Placeholder Picture
Placeholder Picture
12 ዓመት ዝኽሪ፡ ናይቶም ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ 369 ኤርትራዊያን።

03/10/2025 00:15 AM

መበል 12 ዓመት ዝኽሪ፡
ናይቶም 03 ጥቅምቲ 2013፡
ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ፡ 369 ኤርትራዊያን።

12th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa, on 3rd October 2013

12th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa, on 3rd October 2013.

12 ዓመት ዝኽሪ፡ ናይቶም 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ 369 ኤርትራዊያን።
12th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa, on 3rd October 2013.

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!

ኣብ ወርሒ መስከረም 2025፡ ክልተ ዓበይቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ናይ ሃገርና ዘኪርና፡- እታ ሓርነት ናይ ህዝብና ንምምጻእ፡ ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ተመሪሓ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት፡ ብሓበን ዘኪርናያ። ካብዛ ወርሒ ከይወጻእና፡ ኣብ 18 መስከረም 2025 ድማ፡ ነቲ ኣብ መስከረም 18፡ 2001፡ ኣብ ሃገርና እተኻየደ ዘሕዝን ዓፈና ሓርነት ህዝብና ብምዝካር፡ ነቶም ሃለዋቶም ተሸሪቡ ዘሎ ሃገራዊያን ኣስማቶም ብምልዓል፡ ብሕራነ ዘኪርናያ ውዒልና።

18 መስከረም 2001፡ ኣብ መላእ ሃገርና፡ ኩሉ ሰብኣዊ ሓርነታት ህዝብና ተዓፊኑ፡ ጸልማት ዝነገሰላ፡ ስርዓተ ራዕዲን ምልኪን ኣሐይሉ፡ ሰራውሩ ዘስፋሕፋሓላ፡ ምልኪ ጥርዚ ዝበጽሓላ፡ ዕለት ኢያ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ህዝብና፡ ኣብ ኣደዳ ውግእን ወረ ውግእን ተሸሚሙ፡ ኣብ ማእከል ዓዱ ብሰላም ምንባር ስኢኑ፡ ከም ዓሳ ብመርበብ እናተገፈፈ፡ ካብ ናብራኡ ተፋናቒሉ፡ ኣብ ደረት-ኣልቦ ጊልያነት ከምዝዳጎን ኮይኑ፡ ተዓፊኑ ክነብር ተገዲዱ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ህዝብና፡ ከም ደቂ ዛግራ፡ ናብ ፈቐዶ ጎረባብትናን ርሑቕ ሃገራትን፡ ፋሕ ብትን ክብል፡ ተገዲዱ።

ካብ መረበቱን ሃገሩን፡ ተገዲዱን በሪሩን ዝወጸ ህዝብና፡ ናብታ ሰላምን ቅሳነትን ክረኽበላ ኢየ ዝብላ እተዕቁቦ ሃገር ክሳብ ዝበጽሕ፡ ክትጸውየሉ ብዘስካሕክሕ፡ ጃምላዊ ስቅያትን ሞትን እናጋጠሞ ኢዩ፡ ጉዕዞ ስደቱ፡ ዝቕጽል ዘሎ። ህዝብና፡ ኣብ ኲናት እናጸነተ፡ ኣብ ምድረበዳታት እናተቐትለን እናሞተን፡ ኣብ ባሕርታት እናጠሓለን፡ ኣብተን መሰጋገሪ ዝጥቀመለን ጎረባብትና ሃገራት እውን -- ዘጋጥሞ ግፍዕታት እናሰገረን፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ሃገሩ ነፊጹ ምውጻእ ኣየቋረጸን። እዚ ድማ፡ እታ ብጨካን ስርዓተ-ምልኪን ራዕዲን ተዓፊና ዘላ ሃገርና፡ እታ ዝኸፍአት ምዃና፡ ዘመልክት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እታ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ፡ ኣብ ዓለምና፡ ካብተን ቀዳሞት ዝለዓለ ቁጽሪ ስደተኛታት ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት ኮይና፡ ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፓዱሳ፡ ኣብ 03 ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ህልቂት 369 ኤርትራውያን ድማ፡ ሓደ ካብቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠመ፡ ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ህልቂት ኢዩ። እቲ ናይ ላምፓዱሳ ፍሉይ ዝገበሮ ምኽንያት ግን፡ ኣብ ድርኩኺት ምዕቡል ዓለም ዘጋጠመ ህልቂት ብምንባሩ፡ ንመላእ ህዝቢን ሃገራትን ዓለም (ብዘይካ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ)፡ ኣሰምቢዱ። ንኣብነት፡ ቅድሚ ህልቂት ላምፓዱሳ፡ 400 ኤርትራውያን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑሉ እዋን፡ ዝዝከር ኢዩ፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ዘጋጠመ ህልቂት፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ወጺኡ፡ "እንታይ ክገብሩ ኢዮም'ከ፡ ናብኡ ከይዶም?" ክብል፡ ከምዝሓጨጨሉ ንዝክር ኢና። እቶም ኣብ ጥዑም ቦታ እንነብር ኤርትራውያን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ ዝዓደለና ሰብኣዊ ሕልና፡ ብግቡእ ክንጥቀመሉን፡ ወጽዓ ናይ ህዝብና ንዓለም ክንነግርን፡ ኣይከኣልናን። እቲ ካብ ባሕሪ ተዘቚቑ ዝወጽአ ሬሳታት ኤርትራውያን ግን፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዒ፡ ኣውያቱ ብግብሪ፡ ኣመስኪሩን ኣስሚዑን።
ERIPM | ዝኽሪ ላምፔዱሳ ሰዓት 3 ናይ ለይቲ (03 October 2025)

ሎሚ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2025፡ ነታ ህልቂት 369 ኤርትራውያን ዘርድኣትና፡ ርግምቲ ዕለት፡ ላምፓዱሳ፡ ን12 እዋን ኢና፡ ብዓቢ ሓዘን ንዝክራ ዘሎና።

ህልቂት ላምፓዱሳ ኮነ፡ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠመ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ሓዘኑ ብእኩብ ገሊጹ፡ ነቲ ናብዚ ኩነታት ክበጽሑ ዝደፋፍአ ግጉይ ፖሊሲን ምልካዊ ምሕደራን ኤርትራ ድማ ብዓውታ ኮኒኑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ቤተሰብ ናይዞም ግዳያት ግን፡ ከምቲ ንቡር ወግዒ ናይ ሕብረተሰብና፡ ሓዘኖም ክገልጹ ኣይተፈቕደሎምን። እቲ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መራሒ መንግስቲ ሃገረ-ኤርትራ እንተኾነ እውን፡ ንጉድኣት ዝበጽሖም ቤተሰብ፡ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ እኳ ኣይሃቡን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ እታ እንኮ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ (ኤሪቲቪ)፡ "ዘይሕጋውያን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ" ብምባል ኢያ፡ ነቶም ዝሃለቑ ኤርትራውያን ክትጠቕሶም ተሰሚዓ። እቲ ኣማኢታት ሬሳታት ኤርትራውያን፡ ከም ንቡር ናብ ዓዱ ከይዱ፡ ንቡር ሓመድ ኣዳም ክለብስ ስለዘይተኻእለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ጋህስታት፡ ተኸዚኑ ኢዩ ዝርከብ። እቶም ሰብኣዊ ሕልና ዝጎደሎም ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ፡ ኢደ-በይዛ ናይቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ዝኾኑ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነዞም ኣብ ላምፐዱሳ ዝሃለቑ ኤርትራውያን፡ ዘይናቶም ስም ክህቡዎምን ኣብ ልዕሊ ሬሳታቶም ክስዕስዑን ኢዮም ተራእዮም። ካብዚ ዝኸፍእ፡ ብታሪኽ ዘሕትትን፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ጭካነ ኸኣ የለን።

እቲ ንመንእሰያት ደቂ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣት፡ ኣብ ባሕሪታትን ምድረበዳን ጥራይ ተወሲኑ ኣይተረፈን። ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይምልከት ኲናት ናይ ኢትዮጵያ (ትግራይ፡ ካልእ ከብባቢታት ኢትዮጵያን)፡ ተገዲዱ ናብ ሓዊ ዝኣተወ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብኡ ዝሃለቐ ኤርትራዊን፡ ቁጽሩ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ብብዙሓት ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ንኤርትራ ከም ናይ ውልቁ ጥሪት ገይሩ፡ ናብ ዝደለዮ ዝሸጣን ዝልውጣን ውልቀ-መላኺ ግን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ንህዝብና መርድእ እኳ ክገብረሉ ኣይደለየን።

እቶም ቀንዲ፡ ንሃገርና፡ ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ልዕልና-ሕጊ፡ ከምዚ ዘላቶ ኣብ ትሕቲ ራዕዲን ሽበራን ክትቅጽል ዝገብሩ ዘለዉ፡ እቲ ዲክታቶሪያዊ ኣመራርሓን እቶም ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘለዉ ሰዓብቱን ኢዮም። እቶም ደለይቲ ፍትሒ እውን ከም ህዝቢ፡ ነዚ ሽግር እዚ ንምሕጻሩ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር፡ ኣድላዪ ስጉምቲ ዘይምውሳድና፡ ብሓላፍነት ንሕተት ኢና። እ

ነቲ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ውርደትን ጭንቀትን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ንምምሓው፡ ኩልና፡ ይኣክል! ንበል። ህዝባዊን ፖለቲካዊን ውደባታትና ኣሐይልና፡ ነዚ ከይሲ ስርዓት ናይ ሃገርና፡ ሓግሒግና ንእለዮ። ዕድመ ምልኪ ንምሕጻርን፡ ፍትሒ ንምዕዋትን፡ ዜጋዊ እጃምና ነበርክት!

ንኹሎም ጉድኣት ዝበጽሖም ስድራቤታት፡ ጽንዓት ይሃቦም።

ንኹሎም ግዳያት፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም
03 October 2025


ERIPM | ዝኽሪ ላምፔዱሳ ሰዓት 3 ናይ ለይቲ (03 October 2025)

ERIPM | ላምፔዱሳ ምኻድ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ምርካብ'ዩ (03 October 2025)

ናይ መጀመርያ ካባና ናባና ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ላምፔዱሳ!! (03 October 2025)


ERIPM | መግለጺ ሓዘን ንግዳያት ላምፔዱሳ፡ ብዶር ዮውሃንስ ሃይለ (03 October 2025)
Statement of condolence to Lampedusa victims, by Dr Yohannes Haile


ብጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ። Read in PDF


ERIPM (03 October 2024:
ዝኽሪ መበል 11 ዓመት ግዳያት ላምፐዱሳ!!!

ERISAT (03 Oct 2021): 8ይ ዓመት፡ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ ህልቂት ላምፔዱሳ።
ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ ላምፔዱሳ።
8th year Rememberance Day, of The Lampedusa Catastrophy in which over 350 Eritreans were perished in one day, at the door-step of the Sea of Lampedusa, on 03 October 2013.


ERISAT (03 Oct. 2021): ብቀጥታ ዝመሓላላፈ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቂት ላምፐዱዛ | 8th year Lampedusa...


Global Yiakl: ፍሉይ መደብ ብዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ #ይኣክል
ብምኽንያት 3 ጥቅምቲ፡ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቒት ላምፓዱሳ።


MELA MEDIA: Documentary -
The Pain of Lampedusa 03102021 MM.
ሰነዳዊት ፊልም፦
ቃንዛ ላምፐዱዛ ቃንዛና ኾይና ሓሊፋ ኢያ'ሞ ንኹልና ስድራ ግዳያት ናይ ምጽንናዕን ደበስን ግዜ ይሃበና።


ERI-TV (News 04 Oct 2013).
ዜና ኤሪ-ቲቪ፡ ዕለት 04 ጥቅምቲ 2013


Voice of Assenna (07 Oct 2013): Interview with survivors of Lampedusa tragedy & Tewelde Tesfamariam Vacaro's call.
ERITREA: Nation in Mourning - following the Lampedusa tragedy which claimed the lives of hundreds of Eritrean immigrants.


Eri-Bahgna: መሰረት ሃገራዊ ፖለቲካ ኣብ ምስፋን ሰላምን ርግኣትን፣ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ምሕደራን፣ ሃገራዊ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየትን ወሳኒ ታራ ኣለዎ!


Eritrea//TEKLINO....LAMPEDUSA, Italyhe 111 coffins were numbered


Video Assenna:ROME Demo:Mother Activist Asgedet Speaks Passionately Regarding the Lampedusa Tragedy


NEWEST VIDEO Funeral service of Eritrean Lampedusa Victims


Eritrea Lampedusa Tragedy/ @TG3L


Eritrea: Silence Kills


ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)

● ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)



ቃለመጠይቕ ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ። Interview with Father Mussie Zerai (06 October 2014)

Father Mussie Zerai

ጸብጻብ ስደተኛታት ኣብ ዓለም 2018፡ Global Trends: Forced Displacement 2018, United Nations High Commissioner for Refugees.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-





Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: