This free script provided by
JavaScript Kit
08/03/2021 00:15 AM
ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ንዘልኣለም ተኸቢራን ደሚቓን ትንበር!
እወ፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ንመላእ ደቀንስትዮ ዓለም፡ ዝጸንሐንን ዘለወንን ማሕበራዊን ጾታዊን ጭቆና፡ እናዘከርና እነስተንትነላን መዓልቲ፡ ከምኡ`ውን እቲ ካብዚ ድርብ ወጽዓ`ዚ ሓራ ንምዃን ዘካየድኦ ቃልሲ፡ ኣልዒልና እነስተንትነሉን ክቡር ዕለት ኢዩ።
ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓደ ኣካል ህዝቢ ዓለምና ምዃነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመላእ ዓለም ብፍሉይ መስተንክራዊ ኣበርክቶአንን ጅግንነታዊ መስዋእተን ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምኡ`ውን ንማዕርነተን ዘካየድኦን ቃልሲን ኢና ንዝክር። ልዕሊ ሓደ-ሲሶ ናይቲ ብረት ዓጢቑ ኣንጻር መግዛእቲ ተጣማጢሙ ናጽነቱ ዘውሓሰ ተጋዳላይ፡ ከምኡ`ውን ቅናተን ሸጥ ኣቢለን ንተጋደልቲ ደቀን ዝደገፋን ዓጽመ-ርሃጸን ዘንጠብጠባን ምዃነን፡ ንነብሰን ተሓቢነን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘሓበና እንኾርዓለን ኣዴታትና፡ ኣሓትናን ደቅናን ኢየን።
እወ፡ ደቀንስትዮና፡ ደመን ከፊለን፡ ሰውራአን ሓብሒበን፡ ኣዐዊተን። ካብ ፍንጫሕ ማህጸነን ዝወጹ ውላደን፡ መሪቐን፡ ሞራል ኣስኒቐን ንገድሊ ኣፋንየን። ደቀንስትዮና፡ ዕድመ ንእስነተን፡ ኣብ ገድሊ ኣብልየን፡ ስለ ህዝቢ ኤርትራ። ኣዝየን ብዙሓት ካብአን፡ ደቀን ንሰውራ ወፍየን፡ ወላድ መኻን ኮይነን ተሪፈን፡ ኣብ ጎነን ኮይኑ ዘዕልለንን ዝዕንግለንን ዘይብለን ተሪፈን።
እዚ ኩሉ መስዋእቲ! ጽቡቕ ንምምጻእ፡ ራህዋ ንምምጻእ ኢዩ። እቲ ንዘመናት ኣብ ኣርዑት ዝቖረነን ድርብ ጭቆና፡ ካብ መሰረቱ ንምብርቋቑ ኢዩ፡ እቲ ዝነበረ ዕላማ መስዋእቲ።
ሕጂ ደቀንስትዮና ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከባ ኣለዋ?
ኣብ ዝኾነ ኲናትን ውግእን፡ ጓል-ኣንስተይቲን ቆልዑን፡ ቀዳሞት ግዳያት ኢዮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ`ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን`ምበር፡ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ኸኣ፡ እተን ኣዝየን በዚ ሳዕቤን`ዚ ዝተተንከፋን ተሰከምቲ ናይዚ ከቢድ ወጽዓን ኢየን። ናይዚ ኹሉ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕሪን ዝሃልቕ ዘሎ ውላደን፡ ኣብ ኲናት ዝተሰውኡ ሰብኡተንን ደቀንን፡ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ንብዓኣትን ዝነብራ ዘለዋ ንሳተን ኢየን። ውሉዳተን ካብ ኢደን ተመንጢሎምን ተመንጢለንን፡ ናብ ሳዋ ብንኡሳቶም ይውሰዱ። ብዙሓት ደቀንስትዮና፡ እቲ ደረት-ኣልቦ ጊልያነት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይኣኽለን፡ ኣብቲ ዝተመደባሉ ይኹን ካብ ሳዋ ጀሚረን፡ ዓመጻት የጋጥመን። ካብዚ ንምድሓንን ንምግልጋልን ብዙሓት መንእሰያት ደቀንስትዮ፡ ትምህርተን ኣቋሪጸን ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመአን፡ ኣብ ሓዳር ክቑረና ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ብግዲኡ፡ ንደቀንስትዮና፡ ብትምህርቲ ንከይስልጥና፡ ንመሰለንን ህይወተንን ብንቕሓት ንኸይቃለሳ ዝዕንቅፍ፡ ዓቢ ሕብረተ-ሰባዊ ኣደራዕ ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ ነቲ ቤርትራዊያን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ሰውራና ዝኸፈልኦ መስዋእቲ፡ ንዕላምኡ ዝጻረርን፡ ክሕደትን ኢዩ።
ጓል ኣንስተይቲ ምላእ-ብምላእ ዘይትሳተፈሉ ሕብረተሰብ፡ ዝተማልአ ምዕባለ ሕብረተሰብ ኣሎ ኢልካ ክሕሰብ ዘይከኣል ኢዩ። ምዕብልቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዓንዲ ማእከል ስልጥንቲ ስድራቤት ኢያ። ዝሰልጠነት ስድራቤ ከኣ፡ መሰረት ስልጡን ሕብረተ-ሰብ ኢያ። ስለዝኾነ፡ ንምዕባለ ጓል ኣንስተይቲ ዝጻባእ ፖሊሲ፡ ኩልና ክንኩንኖ ይግባእ። ነቲ ንምዕባለ ደቀንስትዮና ዝሕግዝ ስጉምትታት ከኣ፡ ክንጣበቐሉን ክንድግፎን ይግባእ።
ጓል ኣንስተይቲ ዓለም፡ ንመሰላ፡ ባዕላ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ደው እንተዘይ ኢላ፡ ብምጽወታ ካልኦት መሰላ ክረጋገጸላ ኣይከኣልን ኢዩ። ዝነቕሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ዋሕስ ናይ ምርግጋጽ መሰል ደቀንስትዮ ስለእትኸውን፡ ደቀንስትዮ፡ ንቕሓት ኣብ ምብራኽ፡ ዘይተሓለለ ቃልሲን ተሳትፎን ከርእያ ግድን ኣድላዪ ይኸውን። እዚ ክረጋገጽ ዝከኣል ከኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ፡ ነዚ ንምዕዋት ዘኽእል ሓያል ውዳበ ደቀንስትዮ ክህሉ ከሎ ኢዩ።
ብሰንኪ ጨካን ህግደፋዊ ምልካዊ ስርዓት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራዊ ኣብ ስደት ክሰፍር ተገዲዱ ኣሎ። ካብተን ዕድል ረኺበን ኣብ ስደት ዝርከባ ደቀንስትዮና፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመታት፡ ብዙሓት ምሁራትን ምኩራትን ኣጥሪና ምህላውና፡ ነዚ ኣቐዲሙ ክግለጽ ዝጸንሐ ዕማም ኣብ ምስልሳል፡ ኣገዳሲ እጃም ክህልወን ይግባእ። በቲ ዝፍተን ዘሎ ስጉምትታት ከኣ፡ ክብርን ሞጎስን ይብጻሓየን።
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንመዓልቲ ደቀንስትዮ ዓለም!
ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኣኺ ተሓቢንና፡
ብዝወርደኪ ዘሎ ወጽዓ ኸኣ፡ ኣዚና ሓዚንና!
መርበብ ሓበሬታ ስኒትና
07 መጋቢት 2021
ካብዚ ቀጺልና እምበኣር፡ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ዘንጸባርቑ፡ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝተኻየዱ መደባት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝኣከብናዮ መላግቦታት (ሊንክ)፡ ኣብ ታሕቲ ነስዕበልኩም። በብግዚኡ እዚ እናመላእናሉ ስለእንኸይድ፡ ተማላሊስኩም ነዚ ገጽ`ዚ ክትበጽሑዎ ንላቦ።
ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ) Voice of Eritrea (by Naz Yemane)
ናይ ሰንበት Sunday 2021-03-14 Show መደብ
ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ሕሉፍን ህሉውን ቃልሲ ኤርትርዊያን ደቀንስትዮ፡ ዝድህስስ ክፉት ዕላል (Open MiC)
On International Women's Day, Past and Current struggle of Eritrean Women.
Open MiC
Monday, 08 March 2021 Show.
"ፍሉይ መደብ ብኣጋጣሚ፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ ዓለም 2021፡
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳሊት፡ ኢለን ዓንደማሪያም ሃይለ።
Special program, on the occasion of International Women's day, discussion with veteran Ellen Andemariam Haile.
(Ngabae Broadcasting: 08 March 2021)
Monday, 08 March 2021 Show.
International women´s Day
International Women`s Day
AAN Media Network (07 March 2021)
ጽምብል መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ለንደን
Global Yiakl (07 March 2021)
Panel discussion on March 8 World Wide Women's day by Eritreans
Bayto Yiakl USA (07 March 2021)
ተራ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ፍትሒ - ነብያት ክፍለማርያም ከምኡ'ውን ኤልሳ ኣማረ ገብረሂወትን (ATV: 07 March 2021)
Gender Equality - ጾታዊ ማዕርነት (Sinit: 06 March 2021)