Placeholder Picture
Placeholder Picture
ሕልምን ህርፋንን ኣፍደገ ባሕሪ

01/01/2025 18:04 PM

ሕልምን ህርፋንን ኣፍደገ ባሕሪ
መግለጺ

by ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ፈጻሚት ኣካል፡ 27 ታሕሳስ 2024።

ሕልምን ህርፋንን ኣፍደገ ባሕሪ - መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

ሕልምን ህርፋንን ኣፍደገ ባሕሪ

መግለጺ

ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን አብ መንጎ ኩሎም ጎረባብቲ አህዛብ ምፍጣር፣ ንናይ ሐባር ዕቤትን ልምዓትን ምርግጋእን፣ ቀንዲን መሰረታዊ ተደላይነትን ምዃኑ ዝእምን ህዝቢ ኢዩ። ነዚ ንምግባር ግን፣ ነብሲ ወከፍ ሃገር፣ ንልኡላዊ ክብርታትን፣ ግዝአተ መሬትን፣ ሐድነት መላእ ህዝቢ ናይቲ ካልእ ሸነኽ ብምኽባርን ብምቕባልን ጥራሕ ኢዩ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ማለት ዝኾነ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይሊ ብዋጋ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራን፣ ሐድነት መላእ ህዝቢ ኤርትራን ረብሓይ ከረጋገጽ ይከአል ኢየ ኢሉ ዝሐስብ ኣካል እንተሎ፣ ጸረ ሰላምን ምርግጋእን ኢዩ። ነዚ ቀይሕ መስመር ረጊጹ ንህዝቢ ኤርትራ ብምንሻው ሃገራዊ ህልውናኡ ብምጽራር፣ ስዉር ዕላማይ ከተግብር ይኽእል ኢየ ዝብል ኣካል እንተልዩ፣ ሐደገኛን ባርዕ ኲናት ዳግም ዝዕድም ምዃኑ ከነስምረሉ ንፈቱ።

ታሪኽ ንድሕሪት ተመሊስና አብ ቀርኒ አፍሪቃ ምስ እንምልከት ግን ዝተፈልየ ባህሪ ኢና እንዕዘብ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ንዕብየታን ዓብላልነታን አብ ልዕሊ ጎረባብታ ንዝርከቡ አህዛብ ንምርግጋጽ፣ ብሓይሊ ናይ ምጒባጥ ተጻብኦ እትኽተል ሃገር ምዃና፣ ታሪኽ መራሕታ ብጭቡጥ ዝምስክሮ ኢዩ። እዚ ደግሲ ሕማም'ዚ አብ ኩሎም መራሕቲ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ዘንጸባርቕ ሓደገኛ ባህሪ ኢዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ባይቶ (ፓርላማ)ደጋጊሙ ዝተዛረበሉ፡ ጉዳይ፣ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ኢዩ። ብንጹሩ’ውን ወደብ ዓሰብ ማለቱ ምዃኑ ኣብ ሕሉፍ ገለጻታቱ ኣነጺርዎ እዩ። ሓለፍቲ ብልጽግና’ውን ዓመታዊ በዓል “ኢርቻ” ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከነብዕሎ ኢና ክብሉ ኣይሓፈሩን። ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍደገ ባሕሪ ክብል እንከሎ ኣብዚ ክርድኣና ዘለዎ ዋልኳ ንይምሰል “ ኣፍደገ ባሕሪ ብሰላማዊ መንገዲ ይበል ድኣምበር፣ ቀጺሉ ኣብ ቅድሚ ረብሓና ንዝጸንሓና ኣይንምሕሮን ኢና” ክብል እንከሎ ብንጹር ንውግእ ዝዕድም ከምዘሎ ርዱእ ኢዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ’ውን ንጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ፣ ኣብ ህልውንኡ እንተዘይተረጋገጸ ደቅና ይቕጽልዎ ምባሉ፣ ንቐጻሊ ናይ ነዊሕ ንኲናት ዝዕድም መደብ ከምዘለዎም ዝሕብር ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ኢዩ።

● ኣብይ ኣሕመድ ሕሉፍ ሓሊፉ “ ንኤርትራ ጋዛ ክንገብራ ኢና” ክብል’ውን ኣይሓፈረን። ቀጺሉ’ውን፣ ሰብ- ዝሰርሖ ካናል (artificial canal) ብዓፋር ቆሪጽና ምስ ቀይሕ ባሕሪ ኣራኺብና ናይ ቀይሕ ባሕሪ ማይ ናባና ከምዝፈስስ ብምግባር ብናይ $3.6 ቢልየን ዶላር ወጻኢ ወደብ ክንሰርሕ ጀሚርና ኣሎና ይብል። ነዚ ንምግባር ድማ ማንም ክኽልክለና ዝኽእል ኣካል የለን ይብል። ቀጺሉ’ውን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ወደባት ድማ ክሞታ እየን ክብል ኣይሓፈረን።

● ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ናይ ቀ-ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ጸጥታ አማኻሪ ብወገኑ፣ “ ንኤርትራ ንምሓዝ ግዜኡ ሕጂ ኢዩ ካብ’ዚ ዝሓይሽ እዋን ኣይክንረክብን ኢና ክብል ገሊጹ።

● ናይ ወጻኢ ጉዳይ ወሃብ ቃል ብተወሳኺ ናይ ኤርትራ ምግንጻል ብፓርላም ኢዩ ክውሰን ዘለዎ ብምባል ፣ መለስ ዜናዊ ንስልጣኑ ብዘይ ኣገባብ ኢዩ ተጠቒሙሉ ክብልው’ውን ኣይሓፈረን። ኢትዮጵያውያን መራሕትን ኤሊትን፣ ከም ህዝብን ሃገርን ካብቲ ዝንቡዕ ታሪኽኩም ክትመሃሩ ምስ ዘይትኽእሉ፣ እቲ ዝመጽእ ጠንቃም ሐደጋታትን፣ ሳዕቤናትን ውግእ፣ ንኹሉ ዝለኻኽም እምበር፣ ንሐደን ሃሪሙ ንሐደን ዝምሕር ከምዘይኮነ ክትግንዘቡ ንሕብረኩም። ብወገና ከም ኤርትራውያን፣ እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ እቲ ናይ ሰላም ውዕል ኣብ ኣልጀርስ ዝተወሰነ ኣብ ባይታ ብተግባር ክፍጸም ይግባእ ንብል። ንናይ ጥፍእት ውግእ ኣብ ክንዲ ምዕዳም፣ እቲ ብመሪር መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ኤርትራ፣ መሬታን ባሕራን ሓድነት ህዝባን ግን ንድሕሪት ዘይመልስ ብቕልጽምና ዘረጋገጽናዮ ምዃኑ ከነብርሃልኩም ንፈቱ ። ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፣ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራውያን ከምዝፍታሕን ዘሎና ዓቕሚ ሓድነቱ ዘረጋገጸ ኤርትራዊ ቅልጽም ህዝብናን፣ ብፍላይ ድማ እቲ ተካኢ ወለዶ ኤርትራዊ መንእሰይ ምዃኑ ብመትከል ዝኣምንን ውድብ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ ንህዝቢ ኤርትራ ክንምሕጸኖ እንደሊ፣ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለናን፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንርከብን፣ ሓድነትና ሓሊና ሃገራዊ ክብርናን ልዑላዊ ህልውና ሃገርናን እንተ ዘይኣረጋጊጽና፣ ዘለዉን፣ ብሕጂ ዝመጽኡን መራሕቲ ኢትዮጵያ መርገጺኦም ኣብ ልዕሊ ኢርትራ ብዝኾነ መንገዲ ክፍለዩ ኣይኮኑን። መትከላዊ ጽንዓትና፣ ከምቲ ዝሓለፈ ዝተሓባበረ ሓድነቱ ዘረጋገጸ ኤርትራዊ ቅልጽም ስለዝኾነ፣ ምእንቲ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ብህግደፍ ዝተደፍረ ሰብኣዊ ክብርና ክንመልስን ክንዕቅብን፣ ኩሉና ብዘይ ኣፈላላይ ንላዘብ። ብሕድሕድ ኣላዝቦ ሕጂ’ውን እወ ጸገማትና ባዕልና ክንፈትሖ ንኽእል ኢና ኢልና ንወደብ ንጠርነፍ። ሐድነትና ከም ህዝብን ሃገርን፣ ንናይ ኩሎም ጸላእቲ ድሌትን ሃንቀውታን ቅድሚ ሕጂ ኣፍሺሉን አበርዒኑን ኢዩ። ሚስጢር ናይ ዓወትና ከአ ወትሩ ሐድነትና ኢዩ ኔሩ። ንውሽጣዊ ናይ ምልኪ ሐይሊ ንምምብርካኽ ይኹን፣ ንደጋዊ ተጻብኦታት እነምክነሉ እቲ ዝለዓለን ዝሐየለን ህዝባዊ መሳርያ ከአ ሓድነትና ጥራሕ ኢዩ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ !!!

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
ፈጻሚት ኣካል
27 ታሕሳስ 2024

ብ PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: