Placeholder Picture
Placeholder Picture
ድያብሎሳዊ ዕንክሊል ቅርሕንቲን ባህጊ ዕብለላን መሪሕነታት ህግደፍ፡ ወያኔ ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያ፡ ይሰበር!

01/01/2025 19:15 PM

ቅርሕንቲ ይሰበር!

ጽሑፍ ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ቅርሕንቲ ይሰበር! Let the hatred be broken!

ድያብሎሳዊ ዕንክሊል ቅርሕንቲን ባህጊ ዕብለላን መሪሕነታት ህግደፍ፡ ወያኔ ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያ፡ ይሰበር!

ቅርሕንትን ህልኽን ቂምን ኣብ ሞንጎ ሰባት ትካላት ሃገራት፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ብዙሕ፡ ብኩራቱ ክኣ ማእለያ የብሉን። በንጻሩ ስምምዕምን ውህደትን ሓቢርካ ምስራሕን፡ መኽሰቡ ብኩሉ መለክዒ ብዙሕ፡ ዘመዝግቦ ምዕባለ ዝተዓጻጸፈ እዩ።

ዘሕዝን እዩ፡ መርሒነታት ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ህግደፍ፡ ኢሃደግ፡ ወያኔ፡ ኣብ ክንዲ ውህደትን ስምምዕን፡ ቅርሕንትን ዕብለላን ህልኽን መሪጾም፡ ንህዝብታት ኤርትራን፡ ክልል ትግራይን፡ ክልል ኣምሓራን፡ ዝተረፉ ህዝብታት ኢትዮጵያን፡ ኣብ ምትፍናን ኲናትን ህልቂትን ጥምየትን ካልእ መከራን ሸሚሞሞ ይርከቡ። ስለዚ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ክወጽእ፣ ባህጊ ዕብለላን ቅርሕንተን ቂምን ድያብሎሳዊ ዕንክሊል ክስበር ኣለዎ።

ኣብ ዝርዝር ሳዕቤናት ተግባራት ቅርሕንቲ ህልኽ ቂም ቅድሚ ምእታው፡ ቁሩብ ድሐረ-ባይታን ኣጀማምራን ኣምዕባብላን ድያብሎስያዊ ዕንክሊል ዘለኒ ትዕዝብተይን ተዘክሮይን ክጠቅስ። ካብቲ ዘርከብኩሉ ታሪኻዊ ግዜ፡ ብትምክሕተኛታት ስርዓታት ኣምሓራ ጀሚረ ሓደ-ብሓደ ትዕዝብተይን ተዘክሮይን ክገልጽ እመርጽ።

መዋእል ወይ ዘመነ-ገድሊ፥

ሀ . ገባትን መስፋሕፊሕን ስርዓታት ኣምሓራ

1) ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ብመነጽር ኤርትራ፡ "መሬታ(ባሕሪ) እምበር ህዝባ ኣየድልያን እዩ" ዝብል ኣረሜናዊ ዘልዓሎ ጨርሖ፡

2) ፈድረሽን ኢትዮ-ኤርትራ ብሓይሊ፡ ሕጊ ጥሒሱ፡ ደጊም ኤርትራ መበል 14 ጠቕላይ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝብል ገበነኛ ኣዋጁ፡

3) ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ከይነብር፡ ክስደድ፣ኣብ ግዜ ጣልያን ዝተተኽላ ፋብሪካታት ብግዴታ ተነቒለን ናብ ኢትዮጵያ ክጉዕዛ ዝተኸተሎ ሜላ።

4) ወታደራዊ ስርዓት ደርግ፡ " እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሶው" ኣምቢ (መሬተይ ኣይህብን) ዝበለ ሰብ ጥይት ኣኾልሶ፡ ዝብል ጨካን ዝተኸተሎ ጨርሖ።

5) ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት መማህራን፡ ሰራሕተኛ ባንክን ዝኣምሰሉ ኤርትራውያን ተገዲዶም ኣብ ኢትዮጵያ ከይዶም ክሰርሑ፣ ኢትዮጵያውያን ድማ ብቕያሮም ኣብ ኤርትራ ከይዶም ክሰርሑ ዝብል ደም ምፍሳስ ዘስዓበ ግዴታዊ ሜላ ምትሕንፋጽ (assimilation) ህዝብታት፡ ገለ ካብቶም ስርዓታት ኣምሓራ ዝተኸተልዎም ሜላታት ክጥቀሱን ክዝከሩን ይክኣል።

ለ . እዋን ገድሊ፡ ስኒትን ምፍሕፋሕን ግንባራት ህግሓኤን ህወሓትን

1) ስኒት እዋን ገድሊ፡ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብዝተፈላለየ ምልክዑ ምትሕግጋዝ፡ ዝተወሃሃደን ዝተቓነየን ሓባራዊ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ደርግ ይፍጸም ከም ዝነበረ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ኤርትራውያን ተጋደልቲ ኣብ ጎድኒ ትግራዎት ተጋደልቲ፡ ትግራዎት ተጋደልቲ ክኣ ኣብ ጎድኒ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራን ኣብ መሬት ኢትዮጵያን ከም ዝተሰውኡ ዝተሰነደ ታሪኽ እዩ። ብደም ደቂ ኤርትራን ደቂ ትግራይን፡ ሓወልቲ ሕውነት ጎረባብቲ ክልቲኡ ህዝብታት ንሓዋሩ ተተኺሉ እዩ። ብቅርሕንቲን ዕብለላን መሪሕነታት ህግደፍን ውያኔን ዝሃስስ ወይ ዝሕከኽ ታሪኽ ኣይኮነን።

2) ምፍሕፋሕ ግዜ ገድሊ፡ ኣብ 80ታት፡ ብቕሉዕ ብጭቕ ኢሉ ዝተጋህደ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ናይ ስነ-ሓሳብ ንበሎ ወይ ክልሰ-ሓሳብ ፍልልያት ምንባሩ፡ ኣብ እዋኑ ኣዘራረቢ ኮይኑ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ፍልልያት፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሽዑ ሶቬት-ዩኒዮን (U.S.S.R or Soviet Union) ዝነበረ ዘይቃዶ ፖለቲካዊ መርገጺ ክልቲአን ግንባራት ዝምልከት እዩ። ህግሓኤ ንሶቬት ከም መትካልዊ ምሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትሰርዓ ከላ፣ ህወሓት ንሶቬት-ዩኒዮን ከም 'ስርዓተ-ማሕበርነታዊ ሃጸይነት'(Social Imperialist) ትሰርዓ ነይራ። ብርድኢተይ፡ -ድኻ ህዝቢ ሃብታም መንግስቲ- ዝፈጥር ስርዓት ማለት'ዩ። ብሕጽር ዝበለ፡ ህወሓት ንሶቬት-ዩኒዮን መትከላዊት ማሓዛ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ኣይኮነትን ዝብል ተሪር መርገጺ ነይሩዋ። ብናተይ ርዲኢት፡ ህወሓት ርትዓዊ ስነ-ምጎት ኔርዎም፡ ዝብል መደምደምታ ኣለኒ። ስለምንታይ፡ ሶቬት ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንደርግ ክሳዕ ዓንቀሩ እንዳዕጠቐቶ፡ ኣብ መይዳ-ኤርትራ ድማ ከም ላዕለዎት ኣማኸርቲ ሰራዊት ደርግ ኮይኖም፡ ወታሃደራዊ ሰበ-ስልጣናት ሩሲያ ኣብ ስራሕ ከለዉ (red-handed)፡ ብህግሓኤ ተማሪኾም ክንሶም ከም ምሓዙት ተሰሪዖም። ጣቋኡ ዘይፍለጥ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ መሪሕነት ህግሓኤ፡ ዋላ ብንፈርቲ ዓድታት የቃጽሉ፡ ዋላ ኣብ ሜዳ ይማረኹ፡ ሶቬት-ዩኒዮን መትከላዊት ምሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እያ ኣብ ዝብል መትከል ደሪቓ። እዚ መትከል'ዚ፡ " ዋላ ትንፈር ፡ ጤል እያ፡ ራዛ ኣይኮነን" ዘስምዕ ዕሙት ክርክር የዘኻኽረኒ። ካልእ ጽቡቕ ገይረ ዝዝክሮ፡ መሪሕነት ህወሓት፡ ብዛዕባ መሪሕነት ህግሓኤ ክገልጽ ከሎ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ፡ ቅዲ ናይ ሽዑ ሶቬት-ዩኒዮን ተኸቲሉ፡ ሃብታም መንግስቲ ድኻ ሕዝቢ ዝፈጥር፡ ስርዓተ-መንግስቲ ክተክል እዩ ኢሉ ተነቢዩ። ሕጂ ኣብ ባይታ ወሪድና፡ እንተ ተምልኪትና፡ እቲ ዝተባህለ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኮነን።

ድሕሪ ናጽነት ብኣግኡ፡ ኣብ 'ፍራንክፈርተር ኣልገማይነ' (Frankfurter Allgemeine) ዝተባሀለ ህቡብ ብቋንቃ ጀርመን፡ ዝሕተም ጋዜጣ፣ ነፍስ-ሄር ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝገበሮ ቃለ-ምሕትት ኣንቢበ ነይረ። ኣብኡ ካብ ዝዝክሮ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ተሓቲቱ ዝመለሶ፣ ኣብ መንጎ ስርዓታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተልዎ ዝተፈላለዩ ሜላታት ምዕባለ ገሊጹ ነይሩ። ኤርትራ ትኽተሎ፡ ካብ ገጠራት ተበጊሱ ናብ ከተማታት ገጹ ዝኸይድ ኣገባብ ምዕባለ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ኢትዮጵያ ትኽተሎ ድማ በንጻሩ፡ ካብ ከተማታት ተበጊሱ ናብ ገጠራት ዝኸይድ ኣገባብ ምዕባለ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ብዘይካ'ዚ፡ ትሓቲቱ ዝሃቦ ካልእ መልሲ- ብዓይኒ ነቐፌታ ይመስል- "እወ መራሕቲ ኤርትራ ገና ኣብ ሕጽኖት (honeymoon) እዮም ዘለዉ "ዝብል ነይርዎ።

ሐ . ድያብሎሳዊ ዕንክሊል ዘኸተሎ ህልቂትን ኣደራዕን

1) ቀዳማይ ዙርያ፥ እቲ ደማዊን ኣዕናውን ካብ 1961-1991ዓ. ም. ዝተኻየደ፡ ናይ 30-ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት፣ ህልቂት ሂወት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብሓፈሻ ድማ ዝተረፈ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኣስዒቡ። ብኹሉ ወገናት ተደሚሩ፡ ብግምት ክልተ-ሚእቲ ሺሕ ሂወት ተጋደልቲ መንእሰያትን ሲቪላውያንን ዝቐዘፈ ኲናት እዩ ነይሩ።

2) ካልኣይ ዙርያ፥ እቲ ናይ ዶብን ባድመን ኲናት ዘስዓቦ ደማዊ ኲናት ካብ 1998-2000 ዓ. ም. ሂወት ኣሽሓት መንእሰያት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ በርጌስ ህዝቢ ኤርትራ ዘበሳበስን ዘመዛበለን ኲናት እዩ ነይሩ።ኣብዚ ክስመረሉ ዘለዎ፡ ትግራዎት ፖለቲካውያን ይኹኑ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ተረኽቲ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዘይጠቅስዎ ክውንነት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ባድመ ምስተቖጻጸረ ወይ ምስ ሓዘ ፡ ኣብኡ ደው ዘይምባሉ እዩ። ስለምንታይ ክሳዕ ባረንቱ ማእከል ኤርትራ ኣትዩ? ስለምንታይ ኣብ ሓውሲ-ከተማ ማይድማ ኣትዩ ንብረት ኣዕንዩ? ስለምንታይ ኣብ ሰገነይቲ ኣትዩ? ስለምንታይከ ወድብ ዓሰብ ንምሓዝ፡ ተውሳኺ 24-ሰዓት ዕድል ክውሃቦ ሓቲቱ ብተደጋጋሚ ወተሃደራዊ ፈተናታት ኣካይዱ? ሳላ ዘይጽዓት ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ዘፍሾሎ እምበር፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓቕሙ ዝፈቕደሉ ፈተነታት ግይሩ ፈሺሉ እዩ። ትግራዋይ ፖለቲከኛ፡ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ኣብ ርእዮት ዝተባህለ መድያ ቀሪቡ፡ መለስ ኮሊፍና እምበር ንዓስብን ኣስመራን ክንምርሽ ንኽእል ኔርና ዝብል 'ኣስመራ ኣትዮም መንግስቲ ክግልብጡ' ዝነበሮም ስዉር ሕልሚ ኣቃሊዑ። እዚ ኩሉ ክዝርዝር ዘገደድኒ፡ ክኣ ኣቶ ገብሩ ኣስራት እቲ ትኾሊፍና ዝበለ ወል-ቀሰብ ንርእሱ፥ ስለምንታይ ሰራዊት ኤርትራ ክሳዕ ሽረ ኣትዩ፡ ኤርትራውያን ጨካናት እዮም፡ ኢሉ ከጉረምርም ስለ ዝሰመማዕክዎ እየ። ብኩሉ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣቀራርባ ክህሉ ይግባእ።

እዚ ኮይኑ እቲ፡ ድያብሎሳዊ ዕንክሊል ባህጊ ዕብለላን ቅርሕንቲን መራሕቲ ኢሃደግን፡ ህግደፍን፡ ወያኔን፡ ልሂቃን ኣምሓራን፡ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ ኣደራዕ ምውረዱ ኣይተረፎን።

3) ሳልሳይ ዙርያ፥ ብድሕሪ ጠ/ሚ ዶር ኣቢይን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዝኸተምዎ ሰበበኛ ውዕል 2018 ዓ. ም. ዝስዓበ፡ ብምትሕብባር ፈደራልዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን፡ ምልሻ ክልል ኣምሓራን፡ ሰራዊት ኤርትራን ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ኲናት 2020ዓ. ም. ወራር ክልል ትግራይ እዩ። ኣብዚ ወራር'ዚ ብዝኾነ መዐቀኒ ክምኽነየሉን ወይ መመሳመሲ ክቐርበሉን ዘይክኣል ጭከኔ ዝመልኦ፡ ኢሰብኣዊ ህልቂት ሂወትን፡ ጾታዊ ምግሳስ ደቀ-ኣንስትዮ፡ ዕንወት ቁጠባዊ ትካላትን፡ ትካላት ጥዕናን፡ትካላት ትምህርትን፡ ብርሰት ንብረትን፡ ጥሜት ህዝብን ኣኸቲሉ እዩ። ብዘሕዝን ደርጃ ህዝቢ ተበሳቢሱ፡ ስቪላውያን ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ተሰዲዶም እዮም። ጠንቁ እቲ ድያብሎስያዊ ዕንክሊል ዕብለላን ቅርሕንትን ቂምን እዩ።

4) ብውዕል ፕሮተርያ፡ ዝተቖጠዐ መራሕ ህግደፍ 'ደጊም ጸውታ ተወዲኡ' (gameover) ኢሉ ምስ ኣቢይ ተሻሪኹ ዝጀመሮ ወራር፡ ተኾሊፍና ብዝብል ሕርቃን ዛዚምዎ። ኢሳያስ ኣፈወርቂን፡ ትግራዋይ ገብሩ ኣስራትን ብዝፈሰሰ ደም ዘይዓገቡ፡ ተኾሊፍና ዝብል ቃል ምጥቃሞም፡ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝስርዑ ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ዘይብሎም፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ገና ከድምዩ ዝብህጉ ፖለቲካውያን ምዃኖ ክንፈልጥ ኣለና። እዚ ኩሉ ኣደራዕ ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ፡ ብድያብሎሳዊ ዕንክሊል ባህጊ ዕብለላን ቅርሕንቲን ቂምን መራሕቲ ኢሃደግን፡ ልሂቃን ኣምሓራን፡ ህግደፍን፡ ወያኔን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይምሰለንን።

ኣብዚ ጽሑፍ- ድያብሎስያዊ ዕብለላን ቅርሕንትን ቂምን - ስለምንታይን ምዓስን ከመይን (why, when and how) ከምዝጀመረ፡ ሳዕቤኑ ወይ ጉድኣቱ እንታይ (what) ከም ዝነበረን ዝብሉ ሕቶታት ብሰፊሑ ክድህስስ ፈቲነ እየ። ሕጂ ብኣዚዩ ጽሟቕ (in a nutshell) ካብዚ ዕንክሊል'ዚ ከመይ ጌርካ ትወጽእ ወይ ትሰብሮ ምእማት እዩ ተሪፉ ዘሎ። ብሓጺሩ ኣቲ ፍታሕ(solution) እንታይ ክኸውን ይኽእል፥

ድያብሎሲያዊ ዕንክሊል ክስበር፥

1) ልዕልና ሕግን ስልጣ ህዝቢን ክነግስ፡ እምቢ ንኣጀንዳ ዕብለላን ቅርሕንትን ቂምን ክብሃል ኣለዎ፡
2) ኣብ ስልጣን ዝጠስጠሱ ቅርሕንተኛታት ቂመኛታት መራሕቲ ክውገዱ፣ ብሕጊ ዝቕየዱ ቡቑዓት ክትክኡ ኣለዎም፡
3) እምቢ ንኲናት፡ ግጭት ኣብ ዙርያ ጠረቤዛ ብልዝብ ይፈትሑ ክብሃል ኣለዎ፡
4) ምትብባዕ ርክባትን ተዋሳእነት ህዝቢ ምስ ስግሪ ዶብ ህዝቢ (ኤርትራ-ትግራይ) ክንጠልብን ክንጽውዕን ኣለና፡
5) ኩሉ ኣባል እቲ ዞባ፡ ውልቀ-ሰብን፡ ውድባትን፡ ስቪካዊ ማሕበራትን፡ ትካላትን ውሽጡ ክፍትሽ፡ ካብ ጸቢብ ኣራኣእያ ክወጽእ ይግባእ።

ኣብዚ እዋንዚ፥ ሓዲሽ ኣሰላልፋ ሓይልታት ይኽሰት ኣሎ። ሓዲሽ ድያብሎስያዊ ዕንክሊል ከይፈጥሩ ዘሻቕል እዩ። መስፋሕፍሒን ገባትን ስርዓት ኢትዮጵያ ከም ኣመሉ ተፈጥራውን ባሃርያውን ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ (ቀይሕ ባሕሪ?)ዝጠልብ ምጒብባዕ ዶክ ኣቢይ ይስማዕ ኣሎ። "ጸማም ሓደ ደርፉ" ወይ ክኣ "ብዘበን ዉቤ ዝጸመምስ ዝባን ዉቤ ክብል ይነብር" እንድዩ ዝብሃል፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ ደርፎም፡ ' ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ(ቀይሕ ባሕሪ?)። ስርዓት ሃይለስላሴን ደርግን ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ኣንዳደረፉ ካብ ስልጣን ተጓሒፎም፡ ኣቢይ እውን ዕጨኦም ዝመረጸ ይመስል ኣሎ። ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ጥራይ ኣኮነን። ብሙልአን ሓደ-ሕምሲት (1/5) ዝኾና ኣፈደገ ባሕሪ ዘይውንና (landlocked) ኣህጉር ዓለምና፡ ብሰላም ምስ ጎረባብተን ሕጋዊ ውዕላት ፈሪመን ርትዓዊ ናይ ርግጫን ካልእማልእን ከፊለን፡ ኣግለግሎት ወደባት ጎረባብተን ይረኽባ ኣለዋ። ኢትዮጲያ ክኣ ውዕል ፈሪማ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ኣገልግሎት ወደብ ዝፈቕዶ ከፊላ ብዝደለየታ ጎረቤት ሃገር ፡ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ከምእውን ከንያን ሱዳንን ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ትኽእል እያ። ዕድለኛ እያ ስለምንታይሲ ብዙሕ ምርጫ እዩ ዘለዋ። ሓይሊ ተጢቒማ፡ ግን ሎሚ ኣይትረከብ ጽባሕ'ውን ኣይትረከብ።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2025 ዓ.ም. ንኹሉ!

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም!

ሰላም ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ!

ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ሕ.መ.ኣ. (USA)



Reconciliation & Peace ዕርቂን ሰላምን


See also more articles by Mr. Gebreyesus Woldemichael
ካልኦት ብ'እቶ ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: