21/05/2024 18:53 PM
ንመብዛሕቲኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣነቓቒሑ ብምጥርናፍ፡ ኣሳቲፉ ዘዕውት ኣገባብ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ፡፡
ብ'በርሀ ደስታ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡፡
ንመብዛሕቲኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣነቓቒሑ ብምጥርናፍ፡ ኣሳቲፉ ዘዕውት ኣገባብ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ፡፡
ብ'በርሀ ደስታ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡፡
መቅድም (Introduction)
ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ፡ ቃልሲ ኣዝዮም ዝተጨቆኑን ፡ ዝተጨፍጨፉን፡ ዝተኣስሩን፡ ዝሞቱን፡ ብዝያዳ ከኣ : ከም ዝተጨቆኑ ተረዲኦም፡ ንሓርነቶም ንኽቃለሱ፡ ዝተረድኦምን፡ ዝተወድኦምን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ አዮም ፡፡ ኣገባብ ኣሰላልፍኦም ከኣ ሕጂስ ይኣክል ኢሎም፡ በብከተምኡ፡ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሓንቲ መሪሕነት ብሓይሊ ዕማም (Task Force) ኣገባብ ተጠርኒፎም፡ብትብዓት ክቃለሱ ዝመረጹ ኣካል ደለይቲ ፍትሒ እዮም፡፡ እዚ ህዝባዊ ማዕበል‘ዚ ኣብ መጨረሻ ስልጣን ዘይጭብጥ፡ ዘይሻራዊ፡ ካብ ውዱባትን፡ ዘይውዱባትን፡ ኣካላት ዝተዋጽኤ ፡ ወለንተኛ ህዝቢ እዩ፡፡ ነዚ ናይ ሃገራዊ ድሕነት፡ ዓላማ ኣብ ባይታ ዘዕውት ህዝባዊ ጥርናፈ ንምክያድ፡ ብቐዳምነት፡ ሓደ ክመርሖ ዝኽእል ንጹር ዝኾነ ፡ንኹሉ ኣብ ወጻኢ ሃገራ ዝርከብ ሕብረተ- ሰብ ኤርትራ ዘሳትፍን ፡ ተስፋ ዝህብን ፡ ዘተባብዕን፡ ሓባር- መገዲ(Road Map) ብምኩራት ሰባት ዝተቐርጸ (drafted ) ክቐርበሉ ኣሎዎ ፡፡ እቲ ኣገባብ ህዝባዊ ጥርናፈ ከኣ ሰለስተ መድረኻት (ጸፍሕታት) ዘጠቓለለ እዩ ፡ንሳቶም ከኣ 1) ካብ ነፍስ-ወከፍ ከተማ ፡(Each City the world over) ሃገራት ዓለም ይብገስ 2) ናይ መላእ ሃገር ጥርናፌ (National) 3) ዓለም ለኻዊ መድረኽ (Global stage)። እቶም ሓንጸጽቲ ናይ’ቲ ሰፊሕ ፕላን ከስተውዕልሉ ዘሎዎም ዓቢ ነጥቢ ከኣ ንመንእሰያት ንቕድሚት ኣምጺእካ፡ ዓበይትን፡ ምሁራትን፡ ምኩራትን ሰባት ከኣ፡ ብድሕሪት ኮይኖም ሓሳባቶምን፡ ርእይቶኦምን፡ማዕዳኦምን ዘስተኣናእግዱሉ ሃዋህው ፈጢርካ፡ ብሕልፍኳ እቶም ዓበይቲ፡ ብቁጠባዊ ወገን ብዙሕ ሓገዛት ከበርክቱ ይኽእሉ እዮም፡፡ እቲ ኣብ ባይታ ተሓንጺጹ ዘሎ ዓዳሚን፡ ኣሳታፍን፡ ሰፊሕ ሓባር- መገዲ (Road MaP) ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ህዝቢ ዓቢ ተስፋ ሂቡ ድሕሪ ምብርባር፡ ነቲ ህዝባዊ ጥርናፌ’ውን ዘይተራእየ ናህሪ (Momentum) ብምሃቡ እቲ ህዝባዊ ማዕበል ካብ ነፍስ- ወከፍ ከተማ ጀሚሩ ፡ ክሳዕ’ቲ ዓለምለኻዊ (Global) መሰጋጋሪ መንግስቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝፍጠረሉ መድረኽ ኣጋዊሕካ፡ ኣጆኻ - ኣጆኺ አናተባሃልካ ብሓባር ናብ ዓወት ጉዕዞኻ (Right path) ተምርሕ፡፡ እዚ ራኢ‘ዚ ነቲ መላእ ህዝቢ ናይተን ዝምልከተን ከተማታት ብግሉጽነት ክሕበሮም ኣሎዎ ፡፡ እቲ ህዝቢ ካአ ነቲ ትሕዝቶ ናይ‘ቲ ሓባር-መገዲ (Road Map) ኣንቢቡ ምስ ተረድኦ፡ ወይ ይዓስሎ፡ ወይ ከኣ ይነጽጎ፡፡ ንሱ ከኣ እዩ እቲ ቅኑዕ ቃልሲ ሕልናን፡ ፍትሕን ደሞክራሲን ፡፡ ኣብ‘ዚ መድረኻዊ ቃልሲዚ፡ ደጋፊን ተቓዋሚን ዝበሃል ፍልልይ ክህሉ ኣይግባእን፡፡ ኩልኻ ተወሃሂድካ፡ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ከም ዝበሃል ነቲ ንሃገራዊ ድሕነት ሓቢርካ ምሕራን እዩ፡፡
ከምኡ ከኣ ሓደ ንጹር ዝኾነ ናይ ኣባላት ሓላፍነታዊ ምንቅስቓሳትን፡ ዲሲፕሊናዊ ምሕደራን ዘጠቓልል ዓንቀጽ‘ቲ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ብንጹር ክጥቀስ ኣሎዎ፡፡ ምኽንያቱ ከኣ፡ ብውልቀ ኣባላት ወይ ብውዱባት ደረጃ ንብርጌድ ንሓመዱ ወኪሎም ኣብ ዘካይዱዎ ምንቅስቓሳት፡ ብፍላጥ ይኹን ወይ ብዘይ ፍላጥ፡ ዘይሓላፍነታዊ ጌጋ ምስ ዝፍጽሙ ንድሕነት ናይ‘ቲ ምንቅስቓስ፡ ብዝቀልጠፈ ግዜ፡ ብዓንቀጻት’ቲ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ነቲ ጌጋ ፈጻሚ ሓላፍነቱ ተሽካሚ ምዃኑ ተጠቒሱ፡ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣሎዎ፡፡ ህዝብና ን34 ዓመታት ዝኣክል ብዘይ ምቁራጽ ብናይ ውሽጢ ጸላእቲ ተጨፍጪፉን፡ ተገፊዑን እዩ ፡፡ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ፡ ክንዲ እምባ ዝኣክል ቀዳማይ ጸላኢ ኤርትራን፡ ኤርትራውያንን ፡ ብመጀመርታ ንሃማኖትናን፡ ባህልናን ኣጥፊኡ፡ ኣብ ነንሕድሕድና ከኣ ንዘለዓለም ዘይጠፍእ፡ ሕሱም ጽልእን፡ ቅርሕንትን፡ ምጭኽኻንን፡ ምቅትታልን፡ ዝዐብለሎ ባህሊ ፈጢሩልና ኣሎ ፡፡ ንዕኡ ንምምካት ከኣ፡ ግዜ ይወስድ‘ምበር በዚ ናይ ሕጂ መድረኽ ቃልስን ፡ ንቕሓትን፡ ክቕይሮ እዩ፡፡ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ከኣ እቲ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣብ ፈጺሙ ግዜ ዘይህብን፡ ኣስጋኢን፡ ኩነታት ሃልዩ፡ ንብዙሕ ዓመታት ተንጠልጢሉ ዝጸንሔ ኩነታት አዩ፡፡ ንሕና ግን ከም ደቂ ሃገር መጠን፡ ብዘሕዝን ኩነታት፡ ነቲ ዘይንቡር ኩነታት ከም ንቡር ወሲድና ዕሽሽ እናበልና፡ ከም ዘይምልከተና ንሓልፎ ኣሎና፡፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ ጭካነ ዝመልኦ ናይ ሸለልትነት ተግባራት ከኣ፡ ንውሉድ-ወለዶ ተጣዒስካ ዘይሕለፍ ክስተት (phenomenon) እዩ፡፡ ኣብ‘ዛ ጽንክርቲ ግዜ‘ዚኣ በጃኹም ኣይንዓሹ፡ ካብ‘ዚ ኣውራጃ በዚሖም፡ ካብቲእ‘ባ ፡ ዝብል ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ወጊድና፡ ዋላ ሓንቲ ስንጭሮ ዓዲ‘ውን (sole village) ትኹን ትግዘኣና፡ ነዛ ሓጻር ናይ ግዝያዊ መሰጋገሪ ግዜ ትምራሓና፡ ካብ ባዕዳዊ ጸላኢ ዝገዝኣና፡፡ ካብ ባርነትን፡ ድንቁርናን ንውጻእ፡፡
ትንተና (Analysis)
ካብኡ ተበጊስና፡ እቲ ቀንዲ ዓላማ ናይ ቃልስና ፡ንሃገራዊ ድሕነት (National Salvation) ምዃኑ ብንጹር ንረዳእ ፡፡ ስለ’ዚ እዚ ዝካየድ ዘሎ መድረኻዊ ህዝባዊ ጥርናፌ ናይ‘ታ ከተማ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ጠርኒፋ፡ ዓቢዪን ፡ንእሽቶን፡ ጓልን ወድን፡ ውዱብን ዘይውዱብን፡ ኣስላማይን ክርስትያንን ፡ኢሉ ከይፈለየ ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኣበራቢሩን፡ ኣነቓቒሑን፡ ወዲቡን፡ ንሃገራዊ ህዝቢ ይጥርንፍ፡፡ ብዝተሓተ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ከኣ፡ብውልቀ ኣባልነት፡ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ብዝብል ናይ ኩሉ ወዲ ሰብ ማዕርነትን መሰልን፡ ዝረጋገጸሉ ኣገባብ ተጠርኒፉ፡ ናይ ካሊእ ውድብ ኣባል ምዃን ከኣ ዘይኽልክል መትከል እዩ፡፡ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ውክልና ከኣ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ኮይኑ፡ እቲ ኩሉ ንጥፈታት ከኣ ሕግን፡ ፍትሕን ዝኽተል ስራሕ እናሰርሔት፡ እታ ከተማ ብቑዕ ዝኾነ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ (By Laws) ትሕንጽጽ፡፡ ብዓንቀጻቱ ተመሪሖም ከኣ ቅኑዕ ዝኾነ ማዕበላዊ ጥርናፌ የካይዱ፡፡ ኣብ‘ታ ከተማ ብቑዕ ህዝባዊ ጥርናፌ ምስ ተኻየደ ፡ ኩለን ከተማታት ናይ‘ታ ሃገር ብቀጻልነት ነንሕድሕደን ክናበባ ስለ ዝጽንሓ፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ናይታ ሃገር እኩል ህዝባዊ ጥርናፌ ምስ ተረጋገጸ ከኣ፡ ሃገራዊ መሪሕነት ንምምራጽ፡ ኣብ ምእኩል ዝኾነ ቦታ፡ ወይ ከኣ ብዙም (zoom) ተጠቃምነት መራሕቶም ንምምራጽ፡ ሃገራዊ ኣኺባ የካይዱ፡፡ ብድሕሪኡ ከኣ ፡እቲ ክግልገሉሉ ዝጸንሑ ናይ ኩለን ከተማታት ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ተኣኪቡ፡ ነቲ ኩሉ ትሕዝቶ ናይ ሓሳባትን፡ ርእይቶታትን ኣብ‘ቲ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ብምንጽጻር፡ ንኹሉ ጠለባት እተማልእ፡ ሓንቲ ሓዳስ ናይ‘ታ ሃገር ውሽጣዊት ዓንዲ ሕጊ ትሕንጽጽ፡፡
ብዓንቀጻት ናይታ ሓዳስ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ተመሪሖም ከኣ ብሃገራዊ ደረጃ፡ ኣድላዪ ዝኾነ ህዝባዊ ጥርናፈን፡ ስርርዕ ምስ ኣካየዱ፡ ብሃገር ደረጃ ብብዝሒ ተሳታፍነት ናይ‘ተን ከተማታት ምስ ዓገቡ፡ ንኣብነት ኣብ መላእ ኣመሪካ እኹላት ከተማታት ተጠርኒፈን ክበሃል ከሎ፡ ካብ 80 ክሳዕ 120 ከተማታት ወከልተን ምስ ለኣኻ፡ እኹል ጥርናፌ ተኻይዱ ክበሃል ይከኣል ፡፡ ብድሕሪኡ ናብቲ ዓለም ለኻዊ መድረኽ (Global Meeting) ኣኼባ ናይ መሰጋገሪት መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር(Diaspora) ዝምረጹሉ ደረጃ፡ ካብተ‘ን ዝምልከተን ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዓለም ዝርከባ ሃገራት፡ ወከልተን ይልእካ ፡፡ ኣብ‘ቲ ናይ ዓለም ለኻዊ ኣኼባ፡ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ብውድብ ደረጃ ብማዕርነት ዓዲምካ ብምስታፍ፡ ብደሞክራስያዊን፡ ፍትሓዊን ኣገባብ፡ ብውህደት ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘሕጉስ ኣገባብ፡ ሃገራዊ ምርጫ ይካየድ ፡፡ነቲ ዓቢ ፕሮጀክት ንምዕዋት ከኣ፡ ብዙሕ ብቕዓትን፡ ዓቕምን ፡ ግዝያዊ ተክኖሎጂ (Application of AI and Algorithm) ተጠቒምካ ዝስራሕ ብድሆታት ስለ ዘሎዎ፡ እቶም ዝምረጹ ውልቀ-ሰባት ከኣ፡ እኹል ግዝያዊ ትምህርቲ ዝቐሰሙ፡ ኣባላት ኣምራጺት ሽማግለ ኣለሊኻ፡ ብቑዓትን እሙናትን፡ ሰባት ብምምራጽ ዕዉት ፕሮግራም ተዳሉ፡፡
እዛ ኣምራጺት ሽማግለ ምስ ተመርጸት ከኣ፡ እቶም ብደረጃ ሓይሊ ዕማም (Task Force) ኣድማዒ ስራሕ፡ ብምስራሕ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ጠርኒፍካ፡ ብዘይ ሸራነትን፡ ፍልልይን፡ ኣነቓቒሕካን ኣበራቢርካን ምጥርናፍ ብዝብል ኣተሓሳስባ፡ ተበጊሶም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ነቲ ዘይሕለል ኣድማዒ ስርሖም፡ ኣብ‘ዛ መድረኽ’ዚኣ ኣብቂዖም፡ ብዙሕ ምስጋና ከኣ ምስ ተዋህቦም፡ ንዝመጽእ ግዜ ከኣ፡ እንተደልዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ውድብ ከቑሙ ይኽእሉ እዮም ፡፡ እንተ ዘይደልዮም ከኣ ናብ‘ተን ንመጻኢ ግዜ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕገን (Manifesto) ሒዘን ክቐርባ ጸውዒት ዝግበረለን ውድባት፡ ምስ ብመትከል፡ ዝሰማምዓኦም ውድባት ክአትዉ ይኽእሉ እዮም፡፡
እታ ሓዳስ ኣምራጺት ሽማግለ ከኣ፡ ንኹለን ደለይቲ ፍትሒ ውድባት ኤርትራ እኩል ግዜ ብምሃብ፡ ዕድመ ንምርጫ ግዝያዊት መሰጋገሪት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገር ትዕድመን፡፡
ቀጺሉ ከኣ እተን ዕድመ ዝተገብረለን ሃገራት፡ ጸውዒተን ኣኽቢረን፡ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕገን ሒዘን ምስ ቀረባ፡ ትሕዝቶ ናይ‘ቲ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ ከም‘ዚ ዝኽተል ቅድመ ኩነታት ከማልእ ኣሎዎ ፡፡ 1) ሓንቲ ውድብ፡ ካብ ኩለን 9 ብሄራት ኤርትራ ብዘይ ፍልልይ ድምጺ ክትረክብ ኣሎዋ፡፡ 2) ሓንቲ ውድብ 30,000.00 ኣባላት ክህልዉዋ ኣለዎም ፡፡ 3) ብሃይማኖትን፡ ወገንን ዝቖመት ውድብ ክትሳተፍ ኣይፍቀደላን እዩ፡፡ 4) ዕድመ ናይ ዝመርጹን ፡ ዝምረጹን ሰባት፡ ከኣ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ክኸውን ኣሎዎ፡ ጾታ ከኣ ኣይፈልን አዩ፡፡
እንትኾነ ግን እቲ ቁጽሪ ኣባላት 30,000.00 ክኸውን ዝተደልየሉ ምኽንያት ከኣ መታን ነተን ቁጽረን ካብ 50 ዘይውሕዳ ተቓወምቲ ውድባት፡ ናብ ሓንቲ ወይ ክልተ ውድባት ንምምጻእ ተባሂሉ ዝቐረበ እማመ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ብዝሒ ቁጽሪ ንምብቃዕ ምስ ዘይከኣል ግን፡ ናይ ክልተ ወይ ካብኡ ዝበዝሓ፡ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘሎወን ወዱባት፡ ክሳዕ‘ታ ቁጽሪ ዘማልኣ ውህደት (Coalition) ክገብራ ይኽእላ እየን፡፡
ነተን ዝተጠቕሳ ቅድመ ኩነታት ዘማልኣ ውድባት ናብ ምርጫ ቀሪበን፡ እተን ክልተ ዝለዓለ ነጥቢ ዘምጽኣ ውድባት፡ ተመሪጸን፡ እታ ቀዳመይቲ ዝወጽኤት፡ ንግዜኡ ነርባዕተ (4)ዓመታት ትመርሕ ፡እታ ካልኣይቲ ዝወጸት ከኣ ከም ተቓዋሚት ኮይና ትቐርብ፡፡
መደምደምታ (Conclusion)
ኣብዛ ግዜዚ‘ኣ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ዘስግእን ግዜ ዘይህብ ኩነታት እዩ ዘሎ ፡ከምኡ ኣናሃለወ ግን ኣዝዩ ዘሕፍር ነገር ንኩልና ደለይቲ ፍትሒ ብኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታትን፡ ብሸለልትነትን፡ ብዘይ ሓላፍነታዊ ኣተሓስስባ ኢና ነቲ ዘይንቡር ኩነታት ብሸለልትነት ንሓልፎ ዘሎና፡፡ እቲ ክኸውን ዝነበሮ ግን፡ ኩሉ ግዜ ንሃገራዊ ድሕነት ኢልካ ምብዳህ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ከኣ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ክንርስዖ ዘይብልና ዓላማ ከኣ፡ ምትግባር ሕድሪ ሰማእታትና እዩ ፡፡ ዕዉት ሃገራዊ ቃልሲ ንምክያድ ከኣ፡ ነቲ መሰረታዊ ሽግር ሃገርና ብንጹር ኣገባብ ብመጀመርታ ምርዳእ ይግበእ፡፡ ንሽግርካ ብንጹር ከይተረዳእካ፡ ፍታሕ ክትውጥነሉ ኣይክትክእልን ኢኻ ፡፡ ስለ’ዚ እቲ ቀንዲ ናይ ውሽጢ ጸላኢ (Arch enemy) ናይ ኤርትራን፡ ኤርትራውያንን ውልቀ-መልኺ ኢሳያስ ኣፈዎርቅን ኣተግበርቱን ጥራሕ ምዃኖም ብንጹር ኣገባብ ክንርዳእ ይግባእ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ሰውራ ኤርትራ ዝኣተወላ ዕለት ጀሚሩ ክስዕ‘ዛ ዕለት ’ዚኣ ብዘይ ምቁራጽ፡ ንመንእሰያትና ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ እናእተወን፡ ብዘይ ሓደ በደል ከኣ፡ በኢድ ኣዙር‘ውን ዘረሸኖምን፡ መንእሰያት ቁጽሮም፡ ምልስ ኢልና እንተንጽብጽቦ፡ ቁጽሮም ካብ ኣማእታት ኣሻሓት ዘይውሕድ እዩ፡: ኢሳያስ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ዘሎዎ ክእለት፡ ሓሶትን፡ ምትላልን፡ ህዝባዊ ጽንተትን ሃገር ምብራስን እዩ፡፡ አቶም ኣብዚ ናይ ሕጂ ዝተካየደ ውግእ ናይ ትግራይ 70,000.00 መንእሰያት ኤርትራ ጸኒቶም ዝብል ሓበሬታ፡ ቁጽሮም ካብኡ ኣጸቢቑ ይበዝሕ እዩ ዝብል ሓድሽ ሓበሬታ ስለ ዘሎ ፡ ግቡእ መጽናዕቲ ተገይሩሉ ክስነድ ዘሎዎ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ፡፡ ሾብዓተ፡ ሸሞንተ ውላድ ወሊደን ደቀን ኣብ ዓላማ ዘይብሉ ውግኣት እናእተዉ ምስ ኣጥፍኡዎም፡ መኺነን ዝተረፋ ኣዴታታ ኤርትራ ቁጽረን ውሑድ ኣይኮነን ፡፡ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ኩንታታ ከኣ፡ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ስዉኣት ደቀን ኣይተነግረንን ፡ጌናወን ንብዓተን ኣይነቐጸን ዘሎ፡፡
ኤርትራውያን ብሓባር ፡ ንህዝብናን፡ ሃገርናን ብዙሕ በዲልና ኢና፡ ኣብ‘ዚ ግዜ’ዚ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎና፡ ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ እኼባ ኬድና ሕቶ ምስ ትሓትት፡ ካብ ኣርባዕተ ኩርናዓት እዩ ተጻብኦ ዘጋጥመና፡ ስለ’ዚ እቶም ቀንዲ ተጻባእትና፡ ካብ ወጻኢ ዘይኮነስ፡ ካብ ውሽጥና እዮም፡፡ ስለ’ዚ ብንጹር ኣገባብ ኣለሊና እንታይነቶም ንምግላጽ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ፡፡
እዚ ኩሉ ዝበጽሓና ዘሎ ተጻብኦታት ድማ፡ ካብ‘ቶም ኣዝዮም ውሑዳት ዝቑጽሮም ፡ ብቁጠባዊ ጥቕምን፡ ፍርሒን፡ ናይ ስነ ልቦናን፡ ኣእምሮን ድኽመትን ዝተወጽዑ፡ ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ፡ንድፈርን ፡ ንጻባእን ዘሎና፡ ከምኡ ከኣ፡ ብሰንኪ’ቶም እናሰሞዑ ከም ዘይሰምዑ ዘጽቀጡ (Silent majority) ኣብ ዝኾነ ሃገራዊ ጸውዒት ዘይምስታፎም እዩ፡: ብዛዕባ ቁጽሪ ብዝሒ ተቓወምቲ ኤርትራ፡ንምግምጋም ከኣ፡ ካብ ፍርሕን፡ ዘይምግዳስን ደኣ ብቅኑዕ ኣይግለጽን ‘ምበር ፡ ኣብ ስቱር ገዝኡ ኮይኑ፡ ዳርጋ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓዋሚ እዩ፡፡ ካሊእ፡ ካብኡ ቁርብ ፍልይ ዝበለ፡ ዘሕፍርን፡ ኣዝዩ ዘስግእን ጉዳይ ከኣ ፡ ብዛዕባ ኣብ ኩሉ ፖለቲካው ንጥፈታት ሃገር ናይ ምሁራት ስነ ህዝባዊ (Demography) ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዘይ ተሳታፍነት ኣዩ፡፡ እዚ ኩነታት‘ዚ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍሉይ ተርእዮ (An Aberration) እዩ ፡፡ ህዝብኻ ኣብ መላእ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህዝባዊ ጽንተት እናጋጠሞ ከሎ፡ እና ረኣኻን፡ እናሰማዕካን ኣጽቅጥ ምባል ፡ሕልና ኣልቦነት ኮይኑ፡ ልቢ ንዘሎዎስ ኣዝዩ ዘሕፍር ኩነታት እዩ፡፡ እንተኾነ ግን፡ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ቃልሲ መንእሰያት ማዕበል ነዚ ኩሉ፡ ኣሉታዊ ተርእዮታጥዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ክቕይሮ እዩ ፡፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ፡ ስነ - ልቦናን ናይ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ከኣ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተማሓየሸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡፡
ኣብ ሸነኻት ሳተላይት ወይ ዩቱብ ወረ ማዕከናት ኤርትራ ከኣ ፡ብሕልፊ ከኣ ኣብ ዩ ቱበራት፡ ገንዘብ ንምድላብ ተባሂሉ ፡ ብዙሓት ንሃገራዊ ድሕነት ዘይጠቕሙ ኣርእስትታት እናምጻእካ ፡ ንዓቢ ጽልዋ (Impactful) ከምጽኡ ዝኽእሉ መደባት ከኣ እንዳገደፍካ ዝስራሕ ዘሎ ንጥፈታት ንተዓዘብቲ፡ የቖጥዕ ኣሎ፡፡ ኣብ ክንዲ ዘይጠቕሙ፡ ኣዝዮም ኣከራኸርቲ ኣርእስቲ እናምጻእካ ንህዝቢ ከተናቑቶ ትውዕል sorry ብዛዕባ ሃገራዊ ድሕነት ዝምልከቱ፡ ዓበይቲ መደባት ኣሎውና ኢልካ ክሕለፍ ‘ውን ይከኣል እዩ፡፡ ኣብ‘ዚ ኣርእስቲ‘ዚ ንመጻኢ ግዜ ብዙሕ መኣረምታ ክግበረሉ ይግባእ፡፡ ሓደ_-ሓደ ወነንቲ ሳተላይት ቲቪ ከኣ፡ ብዙሕ ዘይቅኑዕን፡ ዘይሞራላዊን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ፡ ሸራዊ መርገጺታት ዝኽተሉ ኣሎዉ ፡፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኢሎም ከኣ ጌግኦም ኣሪሞም፡ ፍትሓውን፡ ሕልናውን፡ ሞራላውን ስራሕ ክሰርሑ ንምሕጸን ፡፡ ካብዚ ቀጺሉ፡ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ብዝቀልጠፈ ግዜ ክትግበር ዘሎዎ ዓቢ ነጥቢ ኣሎ፡፡ንሱ ከኣ ዓለም ለኻዊ (International) ውዑላትን ስምምዕን (Treaty & Contracts) ዘማልእ በዓል ሞያ ጠበቓ ምቑጻር እዩ ፡፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈዎርቂ ፡ ሃገራዊ ቅዋም ዘይብሉ፡ ንቡር መንግስታዊ ስርዓትን ፡ሕጊን ዘይኽተል፡ ነታ ሃገር ከም ሓንቲ ሃገር ንኽትግለጽ፡ ግቡእ መንግስታዊ መሓውራት፡ ክህልዋ ይግባእ ፡ ዋላ ሓንቲ ዩኒቭርሲቲ’ውን ትኹን ዘይብላ፡ ብናይ ሓደ- ውልቀ-ሰብ ኣዋጅን፡ ትእዛዛትን ትመሓደር ሃገር እያ፡፡ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ ሓደ ብብዙሕ ወንጀላት ዝተኸሰሰ፡ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት (International Criminal Court) ክቐርብ ዘሎዎ ናይ ወንጀል ጥርጡር ደኣ‘ምበር፡ ተተግባሪ ዝኾነ ውዑላት፡ ንሃገረ ኤርትራ ወኪሉ ንክፍርም፡ ዝቃወሞ ሰብ እንተተረኺቡ፡ ንሱ ዝፍርሞ ውዑል ክትግበር ኣይኸእልን ፡፡ ስለ’ዚ ብርጌድ ንሕመዱ ፡ ግዜ ከይወሰደ ንኤርትራ ወኪሉ፡ ጠበቓ ክቖጽር ኣሎዎ ፡፡ ካብ ጥርናፈ ከተማታት ጀሚርና ክሳዕ‘ቲ ዓለም ለኻዊ ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምምራጽ ኣኼባ ንገብረሉ መድረኽ፡ ንምብጻሕ ዝወስደልና ግዜ ከኣ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ዘይበዝሕ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ነፍስ ወከፍ ከተማ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ህዝባዊ ጥርናፌ ጎስጓስ ምስ ተኻየደ ሚዛን ቁጽሪ ኣኼበኛታት ተገምጊሙ፡ ኣድላዪ እንተ ኾይኑ፡ እንተበዝሔ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ኣኼባ ናይ መሪሕነት ምርጫ ይካየድ ፡ ካብኡ ንደሓር ነቲ ህዝቢ ናይ ተስፋ ፍናን ስለ ዝሓድረሉ ፡ግዜ ኣይወስደሉን እዩ፡፡
መብዛሕቲኡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ፍትሓውን፡ መትከላዊን፡ ራኢ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ መንግስቲ ንምምጻእ ዝብል፡ ንጹር ፖኦለቲካ መርገጺኡ፡ኣሚኑ ፡ብማዕበላዊ ፍጥነት ይዓስሎ ኣሎ፡፡ ዓወቱ ከኣ ዘየጠራጥር እዩ፡፡ ነዚ ኣብ ሓድሽ ራኢን፡ መጽናዕትን ዝተሞርኰሰ ውጥን ኣሪምካን ኣስፊካን ምትግባሩ፡ ወይ ከኣ ካባኡ ዝሓሸ ራኢ ኣሎና ትብሉ ኮይንኹም፡ ሃየ ሓቢርና ንርኣዮ፡ እንተዘይኮይኑ፡ እዚ ክሳዕ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሔን ጌና ዘሎን ንምሉእ ዕድመኻ ፖለቲካዊ ሞያኻ (Career building style) እተማዕብለሉ ዓይነት ቃልሲ እዩ’ምበር ነታ ትጠፍእ ዘላ ሃገር ዘድሕን ኣይኮነን፡፡ ስለ’ዚ ካብዚ ዘይሞራላዊን ሕልና ኣልቦነትን፡ ዘይመትከላውን ኣገባብ ቃልሲ ወጺእና ሃየ ፡ ንለብም ፡ ነድሕን ትጠፍእ ዘላ ሀገርናን፡ ዝጸንት ዘሎ ህዝብናን !!
ዘለ ዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ክብርን፡ ሞገስን ንውጉኣትና!
በርሀ ደስታ / ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡፡
ትንተና (Analysis)
ERISAT: ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ በርሀ ደስታ ኣብ ህዝባዊ ማዕበል
Asmarino | Eritrea: ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ - ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና
See also recent articles by Mr Berhe Desta
ካልኦት ብ'ኣቶ በርሀ ደስታ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።