ሕማም ምንሽሮ ሸውሃት ምግባት ስልጣን፡ ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/10/2021 00:46 AM

ሕማም ምንሽሮ ሸውሃት ምግባት ስልጣን

ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ብ`ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ካብ ሕመኣ (USA)

ሕማም ምንሽሮ ሸውሃት ምግባት ስልጣን፡ ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ሕማም ምንሽሮ ሸውሃት ምግባት ስልጣን፡ ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ሕዱር ሕማም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ምዃኑ ከይተፈልጠ ብውሽጢ ውሽጢ ንነዊሕ ግዜ ምልክታት ክህብ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር 2020፡ ምስ ክስተት ወረራ ክልል ትግራይ ተጋሂዱ። እቲ ሕማም ብምንሽሮ ክምሰል ዝክኣል ምብሓት ወይ ምግባት ስልጣን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ህርፋን ፍጹም ስልጣን እዩ። እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ(protagonists)፡ ኣብ ውሽጢ ኢሂወደግን ህግደፍን ተጸፊዮም ዝጸንሑ፡ ምሁራት ኣምሓራን(Amhara elites)፡ መራሕቲ ወያነን፡ ምሁራት ኦሮምያን(Oromo Elites)፡ መራሕቲ ህግደፍን ዝሓቖፈ እዩ። ብንጹር ንምርዳኡ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ብመራሒ ሰልፊ ብልጽግና ወኪሎም ዶክ ኣቢይ፡ ህግደፍ ብወኪሎም ወልቀ-መላኺ ኢስያስ፡ ሰልፊ ወያነ ድማ ብወኪሎም ዶክ ደብረጽዮን ተመሪሖም ዘሳስይዎ ዘለዉ ንመወዳድርትኻ ደምሲስካ ወይ ኣድኪምካ ስልጣን ናይ ምብሓት ኲናት እዩ።

ከምቲ ሕማም ምንሽሮ ኣብ ሓደ ቦታ ተሓጺሩ ዘይተርፍ፡ እቲ ኲናት ተላቢዑ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከታ ውግእ ሓድ-ሕድ ኢትዮጵያ ብወግዒ፡ ብዓልቲ ጉድይ ኮይና ክትሳተፍ ከላ፡ ሶማል ድማ ኢዳ ከም ዝሓወሰት ብመርትዖ ዝተሰነየ ሓቂ እዩ። ሱዳን'ውን ብወገና፡ ዝቶጎብጠ ትሕጃ መሬተይ ከምልስ ኢላ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊራ መሬት መንዚዓ ስለዘላ፡ ዞባዊ መልክዕ ሒዙ'ሎ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ዒማራት ብነፈርቲ 'ድሮናት' ንስርዓት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ኣብ ወራር ትግራይ ተሳቲፋ ዝብሃል ዘይተረጋገጸ ዜና ተቓሊሑ ከም ዝነበረ ይዝከር። ካብዚ ወጻኢ ድማ፡ እቲ ዞባ ንገዛእ-ርእሱ ተመቓቒሉ፡ ኣብ መንጎ ሓያልን ኣህጉራት(ቻይና ሩሲያ፡ ኤውሮጳ ኣመሪካ) ከይተረፈ፡ ብመንጽር ጥቕመን፡ ኣብ ፖሊቲካዊ መርገጺ ናይቲ ዞባ ተጎጃጂለን ከድምጻ ንዕዘብ ኣለና።

እቲ ኣብ ክሊ ጠረቤዛ፡ ብሰላማውን ውርዙይን ዘተ ክፍታሕ ዝግብኦ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ናብ ጎንጻዊ ግጭት ዓሪጉ፡ ናብ ዝልዓለ ብረታዊ ዕጥቂ ሰጊሩ። ፈለማ ኣብ ወራር መሬት ክልል ትግራይ፡ 1)ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጲያ፡ 2) ምልሻ ኣምሓራ፡ 3) ሰራዊት ስርዓት ህግደፍ፡ 4) ሰራዊት ሶማልያ ዝተሳተፍዎ ኣዕናዊን ደማውን ኲናት ትኻይዱ። ድሓር ክኣ፡ ሰራዊት ወያነ ኣብ ውሽጢ መሬት ዓፋርን መሬት ኣምሓራን ዶብ ሰጊሮም ነቲ ኣዕናዊ ኲናት ቀጺሎሞ። እዚ ብሓጺሩ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ክውንነት ብጭብጢ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ብመሰረቱ ብኲናት ወይ ብሻንብቆ ብረት፡ ዝፍታሕ ጉዳይ የልቦን። ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ወይ ሃገር ናይ ኲናት ኣዋጅ ግህሰት እንተ ተፈጺሙ ግን፥ እቲ ዝተወረ ህዝቢ መሰል ናይ ርእሰ-ምክልኻሉ ብሕጊ ሕሉው እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንህዝቡን ሃገሩን ክከላኸል ግብረ-መልሲ ክህብ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኲናት ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ብዓመጽ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ እንተኾነ'ውን፡ እቲ ብወገን ኤርትራን፡ ብወገን ኣምሓራን ድሒሩ ድማ ብወገን ትግራይ ይብጽሓኒ እዩ ትብሎ መሬትካ ድሕሪ ምምላስን ምቁጽጻርን፥ ዶብ ጥሒስካ ሰጊርካ ወራራት ዘይልዑላዊ መሬትካ እንታይ ኣድለየ? ዝብል ሕቶ ክልዓል ርትዓዊ እመስለኒ። እቲ ብክሎም ዓመጽቲ ወገናት ክውሃብ ዝጸነሐ መመኽነይታ፡ መታን ተመሊሶም ከይመጹና ሕጂ ከነድክሞም ከነዳቕቆም ከነልምሶም ኣለና ዝብል ምስምስ፡ ብዝኾነ መልክዒ ቅቡል ኣይኮነን። እቲ ዝገደደ እኳድኣ፡ ዶብ ሰጊርካ ህዝቢ እንተ ኣበሳቢስካን ኣዘናቢልካን እዮም ክቱር ቅርሕንትን ጽልእን ናይ ሕነ ምፍዳይ ህልኽ ዘሕድሩ። ምዓልቲ ይበልዕ እምበር፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሕነ ምፍዳይ ዘይተርፍ ግብረ-መልሲ እዩ። እቲ ጉልቡብ ምስጢራዊ ሓቂ ግን ስልጣን ንምግባትን ንምብሓትን ዝተገብሩ ወራራት እዮም።

ኣብዚ ኲናት'ዚ ካብ ኩሉ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ፡ እቲ እኹል ቀልቦ ህዝብታት ዘይረኸበ ዘሎ ጉዳይ፡ እቲ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ኣድራዕን፡ ህልቂት ሰበን፡ ምግሳሳ ደቀ-ኣንስትዮ ኣሓትን ኣዴታትን፡ ብመደብ ምዝራፍን ዕንወትን ንብረትን ትካላትን፡ ዘስዓቦ ጥምየትን፡ ምዝንባላትን፡ ስደትን እዩ። ሕጂ ድማ ካብኡ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዓፋራን ኣምሓራን ጥምየትን ምዝንባል ይቕጽል ምህላዉ እዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ ዓወደ-ኲናት ዝወድቁ ዘለዉ፡ ህልቂት ማእለያ ዘይብሎም ዝዓጠቑ ግዱዳት ወትሃደራትን፡ ዓሳክርን እውን ሸልል ኢልካ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነን።

ህልቂት ህዝብታት እቲ ዞባ ካብ ተላዕለ ግን፡ ኣብቶም ስሞም ገና ዘይተረቚሐ ክልላት ኢትዮጵያ ዝነብሩ፡ ህዝብታት ኲነታቶም ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ብዓል በኒሻንጉል-ጉሙዝ፡ ጋምቤላ፡ ምዕራብ ወለጋ፡ ናይ ደቡብ ህዝብታት፡ ክልል ሶማል፡ ከምኡ ድማ ተቐማጦ ኦሮምያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ምዓልታዊ ቅትለት ሰባትን ዕጥቃዊ ጎንጽን ከይጸብጸብካ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕብረተ-ሰባዊ ባርዕን ሓድሕዳዊ ህውከትን ምሉእ ግንዛቤ ክህሉ ኣይክኣልን እዩ። ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብማዕበላዊ ናዕቢ ትናወጽ ስለ ዘላ፡ ደጊም ሓንቲ ዓባይ ኢትዮጵያ ትብሃል ሃገር ክትቅጽል ዘለዋ ትኽእሎ ኣዚዩ ኣንቆልቂሉ እዩ። ምፍርራስ ኢትዮጵያ ዘስግኦምን ዘሻቆሎም ሓያላን ሃገራት ሎሚ ስክፍትኦም ዓው ኢሎም ካብ ምክፋል ኣይተቆጠቡን። ምሉእ ስእሊ ናይቲ ብቅልውላው ዝፍለጥ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንክትርድኦ ክኣ፡ ነቲ ኣብ ሱዳንን፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ቀዋሚ ርጽምን ዘይምርግጋእን ደሚርካ ክርአ ይግባእ።

ካብቲ ዞባ ወጺእና፡ ዓለም-ለኻዊ መሳለጢ ኣገልግሎት ሓበሬታ(news media) ምስ እንከታተል፣ ብመገዲ ሓላፍነት ዝጎዶሎ 'ሶሽያል መድያ'፡ ዝተፈላለዩ ትካላትን ጉጅለታትን፡ ውልቀ-ሰባትን፡ ከም ኣብ ፈይስ-ቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ዩቱብ፡ ትዊተር፡ ቲክ-ቶክ (Facebook,Instagram, YouTube, Twitter,Tik Tok) ዝዝርጋሕ ዝሎ ሓሶት ሓበሬታትን ርእይቶታን ሓሳብን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ተለቪዥንን ጋዜጣታትን ማዕከናት ዜና ዝፍኖ ዘሎ ሓሶትን ዝተጋነነ ሻራን ጸግዕን ዝሓዘ ዘይርትዓዊ መጣቖሲ ፈላላይን ሓበሬታት ስለዝኾነ ኣዝዩ ጎዳኢ እዩ። ነቲ ዞባ ክኣ ኣብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽን ጽልእን ምትህልላኽን ቅርሕንትን ሸሚሙዎ ይርከብ። ስለዚ 'ሶሻል መድያ'ኣብ ክንዲ ፈታሕ ሽግር፡ ኣካል ናይቲ ሽግር ኮይኑ ነቲ ኲናት የጋድዶ ስለ ዘሎ ክንቀፍ ይግባእ።

 Highlights on the war in Tigray, Ethiopia region. ምዕባለታት ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ።

  Game Over: President Isaias on 20 June 2018

  THE TIGRAY WAR and REGIONAL IMPLICATIONS (VOLUME 1) by Eritrea Focus & OSLO ANALYTICA, November 2020 to June 2021

  New breed of African Leaders

በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ እዛ ንነብረላ ዘሎና ሓንቲ ዓባይ ዓለም፡ ይውሓድ ይብዛሕ፡ ብኢንተርነትን፡ ዋኒነ-ዕዳጋን፡ ናይ ሓበሬታ ተክነሎጂን ዝተኣሳሰርት ትኹን እምበር፥ ብሃገራውን፡ ዞባውን፡ ልፍንታውን፡ ክፍለ-ዓለማውን፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ወታሃደራውን ረብሓታት ወይ ጥቕምታት ዝተመቓቐለት ዓለም ምዃና ክስመረሉ ይግባእ። ስለዚ ንዞባና፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብስትራተጂ ጥቕሚ ጂኦ-ፖለቲካውን ወታሃደራውን ቁጠባውን ዝጥምትኦ ሓያላን ብዙሓት ሃገራት ስለዝኾና፡ ንጥቕመን ክብላ ስለዝመቓቕልኦ እቲ ተፈጥራዊ ስትራተጂካዊ ጸጋ ዛጊት ናብ መርገም እዩ ተቐይሩ ዘሎ። ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይዛይድ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። ስለዚ ፖለቲካዊ መራሕቲን፡ ምሁራንን፡ ብሓፈሻ ድማ ዜጋታት ናይቲ ዞባ ካብ ነንሕድሕዶም ምትሕንናቕን ምንቛትን ምቅትታልን፡ ምዕናው ቁጠባን ወጺኦም፥ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ እቲ ዞባ ኣቶኲሮም ክሰርሑ ይግባእ። ብምስትውዓልን ስነ-ልቦናን፡ ካብ ካልኦት ሰላማዊ ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘለዎም ዞባታት ክንምሃር ኣለና።

ንምግባት ስልጣን ክብሉ ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ፡ ሓድሓዳዊ ርእሰ-ምቅንጽጻልን ምትህንዃትን ዓዘቕቲ ኣእትዮሙና ዘለዉ፡ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘልዉ ሃንደስትን፡ ተለምትን፡ ተዋሳእቲን፣ ዞባና ዘዕንዉ ዘለዉ ጉጅለታትን ሰልፍታትን ካብ ስልጣኖም ንምንቃል 1)ብሃገር ደረጃ 2) ብዞባ ደረጃ ድማ ብሓባር ኣትሪርና ከይሰልከና ክንቃለሶም ዝሓሸን ኣድላይን እዩ። ካልእ ኣማራጺ ዘለና ኣይመስለንን። ስለምንታይሲ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ዝተገብረ ወራር፡ ዳሕራይ ኣብ ኣምሓራ ቀጺሉ ኣብ ኤርትራ ስዒቡ ድማ ኣብ ኦሮምያ ምድጋሙ ዘይተርፍ ነገር እዩ። ዛጊት ኣይጀመረን ማለተይ እውን ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ፡ ካብ ሳጹን ወይ ሳንዱቕ ወጻኢ ክንሓስ (Thinking out of the box) ምኽንያታዊ ጥራይ ዘይኮነ ንድሕንነትን ሰላምን ናይቲ ዞባ ግዴታና እዩ። ካብ ጸቢብ እንዳዊ፡ ብሄራዊ፡ ዓሌታዊ ፡ክልላዊ፡ ኣራኣእያታት ወጺእና፥ ሃገራዊ ቃልስና ከየወንዘፍና፡ ብደረጃ ዞባ'ውን ሓቢርና ነዚ ሕማም ምንሽሮ ሸውሃት ምብሓት ስልጣን ክንቃለሶ፡ ናይ'ዚ እዋን ጠለብ ዞባና እዩ።

ስልጣን ምግባትን ሸውሃት ዘለዎም ኣብ ሰላማዊ ፍታሕ ዘይኣምኑ፡ ንኹሎም ፖለቲካዊ ሽግራት፡ ብክቡር ዋጋ ህልቂት ሂወት ሰብን፡ ዕንወት ጸጋታት ሃገራትን፡ ብጎንጺ፡ ብብረት ክፈትሑ ዝደልዩ ሕማም ምንሽሮ መራሕቲ ብልጽግናን ምሁራት ኣምሓራን ምሁራት ኦሮምን፡ ህግደፈን፡ ወያነን፡ ካልኦት ኣብዚ ዘይተረቑሑ ኣካላትን፡ ካብ ስልጣኖም ተነቒሎም ኣብ ናይ ታሪኽ ክጓሓፉ ክውገኑ ኣለዎም። ኣብ ቦትኦም ክኣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ፡ ብሕጊ ዝቕየዱ፡ ፍትሓውያን መራሕቲ ተተኪኦም፡ ኣብ ዞባና ብሓበር መታን ተደጋጊፍና ክንምርሽን ክንምዕብል ውሕሉል ናይ ሓባር ቃልሲ ከነካይድ መትካእታ ዘይብሉ እንኮ ኣማራጺ ናይ ዞባና እዩ።

ልዕላውነት ኤርትራ ንዘልእለም

ስኒትን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪቃ

ገብረየሱስ ወልደሚካአል
ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ብ`PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።



Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ERISAT: መኣዲ ዘተ ድልድል:
ኢሰያስ፡ ትግርኛ ዝዛረብ ሞሶሊኒ።
ERISAT: Isaias: Tigrinya-speaking Mussolini.
Discussion among: Kaleb Zewengel, Naod Belay, and Samuel Bizen.
ዘተ ኣብ ሞንጎ፦ ካሌብ ዘወንጌል፡ ናኦድ በላይ፡ ሳሙኤል ቢዘን።


PArt-1/3:   PArt-2/3:   PArt-3/3:  



Share with friends: