02/04/2025 12:24 PM
ከበሮ ውግእ ይድሰቕ ኣሎ
ኤርትራዊ ዜጋ ኣይትዘንጋዕ ኣይትተሃመል
ጽሑፍ ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)
ከበሮ ውግእ ይድሰቕ ኣሎ
ኤርትራዊ ዜጋ ኣይትዘንጋዕ ኣይትተሃመል
መስፋፋሕቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርና ዝተኣሳሰረ ናይ ኲናት ነጋሪት ክነፍሑ፡ ሓዲሽ ኣይኮነን ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ ኣይስኣንን እዩ። ኮይኑ ግን፡ ብግብሪ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ንምምንዛዕ፥
1) ስርዓት ሃይለስላሰ፡ "መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ዝብል መሪሕ ጨርሖ ኣልዒሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ኣዊጁ። ካብ መፋርቕ 40ታት ዝጀመረ ዝተወደነ መጥቃዕቲ ሃይለስላሰ ብመንገዲ ዕሱባት ሸፋቱ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ዝበሉ ዜጋታት ክሃድኑን ክቕንጽሉን ጀሚሮም። ብሓገዝ ኦርቶዶክስያዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ማእከል ዓዶም ተወጊዞም፡ ካብ ሕብረተ-ሰብ ተንጺሎም፡ ኣብ ግዜ መርዓን ሓዘንን ከም ዝፍንፈኑ ተገይሮም ኣብ ልዕሊኦም ማሕበራዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። መሬታ እምበር ህዝባ ኣይድልየናን!
2) ስርዓት ደርግ “ኣምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው”፡ እምቢ መሬየተይ ኣይህብን ዝበለ ጥይት ኣኾልሶ፡ ዝብል ጨርሖ ኣበጊሱ፡ ኤርትራዊ መንእሰያት ኣብ ገዝእ መሬቶም ብስልኪ ተሓኒቖም። ኣብ መታሕት ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ጭካኔ ተፈጺሙ። ህዝቢ ኣኪቦም ብታንክታት ሓምቲሎሞ። ብደብዳብ ነፈርቲ ህዝብን ንብረትን ዓድታት ተቓጺሉ። ክሳዕ ተሳዒሮም ካብ ሃገርና ዝወጹ ብተደጋጋሚ ብዙሕ ወራራት ፈጺሞም። መሬታ እምበር...........!
3) ስርዓት ኢሃደግ፡ "ተወሳኺ 24 ስዓታት ዕድል ሃቡና"፡ ምስ ናይ ዶብ ኩናት ተዘሚዱ፡ ዓሰብ ንምሓዝ፡ ንጉጅለ ሸምገልቲ፡ 24 ስዓታት ዕድል ሃቡና፡ ዝብል መልእኽቲ ምላሽ ከም ዝሃቡ ይዝከር።፡ ተደጋጋሚ ፈተነታት ተኻይዱ፡ ኣብ ግንባር ዓሰብ ከም ዝፈሸሉ ሓቂ ታሪኽ እዩ። ሽዑ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ዝነበሩ ትግራዎት፡ ድሒሩ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ-መሕታት፡ ዝተጋህደ ምስጢር፡ ነፍሰ-ሄር መለስ ዜናዊ እንተዘይዕንቅፈና ዓሰብን እስመራን ክንኣቱ እዩ ነይሩ መደብና።
እዚ ኩሉ ደብዳባትን፡ ባርዕን፡ ጨካን መቕዘፍቲ ሰላማዊ ህዝብን፡ ዘስተውዓለ ኤርትራዊ ኢዱን እግሩን ዓጺፉ ክዛነ፡ ኣፉ ተለጒሙ ተዓዛቢ ክኸውን ሃየንታ ኣለዎ። ኣብ ልዕላውነት ሃገር፡ ደጋፊ ስርዓት፡ ተቓዋሚ ስርዓት፡ ኣብ ፖለቲካ የለኹን፡ ባዕሎም ዘምጽእዎ ሽግር፡ ባዕሎም ዝኸፈትዎ መስኮት፡ ባዕሎም ይፍትሕዎ ወይ ይዕጸውዎ ብምባል ንስርዓት ህግደፍ ጸሊእካ፡ ክሕደት ህገር ምፍጻም ካብ ታሪኻዊ ገበን ተሓታትነት ናጻ ኣይገብርን እዩ።
ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ብዙሓት ክልላት እታ ሃገር ዝተኸስተ፡ ቅልጡፍን ተቐያያሪን ተኣፋፊን ለውጥታት ይርአ ኣሎ። እቲ ኣብ 'ኣራት ኪሎ' ኮርሻ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ ፈኸም እንደበለ ክጉህር ዝጸንሐን ዘሎን ቅልውላው ህዝባዊ ናዕብታት፡ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ምድላይ፡ ነዳዲ ክውስኸሉ ይርአ'ሎ። ከም ንዝክሮ፡ ናይ ክልል ትግራይ ኣይንጽዓደን፡ ኣይንብርከኽን፡ ዝብል ተሪር ተቓውሞ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ክሊ ጠርቤዛ ምፍታሕ፡ ስርዓር ህግደፍን፡ ፍሉይ ሓይሊን፡ ምልሻ ክልል ኣምሓርን ዓዲሙን ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉን፡ ብጎንጺ ብረት ክፈትሖ መሪጹ። ውጽኢትን ሳዕቤንን ናዚ ኲናት'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ዝባን ምስኪን ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ህልቂት ሂወትን፡ ዕንወት ንብረትን ኣኸቲሉ። እቲ ዝገደደ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዞሎ ናይ ስልጣን ውድድርን ህልኽን፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው ልሂቃን ትግራይ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ንዕዘብ ኣለና። ዶክ ኣቢይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንክልል ትግራይ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ሸሚሙዋ ኣሎ።
ነዚ ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞ ባርዕ ገና ከየጥፈአ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ብስም ፋኖ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ብረታዊ ዕጥቂ፡ ምስ ፈደራልዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ቅሉዕ ቅዲ ኲናት ከካይድ ይርከብ። እዚ ንኢትዮጵያ ብዙሕ ሰባኣዊን ንዋታውን ቁጠባውን ጸጥታውን ሽግራት የስዕበላ ኣሎ።
እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኦርሞ ዝንቀሳቕስ ዘሎ ብግንባር ኦነግ ዝፍለጥ ብረት ዝዓጠቐ ሰራዊት፡ ኣቢይ ኣብ ክሊ ጠረቤዛ ክፈትሖ ብዘይምኽኣሉ ንስርዓት ብልጽግና ሓበላ-ዓይኒ ኮይንዎ ጥራሕ ዘኮነስ፡ ንኢትዮጵያ ብዙሕ ሰብኣዊን ንዋታውን ክስራ ኣውሪዱላ ኣሎ።
ካብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ ቅሩብ ወጺአ፡ ሕማቕ ባህሪያት ዶክ ኣቢይ፡ ብተምሳል ክገልጽ። ዶክ ኣቢይ፡ ንሮማዊ ንጉስ ሃጸይ ኔሮ(Roman Emperor Nero) ብብዙሕ ነገራት የዘኻኽረኒ። ክፉእ ንጉስ(ሃጸይ) ምባሩ ዝኽሰስ ንጉስ ኔሮ፡ ሓሻሺ ገንዘብ፡ ጨካን፡ ናይ ህዝቡ ድልየት ወይ ሽግር ሸለል ኢሉ፡ ኣብ ብልልጭ ነገራት ብኸንቱ ገንዘብ ዘባኽን፡ ንሃገሩ ኣብ ፊናስያዊ ዕንወት ዝመርሐ ምንባሩ እዩ። ብተወሳኺ ብግዕዙይ ምሕደራን ብተቐያያሪ ብህርያቱን ይልለ (His erratic behavior and inability to govern effectively)። ንጉስ ኔሮ ባዕሉ ብፍላጥ ብዝኾልዖ ባርዕ፡ ሮማ ኣብ 64 ዓ ም ሰለስተ-ርባዕ (¾) እታ ከተማ ፡ ካብ 5-6 ምዓልታት ሰወሰደ ባርዕ ተሃሚዃ ምንባራ ይፍለጥ። ከምኡ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና ብባርዕ ሮማ ኣሳቢቡ፡ ከሳድዶምን ክሃድኖምን ከሎ ታሪኻዊ ግፍዒ ፈጺሙ እዩ። ዶክ ኣቢይ፡ ካብዚ ብዘይፍለ፡ ብዙሕ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ጥሜየትን ሞትን ከሎ፡ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘልዉሉ ባድሂ ግዜ ክንሱ፣ ዘይተኣደነ ምልዮናት ኣውጺኡ መናፈሻ ፓርክታትን፡ ውሃ ዝብሃል ቤተ-መንግስቲ ክሃንጽ ዘባኾኖ ገንዘብ ምስ ንጉስ ኔሮ የመሳስሎ። ግዕዙይ ምሕደርኡ ብዝፈጠሮ ሃጓፍ ምኽንያት ጸጥታ ኢትዮጵያ ደፍሪሱ፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፊርካ ብሰላም ምእታው እኳ ዘየተኣምማን ግዚ ክይኑ'ሎ ይብሃል። ኔሮ ንሮማ ኣንዲድዋ ተባሂሉ ይሕመ፡ ኣቢይከ ንክልል ትግራይ ኣቃጺሉን ኣባዲሙን ከይኣክሎ፡ ሎሚ ንክልል ኣምሓራ ብ'ድሮናት' ክጭፍጭፍ ንምልከት ኣሎና።
ሕጂ ስለምንታይ ከብሮ ኲናት ይህረም ኣሎ? እዚ ብሰፊሑ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ተገሊጹ ዘሎ፡ ቅልውላው ዘናወጾ በዝን በትን ተውጢሩ ዘሎ ስርዓት ኣቢይ፣ ግድን እታ ኩሎም ስርዓታት ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቅልውላውን፡ ስእነት ህዝባዊ ተቐባልነትን ከጋጥሞም ከለዉ ዝመዝዋ መጣልዒት ካርታ፡ ክመዛ ተገዲዱ'ሎ። እታ ናይ መወዳእታ ካርታ፡ ብሓፈሻ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ብፍሉይ ድማ ቀይሕ ባሕሪ የድልየናን ይግባኣና እዩ ትብል እያ። ዶክ ኣቢይ፡ እዛ ተበታቲና ዘላ ኢትዮጵያን፡ እቲ ፋሕ-ጭንግራሕ ኣትዩዎ ዘሎ ህዝቢን፡ ብኣጉል-ተስፋ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝርይኡ ከሰልፎ እዩ ዝሕልን ዘሎ። ንኲናት ዘአንግድ ውዱዕ ባይታ ቅድመ-ኲነት ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣይመስልን። ነገር ግን፡ ከም ዶክ ኣቢይ ዝኣምሰሉ መራሕቲ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ንምጽናሕ ዘይፍትንዎን ዘይገብርዎ የለን። ስለዚ ስነ-ኣእምሮዊን ጸጥታዊን ስትራተጂካዊን ምድላው የድሊ።
ዓለም-ለኻዊ ምዕባለታትን፡ ዓለም-ልኻዊ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ዘይተነጸርሉ ግዜ፣ ናይ ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ፕረሲደንት ትራም(ኣመሪካ) ክግመት ኣብ ዘይክኣለሉ ግዜ፡ ኤውሮጳ ኣብ ብኲናት ሩስያ-ይኩረየን ዘድሃበትሉን ዝተጸምደትሉን ግዜ፡ ብሓጺሩ ኣቓልቦ ዓለም ኣብ ዝቐነሰሉ እዋን፣ ኣቢይ እታ ካርታ ብኸመይ እዩ ክጥቀመላ ዝብል ናይ ኩልና ግምታት እዩ። ብሓቂ ዝፈልጦ ሰብ ዘሎ ኣይመስልን። ብርግጽ ግን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሻቕል ኲንታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ።
ኣብ መደምደምታ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ምስላ ቀዳሞት "ወደን ከይሓምያስ፡ ሰይቲ ወደን ይሓምያ" ይብል። ኣብ ገዛእ ሃገርና ዘሎ መራሒ፡ ኣብ ዕንይንይን ዝነብር ስርዓት ህግደፍ ክሳዕ'ዚ ቀረባ ግዜ ምስ ስርዓት ኣቢይ ኣብ ዘይቅዱስ ኪዳን፡ ኣብ ሓደ ዓራት ምጽንሑ መርትዖ ዘይየድልዮ ሓቂ እዩ። ኣብ እኩብ ሰብ፡ ቀለቤት ምእሳርን፡ መፍትሕ ምልጋስን፡ ወልደፍደፍን፡ ኢድካ ምስዓምን ገየጽየጽን ተዓዚብና ኢና። ኮይኑ ግን፡ ከምቲ ምስላ ለባማት ዝበሎ፡ "ዓሻ ድሓን ኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎ ኣሎ" ስለዝኾነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ትሕቲ ሃገራዊነት ዝኾነ፡ ውሽጣዊ ግጭታት ንጎኒ ኣወንዚፉ፡ ልዕላውነት ሃገሩ ንምውሓስ፡ ሃገርዊ እጃሙ ከበርክት- ኣብ ሓደ ሰሚሩ-ታሪኻዊ ግዴታኡ ክፍጸም ከም ኣድላይነቱ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ እላቦ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ተታሊሉ ብውልቀ-ሰብ ይኹን፡ ብጉጅለ፡ ብውደብ ወይ ኣብ መድያ ወጺኡ፡ ኣንጻር ልዕላውነት ሃገሩ መሳርሒ ወይ መጋብርያ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከይስለፍ፡ ሃገራዊ ክሕደት ከይፍጽም ብትሪ ምሕጽንታይ አማሓላልፍ። ብድሕንነት ህዝብን ልዕላውነት ሃገርን ክንጣላዕ ከቶ ኣይግባእን እዩ።
ዝኽሪ ንሰማእታት
ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም
ሰላም ንቀርኒ ኣፍሪቃ
ገብረየሱስ ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ. ኣ. (USA)
ልዑላውነት ኤርትራን ሕቶ ኣፍደገ-ባሕሪ ኢትዮጵያን፡
Eritrean Sovereignty and Ethiopia's quest for Red-Sea Access.
Part-1/5 (English):
Part-2/5 (Tigrinya):
Part-3/5 (Amharic):
Part-4/5 (Arabic):
Part-5/5 (Q and A ሕቶን መልስን):
ተወሰኽቲ ሰሚናራት፡ ብኣባላት ናይዚ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ ታሕተዋይ ሊንክ ጠውቑ፡-
See also more media interviews by the Red Sea Task Force, below:-
1 - Dehay Eritrea ምሁራት ኤርትራ ብዛዕባ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ እንታይ እዮም ኣጽኒዖም? ደሃይ ኤርትራ
2 - Atv Asena Live: ኢትዮጵያ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብውዲ ወይ ብግዲ ምባላ ርትዓዊ ድዩ? - ዘተ ምስ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ኤርትራ
3 - ዘተ ብኤርትራውያን ምሁራት ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝቐረበ መጽናታዊ ጽሑፍ
See also more articles by Mr. Gebreyesus Woldemichael
ካልኦት ብ'እቶ ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።