Placeholder Picture
Placeholder Picture
Eritrea Martyrs day, 20 June 2026: Reflections and Press Releases.

20/06/2026 00:32 AM

20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ`ምበር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን።

June 20, Martyrs’ Day: A sacred day owned by the Eritrean people, never by the Dictatorial regime.

20 يونيو، يوم الشهداء: يوم مقدس يملكه الشعب الإريتري، وليس النظام الديكتاتوري.

By snitna.com

Eritrea Martyrs day, 20 June 2026: Reflections and Press Releases.
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ 20 ሰነ 2026፡ ዝኽርታትን መግለጺታትን፡
يوم شهداء إريتريا، 20 يونيو 2026: تأملات وبيانات صحفية.

Eritrea Martyrs day, 20 June 2026: Reflections and Press Releases.


20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ`ምበር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን።
June 20, Martyrs’ Day: A sacred day owned by the Eritrean people, never by the Dictatorial regime.
20 يونيو، يوم الشهداء: يوم مقدس يملكه الشعب الإريتري، وليس النظام الديكتاتوري.
(snitna.com)


20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ`ምበር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን።
June 20, Martyrs’ Day: A sacred day owned by the Eritrean people, never by the Dictatorial regime.
20 يونيو، يوم الشهداء: يوم مقدس يملكه الشعب الإريتري، وليس النظام الديكتاتوري.
(snitna.com)

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!

20 ሰነ፡ ነዚ ኣብ ታሪኽ ህዝብና ዝተኸፍለ ዝኸበደ መስዋእቲ ንምዝካር፡ ብመንፈስን ብጽሞናን፡ እንእከበላ ዕለት ኢያ። ንህዝቢ ኤርትራ፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ኪኖ እቲ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ምስፋራ ዝህልዎ ትርጉም፡ ኣዝያ ረዛን ዕለት ኢያ። ንህርመት ልቢ ህዝብና እትገልጽ፡ ንባህግታት እቶም ብጅግንነት በጃና ዝወደቑ እነስተንትነላ፡ ሰማእታትና ዝነበሮም ሕልምታትን ኣብ ሃገርና ዘሎ መሪር ክውንነትናን፡ እናእነጻጸርና፡ ምስ ሕልናና እንላዘበላ መዓልቲ ኢያ።

ባህግታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፦
ሰማእታትና ባንዴራ ንምምብልባል ጥራይ፡ ህይወቶም ኣይሰውኡን። ሓርነት፡ ሓድነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን፡ እምነ ኩርናዕ ሕብረተሰብና ኮይኑ፡ ስልጥንቲ ኤርትራ ከምእንጎናጸፍን፡ ተኣማሚኖም ኢዮም ሓሊፎም። ሰማእታትና፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዘይ ስግኣት ኣብ መሬቱ ዝረግጸላን ዝመላለሰላን፡ ሓሳቡ ብናጽነት ዝገልጸላ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓቀኛ ጎይታ ብምዃን ዕድሉ ዝውስነላን፡ ሃገር ኢያ ኣብ ራኢኦም ተቐሪጻ ነይራ። ኣብቲ ሕልሞም ዝነበረት ኤርትራ፡ ደቅናን መጻኢ ወለዶታትን፡ ብዘይ ጽላሎት ኲናት ዝመሃሩላ፡ ብልጽግቲ፡ ሰላምን ግዝኣተ-ሕግን ዝሰፈና፡ ኤርትራ ኢያ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእንቲ ዘይሕከኽ መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ፡ ልዕሊ ዝግብኦ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኢዩ። ድሕሪ`ዚ ኩሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኸኣ፡ ብሓርነትን ቅሳነትን ክነብር ምተገብአ።

እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት፡ ንሕድሪ ሰማእታትና ብግሉጽ ዝጠለመ ስርዓት፡ ንሃገርና ይገዝእ ምህላዉ ኢዩ። ሃገርና ኣብ ክንዲ ብቅዋምን ሕግን ትመሓደር፡ ስርዓተ-ራዕዲን ምልኪን ሰፊኑዋ ይርከብ። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከኣ፡ ኣዝዩ ጨካንን ንኽትገልጾ ዘስካሕክሕን እዩ። ገለ ካብ መርኣያታቱ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ይጥቀስ፦

• ደረት-ኣልቦ ጊልያነት፡- ካብ 1994 ኣትሒዙ ን32 ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመላእ መንእሰያትና፡ ኣብ መጻወድያ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቐይድዎም ይርከብ። እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ጊልያነት እዚ፡ ንዜጋታትና ኣፍራዪ ዕድመኦም ብምምንጣል፡ ዝነበሮም ናይ ትምህርትን ምምስራት-ስድራቤትን መጻኢ ባህጊ፡ ከምዝብርዕን ገይሩዎ ኣሎ።

• መጭወይቲን ማሕዩርን:- ቁጽሮም ዘይፍለጥ ኣዝዮም ብዙሓት ሃገራውያን፡ ኣርካናት፡ ጋዜጠኛታትን ምእመናንን፡ ተዓፊኖም ምስተወስዱ፡ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታታት፡ ብዘይ ፍትሒ ንልዕሊ 25 ዓመታት ተሰዊሮም ይርከቡ። መቕርብን ፈታዊን ናይዞም ግዳያት ኸኣ፡ ኣብ ቀጻሊ ጭንቀት ክነብሩ ተገዲዶም ኣለዉ።

• ፍልሰት ንስደት፡- እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ "ሲኦላዊ" ኩነታት፡ መላእ ሓደ ወለዶ ህዝብና፡ ሃገሩ ራሕሪሑ ክሃድም ኣገዲዱዎ፡ ይርከብ። ብሰንኩ ኸኣ፡ ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳታትን ውቅያኖሳትን፡ ኣደዳ ዘስካሕክሕ ሞትን ምጥሓልን ይኾኑ ኣለዉ። ዓድታት ኤርትራ፡ ጸሪሩ ሰብ ዘይብሉ ተሪፉ፡ ብዙሓት ኣባይቲ ኸኣ ተዓጽዮም፡ ጠዋሪን ቀባሪን ዘብሎም ሽማግለታት ጥራይ ተሪፎም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ቁጽሪ ህዝብና፡ ካብ ሃገሩ በሪሩ ኣብ ስደት ክነብር ተገዲዱ ኣሎ።

• ትርጉም ኣልቦ ውግኣት፦ መንእሰያትና፡ ንህዝብና ኣብ ዘይምልከት ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ውሽጣዊ ግርጭታት ተገዲዶም ከምዝኣትዉ ብምግባር፡ ሰፍ ዘይብል ናይ ህይወት ክሳራን ስንክልናን ከምዝኸፍሉ ኾይኖም። ናይዚ ኣብ መንእሰያትና ዝወረደ ጉድኣት፡ ስድራቤታቶም ብወግዒ ስለዘይተነግራ፡ ኣብ ቀጻሊ ሓዘንን ጭንቀትን ከምዝነብሩ ገይሩዎም ኣሎ። ገና ሕጂ እውን መልክዑ እናቐያየረ፡ ደበና ኲናት ኣንጠጥዩ ይርከብ።

20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ`ምበር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን፡-
ህዝብና ምእንቲ ፍትሒ ዘካይዶ ቃልሲ፡ ፍትሓውን ዝድገፍን ምዃኑ፡ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ የረጋግጸልና። ዝኽርን ሕድሪን ሰማእታትና፡ ክልተ ዘይነጻጸላ ኣምራት ኢየን። ቅድሚ ናይ ዝኽሪ በዓል ምክያድ፡ ሕድሪ ሰማእታት ምፍጻም የድሊ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንመላእ ህዝብና ብሕሱም ጭቆና እናተሳቐየ ከሎ፡ ሕድሪ ሰማእታትና ነኽብር ኣሎና ክብል፡ ዘካይዶ ተዋስኦ፡ ፖለቲካዊ ሸቐጥን ምትላልን ኢዩ። ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን! ኪኖ እቲ ዝግበር ናይ ሽምዓ ምውላዕን ናይ እግሪ ጉዕዞን ጽምብል፡ ነቲ ሕድሪ ሰማእታትና ንኸይፍጸም ዓፊኑዎ ዘሎ፡ ሕሱም ምልካዊ ስርዓት ንምምሓው፡ ቃል-ኪዳን ክንኣቱ ይግባእ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዘሎኻ፡ ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!
እዚ ሕድሪ ሰማእታት ረጊጹ ንህዝብና ዘጽንት፡ ንሃብትና ዘብርስ፡ ንማሕበራዊ ክብርታትና ዝብሕጉግ፡ ንልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘእቱ፡ ኣንጻር መንነትና ዝተዓጥቀ ስርዓት፡ ኣብ ድኻምና ኢዩ ተጸፍዩ ዘሎ። ሓይልና ኣብ ብዙሕነትናን ስኒትናን እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ናይ ሓበንን ሓዘንን ዕለት፡ ንሓድሕድና እንጻናናዕን እንዳባበስስን፡ ብሕልናን ብግብርን፡ ኣንጻር እቲ ንሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ስርዓት፡ ብሓባር ደው ምስ እንብል ኢዩ። እዚ ንኽንገብር፡ ንሕሉፍ ቁስልና ክንፍውስን፡ ሓድሕዳዊ ምትእምማንና ዳግማይ ክንሃንጾን፡ ይግባእ። ነዚ ንምዕዋት ዘኽእል ድልድላት፡ ምህናጽ፡ ናይ ኩላትና ሕድሪ ሰማእታትና ዝስማዓና ኤርትራውያን፡ ሓላፍነት ኢዩ።

ዕላማ መስዋእቲ ኤርትራውያን፡ ንናጽነትን ሰብኣዊ ማዕርነትን እምበር፡ ኣብ መሬታዊ ናጽነት ጥራይ ደው ዝብል ኣይነበረን። ዝነበሮም ራእይ፡ ኣብ ባይታ ክውን ንምግባሩ ኸኣ፡ ናይ ኩልና ዜግነታውን ሕልናዊን ግዴታ ኢዩ።

ሰማእታትና፡ ወትሩ ይዝከሩ! ብስሞም እናሸቀጡ ዕድመ ምልኮም ዘናውሑ ኸኣ ይኮነኑ!

ሕድሪ ሰማእታትና ብሓርነት ህዝብና ንምኽሓሱ፡ ኩላትና ሓቢርና፡ ናብ ፍትሒ ንጉዓዝ!

ስኒትና.ኮም 20 ሰነ 2026


ኣድማሳዊ ኣዋጅ መሰላት ደቂ-ሰብ (UN Universal declaration of human rights)፡

Eritrea: The Universal Declaration of Human Rights in Tigrinya


ብምቕጻል ኣምበአኣር፡ ኣብዚ ገጽ`ዚ፡ ብኣጋጣሚ ቅንያት 20 ሰነ 2026፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን መግለጺታትን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ዝኣከብናዮ ከነቕርበልኩም ኢና። ትሕዝቶ ናይዚ ገጽ ዚ፡ ብቕንያቱ፡ ክውሰኾን ክህብትምን ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ።
ነዚ ዕለት`ዚ ዝምልከት ኣገዳሲ መግለጺ ወይ ገምጋም እንተሎኩም፡ ናብ snitna.com ክትሰዱልና ንላቦ።

Dear visitors, on this page, we will compile various memories, reflectins and press-releases, highlightig the Eritrea's Martyrs Day, 20 June 2026. We will update this page continuously, by adding more contents.
Please send us such information to snitna.com.


ካብ ሰነዳት፡-
ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተነበበ፡ ኣስማት ስዉኣት
(ካብ 1ይ ክፋል - 3ይ ክፋል)
Documentary: Martyrs names from Nakfa 1994
(Part 1 - Part 3)

1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡  


መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ELF Martyrs Archive.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996

OR:
መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ELF Martyrs Archive.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996

ELF Martyrs Register - መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ምልክታ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህይወት ወዲ ሰብ ክቡር ምዃኑ ካብ ዘለዋ ተረድኦን፡ ንስድራ ቤት ተጋደልቲ ካብ ኰለልን ድኻምን ሻቕሎትን ንምንጋፍ ካብ ዘለዋ ሓልዮት ተበጊሳ፡ ተጋዳላይ ኣብ እተሰውኣሉ እዋን ንስድራ ቤቱ ብኡ ንብኡ ምሕባር ከም ባህላ ገይራ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ`ያ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ዓቕሚ ናይ ህዝብና ድኹም ምዃኑ ስለእትርዳእ`ውን፡ ንስድራ ቤት ስዉኣት ነጋይሽ መቐበሊ ክኸውን ብማለት ቁሩብ ደገፋት ከተበርክተሎም ምጽናሓ ዝዝከር`ዩ። ስለ`ዚ፡ መብዛሕትኦም ኣብዚ መዝገብ ናይ ስዉኣት ተጠቒሶም ዝርከቡ ተጋደልቲ ስድራቤቶም ብዕሊ መስዋእቶም ኣብ ግዚኡ ዝተሓበሮም ክዀኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ፡ እቲ ንተሓኤ ተጋጠመ ጽንኩር ኩነታት ስለዘየፍቀደ፡ መስዋእቲ ደቆም ብዕሊ በዚ መዝገብዚ ኣቢሎም ንመጀመርያ ግዜ ብዕሊ ይሕበሩ ምህላዎም ንግንዘብ ኢና። ካብዚ ብምብጋስ ድማ` ንስድራ ቤት ስዉኣት ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፡ ብመስዋእቲ ውላድኩም ኰርዓትን ሓበንን ክስምዓኩም ነማሕጽን። Read more


ሰሚናር: ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራውያን።
اجتماع عام لذكرى شهداء إرتريا
ዕድመ ንኩሉ ኤሪትራዊ/ኤሪትራዊት።
دعوة لكل الارتريين و الاريتريات
ንዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ ቀዳም 20 ሰነ 2026 ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ: "ብኣራሚት ንውሁድ ህዝባዊ ምልዕዓል"።
تنظم أراميت اجتماعا عاما لإحياء ذكرى شهداء


ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት 2026 | Official Martyrs' Day Commemoration - June 20, 2026 | Eri-TV


GYM | መልእክቲ ምንቅስቃስ ይኣክል ብምኽንያት 20 ሰነ 2026 ምዓልቲ ስማእታት ኤርትራ።


ባህግና Eri Bahgna Media 20.06.2026 ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዝሕዞ ኣንፈትን ቀጻልነቱን ዘየጽንዕ ጉጅለ


ERIPM | ንህሉዋት ዘህልቕ ህግደፍ ንስውኣት ክዝክር ሓጥያት' ዩ


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን: ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ 2026


ERI-PLATFORM: ዘልኣለማዊ ሓበን፡ ክብርን መጐስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ዓመት-ዓመት 20 ሰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ንኤርትራ ናጻ ንምውጻእ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ንምግባር፡ ናጽነት ኤርትራ ንምዕቃብ ኰነ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ንምጕንጻፍ፣ ክቡር ህይወቶም ዘወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታት ብዓቢ ኣኽብሮት ዚዝክረላ ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ። Read more

Eritrea Martyrs day, 20 June 2026: Reflections and Press Releases.


EPSM_For_Justice:- መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: 20 Jun 2026
ጽማቕ
1. ስዉኣትና ንፍትሓዊ ባህጊ ህዝቢ ህዝብና በጃ ሓሊፎም፤ ዛጊት ግን ውጽኢት ናጽነት ሃገር ብኣንጻሩ ኮይኑ፡
2. ዓቕሚ ሃገር ዘብርስን ዘበሳብስን ስርዓት ህግደፍ ተጻዒንና፡ ርዒድና፡ ርእስና ኣድኒንና፡ ብሕፍረት ተዋሒጥና ንርከብ፡
3. ንስዉኣትና ቃል ክንኣትወሎም፡ 2026 ሓንሳብ ንሓዋሩ ናይ ሕፍረትን ውርደትን ዓመት ክንገብራ ንተዓጠቕ፡
4. ኣህጉራውን ዞባውን ጸገም ካብ ምዃን ተገላጊልና፡ ነብስና ከነልምዕ ከመይ ንበቅዕ`ዩ እቲ ዕማም፡
5. ቃልዓለማዊ ናይ ይምሰል ኣበዓዕላ ወጊድና ብቃልሲ ናይ ብሓቂ ነብዕለሉ ኩነት ክንፈጥር ንኩሉ ሸነኻዊ ቃልሲ ንበገስ።


SETIT: ERTREA:- መስዋእቲ ኪንየው ሓርነት


Eritrean Martyrs Day
መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ።


Snitna.com 2025: ዝኽርን ሕድሪን ሰማእታት፡ ክልተ ዘይነጻጸሉ ገጻት ናይ ህዝብና ኢየን።
The Memory and Legacy of Martyrs: Two Inseparable Facets of our People.


Snitna.com 2024: ዝኽርን ሕድሪን ሰማእታት፡ ክልተ ዘይነጻጸሉ ገጻት ናይ ህዝብና ኢየን።
The Memory and Legacy of Martyrs: Two Inseparable Facets of our People.


Snitna.com 2022: Eternal Glory be to our Martyrs!
ሃገርና፡ ዓዲ ቅዋም፡ ሕጊን ፍትሒን ብምግባር፡ ሕድርኹም ክንፍጽም ኢና!
We will fulfill your promise, by making our country a land of constitution, law and justice!
سنفي بوعدكم بجعل بلدنا أرض الدستور والقانون والعدالة!
(Snitna: 20th June 2022)


ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ|
Martyrs' Day Official wreath-laying ceremony-ERi TV
20 June 2024

Part-1:    Part-2:


ዝኽሪ ዜማ "መስዋእቲ ዋጋ ናይ ሓርነት'ዩ" ብ ብርኽቲ ታንኪ/ ጽሓፊ ጸጋይ ገ/ሂወት/ ተራኺ ዓይነታ ምሕረታኣብ!


Global Yiakl Official: ስውኣትና ኣብ ልብና፡ ምትግባራ ሕድሮም ግን ናይ ኩልና!
20 June 2024


ERIPM | قصة شهداء إرتريا
20 June 2024


Atv Asena Live - ዝኽሪ ጀጋኑ ድርብ መስዋእቲ
21 June 2024


Eri-Platform: መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ስለ 20 ሰነ
20 June 2024


ERIPM | ክልተ ሞት | Klte mote ~ Eritrean Movie 2024


𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: መልእኽቲ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ።
20 June 2023


Tv Meley: መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ
20 June 2023


ሕድሪ ሰማእታት፡ ዕዳ ህሉዋት እዩ።
መግለጺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)
20 June 2023

Sinit Symposium 2023
ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ደቃን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካልእ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ ንሰማእታት ኤርትራ፡ “ብሳላኹም ልኡላዊ ሃገር ኮይንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና” ምባሎም፡ እንተዘይውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ። Read more:


Eri-Platform:
መልእኽቲ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2023።
20 June 2023


ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት።
ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
20 June 2023

ንሃገራዊ ዕርቂ ንበገስ - ብዶር ተስፋይ ገብረመድህን


ዝኽረ ሰማእታት፡ ይኣክል ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት።
25 June 2022


  ቅዋማውነት፡
ራኢ ሰማእታት።
19 June 2022

ቅዋማውነት ራኢ ሰማእታት፡

ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


ሳላሳን ሓደን ዓመታት ናጽነት'ዶ፡
ሳላሳን ሓደን ዓመታት ባርነት!
(1ይ ክፋል)

1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡   4ይ ክፋል፡   5ይ ክፋል፡  


ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 20 ሰነ 2022 ኣብ ለንደን።
Martyrs Day 20th June 2022, London UK.
(Part-1)


ባህግና፡ Bahgna 67፡ ዜናታት፡ ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት፡


ERISAT: መግለጺ ትንሳኤ ተጋደልቲ ንቅዋማዊ ስርዓት


Eri-Platform: ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!


TV-Meley: 20 ሰነ 2022
ዝኽሪ 20 ሰነ 2022 ብውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል ዝተዳለወ፡
"ሰማእታትና ወትሩ እናተዘከሩ ክነብሩ 'ዮም"


ERISAT: ፊቃዶ ዲማ እግል ሹውሃዳነ !!


Shama Baytona: ሰማእታትና ወትሩ ብግብርና ይደበሱ?


Hdri-Jeganuna: 20 ሰነ 2022
ፍሉይ መደብ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት 20 ሰነ 2022።
برنامج خاص بمناسبة يوم شهداء إريتريا 20 يونيو 2022.
Special program on the occasion of Eritrea's Martyrs Day 20th June 2022.
Guest speaker: Artist Zeresenay Ghirmay (Tezareb)
ጋሻና፦ ስነ-ጥበባዊ መንእሰይ ዘርእሰናይ ግርማይ (ተዛረብ)


Eritrean new clip 2019 Yirgalem Fisseha ከይደ'ለኹ!


ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ
Martyr's Day Official wreath-laying ceremony
ERi-TV


ዝናር ጥበባት ማእከል 20 ሰነ 2022
zinar tibebat maekel Martyr's Day 2022 Special -
ERi-TV


ATV: ሕድሪ ስውኣት ጠሊምካ፡ ብስውኣትን ስድራቤቶምን ምዝራብ ዝኸፍአ ሓጥያት’ዩ -
ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ




ERITV Program 20 June 2020




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: