ሞት ፈሪሔ ኢልካ ኣይምወትን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

02/02/2020 11:45 AM

ሞት ፈሪሔ ኢልካ ኣይምወትን

ብ` ሃብቶም ገብረ
18/01/2020 ዓ.ም.ፈ.

ሞት ፈሪሔ ኢልካ ኣይምወትን

ሞት ፈሪሔ ኢልካ ኣይምወትን
ብ` ሃብቶም ገብረ
18/01/2020 ዓ.ም.ፈ.

ሞት ፈሪሔ ኢልካ ኣይምወትን It is terrible to die in fear of death: by Habtom Ghebre (Snitna 02-Feb-2020)

ሞት ፈሪሔ ኢልካ ኣይምወትን

ስሑል ፍቱን፡ ኣንታ ስሑል ፍቱን
ጸጋም ይዓጽዉኻ፡ ብየማን ትፍትን
መዓንጣኻ፡ ሓሞትን ትብዓትን
ኣብ መትከልካ፡ ጽንዓትን መስዋእትን
ተጣባቒ መሰል፡ ናቱን ካልኦትን
ዳነይትኻ፡ ፈጣርን ታቦትን።

ብዛዕባኻ፡ ክንደይ ኢለ ክትንትን
ከም ፍላስፋ፡ ትሓስብ ተስተንትን
ፈተውትኻ፡ በላሕትን ረቀቕትን
ጸላእትኻ፡ ሓሶትን ጥልመትን
ዕላማኻ፡ ፍትሕን ሓቅነትን
መዕለቢኻ፡ ማዕረን ሓድነትን
ኣሕዋትካ: ሰብ ላዕልን፡ ሰብ ታሕትን
ኣቦታትካ: ሓገግትን ፈጸምትን
ጊደ ሓቂ፡ ዓረቕትን ፈረድትን።

መጺኦምኻ`ንዶሞ፡ ገሃስትን መፍረስትን
መማኽርትቶም፡ ሳጥናኤልን ዛርትን
ጭካኔ ልማዶም፡ ዓመጽን ቅትለትን
ሕዝበይ ቀዪዶሞ፡ ብበትርን ብረትን
ዜውጽኦ ስኢኑ፡ ካብ ራዕድን ቅብጸትን።

ተመሪቕካ ኩኖ፡ መዳሪን ሞጓትን
ወዲ ሕዝቢ፡ ናሕስን መሠረትን
ብድምጽኻ፡ ገ`ባርን መንግሥትን
ባዕልኻ`ወ፡ ምስሊን መስትያትን

ክትእክቦም፡ ሰብ ዓድን ስደትን
ክትሓሕዮም፡ ፈተውትን ጸላእትን
ፈላሊኻ፡ ብሚሔን ሞኹባዕትን
ገሊኣቶም፡ ንጾምን ጸሎትን
ገሊኣቶም፡ ንምህሮን ማእቶትን
ክትመልኣና፡ ፍርድን በረኸትን።

ናይ ቀደም ክንብሎ፡ ማእሰርትን ከርተትን
ዓደቦኻ ኣክብ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን
ናየቦኻ ግበር፡ ቅንዕናን ሥርዓትን
ናብ ንቡር ምለሰን፡ ንፍትሒን ምሕረትን
ዓገብ በሎም፡ መጽነትን ዓመጽትን
ሕጊ እንተበልካዮም፡ ባህረርትን ገለብትን
ምጽማም ይኣክል! ስሑል ፍቱን
ቅዋም ኣውጀሎም፡ ክብሉ ዝርግ-ብትን።

ባዕልኻ ኩን፡ ዛዛምን መሥራትን
ዘይሰምዓካ ደብሪ፡ ጸሎት ኣይሕተትን
ባዕልኻ`ንዶ፡ ተኳስን ጨማትን
ሞት ፈሪሔ ኢልካ፡ ኣይምወትን
ትሕሸካ፡ ኣርክብን ክተትን
ቀደም`ውን ልማድካ፡ ጽንዓትን ዓወትን
ኣድቂቕካ`ሞ ሓንጽጽ፡ ሕጂ ፈትን!
ኢድካ ወስ እንተይላ፡ እኳ ኣይትስሕትን
ደገፍካን ኃይልኻን፡ ሕዝብን መለኮትን።

`ምሁር ይምሃረና፡ ሕጊ ይግዝኣና፡ ለባም የመሓድረና`

ሃብቶም ገብረ
[18/01/2020 ዓ.ም.ፈ.]


Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: