጽልጻል"፡ (ማለት ልክዕ ከም ንሓደ ወንጨርጨር ዝበለ ገረብ፡ ዘየድሊ ጨናፍሩ ኣሊኻ፡ ምልሙል ንምግባሩ ዝካየድ ኣገባብ ማለት'ዩ)፡ ንኹሎም'ቶም ዘይብቑዓት ዝባሃሉ ደቀንስትዮን ተባዕትዮን ዝርከቡዎም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋደልቲ፡ ካብ ሒዞሞ ዝነበሩ ስራሕ ከምዝፋነዉ፡ በቲ ናይ ሽዑ ኣበሃህላ "ከም ዝጣየሱ" ኢዩ ተገይሩ። ሳዕቤን ናይዚ፡ እቲ ኣብ ማይሓባር ብተጋደልቲ ዝተላዕለ ናይ 1994 ተቓውሞ ኢዩ ዝነበረ። እቶም ሽዑ ዝተጣየሱ ተጋደልቲ፡ ካብ 5-10 ሽሕ ብር "መጣየሲ" ገንዘብ ተዋሂቡዎም ኢዮም ተፋንዮም። እንተኾነ፡ ብሰንኪ'ቲ ትሑት ዓቕሚ ናይቶም ተጣየስቲ፡ እቲ ዝተዋህቦም ገንዘብ ውሑድ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝርካቡ'ውን ብግቡእ ክጥቀሙሉ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይነበረን። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ግዳያት ስሱዓት ኣሕረጥቲ ነጋዶ ብምዃን፡ ገንዘቦም ብዘይ ፍረ ተበሊዑ ተሪፉ። እተን ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ተረካብ ድማ፡ ደቀንስትዮ ኢየን ነይረን። ከም ሳዕቤን ናይቲ ዝተኻየደ "ምጽንጻል" ዘስዓቦ ከቢድ ናይ ናብራ ውጥረት፡ እተን ሰብኡተን ዝተሰውኡወን፡ ኣደ ቆልዑ ደቀንስትዮ፡ ንበይነን ንህይወት ክገጥምኦ ግድነት ኮይኑወን። ብሰንኩ ኸኣ፡ ናብ ኣዝዩ ትሑት ዝቑጸር ስራሓት፡ ከም ናይ፡- ፓርኪንግ ሓለውቲ፡ ክድምና ናይ ገዛ፡ ባራት፡ ወዘተ ተቖጺረን፡ ናቕፋ ወዲ ናቕፋ ምስ ሙሉእ ውርደቱ ክኣራርያ ጀሚረን። ኣብ ካልእ ሕሱር ህይወት ዝተዋፈራ እውን ነይረን ኢየን። እዚ ልዒሉ ዝተገልጸ ኩነት፡ ነተን ኣብ መደበር ዕቑባት ህዝባዊ ግንባር ዝነበራ፡ ኣንስቲ ስዉኣት ተጋደልቲ ዝኾና ደቀንስትዮ እውን፡ ብተማሳሳሊ ኢዩ ተንኪፉወን። እዚኣተን'ውን ናጽነት ውግሕ ምስ በለ ጀሚረን፡ ኣብ ከም ናይ ጽርየት ስራሓት፡ ንሳ'ውን ዕድለኛታት እንተኾይነን፡ ብኣዝዩ ትሑት ደሞዝ እናሸቀላ፡ ከምኡ'ውን ፈቐዶ ቤትጽሕፈታት ከይደን እናለመና፡ ደቂ ስዉኣት ደቀን ክናብያ ኢየን ተገዲደን። እቲ ንስድራ ስዉኣት ተባሂሉ ዝተዋህበን ናይ 5 ሽሕ ደበስ፡ ካብ ጎሮሮኻ ንታሕቲ ዝወርድ'ኳ ኣይነበረን። ኩነታተን ድማ ከብድኻ ዝበልዕ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኹነታተን ድማ ብዘይ መፍትሒ ብኸምኡ ኢዩ ቀጺሉ።

3) ናይ ወሊድ ዕድመአን ምንጻፍ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ'ዚ ጽሑፍ ዝተገልጸ፡ ኣብ እዋን ገድሊ፡ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ፡ ኣብ ጥንሲን-ሕርሲን ምውዳቕ፡ ልክዕ ከም ምድሕርሓር፡ ወይ ንብጾትካ ምግዳዕ፡ ጌረን ዝጥምታሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። ምምስራት ሓዳር ኣብቲ ውድባት ተፈቒዱ'ኳ እንተነበረ፡ ነዚ ዕድል'ዚ ከይተጠቕማሉ ናብ ጉዳይ ቃልሰን ጥራይ ዝገበራ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ቁጽረን ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። ገለ ካብዘን ደቀንስትዮ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ከለዋ እውን፡ እቲ ናይ ወሊድ ዕድመአን ይሓልፈን ከምዝነበረ ይግንዘባ ነይረን ኢየን። ይኹን'ምበር ብዘይ ውላድ ክቃለሳ ኢየን ወሲነን። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣብ እዋን ናጽነት፡ ውላድ ዘይብለን ብጽምዋ ክሓልፍኦ ተገዲደን ኣለዋ። ገለ'ውን ብዘይ ሓድጊ ድሮ ብህይወት ሓሊፈን ኣለዋ። እተን ሓዳር ዘይነበረን እሞ፡ ናጽነት ኤርትራ ክርእያ ዕድል ዝረኸባ ተጋደልቲ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ሓዳር ናይ ምምስራት ሓድሽ ገድሊ ኢየን ጀሚረን። እንተኾነ፡ እቶም ምስአን ዓዲ ዝኣተዉ መጋድልተን ተባዕትዮ፡ ኣመቶም ናብተን ንኣሽቱ ዘይተጋደላ ደቀንስትዮ ኢዩ ኾይኑ ኢየን ረኺበናኦ። ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ሲቪል ኣቋሚተን ሓዳር ኣብ ምምስራት ዝተዓወታ ኣዝየን ውሑዳት ኢየን። እቲ ጸገም፡ ተጋደልቲ ብምንባረን፡ በቶም ኣብ ዓዲ ዝጸንሑ ሲቪል ተባዕትዮ እንተኾነ'ውን ብቐሊሉ ዝድፈራ ወይ ቅቡላት ኣይነበራን። ስለዚ መብዛሕትአን ብዘይ ውላድን ሓዳርን ህይወት ይሓልፍኦ ኣለዋ። እዚ ንባዕሉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ዝወረደ ከቢድ ሃስያ ኢዩ። በዚ ይኹን በቲ ድማ፡ እዘን ዝተጠቕሳ ደቀንስትዮ፡ ብዘይ ካልኣይ ሓጋዚ (ማለት፡ በዓልቤት) ንበይነን ህይወተን ክመርሓ ተገዲደን። ኣብዚ ዘሎናዮ መዋአል፡ ብዘይ ሓጋዚ ናብራኻ ምእላይ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ዝርድኦ ኢዩ። እምበኣር፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ደቀንስትዮ ዘጋጠመ፡ ዓቢይ ማሕበራዊ ሕቶ ስለዝኾነ፡ ብሕብረተሰብን መንግስትን ደረጃ፡ ግቡእ ኣቓልቦን ፍታሕን ዘድልዮ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ካልኦት ዓለማት፡ ንኸምዚአን ዝኣመሰላ ግዳያት እናተኻታተለ፡ ፍሉይ ደገፋት ዝገብር ትካላት ኣሎ።

4) ክድምና፡ ኣብ ሃገረ ስደት።

ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ናይ ብዙሓት ተጋደልቲ ካብ ስራሕ ምጽልጻል ወይ ምፍናው ስጉምቲ፡ ብመንግስቲ ተወሲዱ ኢዩ። ኣብ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ተጋደልቲ ድማ ርኡይ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኢዩ ነይሩዎ። ኣብ መንጉ ዝተጣየሱን ዘይተጣየሱን ተጋደልቲ ርኡይ ምፍልላያት ፈጢሩ። እተን በዚ ኣዝየን ዝተሃስያ ደቀንስትዮ ኢየን ነይረን። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብዙሓት ተጋደልቲ-ነበር ደቀንስትዮ፡ ብኣዝዩ ትሑት ደሞዝ፡ ኣብ ናይ ገዛ ክድምና ክዕሰባ፡ ናብ ሃገራት ኣዕራብ ብዝተወደበ ናይ ደላሎ መንገዲ፡ ክስደዳ ወይ ክላኣኻ ጀሚረን (ኣብዚ ርእ)። ኣብዚ ናይ ክድምና ስራሕ'ዚ፡ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል! ግፍዕታት በቶም ኣስራሕተን ኣዕራብ ወሪዱወን ኢዩ። ገለ ካብኣተን፡ ክሳብ ህይወተን ዝሓለፈ እውን ኣለዋ። ናይዚ ኣብነታት'ዚ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፡ እንከላይ ብጋዜጣን ተለቪጅንን ኤርትራ፡ ተደጋጊሙ ይቐርብ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እቲ ናይ ኩልና ሕቶ ግን፡ እዘን ብመስዋእተን ሃገር ዘረከባና ሓርበኛታት፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ክወድቃ፡ መንግስቲ ከፍቅድ ነይሩዎ'ዶ ኣይነበሮን? ዝብል ኢዩ። ከፍቅድ ይትረፍ'ሲ፡ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ከይበጽሓ፡ ኩሉ ኣድላዩ ዘበለ ክንክንን ሓልዮትን ኢዩ ክገብረለን ዝግብኦ ዝነበሮ።

5) ቃልሲ ንምንባር፡ ዕሸላት ንምዕንጋል።

ምስ ምኽሳት ኩናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ኩናት ዘስዓቦ ናይ ናብራ ምርረትን ብሓፈሻ፡ ኣብ መላእ ህዝብና ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ስምብራቱ ግን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ኢዩ። ህይወት ናይ ግድን ክንበር ስለዘለዎ፡ እዘን ኣዴታት፡ ኮን ዶ እንተኾነለይ ብምባል፡ ኣብ ንኡስ ሸቐጣሸቐጣት ተዋፊረን፡ ብተረንሽዋ ወይ ክሻ ንብረት ዓዲገን፡ ንኣብነት፡- ካብ ተሰነይ ናብ ከረንን ኣስመራን እናምጽኣ ሳናቲም ከዋልዳ ክጽዕራ ጀሚረን። እንተኾነ፡ በብእዋኑ ብመራኸቢ ብዙሓን ከምእተገልጸ፡ ንብረተን ከም ዘይሕጋዊ ንብረት ተቖጺሩ፡ ብናይ ብሎኮታት ፖሊስ እናተወርሰን እናተዘርፈን፡ ጥራይ ኢደን ከምዝተርፋ ይግበር። ብሰንኪ'ዚ ኸኣ፡ እቶም ኣፎም ሃህ! ኣቢሎም ዝጽበዩ ደቀን፡ መዐንገሊ ስኢኖም ይተርፉ። እተን ከም ገለ መጸግዒ ረኺበን ብጥቕዕቃዕ ዚንጎ ዝተሰርሐት ንእሽቶ ድኳን (ኪዮስክ) ገይረን ድራር ዕለተንን ድራር ደቀንን ዝምእርራ ዝነበራ ደቀንስትዮ፡ መንግስቲ፡ ብዘይ ዝኾነ መተካእታ፡ ምስቲ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ተባሂሉ ብዶዘራት ከምዝፈርስ ዝተገብረ ተለኪሙ ኢዩ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት። ብሰንኩ፡ ብዙሓት ስድራቤት ደቀንስትዮ፡ ናብራ እናሓሰመን መጺኡ ኢዩ።

እቲ ኩነታት ናይታ ኣብ ገጠር ዘላ ስድራቤት ጓላንስተይቲ ኤርትራዊት፡ ካብ ጻት ናብ ጻት ኤርትራ፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምዃኑ፡ ዓዲ በጺሖም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ይምስክሩ። ሎሚ፡ ናብ ዓዲ፡ ብፍላይ ናብ ገጠር ክበጽሕ ዝኸይድ ሰብ፡ ብዘይካ ኣንስቲን ንኣሽቱ ቆልዑን፡ ካልእ ዝርእዮ የልቦን። እዚ ንባዕሉ፡ ናብራ ኤርትራዊት ኣደ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዘሎ መግለጺ ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ገጠር እትነብር ስድራቤት፡ ማእቶታዊት ኣሃዱ ኢያ። እዚ ማለት፡ ጉልበት ኩሎም ኣባላት ሓንቲ ስድራ፡ ካብ ቆልዓ ዕድመ 4 ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ዓቕመ ኣዳም/ሔዋን ዘሎ ኣባል ስድራ፡ ብሓባር እናተዳጋገፉ ንገዛ ዝኸውን ማእሪሮም፡ ጓስዮምን ሓሪሶምን ዝናበረሉ ህይወት ማለት ኢዩ። ኣብዚ ሰዓት'ዚ፡ ብዘይካ ኣዝዮም ንኣሽቱ ዝኾኑ ቆልዑን ኣዴታቶምን፡ ኩሉ ካልእ ኣባል ስድራቤት የለን፡ ነጺፉ ኢዩ። ኣቦታት ምስ ደቆም፡ ካብ 4 ክሳብ 21 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ደሞዝ ተሓይሮም ኢዮም ኣለዉ። እዚኦም ናብ ደቆምን ኣንስቶምን ክሰዱዎ ዝኽእሉ ዓቕሚ የብሎምን። ስለዝኾነ፡ ኣንስቶም እናተሳቐያ፡ ደቆም እናጠመዩ፡ ብከቢድ ጓሂን ስቅያትን ዒሕ! እናበሉ ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ዕድል ረኺቦም ስድራ ክርእዩ ናብ ዓዲ ዝመጹ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብኣሃዱኦምን ኣዕሩኽቶምን መእተዊ ገዛ ዝኾኖም ተዋጺኡ ዝተዋህቦም ቁጻር ሓርጭ ሒዞም ናብ ዓዲ ኣብ ዝጓዓዙሉ አዋን፡ ዘይሕጋዊ ንብረት ኢዩ ተባሂሉ ኣብ ብሎኮታት ይዝረፉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝፍጠር ናዕቢ፡ ናብ ሓድሕድ ምቅትታል ዝበጽሓሉ ኩነት እውን ኣሎ። እምበኣር እታ ቀንዲ ግዳይን ተሰካሚትን ናይዚ ኩሉ ኣደራዕ፡ እታ መስኪነይቲ ሓርበኛ ኤርትራዊት ኣደን ደቃን ኢዮም።

6) ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሳዕቤናቱ ኣብ ደቀንስትዮን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ክጅመር ከሎ ንሓደ ዓመትን ፈረቓን፡ ማለት 18 ኣዋርሕ ከምዝኾነ ኢዩ ተኣዊጁ። ስለዝኾነ፡ እቲ ዕድመኡ 16 ዝኣኽለ ወይ ናብ 11 ክፍሊ ትምህርቲ ዝበጽሐ፡ ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ክኸይድ ኢዩ ዝግደድ። እንተኾነ ግን፡ ከም ዳስ-ሓውያ፡ ናብኡ ዝኣቱ'ምበር፡ ናብ ገዝኡ ዝምለስ ሰብ የለን። ኣደታት ከምኡ'ውን ወለዲ ድማ፡ ብሰንኪ'ዚ፡ ወላድ-መኻን ኾይኖም፡ ቀባሪ ዘይብሎም ኢዮም ተሪፎም። ቆልዑ ብዘይ ኣቦ ተሪፎም። ንኹሉ ጾር ስድራቤት ተሸካሚቱ እታ በይና ዝተረፈት ኣደ ኾይና። ግርሁ ዝሓርስ፡ ዝጻሂ፡ ጥሪት ዝጓሲ፡ ኣብ ጉልበታዊ ስራሕ ዝድግፍ ኣባል ስድራ የለን። ኣቦ፡ ከም ገለ ዕድል ረኺቡ ድሕሪ 2-3 ዓመት ስድራኡ ክበጽሕ እንተመጺኡ ድማ፡ በቲ ኣብ ስድራቤቱ ዝጸንሖ ምርረት ናይ ናብራ መመሊሱ ይጭነቕ፡ ገለ ብዓቕሙ ክሕግዝ ኣብ ማሕረስ ክወፍር ይፍትን'ሞ፡ ካብ ዝተፈቕደሉ መዓልታት ቁሩብ ምስ ዘሕልፍ፡ ብስም "ምኹብላል" ተኸሲሱ ይቕየድ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርትን ከቢድ ስራሕን ከምዘሕልፍ ይግበር። እዚ ብግዲኡ፡ ነታ በይና ዝተረፈት ሰበይቱ፡ ተወሳኺ ሻቕሎትን ስቅያትን ይፈጥረላ። ንኣስታት 4 ክሳብ 21 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዕድመኦም ዝበሊ ዘሎ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣቦታት ኢዮም። ብማዕረኡ፡ ኣብ ዓዲ፡ ናይ ስድራቤትን ቆልዑን ሓላፍነት ወሲደን ዝሳቐያ ዘለዋ ድማ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኢየን። ከምቲ ኩልና ንሰምዖን ነስተባህለሉን፡ ሎሚ፡ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ካብ ኣገልግሎት ንምህዳም፡ ዘይተደልየ ጥንሲ ክትሕዝ ትግደድ ከምዘላ ኢና ንዕዘብ፡ (ምስዛ ጓላንስተይቲ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ርአ)። እተን ናብ ሳዋ ኣገልግሎት ክኸዳ ዘይመርጻ ደቀንስትዮ ድማ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመአን ብመርዓ ክጽመዳ ዝመርጻሉ እዋን ኢዩ ተበጺሑ። እዚ ብግዲኡ፡ ንሓፈሻዊ ህይወትን መጻኢ ምዕባለን ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ዝርምስ ኢዩ። "መለሳ ቆሎስ ጥጥቖ" ከምዝበሃል፡ እተን ኣብ ንኡስ ዕድመአን ብመርዓ ዝቑረና ደቀንስትዮ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ኣየምጽኣለንን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ውላድ ምስ በጽሓ፡ እቶም ሰብኡተን ተመንጢሎም ናብ ሳዋ ስለዝውሰዱ፡ እቲ ንኣዴታተን ዘሳቐየ ህይወት፡ ንዓኣተን እውን ከራኻኽበለን ኢዩ ጀሚሩ። እዝግዮ! ኢዩ ዘብል ህይወት ኤርትራውያን ደቀንስትዮ። ምኽንያቱ፡ ዋላ ሓደ ጠዋሪ ዝኸውን ሰብ፡ ኣብታ ስድራ ክተርፍ ዝድግፍ፡ ፍትሒ ኣብ ሃገርና ስለዘየልቦ።

7) ደቀንስትዮ ከም መጋበሪያ ምልኪ።

እዚ ልዒሉ ዝተገልጸ ኹሉ፡ ንህይወት ደቀንስትዮ ኤርትራውያንን ህሉው ምርረት ናይ ናብራአንን ዝገልጽ ኢዩ። እታ ኣብ ስቅያት እትርከብ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ፡ ኣእውያ ሰማዒ እዝኒ እትረኽበሉ ዕድል የብላን። ደሃይ ናይ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ሰብኡተን፡ ወይ ደቀን፡ ክሓትታ መሰል የብለንን፡ ኩሉ ጊዜ ብፍርሒን ራዕዲን ምስተወርሳ ኢየን። ኣንስቲ ገዳይም ተጋደልቲ ዝነበራ፡ ብገለ ምኽንያት ሰብኡተን ምስዝእሰሩ ወይ ነቲ ስርዓት ተቓዊሞም ራሕሪሖሞ ምስዝኸዱ፡ ኣንስቶምን ደቆምን ካብ መንበሪ ገዝኦም ይስጎጉን ንብረቶም ድማ ኣብ ጎደና ይድርበን። ኩሉ ኤርትራዊ ዝሰምዖ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ ኣብነት፡ እቲ ንስድራቤት ስዉእ ጅግና ወዲ ዓሊ (ዓሊ ሕጃይ)) ዘጋጠማ ከመይ ከምዝመስል ካብ ቃላት በዓልቲ-ቤቱ፡ (ኣብዚ ንስማዓዮ)

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራን መሓውራቱን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወጻኢ፡ ንትሑት ደረጃ ንቕሓት ኤርትራዊት ኣደ መዝሚዙን ኣታሊሉን፡ ነታ ገርሂ-ልባ ኤርትራዊት፡ ኣብ ፈቐዶ ዳንከራን ጽምብላትን ገዘፍቲ ሕብራዊ ጽላላትን ባንዴራታትን ተጎምጒመን ከምዝስዕስዓ ብምግባር ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ይጥቀመለን። በዚ ሜላ'ዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ጎኒ'ቲ መንግስቲ ከምዘሎ ገይሩ ከእምን ይፍትን። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብዚ እከይ ተግባር'ዚ መጋበሪያ ኮይነን ዘገልግላን ዝጉስጉሳን ምሁራት ኤርትራውያን ምህላወን ኢዩ። ኣብዚ መዳይ'ዚ እምበአር ሓያል ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብወገን ደቀንስትዮ ድማ ብፍላይ ከድሊ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ።

8) ተራ ሃማደኤ ብመንጽር ህሉው ኩነታ ደቀንስትዮ።

ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራውያን (ሃማደኤ)፡ ኣብ እዋን ሰውራ ተመስሪቱ ዕላምኡ ድማ ምንቃሕን ምውዳብን ደቀንስትዮ፡ ከምኡውን ንማዕርነትን መሰላትን ደቀንስትዮ ንምሕያል ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ቅድም ኣብ ትሕቲ ውድብ (ህዝባዊ ግንባር) ኮይኑ ንዕላማታት እቲ ውድብ ኣብ ምቕዳምን ንደቀንስትዮ ወዲብካ ናብ ሰውራ ከምዝስለፋ ምግባርን ኢዩ ኣተኲሩ ሰሪሑ። ካብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዘሎ እዋን እንተተመልከትና ድማ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምጉስጓስ፡ ኣብ ጽምብላትን ንመንግስቲ ዝድግፍ ሰልፍታትን ከምዝሳተፋ ኣብ ምግባርን፡ ቀዳምነት ሂቡ ኢዩ ክሰርሕ ዝርአ። ሽግራት ደቀንስትዮ ኣብ ምፍታሕ፡ ከም ኣባላት ማሕበር፡ ድሌት ክህልወን ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ማሕበር ደቀንስትዮ፡ ካብ መንግስታዊ ቁጽጽር ናጻ ኮይኑ ነብሱ ዝኸኣለ ትካል ብዘይምዃኑ ግን፡ ዋላ እተን ብመሪሕነት ደረጃ ዝንቀሳቐሳ ኣባላቱ ከይተረፈ፡ ጸገማት ደቀንስትዮ ኣብ ምፍታሕን ምጥባቕን ክገብርኦ ዝኽእላ ዓቕሚ የብለንን። እቲ ወጽዓ ደቀንስትዮ ኣብ ቅድሚ ዓይነን እናሃለወ፡ ንመንግስቲ ዓገብ ክብላኦ እውን ኣይከላን ኢየን። ዓገብ ክብሉ ዝፈተኑ ላዕለዎት መራሕቲ ሃገር ዕድሎም እንታይ ከምዝኾነ ኣጸቢቐን ስለዝፈልጣ። ንኣብነት ሓርበኛታት፡- ኣስቴር ፍስሃጼን፡ ኣስቴር ዮውሃንስ፡ ሚርያም ሓጎስ ከምኡ'ውን ሰናይት ደበሳይ፡ ብዘይ ፍትሒን ፍርዲን፡ ኣብ ማሕዩር እናበለያ ከለዋ፡ እቲ ክጣበቐለን ትጽቢት ዝግበረሉ ማሕበረን፡ ድምጹ ኣየስምዐን። ስለዚ፡ እቲ ስርዓት ብመሰረቱ ተቐይሩ፡ ናጻ ዝኾነ ማሕበር ደቀንስትዮ ክሳብ ዝፍጠር፡ ሓቀኛ ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮ ኣይክህሉን ኢዩ። ብዛዕባ'ዚ ብሰፊሑ ንምርዳእ፡ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪድዮ ስምዑዎ።

9) ተስፋ ዝህብ ኩነታት።

ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስዚ ናይ ሎሚ ዘሎ ደረጃ ምስ እነነጻጽር፡ ቁጽሪ ምሁራት ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ኣዝዩ ከምዝዓበየ ነስተብህል። ኣብዚ እዋንዚ፡ ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስደት ዝነብራ ዘለዋ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ህይወት ክነጥፋ ክትርኢ ኣዝዩ ዘተባብዕን ዘሐብንን ኢዩ። ብዙሓት ብዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ተመሪቐን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ኣብነታውያን ደቀንስትዮ፡ ኣኣብ ዘለዋኦ ሃገር ብመራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ጆርናላትን ብዛዕባ ኣበርክቶአን ይቐርብ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት፡ ማለት፡- ሳይንቲስት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሞያ ሕጊን ፍትሒን፡ ጥዕና፡ ስነጥበብን ኤንጂነሪንግን ክነጥፋን ዓወታት ክዓትራን ንርእየን ኣሎና። እተን ኣብ ምምካት ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ብዝለዓለ ዝነጥፋ ዘለዋን፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተቓዊመን ክሳብ ዝለዓለ ጥርዚ ናብ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበጽሕ ዝገበራን፡ እተን ሓርበኛታት ዝኾና ደቀንስትዮና ኢየን። በዚ ድማ ሓበን ክስምዐን ይግባእ። ልክዕ ከም ትማሊ፡ እታ ባህሪያዊ ጾታዊ ጸገማታ በዲሃ፡ ንልዕልነት ተባዕታይ ቀቢራ፡ ብግብሪ ማዕርነታ ዘመስከረት ጅግና ጓል ኣንስተይቲ ተጋዳሊት፡ ሎሚ'ውን ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ፡ መስተንክራት ትሰርሕ ኣላ።
ኣጆኽን ኣጆና!

ካልእ ተስፋ ዝህብን ኣዝዩ ዘተባብዕን ምዕባለታት ድማ፡ ኣብ ደገ ብዝርከባ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዝበራበር ዘሎ ምንቅስቓስን ምጥርናፍን ኢዩ። እዚ፡ እቲ ከም ማሕበር ተጠርኒፈን ዝገብርኦ ናጻ ምንቅስቓስ ከምኡ'ውን ኣብ መስመር ቃልሲ ንፍትሒ ተሰሊፈን ዝጻወትኦ ዘለዋ ዘለዋ ኣብነታዊ ተራ የጠቓልል። በዚ ኸኣ፡ ዓቢ ኣገናዕ! ይግበአን። ናብ ዝለዓለ ደረጃ ውዳበን ተሳትፎን ከይተሓለላ ከማዕብላኦ ድማ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ይጽውዕ።

ዕድመ ንመዓልቲ ደቀንስትዮ ዓለም!

ዓወት ንተቓለስቲ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን!

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ 08/03/2017

Network of Eritrean Women [NEW][Nasser Nuru 17 Mar 2014]

Share with friends:


other articles by author - ካልኦት ጽሑፋት ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ፡-