ዘየቋርጽ ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

07/07/2021 20:53 PM

ዘየቋርጽ ቅልውላው

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ብ`ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ካብ ሕመኣ (USA)

Horn Africa Map

ዘየቋርጽ ቅልውላው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ናይ ሎሚ ጽሑፍ፡ ሕመረቱ ኢትዮ-ኤርትራ ኮይኑ፡ ካብ ጆግራፊካዊ ቀጽሪ ኢትዮ-ኤርትራ ወጺአ ብዛዕባ ዞባና፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጸቢብ ድህሰሳ ክገብር ዘገደደኒ ካብ ህልው ኲንታት እቲ ዞባ እዩ ዝብገስ። ኣብ ሓደ እዋን 4 መንግስታት ናይዚ ዞባ ኣብ ደም ምፍሳስ ዜጋታተን ተሳቲፈን። ስለምንታይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ባዕዲ ስርዓት ኣስመራ፡ ብስዉር ክኣ ናይ ባዕዲ ሰራዊት ሶማል ዝተኻፈሎ፡ ከምኡ ድማ ምልሻ ክልል ብሄር ኣምሓራ ኣብ ጎድኒ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ዜጋታት ክልል ብሄር ትግራይ ኲናት ኣዊጁ እዚ ዘይብሃል ጉድኣት ኣስዒቡ። ሃገር ሱዳን ድማ ዝተጎብጠ መሬትና ከነምልስ ብዝብል ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ከፊቶም። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ሓደ እዋን ብረታዊ ጎንጺ ኣብ መንጎ 1) ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ 2) ሰራዊት ኤርትራ 3) ሰራዊት ሶማል (ብስዉር ከም ተሓጋጋዚ) 4) ሰራዊት ሱዳን 5) ምልሻ ብሄረ-ኣምሓራ 6) ሰራዊት ክልል ትግራይ (ንህዝቡን ሃገሩን ክከላኸል) ውግእ ከም ዝተኸስተ ኣብ ምሉእ ዓለም ተቓሊሑ እዩ። ካብዚ ዂውንነት ተበጊሰ ብዛዕባ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክጽሕፍ ወሲነ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ መስመር ማእከላይ ባሕሪ - ቀይሕ ባሕሪ (Mediterranean - Red Sea)፡ ንሃገራት ኤውሮጳን ማእከላይ ኣስያን ህንዳዊ ውቅያኖስ ሰንጢቑ ድማ ናብ ርሑቕ ምብራቕ ዘራኽብ ጂኦ-ፖለቲካዊን ጂኦ-ስትራተጂካዊን ቦታ ምህላዉ ብኩሉ ዝፍልጥ ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ንግዳውን ወታሃደራውን ኣገዳስነቱ ብኩለን ጸለውቲ መንግስታት ዝጥመት ምዃኑ ኣብ ጂቡቲ ምዓስከር ደኲነን ዘለዋ መንግስታት ምቑጻር ጥራይ ይኣክል። ስለዚ ናይ ወጻኢ ጥቕሚ ጽልዋታት ዝፈጥሮ ምትሕልላኽን ቅልውላውን ከም ሓደ ናይ ሽግር ረቛሒ ክውሰድ ኣለዎ።

ህልኽ መራሕቲ ህግደፈን ወያነ (ኢሂወደግ)፥ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐጻሊ እንዳብኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ክትጻወሮ ዘይክኣል ተጻብኦታትን ህልኽን ብረታዊ ረጽምን ምስ ዞባና ይጓዓዝ ምህላዉ ዘደንቕ ኣይኮነን። ጠንቂ መበገሲኡ ከም ኩሉ ግጭታት ኣብ ሓድ-ሕድ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ፍርህን ዝተኣሳሰረ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ሓንጎል ሓደ ሓደ ፖለቲካዊ መራሕቲ ናይ 'ዚ ዞባዚ መን ሓያል፡ ተሰማዒ፡ ጎብለል፡ ናይዚ ዞባ ኮይኑ ወጸ ዝብል ውድድር ተራእዩ። ገለ መራሕቲ ምዕራባዊ ዓለም ክኣ፡ ዋላ ብፍልጥ ውድድር ንምፍጣር ዝትሓስበ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ምዝራእ ናይ'ዚ ውድድር እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም። ንኣብነት ፕረሲደንት ቢል ክሊንተን ናይ ሕ.መ.ኣ፡ ንቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ፡ ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ኡጋንዳ ፕረሲደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ናይ ርዋንዳ ፕረሲደንት ፓውል ካጋመ ኣመልኪቱ ሓደስቲ (መንእሰያት) መራሕቲ ኣፍሪቃ ፈርዮም (New breed of African Leaders) ኣለዉ፡ ዝብል ናእዳ ሓዘል መግለጺ ኣብ ሓንጎል ገሊኦም ናይ ስልጣን ስኽራን ፈጢሩ'ዩ።

ግብራዊ መረጋገጺ ናይ'ዚ ውድድርን ምትህልላኽን ክኣ፡ ነቲ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክጠቅም፡ ዝቖመ ውድብ ኢጋድ (IGAD- Intergovernmental Authority on Development) ስጉምቲ ከይከደ ብምስሕሓብን ብምፍሕፋሓትን ክዳኸም ክፈራሽኽ ገይሩዎ። ብተወሳኺ፡ ድሕሪኡ ዝስዓበ ኣብ መንጎ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ወያነን (ኢሂወደግ) ንነዊሕ ግዜ ጽዑቕ ሕሱር ጎስጓስ ጸለመን ጠቐነን ዘለፋታትን ምውንጃልን፡ ብሰበብ ግጭት ዶብ፡ ክሳብ ሂወት ኣሻሓት ዜጋታት ክልቲኡ ወገናት ዝተኸፍሎ፡ ናብ ብረታዊ ረጽሚ ከም ዝዓረገ ምስ ብዙሕ ቃንዛን ሓዘንን ክንዝክሮ ንነብር ኣለና። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዘኸተሎ ሳዕቤን፡ ሎሚ ኤርትራ፡ ብዕድመ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣቢይ፡ ዶብ ሰጊራ ኣብ ትግራይ ተካይዶ ዘላ ወራር መቐጸልታ ናይቲ ንዓመታት ክኸይድ ዝጸነሐ ምጉዕብባዕ ብመንጽር፡ 'መን ንመን ካብ ስልጣን ቀዲሙ ይኣልዮ ' ዝብል ቀጻሊ ተጻባኢ ምፍኽኻር ክርአ ኣልዎ።

ስሉሳዊ ኩዳን፥ እቲ ዘገርም፡ ንውድብ ኢጋድ ኣዳኺሞም፡ ውልቀ መላኺ ኢስያስን ዶር ኣቢይን ናይ ሶማልያ መራሒ ምሓመድ ኣብዱላሂ ምሓመድ (ፎርማጆ) ኢዱ ዘእተወሉ፡ ሓዲሽ ኣሰላልፋ ሓይልታት - ስሉሳዊ ኪዳን - ፈጢሮም። ዕላማና ከይንፍጽም ይዕንቅፈና ወይ ይዕንቅጸና እዩ ዝበልዎ ብህዝቡ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነት ወያነ ክልል ትግራይ ካብ ስልጣን ክዓልዉን ክድምስሱን ድማ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሶም ህዝቦም ከየማኸሩ ሰራዊቶም ናብ ኲናት ኣዝሚቶሞ። እቲ ኣብ ጎደናታት ሞቓዲሾን ካልኦት ቦታን ብሶማላውያን ኣዴታት ደቅና ኣበይ ኣትዮም፡ ደቅና ምለሱልና ዝብል፡ ቁጥዓ ዝተሓወሶ ጨርሖታት መረጋገጺ ናይዚ ሓቅነት እዩ። ሶማላውያን መንእሰያት ንወታሃደራዊ ስልጠና ብዝብል ምስምስ፡ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምልኣኾም፣ ህዝቢ ሶማል ከይፈለጠ ኣብ ኲናት ትግራይ ተኻፊሎም ዝብል ግምታት ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዝተኻፈለ ብጭብጥታት ዝተሰነየ መርትዖታት ስለዘሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መጀመርያ ክኽሕዶ እኳ እንተ ፈተነ፡ ከይፈተወ ብወግዒ ተኣሚኑሉ እዩ። ናይ መንግስቲ ሱዳን ጉዳይ ግን፡ ምስ 'ዚ ናይ ኤርትራን ሶማልን ወራር ትግራይ ዘራኽብ ነገር ከምዘይብሉ ንኹሉ ንጹር ክኸውን ይግባእ። መንግስቲ ሱዳን ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ዘሎ ዝብጽሓኒ መሬተይ፡ ትሕጃይ ከምልስ እየ እሉ ዝወሰዶ ወታሃደራዊ ስጉምቲ እዩ። ሓቅነቱን ሕጋውነቱን ኣገባቡን ምጽራይ ዝምልከት፡ ንስርዓታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይሕደግ። ብዚ ኮይኑ በቲ እቲ ፍጻሜ ግን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕሱም ቅልውላው የእቲዎ።

ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፥ ሕምብርትን መቦቅልን ቅልውላው ኢትዮጵያ-ሕብረ-ብሄራት ማእከል - ዝገበረ ስለዝኾነት፡ ብውሑዱ ብዛዕባ ተራን ኣሰላልፋን ብሄረ ኣምሓራን ብሄረ ኦሮሞን ከይጠቐስካ ምሉእ ስእሊ እቲ ቅልውላውን ናይዚ ዞባ ክትርዳእ ዝክኣል ኣይኮነን። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ንጹር ዝሓንጸጾ መርሓ-ጎደና ንፈልጦ እኳ እንተዘየለ፡ ምስ ወልቀ -መላኺ ኢሳያስን ምሁራን ኣምሓራን ተሻሪኹ፡ ቀዳምይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ኣሃዳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝመስል መንግስቲ ክተክል ዘዋድድ ዘሎ ይመስል። እዚ ኣምርን መስርሕን'ዚ ግን ምስቶም ፈደራላዊ ስርዓት ዝመርጹ፡ መራሕቲ ክልል ትግራይን ክልል ኦሮምያን ፊት ንፊት እዩ ዘራጽሞ። ኣስላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ተጻረርቲ ናይ ስነ-ምሕደራ ግንባራት፡ 1) ተጣበቕቲ ኣሃዳዊ ስርዓት 2) ትጣበቕቲ ፈደራላዊ ስርዓት ዝረግእ ወይ ዝጠቓለል እዩ ዝመስል። ኣብዚ ኩሉ ሰብ ክርድኦ ዘለዎ እቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ብብዓል ፕሮፈሶር ብርሃኑ ነጋ ዝተመስረተ፡ ብስርዓት ኢሳያስ እንዳተመወለ ኣብ ኤርትራ ትዓቚቡ ንኢሂወደግ ዝቃወም ዝነበረ፣ ኣብ 2018 ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሱ ሰልፊ ኢዜማ ዝመስረተ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ብተወሳኺ፡ እዚ ጉጅለ እዚ ን30 ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሉን ዘይተቐበል፡ ኣሃዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምምላስ ዝቃለስ፡ 'ሾቪኒስት' ጉጅለ ኣምሓራ ምሁራን (chauvinist Amahara Elites) ዝሓቖፈ፡ ሎሚ ምስ ኢሳያስ ኢድን ጓንቲን ኮይኑ ኣብ ጎድኒ ኣቢይ ተሰሊፉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኢዜማ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ሓደ ኣታዓራቒ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ ኢትዮጵያ ክትመቓቕል ተኽእሎ ከምዘሎ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ዝደጋግምዎ ሓስብ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብቲ ዘለዎ ቅልውላው ከም ዘይወጽእ ክገብሮ ትኽእሎ ኣሎ።

በይናዊ ግዚያዊ ምቁራጽ ተዂሲ፥ ሒደት ምዓልታት ይገብር፡ ስርዓት ኣቢይ በይናዊ ናይ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ኣዋጅ ኣውጺኡ'ሎ። ኣብ ውግእ ስለዝተዳኸመ፡ ንቀጻሊ ወራር ዳግማይ ንምውድዳብ ግዜ ንምርካብ ድዩ ወይስ ብቕንዕና ከምቲ ዝብሎ ሓልዮት ሓረስቶት ትግራይ ሕርሽኦም ከሰላስሉ ኢሉ እዩ፡ እግዚኣብሄር ዋንኡ። ይናሕ ይሕጸር ምስ ግዜ ዝግሃድ'ዩ። እቲ ተበግሶ ግን፡ ንሓው ጎረቤት ህዝቢ ትግራይ ትንፋስ ዝህብ ስለዝኾነ ክምጎስ ይግባእ። ዘላቒ ሰላም ከምጽእ ክኣ ንትስፎን ንትምነን። ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ግምታትን፡ ኩውነታትን ብኣትክሮ እንዳተኸታተለ ከይተዳህለለን ከይተዛነየን ዕዮ ገዝኡ ካብ ምግባር ክስልኪ የብሉን። ገጢሞሞ ዘለው ጸላእቲ ናይ ሰብ ባህሪ ዘይብሎም ቀይዲ ግዝኣተ ሕጊ ዘይፈልጡ፡ ፈሪሃ ሞሎኮታዊ ሰማያዊ ትእዛዝን ዘይብሎም ወልቀ-መለኽቲ ስልዝኾኑ። ንህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኦሮምን ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያን ኣንዳሓመሱን ኣንዳጨፍለቑን ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ትሓሪምዎ ኣብ ቀውሲን ቅልውላውን ክነብር ዝኾኖኑዎ ሓይልታት እዮም።

ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፥ ኣብ 2018 ዓ ም ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት፡ ዝሓለፈ ናይ 3 ወሎዶታት ቃልሲ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዘቆናጽብን ዝኸድዕን፡ “3 ወሎዶታት ክንትሃላለኽ ብኸንቱ ኣባኺና፡ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ኣነ ንኢትዮጵያ ሂወተይ ክኸፍለላ ድሉው እየ፡ ንዶር ኣቢይ ድማ ንስኻ ኢኻ መራሒና "ዝብሉ ድራማታት ተመልኪትና፣ በቲ ካልእ ወገን ክኣ ንመሪሕነት ወያነ ትግራይ ኣመልኪቱ፡ "ጸወታ ኣኽቲሙ ወይ ኣብቂዑ(Game Over)” ክብል ናይ ብድዐን ቅርሕንትን መርዛም ቃላት ክድርጉሖ ኣስተውዒልና። ምስላ ዓበይቲ፡ "ኣዲኣ ሓዲጋስ ሓትንኣ ትናፍቕ " ከም ዝብሎ፡ ኢሳያስ ምስ ኣምሓሩ ምልሕሓስ ዝጀመረ፡ ብመደብን ፕላንን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ነባሪ ጽልኢ ንምትካልን ሓዊ ንምእጓድን ዝዓለመ ሽርሒ ምዃኑ ኣስተብሂሉ፡ በዚ ከይተታለለ ክልትኡ ህዝብታት ነቂሑ ተጊሁ ብዘይ ነግ ፈረግ ክቃለስን ከፍሽሎን ኢድን ጓንቲን ኮይኑ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ብመሪሕነት ህግደፍን ወያነን ዝተጀመረ ምትህልላኽን ናይ ስልጣን ውድድርን ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከምዘይኮነ ክስቆረና ኣለዎ። ዝምድና ክልቲኡ ጎሮባብቲ ህዝብታት ዘጎልብት ናብ ዝላዐለ ጥርዚ ዘበርኽን ናይ ሓባር ስትራተጂ ሓንጺጹ ካብ ከባቢኡ ዝመጽእ ወራርርን ዓመጽን ሓቢሩ ክምክት ይግባእ። ኣብዚ ዞባ 'ዚ እቲ ቀረባ ናይ ደም ዝምድና ዘለዎ ህዝብታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብባህልን ልምድን መውስቦን ታሪኻዊ ምትእስሳርን፡ ንኽልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን ተቐቢሉን ኣኽቢሩን ብሰላም ከንብሮ ዝኽእል ጭውነትን ስነ -ልቦናን ዝውንን ህዝብታት እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከየማኸረ ብኢደ -ወነንኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበሮ ወታሃደራዊ ዘመተ፡ ምስ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምልሻ ክልል ኣምሓራን ወጊኑን ተድሪቡን ምድፋር ደቀንስትዮ፡ ህልቂት ሂወት ሰብን-ብሓፈሻ ግህሰት ሰብኣዊ መስለል - ምብራስ ንብረትን ዘሐንኽ ዘይስነ-ምግባራዊ ፍጻሜ ስለ ዝኾነ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝወረድ ግፍዒ ኣትሪሩ ክኹንኖ ይግባእ።

ስርዓት ህግደፍ፥ ብደረጃታት ይፈላለ ድኣምበር ብሓፈሻ መራሕቲ ሃገራት፡ ይብዛሕ ይውሓድ፡ ጥቕሚ ህዝቦምን ሃገሮምን ልዕሊ ጥቕሚ ካልኦት ሃገራት እዮም ዝሰርዑ።፡ ካብ ጥቕሚ ሃገሩን ህዝቡን ጥቕሚ ካልእ ሃገርን ህዝብን ሰሪዑ ዘመሓድር ስርዓት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሂወተይ እየ ዝዕዘብ ዘለኹ። እቲ ኣዚዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ኩምትር ዘብልን ድማ ፡ እቲ ስርዓት - ከዳዕ ስርዓት ህግደፍ - ምዃኑ እዩ። ብፍላጥን መደብን ዘድከዮ ህዝብን ዘባደሞ ሃገርን፡ ንሃገሮም ዝተቓለሱ መራሕቲ ዝዳጎነ፡ መንእሰያት ካብ ሃገር ዘባረሮ ከይኣክል፡ "ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተደቢሩ ይስዕስዕ" ከምዝብሃል፡ ብዋጋ ሂወት ሰራዊትና ስልጣን ኣቢይ ከደላድልን ሓድነት ዓባይ ኢትዮጵያ ከረጋግጽን ክሕልዉን ምዕዛብ ክልተ ግዜ ሞት እዩ።

Highlights on the war in Tigray, Ethiopia region. ምዕባለታት ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ።

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም

ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ካብ ሕመኣ (USA)

ብ`PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።



Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ERISAT: መኣዲ ዘተ ድልድል:
ኢሰያስ፡ ትግርኛ ዝዛረብ ሞሶሊኒ።
ERISAT: Isaias: Tigrinya-speaking Mussolini.
Discussion among: Kaleb Zewengel, Naod Belay, and Samuel Bizen.
ዘተ ኣብ ሞንጎ፦ ካሌብ ዘወንጌል፡ ናኦድ በላይ፡ ሳሙኤል ቢዘን።



Share with friends: