Placeholder Picture
Placeholder Picture
ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህሩ፡ ተኣኻኺቦም። ሕራይ ገበሩ!

06/07/2026 14:52 PM

ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህሩ፡ ተኣኻኺቦም።
ሕራይ ገበሩ!!!!!

ሃይለ ገብረትንሳኤ (ሰናቶር)፡ ቱክሳን ኣሪዞና፡ 02 ሓምለ 2026

ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህሩ፡ ተኣኻኺቦም። ሕራይ ገበሩ! ብ'ሃይለ ገብረትንሳኤ (ሰናቶር)

ብመጀመርያ ነዚ ምትእኽኻብ ክዉን ንክኸውን ዝደኸሙ ምስጋና ይግባእ። ብስራትኩም ይጥዓም!!!

ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብ'2003 ዓ.መ.ፈ. ብመንግስቲ ኤርትራ ናይ ምዕጻው ሓደጋ ገጠማ፡ ተማሃሮኣ ፈቐዶ ማእሰርትን፡ ግፍዕን፡ ኣብ ሰብ ክነብሮ ዘይግባእ ኣጻምእ ዝኸበቦ ቆላ ሰምሃር ክቕጽዑ ከም ከብቲ እና ተኾብኮቡ፡ ዝተቐጽዑ፡ ቅዝፈታት ዝወረዶም ዕሸላት ናይ ሎሚ ዕናባ፡ ናይ ጽባሕ ፍርያት ሃገር ምዃኖም ተረሲዑ ናብ ከርተት ዝተሰዱ እዮም። ኣብ ዊዓ መማህርቶም ቀቢሮም፡ ማእሰርቶም ወዲኦም፡ ናብ ሳዋ ወታሃደራዊ ታዕሊም ተላኢኾም፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም፡ በብእዋኑ፡ ቅዱምን ድሑርን ኮይኖም ዶባት ኤርትራ ብሰራዊት ተሓጺሩ ኣብ ዘለወሉ፡ “ክሰግር ዝተረኽበ-ይረሸን” ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ፡ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሎም ዶብ ኤርትራ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ወይ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ እዮም። ኣብ ስደት ካብ ሓደ ሃገር ናብ እቲ ኻልእ አናተሳገሩ፡ ዓዲ ሰብ ብጺሖም ኣብ ስደት መነባብሮ ጀሚሮም፡ ትምህርቶም ቀጺሎም፡ ኣብ ውላድን ስድራ ኣብ ምህናጽን ጸኒሖም አዮም። አዚ ዘይካሓድ ሓቂ እዩ።

ኤርትራውያን ስለ ዝኾኑ፡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ማዕረ ሽግር ገጢምዎም፡ እዚ ምስምስ ወይ ምቅብጣር እዩ ዝብሉ እዃ አንተሃለዉ፡ ክሳብ ክንድዚ ክድንጉዩ ኣይነበሮምን። መቸስ ናህና ነገር ከምቲ ሓቢርና ዘይዓበና፡ ሓባራዊ መረዳአታ ክህልወና ኣይጽበን።

ሕጂ እውን ማይ ኣይሓለፎን፡ ዝጎደሎም የለን ዝበዝሕ ንቕድሚት እዩ ዘሎ።

“ሰብ ይተኣከብ፡ ምኽሪ ክርከብ” ይብሉ ቐዳሞት።

ዲፕሎማስያ ብኸማዓልካ ከም ዝጅመር፡ ተኣኻኺቦም፡ ስለ ዝተራኸቡ ናፍቖቶም፡ ዝኽርታቶም፡ ጸገማቶም ውድቀቶም ዓወታቶም፡ ዝሰገርዎ መስገደልን፡ ብሓደ መዓልቲ ዘርዚርካ ኣይውዳእን እዩ። ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዝነበሩ መናእሰይ፡ ሕጂ ደቂ ኣርባዓታት ኮይኖም ይራኸቡ ኣለዉ። ብጣዕሚ ከብድኻ ዝበልዕ ሃዋህው ኮይኑ ይራኣየኒ። ናፍቖቶም ምስ ወድኡ ዝኽርታትን መጻኢ ጉዕዞን፡ ከመይ ከም ዝኸውን ከይተዘራረቡ ኣይክሓልፉን እዮም።

ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ መንፈስ ኤርትራውያን ኣላ፡ ህያው ኮይና ኣላ።

እዛ ደብሪ ፍልጠት ናይ ሃገርና፡ ትንሳኤ ኣብ ምዝራአ ትርከብ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።

“ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ”

ናይ ኤርትራ ሕልፈታት ቆጺርካ ኣይውዳእን እዩ። ኣብዚ መድረኽ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ “እስከ ንተኣኻኸብ” ምባሎም ዝናኣድ አዩ። ምስ ተራኸብካ፡ ማይ ሒዝካ ኮፍ ኢልካ “ኣውግዓኒ ከውግዔካ” ትብህሃል እሞ!!

ኣብ ኣአምሮ ዝተዓቑረ ብመልክዕ ልሳናት ይውሕዝ፡ ሓሳብ ኣብ ርእሲ ሓሳብ ተደማሚሩ፡ ሃናጽን፡ ፈላምን፡ ኣማትን፡ ዝኾነ ክበቑል ይኽእል እዩ። እዞም ናይ ትማሊ ተማሃሮ፡ ሎሞ ግና ገሊኦም፡ ዶክተራት፡ ሳይንትስት፡ መሃንድሳት፡ ሓሰብትን፡ መማህራንን.....ወዘተ፡ ኣብ ዘበናዊ ዓለም ዝርከብ ስነ ፍልጠት ዝቐሰሙ ስለ ዝኾኑ፡ ዋላውን እቲ ተረፍ ምኣዶም፡ ንዓዲ ዝዕንግል ክኸውን ይኽእል እዩ።

“ተረፍ ጽጋብካ፡ ኣብ መቓብር ሓውካ” ይብሉ ኣቦታት ቀዳሞት።

“የተማረ ይግደለኝ” ኢሎም ሃገረ ኣምሓራ። ዝበዝሕ ዝተማህረ ስነ-ልቦና ሓዊስካ፡ ንዓለም ካብቲ ዝጸንሓቶ ኣማሓይሹ ይገድፋ ምኻኑ፡ ዝተራእየ እዩ።

እዞም ትማሊ ቐዳም ኣብ ዋሺንግቶን ድሲ፡ ተኣኻኺቦም፡ ብስእሊ ዝረአናዮም፡ ብሩህ ተስፋታት ተገይርሎም ዝነበረ ኣብ ሃገር፡ ሕጂውን ብሩህ ተስፋ ከበርክቱ፡ ንህዝቦምን ንሃገሮም ምስ ኣፍልጦኡ፡ ምንም ጥርጥር የብለይን። እንቋዕ ተኣከብኩም!

ጉዕዞ 25 ዓመት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ። Symposium 91 Batch &/or 96 Graduates of Asmara University.
ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህሩ፡ ተኣኻኺቦም። ሕራይ ገበሩ! ብ'ሃይለ ገብረትንሳኤ (ሰናቶር)

ሕጂ ተኣኪብኩም፡ መጀመርያ ናፍቖትኩም ተውጽኡ፡ ስዒቡ ድማ ምልላይኩም ይድልድል፡ ድሕሪ ቁሩብ ምልዛብ፡ ሃገርኩም ኣብ ዉሽጢ ዓዲ እንታይ ትመስል ኣላ? ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብኹም'ከ? መናእሰይኩም'ከ? ወዶም ጓሎም፡- ኣብ ቲክቶክ ኮነ ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራም ዩቱብ፡ ዓንዘረር ዝብሉ ይበዝሑ ካብቶም ቁም'ነገር ዝምህሩ እሞ፡ ብሙሁር ዝወጽእ ዉሑድ ቃላት፡ ኣራምን ሃናጽን ኣብርክቶ ክህልወኩም ብዓል ዓቢ ተስፋ እየ።

“ዝተጠርነፈ ማእዶ፡ ኣንበሳ ይኣስር!!!” ይብሉ ቐዳሞት።

ማእዶ፡ በብሓደ ሰቲ ኮይኑ ይተርፍ። ምስ ተተንጐ ገና፡ ተሪር ገመድ ይኸውን እዩ'ሞ፡ ጥርኑፋት ማእዶ ክትኮኑ ንሃገርኩም፡ ይምነየልኩም። ዝቐደሙ ሙሩቓት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ቃልሲ ጉዳይ ኤርትራ ተሰሊፎም ዝሓለፉ እዩም። ኣብ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ኮነ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፎም፡ ምስ ኩነታት ዝገጠሞም፡ ግቡኦም ገይሮም እዮም። አዚ ናይ ሎሚ ምትእኽኻብ፡ ከም ዘይረግኤ ጸባ ከይከውን፡ ኣርጊእኩም ሓቖንኩም፡ ጠስሚ ከተርእዩና፡ ብሃረርታ አናተጸበኹ እየ።

“ሓሳብ ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ” ኢለ ሓሳበይ ይዛዝም።

ኣቦኹም ሓውኩምን

ሃይለ ገብረትንሳኤ (ሰናቶር)

ቱክሳን ኣሪዞና፡ 2 ሓምለ 2026

See also more articles by Senator Haile Ghebretnsae:
ካልኦት ብ'ሃይለ ገብረትንሳኤ (ሰናቶር) ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


እወታውነት ሓይሊ ምትእኽኻብ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ነበር!! ዕላል መዛኑ መበል 86 ክፋል!


ጉዕዞ 25 ዓመት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ። Symposium 91 Batch &/or 96 Graduates of Asmara University.
ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህሩ፡ ተኣኻኺቦም። ሕራይ ገበሩ! ብ'ሃይለ ገብረትንሳኤ (ሰናቶር)




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: