20/12/2024 23:50 PM
ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡
ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
8 ታሕሳስ 2024
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ by Democratic Front For Eritrean Unity.
ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መንግስታዊ ትካላት፣ ማሕበራት፣ ናይ ብሕቲ ትካላት ገምጋም ስራሕ ምግባር ብኣረኣእያ ቅቡል፡ ብተግባር ድማ ዝስረሓሉ ምሩጽ ሜላ’ዩ። ምኽንያቱ ሓያልን ድኹምን ጎኒኻ ዘርኢ፡ ዓቕሚ ሰብ ዘጎልብት፡ ባህሊ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘስርጽ፡ ሚዛን ሓድነትን ማዕርነት ዝሕሉ ደሞክራያዊ መድረኽ ብምዃኑ ኣድላይነቱ ዕዙዝ’ዩ። ኣብ ሓባራዊ ስራሓት ነጻን ደሞክራስያውን መድረኽ ከፊትካ፡ መበገሲኻን ሸቶኻን መሰረት ብምግባር፡ እንታይ ወጢንና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ እንታይ ዕንቅፋት ገጢሙና፡ ከመይ ከ ክንሰግሮ ወይ ክንፈትሖ ኣለና ኢልካ ምግምጋም ፍቱን ኣገባብ ንኣድማዒ ስራሕ እዩ። ከም ተመክሮ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራት፡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝርከቡ ኣባላት፡ ሰራሕተኛታት፡ ዘሳተፈ ነጻ ገምጋም ስራሕ ስለ ንገብር፡ ኣብ ስራሕና ምትእምማን፡ ግልጽነት፡ ተሓታትነት፡ ተወፋይነት ጠጢዑ፡ ስለዚ ከኣ ውጽኢታውያን ኮይና ኢሎም ክዛረቡ ይስምዑ።
ኣሳተፊ ግሉጽ ደሞክራስያዊ፡ ሓባራዊ ገምጋም ስራሕ ምክያድ፡ ኣገዳስነቱን ውጽኢቱን ብስነ-ፍልጠት ዝተደገፈ’ዩ። እሞ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ገምጋምን ኣድላይነቱን ዘለና ኣገንዝቦ ከመይ እዩ? ብደረጃ ተናጸል ውድባት ኮነ ሓባራዊ ግንባራት ነጻ፡ ግሉጽ፡ ደሞክራስያዊ መድረኽ ከፊትና፡ ብሓባር ከመይ ኣለና፣ ካብ መደባትና እንታይ ኣድሚዕና፡ እንታይ ከ ይጎድለና? ምኽንያት ናይ ድኽመትና እንታይ’ዩ ባዕላዊ ወይስ ወድዓዊ? ዓቕሚ ምንኣስ ወይስ ቅንዕና ዘይምህላው ናይ ምግምጋም ንቕሓትን ባህልን ኣለና’ዶ? መልሱ ገና ብዙሕ ዝተርፈናዩ’ዩ። ንዝኣተናዮ ቃል፡ ዘውጻእናዮ መደብ ብሓባራዊ ደሞክራስያዊ መድረኽ ምፍታሽ ምግምጋም ፖለቲካዊ ባህሊ ኣየማዕበልናን። ፖለቲካዊ ገምጋም ስራሕ ምግባር፡ ውሽጣዊ ሓድነት ዘትርር፣ ንድሑር ዝምባሌታት ዝገርሕ፣ ንናይ ጸላኢ ስልኳታት ብንቕሓት ተናቢቡ ዝከላኸል ድልዱል ዕርዲ ምዃኑ ዘለና ኣገንዝቦ ዘየተባብዕ ኣይኮነን።
ኣብ ውሑዳት ዘይኮኑ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ኣድላይነት ፖለቲካዊ ገምጋም ዘሎ ኣገንዝቦ ትሑት’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ ዝተዛበዐ እውን’ዩ። ባህሊ ፖለቲካዊ ገምጋም ንምትእትታው ወይ ንምስራጽ፡ ብንግበር ንግበር ብኣካል እኽብክብ ኢልካ ዝፍጸም ተራ ስራሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡-
ቀዳማይ፡ ምንጻርን ምውናን ህዝባዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣
ካልኣይ፡ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዝተገርሐ ቀላሲ ፖለቲካዊ መሪሕነት፣
ሳልሳይ፡ ሕጋዊ ተሓተትነት ዘለዎ ስጡም ውደባ፣
ራብዓይ፡ ካብ ኩሎም ድሑራት ኣረኣእያታት ሓራ ምዃን፣
ሓምሻይ፡ እቲ መድረኽ ናይ ሓባር ምዃኑ ኣብ ግምት ዘእተወ ሃናጺ ሓሳብ ናይ ምሃብን ምቕባል ስልጡን ኣተሓሳስባ ምውናን፣
ሻድሻይ፡ ስምዒትካ ምቁጽጻርን ትዕግስትን፣
ሻብዓይ፡ ሓሳብ ብሓሳብ ምስዓር ዘሕፍር ዘይኮነ፡ ስልጡን ኣፈታትሓ ንናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ምዃኑ ምርዳእን ምቕባልን ከምኡ’ውን ንነብስኻ ወትሩ ተመሃራይ ገይርካ ምስራዕን ይሓትት።
ኣብ ተመክሮ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ዘነይት ወተሃደራዊ ሓርበኝነት ‘ምበር፡ ንልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ልዕልና ሓይሊ ሓሳብ ቅድሚ 1991 ኣይነበረን። ሎሚ’ውን የለን። ብወሳኒ መልክዑ ንፍልልያት ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ፣ ብተራ ውልቃዊ ባእሲ፣ ብድሑር ስምዒታት ዝሰኸረ ዕሙት ስነ-መጎት ሓይሊ ስዒሩ ልዕልነቱ ከረጋግጽ ዝሕልን እንተዘይኮይኑ፡ ነዚ ስልጡን ፈታሒ ጸገም ዝኾነ ነጻን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣይንረአን። እዚ ካብ ዘለና ድኹም ፖለቲካዊ ርድኢት ዝነቅል’ዩ።
ብርግጽ ደሞክራስያዊ መድረኽ ከፊትና፡ ዝሓለፈን ህልውን ስራሕና ገምጊምና፡ መጻኢ መደባት ሰሪዕና ብዓወት ወጺእና ዝብል ዜናን መግለጽን ምስማዕ ሓድሽ ኣይኮነን። እንተኾነ ንሓጺር ግዜ ኣብ ማዕከናት ዜና ክመላለስ ቀኒዩ ዝበንን ‘ምበር ኣብ ተግባር ክትርጎም ኣይረአን። ስለምንታይ? እቲ ተገይሩ ዝበሃል ብንቕሓት ካብ ህዝባዊ ኣረኣእያን ሓባራዊ ኣሰራርሓን ስለዘይብገስ፡ ዕምቆትን ቀጻልነትን የብሉን። ንገበሮሞ ኣይነጸብቆ ዓይነት ላህመታዊ’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ንስለ ገበርና ዝግበር ገምጋም ከኣ ፍታሕ ዘምጽእ ዘይኮነስ መሊሱ ዘቋስል’ዩ። ብተግባር ዝኸውን ዘሎ ድማ ከምኡ እዩ።
ሓቀኛ ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ንጉጅላውነት፡ ናይ ውልቀ ሰባት ዘይምቅዳው፡ ምጥቕቓዕ ማእከሉ ኣይገብርን። መበገሲኡን ሸቶኡን መሰረታዊ ውድባዊ ወይ ግንባራዊ ድኽመታት ምፍታሽን ምእራምን እዩ። ካብ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ዝሕንጽጾ ስትራተጂን ስልትን፣ ዘውጸኦም መድረኻዊ ፖሊሲታትን ኣብ ተግባር ኣወዓዕላኦምን፣ ስነ-ሓሳብና ወይ ፖለቲካዊ ፕሮግራምና ኣብ’ቲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝቢ በጺሑ’ዶ ኣይበጽሐን? እንተበጺሑ ክንደይ ሓይሊ ሰብ ኣፍሪና? ኣብ ህዝቢ እንተዘይበጺሑን ሓይሊ ሰብ እንተዘይኣፍሪናን ስለምንታይን ኣበይ’ዩ እቲ ጸገምን? መን ከ ይሕተተሉ? ኣብ ልዕሊ ዘቤታዊ ጸላኢ ትርጉም ዘለዎ ተጽዕኖ ንፈጥር ኣለና’ዶ? ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምስ ዘለዋ ውድባት ናይ ቃልሲ ዝምድና ኣለና’ዶ? እንተልዩና ኣብ ምንታይ ዝተመስረተ እዩ? ተሓታትነት ዘለዎ ሕጋውን ኣባል ውድባትን ህዝብን ዝፈልጥዎ ወግዓዊ ዝምድና ድዩ? ጉባኤ ዝለዓለ ስልጣን ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ግንባር’ዩ። ጉባኤና ኣብ እዋኑ’ዶ ይካየድ ኣሎ። ብጉባኤ ዝተመርጹ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዘለዎም መሪሕነታዊ ኣካላትን ትካላትን፡ ሓላፍነቶም ብጽፈትን ብግዜን’ዶ ይፍጽሙ ኣለው? …ወዘተ ብዝብል ትካላውን መሰረታዊ ኣረኣእያን ብቀደም ሰዓብ ሰሪዑ እዩ ዘካየድ። ድሕሪ ትካላትን መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያ ተፍትሽን ብደረጃ ውልቀ ሰባት ወሪዱ ክግምግም ከኣ ኣብ ቦትኡ ይኸውን።
ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ፈጺምናን ተፈጺሙን ገይርናን ተገይሩን ዝበሃል ፖለቲካዊ ገምጋም ነዚ መሰረታዊ ረቛሒታት’ዚ ዝመለሰ ድዩ ኣይኮነን ነብስ ወከፍ ኣባል ውድብ ድዩ ሓባራዊ ግንባር፡ ነብሱ ውድቡን ግንባሩን ክሓትትን መልሲ ክረክብ ይግባእ። ብሓቂ ናይ ህዝቢ ሽግር ክፈትሕ ዝቃለስ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ቀጻልነት ብዘለዎ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ገምጋም የካይድ፡ ካብኡ ብዝረኽቦ ትምህርቲ ካብ ጉድለታቱ ይማሃርን ይእረምን‘ምበር፡ ገምጋም ኣይጸልእን። ኣብ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ገለ ፖለቲካዊ ውድባትን ንምስሊ ኤርትራዊ ብዙሕነት ንውክል ኢና ዝብሉ ግንባራትን ንዕዘቦ ከም ዘለና ግን፡ ካብ ነጻን ደሞክራስያውን መድረኽ ይሃድሙ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ተገልቢጦም ንኣድላይነቱ ዘመራስሑ’ዮም።
እዚ ኣረዳድኣ’ዚ ብመሰረቱ ግብራዊ ሓርበኝነት ዝንጸባረቐሉ‘ኳ እንተኾነ፡ ካብ ፖለቲካዊ ድኽነት ዝምንጩ፡ ኣብ ድሕረት ዝሕምብስ፡ ንኹሉ ነገር ብቕልጽሙ ክፈትሕ ዝደሊ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ኣረኣእያ’ዩ። ገሊኡ ብስመ ገምጋም ስራሕ፡ ኣዕናዊ ጉጅላዊ ሕልሙ ከተግብር ዝህቅን፡ ገሊኡ ሚዛን ሓይሊ ርእዩ ጸግዒ ዝሕዝ። ገሊኡ ከኣ ኣብ ጎኒ ሓለፍቲ ተሰሊፉ ድሌት ኣሕልቑ ደጊፉን ኣድኒቑን ዝወጽእ’ዩ። ህዝባዊ ውግንና ዘለዎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዘይወነነ፡ ግብራዊ ተወፋይነት ሓርበኝነት ውጽኢቱ እንታይ ከም ዝመስል ካብ ካልእ ዘይኮነ፡ ከም ህዝቢ ካብ ናይ ሎሚ ኣተሃላልዋና ክንመሃር ይግባእ።
ካብ ድሕረት፡ ነሓፍነት፡ በለጽ፡ ጉጅላውነት ዝረሓቐ ርሱን ደሞክራስያዊ ገምጋማት ምግባር፡ ብዘይ ጥርጥር እቲ ውድብ ፖለቲካዊ ውድብ፡ እቲ መሪሕነት ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ እቲ ኣባል’ውን ፖለቲካዊ ኣባል ምዃኑ የመልክት። ስለዚ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ኤርትራ፡ ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም ምዃኑ ብንቕሓት ክግንዘቡን ብተግባር ክጥቀምሉን ይግባእ።
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
8 ታሕሳስ 2024
See also more articles by Democratic Front For Eritrean Unity
ካልኦት ብ'ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።