ዓሌታትን ቀቢላታትን ኤርትራ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

26/06/2020 23:50 PM

ዓሌታትን ቀቢላታትን ኤርትራ

ኣዳላዊ ጽሑፍ ኤስ.ኤፍ.ናድል
ትርጉም ብ`ነጋሽ ኣስፍሃ

ዓሌታትን ቀቢላታትን ኤርትራ

ብዛዕባ ተርጓሚ መጽሓፍ፡ ኣቶ ነጋሽ ኣስፍሃ፦
About Mr. Negash Asfaha:

ነጋሽ ኣስፍሃ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ብብረትን ብብርዕን ተቓሊሱ። ንሱ ኣብ ብዙሓት ውግኣት ተሳቲፉ ንድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ግንባራት ተሰሊፉ ጅግንነትን ጽንዓትን ተጋደልቲ መዝጊቡ። ኣብ ሓራን ሓውሲ ሓራን መሬት ኤርትራ: ጸላኢ ኣብ ህዝቢ ዝፈጸሞ ግፍዒን ህዝቢ ንናጽነት ሃገሩ ክውን ንምግባር ዘርኣዮ ጽንዓትን ዝኸፈሎ መስዋእትን ሰኒዱ። ድሕሪ ናጽነት ዋና ኣሰናዳኢ ዜና፡ ኣወሃሃዲ መደባት ረድዮ ድምጺ ሓፋሽን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ነጋሽ ክልተ መጻሕፍቲ "ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያን" "ኣስመራ ካብ ኣርባዕተ ዓድታት ናብ ቦታ ቅርስታት ዓለም" ካብ እንግሊዝ ናብ ትግርኛ ተርጒሙ፡ ንታሪኽ ኤርትራ ዝምልከቱ ተኸታታልቲ ጽሑፋትን ዝተፈላለዩ ዓንቀጻትን ኣቕሪቡ።

ዓሌታትን ቀቢላታትን ኤርትራ
(Races and tribes of Eritrea)፡
ኣዳላዊ ጽሑፍ ኤስ.ኤፍ.ናድል
ትርጉም ብ`ነጋሽ ኣስፍሃ

መእተዊ

መጽሓፍ 'ዓሌታትን ቀቢላታትን ኤርትራ”፡ ኣብ 1943 ብሲግፍሪድ ፈርዲናንድ ናድል ተጻሕፈት። ደራሲ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ኣብ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኤርትራ ጸሓፊ ጉዳያት ደቂ ዓዲ ነበረ።

ንሱ ብኣንትሮፖሎጂ (ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት፡ ባህርያዊ ስነፍልጠት፡ ስነ ሰብ) ብዘጠቓላለ ዓውዲ ትምህርቲ መዓርግ ፒኤችዲ ኣለዎ።በቲ ዓውዲ'ቲ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ኑባን ኤርትራን መጽሓፍ ደሪሱ፡ ንኣጠቓቕማ መሬት ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቡ።

ናድል ብዛዕባ ዓሌታትን ቀቢላታትን ኤርትራ ካብ ዘቕረቦ ምርምራዊ ጽሑፍ ንደሓር ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶ ገዛእቲ ሓይልታት ንመንነት፡ ቋንቋ፡ እምነትን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ንምድምሳስ ዝፈነውዎ ማዕበል፡ ብደምን ኣዕጽምትን ኤርትራውያን ተዓጊቱ። እቲ ምስጢር፡ እዚ በብመድረኹ ዝማዕበለ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ቀቢላታትን ዓድታትን ዝነበረ ስኒትን ምውህሃድን ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ባህላዊን ምውስሳብ ህዝቢ ከም ዝኾነ ኣብ'ዛ መጽሓፍ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓቅታት የረጋግጽ።ኣብ'ዛ መጽሓፍ ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት ተጠቒሱ'ሎ። መጀመርያ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥንቲ በብኸባቢኡ ዝመሓደረሉ ሕጊ ሰሪዑን ተማእዚዙን ይኸይድ ከም ዝነበረ'ዩ። ካልኣይ ኣብ መንጎኡ ብሃይማኖት፡ ብቀቢላን ዓዲን ዓውዲን ከይተፈላለየ ተሳንዩ ይኸይድን ካብ ቆላ ንኸበሳ ከምኡ'ውን ብኣንጻሩ ንማሕረስን መጓሰን ኣብ ዝመላለሰለ ኸባቢሩን ተዋሃሂዱን ይኸይድ ነበረ። ሳልሳይን ቀንዲን ድማ ኣብ'ዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ጽሩይ ዓሌት ዝበሃልን ሓደ ዝያዳ ካልእ ይብጽሓኒ'ዩ ዝብሎ መሰል ከምዘይብሉን እቲ እንኮ መንገዲ ምዕባለ ብስኒት ብምትሕልላይን መሰል ኩሎም ጉጅለታት ምሕላው ምዃኑ ካብ'ዚ ጽሑፍ እንመሃሮ ኢዩ።

ነጋሽ ኣስፍሃ

መጽሓፍ ንምዕዳግ ምስ እትደልዩ፡ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ፦
How to order the book:

   Mr. Negash Asfaha
   E-mail: negashhaile81@yahoo.com
   Tel. +47-468-62-674


See also another book by Mr. Negash Asfaha
ካልእ ብ`ነጋሽ ኣስፍሃ ዝተተርጎመ መጽሓፍ፡-

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ
ብጀራልድ ሀርበርት ፖርታል
ትርጉም ብ`ነጋሽ ኣስፍሃ

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

መእተዊ

መጽሓፍ ”ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ”: ሰለስተ ዓመት ድሕሪ እቲ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረን ግዝኣት ሕጋዊ ንምግባሩ ኣብ በርሊን (15.11.1884 - 26.2.1885) ዘካየደኦ ኣኼባ ተጻሕፈት። ኣብ ኣኼባ በርሊን:እተን ኤውሮጳውያን ሃገራት ይግባኣኒ ኢዩ ዝብላኦ ግዝኣታት ኣፍሪቃ: ብሰራዊት:ልኡኻት ወንጌል ብምስዳድ: ብነጋዶ ክቆጻጸርኦ ወሰና።ብዘይካዚ ኣብተን ግዝኣታት መንገዲ ባቡር: ዕርድታትን ህንጻታትን ክተኽላ ተሰማምዓ። ኣብቲ እዋን እቲ ደራሲ ሀርበርት ፖርታል ነቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ንጉስ የውሃንስን ዘሰሓሕብ ዝነበረ ግዝኣታት ናይ ሎሚ ኤርትራ ንምፍታሕ ካብ ንግስቲ ቪክቶሪያ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ተላእከ።

ኢጣልያ ድሮ ሰራዊታን ኣጽዋራን ኣብ ምጽዋዕ ኣራጊፋ: ናብ ከበሳታት ኤርትራ ትመጣጠር ነበረት። ብምዕራብ ድማ ሓይልታት ማህዲ ግዝኣቶምን ሃይማኖት ምስልምና ንምስፍሕፋሕን ደም ደም ዝሸትሉ ጊዘ ነበረ። ንጉስ የውሃንስ ብምብራቕ ብኢጣልያውያን: ብምዕራብ ብማህዳውያን ተቐርቂሩ ከይኣክል ኣብ ውሽጢ እውን እቶም መሳፍንቲ ዘቕስንዎ ኣይነበሩን። ስለዚ እምበኣር እንግሊዝ በቲ ሓደ ወገን ግዝኣት ኢጣልያ ዝረግኣሉ ባይታ ንምጥጣሕ: በቲ ሓደ ድማ ንጉስ የውሃንስ ነቶም ኣብ ሱዳን ብማህዳውያን ተኸቢቦም ዝነበሩ ወተሃደራታ ንምጽዋዕ ብሰላም ስለ ዘእተዎም ሞሳኡ ንምኽፋል ኣበርቲዓ ተንቀሳቐሰት።

ፖርታል ነቲ ዝተዋህቦ ገዚፍ ተልእኾ ሽምግልና ንምፍጻም: ካብ ምጽዋዕ ብእግርን መጽዓኛን ንደብረ ታቦር በጺሑ ምስ ንጉስ የውሃንስ ተራኺቡ። ኣብቲ ኣጻድፍን ጎላጉልን ዘጋጠሞ ጽምኢን ድኻምን ብስእላዊ መልክዕ ሰኒዱ ኣቕሪብዎ። ንሱ ባህርያዊ ተጻብኦታት ጥራይ ዘይኮነ: ነቲ ብራእስታት ዘጋጥሞ ዝነበረ ዕንቅፋታት ማዕረ ሂወቱ ንምጥፋእ ዝተኣልመ ውዲት ብጥበብን ብጽንዓትን ሰጊርዎ።

ሀርበርት ፖርታል ንባህልን ልምድን ኣቢሲንያ: ንትብዓት: ጭካነ: ክፍኣትን ቅንእን ገዛእቲ ብዓይኑ ካብ ዝረኣዮን ብእዝኑ ካብ ዝሰምዖን ኣስፊሩ። ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ: ነቲ ኣብ መንጎ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ዝነበረ ህልኽን ምውድዳርን በቲ ሓደ: በቲ ሓደ ድማ ገላዩ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዝነበሮምቦታን ኣተሓሕዛን መብርሂ ሂቡ። ሀርበርት ፖርታል በቲ ብሸፋቱን ብኣራዊትን እተጎብአ ዱር ክስንጥቕ ከሎ: መንፈሱ ኣርጊኡ ንባህርያዊ ትዕድልቲ እቲ ከባቢ: ሩባ: ገረብ: እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍን ዘሕደረሉ ስምዒት ላዛ ብዝመልኦ ኣገባብ ምቕራቡ: ንጽሑፉ ተነባቢ ኣብ ምግባር ብሉጽ ስርሓት ኣበርኪቱ።

እዛ ”ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ” ዘርእስታ መጽሓፍ: መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ብወግዒ ቅድሚ ምእዋጁ ንዝነበረ ፖለቲካዊ: ቁጠባዊ: ማሕበራውን ባህላውን ኩነታት ስለ እትገልጽ: ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ሃገርነት ኤርትራን ዝምድናኣ ምስ ኢትዮጵያን መሰረት ከጨብጥ ዝኽእል ሓያሎይ ኣገደስቲ ነጥብታት ሒዛ ኣላ። ነጋሽ ኣስፍሃ

መጽሓፍ ንምዕዳግ ምስ እትደልዩ፡ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ፦
How to order the book:

   Mr. Negash Asfaha
   E-mail: negashhaile81@yahoo.com
   Tel. +47-468-62-674


Share with friends:


See also Other Articles by Mr. Negash Asfaha
ብ`ነጋሽ ኣስፍሃ ዝተጻሕፉ ካልእ ጽሑፋት፡-

ንሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ምስ ሻቕሎታና ንዝክሮ። (ብእንግሊዝኛ ብወልደሱስ ዓማር ተጻሒፉ፡ ብነጋሽ ኣስፍሃ እተተርጐመ)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: