ሸከም ወይ ጾር ዝኾነ ጋሻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

21/07/2018 16:36 PM

ሸከም ወይ ጾር ዝኾነ ጋሻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሸከም ወይ ጾር ዝኾነ ጋሻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፥
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፣ ተስፋ ይገብር ድሓን ክትህልዉ፡ እዋኑ ንኸተስተንፍስ ግዜ ዘይህበካ፣ሃዋህው ፖለቲካ፣ ሃገርና ህዝብናን ዘሕልፎ ዘሎ ስነ ኣእሙራዊ ተሃዋጽነት፣ ምዕልቕላቓት ሓጎስን ጓሂን ተሓዋዊሰን፣ ዕረፍቲ-ድቃስ ዘይህባ ኣምራት ኢና ንነብር ዘለና። ተሞኪርናዮን ሪኢናዮን ዘይንፈልጥ ምልውዋጥ፣ ሃዲእካ ክትሓስብ ዘየፍቅድ ኣጋባብ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፡ እቲ ዝነበሮን ዘርእዮ ዝነበረ ባህርያት ወይ ሽፋን ጠባያቱ፣ ንኹሉ ብዘገርም ኣጋባብን ንህዝብን መንግስታት ዓለምን ዘዳናግር ስትራተጂ፡ ነቶም ምስኡ ዝዳናገጹ ከይተረፉ ዝብልዎ ዝጠፍኦም ምእዛኖም ዝሳኣኑ ኮይኖም፣ ደምበ ፍትሒ እዉን እንተኾነ ኣጋውል ኮይኖም ከዕለብጡን ከመይ ገይሩ ክገጥሞ/ክብድሆ ንምባል፣ አብ ዲቕ ዝበለ ምሕሳብ ኣትዩ ይርከብ። ምኽንያቱ በተን ንሱ ዝዝምረን ሰላም-ፍቕሪ-ራህዋ-ብልጽግና-ይቕረ-ሓድጊ፡ ዝብላ ቅጽላት፣ ህዝብና ክህሉዎ ዘለዎ፣ ኣብ ዲኦክራሲያዉን ቁዋማን ስርዓተ-ሕጊ፣ እየን ክትርጎማ ዝኽእላ ክብል ጸኒሑ ፡ እዚ ሰራም ስርዓት ን-ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ በዓል ብሪኪ ብምግባር፣ ብኣፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢሉ ፍቕርሪ ሰላም ይቕረታ ሓድነት ተደመሮ፡ እንኮላይ ብልጽግና ምትሕግጋዝን፣ ስጋብ እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ሓባራዊ ምክልኻል ክህልወና፣ ዝኣመሰለ ኣዛራርባ፣ ነቲ ሉሙድን ከይደኸመ ዝዝምሮ መዝሙር፣ ውልቀ መላኺ፣ ብዘይካ ጉራን ጸርፍን ምንእኣስን ካልእ ዘየዘውትር ዝነበረ፣ ሓዲሽን ንምድንጋር ዝጠቕማ ቅጽላት ክለብስ ገይርዎ ጥራይ ዝይኮነስ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ወፋይ ሰላምን ሓድነትን ኮይኑ ክቐርብ ይፍትን ኣሎ። ካብታ ተዓጽዩላ ዝነበረ ጉድጓድ (isolation) ተነጽሎ ክወጽእ ህርድግ ይብል ኣሎ። እቲ ዘገርም ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝበሎ ሰጊሩ ነቲ ናይ ሰላም ህርፋን ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብኣሻሓት ሆጭ ኢሉ ን-ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ደገፉን፣ ንናይ ጹቡቕ ጉርብትና ዝደሊ ምዃኑ፣ ብጣቒዑቱን ዕልልታን ዝተሰነየ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ዘርኣየ ህዝቢ፣ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ገይሩ፡ ሳላኻ ብናትካ ተበግሶን ቃልስኻን ን-ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ክመጽእን ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርኩም ክጠጠሕን ክምዕብልን ምግባርኩም የውሃናን ምስጋናይን ይብጻሕኩም። ኣነ ክኣ ኣብ ጎኑኹም ግድኒ ዶ/ር ኣብይን ኣለኹ፣ ክብል ከሎ ናይ ተቐባልነት ጨብጨባን ምስጋናን ተቐቢሉ። ኣይ ውልቀ መላኺ፣ ነዚ ሕጂ ሓደ ህዝቢ ትብሎ ዘለኻ ሃገር፣ ንውዕል ሕቡራት ሃገራት ጢሒሱ፣ ብሓይሊ መበል 14 ጠቕላይ ግዝኣት ምስ ገበራ (13 ተደመሮ ሓደ = 14) ገብረ መልሲ ብረት ዓጢቑ ድሕሪ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ እምቢ ን-ተደመሮ ብምባል፡ ልእላዊትን ሓድነት ህዝባ ዝሓለወት ሃገር ከም ዝገብራ ከመይ ገርካ ብስኽራን ቅብጥሮት ትርስዖ ዘገርም ! እምብኣርከስ ህዝብና ኣይንድመር ኣይንጎድል ልእላዊ ሃገርና መሪጽና፣ ከም ክልተ ሃገራትን ጎራባብትን ግን ማዕራውን ተሓባቢርካ ምስራሕን አይንነፍግን፡፡ ክርሳዕ ዘብሉ ድሕሪ መሪርን ን-30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ናጽነቱ ምስ-ተጓናጸፈ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንዓኻን ንኹሎም ሓርበኛታት ከመይ ገይሩ ተቐበለካ/ተቐበለኩም ድሮ አብ-ናይ መረስዕ ሎቖታ ኣእቲኻ ዓጺኻዮ። ኣብ ጎረበት ሃገር ከድካ ሓደ ህዝቢ ብታሪኽ ዝተራጋገጸ ሓድነት ዝፋላልየና የለን፣ ክመቕለና ዝመጽእ ወይልኡ ክትብል ተሰሚዕካ፡ ነዚ ዝ-ተደመርናዮ ክሰብር ኮጉድል ዝመጽእ ብሓይልኹም ሓይልናን ከነሸንፎ ኢና ኢልካ ኣብ መድረኽ ክትግዕር ኣይትሓፍርን ?? እዚ ፓይፐን (ተመን ካብ ናይ ኮብራ ዝኸፍአ/ዝሓየለ ስሚ ዘለዎ) ዝኾነ ኢሳያስ፣ ንህዝቢን ስርዓተ ኢትዮጵያ ከዳናግር ይኽእል ይኸዉን፣ እንተ ንህዝቢ ኤርትራ ግን በቲ ዘሕለፎን ዘሕልፎ ዘሎን እቲ ዝገበርካዮን ትቕጽሎ ዘሎኻ ግብረ-እከይ ገበናት ዝርስዖ ወይ ዝጥበር ከይመስለካ።

እንተ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ግን እንታይን ስለምንታይን ናበይን ብኸመይን ዝብላ ሕቶታን ካልኦትን ኣብ ርእስኻ ተጠንጢለን ኣለዋ። ነቲ ብትምኒት ዝጽበየካ ዝነበረ ደላይ ፍትሒ-ሕጊ-ናይ ብሓቂ ሰላም-ፍቕሪ-ሓቢርካ ምስራሕ-ይቕረታ ጠንጢንካ ናብ (encumbrance) ሸኸም/ጸገም/ጾር ጋሻ፣ ከም ኣምባሳደር ሰላም ናይ ክልተ ህዝቢ-ሃገራት ዘምጽእ ወይ ከቃራብ ይኽእል ዝብል እምነት እንተ ደኣ ሃልዩካ ትጋገ ኣሎኻ፡ ወይ ብግርህና ናቱ ሓጥያት ክትስከምን ናቱ ወኪል ክትኸዉን ቃል ክትኣቱን ካብኡ ሓሊፉ ቃል-ኪዳን ክትኣስር፣ ውዑል ክትፋራረም ከለኻ፣ ሕልናኻ እንታይ ኮን ትብል ? ረሲዒካዮም ዲኻ እቶም ብዘይ ጎነጽ ብሰላማዊ መገዲ ቁዋማዊ መንግስቲ ይሃልወና፣ ስልጣን ንህዝቢ ነስረክብ፡ ሰላም-ፍቕሪ-ይቕረታ-ሃገራዊ ሓድነት- ሰናይን ማዕራዊ ጉርብትና፣ ካብ ምድማር፣ ሓበራዊን ተኻባቢርካ መሰረታዊ ፍቕርን ብልጽግናን ህዝብታትና ክህልዎም ዝበሉ፡ ንውዕል ኣልጀሪ ክዉን ዝገበሩ ዓበይቲ ሚኒስትራት ሃገርን፣ ንሰላም ፍትሕን ክመጽእ ዘማሕጸኑ ሓለፍቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፣ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮ መሰል ኢሎም ዝወጹ ትሕቲ ዕድመ ገናሽል፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ፤ ዶ/ር ኣበይ ኣበይ ኣላ እታ ኩሉ ግዜ ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ምሕረት ኢልካ ትዝምረላ። ባዕልኹም ከተምጽእዎ ዘለኩም ናቱኩም ጉዳይ ስለ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ጉዳይኩም ኣይኣቱን ትብል ትኸዉን። ሓቅኻ ግን’ከ ምስቲ ባዕልኻ አምባሳደር ሸይሙኒ አሎ ዝበልካዮን፣ ምስቲ ውልቀ መላኺ ብኣፉ ንኹሉ ወፍርታት አብ ክሊቲኡ ሃገራት ዝካየድ ክትምርሖን ከተማሓድሮን ሽመት ካብ ወሰኸካ ብኽልተ እግርኻ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ጢሕልካ ኣለኻ። ኹሉ እቲ ዝገበሮን ዝገብሮን እዚ ውልቀ መላኺ ሕራይ ኢልካ ተቐበልካዮ ይመስል። እታ ንደመር ትብል ቃልካ ኣዳናጋሪት ዋላ እኳ ህዝቢ ኤርትራ አይንድመርን ኢሉ ብቓልሱን ድምጹን ኣራጋጊጹ ይኩን እምበር ብዘይ እቶም ፍትሕን ዲሞክራስን ቅዋምን ሃወቶም አብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ እንታይ ዓይነት ምድማር ኢኻ ትምነ ዘገርም። ሕሰበሉ ደኣ ዶ/ር ኣብይ። እንተ ውልቀ መላኺ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ እዩ ዝፈልጠካ፣ ኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ እናበልካ ዝመጻእካ፣ ስርዓ-ዲሞክራሲን ቅዋማዊት ሃገር ክትህሉ እያ እናበልካ ዘዳናገርካ፤ ጸኒሕካ ቅዋም ከይ-ተወልደ ሞይቱ ክትብል ዘይሓፈርካ፣ ከም ሲንጋፖር ይትረፍ ባዕልኻ ሕጂ ን-27 ዓመታት ዝኣክል ንምዕባለ ተዓጊትና/ተቐይድና ጸኒሕና እናበልካ ትምስክር ኣለኻ፤ ኣይ ንመን ኮን ክተተዓሻሹ ትኸዉን፣ በዚን ወዲ ከምዚን ስልጣንካ ከተናውሕ ህርድግ ትብል ኣለኻ። ሕጂስ ይኣክል ኣብቂዑ እዩ ኩሉ ምስምሳትካ፡፡ ኖ-ኖ-ኖ እምቢ ድሕሪ ሕጂ ኣይንዕሾን ! እዩ መልስና። እታ game-over እቲ ፖለቲካዊ ጸወታ ተወዲኡ እዩ ትብል ንዓኻ እያ ተሪኢ፡፡

ኣብዚ እዋን ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ደምበ ፍትሒ ክንዋሳኣሉ ዘሎና ታሪኻዊ ግዜ በጺሑን ፣ ብሰላማዊ መገዲ ናዕቢ ህዝቢ ብምልዓል ልክዕ ከምቲ ኣብ ጎረበትና ዝኾነት ኢትዮጱያ ዝተጓናጸፈቶ ለውጢ ኸነምጽእ ንኽእል ምዃና እቲ ዲክታተር ኢሳያስ ተረዲእዎ፣ ንኸይግበርን ሓድነት ህዝብና ከይህሉን ናዕቢ ከይመጾ ሓድሽ ቅዲ ካብ ምምሃዝ አይክዓርፍን እዩ። ምስ ዶ/ር አብይ ክሻረኽ ዝፍትንን ናቱ ድልየት ከማላኣሉ ምእንቲ ኩሉ እዚ ክገብሮ ዝቐነየ ዕሸላውን ፖለቲካ ኣልቦ ብዘይካ ትንኩልና ዝመልኦ ስትራተጂ ምስክሩ እዩ። እታ ነዚ ፓይፐን/መርዛም ተመን ተፍርሖ እንተ ሃልያ ሓቢርካ ምቅላስን ብሓደ ድምጺ ምዝራብን፣ አብ ዲያስፖራ፣ ነቲ ንፍትሒ-ዲሞክራሲ-ሰላም -ፍቕሪ ብልጽግና- ይቕረታ -ሓድጊ ዝደልያ ህዝብና ብልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ጸወታ የለን። ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንኻን ምሳኻን አለና እዋኑ በቒዑ እዩ ስልጣን ኣብ ኢድካ ክትጭብጦ ተለዓል እናበልና ደሃይና ነስምዕ። ናዕብኻን እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ ትብለሉ እዋኑ እዩ እናበላ ብጻዕቂ ነታባባዓዩ። እታ ሸጥ መዓንጣ ንለውጢ ንበገስ ጭርሖና እያ።

እንተ ደኣ ዶ/ር ኣብይ ግን እቲ ሸኸም/ጾር ዝኾነ ጋሻኻ ውዕል ዘየኽብር፣ ሎሚ ተሳማሚዑ ንጽባሓይቱ ዘፍርስ ተኣማምነት ክዋሃቦ ዘይብሉ ምዃኑ እትርስዖ ወይ ዘይትግንዞቦ ኣይመስለንን። ዓለምና ብዙሓት ውዑላት (sharper) ዓላቚ/መዳናጋሪ ከምዚ ናይ ኢሳያስ ኣብ መጠረሽታ ክስራን እንተዘይኮይኑ መኽሰብ ዘይረኹቡ ጠፊሾም ዝተረፉ ከም ዘለዉ ትስሕቶ አይብልን፡፡ እዚ ተንኮሎኛ ብኣኻ ወይ በቲ እስኻ ኣብ ኣድኻ ትገብሮ ዞሎኻ ዲሞክራስያዊ ጉዕዞ ተሓቢኡ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ ኢሉ ዝሓሰቦን ዝጠጀኦን ገለ ንኣሽቱ ለውጥታት ኣታኣታቲኻ ገበንካ ምሽፋን ናትካ ደገፍን ምትሕግጋዝ እዩ ደልዩ።ገበናት ውልቀ መላኺ ተደቢቖም ወይ ተሸፊኖም ዝሓልፉ ኣይኮኑን ፡ እንተ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ለውጢ ግን ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ንርድኦ ንፈልጦን እዩ። ምኽርና ኢድካ አይተማርስሕ ጥራይ እዩ፣ ስለምንታይስ መዓልትስ ከይጸዋዕካያ ትመጽእ ከም ዝባሃል እቲ ለውጢ ከይተጸበኻዮ ክመጽእ ስለ ዝኽእል ኩሉ ዝግበር ዝምድናታት ብጥንቃቐን ንድልየት ባህግን መሰልን ህዝቢ ዝጉጽጽን ንዕምሪ ዲክታተርዊ ስርዓት ዘንውሕ ክይከዉን ሓበላ ኣብ ታሪኽ ዲሞክራሲያዊ ጉዕዞኻ ኮይና ከይትተርፍ የማሕጽን። ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምቲ ባዕልኻ እዉን ዝበልካዮ ብሕግን ሰላም ፍቕርን ምትሕግጋዝን ዝነብር ዝነበርን ባህርያቱን ታሪኹን ይምስክረሉ እዩ፡፤ ኮይኑ ግን ሓደጋ ናይዚ ውልቀ መላኺ አብ ስልጣን ምምጻኡ ነቲ ባህርየዊ ልምዱ ብ-ግዝኣተ ሕጊ ምምሕዳርን፣ ዲሞክራስያዊ አመላቱ ምምዕባልን ተሓሪሙ አብዛ ሕጂ እትሳቐ ዘላ ሃገር ክነብር ተገዲዱን ኣደዳ ስደትን ሞትን ኮይኑ ተሪፉ፣ ዓገብ ክባሃል ዘለዎ ዶ ኣይመስለካን። ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ደጊመ ተባራበር ተንስእ ምጽባይ ይኣክል ይብል።

ነዛ ካብ ኣንጾርጹረት ዝተላዕለ ስሚዒታዊት ዝሓወሰ ሩጉእን ህድእ ዝበለ ፖለቲካዊ ትንታነ ዝሓዘት መልእኽቲ ወይ ጽሑፍ ዘይክኸዉን ይኽእል ግን’ከ ኣብዛ እዋን እዚኣ ዓቕሊ ጽበትን ስነ-ኣእሙራኢ ጸቕጥታት ዘምጽእ ትያትረ ኢትዮ/ኤርትራ ክትሪኢ ከለካ ካልእ ዓይነት ሓሳባት ክመጸኒ ኣይካኣለን ስለዚ ምስ ይቕረታ ብድሓን የራኽበና ይብለክም።

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ብ’ፍትዊ ክፍለ


Share with friends:

Asmarino | Eritrea: ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ - ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ - OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS (ብ G-15 ዕለት 24 March 2001)



Share with friends: