12/10/2024 23:30 PM
ጋዜጣዊ መግለጺ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
04 ጥቅምቲ 2024
:بيان صح يف للاجتماع العادي الأول للمكتب التنفيذي للقوى السياسية الإرترية
04 October 2024.
Eritrean Political Forces (EPF), Executive committee Press Release, 4 October 2024.
ጋዜጣዊ መግለጺ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሸሞንተ 2024 ዕዉት ዋዕላ ከምዘካየደ ብመግለጺኡ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ብዕለት 21/09/2024 ድማ ማእከላይ ሽማግለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኩሎም`ቶም ነቲ ጽላል ዘቖሙ ትካላት ዝተወከሉ ኣባላት ሓላፍነታዊ ምርድዳእ ብዝዓሰሎ ኣገባብ ፈጻሚ ኣካሉ መዚዙ`ዩ። እቲ ቀጺሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ዕማም ድማ ብማእከላይ ሽማግለ ዝተወከሉ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል፡ ዕለት 4/10/2024 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብምክያድ፡ ኣብተን ብዋዕላ ዝጸደቓ ቤት ጽሕፈታት ፖ/ሓ/ኤ ሰባቱ መዲቡ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ከምዘሎ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ የበስር።
ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣሊኻ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰትን ምብትታንን ምድሓን ከም ቀንዲ ዕላማኡ ጌሩ ዝተበገሰ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንዕላማታቱ ንምዕዋት ከም ቀንዲ ረቛሒ ዝርእዮ፡ ኩሉም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን በቲ ዘሰማምዖም ዝወሓደ ነጥቢ ኣብ ሓደ ጽላል ምጥርናፍ`ዩ። ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ንብረትናን ዘውረዶ ህልቂትን ዕንወትን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ነዚ ንምዕጋት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ በብዘለዉዎ ክቃለሱ እኳ እንተጸንሑ፡ ፋሕ ኢሉ ዝጸንሐ ኣተሃላልዎኦም ግን ንገባቲ ስርዓት ኣልዩ፡ ንብዓት ህዝብና ክጸርግን ብሰላምን ምዕብልናን ክድብስን ግን ኣይከኣለን።
ነዚ ክሳብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ብዙሕ ግን ስሑው ናይ ደንበ ተቓውሞ ኩነታት፡ ጠርኒፉ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕን ዕምሪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከሕጽርን እንተዘይክኢሉ ስቓይ ህዝብና ክነውሕ ስደትናውን ክነውሕ ምዃኑ ዘጠራጠር ኣይኮነን። ንገጢሙና ዘሎ ዓቢ ዕማም ንምብዳእ እምበኣር፥ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እቶም ክሳብ ሕጂ ምስ ካለኦት መሻርኽቲ ኣካላት ጀሚርዎም ዝጸንሐ ስራሓት ኣበርቲዑ ክቕጽለሎም ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክገልጽ ይፈቱ። ከምቲ ዝፍለጥ ምስ ልፍንቲ ከምኡዉን ምስ ኤሃባደለ ዝጀመሮ ገናውን ኣብ መስርሕ ዘሎ ጉዳይ ዘተን ሓድነትን ብናይ ዘተ ሽማግለኡ ክቕጽሎን ኣብ መዓልቦኡ ከብጸሖን ናይ ዘተ ሽማግለኡ ኣጠናኺሩ ተበጊሱ ኣሎ። ከምኡውን ምስዞም ዝተጠቕሱ መሻርኽቲ ኣካላት ዝተጀመረ ዕዉት ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪ እውን እንተኾነ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣበርቲዑ ክቕጽሎ ብናይ ዲፕሎማሲ ሽማግለኡ ተበጊሱ ምህላዉ ክሕብር ይፈቱ።
ዓው ኢሉ ከይዛረብ ዝተዓብሰ ህዝብና ረዳኢ ይደሊ ኣሎ። ደቀይ ጎቢዞም ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝሕጎስ፥ ደቀይ ናብ ሳዋ ዝኸዱሉ ዕድመ በጺሖም እናበለ ዝስከፍን ሕጂኸ በየናይ ኩርናዕ ኲናት ይለዓል ይኸውን እናበለ ዝሻቐልን ህዝቢ ረዳኢ ይደሊ`ሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ እናተሰጋገረ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን ኩነታት ህዝብና ከይኣክል፥ ሕጂ ኸኣ ዞባውን ዓለም ለኻውን ውጥረት ኲናትን ወረ ኲናትን ተወሲኽዎ ከብዱ ሓቚፉ ምህላዉ ዝሰሓት ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ህውከት ዝሃጥር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ድማ ነዚ ኣብ ከባቢና ዝጓሃሃር ዘሎ ኲናት መሊሱ ነዳዲ ዝኹዑ እንተዘይኮይኑ ናይ ምትህድዳእ ተራ ክጻወትዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሕጂውን እንተኾነ፡ ህዝብና ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ኣትዩ እቶም ዝርካቦም ተሪፎም ዘለዉ መንእሰያትና መጻኢ ዕድሎም ጥይትን ባሩድን ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ኣኼባታትን ውሳኔታትን ንላዕሊ ሰጊሩ፡ ናብ ተዛሪቡ ዘስምዕ ሰሪሑ ዘድምዕ ብርኪ ክሰጋገር ግድነታዊ መድረኻዊ ሓላፍነት ምዃኑ ፈጻሚ ኣካል ፖ/ሓ/ኤ ኣስሚሩሉ። ነዚ ንምግባር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ እናኣፍለጠ፡ ኣብቲ ዝገብሮ ህዝባዊ ወፍሪ፡ መድያታት ኤርትራ ኣብ ምቅልሑ ኣዎንታዊ ተራ ክጻወቱን ህዝብና ድማ ንዋታውን ንያታውን ደገፉ ክገብረሉን በዚ ኣጋጣሚ ብኣኽብሮት ይሓትት።
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
ብሓድነት ንሓርነት
ፈጻሚ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
4/10/2024
Read in PDF ብ PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ፡-
:بيان صح يف للاجتماع العادي الأول للمكتب التنفيذي للقوى السياسية الإرترية
عقدت القوة السياسية الارترية سلسلة اجتماعات عقب انتهاء موتمرها الذي تم فيه انشاء منظلة جامعة للتنظيمات السياسية الإرترية يف اغسظس المنصرم، حيث عقد المجلس المركزي الذي تم انتخابه من المؤتمر التوحيدي للقوى السياسية الإرترية .اجتماعه الاول يف 21 -9-2024م، وكلف المجلس اعضاء المكتب التنفيذي بالتوافق من التنظيمات المكونة للمظلةوعقد المكتب التنفيذي لقوى السياسية الارترية اجتماعه الدوري الأول يف 4 أكتوبر 2024 م، الذي استمع فيه إلى التقارير الأولية للمكاتب التنفيذية وإلى وجهات النظر المختلفة للقوى السياسية المكونة للكيان السيا يس الجديد حول سبل ووسائل العمل من أجل تحرير شعبنا جراء ما لحق به من انتهاكات صارخة من قبل النظام الدكتاتوري ال يت طالت كافة مكونات شعبنا وحقوقه يف المشاركة العادلة يف تقاسم السلطة والرثوة والحياة الكريمة يف وطنه طيلة ما يزيد على الثلاث ي عاماً، مؤكدين بأن الخلاص من النظام الدكتاتوري وإنقاذ الوطن من الدمار والضي اع والتفكك لن يتم إلا من خلال العمل المش ثك لكافة قوى .العمل المعارض الإرتري على قاعدة الاع ثاف المتبادل بالحقوق والمصالح لكافة مكونات الشعب الإرتري وفصائله السياسيةوإن عدم العمل بفعالية يف اتجاه تقارب قوى العمل المعارض الإرتري يعترث احد الأسباب الرئيسية يف إطالة عمر النظام الدكتاتوري، وبالتا يلى إطالة أمد معاناة الشعب الإرتري، وب هذه المناسبة نعرب على عزم مظلة القوى السياسية الإرترية على مواصلة العمل الذي بدأته ح ت الآن مع رشكائنا من التنظيمات والمظلات الإرترية للتغلب على هذه المهمة العصية ال يت .تواجهنا لتحقيق الغاية النبيلة ال يت نسعى إليها جميع اً
وب هذا الصدد فقد أكدت قيادة القوة السياسية ومكاتبها المختلفة على أهمية دوراللجنة المكلفة بالحوار مع كافة التحالفات والمظلات السياسية )المجلس الوط يت للتغ ث الديمقرا يط( والمنظمات ودعم جهودها لتحقيق تلك الغاية بهدف الوصول ا يلى وحدة الصف. وثمن الإجتماع عمل كافة مكاتب التنفيذي وخصوصًا مكتب العلاقات الخارجية كما دعى لمضاعفة .الجهود للوصول ا يلى الغاية المشودة
كما اكد الاجتماع على المعاناة المريرة ال يت يعا ين منها شعبنا يف الداخل من الخوف على أبنائهم من حملات التجنيد الاجباري، والقلق الشديد الذي ينتابهم جراء آلة الحرب ال يت يقودها النظام بشكل مستمر مستخدما ابناء شعبنا وقودا لمغامراته الطائشة، وحوجتهم المستمرة للدعم والمساندة لمجابهة الوضع الذي يس ث من س ئت إلى أسوء. ليس هذا فحسب، بل ان نذر طبول الحرب ال يت تقرع يف الإقليم والعالم اجمع تذيد من وطأتها على شعبنا من كل صوب. ومن غ ث المرجح أن يلعب النظام الدكتاتوري الغارق يف هذه الفو ض، والذي يعترث احد المتسبب ي الرئيسي ي فيها دورًا تصالحيًا، بل سيعمل على تغذية الحروب المشتعلة يف المنطقة. من هنا نود كرث حجم المسؤولية التاريخية ال يت تقع على عاتق المعارضة الإرترية، وال يت تستد يعى منا جميعا بذل الجهود الحقيقية والانتقال لمستوى العمل الجاد والهادف لإنقاذ شعبنا والوطن من كل المخاطر المحدقة به. وسيبذل تجمع القوى السياسية قصار جهده للقيام بذلك، ونطلب من كافة من وسائل الإعلام
.الإري ثية أن تلعب دورًا إيجابيًا يف دعم حملتنا العامة يف هذا الاتجاه، كما نطلب من شعبنا الدعم والمساندة المادية لنعمل معا من أجل تحقيق وحدة شعبنا وحريت ه الهيئة التنفيذية للقوى السياسية الإرترية
2024-10-4
See also related
ምስዚ ዝተኣሳሰር ታሕቲ ተወከሱ:-
• ERIPM YouTube፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን መግለጽን ዋዕላ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ
• ERISAT YouTube፡ Eritrean Political Forces Conference in Frankfurt ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት
• ERIPM YouTube፡ ሓበራዊ ፈስቲቫል ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ
PART-1
• ERIPM YouTube፡ ሓበራዊ ፈስቲቫል ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ
PART-2
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።