Placeholder Picture
Placeholder Picture
Books by Mr Berhane Hailemichael

13/03/2026 18:32 PM

መጻሕፍቲ፡
ብደራሲ ብርሃነ ሃይለሚካኤል

Books by Mr Berhane Hailemichael

Books by Mr Berhane Hailemichael, and related seminars and interviews given by him in various media-outlets.
መጻሕፍቲ፡ ከምኡ'ውን ሰሚናራትን ቃለምልልሳትን፡ ብደራሲ ብርሃነ ሃይለሚካኤል

Books authored by Mr Berhane Hailemichael

ብዛዕባ ደራሲ

ብርሃነ ገብረትንሳኤ: ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ን14 ዓመታት ከም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር: ድሕሪ ናጽነት ድማ ክሳብ 2001 ከም ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ኮይኑ ንሃገሩን ህዝቡን ብንጥፈት ኣገልጊሉ።

ብርሃነ ካብ 2001 ኣብ ሕመኣ ዝኣተወ ክኸውን ከሎ፡ ካብ 2004 ንድሓር ስድራኡ ተጸምቢሮሞ፡ ምስ ክልተ ደቁን በዓልቲ ቤቱን: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይነብር ኣሎ።

ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ ንኸቢድ ናብራ ስደት መኪቱን መሊኹን ንገዛእ ርእሱን ስድራቤቱን ብኽልተ ኣእጋሩ ጠጠው ክብልን ካብ ተጸባይነት ከድሕንን ከምኡ'ውን ብዓቕሙ ንቤተሰቡ ክሕግዝን ኣበርቲዑ ሰሪሑ። ብዘይካ'ዚ ዝነበሮ ደረት ኣልቦ ጽምኣት ትምህርቲ ንምርዋይ: ምዱብ ስራሕን ሓላፍነት ስድራን መኪቱ ክሳብ ብላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (ማስተርስ ዲግሪ) ዝምረቕ ጽዒሩ።

ብርሃነ ጐድኒ ጐድኒ'ቲ ህይወቱ ንምምራሕ ዝዓሞ ምዱብ ስራሕ: ኣብ ዘለዎ ከተማ ኤርትራዊ ማሕበረኮም ንምምስራትን ንምምዕልን ንምሕጋዝን ከምኡ'ውን፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት: ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ብቐጻሊ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጽሕፎ ዓንቀጻትን ዘስምዖ ድምጽን: ኣብ 2022: “ቅናት” ዘርእስታ ንሞያን ጅግንነትን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ እትገልጽ መጽሓፍን መምሃሪ መባእታዊ ቋንቋ ትግርኛን ከምኡ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝኛ፡ "Midnight Shadow" ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብድምር ክሳብ ሕጂ ሰለስተ መጻሕፍቲ ንኣንበብቲ ኣበርኪቱልና ኣሎ።


ኣብ ኤርትራ... እቲ ጕዕዞ ናጽነት ሃገርን ሰብን ቀሊል ኣይነበረን። ሓራ ምዃን፡ ኣብ ሓሳባት፡ ኣረኣእያን ስምዒትን ኣብ ውሽጢ መንነትን ደቂ ሰብ ሱር ዝሰደደ ክውንነት እዩ።

ንርእስኻ ክትነብር፡ ምርጫታትካ ክትገብርን፡ መጻኢኻ ክትውስንን መሰረታዊ ድሌት ሰባትን ሕብረተሰባትን እዩ። ናጻን ግዝኣተ ሕጊ ዘንገሰን ሃገር ድማ እዩ ነዚ ትርጕም ዝህቦ። ስለዝዀነ እዩ ድማ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝያዳ ዅሉ መሰረታዊ ኰይኑ ከቢድ መስዋእቲ ዝሓትት። እቲ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ ምስ ዝፈሸል ወይ ኣብ ምዕራፉ ከይበጽሐ ብውሑዳት ምስዝጭወ ግን፡ ዝፈጥሮ ብስጭት፡ ሕርቃን፡ ተስፋ ምቝራጽ፡ ምስሓት ኣንፈት፡ ነብሰ-ጽልኣት፡ ምዅላፍ ሕመረት ህላወን ምሕንኳዅ ስምዒት ሓርነትን ሰብነትን ዝፈጥሮ ምብትታን-ኣሉታዊ ረማሲ፡ መቓቓሊን ትፍኑን ስምዒታትን መርኣያኡ ከኣ እዚ ብሓፈሻ ኴንናዮ ዘለና እዩ።

እዚ ይዅን እምበር፥ ታሪኽ ደቂ ሰብ ከምዘረጋግጾ፡ ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድቀት እውን ከይተረፈ ዘደንቕ ተጻዋርነትን ትንሳኤን ኣርእዮም እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንናጽነት ዝህሉ ሃረርታ፡ ነቲ ብውሑዳት ዝተመንዝዐ ንምምላስ፡ ንጭቆና ንምቅዋምን ዳግማይ ንሓርነትን ፍትሕን ዝግበር ዘይሕለል ቃልሲ፥ መወዳእታኡ ናብ ዘይተርፍ ለውጢ ክቕየር ግድን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቃልሲ ሰባት መሰሎምን ክብረቶምን ንምምላስ ኣብ ዝጥርነፉሉ እዋን፡ ዝህልዎም ጽኑዕ ሓድነትን ዘይተሸራረፈ ሃገራዊ መንፈስን ነቲ ቓልሲ መሰረቱ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። ምጭዋይ ቃልሲ ንሓርነት፡ ግዝያዊ ምዕንቃፍ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሃልሃልታ ባህጊ ሓርነትን ፍትሒን ደቂ ሰባት ግን ፍጹም ከጥፍእ ኣይክእልን። ኣድላይነት ቀጻሊ ቃልሲ ናጽነት ግን ኵሉ ዓይነት ዕንቅፋታቱ- ካብቶም ተቓለስቲ ናጽነትን ለውጥን ኢና ዝብሉ'ውን ከይተረፈ ዝብገስ ብዘየገድስ፥ ነባሪ ብዝዀነ ክብሩ ክረጋገጽ ምዃኑ ግን ምዝካር የድሊ። እቲ ብውሑዳት ተመንዚዑ ዝጸልመተ ዋጋ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ንመዋእል ብዘይጋረድ ድሙቕብርሃን ክሰዓር ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። መጽሓፍ 'ብርሃን ኣብ ጸልማት' ድማ፡ ንቐጥታዊ ተመኵሮ ደራሲ ማእከል ገይራ ነዚ ሓቂ'ዚ እያ እተዘንቱ።

ኣኸደር ኣሕመዲን ደራሲን ጋዜጠኛን

ISBN 979-889412209-0


ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ገብረትንሳኤ ሃይለሚካኤል: ደራሲ መጽሓፍ ብርሃን ኣብ ጸልማት

1ይ ክፋል (መጽሓፈይ ናብ ኤርትራ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢያ)


2ይ ክፋል (ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ናብ ኣስመራ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ሳንጥኦም ናብ ምርምርን ስነዳን ምስተወስደ ኣይተመልሶምን


3ይ ክፋል (ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ምዃን ስቓይ ኢዩ)


4ይ ክፋል (ኢሳያስ ንምግዛእ ክጥዕሞ፡ ንትሕቲኡ ዝነብሩ ሓለፍቲ ናይ መስተን ዝሙትን ግዙኣት ገይሩዎም


5ይ ክፋል (ኢሳያስ ንጋዜጠኛታትን ሓለፍትን፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ይድህለና ነይሩ። ንኸመውት ናብ ኩናት ሰዲዶሙኒ)


6ይ ክፋል (ኢሳያስ ንጴጥሮስን ዑቑበን ብርሃነን፡ ከይመርሑ ከልኪሉዎም ኢዩ። ንሶም ግን


7ይ ክፋል (ምኽንያት መእሰሪ ናይ ቢተወደድ፡ ባዕሉ ነጊሩኒ ኢዩ)


8ይ ክፋል (ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሳያስ ዝሰርሑ: እቶም ዘይፍለጡ ወሰንትን ገበርትን ሓደግትን ኢዮም)


9ይ ክፋል (ከተፍቕር፡ ንመራሒኻ ኢኻ ተፍቅድ ---)


10ይ ክፋል (ኣብ ግዜ ሃይለስላሴን መንግስቱን፡ ኤርትራዊ ክንድዚ ኣይተሰደን)


መጻሕፍቲ ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ ሃይለሚካኤል ዓዲግኩም፡ ኣብኡ ዘሎ ፍልጠት ንምቕሳም፡ ናብዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ተወከሱ፡-

(1) ኣብ ሰማያት ቤተ-መጻሕፍቲ (semayat.com)

(2) ኣብ ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher (www.emkulu.com)

(3) ኣብ ባና ቤት መጻሕፍቲ Bana Books (www.banabooks.com)

(4) ንደራሲ፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ ሃይለሚካኤል፡ ብቐጥታ ተወከሱ Contact Author
Email: berhaile2002@yahoo.com
ወይ (OR) Via Facebook፡-
https://www.facebook.com/Eri91future



See also more articles by Mr Berhane Hailemichael
ካልኦት ብ'ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ ሃይለሚካኤል ዝተጻሕፉ ጽሑፋትን እተኻየዱ ሰሚናራትን ቃለምልልሳትን፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: