09/02/2022 22:54 PM
ዜና ዕረፍቲን ዝኽሪን፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡
ኣቡነ ኣንጦንዮስ
3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ፡
In memory of his holiness Abune Antonios,
3rd Patriarch of the State of Eritrea.
(July 1927 - 09 Feb. 2022)
ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 9 ለካቲት 2022 ዓሪፎም።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ስለ እተቓወሙ፡ ከምኡ`ውን ንፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ፡ ሰባት ብዘይ ፍትሒ ምእሳር እግዚኣብሔር ዘይፈትዎ ስራሕ ስለዝኾነ፡ ክቋረጽን፡ ዝበደለ እንተልዩ ኣብ ፍትሒ ቀሪቡ ፍርዱ ክወሃብ ኣለዎ ብምባል፡ ብኣካል ስለዝተዛረቡን ኢዩ። እዚ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ብቃሎም ዝሰነዱዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ዝተሰነደ ኢዩ።
ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ግህሰት ፍትሒን ሰብኣዊ መሰልን፡ ብትብዓት ብምቅዋም፡ በጃ ህዝቦምን በጃ ቤተክርስትያንን፡ መስዋእቲ ከፊሎም። ብሰንኪ`ዚ፡ ካብ ሕጊ ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ካብ ናይ ፓትሪያርክነት ማዕርጎም ተቐንጢጦም፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ኢዮም ጸኒሖም። እዞም ሽማግለ ኣቦና፡ ኩነታት ጥዕናኦም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝነበረ፡ በጻሕቶምን ካብ ቃሎምን እውን ይስማዕ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ እምነቶምን ኣብ ፍትሒን ጸኒዖም ኢዮም ሓሊፎም። ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኸኣ፡ ተባዕ ኣብነታዊ ውርሻ ሓዲጎሙልና። ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ከምኡ`ውን ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ዓለም፡ ስሞም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ንዘልኣለም እናተዘከረ ክነብር ኢዩ።
ኤርትራ፡ ብተባዓት ደለይቲ ፍትሒ መራሕቲ እምነታትና እተዓደለት ሃገር ኢያ፡ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017 እውን ኣቦና ሓጂ ሙሳ፡ ብተማሳሳሊ ኣገባብ፡ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት ስለእተቓወሙን ንሕጊን መሰልን ብትብዓት ደው ስለዝበሉን፡ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፉ ዝዝከር ኢዩ። ቅድሚ`ዚ እውን፡ ኣብ ዕለት 25 ግንቦት 2014፡ "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?" ብምባል ንኣሰካፊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብዝግባእ ብምትንታን፡ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘቕረቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ነይሮም ኢዮም። እዞም ኣበዋትና ብሓበራ፡ ንሰላምን ስኒትን፡ ከምኡ`ውን ንፍትሒ ክጽውዑ ከለዉ፡ ንሕና "ምእመናን" ከ፡ ሰሚዕናዮምን ተኸቲልናዮምን ዶ ዝብል ሕቶ ናይ ኩልና ዜጋታት መልሲ ዘድልዮ ኢዩ። ኣብ ልብና ሓዲሩ፡ እቲ ዝግባእ ሃገራዊን ዜግነታዊን ግቡእና ክንገብር ከኣ በዚ ኣጋጣሚ ዚ ምዝኽኻር ግቡእ ይመስለና።
መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም ንብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ሰማያዊ ዕረፍቲ ይሃቦም እናበለት፡ ንኹሎም ቤተሰብ፡ ከምኡ`ውን ምእመናንን ንህዝቢ ኤርትራን፡ ጽንዓት ይሃብ ትብል። ጠልሊን በረኸትን ይግደፉልና ኸኣ ትብል።
ብምቕጻል እምበኣር፦
ንዕለተ ዕረፍቶምን ንሕሉፍ ታሪኾምን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ትሕቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፉዎ ኩነታትን ዝድህስስ ትሕዝቶታትን መግለጺታትን፡ ኣብ ታሕቲ ነቕርበልኩም፦
"ሰናይ ገድሊ ሰማእትነት ብጹዕ ወቕዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ"
ቐጥታ ዝመሓላለፍ መደብ
ንቐዳም 19 የካቲት ሰዓት 8-10 በርሊን፣ 2-4 ኒውዮርክ
[Mdre Canaan ምድረ ከንኣን]፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣቡነ ኣንጠንዮስ!
Funeral ceremony of Abune Anteniyos!
[Mdre Canaan ምድረ ከንኣን]፡ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ኣቦና ከመይ ነበረ፡ ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ 10/2/2022 abune Enteniyos
[Mdre Canaan ምድረ ከንኣን]፡ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ኣቦና ከመይ ነበረ፡ ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ 10/2/2022 abune Enteniyos (Part-2)
In Loving Memory of His Holiness Abune Antonios
GoFundMe:
ERISAT: ንኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ብሂወት ከለዉ'ዮም ቀቲለሞም |ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሓንስ | ዓቅምኩም ንምብርካት ኣብ ታሕቲ ጥብቆ ናይ GoFundMe ኣለኹም
In Loving Memory of His Holiness Abune Antonios
GoFundMe:
ATV: ናይ ፍቕሪ መዘከርታ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጠንዮስ ኣብ ለንደን: ሰንበት 20 ለካቲት, 2022, ሰዓት 2:00 ድ ቀ
ERISAT: ኣብ ልዕሊ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝወረደ ስቃይ ከም ሕብረተሰብ ከሕፍረና ይግብኦ | ተጋዳላይ ኣሕመድ ቀይሲ
መግለጺ ሓዘንን ጽንዓትን፡
ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ-ኤርትራ።
ብ`ኣቶ ሃይለ ክፍላይ (ጎተና)
ERISAT:الأنباء انطونيوس رحيل يزلزل عرش الظالمين
ATV: መልእኽቲ ዲበ ኩሉ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ - ካብ ሰነዳት ኣሰና
ድሕሪ 13 ዓመት ማእሰርቲ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ድምጺ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ. H. H Patriarch Antonios appears in video
መልእኽቲን ምስክርነትን፡ ካብ ቅዱስ እንጦንዮስ፡
ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘኤርትራ
H.H Patriarch Antonios Testimony
[ www.tewahdo.org ]
Part 1 of 6:
Part 2 of 6:
Part 3 of 6:
Part 4 of 6:
Part 5 of 6:
Part 6 of 6:
ኩነታት ኣቦና፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታትን ኣብዚ እዋን`ዚን፡ ከመይ ከምዝመስል፡
The situation and state of Patriarch Abune Antonios, in the past years and recently.
Testimony by Ms. Yorusalem Bereket
Part 1 of 5
Part 1 of 5:
Part 2 of 5:
Part 3 of 5:
Part 4 of 5:
Part 5 of 5:
ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ'ዚ ኩሉ መከራ ዝወደቑ፣'ብዘይ ሕጊ ሰብ ኣይትእሰር፣ ንቤተ ክርስቲያነይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለ ዝበሉ ጥራሕ ኢዩ!
SBS Radio: "ምዉት ሞት ኣይፈርሕን'ዩ ኣነ ቀደም'የ ሞይተ። ህዝቢ ብሰንከይ ከይሓጥእ ግን ብዛዕባይ ነቲ ሓቂ ግለጽዎ።" ፓትርያርክ ኣቡነ እንቶንዮስ
ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ ኣብ 2006 ኣትሒዞም ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፎም ኣለዉ። ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዝገበረ ኩነታት፡ ኣብ ማሕዩር ኣብዝነበርሉ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝወደቐትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት፡ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም ኣለዎ።
Read more
ኣብ"ኣቡነ እንጦንዮስ" ዜና ዕረፍቲ ዝቐረበት ግጥሚ ብዲያቆን ይብራህ ካሳ /Ybrah kessa/ Tigray Orthodox Tewahdo
See also Related
ምስዚ ዝተኣሳሰር ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
- ብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ተጸዊዑ ኣብ ዋሺንግተን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ: Demonstration by Eritrean Orthodox Church, in Washington DC on (08 November 2019).
- መግለጺ ሃገረ ስብከት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ብዛዕባ ጉባኤ ሰለማዊ ሰልፊ Washington DC 11/08/2019
- ቃል ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ 11-08-2019
- መልእኽቲን ምስክርነትን፡ ካብ ቅዱስ እንጦንዮስ፡ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘኤርትራ። H.H Patriarch Antonios Testimony.
- ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ምስ ኣወሃሃድቲ ንዲያቆን ዑቕበ ዘመደን ኣቶ ጸጋይ በርሀን ዝገበርናዮ ዝርርብ (SBS 08 Nov 2019)
- ጻዕቂ ሃይማኖታዊ ግፍዒ ኣብ ኤርትራ ንምቅዋም፡ ኣብ ሎንዶን ዓ/ብሪጣንያ ብዕለት 02 Nov 2019 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ
- The need for the “enough is enough movement” to play a leading role in the advocacy campaign. By Petros Tesfagiorgis
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)
- ኣወሃሃዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (HRCE)፡ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፡ ምስ ድምጺ-መድርኽ ቀዳማይ ክፋል፡
- ኣወሃሃዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (HRCE)፡ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፡ ምስ ድምጺ-መድርኽ ካልኣይ ክፋል፡
- ኣወሃሃዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (HRCE)፡ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፡ ምስ ድምጺ ኣመሪካ (VOA)፡
- ኣወሃሃዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (HRCE)፡ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፡ ምስ ድምጺ ኤረና፡
- ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ፡ ኣብ ፓልቶክ Eritrean Smerrr for Change Room-1 ዝተዋህበ ሓበሬታ: (25 October 2014)፡
- ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ፡ ምስ ራድዮ ኤረና ዝገበሮ ቃለመጠይቕ።
- ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ፡ ነዚ ዝምልከት ክፉት ዘተ ኣብ ፓልቶክ ስመር።
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።