06/08/2024 03:29 AM
ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ
ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡
ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት
ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ by Democratic Front For Eritrean Unity.
ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡
ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ወጽዓ ስለ ዘለና ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ሓሳብ ዝድገፍ ‘ምበር ዝኾነን የብሉን። እቲ ሓሳብ ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ’ዩ ዝብል ግን ክንጸር ይግባእ። ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጡ እንታ’ዩ ሓቚፉ ዘሎ። ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ድዩ? ብሓቂ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝኣምን ድዩ? ብሓቂ ግሉጽነት ዘለዎ ድዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክለዓሉን መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም። ተላፊንካ ንምስራሕ ህላወ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝጠልብ ኣየተሓትትን። ነዚ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኸውን ዝውስኖ ከኣ፡ ኣብ መንጎቶም ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂን ፖሊስን ፍልልያት ዘሎ ሕድሕድ ኣፍልጦ፡ ማዕርነታዊ ኣጠማምታን ከመይነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን እዩ።
ምስ ካልኦት ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት ተላፊኑ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክቃለስ ምሉእ ዕግበት ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ፡ መጀመርያ ነቲ ክላፈኖ ዝደሊ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ ሒዝዎ ንዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን መልክዕ ውደባን ኣፍልጦን ክብርን ክህብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ህላወን መንነትን ፖለቲካዊ ውድብ ብቐንዱ በቲ ቆይሙሉ ዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መትከላት እዩ ዝረጋገጽ። ነዚ መለለዪ ህላዌኡ ዝኾነ መሰረታዊ ዕላማታት ብሰንጠቕ እናተጻረርካን ብትሕቲ ሃገርነትን መሳርሒ ባዕድን እናጸለምካን፣ ብዝተሓተ ነጥብታት ተሰማሚዕና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ንቃለስ ማለት ክብጻሕ ዝተደልየ ሸቶ እንታይ ድዩ ብምባል ክትሓትት ዝድርኽ’ዩ፡፡ ኣብ ዝተሓተ ነጥብታት ተላፊና ንስራሕ፡ ግን ብዛዕባ’ቲ መግለጺ ፖለቲካዊ መንነትካን ህላዌኻን ዝኾነ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዕላማኻ፡ ንህዝቢ ከይትምህር፣ ክሳብ ውድቀት ዘቤታዊ ጸላኢ በዚ ሕጂ ንምስርቶ ዘለና ልፍንታዊ (ምሕዝነታዊ) መቖሚያታት ጥራሕ ትሰርሕ ማለት መሰል ምድፋእ እዩ።
ብሓቂ ምጥርናፍ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝደሊ፡ ብሕሰም ህዝብታት ኤርትራ ዝቑንዞ፡ ዘቤታዊ ጸላኢ ምስ ኩሉ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ትካላዊ መሓውሩ ክውገድ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን ፖለቲካዊ ውድብ፡ ክላፈኖ ንዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ብከፊል ዘይኮነ ንምሉእ ፖለቲካዊ መንነቱ’ዩ ኣፍልጦን ክብርን ክህብ ዘለዎ። ኣፍልጦን ክብርን ክህቦ ኣለዎ ማለት፡ ነቲ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ መርገጻት ኩሉ ክቕበል ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ዋላ ኣብ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡን መልክዕ ውዳቤኡን ፍልልይ ይሃልዎ፡ ብፋሽሽታዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ተገፊዑ፡ ንመሰሉ ዝቃለስ ዘሎ ውድብ ክሳብ ዝኾነ፡ ከም ውድብ ኣፍልጦ ክህቦ፡ ንእምነቱ ድማ ከኽብረሉ ይግባእ። ንመሰረታዊ እምነቱ ኣፍልጦኡን ክብሪ ከይተዋህቦ፡ ኩሉ ብምግዳፍ በዚ ዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት ብምቕያድ ትሰርሕ ዝብል ጎስጓስ ግን ኣይፋል ክበሃል ዘለዎ ግልቡጥ ስነ-መጎት እዩ።
ንጹር ኣረኣእያ ዘለዎ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ሸቶታት ከም ዘለዎ’ዩ ዝእመን። ስለ’ዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰላም ደሞክራሲ ማሕበራዊ ፍትሒ ከንግስዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ዕላማ ከይተሰከፈን ከይተሸማቐቐን ህዝቢ እናምሃረን እናወደበን ብዝተሓተ ነጥብታት ተላፊኑ ክሰርሕ፡ ክሰማምዕን ንዝተሰማማዓሉ ኣኽቢሩ ክኸይድን ይግባእ። በቲ ዝለዓለ (ርሑቕ ዝጠመተ ፕሮግራሙ) ተመሓዝዩ ክቃለስ፡ ክሳብ ሓድነት ክገብር’ውን ይኽእል’ዩ። እዚ ብዝኾነ ሓይሊ ክምንዛዕ ዘይብሉ መሰል’ዩ። ዘቤታዊ ጸላኢና ክሳብ ዝውገድ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መርገጽካ፡ ብዝተሓተ እምነትካ ይመራሕ ዝብል ፖለቲካ ግን ኮሓሎ መሲለን መንቆሮ ከም ዝበሃል፡ መንገዲ ዓወትን ለውጥን ዘይኮነስ፡ ካልእ ናይ ምፍልላይ ውጥን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ብሓሳብን ብተግባርን ክኸውን ዘለዎ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ገዛኢ ከም ህዝቢ ካብ ምህላው ናብ ዘይምህላው ነንቆልቁል ስለ ዘለና፡ ብሓባር ክስርሑና ኣብ ዝኽእሉ ንኡሳን መትከላት ተሰማሚዕና፡ ነብስናን ህዝብናን ነድሕን። ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ዘፍርስ ወፍሪ ኣይነካይድ። ምስ እከለ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ግንባር ስለምንታይ ሓደ ዘይትኾኑ ዝብል ካብ ህዝቢ ንዝቐርብ ሕቶ ኣብትን ኣብዝን ፍልልያት ስለ ዘለና ሓደ ክንከውን ኣይከኣልናን። ኣብዝ ኣብዝን ነጥብታት ስለ ዝተሰማማዕና ድማ ተመሓዚና ንቃለስ ኣለና። ኣብ ቀጻሊ ነቲ ዘየሰማምዓና ንምጽባብ ብምባል’ውን ኣብ ሓደ ንምምጻእ ብዝከኣለና ክንጽዕት ኢና ብዝብል ሓላፍነታዊ ኣገባብ ነረድእ ክበሃል እንከሎ’ዩ ንቡርን ብሱልን ኣካይዳ። ካብ’ዚ ወጻኢ፡ ዘቤታዊ ጸላኢ ክሳብ ዝውገድ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ራእይ፡ ፖሊሲታት ኣይዘረቡ ማለት እምነትኩም ደርቢኹም ምሳይ ተላፈኑ ዝብል እዩ፡ ቁም-ነገር ናይ’ቲ መልእኽቲ።
እዚ ኣገባብ’ዚ ንዝተበታተነ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ምቅርራብ ኣወንታዊ ተራ ኣይጻወትን። ኣብ ልዕሊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዘስምብር ፖለቲካውን ግብራውን ውቅዒት ከዕርፍ ኣይክእልን። ንህዝቢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ሰለሎ ኣይድሕንን። ዝተበታተነ ዓቕሚ ደምበ ተቓውሞ ተኣማሚኑ ክቀራረብ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዘይምሕር በትሪ ከዕርፍ፡ ህዝብና ካብ ዘለዎ ናይ ደልሃመት መነባብሮ ክድሕን እንተደኣ ኮይኑ፡ ተበዲለና ዝብሉ ወገናት ንዘልዕልዎ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ብግልጺ ኣፍልጦን ክብርን ምሃብ። ኣብ ሓድሕድ ዘለው ፍልልያት ንምጽባብን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ንምምሕዳርን ኣብ’ቲ ዝፈላሊ ነጥብታት መሰረት ዝገበረ ቀጻልነት ዘለዎ ህዝባዊ መድረኻት ከፊትካ ምዝታይ፡ ምምህሃር’ዩ ምትእምማን ዝፈጥር፡ ዘቀራርብን ስቓይ ዘሕጽርን።
ኣብ 40 -50 ዓመታት ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ከይገምገመ፡ ኣብ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ ግሉጽ መድረኻት ነጥቢ ብነጥቢ መን እንታይ ይብል ኣሎ ክፍለጥ’ሞ ህዝቢ ክነቅሕ ኣወንታዊ ተጽዕኖኡ ከዕርፍ ዘኽእል ባይታ ከይተፈጥረ፡ ኣቐዲሙ ብብዙሕ ድኻም ዝተመሰረተ ስልታዊ ግንባር ብምግዳፍ ካልእ ስልታዊ ግንባር ንመስርት ማለት ገዛእ ርእስኻ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ’ዩ። ብዘይምስካፍ ክሳብ ውድቀት ደመኛ ጸላኢ ብፍሉይ ፕሮግራም፡ ስነ-ሓሳብ ከይትዛረብ ዝብል እገዳ ክግበር ምፍታን ከኣ ካብ ተመክሮ ዘይምምሃር የመልክት። ብምንጽጻር እቲ ንደምበ ተቓውሞ ከይቀራረብ ዓጊቱ ዘሎ መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ሓሳብ ብሓሳብ ንምግራሕ ዝቐለለ ዕርዲ ከይተሰብረ፡ ምስ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝግበር ናይ ህይወት ዋጋ ዝሓተት ዝኸበደ ዕርዲ ሰቢረ ፖለቲካዊ ነጥበ መቐይሮ ከምጽእ’የ ማለት፡ ፖለቲካዊ ልቦና ዝጎደሎ እዩ።
ብመሰረቱ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣድማዒ ስራሕ ከይስራሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ፡ ብዝሒ ውድባትን ስነ-ሓሳባዊ ድልልያትን ዘይኮነ ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ክውለድ ዘይምኽኣሉ ዝፈጠሮ ሃጓፍ’ዩ። እዚ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ድኽነት ዝምጩ እዩ። ኣብ ክንዲ ብቐዳምነት ንባዕላዊ ፖለቲካዊ ድኽመትካ ምልላይ፡ ምእማንን ምእራምን፡ መታን ብሓባር ክንሰርሕ ብዛዕባ ውድባትና፡ ስነ-ሓሳብና ኣይንዛረብ ማለት፡
ቀዳማይ፡ ናትካ‘ምበር እቲ ካልእ እንታይ ይብል ኣሎ ክትቅበል ዘይምድላይ እዩ።
ካልኣይ፡ ባዕላዊ ፖለቲካ ውድቀት ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣፈታትሓኡን ብዕቱብ ከም ዘይተገምገመ የርኢ።
ሳልሳይ፡ እቲ ዝበሃል ዘሎ ምጥርናፍ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ይስረት ከም ዘየለ የመልክት።
ራብዓይ፡ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ንግበር ንግበር ምጥርናፍ ኣብ ተመክሮ ናይ ካልኦት ሃገራት ከይከድና፡ ካብ ውልደት ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ብብዙሓት ውድባት ተፈቲኑ፡ ኣብ ምቅላል ባዕላዊ ፖለቲካዊ ሽግራትና ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብር ኣይተራእየን።
ስለ’ዚ ነዚ ተደጋጊሙ ተፈቲኑ ዘይሰርሐ፡ ካብ መድረኽ መሪሕነታዊ ኣካላት ከይወረደ፡ ሓታትን ተሓታትን ዘይብሉ በኒኑ ብዝቕህም ኣካይዳ ዝደሓነ ስለ ዘየሎን።በቲ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ተፈቲኑ ውጽኢታዊ ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ፡ ፕሮግራም፡ ስነ-ሓሳብ መሰረት፡ ብምሉእ ነጻነት ኣብ ህዝቢ እናተሰርሐ፡ ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ብምጥርናፍ ኣንጻር ናይ ሓባር ዘቤታዊ ጸላኢ ምቅላስ፡ እንተ ዝኸውን ብርግጽ መስመዐን መድመዐን። ንፖለቲካዊ ፍልልያት ዝጻወር ዓቕምን ዓቕልን ከይተወነነ፡ ንፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ንብሄራውን ሃይማኖታውን መልክዕ ኣውዳድባ እናተጸየነ፡ ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ተገዝኡ ማለት ግን ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
25 ሓምለ 2024
See also more articles by Democratic Front For Eritrean Unity
ካልኦት ብ'ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።