International Womens day (March 8, 2021) Celebration by Eritreans

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

08/03/2021 00:15 AM

ኣበዓዕላ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ብኤርትራውያን።
መጋቢት 8, 2021

International Womens day (March 8, 2021) Celebration by Eritreans.

International Womens day (March 8, 2021) Celebration by Eritreans.


ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ንዘልኣለም ተኸቢራን ደሚቓን ትንበር!

እወ፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ንመላእ ደቀንስትዮ ዓለም፡ ዝጸንሐንን ዘለወንን ማሕበራዊን ጾታዊን ጭቆና፡ እናዘከርና እነስተንትነላን መዓልቲ፡ ከምኡ`ውን እቲ ካብዚ ድርብ ወጽዓ`ዚ ሓራ ንምዃን ዘካየድኦ ቃልሲ፡ ኣልዒልና እነስተንትነሉን ክቡር ዕለት ኢዩ።

ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓደ ኣካል ህዝቢ ዓለምና ምዃነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመላእ ዓለም ብፍሉይ መስተንክራዊ ኣበርክቶአንን ጅግንነታዊ መስዋእተን ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምኡ`ውን ንማዕርነተን ዘካየድኦን ቃልሲን ኢና ንዝክር። ልዕሊ ሓደ-ሲሶ ናይቲ ብረት ዓጢቑ ኣንጻር መግዛእቲ ተጣማጢሙ ናጽነቱ ዘውሓሰ ተጋዳላይ፡ ከምኡ`ውን ቅናተን ሸጥ ኣቢለን ንተጋደልቲ ደቀን ዝደገፋን ዓጽመ-ርሃጸን ዘንጠብጠባን ምዃነን፡ ንነብሰን ተሓቢነን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘሓበና እንኾርዓለን ኣዴታትና፡ ኣሓትናን ደቅናን ኢየን።

እወ፡ ደቀንስትዮና፡ ደመን ከፊለን፡ ሰውራአን ሓብሒበን፡ ኣዐዊተን። ካብ ፍንጫሕ ማህጸነን ዝወጹ ውላደን፡ መሪቐን፡ ሞራል ኣስኒቐን ንገድሊ ኣፋንየን። ደቀንስትዮና፡ ዕድመ ንእስነተን፡ ኣብ ገድሊ ኣብልየን፡ ስለ ህዝቢ ኤርትራ። ኣዝየን ብዙሓት ካብአን፡ ደቀን ንሰውራ ወፍየን፡ ወላድ መኻን ኮይነን ተሪፈን፡ ኣብ ጎነን ኮይኑ ዘዕልለንን ዝዕንግለንን ዘይብለን ተሪፈን።

እዚ ኩሉ መስዋእቲ! ጽቡቕ ንምምጻእ፡ ራህዋ ንምምጻእ ኢዩ። እቲ ንዘመናት ኣብ ኣርዑት ዝቖረነን ድርብ ጭቆና፡ ካብ መሰረቱ ንምብርቋቑ ኢዩ፡ እቲ ዝነበረ ዕላማ መስዋእቲ።

ሕጂ ደቀንስትዮና ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከባ ኣለዋ?

ኣብ ዝኾነ ኲናትን ውግእን፡ ጓል-ኣንስተይቲን ቆልዑን፡ ቀዳሞት ግዳያት ኢዮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ`ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን`ምበር፡ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ኸኣ፡ እተን ኣዝየን በዚ ሳዕቤን`ዚ ዝተተንከፋን ተሰከምቲ ናይዚ ከቢድ ወጽዓን ኢየን። ናይዚ ኹሉ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕሪን ዝሃልቕ ዘሎ ውላደን፡ ኣብ ኲናት ዝተሰውኡ ሰብኡተንን ደቀንን፡ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ንብዓኣትን ዝነብራ ዘለዋ ንሳተን ኢየን። ውሉዳተን ካብ ኢደን ተመንጢሎምን ተመንጢለንን፡ ናብ ሳዋ ብንኡሳቶም ይውሰዱ። ብዙሓት ደቀንስትዮና፡ እቲ ደረት-ኣልቦ ጊልያነት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይኣኽለን፡ ኣብቲ ዝተመደባሉ ይኹን ካብ ሳዋ ጀሚረን፡ ዓመጻት የጋጥመን። ካብዚ ንምድሓንን ንምግልጋልን ብዙሓት መንእሰያት ደቀንስትዮ፡ ትምህርተን ኣቋሪጸን ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመአን፡ ኣብ ሓዳር ክቑረና ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ብግዲኡ፡ ንደቀንስትዮና፡ ብትምህርቲ ንከይስልጥና፡ ንመሰለንን ህይወተንን ብንቕሓት ንኸይቃለሳ ዝዕንቅፍ፡ ዓቢ ሕብረተ-ሰባዊ ኣደራዕ ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ ነቲ ቤርትራዊያን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ሰውራና ዝኸፈልኦ መስዋእቲ፡ ንዕላምኡ ዝጻረርን፡ ክሕደትን ኢዩ።

ጓል ኣንስተይቲ ምላእ-ብምላእ ዘይትሳተፈሉ ሕብረተሰብ፡ ዝተማልአ ምዕባለ ሕብረተሰብ ኣሎ ኢልካ ክሕሰብ ዘይከኣል ኢዩ። ምዕብልቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዓንዲ ማእከል ስልጥንቲ ስድራቤት ኢያ። ዝሰልጠነት ስድራቤ ከኣ፡ መሰረት ስልጡን ሕብረተ-ሰብ ኢያ። ስለዝኾነ፡ ንምዕባለ ጓል ኣንስተይቲ ዝጻባእ ፖሊሲ፡ ኩልና ክንኩንኖ ይግባእ። ነቲ ንምዕባለ ደቀንስትዮና ዝሕግዝ ስጉምትታት ከኣ፡ ክንጣበቐሉን ክንድግፎን ይግባእ።

ጓል ኣንስተይቲ ዓለም፡ ንመሰላ፡ ባዕላ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ደው እንተዘይ ኢላ፡ ብምጽወታ ካልኦት መሰላ ክረጋገጸላ ኣይከኣልን ኢዩ። ዝነቕሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ዋሕስ ናይ ምርግጋጽ መሰል ደቀንስትዮ ስለእትኸውን፡ ደቀንስትዮ፡ ንቕሓት ኣብ ምብራኽ፡ ዘይተሓለለ ቃልሲን ተሳትፎን ከርእያ ግድን ኣድላዪ ይኸውን። እዚ ክረጋገጽ ዝከኣል ከኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ፡ ነዚ ንምዕዋት ዘኽእል ሓያል ውዳበ ደቀንስትዮ ክህሉ ከሎ ኢዩ።

ብሰንኪ ጨካን ህግደፋዊ ምልካዊ ስርዓት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራዊ ኣብ ስደት ክሰፍር ተገዲዱ ኣሎ። ካብተን ዕድል ረኺበን ኣብ ስደት ዝርከባ ደቀንስትዮና፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመታት፡ ብዙሓት ምሁራትን ምኩራትን ኣጥሪና ምህላውና፡ ነዚ ኣቐዲሙ ክግለጽ ዝጸንሐ ዕማም ኣብ ምስልሳል፡ ኣገዳሲ እጃም ክህልወን ይግባእ። በቲ ዝፍተን ዘሎ ስጉምትታት ከኣ፡ ክብርን ሞጎስን ይብጻሓየን።

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንመዓልቲ ደቀንስትዮ ዓለም!
ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኣኺ ተሓቢንና፡
ብዝወርደኪ ዘሎ ወጽዓ ኸኣ፡ ኣዚና ሓዚንና!

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና
07 መጋቢት 2021

ካብዚ ቀጺልና እምበኣር፡ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ዘንጸባርቑ፡ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝተኻየዱ መደባት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝኣከብናዮ መላግቦታት (ሊንክ)፡ ኣብ ታሕቲ ነስዕበልኩም። በብግዚኡ እዚ እናመላእናሉ ስለእንኸይድ፡ ተማላሊስኩም ነዚ ገጽ`ዚ ክትበጽሑዎ ንላቦ።



ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ) Voice of Eritrea (by Naz Yemane)
ናይ ሰንበት Sunday 2021-03-14 Show መደብ

ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ሕሉፍን ህሉውን ቃልሲ ኤርትርዊያን ደቀንስትዮ፡ ዝድህስስ ክፉት ዕላል (Open MiC)
On International Women's Day, Past and Current struggle of Eritrean Women.
Open MiC

Monday, 08 March 2021 Show.


"ፍሉይ መደብ ብኣጋጣሚ፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ ዓለም 2021፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳሊት፡ ኢለን ዓንደማሪያም ሃይለ።
Special program, on the occasion of International Women's day, discussion with veteran Ellen Andemariam Haile.
(Ngabae Broadcasting: 08 March 2021)

Monday, 08 March 2021 Show.


ሕሉፍ ጉዕዞ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ብምኽንያት 8 መጋቢት።
ፍሉይ መደብ ብምኽንያት #8_መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ግደን ተራን ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ዝገልጽ!
ESMNS: 09 March 2021)

ፍሉይ መደብ ብኣጋጣሚ፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ ዓለም 2021፡ ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳሊት፡ ገነት ኣብራሃ ከፈይ።
Special program, on the occasion of International Women's day, discussion with veteran Ghenet Abraha Kefey.
(Ngabae Broadcasting: 06 March 2021)


International women´s Day International Women`s Day
AAN Media Network (07 March 2021)


ERi-TV (08 March 2021): ወግዕዊ ጽምብል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2021 - Celebration of International Women's Day - P1

ERi-TV (08 March 2021): ወግዕዊ ጽምብል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2021 - Celebration of International Women's Day - P2

ERi-TV (08 March 2021): ቃል ማሕበር ሃማደኤ ብ ወ/ሮ ኣለም በላይ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ማእከል | NUEW statement on International Women’s Day


ዕላል ምስ ቀዳመይቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ደራሲት ው/ሮ ኣበባ በዓታይ
Conversations: W/ro Abeba Batay, the first Eritrean woman novelist
Global Yiakl (07 March 2021)


ጽምብል መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ለንደን
Global Yiakl (07 March 2021)


Panel discussion on March 8 World Wide Women's day by Eritreans
Bayto Yiakl USA (07 March 2021)

Panel discussion on March 8 World Wide Women's day by Eritreans, Bayto Yiakl USA


Erican Yiakl ኢሪ -ካን ይኣክል (07 March 2021)
ተራ ደቅ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ፡ ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ'ያ።
ኣብ ገዛ ብርሃን፡ ኣብ ገዛ ዓንዲ ማእከል፡ ኣብ ገዛ ማእገር፡
ኮታ ኩሉ'ያ። ንፍዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ንፉዕ ስድራቤት፡ ንፉዕ ሕብረተ ሰብ ተፍርን ትሃንጽን።
ተሳትፎ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳይ፡ ንኩሉ ክውን ይገብሮ።
ካብዚ ሓቂ'ዚ ብምብጋስ ምንቅስቓስ ይኣክል ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ የተባብዕን ባብ የርሑን።
ኤሪ-ካን ይኣክል ሜድያ ብምኽንያት እዚ መዓልቲ እዚ ፡ መጋቢት 8 ተራ ደቅ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ዝብል መደብ ኣድልዩ ይዕድም።
ኣብ'ዚ ክቡር ዕለት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኩለን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ግቡኤን ክገብራ 'ናዘኻኸረ፡ ምሳና ሓቢርክን/ሓቢርኩም ክትዉዕላ/ሉ ንዕድም። ዕዱማትና፡ መድሕን ተኼኤ


ተራ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ፍትሒ - ነብያት ክፍለማርያም ከምኡ'ውን ኤልሳ ኣማረ ገብረሂወትን (ATV: 07 March 2021)


ፍሉይ መደብ፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ደቀንስትዮ ዓለም።
Special programme, on Women's day. (Sinit: 06 March 2021)
Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room
ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና


Gender Equality - ጾታዊ ማዕርነት (Sinit: 06 March 2021)


ጕዕዞ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ (Eri-Platform: 03 March 2021)
“ሓያለ ደቀንስትዮ ሽግራት ኣለወን። ኣብ ናይ ዕዳ ምኽፋል ጭንቂ ኢየን ዚነብራ።” - ለምለም ጸሃየ
“እቶም ንሳዋ ዝኸዱ ኣብቲ ኣዝዩ ተነቃፊ ዕድመ ናይ 16-20 ዓመቶም ብምዃኑ ጉድኣቱ ይበዝሕ።” - ገነት ነጋሽ
“ከም ቀዳሞት ወለዶ ኣብ ዳያስፖራ መጠን ናትና ብድሆታት ኣለና።” - ፍናን ተስፋማርያም
Part-1/2

ጕዕዞ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ (Eri-Platform: 03 March 2021)
“ሓያለ ደቀንስትዮ ሽግራት ኣለወን። ኣብ ናይ ዕዳ ምኽፋል ጭንቂ ኢየን ዚነብራ።” - ለምለም ጸሃየ
“እቶም ንሳዋ ዝኸዱ ኣብቲ ኣዝዩ ተነቃፊ ዕድመ ናይ 16-20 ዓመቶም ብምዃኑ ጉድኣቱ ይበዝሕ።” - ገነት ነጋሽ
“ከም ቀዳሞት ወለዶ ኣብ ዳያስፖራ መጠን ናትና ብድሆታት ኣለና።” - ፍናን ተስፋማርያም
Part-2/2


መደብ ራድዮ ኣሰርና (12 March 2016)
ብ'ይትባረክ ገብረትንሳኤ፡
Radio Aserna program 20160312 - Teberih Tesfahuney
እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ መደብ፡ ንክብሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ብሓፈሻ፡ ንህብብቲ ኣደ-ዜማ ዝኾነት ናይ 1960ታት ፍቱውቲ ድምጻዊት፡ ነፍስሔር ትበርህ ተስፍሁነይ ድማ ብፍላይ፡ ዝተወፈየ መደብ ኢዩ።



Share with friends: