Adhanom Ghebremariam Foundation for Social Justice (AGFFSJ).

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/02/2022 18:55 PM

ጋዜጣዊ መግለጺ፡
ምቛምን ምጅማርን ፋውንዴሽን ኣድሓኖም ገብረማርያም ንማሕበራዊ ፍትሒ፡
Adhanom Ghebremariam Foundation for Social Justice (AGFFSJ).

Adhanom Ghebremariam Foundation for Social Justice (AGFFSJ).


ጋዜጣዊ መግለጺ፡
ምቛምን ምጅማርን ፋውንዴሽን ኣድሓኖም ገብረማርያም ንማሕበራዊ ፍትሒ፡
Adhanom Ghebremariam Foundation for Social Justice (AGFFSJ).
የካቲት 19 2022

ERISAT (19 Feb 2022):
ምቛምን ምጅማርን ፋውንዴሽን ኣድሓኖም ገብረማርያም ንማሕበራዊ ፍትሒ
ምስ ዶር ረዘነ መድሓኒ፡ ዶር ኣሮን እምባየ፡ ኣቶ ስመረ ሃብተማርያም፡ ኣቶ ሰላሕ ቃዲ ጆሃር

ምእንቲ ናጽነትን፡ ፍትሕን፡ ዲሞክራስን ሙሉእ ሂወቱ ዘወፈየ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ንሓዋሩ ካብ ዝፍለየና ድሮ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዛ ብጽሞና እናስተንተና፣ ብታሪኽ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ድማ እናተሓበንና እንዝክራ ረዛን ዕለት፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ክነበስሮ እንደሊ፣ ምቋምን ምጅማር ስራሕ ናይዚ ብስሙ ተጸዊዑ ዘሎ ፋውንዴሽን እዩ!

እዚ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ፋውንዴሽን (not-for-profit foundation)፣ ኩሉ ዘድሊ ሕጋዊ ቅጥዕታት ኣማሊኡ፡ ብምኽርን ተሳትፎን ውፉያት ኤርትራውያን ሞያተኛታት ተደጊፉ፡ ንጹር ቅርጽን ዕላማታትን ተሞርኩሱ፡ ኣካያዲት ቦርድ ብምምራጽ ድሮ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።

ከም ኤርትራዊ ፋውንዴሽን መጠን፣ ቀንዲ ጽምዶን ኣቓልቦን ናይዚ ፋውንዴሽን ኣብ ምስፋሕን ምድንፋዕን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣተኩሮም ንዝዓዩ ኤርትራውያን ማሕበራት፡ መሰረታትን ውልቀ ተበግሶታትን ምሕብሓብን፣ ምትብባዕን ማድጋፍን እዩ።

ብፍላይ ድማ፣

• ኣብ ምስፋሕን ምድንፋዕን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ኣተኲሮም ንዝነጥፉ ማሕበራት፡ መሰረታትን ውልቀ ተበግሶታትን፣ ምሕብሓብን፡ ምትብባዕን ምድጋፍን።

• ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዛዕባታት ንኽሰፍሕን ንኽድንፋዕን ኣተኲሮም ንዝነጥፉ ማሕበራት፡ መሰረታትን ውልቀ ተበግሶታትን፣ ምሕብሓብን፡ ምትብባዕን ምድጋፍን።

• ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንኽንጸባርቅን፣ ማዕርነት ናይ ዕድላት ንምውሓስን ንዝዓዩን ዝጽዕሩን ማሕበራት፡ መሰረታትን ውልቀ ተበግሶታትን፣ ምሕብሓብን፡ ምትብባዕን ምድጋፍን።

• ናይ ትምህርትን ጥዕናን ተመሳሰልቲ ኣገልግሎታት ንኹሉ፡ ብፍላይ ድማ ንዝተገለሉን ዝተወጽዑን ኤርትራውያን ወገናት ዝባጽሓሉ ሃዋህው ንኽህሉ ዝጽዕሩን ዝዓዩን ማሕበራት፡ መሰረታትን ውልቀ ተበግሶታትን፣ ምሕብሓብን፡ ምትብባዕን ምድጋፍን።

ንሓባራዊ ዓወት “ነፍሲ ወከፍና ጸጸርና ንደርቢ!” እትብል ኣበሃህላ፡ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ኣብ መደረታቱን ጹሑፋቱን ብተደጋጋሚ ዝጥቀመላ ዝነበረ መግለጺት እያ።
በዚ መንፈስ እዚ ድማ፡ ፋውንዴሽን ኣድሓኖም ገብረማርያም ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ዕዉት ኮይኑ ዕላማታቱ ንምትግባር፡ ንኹሎም ኤርትራውያንን ደገፍቲ ህዝቢ ኤርትራን ኩሉ መዳያዊ ደገፍኩም ንኽተወፈይሉ ምስ ሙሉእ ኣኽብሮት ንምሕጸን።

ንዝያዳ ሓበሬታን ተሳትፎን፡ በዚ ዝስዕብ ናይ ፋውንዴሽን ኢ-መይል ብቐሊሉ ኽትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፣
adhanom.g.foundation@gmail.com

ብተወሳኺ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናይ ፋውንዴሽን ብ ፖስታ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም፣
1233 Savannah Place, SE.
Washington DC 20032.
USA

ኣካያዲት ቦርድ
ፋውንዴሽን ኣድሓኖም ገብረማርያም ንማሕበራዊ ፍትሒ

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ። اقرأ في PDF

See also:
ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ Veteran Ambassador Adhanom Ghebremariam, passes away, 19 Feb 2021


Press Release: February 19, 2022

It has been exactly one year since the noted Eritrean fighter for freedom and justice, Ambassador Adhanom Ghebremariam passed away.

On this day of sombre remembrance, we are happy to announce the launch of Adhanom Ghebremariam Foundation for Social Justice (AGFFSJ) !

This not-for-profit foundation is legally registered and through consultations with dedicated Eritrean professionals and volunteers it has established transparent organizational structure and elected its Board of Directors.

The foundation aims to serve as a platform providing essential resources to organizations, grassroots and individual initiatives that work on:

 Advocacy and programs focused on upholding human rights in Eritrea
 Advocacy and programs focused on promoting political and social participation in Eritrea
 Advocacy and programs focused on promoting equal opportunity and diversity in Eritrea
 Advocacy and programs focused on creating supportive environments for disadvantaged groups in terms of access to education, healthcare and related issues in Eritrea.

Let each and every one of us throw his or her pebble” is a famous phrase Ambassador Adhanom Ghebremariam frequently used as a mantra for collective success.
With the same spirit, the foundation calls upon all Eritreans and friends of Eritrea to lend their support to the foundation in every way they can. For any questions about getting involved, please contact us at adhanom.g.foundation@gmail.com

The Board of Directors and Board of Trustees on behalf of
Adhanom Ghebremariam Foundation for Social Justice (AGFFSJ)

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ። اقرأ في PDF

See also:
ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ Veteran Ambassador Adhanom Ghebremariam, passes away, 19 Feb 2021


مؤسسة أدهانوم جبريماريام للعدالة الاجتماعية (AGFFSJ)

بيان صحفي: 19 فبراير 2022

لقد مر عام واحد بالضبط منذ وفاة المقاتل الإريتري الشهير من أجل الحرية والعدالة، السفير أدهانوم جبريماريام. وفي هذا اليوم من الذكرى الحزينة، يسعدنا أن نعلن عن إطلاق مؤسسة أدهانوم جبريماريام للعدالة الاجتماعية. (AGFFSJ)!

هذه المؤسسة غير الربحية، مسجلة قانونًا ومن خلال الاستشارات مع المهنيين والمتطوعين الإريتريين المتفانين. وقد تم أنشاء هيكلًا تنظيميًا شفافًا لها، وانتخب مجلس إدارتها. وتهدف المؤسسة إلى أن تكون بمثابة منصة توفر الموارد الأساسية للمنظمات والمبادرات الشعبية والفردية التي تعمل على:

▪ الدعوة والبرامج التي تركز على دعم حقوق الإنسان في إريتريا؛
▪ الدعوة والبرامج التي تركز على تعزيز المشاركة السياسية والاجتماعية في إريتريا.
▪ المناصرة والبرامج التي تركز على تعزيز تكافؤ الفرص والتنوع في إريتريا
▪ المناصرة والبرامج التي تركز على خلق بيئات داعمة للفئات المحرومة من حيث الوصول إلى التعليم والرعاية الصحية والقضايا ذات الصلة في إريتريا.

"دع كل واحد منا يرمي (العدو) بجمراته" هي عبارة مشهورة كان يكررها السفير أدهانوم جبريماريام كرمزية للعمل الجماعي للنجاح. وبنفس الروح، تدعو المؤسسة جميع الإريتريين وأصدقاء إريتريا إلى تقديم دعمهم للمؤسسة بكل طريقة ممكنة.

للإجابة على أسئلتكم حول المشاركة، يرجى الاتصال بنا على البريد
adhanom.g.foundation@gmail.com

مجلس الإدارة ومجلس الأمناء نيابة عن مؤسسة أدهانوم جبريماريام للعدالة الاجتماعية

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ። اقرأ في PDF

See also:
ዜና ዕረፍቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ Veteran Ambassador Adhanom Ghebremariam, passes away, 19 Feb 2021


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: