01/01/2025 00:05 AM
ገምጋም ዝሓለፈት ዓመት 2024፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡ ንሓዳስ ዓመት 2025።
إريتريا: تأملات في عام 2024، رسائل وأمنيات لعام 2025
Eritrea: Reflections on 2024, Messages and Wishes for 2025.
ዝኸበርካ ደላይ ሰላምን ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራ!
ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና!
ርሑስ ቅንያት፡ በዓለ ልደት!
እንቋዕ ከኣ ናብዛ ሓዳስ-ዓመተ 2025 ኣሰጋገረና!
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ኣብ ውግእን ወረ-ውግእን፡ ኣብ ምትካል ጽልኢን ቅርሕንቲን ኢዩ ዝሃጥር። ብሰንኪ እዚ፡ እልቢ ዘይብሎም መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብቲ ተገዲዶም ዝኣተዉዎ ኲናት ተጠቢሶም ኣደዳ ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም። ድሕሪ'ቲ ኣብ ፕሪቶሪያ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ኣብ ሞንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን እተበጽሐ ናይ ሰላም ውዕል፡ ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ "ተኾሊፍና" ብምባል ናይ ኲናት ህርፋኑ ከምእተኾልፈ፡ ብዘይ ሕብእብእ ገሊጹዎ ኢዩ። ስርዓት ኢሳይያስ፡ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ጠቢሱ ዘህለቖም ደቂ ኤርትራ፡ ወግዓዊ መርድእ ንህዝብና ክገልጽ ዘይምድላዩ ኸኣ፡ መርኣያ ናይቲ ወሪዱና ዘሎ ቅዝፈት፡ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ፡ ዝእምት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ነፍሲ-ወከፍ ስድራቤት ኤርትራ፡ ድሃይ ናይ እትፈትዎ ውሉዳታ፡ ወላዲኣ፡ ስኢና፡ ከብዳ ሓቚፋ፡ ኣብ ዓሙቕ ጭንቀት ትርከብ ምህላዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕልኻ እትሓልፎ ዘሎኻ ሓቂ ኢዩ። ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ናይ ዝሓለፈ ብርሰት ህዝብና ከይኣክል፡ ሕጂ ድማ፡ ምስቲ ናይ ትማሊ ናይ ጥፍኣት መደባቱ መታሓባብርቲ ዝነበረ ዶ/ር ኣቢይ ስለዝተባእሰ፡ ኣንጻሩ፡ ኣብ ሓድሽ ምቅርራብ ኲናት፡ ሸበድበድ ክብል ንርእዮ ኣሎና። ሕጂ ኸ፡ ወዲ መን ወይ ጓል መን ኢዮም ኣብዚ ኲናት እዚ ክጥበሱ?
ሃገርና ኤርትራ፡ ብዓለማዊ ናይ ምዕባለ መለክዒታት (UNDP)፡- ብጸጥታን ሰላምን፡ ብቁጠባዊን ማሕበራዊ ምዕባለን፡ ብምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ኢያ ተሰሪዓ እትርከብ። ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ደጋጊሙ ኣብታ ንሱ ጥራይ ዝብሕታ ኤሪ-ቲቪ ወጺኡ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገርና ከምዘንቆልቆለ፡ ደጋጊሙ ንህዝቢ ገሊጹ ኢዩ። ቀንዲ ናይዚ ኩሉ ብርሰትን ዕንወትን ግን፡ ንሱን፡ እቶም ውሑዳን መጋበሪያታቱ ሰብ ጽሩራን ጸጥታን ትካላት ምዃኖም፡ ንስኻ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ድፋዓት ተገዲድካ መዋእልካ ዝበሊ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራን፡ ኣዳዕዲዕኩም እትፈልጡዎ ሓቂ ኢዩ። እሞ! ብዛዕባ ቁጠባዊ ውድቀትን ብርሰትን ሃገርና፡ ብዙሓት ምሁራት ኤርትራውያን እውን ጽሒፎምን ተንቲኖምን ኣለዉ። ኣብዚ ዝለዓል ኣገዳሲ ሃገራዊ ሕቶ ኣሎ፡- ከም ሃገርን ህዝቢን፡ ክሳብ መዓስ ኢና እናበረስናን እናጸነትናን ስቕ ኢልና ክንርኢ?
ዝኸበርካ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ!
ዝኸበርካ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እታ ዘይትድገም እንኮ ህይወትካን መጻኢ ዕድልካን ተመንጢልካ፡ ኣብ ደረት-ኣልቦ ጊልያነት ተቖሪንካ ዘሎኻ መንእሰይ ኤርትራ!
ህዝብኻ መሰሉ ተመንጢሉ፡
ኣብ 1997 ብቅዋማዊ ባይቶኡ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋሙ ከየተግብር ተኸልኪሉ፡
ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ካብ ዓመተ-2002 ኣትሒዙ ተበቲኑ፡
ሃገርና እናበረሰት፡
ማእለያ ዘይብሎም ደቂ ኤርትራ ኣብ ስዉር ጎዳጉዲ እናተሓየሩ፡
ወለዲ፡ ሰኣን ጠዋሪ፡ ኣብ ዘይእዋኖም ናብ ዓዲ እዝግሔር እናተዓዝሩ፡
ህዝብና እናነብዐ፡
መንእሰይ፡ ኣደዳ ስደትን መከራን እናኾነ፡
ንስኻ ውን፡
ኣይ ሓዳር፡
ኣይ ውላድ ኮይንካ፡
ዘርኢ ኤርትራውያን እናተጸንቀቐ ከሎ፡
ቁጽሪ ህዝብና ኣብ ዝሓለፋ 34 ዓመታት ኣብ ክንዲ ከም ጎረባብትና እናወሰኸ ዝኸይድ፡ ብኣንጻሩ ኣንቆልቊሉ ምህላዉ እናረኣኻ፡
ጀጋኑ ወለድኻ ዝተሰዉኡሉ ዕላማ ሒዝካ፡ ንመሰል ህዝብኻ እትለዓለሉ ወቕቲ፡ ዋላ ግዚኡ ኣዝዩ ይደንጒ እምበር፡ እቲ ሓላፍነት፡ ዝያዳ ኹሉ፡ ኣባኻ ኢዩ።
ይኣክል ደጊም! ብምባል፡ ንመሰልካን ንመሰል ህዝብኻን ክትለዓል፡ ናይ ህዝብና ጻውዒት ምዃኑ፡ ትስሕቶ ኣይመስለናን።
ኣብዛ ሎሚ ኣቲናያ ዘሎና ዓመተ-2025፡ ካብ ንመዋእል ሞት፡ ሓጺር ዋጋ ከፊልካ፡ ናይ መዋእል ህይወት ይሓይሽ! ብምባል፡ ኩሉ ካባኻ ዝሕተት ዘበለ ክትገብር፡ ተስፋ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እዚ ምስ እትገብር፡ ዝተበተነ ህዝብና ናብ ዓዱ ክውሕዝ ኢዩ። ሃገርና፡ ብቅዋምን ብልዕልና-ሕጊን ክትመሓደር ኢያ። ፍትሒ ክነግስ ኢዩ። ኤርትራዊ ዜጋ፡ ከይተሾቑረረ፡ ንፋስ ዓዱ ከስተማቕር ኢዩ። ነጋዳይ ክነግድ፡ ሓረስታይ ክሓርስ፡ መንእሰይ ውን ሕልሙ ከተግብር ኢዩ። እዚ ሓርነታት እዚ፡ ናይ ህዝብና ስኒትን ሰላምን ክፈጥር ኢዩ። ንሃገርና ሓይሊ ክፈጥረላ ኢዩ። ዝደፍራ፡ ወይ ጽንጽያ ዓይና ዘንፍረላ ጸላኢ ውን፡ ኣይክህሉን ኢዩ።
ዝኸበርካ ኣብ ዳያስፖራ ኣብ ስደት ዘሎኻ ኤርትራዊ!
እዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት 2023-2024፡ ካብ ምልካዊ ስርዓት-ኢሳይያስ ዝመጽእ ስግረ-ሃገራዊ መጽቀጥቲን ስግኣትን ዝደረኾ፡ ውዕዉዕ ናይ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓስ እተራእየለን ዓመታት ኢየን ነይረን። መንእሰያት ደቅና፡ ነብሶም ንምጥያስን ንምኽኣልን ዝገጥሞም ብድሆታት ከይኣክል፡ ብሰንኪ እዚ እከይ ድርኺት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣብ ዝነብሩሉ ሃገረ-ስደት እውን ክቐስኑ ኣይከኣሉን። ስለዝኾነ፡ ሰማያዊት ባንዴራ ከም መለለይት ኣርማኦም ኣልዒሎም፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓተ-ምልኪ ንምእላይ ተላዒሎም። እቲ ናይ ህዝቡ ክሳራ ግዲ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ከኣ፡ ናይ ገረብ-ብሓኽላ ሜላታቱ፡ ዝተፋላለየ ጉልባብ ኣስማት እናጠመቐ፡ ኣብ ሞንጎ መንእሰያት ኤርትራ ደም ምፍሳሳት ከምዝስዕብ ገይሩ። ንህዝብና ዘሕዘነ ብዙሕ ክስተታት እውን ኣጋጢሙ። ኣብዚ ጉዳይ ዚ ክልገስ ዝግብኦ ምኽሪ ኣሎ፡-
(1) ኣንቱም መጋበሪያ ናይቲ እከይ-ስርዓት ብምዃን፡ ንደቅኹም ሓድሕድ ተናቑቱ ዘሎኹም ወለዲ፡ እቲ እትገብሩዎ ዘሎኹም፡ ጽባሕ ብታሪኽ ዘሕትት ኢዩ ሞ፡ በጃኹም፡ ልቢ ግበሩ። ከምኡ ውን፡ እቶም መስገደል ሰጊርኩም ናብ ዓዲ ሰላም ብሓባር ዝበጻሕኩም መንእሰያት ክንስኹም፡ ሕጂ መጋበሪያ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ክትኮኑ ዝመረጽኩም፡ ዓገብ! ጽባሕ ከጣዕሰኩም ኢዩ። ኣይፋልኩምን!
(2) ሰማያዊ ማዕበል ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ሕድሪ ወለድኹም ሒዝኩም ምብጋስኩም፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን ዝርከብ መላእ ህዝብና፡ ጸባ ዘስተየ ንቕሎ ምዃኑ፡ መጀመሪያ ክስመረሉ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። ምስክሩ ኸኣ፡ መላእ ዓለም፡ ንወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ክዛረበሉ ጀሚሩ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እውን ስግኣታቱ ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ ክዛረበሉ ተገዲዱ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ መንእሰያት እውን ንለውጢ ዘለዎም ተስፋ፡ ኣበራቢሩዎ ኢዩ። ንስኹም፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ኤርትራ ከርተት ዝብል ዘሎ መንእሰይ፡ ከም ምዃንኩም መጠን፡ ብቛንቋ ንክትራኸቡ ዘሎኩም ዕድል ዘዝለዓለ ኢዩ። ነዚ ኣብ ሞንጎ ክልቴኹም ዘሎ ዝምድና ዘራኽብ ድልድል ንምህናጽን ንምሕያልን፡ ውዱብን ዝተጸንዐን መደባት ናይ ጎስጓስ ከተውጽኡ ይግባእ። ነቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ዕቑር ዓቕሚ ናይ ሞያውያንን ምሁራትን፡ ናብ ቅድሚት ብምምጻእን ካልኦት ውን ብምዕዳምን፡ ኩሉ-መዳያዊ ዓቕምታትኩም ከተሐይሉ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ጽባሕ፡ ንደቃን ብደቃን ኢያ፡ ክትከውን ዘለዋ። ነታ ዕድመ ንእስነቶም ዝወፈዩላ ሃገሮም ክረግጹዋ ዘይተፈቕደሎም፡ ኣብ ስደት ኮይኖም፡ ብዘይ ምቁራጽ ንለውጢ ክቃለሱ ዝጸንሑ ወለድኹም፡ ምምጻእ ሰማያዊ ማዕበል መንእሰያት፡ ሽግ ሓርነት ዝርከብ መንእሰይ ስለዝተወልደ ዓቢ ተስፋ ኮይኑዎም ኣሎ። ብሙሉእ ሓይሎም ተሞኩሮኦም ከመሓላልፉልኩም፡ ድሉዋት ምህላዎም ወትሩ ክገልጹ ይስምዑ ምህላዎም ከኣ ናይዚ ድሌት እዚ መርኣያ ኢዩ። ከምቲ ህድሞ ብዘይ ዓንዲ ዘይቀውም፡ መንእሰይ ወለዶ እውን ብዘይ ውህሉል ተሞኩሮ ወለዱ፡ ከምቲ ዝድለ ክቐውምን ከድምዕን ኣይክእልን ኢዩ። ህዝባዊ ቃልሲ፡ ቃልሲ ወለዶታት ስለዝኾነ። እሞ፡ እዚ ኣቲኹሞ ዘሎኹም ኣድማዒ መድርኽ፡ ንጸላኢ ዘርዓደ ስለዝኾነ፡ ንምፍልላይኩም፡ ብብዙሕ መልክዓት፡ ክፈታተነኩም ከምዝኾነ፡ ክትነቕሑሉ ይግባእ። ጸላኢ፡ ክሳራኹም ከምዝውስኽ ንምግባር፡ ሃብቲ ሃገር ኣብ ኢዱ ስለዝኾነ፡ ንዕኡ እናዋፈረ፡ ንግጭት ክደፋፍኣኩም ድሕር ከምዘይብል፡ ድሮ ኣብ ተሞኩሮኹም ኣስተውዒልኩምሉ ኣሎኹም። ስለዝኾነ፡ ስምዒታትኩም ብምቁጽጻር፡ ንውዲታት ጸላኢኹም ከምዝብርዕን ግበሩዎ።
መንእሰይ እተጸምበሮ ፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ክዕወት ናይ ግድን ኢዩ!
ደጊምና፡
ርሑስ ቅንያት ልደትን፡ ሓድሽ ዓመተ 2025!
መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡
01 January 2025
ብምቕጻል፡
ህዝብና ነዛ ዝተፋነናያ ዓመተ 2024 ብኸመይ ኣሕሊፉዋ? ብኸመይ'ከ የስተንትና? ኣብዛ እንኣትዋ ዘሎና ሓዳስ ዓመት 2025'ከ እንታይ ተስፋታት ሒዝናላ ኣሎና? ንለውጢ ዝኸውን መቐይሮ መደባት እንታይ ኣሎ? ኣብ ዝብል ዘተኮረ፡ ካብ ዝተፋላለዩ ምንጪታት ዝመረጽናዮም መግለጺታትን ኣጋጣሚታትን፡ ኣብ ታሕቲ ነቕርበልኩም። ሓጋዚ ክኸውን ድማ ተስፋ ንገብር። ብቐጻሊ ትሕዝቶ እናወሰኽናሉ ስለእንኸይድ፡ ተማላሊስኩም ነዚ ገጽ`ዚ ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ።
ነዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስዝህሉ፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ፡ ሓበሬታ ክትሰዱልናን ክትተሓባበሩናን ብትሕትና ንሓትት።
ሓድሽ ዓመት 2025፡ ሓድሽ መንፈስ ቃልሲ ንፍትሒ! Global Yiakl
ባህግና Bahgna Media 05 01 2025 መግለጺ ሓድሽ ዓመት 2025 ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብትግርኛን ዓረብኛን
ሰናይ ትምኒት ንሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን እተስፍን ዓመተ 2025
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ኣብዚ ዓመተ 2024 ኣብቂዑ ዓመተ 2025 ዚኣትወሉ ዘሎ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ዘስፍን ርሑስ ሓድሽ ዓመት ኪዀነልና እትምነ።
ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ብብርቱዕ ቃልስን ልዑል መስዋእትን ምስ ተረጋገጸ፣ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ዚሰፈና ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት ዓቢ ተስፋን ተኽእሎን ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ-ዓሰርተታት ዓመታት Read more:
May 2025 Bring Freedom, Justice, Prosperity and Peace
Ambassador Andebrhan Welde Giorgis
On the eve of the New Year whence 2024 gives way to 2025, I wish the people of Eritrea at home and abroad a very happy New Year that ushers in a new era of freedom, justice, prosperity and peace.
At the time the State of Eritrea achieved sovereign independence through hard struggle and immense sacrifices, there were high hopes and a great potential to establish a democratic Eritrea that enshrines freedom, justice, prosperity and peace. Appropriate policy instruments were put in place to construct a nation state Read more:
መግለጺ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት
ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ሎሚ ኣብ ድሮ ምስግጋር ናይ 2025 ዓ.ም ኢና ንርከብ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒሙ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ “እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን” እናበለ ናይ ሰነይ ትምኒት መልእኽቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምናን ኣመሓላሊፉ። Read more:

تهنئة بعيد ميلاد السيد المسيح
والسنة الميلادية الجديدة
يسر المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي أن يزف أسمى آيات التهاني والتبريكات للإخوة المسيحيين في إرتريا وفي العالم بمناسبة أعياد الميلاد ورأس السنة الميلادية الجديدة 2025، راجيًا أن يعاد عليهم بخير وأمن وسلام.
وينتهز المجلس الوطني هذه المناسبة ليتقدم بالدعوة الصادقة لكافة القوى الوطنية المناضلة، أن توحد الجهود وتحشد الطاقات في سبيل إسقاط العدو الرئيسي للشعب الإرتري، المتمثل في نظام الجهة الشعبية للديمقراطية والعدالة، لينعم شعبنا بالعدالة والديمقراطية والسلام.
ERIPM | ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ዘይኮነ ዘይፈለጦ ነቲ ዘድሕኖ'ዩ ከለልዮ ዘይክኣለ!! ~ ሉኡል ዘውደ ~ ዳንኤል ቦኽረ ~ ኢሳያስ ተወልደ
ERIPM | ቃልሲ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ክማላላእ ኣለዎ! ~ ሉኡል ዘውደ ~ ዳንኤል ቦኽረ ~ ኢሳያስ ተወልደ
ኣብ እዋን ልደት ናይ ኢዱ ዝረኸበ ውልቀ -መላኺ - ብሳሎኮርንያ
ATV: ኤርትራውያን ሓድሽ ዓመት ንቕበል ኣለና፡ ንሕና ኸ ሓድሽ ለውጢ ንምምጻእ ቅሩባት ዲና?
ገምጋም ዓመተ 2024| ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዞባናን ሃገርናን ምስ በየነ ገረዝግሄርን በረኸት ካሕሳይን
ERIPM | መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ቐጸላታት ፍልልይ ወጊድ ንበል
See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦
ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡ ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2024
Assessments, New year wishes and Analyses, on the occasion of New year 2024
التقييمات ورغبات العام الجديد والتحليلات بمناسبة العام الجديد 2024
See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦
ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡ ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023
Assessments, New year wishes and Analyses, on the occasion of New year 2023
التقييمات ورغبات العام الجديد والتحليلات بمناسبة العام الجديد 2023
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።