10/02/2026 18:36 PM
ዝኽሪ መበል 36 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡
ሓርነት ከተማ ምጽዋዕ።
36th Anniversary of Operation Fenkil, The Liberation of Massawa,
on 10th Feb. (1990-2026)
10 ለካቲት 2026፡ መበል 36 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ ሓራ ምውጻእ ወደባዊት ከተማና ምጽዋዕ፡ እንዝክረሉ ዕለት ኢዩ።
ነዚ መስተንክር ጅግንነት እተፈጸመሉ ስርሒት ፈንቅል ንምዝካር፡ ኪኖኡ ናብ ታሪኽ ኤርትራ ምልስ ኢልካ ምጥማትን፡ ድሕሪኡ ክሳብ ናጽነትን ድሕሪኡ ን36 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ኩነታትን፡ እናዛመድካ ምግላጽን ምስትንታንን ይሓትት።
ሃገርና ኤርትራ፡ ብዘይነጽፍ ጸጋታት ባሕሪን ገማግምን እተዓደለት፡ ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ እትውንን፡ ኣብ ቁልፊ መተሓላለፊ ኣህጉራዊ ማያዊ ንግዲ ናይ ዓለምና እተደኮነት፡ ዓለምለኻዊ እስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ፡ ኣዝዩ ሃብታም ዕቑር ሃብቲ ባሕሪን ገማግምን እትውንን፡ ሰፊሕን ማራኺን ናይ ገማግም ባሕሪ ቱሪዝም ከተማዕብል እትኽእል፡ ካብተን ኣብ ከባቢና ኣለዋ ዝበሃላ ሃብታማት ሃገራት ከም ኢማራት ዓረብ (ዱባይ)፡ ዘይሰንፍ ሰሓቢን ስሉጥን ናጻ ወደባዊ ኣገልግሎታት ክትህብ እትኽእል፡ ኣብ ምቹእ ቦታ እተደኮነት፡ ካልእ ብዙሕ፡ ኣብ ከርሲን ልዕሊን መሬታን ባሕራን ዝርከብ፡ ዕቑር ሃብቲ ዘለዋ፡ ተባሃጊት ሃብታም ሃገር ኢያ። እዚ ንሃገርና ዘለዋ፡ ተባሃጊ ብልጫታት ከኣ ኢዩ፡ ንዓይኒ ጎበጥቲ ተሃራፊት ዝገብራ። ን50 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ክትገዝእ ዝጸንሐት ኢጣልያ፡ ኣብ 1941 ብናይ ኪዳን ሓይልታት ምስ ተሳዕረት፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ንዝቐጸለ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣተወት። ኣብዚ ናይ 1940ታት ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብምቛም፡ ብዓብላሊ ድምጺ ንናጽነት ክጠልብ ጀመረ። ጉዳይ ኤርትራ እትርከበን ግዝኣታት ጣልያን ዝነበራ ሃገራት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ክውሰን ምስ ተመደበ ኸኣ፡ ብዘይካ ኤርትራ፡ እተን ካልኦት ናጻ ሃገራት ክኾና ተፈቕደለን። ኤርትራ ግን፡ እቲ ክብ ኢሉ እተጠቕሰ ዝነበራ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ርእሰ-ሓያላን ሃገራት ቀዳምነት ስለ እተዋህቦ፡ ብውዲት ሓያል ሃጸያዊት ኣመሪካን መሓዙታን፡ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ዘይፍትሓዊ ናይ ፈደረሽን ውዕል፡ ኣብ ትሕቲ እምበራጦርያዊ ስርዓት ሃይለስላሴ (ኢትዮጵያ)፡ ኣብ 1952 ከምእትቑረን ተገብረ። ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ በብቑሩብ፡ ነቲ ፈደራላዊ ውዕል ብምጥሓስ፡ን ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሓይሉ ክፍሕቆን ከፍርሶን ምስጀመረ፡ እቲ ናይ ናጽነቱ ባህጊ ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ መጋቢት 1958 ጀሚሩ ብሰላማዊ ሰልፍታት ተቓውሞኡ ክገልጽ ጀመረ። እዚ ካብ ከተማ ከረን ጀሚሩ ናብ ኣቑርደት፡ ተሰነይ፡ ምጽዋዕን ኣስመራን፡ ዝለሓመ ንሓያሎ መዓልታት ዝቐጸለ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን፡ ናይ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብረታዊ ምላሽ ኢዩ ገጢሙዎ። ኣብዚ ኩነት እዚ፡ ናይ ዓሰርተታት ኤርትራውያን መቕተልቲን ናይ ልዕሊ 500 ኤርትራውያን መቑሰልቲን ኣጋጢሙ። እዚ ድማ ናብ ምቛም ሚስጢራዊ ውዳበ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ወይ ማሕበር ሸውዓተ ኣኸተለ። ሓራካ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ሰራውሩ ኣስፋሕፍሐ። ናይ ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ሰፋሕቲ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ቀጸለ። ኣብዚ ሰልፍታት እዚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ተቐቲሎም፡ ብዙሓት እውን ተኣሲሮም። ከምዚ'ሉ ስርዓት ሃይለስላሴ ሙሉእ ጎበጣ ኤርትራ ኣብ 1962 ከረጋግጽ ግሁድ ስለዝነበረ ኸኣ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ተመሪሑ፡ ናይ መጀመሪያ ጥይት ናጽነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጎቦ ኣዳል (ኣውራጃ ባርካ) ተበሰረ። ጅግና ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ኣብተን ክሳብ ግዜ መስዋእቱ ዝጸንሓለን ዓመታት፡ ብረታዊ ቃልሲ ብደቂ መታሕት ይጀምር እምበር፡ ሓውና ደቂ ከበሳ ምስተጸምበሩዎ ኢዩ ዓወቱ ዝረጋገጽ ክብል ብቐጻሊ ንብጾቱ ይምዕድ ከምዝነበረ፡ ምስክርነታት መቓልስቱ፡ ይሕብር። ኮነ ኸኣ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኩሉ ልሒሙ። እታ ወዲ ዓዋተ ዝወልዓ ሽግ ናጽነት፡ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ጀጋኑ ኤርትራውያን መስዋእቲ እናሓተተት፡ ካብ ጎቦ-ኣዳል፡ ናብ ታሪኻዊት ውግእ ቶጎርባ፡ ከምኡ እናበለት፡ ክሳብ ስርሒት ፈንቅልን ኪኖኡ ክሳብ ርእሰ-ከተማና ኣስመራ በጺሓ።
ከተማታት በብሓንቲ ሓራ እናኾና፡ ኣዝየን ውሑዳት ከተማታት ጥራይ ተሪፈናሉ ኣብ ዝነበራን እዋን፡ መንግስታት ሕብረት-ሶቬትን ኩባን፡ ንስርዓት ደርግ፡ ዘይተኣደነ ናይ ኣጽዋርን ኣማኸርቲን ደገፍ ስለዘዕጠቕኦ፡ ሰውራ ኤርትራ ካብ ኣፍደገ ርእሰ-ከተማና ኣስመራ፡ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ንኽገብር ኣገዲዱዎ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብቲ ካብ 1979 - 1990 እተኻየደ ከበድቲ ውግኣት፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ክንከፍል ተገዲድና።
ኣብቲ ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ (ሰላሕታ) እተኻየደ ወራራት ናይ ስርዓት ደርግን ተሓባበርቱን፡ ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈልና፡ ካብ ናይ ምክልኻል መድርኽ ናብ ናይ ጃላነት መድርኽ፡ ቀጺልና ናብ ናይ መጥቃዕቲ መድርኽ ብምስግጋር፡ ኣብ ልዕሊ ዘይድፈር ዝመስሎ ዝነበረ ግምባራት ጸላኢ፡ ሓያል ደምሳሲ መጥቃዕትታት ተጀሚሩ። ግምባር ውቃው እዝ (ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል) ኣብ 1984፡ ምድምሳስ ከተማ ባረንቱ፡ ቀጺሉ ግምባር ናደው እዝ (ኣፍዓበትን ከባቢኡን) ኣብ 1988፡ ብኣንጸባራቒ ደምሳሲ ዓወታት ተፈጺሙ። ድምር ናይዚ ኹሉ ኸኣ ኢዩ፡ ንስርሒት ፈንቅል (ማለት መጥቃዕቲ ንሓርነት ከተማ ምጽዋዕ)፡ ባይታ ዘርሓወ።
ስርሒት ፈንቅል፡ ነታ ሉል ቀይሕ-ባሕርና ዝኾነት ከተማና ምጽዋዕ፡ ካብ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓራ ዝገበረ፡ ጅግንነትን ቅያን ኤርትራውያን ዝተፈጸመሉ፡ ዛዛሚ ዓወት መላእ ኤርትራ ኸኣ ክዉን ምዃኑ ብዘተኣማምን ዝተራጋገጸሉ ስርሒት ኢዩ ነይሩ። መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ (ኢትዮጵያ)፡ ከይፈተወ፡ ብስዕረቱ ዝተኣመነሉ፡ ምስ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ናይ ዘተ ድርድር ክኣቱ ዝተቐሰበሉ መድርኽ እውን ኢዩ ነይሩ።
ከተማና ምጽዋዕ፡ ብሳላ መስዋእቲን መቑሰልቲን ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ፡ ኣብ 10 ለካቲት 1990፡ ሓራ ኮይና! ካብኡ ንደሓር ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ፡ ዝተረፋ ከተማታትና ሓራ ከምዝኾና ርጉጽ ኢዩ ነይሩ። ኮይኑ ኸኣ ኣብ 24 ጉንበት 1991፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቃ ናጻ ኮይና። ኤርትራ ኣብ 1993 ልዑላዊት ሃገር ኮይና ዓለማዊ ተፈላጥነት ረኺባ፡ ብወግዒ ባንዴራኣ ማዕረ ሃገራት ዓለም ኣምበልቢላ። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና ይኹን!
ህዝቢ ኤርትራ ግን ክሳብ ሕጂ፡ 35 ዓመት ድሕቲ ናጽነቱ፡ ሓርነት ተነፊጉዎ፡ ነታ ብኣምላኽ እተዋህበቶ ነብሱ'ኳ ክውንና ኣብ ዘይክእለሉ፡ ኣስካሕካሒን ገደብ ዘይብሉን ሃገራዊ-ጊልያነት፡ ክነብር ኢዩ ተገዲዱ ዘሎ። ደቂ'ቶም ንከተማና ምጽዋዕ፡ ብጅግንነት ፈንቂሎም ሓራ ዝገበሩዋ ጀጋኑ፡ ከምኡ'ውን ወለዶም፡ ክሳብ ሕጂ ኣይረሃዎምን፡ ብሰንኪ ሕሱም ናብራ፡ ናብ ዓዲ እዝጊሄሮም ተዓዚሮም። ደቆም እውን፡ ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ተሰዲዶም፡ ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ኣብ ምድረበዳታት ሞይቶም፡ ኣካላቶም ብደላሎ ደቂ-ሰብ ተመዝሒቑ ተሸይጡ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስካሕካሒ ተርእዮታት፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ኣማኢት ዓመታት ታሪኽ ናይ ወለድና ሰሚዕናን ርኢናን ኣይንፈልጥን!
ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ'ቲ ኩሉ ዝኸፈሎ ረዚን ናይ 30-40 ዓመታት መስዋእቲ፡ መስተርሆትን ሞሳን ክረክብ፡ ምተገብኦ። ዝሓለፋ 35 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን፡ ብሰንኪ እቲ፡ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ንሃገርና ዝመርሓ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ናይ ሰብን ዕብየትን ዕንወት፡ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። ህዝብና፡ ሰፊሕ ጸጋታት ባሕሩን ወደባቱን ከለዎ፡ እቲ ዝደኸየ ህዝቢ፡ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ዕለታዊ መነባብሮኡ ምስ ባሕሪን ፍርያት ባሕሪን ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ንቡር መነባብሮኡ ተሓሪሙ፡ ጥር ዝብል ኣብ ባሕሩ ክንቀሳቐስ ዝተረኽበ ኸኣ፡ ምስ ጃላብኡ ብነፈርቲ እናተደብደበ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ፡ ንጸጋታት ባሕሩን ፍርያቱን ከም ዘይናቱ፡ ኣማዕድዩ ከም ዝጥምቶም ተገይሩ። እቲ ምንጪ ዕሙር ቱሪዝማዊ ወፍሪን እቶትን ክኸውን ዝኽእል፡ ገማግም ባሕርታትናን ወደባትናን፡ ናብ ዑናታትን ዶሮናን፡ ተለዊጡ። ብዛዕባ እዚ ውድቀት እዚ፡ ቃለ-ምስክርነት ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ምስምዑ እኹል ኢዩ። ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ንኹሉ ቁጠባዊ ምዕባለ ኤርትራ ን35 ዓመታት ደቚሱዎ ከብቅዕ፡ ከይሓፈረ፡ "ባጽዕ፡ ቀደም ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ኸ ኣበይ ኣላ? የላን። ፋብሪካ እገሊት ከመይ ነይራ? ሕጂ'ኸ ኣበይ ኣላ? የላን። ...ወዘተ" ኣናበለ ኣብታ ንሱ ጥራይ ዝውንና እንኮ ናይ ሃገርና ተለቪጅን (ERI-TV) ኾይኑ፡ ተገቲሩ ንህዝብና የባጭወሉ። ብስቓይናን ድኽነትናን ከምዘይግደስን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ከኣ የንጸባርቕ።
ናይ ወርሓት ሓምለ-መስከረም 2018፡ ሚስጢራዊ ውዕላት ኢሳይያስን ዶ/ር ኣቢይ (ኢትዮጵያ)ን እንታይ ኢዮም? እቲ ናይ ዶ/ር ኣቢይ "እኔና ኢሱ ስንደመር፡ ዓሰብ እንካፈላለን" ማለት "ኣነን ኢሱን እንተተደሚርና፡ ንዓሰብ ኢና ንካፈላ" ምባሉ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ከተማዕብሎ ዝጸንሐት ሓይሊ ባሕሪ፡ ናበይ ገጹ ኢዩ? ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት 2020 - 2022፡ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከት ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብግዲ ብምእታው ዝተኸፍለ ህይወት መንእሰያት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ፡ ኮር-ተገልበጥ ስዒቡ ዘሎ መዘዝ ናይ ኣንጸላላዊ ኲናትን፡ ብሰንኩ፡ ኣብ ሞንጎ ጎረባብቲን መቛርስቲን ዝኾኑ ኣህዛብ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ጽልኢን ቅርሕንቲን ኩነታት፡ ንምሕዋዩ ዝጠልቦ ስራሕ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። ነዚ ብቐሊሉ ከመዝምዝ ዝኽእል ተኣፋፊ ኩነታት፡ ኣስፋሕፋሒ ጥሙሕን ሕልሚን ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዎም ገለ ኢትዮጵያውያን ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ደቂስካ ዘሕድር ኣይኮነን።
እዚ ዳሕራይ ኩነት፡ ብሰንኪ'ቲ ዓንዳሪን ናይ ህልኽን ምትእትታው ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝመጽአ ምዃኑ ምስትብሃል ከኣ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ዓንዳሪ ባህሪ እዚ ክሳብ ዘይተኣልየ፡ እዚ ንሃገርና ወሪዱዋ ዘሎ ዕንወትን ሕጂ ዘንጸላልዋ ዘሎ ስግኣትን፡ ክቕጽል ኢዩ። ናይዚ ዓንዳሪ ስርዓት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምእላይ ከኣ፡ ንድሕነትን ምሕያልን ሃገርና ኤርትራ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ዕዮ ገዛ ኢዩ። ናይ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን ዘሎና ኤርትራውያን፡ ምትሕብባር ከኣ፡ ይሓትት።
እምበኣር፡ ኣብዚ መበል 36 ዓመት ስርሒት ፈንቅል እንዝክረሉ ዘሎና ዕለት፡ በዚ ኹሉ ክብ ኢሉ ዝተዘርዘረ ስቅያት ህዝብናን፡ ከቢቡና ዘሎ ስግኣታትን ተኸቢብና ኣብ ዘሎናሉ፡ እዋን ኢዩ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽሪን፡ ንሰማእታትና!
ራህዋና ንምቅልጣፍ፡ ሓቢርና ንስራሕ!
መርበብ ሓበሬታ ስኒትና
www.snitna.com
10 February 2026
ኣስዒብና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት፡ ነዚ ዕለት`ዚ ዘንጸባርቑ ዝኽርታትን ጽሑፋትን፡ ከነቕርበልኩም ኢና። እዚ ገጽ እዚ፡ ብቐጻሊ ዝውሰኽ ትሕዝቶ ስለዝህልዎ፡ ብቐጻሊ ክትበጽሑዎ ንላቦ። ነዚ ገጽ እዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስ ዝህልወኩም ከኣ ክትሰዱልና ወይ ክትሕብሩና ንላቦ። ኣብዚ ጠውቑ።
መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል | Commemoration of 35th Anniversary of Operation fenkil - ERi-TV
35 ዓመት ፈንቅል ኣብ ዓንያ ዝባደመት ከተማ ምጽዋዕ [ERIPM]
Dehay Eritrea ንጸበባ ሳሊና ብፈጣናት ዝፈትሑ ሰብ ውዕሎ እንታይ ይብሉ? ደሃይ ኤርትራ
ERITREA:- @SETITMEDIA ጦብላሕታ መበል 34 ዓመት ስርሒት ፈንቅል #fenkil
ጸላኢኻ ከማን ዝኣመነሉ ጅግንነት፡ ስለምንታይ ንስኻ ተከሻምሾ" ኣማኑኤል ጠዓመ - Fanus Network
መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል | 34th Fenkil Operation Commemoration - ERi-TV
መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል | 33th Anniversary Commemoration of Operation Fenkil - ERi-TV
ERISAT: ባጽዕ ተቀይራ'ያ ንቅድሚት ዘይኮነ ንድሕሪት | ዶር ኣሰፋው ተኸስተ
Part-1:
Part-2:
𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: ስዩም ጽሃየ እቲ ንፈንቅል ዝሰነደ ጅግና | Seyoum Tsehaye
ERISAT: ቅብጸት ብዓይኒ ሰነድቲ| ስዩም ጸሃየ ሰብ ክሕባእ ንሱ ንላዕሊ'ዩ ዝወጽእ ነይሩ ኣየር ክመጻ ከለዋ| ደስታ እምባየ ኣባል ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ቅብጸት
ERISAT: ዝኽሪ ለካቲት ብፍላይ እታ ምሕራር ባጽዕ | ምንኣስ ሓወይ ዝወሰደት ዕለት | እዮብ ጸጋይ
ERISAT: ታሪኽ ጀጋኑ ስርሒት ፈንቅል ካብ ክሊፕ ክኣልይዎ ይኽእሉ'ዮም፡ ካብ ልብና ግን ክሓኽዎ ኣይክእሉን'ዮም | ዶር ኣማንኤል ምሕረትኣብ
Radio Erena: Eritrea: Ethiopia, Kenya, Somalia News and programs. ሓሙስ 10 ለካቲት 2022 ዕለታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና
ርሑስ ቅንያት ዝኽሪ ታሪኻዊ ዓወት ስርሒት ፈንቅል።
"ኣበይ ከይዱ ስልማትኪ" ሳሙኤል ገበረሂወት (ዓካዓካ) #Interview with Samuel Ghebrehiwet (AkaAka)
መብጽዓ ፈንቅልን ሃለዋት ኤርትራን The promises of Fenkil & Current state of Eritrea (Snitna 14-Feb-2021)
Eri-TV, Eritrea (Official) Live Stream - ጽምብል መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል
ንጸላኢ ዘእመነን ዘርዓመን ጅግንነት ፈንቅል፡ ራድዮ ኤረና፡ 08 February 2021
ERISAT: ስርሒት ፈንቅል ብዓይኒ ዝወዓሎ ተጋዳላይ | ኮሎኔል ኣሚነ ኣብርሃ፡ 08 February 2021
ቅብጸት፡ ጃምላዊ ግፍዒ መግዛእታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ምጽዋዕ፡ 1990.
ፈንቅል፡ መስዋእቲ ብዙሓትን ጥልመት ውሑዳትን እተዘኻኽር ዕለት፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 12 February 2016
እቶም ዝፈንቀሉ ናበይ ኣበሉ? እቲ ዝተፈንቀለ ኸ ከመይ ኢሉ ተተኽለ!?፡ ራድዮ ኣሰና፡ 09 February 2015
ድምጺ መደብ መንእሰያት፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 12 February 2015
ተዘክሮታት ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 03 February 2015
ተዘክሮታት ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 06 February 2015
ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 08 February 2015
ዝኽሪ መበል 25 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 10 February 2015
ተዘክሮታት፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 24 February 2015
Eritrea - In Memory of Operation Fenkil -- 1 of 2
Eritrea - In Memory of Operation Fenkil -- 2 of 2
ATV: ዘተ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ሓርነት ባጽዕ (1990)፡ ምስ ተጋደልቲ ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣቶ ዳኒአል ገ/ረስላሰ፡ ኣቶ ሃብቶም ጸጋይ - 1ይ ክፋል
ATV:ዘተ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል(1990)፡ ምስ ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣቶ ዳኒአል ገ/ረስላሰ፡ ኣቶ ሃብቶም ጸጋይ – 2ይን መወዳእታን ክፋል
- ህወሓት ኣብ ስርሒት ፈንቅል ተሳቲፉ ዝብሃል ሓቂ ድዩ? (BBC Tigrinya)
- 'ዓሊ ኢብሪሂም ብነፋሪት፡ ቅድዊ ሓዉ ብነፋሪት፡ ፍስሃየ ዓርኩ ብነፋሪት' (BBC Tigrinya)
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።