20/06/2024 00:32 AM
Eritrea Martyrs day,
20 June 2024:
Reflections and Press Releases.
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ 20 ሰነ 2024
ዝኽርታትን መግለጺታትን፡
يوم شهداء إريتريا، 20 يونيو 2024: تأملات وبيانات صحفية
ዝኽርን ሕድሪን ሰማእታት፡ ክልተ ዘይነጻጸላ ገጻት ህዝብና ኢየን።
The Memory and Legacy of Martyrs: Two Inseparable Facets of our People.
ዝኽርን ሕድሪን ሰማእታት፡ ክልተ ዘይነጻጸሉ ገጻት ናይ ህዝብና ኢየን።
The Memory and Legacy of Martyrs: Two Inseparable Facets of our People.
ዝኸበርካ፡ ግቡእካ ፈጺምካ፡ ሓርነትካ ዝተመንዛዕካ፡ ህዝቢ ኤርትራ!
ካብ ዋዜማ 20 ሰነ ኣትሒዙ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽምዓ ብምውላዕ፡ ነቶም በጃ ህዝቢን ሃገርን ህይወቶም ዝወፈዩ ጀጋኑ ደቁን ወለዱን፡ ኣብ ናይ ሕልና ዝኽሪን ጽሞናን ጥሒሉ፡ ዘስተንትነላ ዕለት ኢያ። ክፍላ-ሰነ፡ ወቕቲ ጣቓን ንፋስን፡ ጥሪት ብዓፈል ዝሞታሉ፡ መላኣት ዘቖልዓሉ፡ ሕማቕ እዋን ኢዩ። እዚ ኸቢድ ግዜ፡ ዝኽሪ ሰማእታት ተወሲኹዎ፡ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ከኣ፡ ቀሊል ኣይኮነን። መዓልቲ ስዉኣት፡ መዓልቲ ዝኽሪ ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ህርመት ልቢ ህዝቢ ኤርትራ እነንጸባርቐላ ዕለት እውን ኢያ። እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንባህግታት ሰማእታትናን ትጽቢት ህዝብናን፡ ምስ ህሉው ክውንነት ሃገርና ብምንጽጻር ኣስተንትኖ ክንገብር፡ እትድርኸና ኩነት እውን ኢያ።
ሰማእታትና፡ ንህይወቶም ክውፍዩዋ ከለዉ፡ ኣብ ኣእምሮኦም ዝነበረ ሕልሚ፡ ሃገርና፡ ሓርነቱን ሓድነቱን ዘውሓሰ ህዝቢ፡ ንሓድሕዱ ዝከባበር ህዝቢ፡ ዘለዋ፡ ስልጥንቲ ኤርትራ ከም እትኸውን፡ ተኣማሚኖም፡ ብጅግንነት ኢዮም ሓሊፎም። በዚ ኸኣ፡ ንልዑላዊት ሃገረ-ኤርትራን ንኩሩዕ ህዝባን ዝኸውን መንጸፍ፡ ሓዲጎሙልና ሓሊፎም።
ዕላማ መስዋእቲ ጀጋኑና፡ ህዝብና፡ ከይተሾቑረረ ብሙሉእ ኣእጋሩ መሬቱ ክረግጽ፡ ዝመሰሎ ክዛረብ፡ ጎይታ ሃገሩን ጉዳዩን ክኸውን፡ ደቅናን ደቂ-ደቅናን ብቕሳነት ክመሃሩን ክዕምብቡን፡ ሃገርና ዓዲ ራህዋን ሰላምን ክትከውን፡ ኢዩ ነይሩ።
ሎሚ፡ ስድራቤታት ስዉኣት፡ ኣበይን፡ ኣብ ከመይ ኩነታትን፡ ይርከቡ ኣለዉ?
ሕልሚ ስዉኣትና፡- ራህዋ፡ ብልጽግና፡ ፍትሒ፡ ተተግቢሩ’ዶ? ሞትን ስደትን፡ ኣብቂዑ'ዶ?
ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ናይ መዋእል ቃልሲ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ 1940ታት ኣትሒዙ፡ ደምን ኣዕጽምትን ስዉኣትና እናተኸፍለላ ኢያ፡ ክሳብ ግንቦት 1991 በጺሓ። ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ እንተኾነ'ውን፡ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣየቋረጸን። ኣብዘን ዝሓለፋ 33 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ሃገርና፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገደደ፡ ስርዓተ ራዕዲን ምልኪን ኢዩ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣይቀሰነን። ካብ ቀዳማዩ ዝገደደ፡ ሕጂ’ውን ምእንቲ ሓርነቱ መስዋእቲ ክኸፍል ተቐሲቡ ይርከብ።
እዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና መስዋእቲ፡ ብዝተፈላለየ መልክዓት ክግለጽ ይከኣል። ንኣብነት፡- ሃገርና፡ ከም ዓለማ፡ ዓዲ ቅዋምን ሕጊን ክትከውን፡ ንቡር መንግስቲ ክህልወና፡ ዝጎስጎሱን ዝጠለቡን ኣርካናትን ጋዜጠኛታትን፡ መንፈሳዊ እምነቶም ንምምዕባል ዝነጠፉ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን፡ ብዙሓት ሃገራዊያን ተቓለስቲን፡ ብግፍዓዊ ኣገባብ ተጨውዮም ተወሲዶም፡ ተሸሪቦም። ድሃዮም የለን። ቤተሰብ ናይዞም ግዳያት ከኣ፡ ን20-30 ዓመታት፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን፡ ስቅያትን ስነኣእሙራዊ ምንዋጽን ወዲቖም ይርከቡ። ዝፈትዉዎም ወለዶምን መቕርቦምን፡ እተጨውዩ ደቆምን ወለዶምን ከይረኣዩ፡ ምስ ከቢድ ሓዘኖም፡ ናብ ዓዲ እዝግሔሮም ዝተዓዝሩ፡ ብዙሓት ኢዮም። ዓስቢ ናጽነቶም፡ ስቅያትን ሓዘንን ኮይኑ ተሪፉ!
መንእሰያትና ብስም "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጊልያነት ተቖሪኖም፡ ብሰንኩ ኸኣ፡ ካብ ትምህርቶምን ሓዳሮምን ተዛናቢሎም፡ መጻኢ ባህጎም ተጎናዲቡን፡ ኣብ ትሕቲ ጊልያነት ክነብሩ ተገዲዶም ኣለዉ። ካብታ ሲኦል ኮይናቶም ዘላ ሃገሮም፡ ነብሶም ንምድሓን፡ ወነንቲ ህይወቶምን ዕድሎምን ንምዃን፡ ንቡር ንምድላይን፡ ኣብ ዝኸፍሉዎ ዘለዉ ዋጋ፡ በቲ ስርዓት ዘጋጥሞ መጭወይቲን ምስዋርን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ሓደጋታት-ምጥሓል ኣብ ውቅያኖሳትን፡ ኣሰቃቒ ሞት ኣብ ምድረበዳን፡ ግዳይ ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብን ምዃን፡ ወዘተ፡ የጠቓልል።
እቲ መስዋእቲ፡ ኣብዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጥራይ ኣይተሓጽረን። ኣብ ሰራዊትን ኣገልግሎትን ዝርከቡ ዜጋታትና፡ ንጥሙሓት ውልቀ-መላኺ ንምዕጋብ፡ ካብ ልዑላዊ መሬቶም ሰጊሮም፡ ብግዲ፡ ኣብ መሬት እንዳማቶም ክዋግኡን ህይወቶም ክኸፍሉን ምርኣይ፡ ናይዘን ዝሓለፋ 3-4 ዓመታት ተሞኩሮ፡ ናብ ኢትዮጵያ እተገብረ ምትእትታው ምጥቃስ ጥራይ፡ እኹል ኣብነት ኢዩ። ህዝብና፡ ክሳብ ሕጂ፡ ናይዚ ተገዲዱ ኣብ ውግኣት ኢትዮጵያ ኣትዩ ህይወቱ ዝሓለፈ ኤርትራዊ፡ መርድእ ንምስማዕ፡ ከብዱ ሓቚፉ፡ ብጭንቀት ይጽበ ኢዩ ዘሎ።
ሕድሪ ሰማእታትና መሊኡ ዝረጋገጽ፡ ሃገርና፡ ዓዲ ቅዋም፡ ዓዲ ሕጊን ፍትሒን ምስ እትኸውን ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን፡ መብጽዓ ሰማእታትና ናይ ምትግባር ጾር፡ ኣብ ዝባንና ኢዩ ዘሎ።
20-ሰነ መጽአት፡ ሽምዓ ብምውላዕ ጥራይ ከነስቆርቁር ካብ እንነብር፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ነቲ ሕድሪ ሰማእታትና ከይፍጸም፡ ዓጊቱ፡ ኣብዚ ኩሉ ሕሰም ኣውዲቑና ዘሎ ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ሓግሒግና ክንድርብዮ ኣሎና።
ሓደ ህዝቢ፡ መሰሉ ንምርግጋጽ ዘካይዶ ቃልሲ፡ ብመሰረት ኣድማሳዊ ኣዋጅ መሰላት ደቂ-ሰብ (UN Universal declaration of human rights)፡ ፍትሓዊን ድጉፍን ኢዩ። ንናጽነትን ሓርነትን እተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ኣብዚ መትከል እዚ እተሰረተ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣድማሳዊ ኣዋጅ እዚ፡ ነቲ ገና መሊኡ ዘይተረጋገጸ ሓርነት ህዝብናን ሕድሪ ሰማእታትናን ንምውሓስ፡ መሰል ዘውህበና ኢዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰፊሩ ዘሎ መሰላት፡ ክንፈልጦን ንቓልስና ክንጥቀመሉን ይግባእ።
Eritrea: The Universal Declaration of Human Rights in Tigrinya
እዛ ዕለት እዚኣ፡ ሕልምታትን ሕድሪን ስዉኣትና ንምግሃድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ አእጃምና ከነወፊ፡ ዜጋዊ ግዴታ ከምዘሎና እተዘኻኽረና መዓልቲ ኢያ። ኣብዚ ቅንያት እዚ፡ ነፍሲ-ወከፍና ከም ኣጀንዳ ከነስተንትኖ ዝግባእ ኣርእስቲ፡- ባህግታት ጀጋኑ ስዉኣትናን ሃንቀውታ ህዝብናን ኮይኑ፡ ንምዕዋቱ ኸኣ መብጽዓ ክንኣቱን ዋጋ ክንከፍልን ከም ዝግባኣና ኹልና ክንግንዘብ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ዝኽርን ሕድሪን ሰማእታት፡ ክልተ ዘይነጻጸላ ገጻት ናይ ህዝብና ስለዝኾና።
ስዉኣትና ዝገደፉልና ሓላፍነት፡ ንምዕዋት፡ ተሳኒናን፡ ተኻባቢርናን ክንከዶ፡ ናይ ስዉኣትና ረዚን ሕድሪ፡ ኣብ እንግድዓና ስለዘሎ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ጻውዒትና ነማሓላልፍ።
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!
ሕድሪ ሰማእታትና ብሓርነት ህዝብና ንምድባስ፡ ኩልና፡ ንሰለፍ!
ስኒትና.ኮም
20 ሰነ 2024
ብምቕጻል ኣምበአኣር፡ ኣብዚ ገጽ`ዚ፡ ብኣጋጣሚ ቅንያት 20 ሰነ 2024፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን መግለጺታትን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ዝኣከብናዮ ከነቕርበልኩም ኢና። ትሕዝቶ ናይዚ ገጽ ዚ፡ ብቕንያቱ፡ ክውሰኾን ክህብትምን ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ።
ነዚ ዕለት`ዚ ዝምልከት ኣገዳሲ መግለጺ ወይ ገምጋም እንተሎኩም፡ ናብ snitna.com ክትሰዱልና ንላቦ።
Dear visitors, on this page, we will compile various memories, reflectins and press-releases, highlightig the Eritrea's Martyrs Day, 20 June 2024. We will update this page continuously, by adding more contents.
Please send us such information to snitna.com.
መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ELF Martyrs Archive.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996
OR:
መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ELF Martyrs Archive.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996
ምልክታ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህይወት ወዲ ሰብ ክቡር ምዃኑ ካብ ዘለዋ ተረድኦን፡ ንስድራ ቤት ተጋደልቲ ካብ ኰለልን ድኻምን ሻቕሎትን ንምንጋፍ ካብ ዘለዋ ሓልዮት ተበጊሳ፡ ተጋዳላይ ኣብ እተሰውኣሉ እዋን ንስድራ ቤቱ ብኡ ንብኡ ምሕባር ከም ባህላ ገይራ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ`ያ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ዓቕሚ ናይ ህዝብና ድኹም ምዃኑ ስለእትርዳእ`ውን፡ ንስድራ ቤት ስዉኣት ነጋይሽ መቐበሊ ክኸውን ብማለት ቁሩብ ደገፋት ከተበርክተሎም ምጽናሓ ዝዝከር`ዩ። ስለ`ዚ፡ መብዛሕትኦም ኣብዚ መዝገብ ናይ ስዉኣት ተጠቒሶም ዝርከቡ ተጋደልቲ ስድራቤቶም ብዕሊ መስዋእቶም ኣብ ግዚኡ ዝተሓበሮም ክዀኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ፡ እቲ ንተሓኤ ተጋጠመ ጽንኩር ኩነታት ስለዘየፍቀደ፡ መስዋእቲ ደቆም ብዕሊ በዚ መዝገብዚ ኣቢሎም ንመጀመርያ ግዜ ብዕሊ ይሕበሩ ምህላዎም ንግንዘብ ኢና። ካብዚ ብምብጋስ ድማ` ንስድራ ቤት ስዉኣት ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፡ ብመስዋእቲ ውላድኩም ኰርዓትን ሓበንን ክስምዓኩም ነማሕጽን። Read more
Eritrean Martyrs Day
መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ።
ዝኽሪ ዜማ "መስዋእቲ ዋጋ ናይ ሓርነት'ዩ" ብ ብርኽቲ ታንኪ/ ጽሓፊ ጸጋይ ገ/ሂወት/ ተራኺ ዓይነታ ምሕረታኣብ!
Global Yiakl Official: ስውኣትና ኣብ ልብና፡ ምትግባራ ሕድሮም ግን ናይ ኩልና!
20 June 2024
ERIPM | قصة شهداء إرتريا
20 June 2024
Atv Asena Live - ዝኽሪ ጀጋኑ ድርብ መስዋእቲ
21 June 2024
Eri-Platform: መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ስለ 20 ሰነ
20 June 2024
ERIPM | ክልተ ሞት | Klte mote ~ Eritrean Movie 2024
𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: መልእኽቲ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ።
20 June 2023
Tv Meley: መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ
20 June 2023
ሕድሪ ሰማእታት፡ ዕዳ ህሉዋት እዩ።
መግለጺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)
20 June 2023
ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ደቃን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካልእ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ ንሰማእታት ኤርትራ፡ “ብሳላኹም ልኡላዊ ሃገር ኮይንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና” ምባሎም፡ እንተዘይውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ።
Read more:
Eri-Platform:
መልእኽቲ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2023።
20 June 2023
ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት።
ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
20 June 2023
ዝኽረ ሰማእታት፡ ይኣክል ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት።
25 June 2022
ቅዋማውነት፡
ራኢ ሰማእታት።
19 June 2022

ሳላሳን ሓደን ዓመታት ናጽነት'ዶ፡
ሳላሳን ሓደን ዓመታት ባርነት!
(1ይ ክፋል)
1ይ ክፋል፡ 2ይ ክፋል፡ 3ይ ክፋል፡ 4ይ ክፋል፡ 5ይ ክፋል፡
ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 20 ሰነ 2022 ኣብ ለንደን።
Martyrs Day 20th June 2022, London UK.
(Part-1)
ባህግና፡ Bahgna 67፡ ዜናታት፡ ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት፡
ERISAT: መግለጺ ትንሳኤ ተጋደልቲ ንቅዋማዊ ስርዓት
Eri-Platform: ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
TV-Meley: 20 ሰነ 2022
ዝኽሪ 20 ሰነ 2022 ብውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል ዝተዳለወ፡
"ሰማእታትና ወትሩ እናተዘከሩ ክነብሩ 'ዮም"
Shama Baytona: ሰማእታትና ወትሩ ብግብርና ይደበሱ?
Eritrean new clip 2019 Yirgalem Fisseha ከይደ'ለኹ!
ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ
Martyr's Day Official wreath-laying ceremony
ERi-TV
ዝናር ጥበባት ማእከል 20 ሰነ 2022
zinar tibebat maekel Martyr's Day 2022 Special -
ERi-TV
ATV: ሕድሪ ስውኣት ጠሊምካ፡ ብስውኣትን ስድራቤቶምን ምዝራብ ዝኸፍአ ሓጥያት’ዩ -
ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ERITV Program 20 June 2020
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።