Placeholder Picture
Placeholder Picture
ደምዳሚ መግለጺ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

10/08/2024 13:10 PM

ደምዳሚ መግለጺ
ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
07 ነሓሰ 2024

Concluding statement of the First Conference of Eritrean Political Forces (EPF), 08 August 2024.

ደምዳሚ መግለጺ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ። Concluding statement of the First Conference of Eritrean Political Forces (EPF), 08 August 2024.

ደምዳሚ መግለጺ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
07 ነሓሰ 2024

እቲ ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ብተበግሶ ሓርበኛ ነፍሰ-ሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን-ናው) ዝጀመረ መስርሕ ሓባራዊ ከይዲ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባ)፡ ደጊም ናብ ልዕል ዝበለ ብራኸ ብምውጻእ 1ይ ዋዕላኡ ካብ ዕለታት 05-08 ነሓሰ 2024 ኣካይዱ፡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ እዚ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብኣካልን ብዘሎ ምዕቡል ናይ ማንዛ ርኽክባትን ብምውህሃድ ዝተኸየደ ዋዕላ’ዚ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ራዕድን ሽበራን መቕዘፍትን፡ ኣብ ዞባና ንፈጢሩዎ ዘሎ ጸገማትን ንምዕራፍ፡ ብተወሳኺ`ውን ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ምስ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደሽቲ ዘየቕስኑ ኩነታት ብምዝማድ፡ ህዝብናን ሃገራናን ካብዚ ሽግራትዚ ንምውጻኡ ክግበር ንዝግባኦ መዋጽኦታት ኩሉ ብዕምቆት ዘትዩሉ። ንዝመጽእ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጠመተ ብምግባር፡ ፖሓኤ ዝምርኮሰሎም ፖሊቲካዊ መትከላትን፡ ዕላማታትን ቅዋማዊ መቖሚታትን ሓንጺጹ።

እቲ ካብ መፋርቕ 2020 ዝጀመረ ከይዲ ጉዕዞ ብዙሕ ብድሆታት ዝነበሮ ኮይኑ፡ እሞ`ውን ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብኺኖቲ ግናይ ምልካዊ ስርዓት ተጻዒኑዎ ዝጸንሕ ጉድለት፡ ናይ ተቕወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ጸገምን፡ ክብድህ ዝኸኣለ ባና ናይ ዓወት ኣብሪሁ ምህላዉ’ዩ። ብርግጽ`ውን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ሓይልታት ብሃንቀውታ ዝጽበዩዎ ትስፉው መስርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ’ውን ብኻልኦት ሓይልታት ከምዝትርንዕን ናብቲ ህዝብና ዝደልዮ ናይ ዓወት መንገዲ ከም ዝበጻሕና ዘበስርን ክኸውን`ዩ።

እዚ ዕዉት መስርሕዚ፡ ክዉን ዝገበሩ ኩሎም ኣባላት ናይ እዘን ሰለስተ ውድባትን ሰልፍታትን ዝነኣድ ኮይኑ፡ ብዝያዳ`ውን እቶም ነዚ ቅዱስ ዕማም ናብ’ዚ ብራኸ’ዚ ከብጽሑ ዝኸእሉ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣዚና ነመስግን። ንኹሉ ዝሓለፍዎ ስርሓቶም ዘንጸባርቕ ጸብጻቦቶም ብጽሞና ሰሚዑን ተቐቢሉን፡ ብማዕሪኡ`ውን ኣመስጊኑን። ከምኡ’ውን ነዚ ዕዉት ዋዕላና ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ምሳና ንዝቐነዩን ፡ ነዚ ህዝባዊ ዓወት ንዘቃልሑን ወነንቲ ኤሪትራዊ ማሕበራዊ መራኽቢታት ኤሪሳት፡ ኤሪፒኤም፡ መስከረም 61፡ ስኒትና ኔትዎርክ፡ ኣሰና፡ ራድዮ ኤረና፡ ሃገረይ ቲቪን፡ መላ መድያን ደጋጊምና ነመስግኖም።

ዋዕላና፡ ነቲ ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ዝተነብረ ሃገራዊ መቆምያታት ማለት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምእላይ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፣ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብ፣ ዲሞክራስያዊ መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን ንዝብል ቅቡል ጌሩ ንኸዕውቶ ወሲኑ ኣሎ።

ዋዕላና፡ ንላዕለዋይ መሰጋግሪ ሽማግለን፡ ንመስርሕ ምስንዳእ ዋዕላና ብዕትበት ንዝሰርሑን እንዳኣመስገነ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሰንኪ እዚ ገባቲ ስርዓትዚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ፡ ሕሰምን ስቅያትን ስድራ ቤታዊ ፍልሰትን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምዕራፍ፡ ምልጋስ ናይዚ ስርዓትዚ መተካኣታ ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ህዝብና ነዚ ክዓጥቕን፡ ዘሎዋ ፖሊቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን`ውን ነዚ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ዓወት መሳልል ብሓባር ክድይቡዎን ክጸናበሩን ሓቢሮም ክሰርሑን ዋዕላና ጸዊዑ።

ዋዕላና፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ክዕመሙ ዝግባኦም ህዝባውን ፖሊቲካውን መደባት ሓንጺጹን ንዝምልከቶ መሪሕነት ሓላፍነት ኣሰኪሙን። ንምክልኻል ልዑላውነት ኤርትራ፣ ንሓባራዊ መኸተ ደምበ ተቓውሞ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንህዝባዊ ማዕበልን መንእሰያዊ ባህርያቱን፣ ንዝምድናታት ምስ ከባቢናን ዓለምናን፣ ክመጸና ንዝኽእል ዶብ -ሰገር ሓደጋታት፣ ከምኡ`ውን ንሰብኣዊ መሰላት ህዝብና ኣመልኪቱ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ወሲዱ። ዋዕላና፡ ኩሎም ኣባላት ፖሓኤ ነዚ ውሳኔታት ምስ ዝምልከቶም ተመሳሰልቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክኸድድዎን፡ ከድምዑሉን ይጽውዕ። ብማዕረዚ`ውን ኣሕዋት ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ንዘሎና ንኣሽቱ ፍልልያት ብምውንዛፍ፡ ንምእላይ ናይዚ ገባቲ ስርዓት ሓቢርና ንኽንሰርሕ ይጽውዕ።

ዋዕላና ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ነዚ ውሳኔታትዚ ንዝመጽእ 2 ዓመታት ዝመርሑ 21 ኣባላትን፡ 3 ተጠባበቕትን ዘሎዉዎ፡ መሪሕነት ኣቚሙ። ፖሓኤ ንቐጺሉ ሒዙዎ ዘሎ ፈላሚ ሓባራዊ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ንምዕዋት ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ዓለምና ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ክርዳእን ዘድሊ ሓገዛት ንህዝብና ክልግስን ኣንዳጸዋዕና፡ ነቲ ድሮ ተፈጺሙ ዘሎ እንዳኣመስገንና ንዝያዳ ተሳታፍነቶም ንጽውዕ።

ብሓድነት ንሓርነት!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ከተማ ቪስባደን፡ ጀርመን

ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ።


ንድፊ ፖለቲካዊ ውሳኔታት፡
ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኲነታት ኣብ እትኸደሉ፡ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ምንቁልቋል ንምድሓን ሓድሽ ማዕበል መንእሰያት ኣብ ዝካየደሉ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራውን ሓቢሩ ክሰርሕ ጽላላት ኣብ ዘቑመሉ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ሕድሕድ ውግእን ምቅትታልን ሃለዋት ኣብ ዝተባርዓሉ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ጐረቤትና ዝኾነት ክልል ትግራይ ድማ ብናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ መሰረት ናይ ሰላም ጩራ ኣብ ዝተራኣየሉ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ኮነ ዓለምና ሓድሽ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ኣብ ዝተጋሃደሉ፡ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ፍልስጤምን፣ መንግስቲ እስራኤልን፣ ዩክረይንን ሩስያን ኣልዒልዎ ዘሎ ነውጺ፣ ናብ ተጠምቀቕ ኣትዩ ኣብ ዘሎ ህሞትዩ ተኻይዱ። ዋዕላ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐረብሉ ንድፊ ቀወምቲ ሰነዳት ቻርተን ዓንዲ ሕግን ተመያይጡ ምጽዳቑ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ዓሚቚ ዘተ ኣካይዱ፡ እዚ ዝስዕብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ድማ ኣሕሊፉ።

እዋናዊ ኲነታት ኤርትራ፣ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባዕሉ ንዘቖሞም ትካላት’ውን ከይተረፈ ጠሊሙ፡ ናብ ክቱር ክሕደት ስለዝጠሓለ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታት ኣብ ኣዝዩ ክተዓረቐሉ ዘይክእል ዝተረሓሓቐ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዋዕላ ፖሓኤ ገምጊሙ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ዋዕላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ራህውኡን ሓርነቱን መንገዲ ድሕነቱ ንኽጸርግ ጸዊዑ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካልን ኣብ ዘካየድ ዘሎ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ፖሓኤ ቅድሚት ከምዝስለፍ ብምርግጋጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ፖለቲካዊ ሓይልታቱ ንኽስለፍ ጸዊዑ።

ኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ኣብ ሃገርነት ኤርትራ እሙን ዘይኮነ፡ ተወላዋሊ ስርዓት ህግደፍ ብዝተኽተሎ ስልጣኑ ናይ ምስፋሕን ምሕላውን ፖሊሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይተወሕጠሎምን ንኣፍደገ ባሕሪ ምስምስ ዝገብሩ ገለ ኢትዮጵያዊ ውድባትን ውልቀ ሰባትን፡ ንልዑላውነትና ኮነ ሓድነት ህዝብናን መሬትናን ትርጉም ዘስእንዎ ወስታታት ከርእዩ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ይኹን እምበር፡ ፖሓኤ ልዑላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ባሕርን ኣየርን ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ምዃኑ እንዳኣረጋገጸ፡ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንክብርን ልኡላውነትን ኤርትራ ብቃል’ውን ወስታታቶም ዝስንዝሩ ኢትዮጵያውያን፣ ካብ ናይ ውግእ ስግኣታት ምፍጣር ወጺኦም ንሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ዕብየትን ክሰርሑ ዋዕላ ፖሓኤ ይጽውዕ።

ኣድላይነት ሓባራዊ መቃለሲ ጽላል ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡
ፖሓኤ ንተዳላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ምርዳእ ሓሊፉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታት፡ ግንባራትን ምንቅስቃሳትን ክዝቲ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ኣብ መስራቲ ዋዕላ በጺኡ። እዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ መጀመርታ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ስለ ዝኣምን ከኣ፡ ኣብ ዙሪያ’ቲ ከም መእከቢ ኣስፊርዎ ዘሎ ኣርባዕተ መቆሚ ነጥብታት፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ኣብ ናይ ሓባር ጽላል ናይ ምምጻእ ቃልሱ ክቕጽሎ እዩ። ንዘተን ሓባርዊ ስራሕን ቅሩባት ምስ ዝኾኑ ኣካላትውን ሓድሽ ናይ ዘተ መኣዲ ንምኽፋት ቅሩብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ዝሰማማዕ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምስ ዘለዎም ሓይልታት`ውን፡ ኣብ ሓደ ውዳበ ንኽመጹ የተባብዕ።

ህዝባዊ ማዕበላት፡ ፖሓኤ ምስ ከሎም ኤርትራዊ ህዝባዊ ማዕበላት፡ ብፍላይ ድማ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥን፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሓኤ ተጸንቢሮሞ ኣብ ዝሳተፍሉን ዘለዉ ምንቅስቓስ ንክህሉዎም ዝኽእል ሕጽረታት ብብቕዓት መኪቶም ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ቃልሲ ክድይቡ እንዳተባብዐ፣ ሕጋውን ብጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍን ዘይምዝመዝ ኣገባብ ቃልሲ ብምኽታል፡ ንህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ መንግስታትን ህዝብታትን ዝንጽልን ንቑጠባዊ ኣታዊታቱ ዘንጽፍን ክኸውን ንመክር። ብፍላይ ድማ እቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዘንቐሎ ተጻራሪ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ክረአ ንዝጸንሐ ምቅትታልን ምጉዳል ኣካላትን መርወይ ድሌት ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል ጠጠው ንኽብል ኣትሪሩ ይጽውዕ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣደዳ ስደት ኮይኖም ከምዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት መግዛእቲ ካብ 1967 ጀሚሩ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑን፡ ብሰንኪ ነጻጊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ፣ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይከኣሉን ዋዕላ ተገንዚቡ። ህዝብና ካብዚ ኣብ ፈቐዶ ዝተሰዶ ሃገር ዝሓልፎ ዘሎ ኣስቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፡ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ወጽዓ ንምልጋስ ክቃለስ ዋዕላና ደጊሙይጽውዕ። ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክቕበሉን ክናብዩን ንዝጸንሑ ሃገራትን ህዝብታትን ኣመስጊኑ። ናይ ስደተኛ መሰል ጠሊሞምን ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሶምን ስደተኛ ካብ ሃገሮም ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ክሰጉ ንዝደናደኑ መንግስታት ከቋርጽዎ ንምሕጸን።

ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ሕግታት ብምጥሓስን እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት በብግዜኡ ለውጢ ክገብር ዝወሃቦ መተሓሳሰብታት ብምንጻግ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዘይፈለጥ ቦታታት ንዝኣሰሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ተራ ሃገራውያንን ኮታ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ግዳያት ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዕታት ንኹንኖ። ኩሎም ዝምከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ከሕይሉ ድማ ንጽውዕ።

ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህሉ ዝግብኦ ዝምድና፡ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብድልየት ውልቀ መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽ ስምምዓትን ዝተዋሕሰ፡ ኣብ ፖሊሲ ሕድሕድ ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝተሰረተ ክህሉ መትከላዊ እምነቱ ምዃኑ ፖሓኤ የረጋግጽ። ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ኣካላት እንደገና ከም ሓዲሽ ዝወዓዋዕ ዘሎ ጉዳይ ናይ “ኤርትራ ትግባኣኒ እያን” ኣፍደገ ባሕርን፡ ናብ ዘየድሊ ውግእ ንኸየምርሕ ዋዕላና ሻቅሎቱ ይገልጽ። ነቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉድያትን ዝምድናን ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ስጉምታት፡ ንገዛእ ርእሱ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ብምጥቃስ ከኣ ይነጽጎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ ዝምልከት ዝኽተሎ ፖሊሲ ማእከሉ ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዘኽበረ ንክኸውን ዋዕላ ይጽውዕ። ኣብ ትግራይ ዝተካየደ ናይ ጽንተት ውግእ፣ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ህልቂት፣ ፈጸምቲ ዝገበርዎ በደል ብነጻ ኣካላት ተጻርዩ ክቕጽዑ፣ ዝተበደለ ድማ ክካሓስ ዋዕላና ይምሕጸን።

ኣብ ስምምዕ ኣልጅርስ ዝተመርኮሰ፣ ንቐያድን ናይ መወዳእታን ዶባዊ ኣህጉራዊ ብይን ደንሃግ ሓንሳብን ንሓዋሩ ኣብ ባይታ ክትግበር ድማ ዋዕላ ይምሕጸን። ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ብህጹጽነት ክርእይዎ ዋዕላ ይምሕጸን።

ርክብ ኤርትራን ሱዳንን፣ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ፡ ህዝቢ ሱዳን ኩነታቱ ተቐይሩ፡ ናብ ዝሓሸ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ፣ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ የረጋግጽ። ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ መራሕቲ ካብ ዓውዲ ውግእ ናብ ዓውዲ ዘተ ተመሊሶም ባህጊ ህዝቦም ከውሕሱ ይጽውዕ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ነቲ ኣብ ዞባና ከይተረፈ ስግኣት ዝፈጥር ዘሎ ጉዳይ ሱዳን፣ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉን ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተሸሚሙ ንዘሎ ህዝቢ ሱዳን ክሕግዝን ንምሕጸን። ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኣትዩ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራውን ጸጥታውን ኢድ ኣእታውነት ደው ከብል ህዝብና ብትሪ ክቃወሞ ዋዕላ ይጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ይዓንብብ!!

ውድቀት ንገባትን ጨቋንን ስርዓት ህግደፍ!!

07 ነሓሰ 2024


See also related
ምስዚ ዝተኣሳሰር ታሕቲ ተወከሱ:-

ERISAT YouTube: Eritrean Political Forces Conference in Wiesbaden ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ቪስባደን፡
ፖለቲካዊ ውሳኔታትን መግለጽን ዋዕላ

ERIPM YouTube፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን መግለጽን ዋዕላ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ

ERISAT YouTube፡ Eritrean Political Forces Conference in Frankfurt ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት

ERIPM YouTube፡ ሓበራዊ ፈስቲቫል ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ
PART-1

ERIPM YouTube፡ ሓበራዊ ፈስቲቫል ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ
PART-2




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: