Placeholder Picture
Placeholder Picture
ትምህርቲ: ንህጻን ክሳብ እርጋን!

19/06/2024 21:29 PM

ትምህርቲ: ንህጻን ክሳብ እርጋን!

Education: For child to old age!

ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ትምህርቲ: ንህጻን ክሳብ እርጋን!

ትምህርቲ: ንህጻን ክሳብ እርጋን!
ብ ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ትምህርቲ: ንህጻን ክሳብ እርጋን! ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ትምህርቲ ትምህርቲ - ስማ ጥዕምቲ:
መብልዒት እንጀራ - ቀለብ ሊቃውንቲ:
መጥፊኢት ድንቁርና - ኣጽዋር ናይ መሃዝቲ:
ህያብ ናይ ፈጣሪ - ምርኩስ ናይ መራሕቲ:
ብርሃን ናይ ነበርቲ - ሻቁሎት ናይ ዓመጽቲ:
ጉዝጓዝ ናይ ደቂ ሰብ - ናይ ስድራ ሕብስቲ:
ማሕበራዊ ክብረ-ጸጋ - ቁጠባዊ ርስቲ:
ናይ ሓሳር መፍትሒ - ዘይጠፍእ መብራህቲ:
ናይ መነባብሮ ብልሓት - ናይ ስራሕ ናውቲ:
ናይ ፖለቲካ ልሳን - ንሓቂ መማጎቲ:
ናይ መንእሰይ ተስፋ - ናይ ሂወት ስጉምቲ:
ናይ ቁሩብ ዓመት ሽግር - ንሓዋሩ ሃብቲ:
ተማሃሩ መንእሰያት - ኩልኹም ናእሽቲ:
ዕድመ ኣይውስንን - እንተላይ ዓበይቲ:
ክማሃር ኣለዎ - ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ:
ነጋዳይ ሓረስታይ - ሓዊስካ ሹማምንቲ:
እርጋን ከየርከበ - ከይከደ መዓልቲ።

ትምህርቲ ትምህርቲ - ሚዛን ናይ ደቂ ሰብ:
ትምህርቲ ዘለዎ - ኣብ ኩሉ ይዕሰብ:
ትምህርቲ ዘለዎ - ምስ ኩሉ ይዋሰብ:
ትምህርቲ ዘለዎ - ቁምነገር ይላዘብ:
ትምህርቲ ዘለዎ - ከም ሰብ ይሕሰብ:
ትምህርቲ ዘለዎ - ጥዑም ይምገብ:
ትምህርቲ ዘለዎ - ብናብርኡ ይዓግብ:
ትምህርቲ ከንቱ ይሓልፍ - ትም ኢሉ ንዝዕዘብ:
ጠፊእካ ምንባር'ዩ - ኣብ ጣሻ ኣብ ገረብ:
ትምህርቲ ኣይግዛእን - ብንዋት ብገንዘብ:
መንእሰይ ተመኸር - ቁምነገር ክዝረብ:
ብዛዕባ ትምህርቲ - ኪነታዊ ጥበብ:
ፍረ ናይ ጻዕሪ - ካብ ትምህርቲ ዝድለብ።

ኣብ ገጠራትና ዝግበር - ክኾነኩም ንዛንታ:
መንእሰይ ይመሃር - በሊዑ ቡርኩታ:
ንትምህርቲ ይኸይድ - ገስጊሱ ወጋሕታ:
መገዲ ተጓዒዙ - ጎቦ ምስ ኮረብታ:
ኮፍ ኢሉ ይመሃር - ኣብ እምኒ ኣብ ባይታ:
ምንም ከይዓጀቦ - ቁሪ ምስ ኣሰሓይታ:
ትምህርቲ ክቀስም - ዘለዎ ሃረርታ:
በርቲዑ የጽንዕ - ተንሲኡ ለይቲ ከውታ:
መስተንክር'ዩ - ኣብ ትምህርቲ ዘለዎ ቆላሕታ:
መሰረት መታን ክኾውን - ናይ ሃገሩ ዋልታ:
ግን ኣፍጢጡ ይጽበዮ - ናይ ሳዋ ግደታ:
ንነዊሕ ጊዜ ኣገልግሎት - ዘይብሉ መወዳእታ:
ገሊኡ ግን ይሃድም - ናብ ሊብያ ናብ ማልታ:
ካብኡ ናብ ካልእ ይኸይድ - ናይ ስደት መቐጸልታ:
ዕድመ ይሃቦ - ኣብ ሰማይ ዘሎ ጎይታ።

መንእሰይ ዲያስፖራ - ኣሎ ተስፋ ዝቖረጸ:
ገለ ኣብ ስደት ዝተወልደ - ገለ ብንኡሱ ዝመጸ:
ኣብ ቤቱ ዝነብር - ወትሩ ምስ ተዓምጸጸ:
ፈቆዶ ሳዕስዒት - ከይዱ ዝቆጻጸ:
መስተ ዝግልብጥ - ዝመረረ ዝመጸጸ:
መግቢ ዝበልዕ - ዝዓሰወ ዝነቐጸ:
ተመልከት መዘናኻ - ዝኸበረ ዘጋየጸ:
ትምህርቲ ዝቐሰመ - ጥጡሕ ባይታ ዝረገጸ:
ግርማ ዘለዎ - ምቹእ ሂወት ዝሃነጸ:
ወግሐ ጸብሐ - ካብ ትፋታሕ ካብ ትሕጸ:
ትምህርቲ ምኻድ ይሓይሽ - እቲ ዝበለጸ:
ትምህርቲ'ዩ ዘዋጽእ - ንሓዋሩ ዝተመርጸ።

ናይ ትምህርቲ ጠቕሚ - ቀጺለ ክጠቅስ ሓደ ሓደ:
ዝተማህረ ሰብ - ምስ ዘይተማህረ ሰብ ኣዛሚደ።

ዝተማህረ ሰብ - ብትምህርቱ ይሰርሕ:
ዘይተማህረ ሰብ - ጉልበቱ የላሕልሕ:
ዝተማህረ ሰብ - ሸሞንተ ሰዓት ይለፍዕ:
ዘይተማህረ ሰብ - 16 ሰዓት ይርፍዕ:
ዝተማህረ ሰብ - ብወርሒ መጠን ይኽፈል:
ዘይተማህረ ሰብ - ብስዓታት ሕሳብ ይታለል:
ዝተማህረ ሰብ - ብዙሕ'ዩ ደሞዙ:
ዘይተማህረ ሰብ - ይነብር ተመዝሚዙ:
ዝተማህረ ሰብ - ንሹመት ይስራዕ:
ዘይተማህረ ሰብ - ኣብ ስራሕ ይግፋዕ:
ዝተማህረ ሰብ - ኩሉ ግዜ ይኽበር:
ዘይተማህረ ሰብ - ሕቑኡ ይስበር:
ዝተማህረ ሰብ - ይነብር ብማዕርግ:
ዘይተማህረ ሰብ - ኣቱም ከይተባህለ ይኣርግ:
ዝተማህረ ሰብ - ይምስገን ተባሂሉ ንፉዕ:
ዘይተማህረ ሰብ ምስኪን - ኩሉ ግዜ ውጹዕ:
ዝተማህረ ሰብ - እንዳሓደረ ይሽዉት:
ዘይተማህረ ሰብ - ብዓንተቦ ይመዉት:
ዝተማህረ ሰብ - ብጽቡቕ ይጥመት፡
ዘይተማህረ ሰብ - መን ተባሂሉ ይግመት:
ዝተማህረ ሰብ - መሰሉ ይሕሎ:
ዘይተማህረ ሰብ - ቁልቁል ኣፉ ይዕሎ:
ዝተማህረ ሰብ - ተዛሪቡ የስምዕ:
ዘይተማህረ ሰብ - መከራ ይበልዕ:
ዝተማህረ ሰብ - ኣፉ መሊኡ ይዛረብ:
ዘይተማህረ ሰብ - ቲሕቲ ሰብ ይሕሰብ:
ዝተማህረ ሰብ - ንምኽሪ ይጽዋዕ:
ዘይተማህረ ሰብ - ሃለዋቱ ይርሳዕ:
ዝተማህረ ሰብ - ስልጣን ይጭብጥ:
ዘይተማህረ ሰብ - መሬት ይዘብጥ:
ዝተማህረ ሰብ - ንካልእ ሰብ ይመርሕ:
ዘይተማህረ ሰብ - ንኻልእ ሰብ ይሰርሕ:
ዝተማህረ ሰብ - ምስ ህብታም የዕልል:
ዘይተማረ ሰብ - ንሃብታም የገልግል:

ዕንባባ ዘይብሉ - ተኽሊ ኣይሽዉትን:
ምሁር ዘይብሉ - ሃገር ኣይዕወትን:
መሰረት ዘይብሉ - ገዛ ኣይጸንዕን:
ምሁር ዘይብሉ - ሃገር ኣይለምዕን:
ጥይት ዘይብሉ - ብረት ኣይትኩስን:
ምሁር ዘይብሉ - ሃገር ኣይሕደስን:
ኣያ ዘለዎ ሰብ - ኣራፊዱ ይመውት:
ምሁር ዘለዎ ሃገር - ንቕድሚት ይጥምት።

መልክዕ ኣይርከብን - ሰዉነት ምስ ዓንደፈ:
ትምህርቲ ኣይርከብን - ግዜ ምስ ሓለፈ:
ውላድ ኣይርከብን - እርጋን ምስ ኣርከበ:
ትምህርቲ ኣይረክብን - ኮፍ ኢሉ ዝጽበ።

ይርድኣኒ - ናይ ገለ ሰባት ሽግራት:
ትምህርቲ ንምኻድ - ከም ዘሎ ጸገማት:
ቁልዑ ንምዕባይ - ንምሕጋዝ ኣሕዋት:
በቲ ሓደ ትምህርቲ - በቲ ሓደ ስራሓት:
ግን ኩሉ ንምዝማድ - ኣሎ ብልሓታት:
ንትምህርቲ ዝኸዉን - ኣሎ ግዜታት:
ካብ መንግስቲ እንተኾነ - ኣሎ ሓገዛት:
መደባት ምሕንጻጽ - ንጹር መላታት:
ዕላማ ክፍጸም - የድሊ ጻዕርታት:
ነዊሕ እንተወሰደ - ብዙሕ ዓመታት:
ጻማ ይርከብ እዩ - ናይ ዓወት ብስራት:
እንዳሓደረ ዘሐጉስ - ብዝተረኽበ ዓወታት።

ኣሕዋት ኣሓት - ሓደራ ዘክሩ:
ንቁሩብ ዓመት - ከይመሃሩ:
ምሉእ ዕድምኦም - ይድንቁሩ:
ጥበብ ተማሃሩ - ከም ምሁር ክትከብሩ:
ካብዚ ንላዕሊ - እንታይ ክትምከሩ።

ክብርን ምስጋናን፡ ንልዑል ኣምላኽና:
ራህዋን ሰላምን፡ ንሓላል ህዝብና:
ዕድመን ጥዕናን፡ ይውረድ ኣብ ኩላትና:
ትምህርቲ ይዓንብብ፡ ኣብ መንእሰያትና።

ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
19 ሰነ 2024




See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:ካልኦት ጽሑፋት ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡-


You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:

Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: