20/06/2025 00:32 AM
Eritrea Martyrs day,
20 June 2025:
Reflections and Press Releases.
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ 20 ሰነ 2025
ዝኽርታትን መግለጺታትን፡
يوم شهداء إريتريا، 20 يونيو 2025: تأملات وبيانات صحفية
ዝኽርን ሕድሪን ሰማእታት፡ ክልተ ዘይነጻጸላ ገጻት ህዝብና ኢየን።
The Memory and Legacy of Martyrs: Two Inseparable Facets of our People.
ዝኽርን ሕድሪን ሰማእታት፡ ክልተ ዘይነጻጸሉ ገጻት ናይ ህዝብና ኢየን።
The Memory and Legacy of Martyrs: Two Inseparable Facets of our People.
ዝኸበርካ፡ ግቡእካ ፈጺምካ፡ ሓርነትካ ዝተመንዛዕካ፡ ህዝቢ ኤርትራ!
ካብ ዋዜማ 20 ሰነ ኣትሒዙ፡ መላእ ህዝብና፡ ሽምዓ ብምውላዕ፡ ሎሚ 20 ሰነ 2025 ድማ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባር ናብ መቓብር ሓርበኛታት ብምብጻሕ፡ ኣብ ገዝኡ ሽምዓ ብምውላዕን፡ መኣዲ ሰሚናራት ብምስራዕን፡ ነቶም ምእንቲ ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ህይወቶም ዝወፈዩ ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ፡ ኣብ ናይ ሕልና ዝኽሪን ጽሞናን ጥሒሉ፡ ዘስተንትነላ ዘሎ፡ ረዚን፡ ናይ ዝኽሪ ዕለት ኢና ንርከብ ዘሎና።
ንኤርትራውያን፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ መዓልቲ ዝኽሪ ጥራይ ኣይኮነትን። እንታይ ድኣ፡ ንባህግታት ሰማእታትናን ትጽቢት ህዝብናን፡ ምስ ህሉው ክውንነት ሃገርና ብምንጽጻር ኣስተንቲንና፡ ዝጎደለ ንምዕዋት ብዝሓየለ ተግባር፡ እንለዓለላ ኢያ። ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዘይተኣደነ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ንምሕዛን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም ህዝቢ ዘሎና ሓባራዊ ራእይ እውን፡ ደጊምና ክንምርምሮን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ብድሆታት ከኣ፡ ሓባራዊ ምላሽ ንምምጻእ፡ ክንሰርሕ ከምዘሎና፡ ነብስና እንሓተላ፡ መብጽዓና ንሕድሪ ሰማእታትና እነሐድሰላን መዓልቲ እውን ኢያ።
ሰማእታትና፡ ንህይወቶም ክውፍዩዋ ከለዉ፡ ኣብታ ናጻ ሃገርና፡ ሓርነቱን ሓድነቱን ዘውሓሰ ህዝቢ፡ ክብሩን መሰሉን እተሓለወ ህዝቢ፡ ብስኒት ተኻባቢሩ ዝነብር ህዝቢ፡ ዘለዋ፡ ስልጥንቲ ኤርትራ ከም እትኸውን፡ እናሓለሙ ኢዮም፡ ብጅግንነት ሓሊፎም። ብሳላ መስዋእቶም ከኣ፡ ልዑላዊት ሃገረ-ኤርትራ ህያውን፡ ውሕስቲን ኮይና።
ኣብ ሕልሚ ስዉኣትና፡ ህዝብና ተሾቕሪሩ ዝነብረላ ኤርትራ፡ ኣይነበረትን። ኣብ ሕልሞም፡ ቆልዑን መንእሰያትን ዓምቢቦም፡ ንሃገሮም ግርማ ዝኸድኑላ እምበር፡ ናብ ስደት ዝነፍጹላ ኤርትራ፡ ኣይነበረትን። ኣብቲ ሕልሞም፡ ህዝብና ብክልተ ኣእጋሩ ኮሪዑ ዝረግጸላ ኤርትራ፡ ዝመሰሎ ዝዛረበላ ኤርትራ፡ ውግእን ወረ ውግእን ዘይስማዓላ ኤርትራ፡ ብልጽግቲን ብዓለም ተባሃጊትን ኤርትራ፡ ኢያ ነይራ።
ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ 1940ታት ኣትሒዙ፡ ክሳብ ግንቦት 1991 ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ። ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ እንተኾነ'ውን፡ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣየቋረጸን። ኣብዘን ዝሓለፋ 34 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ሃገርና፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገደደ፡ ስርዓተ ራዕዲን ምልኪን ኣብ ሃገርና ነጊሱ። ብሰንኩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይቀሰነን። ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ኣብ ዝገደደ፡ ውግኣት እናተጠብሰ፡ ጋና መርድኡ ብወግዒ ዘይተነግረሉ መስዋእቲ ኤርትራውያን፡ ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ፡ ህዝብና ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ሻቕሎትን፡ ይነብር ኣሎ። ኣብቲ ህዝብና ንሓርነቱን መሰሉን፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘካይዶ ቃልሲ ውን፡ ብሰንኪ እከይ ናይ ምፍልላይ ሸርሕታት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ህዝብና ብዙሕ መስዋእቲ ይኽፈል ኣሎ።
ኤርትራውያን ሰማእታት ዝተቓለሱሉ ቀንዲ ክብርታትን ራእይን፡
ንሕና ኤርትራውያን፡ መስዋእቲ ንኽንከፍል ዝደረኸና ምኽንያታት፡ ብዙሕ ኢዩ። እዞም ምስ ግዜ ዘይበልዩ፡ ወትሩ ኣብ ሕልናና ተወቒሮም ዝነብሩን ክሳብ ሎሚ ምሳና ንኽቕጽሉ ምኽንያታት ዝኾኑና ክብርታት፡ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡-
- ናጽነትን ሓርነትን፡
ሰማእታትና፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ጭቆና ነጻ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ኽብሩ ተሓልዩ፡ ብሰላምን ብኽብርን፡ ዝነብር ህዝቢ ክርእዩ ኢዩ፡ ኣብ ኣእምሮኦም ዝነበረ።
- ፍትሕን ማዕርነትን፡
ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዝጥምት፡ ኣብ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ጾታ፡ ዝተመርኮሰ ኣድልዎ ዘይብሉ ሕብረተሰብ፡ ከምዝህነጽ እምነት ነይሩዎም። ነዚ ራእይ’ዚ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ተቓሊሱሉ። ኣብቲ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደ ውድባዊ ምንቅስቓሳት፡ እውን፡ እዚ መትከላት እዚ፡ ስኑድ ኢዩ።
- ሓድነትን ምሕዝነትን፡
ሓደ ካብቲ ኣብ ቃልስና ዝቐሰምናዮ ኣገዳሲ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ‘ሓድነት ዝፈጥረልና ሓይሊ፡’ እዩ። ብዙሓዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ማለት፡ ሕብረ-ብሔራዊ ኣቃውማና፡ ክልተ ዓበይቲ ሃይማኖታትና፡ ከም ድኻም ዘይኮነስ፡ ከም መሐየሊና ኣፍልጦ ሂብናዮን፡ ኣገልጊሉናን። ኣብቲ ንናጽነት ዘካየድናዮ ቃልሲ ኸኣ፡ ብግብሪ ሰሪሕናሉ፡ ናብ ናጽነት ኣብጺሑና። ሕጂ ውን፡ እዚ ሓድነት ዝፈጥረልና መንፈሳዊ ሓይሊ፡ ኣብ ባህግታትና ልዑል ቦታ ኣለዎ።
- ርሁው መጻኢ ንምውሓስ፡
ሰማእታትና፡ ድሕሪ መስዋእቶም፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝበለጸን ብልጽግና፡ ዝመልኦ መጻኢን ዕድላትን፡ ከምዝህልወና፡ ናጻ ርእሰ-ውሳኔ እንገብረሉ ዕድል ክመጽእ ምዃኑን፡ ጥርጥር ኣይነበሮምን። ነዚ ኢዮም ከኣ፡ ህይወቶም ዝሃቡ።
ሕድሪ ሰማእታትና፡ ብኸመይ ነኽብር፡ ብኸመይ ከ፡ ምእንቲ ብሩህ መጻኢና ንሰርሕ።
ነቲ ዝሓለፈ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንመጻኢና ግን ክንቀርጾን መልክዕ ከነትሕዞን ንኽእል ኢና። ንሕድሪ ሰማእታትና ሓቀኛ ክብሪ ንምሃብ፡ ህሉው ተግባራትና፡ ምስቲ ሰማእታትና ዝተቓለሱሉን ዝተሰዉኡሉን ክብርታት ከምዝሳነ፡ ክንገብሮ ይግባእ። እዚ ማለት፡ ኩልና ኤርትራውያን - ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን - ሓያል፡ ፍትሓዊትን ስምርትን ኤርትራ ንምህናጽ፡ ዘሎና ቃልኪዳን ከነሐድስ ይግባኣና ማለት'ዩ።
ነዚ ክንገብረሉ እንኽእል ገለ መገድታት እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣል፡
- ተሓታትነትን ፍትሕን ምጥላብ፡
ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሰሉን ክብሩን ዝሕሉ፡ ንልዕልና-ሕጊ ተማእዛዚ ዝኾነ፡ ግሉጽነት ዘለዎ ተሓታቲ ምሕደራ፡ ኢዩ ክመርሖ ዝግባእ። ኣመሓደርቲን ታራ ዜጋታትን ብሓባር፡ ናይ ናጽነትን ፍትሕን ክብርታት ዘንጸባርቕ ትካላት ኣብ ምህናጽ ዝዋስኡሉ ኣሰራርሓ ክመጽእ ኣለዎ።
- ምሕላው ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን፡
ኣብ ሃገርና፡ ሕድሪ ሰማእታትና ተኸቢሩ ክበሃል እንተኾይኑ፡ ንመሰረታዊ ናጽነታት ማለት፡- ናጽነት ምዝራብ፡ ፖለቲካዊ ውክልና፡ ከምኡ’ውን ብዘይ ፍርሒ ናይ ምንባር መሰል፡ ቀዳምነት ዝህብ ስርዓት ክመጽእ ኣለዎ።
- ሓድነትን ዕርቅን ምትብባዕ፡
ሓይሊ ናይ ኤርትራ፡ ኣብ ብዙሕነታ’ዩ ዝረጋገጽ። ስለዝኾነ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘተ ብምትብባዕ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብና ዘሎ ቅሬታታት ብምፍታሕ፡ ንሕሉፍ-ቁስሊ ብምፍዋስን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትእምማን፡ ከነሐይሎ ንኽእል ኢና።
- ምሕያል መንእሰያት፡
ናይ ኤርትራ መጻኢ፡ ኣብ መንእሰያት ደቃ ኢዩ፡ ዝምርኮስ። ናይ ትምህርቲ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ዕድላት ፈጠራዊ ምህዞታትን ምትብባዕ የድሊ። ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ-ኣገልግሎት፡ ተቛሪጹ፡ መንእሰያትና፡ ነጻ ዜጋታት ኮይኖም፡ ብዝሓረዩዎ መልክዕ፡ ክነጥፉን ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ኣበርክቶ ክገብሩን፡ ናጽነት ምሃብ፡ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ነዚ ዘጣጥሕ ኩነታትን ዕድላትን ምፍጣር፡ ሓደ ካብ ባህጊ ሰማእታትና ምፍጻም፡ ማለት እዩ።
- ጽንዓትን ትስፉውነትን ምጽምባል፡
ብዙሕ ብድሆታት እኳ እንተሃለወና፡ መንፈስ ኤርትራዊ ጽንዓት ግን፡ ወትሩ ክንዕቅቦ ይግባእ። ብሓድነት፡ መስዋእትን ሓባራዊ ስራሕን፡ ንከበድቲ ብድሆታት ክንዕወተሎም ከምእንኽእል፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ሓቚፋቶ ዘላ ታሪኽ ተዘኻኽረና። ነዚ መንፈስ’ዚ እንተዓጢቕና፡ ንኹሉ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ማሕለኻታት ስዒርና፡ ናይ ሃገርና ኤርትራ ብሩህ መጻኢ፡ ከም እነረጋግጽ ርጉጽ ኢዩ።
መደምደምታ፡
ሎሚ ንኤርትራውያን ሰማእታት ኣብ እንዝክረሉ ዘሎና ዘለና እዋን፡ መስዋእቶም፡ መፈጸምታ ዘይኮነስ መጀመርታ ምንባሩ፡ ንዘክር። እቲ፡ ሓራ፡ ፍትሓዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምምጻእ ዝነበሮም ሕልሚ ብምልኣት ኣይተሳለጠን። ኣብ ሕድሮም እንተጸኒዕና፡ ብቓልስና፡ ነቲ ዝተረፈ ሸቶ ከነዐውቶ ምዃንና፡ እዚ ናይ ሎሚን፡ ወትሩን፡ እነሐድሶ መብጻዓና ኢዩ፡ ውሕስነቱ።
ነቲ ሰማእታትና ዝነበሮም ራእይ፡ ማለት፡- ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ሰብኣዊ-ክብርን፡ ከም መማእዘኒና ዓጢቕና፡ ኣብ ዝድለ ሸቶኡ ከነብጽሖ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሓላፍነት እዩ። መዓልቲ ሰማእታት እምበኣር፡ ናይ ኣስተንትኖ ህሞት፡ ጻውዒት ንዝያዳ ስራሕ፡ ከምኡ’ውን ነታ ኩላትና እንብህጋ ኤርትራ ንምህናጽ፡ ሓባራዊ ተወፋይነትና እነሐድሰላ ዕለትን፡ ኢያ። እታ ብሓቂ ንሰማእታታ እተኽብር ሃገር፡ እታ ንኽብርታቶም፡ ብግብሪ እተንጸባርቕን እትሰርሕን ሃገር ኢያ። ሃገርና፡ ነዚ ከነምስላ ኸኣ፡ ኩልና ክንሰርሕ፡ ይግባእ።
ንመስዋእቲ ወለድና፡ ምዝካርን ምኽባርን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሕልናዊ ግዴታ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ናይቲ ኣብዚ እዋን እዚ ምእንቲ መሰልን ሓርነትን እንኸፍሎ ዘሎና መስዋእቲ፡ መሰረቱን መንቀሊኡን፡ ንሱ ስለዝኾነ።
ንመዓልቲ ሰማእታት ብዝያዳ ድምቀት ክዝክራን ከኽብራን ዝግባእ፡ እቲ ንስለ ፍትሒን ሓርነትን ዝቃለስ ኤርትራዊ ኢዩ። እቲ ብገባቲን ጨፍላቒን ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዝኽሪ ሰማእታት፡ ብግብሪ ዘይስነ፡ ናይ ኣምሰሉ፡ ተዋስኦ ኢዩ።
ብሓባር፡ ኣብ ዝኽሪ ሰማእታት ተጠርኒፍና፡ ንዝገጥመና ብድሆታት፡ ብዕድላት ተኪእና፡ ሕልምታት ሰማእታትና፡ ግህዶ ክንገብሮ ኢና!
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!
ሕድሪ ሰማእታትና ብሓርነት ህዝብና ንምድባስ፡ ኩልና፡ ንሰለፍ!
ስኒትና.ኮም
20 ሰነ 2025
ኣድማሳዊ ኣዋጅ መሰላት ደቂ-ሰብ (UN Universal declaration of human rights)፡፡
Eritrea: The Universal Declaration of Human Rights in Tigrinya
ብምቕጻል ኣምበአኣር፡ ኣብዚ ገጽ`ዚ፡ ብኣጋጣሚ ቅንያት 20 ሰነ 2025፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን መግለጺታትን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ዝኣከብናዮ ከነቕርበልኩም ኢና። ትሕዝቶ ናይዚ ገጽ ዚ፡ ብቕንያቱ፡ ክውሰኾን ክህብትምን ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ።
ነዚ ዕለት`ዚ ዝምልከት ኣገዳሲ መግለጺ ወይ ገምጋም እንተሎኩም፡ ናብ snitna.com ክትሰዱልና ንላቦ።
Dear visitors, on this page, we will compile various memories, reflectins and press-releases, highlightig the Eritrea's Martyrs Day, 20 June 2025. We will update this page continuously, by adding more contents.
Please send us such information to snitna.com.
መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ELF Martyrs Archive.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996
OR:
መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ELF Martyrs Archive.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996
ምልክታ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህይወት ወዲ ሰብ ክቡር ምዃኑ ካብ ዘለዋ ተረድኦን፡ ንስድራ ቤት ተጋደልቲ ካብ ኰለልን ድኻምን ሻቕሎትን ንምንጋፍ ካብ ዘለዋ ሓልዮት ተበጊሳ፡ ተጋዳላይ ኣብ እተሰውኣሉ እዋን ንስድራ ቤቱ ብኡ ንብኡ ምሕባር ከም ባህላ ገይራ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ`ያ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ዓቕሚ ናይ ህዝብና ድኹም ምዃኑ ስለእትርዳእ`ውን፡ ንስድራ ቤት ስዉኣት ነጋይሽ መቐበሊ ክኸውን ብማለት ቁሩብ ደገፋት ከተበርክተሎም ምጽናሓ ዝዝከር`ዩ። ስለ`ዚ፡ መብዛሕትኦም ኣብዚ መዝገብ ናይ ስዉኣት ተጠቒሶም ዝርከቡ ተጋደልቲ ስድራቤቶም ብዕሊ መስዋእቶም ኣብ ግዚኡ ዝተሓበሮም ክዀኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ፡ እቲ ንተሓኤ ተጋጠመ ጽንኩር ኩነታት ስለዘየፍቀደ፡ መስዋእቲ ደቆም ብዕሊ በዚ መዝገብዚ ኣቢሎም ንመጀመርያ ግዜ ብዕሊ ይሕበሩ ምህላዎም ንግንዘብ ኢና። ካብዚ ብምብጋስ ድማ` ንስድራ ቤት ስዉኣት ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፡ ብመስዋእቲ ውላድኩም ኰርዓትን ሓበንን ክስምዓኩም ነማሕጽን። Read more
Eritrean Martyrs Day
መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ።
ዝኽሪ ዜማ "መስዋእቲ ዋጋ ናይ ሓርነት'ዩ" ብ ብርኽቲ ታንኪ/ ጽሓፊ ጸጋይ ገ/ሂወት/ ተራኺ ዓይነታ ምሕረታኣብ!
Global Yiakl Official: ስውኣትና ኣብ ልብና፡ ምትግባራ ሕድሮም ግን ናይ ኩልና!
20 June 2024
ERIPM | قصة شهداء إرتريا
20 June 2024
Atv Asena Live - ዝኽሪ ጀጋኑ ድርብ መስዋእቲ
21 June 2024
Eri-Platform: መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ስለ 20 ሰነ
20 June 2024
ERIPM | ክልተ ሞት | Klte mote ~ Eritrean Movie 2024
𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: መልእኽቲ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ።
20 June 2023
Tv Meley: መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ
20 June 2023
ሕድሪ ሰማእታት፡ ዕዳ ህሉዋት እዩ።
መግለጺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)
20 June 2023
ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ደቃን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካልእ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ ንሰማእታት ኤርትራ፡ “ብሳላኹም ልኡላዊ ሃገር ኮይንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና” ምባሎም፡ እንተዘይውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ።
Read more:
Eri-Platform:
መልእኽቲ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2023።
20 June 2023
ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት።
ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
20 June 2023
ዝኽረ ሰማእታት፡ ይኣክል ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት።
25 June 2022
ቅዋማውነት፡
ራኢ ሰማእታት።
19 June 2022

ሳላሳን ሓደን ዓመታት ናጽነት'ዶ፡
ሳላሳን ሓደን ዓመታት ባርነት!
(1ይ ክፋል)
1ይ ክፋል፡ 2ይ ክፋል፡ 3ይ ክፋል፡ 4ይ ክፋል፡ 5ይ ክፋል፡
ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 20 ሰነ 2022 ኣብ ለንደን።
Martyrs Day 20th June 2022, London UK.
(Part-1)
ባህግና፡ Bahgna 67፡ ዜናታት፡ ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት፡
ERISAT: መግለጺ ትንሳኤ ተጋደልቲ ንቅዋማዊ ስርዓት
Eri-Platform: ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
TV-Meley: 20 ሰነ 2022
ዝኽሪ 20 ሰነ 2022 ብውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል ዝተዳለወ፡
"ሰማእታትና ወትሩ እናተዘከሩ ክነብሩ 'ዮም"
Shama Baytona: ሰማእታትና ወትሩ ብግብርና ይደበሱ?
Eritrean new clip 2019 Yirgalem Fisseha ከይደ'ለኹ!
ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ
Martyr's Day Official wreath-laying ceremony
ERi-TV
ዝናር ጥበባት ማእከል 20 ሰነ 2022
zinar tibebat maekel Martyr's Day 2022 Special -
ERi-TV
ATV: ሕድሪ ስውኣት ጠሊምካ፡ ብስውኣትን ስድራቤቶምን ምዝራብ ዝኸፍአ ሓጥያት’ዩ -
ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ERITV Program 20 June 2020
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።