Placeholder Picture
Placeholder Picture
ክብሪ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2026!

08/03/2026 00:45 AM

ክብሪ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2026!

Glory to International Women's Day 2026!

መልእኽትታትን ዝኽርታትን። Messages and Reflections.

Glory to International Women's Day 2026!

ክብሪ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2026!
Glory to International Women's Day 2026!

ናይ 2026 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ቴማ፡ "IWD 2026 campaign theme is 'Give to Gain' ሃብ - ክትከስብ" ዝብል ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ፡
"ክንህብ (ክንልግስ) ከሎና፡ ሓቢርና ንኸስብ።
ስለዚ ኸኣ፡ ብሓባር እናሃብና፡ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ምህናጽን ምሕያልን ነተባብዕ።
ሃብ - ክትከስብ፡ ዝብል ጭርሖ፡ ንሓይሊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዘጉልሕ እዩ። ሰባት፡ ትካላትን ማሕበረ-ሰባትን ብልግሲ ምስ ዝህቡ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ዕድላትን ደገፍን እውን ይውስኽ ማለት'ዩ። ምሃብ፡ ምጉዳል ዘይኮነስ፡ ከም ዝበዝሕ ምግባር ማለት እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ክስስና ከለዋ ድማ፡ ኩልና ልዕል ንብል።
ብወፈያ ይኹን፡ ብፍልጠት፡ ብጸጋታት፡ ብመሰረተ ልምዓት፡ ኣብ ቅድሚት ከምዝራኣያ ብምግባር፡ ብጎስጓስ፡ ብትምህርቲ፡ ብስልጠና፡ ብክእለታት ብምዕላም፡፡ ወይ ግዜኻ ብምውፋይ፡ ኣብ ምዕባለ ደቂ ኣንስትዮ ኣበርክቶ ምስ እንገብር፡ ዝያዳ ሓብሓቢትን ሓድሕዳዊ ምትእስሳርን ዘለዋ ዓለም ኣብ ምፍጣር ኣዝዩ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።" Read more

International Women’s Day 2026 & the 70th Session of the UN Commission on the Status of Women (ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2026 & መበል 70 ኣኼባ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኹነታት ደቂ ኣንስትዮ)፡
ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2026 ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ህሞት በጺሑ ኣሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ናብ ማዕርነት ተቓሪበን ኣለዋ፡ ገና ግን ተራእዩ ዘይፈልጥ ንድሕሪት-ምምላስ መሰላተን የጋጥም ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መሰላት ደቀንስትዮ ንምዕቃብን ምክልኻልን ዝዓለሙ ስርዓታት (systems) ይፈሽሉ ምህላዎም፡ ብሰንኩ ኸኣ ሚልዮናት ደቀንስትዮ ንጾታዊ-ኣድልዎ ተቓሊዐን፡ ዓመጽን፡ ዓመጽቲ ዘይቅጽዑሉን ኩነታት እናሓየለ ምምጽኡን የጠንቅቓ unwomen.org

See also: UN International Women's Day 2026 ከምኡ'ውን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዕለት 09 መጋቢት 2026 ብቀጥታ ዝመሓላለፍ መደብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብዚ ክትዕዘቡ/ባ ይከኣል።

International Women’s Day 2026: Leaders’ call to correct bias in women’s health research and funding (ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2026፡ መራሕቲ፡ ኣብ ምርምርን ምወላን ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ወገናውነት ንምእራም፡ ጻውዒት ኣቕሪቦም።)
ዓለምለኻዊ መራሕቲ፡ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2026 ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ምርምርን ምወላን ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ዓሚቝን ስርዓታውን ኣድልዎ ብምጉላሕ፡ ካብ ጠቕላላ ዓለማዊ ምርምር ዝግበር ምወላ፡ ንጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ዝውዕል ትሕቲ 5% ጥራይ ምዃኑ፡ ካብ ናይ ብሕቲ ወፍሪ ክንክን ጥዕና ድማ ንደቀኢ ኣንስትዮ ዝውዕል 6% ጥራይ ምዃኑ፡ ኣመልኪቶም። ዋላ’ኳ ክሳብ 1 ትሪልዮን ዶላር ዝኣክል ቁጠባዊ ዕድል እንተነበረ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ንደቂ ተባዕትዮ ማእከል ዝገበረ ኣገባባት መጽናዕቲ ዝዓብለሎ ምንባሩን፡ ንዝተፈላለዩ ጾታ ዘመልክቱ መረዳእታ ዝጎደሎ ምንባሩን፡ የረድኡ። ኣብ ክሊኒካዊ ፈተነታት ድማ፡ ትሑት ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ - ንደቂ ኣንስትዮ፡ ዝሓሰረ መርመራታት፡ ሕክምናን ውጽኢትን ከም ዘስዓበ ኣረዲኦም። weforum.org

ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ፡ መጋቢት 8፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ።

ጓለ’ንስተይቲ፡ (ኣደ)፡ ስድራቤት ካብ እትፍጠርን ክብቲ ፍልማዊ ደረጃ ምዕባለ ሕብረተሰብን ኣትሒዛ፡ ኣብ ህይወት ስድራቤትን ኮምን፡ ዕዙዝን ክቡርን ቦታ ከምዝነበራ፡ ተረኽቲ ጽሑፋት ይነግሩና። ኣብ ሕብረተሰብና እንተኾነ`ውን፡ ጓለ`ኣንስተይቲ፡ ክብርቲ ኢያ።

እንተኾነ ግን፡ ደረጃ ምዕባለ ሕብረተሰብ እናማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ፡ ልዕልና ተባዕታይ እናሳዕረረ መጺኡ፡ ማዕርነትን መሰልን ጓለ`ንስተይቲ ክገሃስ ተራእዩ። ብፍላይ ዓለምና ብኲናት ክትሽመም ኣብ ዝጀመረትሉ መዋእል፡ እቲ ምረት ናይ ጥፍኣት ደቂ-ሰብ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ናብራ ዘስዓቦ ምንቁልቋል፡ ደቀንስትዮ ብትብዓት ንሰላምን ንማዕርነታዊ መሰለንን ክለዓላ ቀሲቡወን። ነዚ ኸኣ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ደቀንስትዮ ዓለም፡ ከቢድ መስዋእቲ ከምዝኸፈላሉ ታሪኽ ይምህረና።

ንኣብነት፡ ኣብ HISTORY OF INTERNATIONAL WOMEN'S DAY ዝተባህለ ወብሳይት ዝሰፈረ ታሪኻዊ ሓቅታት ከምዝሕብሮ፡ ታሪኽ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ዋላ`ኳ ብተዛማዲ ዕድመኡ ሓጺር እንተኾነ፡ ከምተን ኣበገስቱ፡ ተባዕን ድሙቕን ኢዩ።

ቅድሚ`ቲ ውዕዉዕ ናይ 1960ታት ምንቅስቓስ ደቀንስትዮ ምምጽኡ፡ መበቆሉ ናብ ለካቲት 28, 1909 ዝኸይድ ኮይኑ፡ ኣብ ኒውዮርክ ሕ.መ.ኣ.፡ ብዛዕባ መሰል ደቀንስትዮ ትኹረት ተዋሂቡዎ ምንባሩ ይንገር። መበገሲ ናይዚ ኸኣ፡ እቲ ብ “ሃገራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ” ዝፍለጥ፡ ብ`ቴረዛ ማልኬል (Theresa Malkiel) ዝተበገሰ ትንግርታዊ እማመ ዘንቀሎ፡ ኣብ መጋቢት 08, 1857 ከተማ ኒውዮርክ ዝነበረ ናይ ፋብሪካ ዓለባ ሸቃሎ ምንቅስቓስ፡ ንምዝካር ኢዩ።

ብ`ቴረዛ ማልኬል (Theresa Malkiel)ን ካልኦት ኣመሪካውያን ተንቃሳቐስትን ከምኡ`ውን ሉዊስ ዘትስ (Luise Zietz) ናይ ጀርመን ማሕበርነታዊ ምንቅስቓስ ዓመታዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ክካየድ ሓሳብ ብምቕራቡ፡ ብኡንብኡ ከኣ ብ`ክላራ ዘትኪን (Clara Zetkin) ከምኡ`ውን ብ` ኬይት ዳንከር (Kate Duncker) ደገፍ ረኺቡ። ብኸምዚ ኸኣ ሚእቲ ወከልቲ ደቀንስትዮ ናይ 17 ሃገራት ኣብ ዝተረኽባሉ፡ ንመሰላት ደቀንስትዮ (The Rights of Women)፡ ከምኡ`ውን ንናይ ደቀንስትዮ ናይ ምድማጽ መሰል (Suffrage) ዝብል ጠለብ ከዋዓውዕኦ ተሰማምዓ።

ኣብ 19 መጋቢት 1911፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ብወግዒ ንመጀመርታ ግዜ ብዒሉ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ጽምብል ኣብ፦ ኣውስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን፡ ከምኡ`ውን ስዊዘርላንድ ተኻይዱ። ደቀንስትዮ፡ ናይ ምድማጽ መሰል ክወሃበን ጠሊበን፡ ኣብ ስራሕ ዝግበር ጾታዊ ኣድልዎ ንክውገድ`ውን ክቃለሳኦ ወሲነን።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ 1913፡ ንፋልማይ እዋን ኣብ ሩስያ፡ ተፈላጥነት ረኺቡ። እዚ ብግዲኡ ነቲ ናይ 1917 ሰውራ ሩስያ፡ ድርኺት ከምዝሃቦ ይንገረሉ። ኣብቲ እዋን`ቲ ኣብ ከተማ ቅዱስ ፒተርስበርግ፡ "ንሕብስቲን ንሰላምን (Bread and Peace)" ዝተሰምየ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብደቀንስትዮ ተኻየደ። ዕላምኡ ኸኣ፡ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ደው ክብል፡ ከምኡ`ውን ኣብ ትሕቲ ጻራዊ ስርዓት ሩስያ ገኒኑ ዝነበረ ሕጽረት መግቢ ከብቅዕ፡ ዝጠልብ ነበረ። ኣብዛ ዕለት`ዚኣ (ኣብ መጋቢት 8) ሸቃሎ ካብ መላእ ፋብሪካታት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ገበሩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኒኮላስ 2ይ ናይ መወዳእታ ንጉስ ስርዓት-ጻር፡ ድሕሪ`ቲ ምንቅስቓስ ተቐትለ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ደቀንስትዮ ሩስያ፡ ናይ ምድማጽ መሰል፡ ረኸባ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ደቀንስትዮ ሩስያ ዘርኣያኦ ሃገራዊ ጅግንነትን ተወፋይነትን፡ ተወሲኹዎ፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ወግዓዊት ናይ ዕረፍቲ በዓል ክትከውን ተኣወጀት።

ብመጀመሪያ፡ ኣብተን ማሕበርነታዊያን (ኮሙኒስት) ሃገራት ዝነበሩ ወደብቲ ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ተሰንያ በዚ መንፈስ`ዚ ተባዕለት። ኣብ 1922 ከኣ እዚ ምልዕዓል`ዚ ናብ ቻይና ሰጊሩ፡ ካብ 1949 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር፡ “ፍርቂ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዕረፍቲ (half-day of work)”፡ ንደቀንስትዮ ተኣወጀለን።

ንመሰል ደቀንስትዮ ዝጠልብ ሕቶ እናዓበየ ቀጺሉ፡ ዓቢ ደገፍ`ውን እናረኸበ ስለዝኸደ፡ ኣዝየን ብዙሓት ደቀንስትዮ ዝነብራኦ ዝነበራ ሕሱም ኩነታት ዕዙዝ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ግድን ኮነ። ኣብ 1967፡ እተን ሓደስቲ ወለዶ ናይዚ ምንቅስቓስ (Feminist movement)፡ ነቲ ` መሰላት ደቀንስትዮ ` ዝብል ኣምር ብምስፋሕ፡ ማዕርነት ኣብ ደሞዝ/መሃያ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕድላት፡ ኣብ ሕጋዊ መሰላት፡ ኣብ መሰላት ወሊድ (ጥንሲን ሕርሲን)፡ መሰል ድጎማ ንክንክን ህጻንን፡ ውሕስና ጓላንስተይቲ ካብ ዘቤታዊ ዓመጽን፡ ዝብል ጠለባት ወሰኻሉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ 1975 ከብዕሎ ጀሚሩ። በዚ መሰረት እታ ዓመት`ቲኣ፡ "ዓለምለኻዊ ዓመት ደቀንስትዮ (International Women’s Year)" ተባሂላ ተሰይማ። ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 1977፡ ኣባል ሃገራት ብምዕዳም፡ መጋቢት 8፡ ከም ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዓልቲ፡ መሰላት ደቀንስትዮን ዓለማዊ ሰላምን ኮይና ክትበዓል ኣዊጁ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ ኸኣ፡ ንመጋቢት 8፡ ከም ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ብዓለም ደረጃ ነብዕላ ኣሎና።

•   ብዛዕባ ዝርዝር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ባይታን ናይዚ ዕለት`ዚ፡ ኣብ ዊኪፐድያ፡ https://en.wikipedia.org/wiki/International_Women%27s_Day ከተንብቡ ትኽእሉ።

መጋቢት 8፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ልቢ ኤርትራውያን ዘለዋ ረዚን ቦታ፡

ብዛዕባ መጋቢት ሸሞንተን ትርጉማ ንኤርትራውያንን፡ ብመንጽር ኣብ ታሪኽና ዝሓለፍናዮ ነዊሕን ገድልን፡ ብሰፊሑ ኣብ ታሕቲ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዝተዋህበ ገምጋማትን ምስክርነታትን እኳ ቀሪቡ እንተሎ፡ ጽሙቕ ብዝበለ ንመእተዊ መርኣያ ክኾነና ግን፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንገልጾ ይከኣል፦

ናብቲ ጥንታዊ ክቡር ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰብና ተመሊስና ኣንተጠሚትና፡ ኣደ፡ ከም፦ ሓብሓቢትን ሓቛፊትን ስድራ፡ ቦቕቧቕ፡ ብርሃንን ግርማን ናይ ገዛ፡ ኣማኻሪት ሰብኣያ፡ ንነብሳ ጸኒዓ ንሰብኣያ እተጽንዕ፡ ጻዕረኛ፡ መማዕረጊት ውራያትን ጽምብላትን ዓዲ፡ ኣማሓላላፊትን ኣውራሲትን ባህሊ ሕብረተሰብ፡ ኣርማ ናይ ዕርቂን ሰላምን፡ ወዘተ ኮይና ኢያ እትግለጽ። ኣብ ሓጎስ ይኹን ሓዘን፡ ተራን ተሳትፎን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ልሉይ ኢዩ። ናብ 15 ክፍለ-ዘመን ንታሪኽ ኤርትራ ተመሊስና እንተተመልከትና፡ ደቀንስትዮ ኣርባዕተ ዓድታት ናይ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘይምስናይ ሰብኡተን ኣብ ዓድታተን ዝወርድ ዝነበረ ዘረፋን ግፍዕታትን ደው ንምባል፡ ብሓባር ዘትየን፡ ንሰብኡተን ብምስማር፡ ናይ ኣርባዕተ-ኣስመራ ጸጥታ ከምዘውሓሳ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ኣሎ። ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዕርቂን ሰላምን ሕብረተሰብ ዝነበረን ተራ ኸኣ የመልክተልና። ደቀንስትዮ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዕርቅን ስኒትን ዝጻወትኦ ተራ ቀሊል ኣይኮነን። ካብ ኣብ መብዛሕትኡ ሕግታት እንዳባ (ሕብረተሰብ ኤርትራ)፡ ንቦታን መሰልን ጓል ኣንስተይቲ ዘኽብርን ዝከላኸልን ዓንቀጻት ከምዘለዎ ንዕዘብ። ንኣብነት፡ ወዲን ጓልን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ገይሩ ይርኢን ይቐጽዕን። ኣብ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ዝወርድ ግፍዒ እውን ይከላኸል (ጓለንስተይቲ ኣፋ ምስክራ፡ ኣደ ዝሃበቶ ውሁብ፡ ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል)። ዳርጋ ኩሉ ሕግታት እንዳባ፡ በዚ መንጽር`ዚ ይመሳሰል ኢዩ።

ይኹን`ምበር፡ ንመሰል ጓለንስተይቲ ዝደቁስ ጎዳኢ ባህልታትን ምስላታትን ከምዝነበረ እውን ንዕዘብ ኢና። ንኣብነት፦ ጓል ዝወለደን ጨው ዝነገደን ሓደ፡ ዝዓበየት ጓልካ ንዝብኢ ሃባ፡ ጓል ምውላድ ጉድ ምውላድ፡ ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል። ብዘይካ`ዚ፡ ንባህሪያዊ ጾታዊ ዕግበት ጓለንስተይቲ ዝደቁስ፡ ከም ምግራዝን ክሽቦን ምኹላልን ደቀንስትዮ፡ ኣብ መላእ ሕብረተሰብና ምንባሩ ፍሉጥ ኢዩ።

መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ምስ ጎበጣን፡ ምስ ምጅማር ሰውራ ኤርትራን፡ ኣበርክቶን ተራን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝድነቕ፡ ኣብ ዘበናዊ መዋእል ዓለምና ዝተፈጸመ መስተንክራት ኢዩ ነይሩ። ንደቀን መሪቐን ንቃልሲ ኣፋንየን፡ ጋሻ ጸላምን ብርሃንን ኣዐንጊለን፡ ሚስጢርን ንብረትን ሰውራ ኣብ ጉብጥሽን ውሻጠን ዓቂበን፡ ኣብ ግንባራትን ደጀናትን ንተጋደልትን ውጉኣትን ኣልየን፡ በጃ ህዝበንን ሰውራአንን፡ ሚስጢራት ከየሕለፋ ኣብ ትሕቲ ኣስካሕካሒ መርመራን መግረፍቲን ኣብያተ-ማእሰርቲ ጸላእቲ፡ ህይወተን ኣሕሊፈን። ኣብ መላእ ዓለም ተሰዲደን ዝነበራ ደቀንስትዮ፡ ነብሰን ረሲዐን፡ “ሃገረይ ስልማተይ!” ብምባል፡ ገንዘበንን ንብረተንን ንሰውራ ወፍየን፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ መብዛሕትአን ብዘይ ሓድግን ንብረትን ተሪፈን። እዚ ብሓፈሻ ናይተን ብረት ዘይዓጠቓ ኣደታትን ደቀንስትዮን ኤርትራ ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ እተን ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብረት ተሓንጊጠን ዝተሰለፋ ኸኣ፡ መስተንክር ጅግንነት ፈጺመን። ልዕሊ ሓደ-ሲሶ ካብ ቁጽሪ ተጋደልቲ ብምሽፋን፡ ንሰውራ ኣሟሚቐን። ንነብሰን ጸኒዐን፡ ንብጾተን ከኣ ኣጽኒዐን።

ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ንመሰላተንን ንሓርነት ሕብረተሰብን፡ ድርብ ቃልሲ ኢየን ኣካይደን። ንባህሪያዊ ጸገማት በዲሀን፡ ብግብራዊ ተሳታፍነት ንማዕርነተንን መሰላተንን ተቓሊሰን። ኣብ እዋን ሰውራ ኣብ ኩሉ ዓውድታት (ደጀንን ግንባርን) ማዕረ ተባዕትዮ ብጾተን ዕዉት ስራሕ ሰሪሐን። ኣብ ሰማይ ጠቀስ ዝኾኑ ጎቦታትን ኣጽምእ ጎላጉልን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ግጥማት ብተኣምራታዊ ጅግንነት ተዋጊአንን ንብጾተን መሪሐንን ዓወታት ኣመዝጊበን። ብሓፈሻ፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓደ ካብቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብኣድናቖት ዝጥምትዎን ዝመዝገቡዎን ብምዃኑ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ንኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኸኣ ብፍላይ፡ ክንኮርዓሉ ዝግባኣና ኢዩ።

ሕጂ ደቀንስትዮና ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከባ ኣለዋ?

ኣብ ዝኾነ ኲናትን ውግእን፡ ጓል-ኣንስተይቲን ቆልዑን፡ ቀዳሞት ግዳያት ኢዮም። ንኤርትራ ሃገርና ዘጋጠማን ክሳብ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ኩነታት፡ እተን ቀንዲ ግዳያት፡ ኣዴታትና፡ ኣሓትናን ደቅናን ኢዮም። ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይነን ዘኽታማት ቆልዑ ዘዕብያ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሰብኡተን ተፈልየን ኪዳነን ክሕልዋ ተሓሪመን ዝነብራ፡ ብሃለዋት ሰብኡተንን ደቀንን ዝጭነቓን ዝሻቐላን፡ ብሓለንጊ ጥሜትን ዓጸቦን ዝሳቐዩ ደቀን እናረኣያ፡ ክሳብ ኣዒንተን ዝቑልዕ ዝነብዓ፡ ንሰን ኢየን።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ`ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን`ምበር፡ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ኸኣ፡ እተን ኣዝየን በዚ ሳዕቤን`ዚ ዝተተንከፋን ተሰከምቲ ናይዚ ከቢድ ወጽዓን ኢየን። ብሰንኪ`ቲ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕሪን ዝሃልቕ ዘሎ ውላደን፡ ኣብ ኲናት ዝተሰውኡ ሰብኡተንን ደቀንን፡ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ንብዓኣትን ዝነብራ ዘለዋ ንሳተን ኢየን። ውሉዳተን ብንኡሳቶም ካብ ኢደን ተመንጢለን፡ ናብ ሳዋ ይውሰዱ። ብዙሓት ደቀንስትዮና፡ ኣብቲ ደረት-ኣልቦ-ጊልያነት ዝኾነ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”፡ ደቀንስትዮና፡ ካብ ሳዋ ጀሚረን ክሳብቲ ዝምደባሉ ኣሃዱታት፡ ግዳይ ጾታዊ-ዓመጻት ከምዝኾና ካብ ኣእዛንናን ኣዒንትናን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ካብዚ ግዱድ ዕስክርና ንምግልጋል፡ ብዙሓት መንእሰያት ደቀንስትዮ፡ ዕድል ናይ ትምህርተን ኣቋሪጸን፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመአን ኣብ ሓዳር ተቖሪነን፡ መጻኢ ዕድለን ክቑጸ ንርኢ ኣሎና። እዚ ብግዲኡ፡ ንደቀንስትዮና፡ ብትምህርቲ ንከይስልጥና፡ በዚ ኣቢለን ንመሰለንን ህይወተንን ብንቕሓት ንኸይቃለሳን ዝዕንቅፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዓቢ ኣደራዕ ኮይኑ ይርከብ።

ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ ንዕላማ መስዋእቲ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ዝጻረር በቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተፈጸመ ክሕደት፡ ነተን ብጅግንነት ዘዋግኣን ዝመርሓን ደቀንስትዮ ብስም ምጥያስ ኣመዛቢልካ ኣብ ኣዝዩ ከርፋሕ ህይወት ንክነብራ ምግባር፡ ሓደ ካብቲ ዝተፈጸመ ገበን ኢዩ። ብዙሓት ተጋደልቲ ደቀንስትዮ፡ ናይ ምውላድ ዕድለን ብሰንኪ ገድሊ ሰዊአን፡ ዘዕልል ቆልዓ ዘይብለን ዝተረፋ ጀጋኑ፡ ብዙሓት ኢየን። እዚ ኹሉ ኸኣ፡ ዓቢ ሕብረተሰባዊ ጸገም ኢዩ።

ጓል ኣንስተይቲ ምሉእ-ብምሉእ ዘይትሳተፈሉ ሕብረተሰብ፡ ምዕባለ ኣሎ ኢልካ ክሕሰብ ዘይከኣል ኢዩ። ስልጥንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዓንዲ ማእከል ምዕብልቲ ስድራቤት ኢያ። ምዕብልቲ ስድራቤ ከኣ፡ መሰረት ስልጡን ሕብረተ-ሰብ ኢያ። ስለዝኾነ፡ ንምዕባለ ጓል ኣንስተይቲ ዝጻባእ ፖሊሲ፡ ኩልና ክንኩንኖ ይግባእ። ነቲ ንምዕባለ ደቀንስትዮና ዝሕግዝ ስጉምትታት ከኣ፡ ክንጣበቐሉን ክንድግፎን ይግባእ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግርን ጸበባን ዘንቀሎ ስደት ኤርትራውያን፡ ዋላ`ኳ ንኹሉ ዕድመታትን ጾታን ዝጸለወ እንተኾነ፡ ብፍላይ ንደቀንስትዮ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥመን ግፍዕታት ንክትሰምዖ ዘስካሕክሕ ኢዩ። ብሰንኩ ኣብ ልዕሊአን ዝሓደረ ስነኣእሙሮኣዊ በሰላ እውን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ብግዲኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ደቀንስትዮ ዝፈጥሮ ዕንቅፋታት እውን ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ሳዕቤን`ዚ ንምፍዃስ፡ ናይ ኩሉ ግዱስን በዓል ሞያን ኣቓልቦን ደገፍን የድሊ።

