01/09/2026 00:01 AM
መበል 65 ዓመት ዝኽሪ፡ ባሕቲ መስከረም 1961፡
ምጅማር ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
الذكرى 65 لبداية الكفاح التحريري المسلح للشعب الإريتري، 1 سبتمبر 1961
65th anniversary of the beginning of the Eritrean peoples' armed liberation struggle, September 1, 1961.
(1961 - 2026)
መልእኽቲ ስኒትና፡ ብኣጋጣሚ መበል 65 ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2026
ዝኸበርካን እተፈቶኻን፡ ህዝቢ ኤርትራ!
እታ ሓበንን ትእምርቲ ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ፈላሚት ዕለት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ እነሆ 65 ዓመታ ኣእኪላ፡ ሎሚ 01 መስከረም 2026፡ ደበኽ ኢላትና፡ ኣላ።
እቶም ኣብዛ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ሓርነትን ንምጉንጻፍ፡ በጃ ክሓልፉ ዝተወፈዩ ሓርበኛታትና፡ ብመሪሕነት ጅግና ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ በታ ፈላሚት ጥይት ኣብ ጎቦ ኣዳል (ባርካ) ኣበሲሮም። እዞም ኣዝዮም ውሑዳት ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ብኣዝዩ ድሑርን ውሑድን ዓቕሚ ብረት፡ ብረታዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ከልዕሉ ከለዉ፡ እንትርፎ ኣብ መትከሎምን ህዝቦምን፡ ኣብ ካልእ እምንቶ ኣይነበሮምን። ኮነ ኸኣ፡ እቲ ንመግዛእታዊ ኣርዑት እምቢ ዝበለ መላኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ራስ-ቃሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ በብእዋኑ ናብ ሰውራኡ ውሒዙ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ን 30 ዓመታት፡ ምእንቲ ናጽነቱን ሓርነቱን፡ በጃ`ታ መሬቱን መጻኢ ወለዶታቱን፡ ብጅግንንተት ተጋዲሉን ተሰዊኡን። መሪርን ብዙሕ ሓጎጽጎጽን ዝመልኦን ጉዕዞ ሰውራና ሰጊሩ ኸኣ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናጽነት ሃገርና ኣረጋጊጹ።
ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ 1940ታት ዝጀመረ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኢዩ። እዛ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዘበገሰት ፈላሚት ባሕቲ መስከረም 1961 ከይዘከርና፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንበይና ክንዝከር ከኣ፡ ኣይከኣልን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ኹሉ ንናጽነት ዘጓናጸፈ ጅግንነትን መስዋእቲን፡ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ ስለዝኾነ ኢዩ። ባሕቲ መስከረም፡ ንመዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ስለዝወለደት፡ ኣብ ታሪኽ ህዝብና ብክብ ዝበለ ማዕርግ ክትበዓል ዝግባኣ ዕለት ኢያ።
እቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንሃገርና ዝጎበጠ፡ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ብቕልጽም ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991፡ ተሓግሒጉ ውጺኡ። ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ካብ ሚያዝያ 23-25, 1993 ድማ፡ መላእ ዓለም እተዓዘቦን ዝመስከረሉን ታሪኻዊ መስርሕ ምድማጽ፡ ህዝባዊ ረፈረንዱም፡ ተኻይዱ፡ 99.83 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ፡ ብሓደ ድምጺ፡ `እወ ንናጽነት!` ኢሉ ብምድማጽ፡ ዘየወላውል ርእሰ-ውሳኔኡን ናይ ናጽነት ድሌቱን፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ኣረጋጊጹ። በዚ ኸኣ፡ ሃገርና፡ ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓለም ብምዃን፡ ልዑላውነታ ኣረጋጊጻ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ህዝብና፡ ካብ መዓሙቕ ልቢ ፈንጪሑ ብዝወጸ ሓጎስ፡ ነቢዑ፡ ዘሊሉን ሳዕሲዑን።
ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝነቐለ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕላምኡ፡ ንሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ጎበጣ ናጻ ኣውጺእካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ዋና ሃገሩ ኮይኑ፡ ብሓርነት ከምዝነብር፡ ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፋ 35 ዓመታት ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነትና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩን መሬቱን፡ ኩሉ ሓርነቱ፡ መሰላቱን ክብርታቱን ተጋሂሱ፡ ኣብ ኣስካሕካሒ ዘቤታዊ ጊልያነት ክነብር፡ ተገዲዱ። በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ውን እንተኾነ፡ ሓርነታዊ ቃልሱ ክቕጽሎ ተቐሲቡ። እልቢ ዘይብሉን፡ በብዓይነቱን መስዋእቲ እናኸፈለ ኸኣ፡ ኣብ ምቅላስ ይርከብ። ነዚ ህዝባዊ ሓርነት እዚ ዝተቓለሱን ዝጸውዑን፡ እልፊ ኣእላፋት፡ መራሕቲን ተራ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብምልካዊ ስርዓት ሃገርና፡ ብዓፈና ተጨውዮም፡ ተሰዊሮም፡ ድሃዮም ኣይፍለጥን። ብሰንኩ፡ መላእ ቤተሰብ ሕዩራት፡ መቓልስቶም፡ ብሓፈሻ ኸኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ክቱር ሻቕሎትን ስነ-ኣእሙራዊ ነውጺን፡ ንነብር ኣሎና።
ሎሚ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ክንጽምብል ከሎና፡ ሃገርናን ህዝብናን፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣብ ዘለዉሉ እዋን ኢዩ። ብሰንኪ ናይ ሃገርና ጨካን ምልካዊ ምሕደራን ንሱ ዝፈጠሮ ኩለንተናዊ ምድኻም ናይ ሃገርናን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ኩሉ ዘዋጣውጠላ ሃገር ኮይና ኣላ። ብሰንኩ ድማ፡ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኽበ ልዑላውነት ሃገርና ናብ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ።
ሎሚ፡ መበል 65 ዓመት በዓል ባሕቲ መስከረም ክንጽምብላ ከሎና፡ እቲ ንሳ ዝነቐለትሉ ዕላማ ብምዝካር፡ ነቲ ገና ዘይተረጋገጸ ሓርነት ህዝብና ብምስትንታንን፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣርዑት ዘቤታዊ-ምልኪ ንምእላይ፡ ሓባራዊ መብጽዓና እነሓድሰላ ዕለት፡ ክትከውን ይግባእ።
ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓተ-ምልኪን ራዕዲን፡ ንሓዋሩ ሓግሒጎም ንምድርባይ ተላዒሎም ኣለዉ። ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝብና፡ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ከኣ፡ ሽግ ሓርነት ናይ ባሕቲ መስከረም የምበልብሉ ኣለዉ። ንኤርትራውያን ነባራት ሓርበኛታት ከኣ፡ ኣብ ጎኒ ደቆም ብምዃን፡ ምኽሮምን ተሞኩሮኦም ከካፍልሉ ዝጠልብ ኩነታት፡ ተኸሲቱ ኣሎ። መንእሰያትና እውን ናብ ወለዶም ዝውከሱሉ፡ ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መድርኽ ተበጺሑ ምህላዉ ይገሃድ ኣሎ። ከምቲ ትማሊ፡ ብብረታዊ ተጋድሎና ናጽነት ዘረጋገጽና፡ ሓርነት ህዝብና ንምርግጋጽ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ እውን፡ ፍትሓዊ ስለዝኾነ፡ ዓወቱ ዘይተርፍ ኢዩ።
ንሕና ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ክህልወና ዝኽእል እካ እንተኾነ፡ ሓንቲ ንኹልና እትኣስር ዝተረረት ገመድ ግን ኣላትና፡- ኣብ ሃገራዊ ፍቕርና፡ ልዑላውነት ሃገርናን ህዝብናን፡ ከም ኤርትራውያን ዘሎና ሓበንን ተወፋይነትን፡ ትማሊ ይኹን ሎሚ፡ ከምኡውን ንመጻኢ፡ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ። እቲ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ንከይወድቕ ዘርኣናዮ ተወፋይነትን ሓድነትን፡ ዓለም እተዓዘበቶ ህያው ምስክር ኢዩ። እሞ፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት፡ ባሕቲ መስከረም፡ ነቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘራጋገጽናዮ ሓድነት፡ ዳግማይ ንምትራሩ፡ መብጽዓናን ተወፋይነትናን ብግብሪ ከነመስክር፡ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክመሓላለፍ ዘለዎ ጻውዒት ኢዩ።
እዚ ህዝባዊ ጻውዒት እዚ፡ ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊን ሓደገኛን መድርኽ ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ባህሪያዊ ሓደጋ ናይ ድርቂ ስለዝተወሰኾን፡ ኣዝዩ ህጹጽ፡ ይገብሮ። ኩልና ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን ዘሎና ኤርትራውያን፡ ነዚ ህጹጽ ህዝባዊ ጻውዒት እዚ፡ ግቡእ ኣቓልቦ ሂብና፡ እጃምና ከነበርክት ግዴታ ኣሎና። ነቲ ንኹሉ መሓውራት ህዝባዊ ሓርነታት ዓፊኑ፡ ንሃገርና ኣብ ደልሃመት ሸሚሙዋ ዘሎ፡ ብውሑዳን ጭፍራ ዝምራሕ ኣረሜናዊ ስርዓት፡ ካብ ሱሩ ነቒልና ብምድርባይ፡ ህዝብና ቀሲኑ ዝነብረላ ፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ ኣሐይልና ክንሰርሓሉ፡ ይግባእ።
እታ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት፡ ክሳብ ኣብ ሸቶኣ እትበጽሕ፡ ብዘይ ምስልካይ ዓቲርናያ ክንምርሽ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰይ ወለዶ ቀንዲ ሓላፍነት ኢዩ። እቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ደቂ ኤርትራ ዝተራጋገጸ ልዑላውነት ሃገርና ምዕቃብን፡ ነቲ ተጋሂሱ ዘሎ ሰብኣዊ-መሰልን ሓርነትን ህዝብና ንምእላይን፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ እዋናዊ ሓላፍነት ኢዩ።
ዝኽሪ ነቶም ክወግሕ ምዃኑ ከይተጣርራጠሩ፡ በጃ ዝሓለፉልና ጀጋኑና!
ሎሚ'ውን ከም ትማሊ፡ ብመንእሰያትና ክወግሕ እዩ!
መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና.ኮም። 01 መስከረም 2026
01/09/2026 00:01 AM
إحياء الذكرى الـ 65: الفاتح من سبتمبر 1961 – انطلاقة الكفاح المسلح لتحرير الشعب الإريتري.
بيان صادر عن موقع: [www.snitna.com]
رسالة Snitna.com بمناسبة الذكرى الخامسة والستين لحدث الأول من سبتمبر، 1 سبتمبر 2026
أيها الشعب الإريتري العزيز والمحترم!
إن اليوم الأول من الكفاح المسلح للشعب الإريتري — والذي يمثل مصدر فخر ورمز صمود للشعب الإريتري — يحيي اليوم، الأول من سبتمبر 2026، ذكراه الخامسة والستين.
إن وطنيينا الذين ضحوا بأنفسهم من أجل جلب الاستقلال والحرية للشعب الإريتري تحت قيادة البطل الوطني حامد إدريس عواتي، أعلنوا انطلاقة الكفاح بإطلاق الرصاصة الأولى في جبل أدال (بركة) في الفاتح من سبتمبر 1961. وعندما أطلق هؤلاء الأبطال المعدودون الكفاح المسلح من أجل التحرير بإمكانيات وتسليح بدائي ومحدود للغاية، لم يكن لديهم أي اعتماد سوى على مبادئهم وشعبهم. ونتيجة لذلك، فإن كامل الشعب الإريتري — من رأس قصار إلى رأس دوميرة — الذي قال "لا" لنير الاستعمار، تدفق عبر الزمن لينضم إلى ثورته. ولأكثر من 30 عامًا، قاتل عامة الشعب الإريتري ببطولة وضحوا من أجل استقلالهم، وحريتهم، وأرضهم، وأجيالهم القادمة. وعبر رحلة مريرة مليئة بالعقبات، استطاعت ثورتنا أن تضمن استقلال وطننا في 24 مايو 1991.
كان الكفاح المسلح لشعبنا امتدادًا للنضال السياسي السلمي الذي بدأ في أربعينيات القرن الماضي. ومن المستحيل تذكر يوم استقلال إريتريا بمفرده دون تكريم الفاتح من سبتمبر 1961، الذي أطلق شرارة حرية الشعب الإريتري؛ وذلك لأن التاريخ الذي جعل كل تلك البطولات والتضحيات من أجل الاستقلال ممكنة قد تحقق بين عامي 1961 و1991. ولأن الفاتح من سبتمبر هو الذي أنجب يوم استقلال إريتريا، فإنه يستحق أن يُحتفل به بأعلى درجات التكريم في تاريخ شعبنا.
إن نظام الاستعمار الإثيوبي الأجنبي الذي ضم بلادنا بغير حق، قد تم كنسه وطرده بسواعد الثوار وعامة الشعب الإريتري في 24 مايو 1991. وبعد عامين، في الفترة من 23 إلى 25 أبريل 1993، أُجري استفتائي شعبي تاريخي شهده وشهد عليه العالم أجمع؛ حيث صوّت 99.83% من الشعب الإريتري بصوت واحد: "نعم للاستقلال!"، مؤكدين للعالم أجمع حقهم غير القابل للشك في تقرير المصير ورغبتهم في الاستقلال. ومن خلال ذلك، أكدت بلادنا سيادتها بنيلها عضوية الأمم المتحدة. وفي ذلك الوقت، بكى شعبنا وفرح ورقص من أعماق قلبه ابتهاجًا بتلك اللحظة.
كان الهدف من نضال الشعب الإريتري الذي انطلق في الفاتح من سبتمبر 1961 هو تحرير وطننا إريتريا من الاحتلال الاستعماري وضمان أن يعيش الشعب الإريتري بحرية كأسياد حقيقيين لورثهم ووطنهم.
وعلى مدى الـ 35 عامًا الماضية منذ تحقيق استقلالنا، أُجبر الشعب الإريتري على العيش في عبودية داخلية مروعة داخل وطنه وأرضه، مع الانتهاك الكامل لكافة حرياته وحقوقه وكرامته. ولهذا السبب، فإن شعبنا التواق للعدالة مضطر لمواصلة نضاله من أجل الحرية حتى يومنا هذا. ومقدمًا تضحيات لا تحصى ومتنوعة، يواصل شعبنا انخراطه في هذا النضال. إن أعدادًا لا تحصى من القادة والمواطنين الإريتريين البسيطين الذين ناضلوا وطالبوا بهذه الحرية العامة تم اختطافهم قسرًا، وإخفاؤهم، وانقطعت أخبارهم على يد النظام الديكتاتوري في بلادنا. ونتيجة لذلك، تعيش عائلات المعتقلين ورجال المقاومة والشعب الإريتري ككل في قلق شديد واضطراب نفسي بالغ.
اليوم، ونحن نحيي ذكرى الفاتح من سبتمبر، يمر وطننا وشعبنا بظلام دامس. فبسبب الحكم الديكتاتوري القاسي في بلادنا وما نتج عنه من إضعاف شامل لبلادنا، تواجه إريتريا حاليًا تهديدات من كل حدب وصوب. ونتيجة لذلك، أصبحت سيادة بلادنا، التي تحققت بتضحيات جسام، معرضة للخطر.
اليوم، ونحن نحيي الذكرى الـ 65 للفاتح من سبتمبر، يجب أن تكون هذه المناسبة يومًا لتجديد عهدنا الجماعي من خلال تذكر الهدف الذي انطلقت من أجله الثورة، والتفكر في الحرية غير المكتملة لشعبنا، وإزالة نير الديكتاتورية الداخلية في وطننا.
لقد نهض الشباب الإريتري لإزالة وكنس النظام الاستبدادي والخوف الذي يضايق الشعب الإريتري بشكل دائم. ولإعادة حرية شعبنا التي خانها النظام الديكتاتوري، فإنهم يرفعون شعلة الحرية الخاصة بالفاتح من سبتمبر. لقد برز واقع يتطلب من الرعيل الأول من الوطنيين الإريتريين الوقوف إلى جانب أبنائهم ومشاركتهم النصح والخبرة. ومن الواضح أننا وصلنا إلى مرحلة نضالية نشطة يتشاور فيها الشباب مع كبارهم. ومثلما حققنا الاستقلال بالأمس من خلال الكفاح المسلح، فإن النضال الذي نخوضه اليوم لضمان حرية شعبنا هو نضال عادل، وانتصاره أمر حتمي لا مفر منه.
على الرغم من أننا نحن الإريتريين قد نختلف في الآراء، إلا أن لدينا حبلًا وثيقًا يجمعنا: محبتنا الوطنية، وسيادة وطننا وشعبنا، وفخرنا وتفانينا كإريتريين — في الماضي والحاضر والمستقبل — يبقى عاليًا للغاية. إن الـ 30 عامًا الماضية من الكفاح المسلح للشعب الإريتري، وكذلك التفاني والوحدة التي أبديناها لمنع سيادة بلادنا من الوقوع في الخطر، تقف كشاهد حي يشهده العالم. لذلك، في هذا التاريخ العزيز، الفاتح من سبتمبر، فإن النداء الذي يجب أن يصل إلى كافة أبناء الشعب الإريتري هو إثبات عهدنا وتفانينا في العمل على إعادة ترسيخ الوحدة التي صنعناها خلال الكفاح المسلح.
إن هذا النداء الشعبي يكتسب أهمية بالغة وعاجلة للغاية مع دخول بلادنا مرحلة حساسة وحرجة جدًا، يفاقمها الخطر الطبيعي المتمثل في الجفاف. يقع على عاتقنا جميعًا نحن الإريتريين، في الداخل والخارج، التزام بإيلاء الاهتمام الكافي لهذا النداء الشعبي العاجل والقيام بدورنا. يجب أن نعمل بجهد أكبر من أي وقت مضى لاستئصال ورمي النظام البربري الذي تقوده عصبة قليلة — والذي قمع كل آليات الحريات العامة وألقى ببلادنا في الهاوية — لبناء إريتريا عادلة وديمقراطية يعيش فيها شعبنا بسلام.
إن المسؤولية الأساسية لجميع الإريتريين، وخاصة جيل الشباب، هي السير دون كفل أو ملل مع حمل شعلة الحرية التي أُضيئت في الفاتح من سبتمبر 1961 حتى تصل إلى مقصدها. إن الحفاظ على سيادة بلادنا، التي تحققت بتضحيات غالية من أبناء إريتريا، وإنهاء الانتهاكات المستمرة لحقوق الإنسان وحريات شعبنا هو الواجب الفوري الملقى على عاتقنا جميعا.
الرحمة والمجد لأبطالنا الذين قدموا أرواحهم دون أن يشكوا لحظة في أن الفجر آتٍ!
واليوم، كما كان بالأمس، سيشرق الفجر على أيدي شبابنا!
الموقع الإلكتروني: [www.snitna.com]
01 سبتمبر 2026
01/09/2026 00:01 AM
65th Anniversary Commemoration: September 1st, 1961 – The Launch of the Armed Struggle for the Liberation of the People of Eritrea.
Statement by [www.snitna.com]
Snitna.com’s message marking the 65th anniversary of the September 1st event, September 1, 2026.
Respected and beloved People of Eritrea!
The first day of the Eritrean people's armed struggle—the source of pride and symbol of perseverance for the Eritrean people—has reached its 65th anniversary today, September 1st, 2026.
Our patriots, who sacrificed themselves to bring independence and freedom to the Eritrean people under the leadership of the heroic patriot Hamid Idris Awate, announced the struggle with the first shot fired at Mount Adal (Barka) on September 1st, 1961. When these very few heroic patriots launched the armed liberation struggle with extremely backward and limited weaponry, they relied on nothing other than their principles and their people. Consequently, the entire Eritrean people—from Ras Kasar to Ras Doumeira—who said "no" to the yoke of colonization, poured into their revolution over time. For 30 years, the entire population of Eritrea fought heroically and sacrificed for their independence, freedom, land, and future generations. Crossing a bitter journey full of obstacles, our revolution secured the independence of our country on May 24, 1991.
The armed struggle of our people was a continuation of the peaceful political struggle that began in the 1940s. It is impossible to remember Eritrea's Independence Day on its own without honoring September 1st, 1961, which initiated the freedom of the Eritrean people. This is because the history that made all the heroism and sacrifice for independence possible took place between 1961 and 1991. Because September 1st gave birth to Eritrea's Independence Day, it is a date that deserves to be celebrated with the highest degree of honor in the history of our people.
The foreign Ethiopian colonial regime, which unlawfully annexed our country, was swept out by the arm of the freedom fighter and the general public of Eritrea on May 24, 1991. Two years later, from April 23–25, 1993, a historic public referendum witnessed and attested to by the entire world was conducted; 99.83% of the Eritrean people voted with one voice—"Yes to Independence!"—confirming their unequivocal self-determination and desire for independence to the entire global community. Through this, our country confirmed its sovereignty by becoming a member of the United Nations. At that time, our people wept, jumped, and danced with joy that burst from the depths of their hearts.
The goal of the Eritrean people's struggle that set off on September 1st, 1961, was to free our country Eritrea from colonial occupation and to ensure that the Eritrean people live in freedom as the true masters of their country.
Over the past 35 years since the securing of our independence, the Eritrean people have been forced to live in horrific domestic servitude within their own country and land, with all their freedoms, rights, and dignity violated. For this reason, our justice-seeking people are compelled to continue their struggle for freedom even today. Making countless and varied sacrifices, they remain engaged in this fight. Countless leaders and ordinary Eritrean citizens who fought and called for this public freedom have been forcibly abducted, disappeared, and left unaccounted for by the dictatorial regime of our country. As a result, families of detainees, their fellow fighters, and the Eritrean people as a whole are living in severe anxiety and psychological turmoil.
Today, as we commemorate September 1st, our country and people are in deep darkness. Due to the cruel dictatorial governance in our country and the total weakening it has caused, Eritrea currently faces threats from all sides. As a result, the sovereignty of our country, obtained through heavy sacrifice, stands exposed to danger.
Today, as we commemorate the 65th anniversary of September 1st, it should serve as a day to renew our collective pledge by remembering the purpose for which it began, reflecting on the unfulfilled freedom of our people, and removing the yoke of domestic dictatorship in our country.
Eritrean youth have risen to permanently sweep away and discard the tyrannical regime and terror that torment the Eritrean people. To restore our people's freedom, which was betrayed by Eritrea's dictatorial regime, they are waving the torch of freedom of September 1st. A situation has arisen that demands veteran Eritrean patriots stand beside their children and share their counsel and experience. It is evident that an active stage of struggle has been reached where youth consult their elders. Just as we secured independence through armed struggle yesterday, the struggle we are conducting today to ensure our people's freedom is just, and its victory is inevitable.
Although we Eritreans may hold differing views, we have a strong binding rope that unites us: our national love, the sovereignty of our country and people, and our pride and dedication as Eritreans—past, present, and future—remain exceptionally high. The past 30 years of the Eritrean people's armed struggle, as well as the dedication and unity we demonstrated to keep our country's sovereignty from falling into danger, stand as living testimony witnessed by the world. Therefore, on this precious date of September 1st, the call that must be conveyed to all Eritrean people is to demonstrate our pledge and dedication in action to re-strengthen the unity we forged during the armed struggle.
This public call is rendered extremely urgent as our country enters a very delicate and dangerous phase, compounded by the natural threat of drought. All of us Eritreans, both at home and abroad, have an obligation to pay proper attention to this urgent public call and contribute our part. We must work harder than ever to uproot and discard the brutal regime led by a few cliques—which has suppressed all mechanisms of public freedom and plunged our country into an abyss—to build a just and democratic Eritrea where our people can live in peace.
It is the primary responsibility of all Eritreans, especially the younger generation, to march without wearying while holding high the torch of freedom lit on September 1st, 1961, until it reaches its destination. Preserving our country's sovereignty, secured through heavy sacrifices by the children of Eritrea, and eliminating the ongoing violations of human rights and freedoms of our people is the immediate duty of us all.
Remembrance to our heroes who gave their lives without doubting that dawn would come!
Today, as yesterday, dawn will come through our youth!
www.snitna.com
01 September 2026
ካብዚ ብምቕጻል፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝበጽሓናን፡ ዝረኸብናዮን ነዛ ዕለትን ወርሒን`ዚ ዝምልከት ጸብጻባት፡ መግለጺታትን ሓበሬታን፡ ኣብ ታሕቲ ከነስዕበልኩም ኢና። ነዚ ገጽ ዚ፡ በብእዋኑ ብትሕዝቶ ከነሀብትሞ ስለዝኾንና፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ድማ ንላቦ። ነዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ወይ ሓበሬታ ምስ ዝህልወኩም ድማ፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ልኣኹልና።
መልእኽቲ ስኒትና፡ ኣብ መበል 64 ዝኽሪ መስከረም ሓደ Snitna's message on 1st September 2025 (Snitna 01-September-2025)
September First 1961' Anniversary song by Eritrean Liberation Front (ELF)
GLOBAL YIAKL "ሪኢና ከይንስእና: ብሓድነት ጸኒዕና ነድሕና"
ጽምብል ዝኽሪ መበል ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1 መስከረም 1961 - ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡
ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ذكرى انطلاق الكفاح المسلح للثورة الاريترية
Keren students and the Eritrean patriotic movement — a documentary.
الطلاب في كرن وإسهامهم في الحركة الوطنية الإرترية (من عام 1958 الى منتصف السبعينات)
ተሳትፎ ተማሃሮ ከረን ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቃልሲ (ካብ 1958 ክሳብ መፋርቕ ሰብዓታት)
[Originally produced for the 9th Keren High School reunion that took place this past July in Seattle, USA]
View on Facebook.
ኣብ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም - ገምጋም ህሉው ኤርትራዊ ኩነታት - ዶ/ ነጋሽ ዑስማን አቦ ወንበር ፈጻሚ ቤ/ጽኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ጽምብል ዝኽሪ መበል ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1 መስከረም 1961 - ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ።
بيان بمناسبة الذكر ى الرابعة والستين لانطلاقة الثورة الإرترية
شعبنا الإرتري الأبي في الداخل والخارج أيها الأشقاء والأصدقاء
መግለጺ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል ሱሳን ኣርባዕተን ዓመት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ !!
ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ወጻእን !! ፈተውትን ኣዕሩኽትን ህዝቢ ኤርትራ !!
ብመስከረም ተበሲሩ ቀጻሊ ዘሎ ጉዕዞ ቃልሲ፡
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፈሪኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዘረጋገጾ ብጉልበትን ሃብትን ናይቶም ኤርትራውያን ደቀባት ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ምስዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ኣይረዓሞን። Read more
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ምጅማር ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ- ባሕቲ መስከረም 1961
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ምጅማር ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ- ባሕቲ መስከረም 1961 ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእትን፣ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ዝተደኰነ ፈደረሽን ምስ ፈረሰ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን፣ ዝለዓለን ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ብ1 መስከረም 1961፡ Read more
መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2024
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ሓደ መስከረም 2024፡ መበል 63 ዝክረ-ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነት ኢዩ። ባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ዓይነታዊ መቐይሮ ዘበሰረት፣ እምነ- ኵርናዕ ኲናት ናጽነት ዘንበረት፣ ብዓቢ ሓበን እትዝከር ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ። ብረታዊ ቃልሲና ን30 ዓመታት ብብዙሕ ሓጐጽጐጽ፡ እንተላይ ብመሪር ኲናት ሓድሕድ፡ ሓሊፉ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣምጺኡ። ብዓወት ካብ ዚዛዘም ድሮ 33 ዓመታት፣ ልዑላዊ ናጽነት ካብ ዚእወጅ ድማ 31 ዓመታት ሓሊፉ። Read more
#KAB:1st Sep 1961 Celebration ምጅማር ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ 31 8 2024
ERISAT:ዛዕባታትና ~ ባሕቲ መስከረምን ኩነታት ሃገርናን
ባህላዊ ምርኢት ብምኽንያት መበል 63 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ | ምስ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር ኣብ ስኔማ ሮማ - ERi-TV
ኣራሚት ንውሁድ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን:
اراميت لانتفاضة الشعب الاريتري الموحد
Commomeration of 1st September 1961
31 August 2024
ሓደ መስከረም - ታሪኻዊ መዓልቲ ሰውራ ኤርትራ, KMZ 1 September 2024
ክፉት መኣዲ ዘተ።
ATV: ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ዕንደራ ድዩ ነይሩ ሰውራ? - ብኣጋጣሚ 1 መስከረም
መስከረም ሓደ፡ ትብዓት ንሓቂ ንለውጢ September 1: time to speak truth to power!
Fanus Network:
Dehay Eritrea ሃለዋት ኤርትራ ትማልን ሎምን! (1ይ ክፋል) ደሃይ ኤርትራ
Interview with author of the book "Hamid Idris Awate" Tegadalay Haileselassie Woldu - ERi-TV
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ወልዱ፡ ደራሲ መጽሓፍ፡ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡
ነዛ መጽሓፍ ንምዕዳግ፡ ኣብዚ ጠውቑ፡- ሓምድ እድሪስ ዓዋተ (Hamid Idris Awate) Paperback – January 1, 2018
ERISAT:#archives | #reposted | ቃለ መሕትት ምስ ድ/ር ከራር ሓምድ እድሪስ ዓዋተ (ትርጉም ብትግርኛ)
ጀላብ ሰላም፡
ናይ ትግረ ደርፊ፡ ብ መምህር ሑሴን ማሐመድ ዓሊ
First September Eritrean Liberation Front (E.L.F.) Song.
Our YEMANE BARYA
“ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ ይነብር”!
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)


ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።