ኣብ ስደት ዘሎ ኣሻቓሊ ጉዳይ፡ ብሰንኪ ንመንእሰያትና ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ምግርጫው፡ ዝርአ ዘሎ ሓድሕድ ምቅትታል ኢዩ። እዚ ንኹሎም መንእሰያትና ግዳይ ዝገብር እኳ እንተኾነ፡ እተን ቀንዲ ግዳያት ግን፡ ደቀንስትዮ ኢየን። እቲ ሱር ጠንቂ ናይዚ ኹሉ፡ መንእሰያት ሃገርና፡ ማሕበራዊ ክብርታት ወለዶምን ሕብረተሰቦምን ከይፈለጡን ከይጸገቡን፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ተመንጢሎም ናብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ምስ ተወስዱ፡ ንመዋእል ኣብኡ ስለዝበልዩን ኢዩ። እቶም ናብ ስደት ዘምርሑ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፡ ነዚ ኩነታት ዘይተጻወሩዎ ኢዮም። በቲ ክብሪ ናይ ሕብረተሰብና ስለዘይዓበዩ፡ ንሱ ዘስዓቦ በሰላን ዘይቅሳነትን ኢዩ ኸኣ ናብ ዘይምጽውዋር ዘብጽሖም። እዚ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኩነታት ንምልዋጥ፡ ናይ መላእ ዲያስፖራ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብፍሉይነት ከኣ ሰብ ሞያ፡ ዕቱብ ኣቓልቦን መፍትሒ ምንዳይን ይጠልብ።

ጓል ኣንስተይቲ ዓለም፡ ንመሰላ፡ ባዕላ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ደው እንተዘይ ኢላ፡ ብምጽወታ ካልኦት መሰላ ክረጋገጸላ ኣይከኣልን ኢዩ። ዝነቕሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ዋሕስ ናይ ምርግጋጽ መሰል ደቀንስትዮ ስለእትኸውን፡ ደቀንስትዮ፡ ንቕሓት ኣብ ምብራኽ፡ ዘይተሓለለ ቃልሲን ተሳትፎን ከርእያ ግድን ኣድላዪ ይኸውን። እዚ ክረጋገጽ ዝከኣል ከኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ፡ ነዚ ንምዕዋት ዘኽእል፡ ሓያል ናጻ ውዳበ ናይ ደቀንስትዮ፡ ምስዝህሉ ኢዩ።

ቃንዛኽን ቃንዛና ኢዩ። እቲ ቃልስን ዓወትን ከኣ ናይ ሓባር ኢዩ።

ብዘይ ሓርነት ደቀንስትዮ፡ ሙሉእ ሓርነት ናይ ሕብረተሰብ የለን። ሽግርና መሊኣ ንኽትቅንጠጥ ምምዕባልን ምሕያልን ጓለንስተይቲ፡ ሕመረት ናይ ዓወትና ኢዩ። እዚ ንኽማላእ፡ ጓላንስተይቲ፡ ንመሰላ ርእሳ ኣቕኒዓ ደው ከምእትብልን ከምእትጣበቕን ንምርግጋጽ ዝካየድ ቃልሲ፡ ኩልና ክንድግፎን ከነተባብዖን የድሊ። ጓለንስተይቲ ኣብ ቦታ መሪሕነት ናይ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ውዳበታትና ከምእትድይብ ምግባር፡ ይጽናሓለይ ዘይባሃሎ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ማለት፡ ተባዕትዮ፡ ኣብ ወጽዓን ሽግርን ኣሓትና ዘሎና ሌላን ርድኢትን ክብ ንምባል፡ ሕብረተ-ሰባዊ ሓያል ጻዕሪን ጎስጓስን ከነካይድ ይግባኣና። ኣብ ሕብረሰብና ክመጽእ እንደልዮ ለውጢን ኣወንታዊ ምዕባለን፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ምስ እኝኸዶ ኢዩ፡ ኣድማዒ ውጽኢት ዝህብ።

ሙሉእ ዓወት ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ 8ተ መጋቢት!

ድምጽና፡ መሰላትናን መጻኢናን ንምርግጋጽን፡ ኢድ-ንኢድ ሓቢርና ንዕየ!
ሓርነትን ማዕርነትን ደቀንስትዮ፡ ብሓባራዊ ቃልስና ክዕወት'ዩ!

ስኒትና.ኮም
08/03/2026


ኣስዒብና ኣብ ታሕቲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ውድባት፡ ከምኡ`ውን መራኸቢ ብዙሓን፡ ነዚ ዕለት`ዚ ዘንጸባርቑ ዝኽርታትን ጽሑፋትን፡ ከነቕርበልኩም ኢና። እዚ ገጽ እዚ፡ ብቐጻሊ ዝውሰኽ ትሕዝቶ ስለዝህልዎ፡ ብቐጻሊ ክትበጽሑዎ ንላቦ። ነዚ ገጽ እዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስ ዝህልወኩም ከኣ ክትሰዱልና ወይ ክትሕብሩና ንላቦ። ኣብዚ ጠውቑ

ጽምብላት፡ መልእኽትታትን ዝኽርታትን።
Celebrations, Analysis and Reflections.
الاحتفالات والتحليل والتأملات.


ERIPM |ቃል ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ EWANA - ብምኽንያት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ
March 8፡ 2026.


ባህግና Eri Bahgna Media 08 03 2026
ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ፡ንዝኽሪ 8 መጋቢት 2026
March 8፡ 2026.


መግለጺ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ንምቛም ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፡ 8-መጋቢት-2026
Statement on Womens Day 2026, by The Registration and Election Commission for the Formation of One Eritrean National Force.

Glory to International Women's Day 2026!
ናይ ዮሃና መልእኽቲ ብምኽንያት 8 መጋቢት፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ
ብመጀመርያ እንቋዕ ናብ’ዚ ንመበል 115 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፡ 8 መጋቢት 2026 ብሰላም ኣብጽሓክን! 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፡ ማዕርነት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ባህላዊን ኣበርክቶ ደቂኣንስትዮ ንምርግጋጽ ዝዝከረላ መዓልቲ ብምዃና ዮሃና ንብለክን። እዚ ዕለት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብኹሉ መዳይ ማዕርነት ምፍጣር ከምዘድሊ ኣፍልጦ ዝህብ ረዚን ትርጉም ዘለዎ መዓልቲ’ዩ። Read more


Hiwar Dialog is inviting you to a scheduled Zoom meeting.
Topic: الثامن من مارس اليوم العالمي للمرأة / الأستاذة ايلسا مسفن
8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ / ወይዘሮ ኤልሳ መስፍን
8 March - International women's day / Mrs.Elsa Mefen
March 8፡ 2026.

Glory to International Women's Day 2026!


ERIPM | ፍሉይ መደብ ምስ ኣዴታት ደለይቲ ፍትሒ ብምኽንያት 8 መጋቢት
March 8፡ 2026.


Aramit - Public Seminar:
Reflections on the occasion of the International Women's Day
ኣራሚት ንውሁድ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን:
اراميت لانتفاضة الشعب الاريتري الموحد‎
March 8፡ 2026 Seminar.


"እተን መጣቓዕቲ፡ ምስሊ ኤርትራዊት ኣደ ኣይውክላን እየን" ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ on March 8
March 8፡ 2026.


ERIPM | ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ ክረጋግጽ እንድሕር ኮይኑ ፍትሒ ሕብረተሰብ ክረጋገጽ ኣለዎ - ሙሉ ነጋሲ
March 8፡ 2026.


ህድሞና - Part 1 - ፍሉይ መደብ ምስ ኣዴታት ጉጅለ ባህሊ ባና ሓርነት ብምኽንያት 8 መጋቢት | March 8 - New Eritrean Show 2026
March 8፡ 2026.


ጽምብላት፡ ገምጋማትን ዝኽርታትን።
Celebrations, Analysis and Reflections.
الاحتفالات والتحليل والتأملات.
March 8፡ 2025




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: