01/01/2026 00:05 AM
ገምጋም ዓመተ-2025፡
ትምንኒታትን መልእኽትታትን ን'2026
إريتريا: تأملات حول عام 2025، ورسائل وأمنيات لعام 2026
Eritrea: Reflections on 2025, Messages and Wishes for 2026.
ዝኸበርካ ደላይ ሰላምን ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራ!
ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና!
ርሑስ ቅንያት፡ በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመት 2026ን ይግበረልና!
ዓመተ-2025 ዘይ ከምቲ ክትጅምር ከላ፡ ዝነበረና ተስፋ፡ ከይተመልአ፡ እነሆ ምስ ጸገማታ ንፋነዋ ኣሎና። እዛ እንኣትዋ ዘሎና ሓዳስ ዓመት 2026 ድማ፡ ስርዓተ-ሕጊ ዝነግሰላን ሰላም ዝሰፍነላን ክትኮነልና፡ ኩልና ፍትሒ ዝጸማኣና ኤርትራውያን እንምነዮ ዘሎና ሓቂ ኢዩ።
ኣብ 2018 ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ (ዶር/ኣቢይ)ን ዲክታቶር ኢሳይያስን ዝጀመረ ኩሽማንን ዘይቅዱስ ኪዳንን፡ ኣብቲ ብድፍኢት ምዕራባዊያን ኣብ ፕሪቶሪያ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ኣብ ሞንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን እተኸተመ ናይ ሰላም ውዕል፡ በርዒኑ ኢዩ። ኣብ 2025 እውን ነቲ ዝተኾልፈ ሸውሃት ኲናት ናይ ኢሳይያስ መሊሱ ዘባራብር ኩነታት፡ ውዕል ፕሪቶሪያ ዳርጋ ፈሪሱ፡ ኣሰላልፋ ሓይልታት ተቐይሩ፡ ደበና ጥፍኣት ዳግማይ ኣንጠጥዩ ይርከብ። እዚ ሓድሽ ምዕባለታት፡ ነቶም ንሃገርና ኤርትራ ዳግማይ ክጎብጡ ዘምባህቑ ልሂቃን ኢትዮጵያን፡ ደግሲ ፈጢሩሎም ምህላዉ ብሩህ ኢዩ። ንውልቀ መላኺ ኢሳይያስ’ውን ተወሳኺ መሕብኢን መናውሒ ስልጣኑን ዕድል ዝህብ ኢዩ።
ሃገርና ኤርትራ፡ ብዓለማዊ ናይ ምዕባለ መለክዒታት (UNDP)፡- ብጸጥታን ሰላምን፡ ብቁጠባዊን ማሕበራዊ ምዕባለን፡ ብምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ኢያ ተሰሪዓ እትርከብ። ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ደጋጊሙ ኣብታ ንሱ ጥራይ ዝብሕታ ኤሪ-ቲቪ ወጺኡ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገርና ከምዘንቆልቆለ፡ ደጋጊሙ ንህዝቢ ገሊጹ ኢዩ። ቀንዲ ናይዚ ኩሉ ብርሰትን ዕንወትን ግን፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን እቶም ውሑዳን ሰብ ጽሩራ መጋበሪያታቱን ምዃኖም፡ መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ክኣ ተገዲዱ ኣብ ድፋዓት ዝበሊ ዘሎ መንእሰይና፡ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
ብዛዕባ ቁጠባዊ ውድቀትን ብርሰትን ሃገርና፡ ብዙሓት ምሁራት ኤርትራውያን እውን ጽሒፎምን ተንቲኖሞን ኣለዉ። ካብዚ ዝኸፍአ፡ ብሰንኪ’ቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሰላሕታዊ ጽንተት ከውርደልና ዝጸንሐ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፡ ዓድታትና ገረውረው ኢለን፡ ሰብ ዘይብለን ተሪፈን ኢየን። ቁጽሪ ህዝብና ኣዝዩ ኣንቆልቊሉ፡ ልዕሊ’ቲ ናጽነት ንምድላይ ንበረኻ ዝወፈረ መንእሰይ ሃገሩ ራሕሪሑ ተሰዲዱ ይርከብ። እቲ ዝርካቡ ኣብ ድፋዕ ተሓይሩ ዘሎ መንእሰይና፡ ሓዳር ናይ ምምስራት ዕድል ይኹን ዓቕሚ ስለዘይብሉ፡ ዝወልድ ማህጸን ደቀንስትዮና፡ ደሪቑ። እሞ፡ ከም ሃገርን ህዝቢን፡ ክሳብ መዓስ ኢና እናበረስናን እናጸነትናን ስቕ ኢልና ክንርኢ?
ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፡ ዓመት መጽአ፡ ዝኣትዎ ዘይትግበር መብጽዓ፡ ከም ሜላኡ ምቕጻል ኣየቋረጸን። ኣብዚ መወዳእታ ናይ 2025 ንኣዝዮም ውሑዳት፡ ብዘይ ፍትሒን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብን ንነዊሕ ዓመታት ተጨውዮምን ተሓይሮምን ዝጸንሑ ዜጋታት ከምዝፈትሐ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝወጸ ሓበሬታ ኣሎ። ቤተሰብ ናይቶም ብህይወቶም ዝረኸቡዎም ስድራቤታት ዘቕስን ዕድል ዝፈጥር ይኹን እምበር፡ ናይቲ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ እተጨውዩሉ ዓመታት ካሕሳ ክሕተተሎም ዝግባእ ኢዩ ነይሩ። እዚ ምፍታሕ ናይ ኣዝዮም ውሑዳት ዜጋታት፡ ብመንጽር ናይቶም ኣብ ልዕሊ 360 ሚስጢራውያን ኣብያተ ማሕዩር ተጨውዮም ዝርከቡ፡ ናይ ፖለቲካ፡ ጋዜጠኛታት፡ ናይ እምነትን ናይ ሕልናን፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ሕዩራት ዜጋታትና፡ ክዛመድ ከሎ፡ ኣብ ግምት ዝኣቱ ስለዘይኮነ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ገና ከምዘይተመለሰ ኢና እንወስዶ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሳላሳ ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሱ እናካየደ ልዕሊ 65 ሽሕ ህይወት ዜጋታቱ መስዋእቲ ክኸፍል ከሎ፡ ንንግስነት ውልቀ-መላኺ ዘይኮነ፡ ብግዝኣተ-ሕጊ እትመሓደር፡ ፍትሒ ዝዓሰላ፡ ልዑላዊት ሃገር ንምምስራት ኢዩ ነይሩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ዝቖጺ ዲክታቶር ካብ ኣጋጠመና፡ ከም ቀዳማይ ጸላኢና ወሲድና ክንምክቶ ኢዩ ዝግባእ።
እዚ ኣብ ድኻማትናን ተጎዝጒዙ፡ ንፍልልያትና እናባልሐ ዕድመኡ ንምንዋሕ ከም ሜላኡ ገይሩ ዘጽንተና ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት፡ ዕድል እንተሂብናዮ፡ ንጥፋኣትና ባዕልና ንፈርድ ከምዘሎና ከነስተውዕል ይግባእ። ንሕና ስለዝሰነፍና እምበር፡ ኢሳይያስ ከም ውልቀ-ሰብ መጠን፡ ስለዝሓየለ ኣይኮነን፡ ዝገዝኣና ዘሎ። ነዚ ንምቕላስ እምበኣር፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ስደትን ዘሎ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዓቕምታትና፡ ክንጥርንፎን፡ ከነላግቦን መድርኹ ዝጠልቦ ዘሎ ህጹጽ ሃገራዊ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ሞንጎና፡ ሓደ ሓደ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ዘይተፈትሐ ውህሉል ግርጭታትን ምጥርጣራትን ክህልወና ይኽእል ይኸውን። እዚ ግን ድሕሪ ምልጋስ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብዲሞክራስያዊ ዘተን ልዝብን ብሰላም ኣብ ሃገራዊ ባይቶና ክፍታሕ ዝከኣል ኢዩ።
ኣብ ሃገርና ዘሎ ግፍዒን ናይ ራዕዲ ስርዓትን፡ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ህዝብና ባዕልኻ እትነብሮ ዘሎኻ ህይወት ስለዝኾነ፡ ነጋራይ ኣየድልየካን ኢዩ። ሽግር ህዝቢ ኤርትራ፡ መላእ ዓለም እኳ እንተፈለጦ፡ ፈታሕቱ ግን፡ ባዕልና ሰብ-ጉዳይ ዜጋታት ኢና ክንከውን ዘሎና። ናይ ደገ ደገፍ፡ ሓጋዚ እምበር፡ ወሳኒ ኣይኮነን።
ዝኸበርካ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ!
ዝኸበርካ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እታ ዘይትድገም እንኮ ህይወትካን መጻኢ ዕድልካን ተመንጢልካ፡ ኣብ ዘይትረብሓሉ ቀጻሊ ኲናት እትጥበስን መጋበሪያ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት እትኸውን ዘሎኻን፡ መንእሰይ ኤርትራ!
ህዝብኻ መሰሉ ተመንጢሉ፡
ኣብ 1997 ብቅዋማዊ ባይቶኡ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋሙ ከየተግብር ተኸልኪሉ፡
ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ካብ ዓመተ-2002 ኣትሒዙ ተበቲኑ፡
ሃገርና እናበረሰት፡
ማእለያ ዘይብሎም ንጹሃት ደቂ ሃገር፡ ኣብ ስዉር ጎዳጉዲ እናተሓየሩ፡
ወለዲ፡ ሰኣን ጠዋሪ፡ ኣብ ዘይእዋኖም ናብ ዓዲ እዝግሔር እናተዓዝሩ፡
ህዝብና እናነብዐን እናረገመን፡
መንእሰይ፡ ኣደዳ ስደትን መከራን እናኾነ፡
ንስኻ ውን፡
ኣይ ትምህርቲ፡ ኣይ ሓዳር፡ ኣይ ውላድ፡ ኮይንካ፡ ዘርሞ ዘርሞ ተሪፍካ፡
ጀጋኑ ወለድኻ ዝተሰዉኡሉ ዕላማ ሒዝካ፡ ንመሰል ህዝብኻ እትለዓለሉ ወቕቲ፡ ዋላ ግዚኡ ኣዝዩ ይደንጒ እምበር፡ እቲ ሓላፍነት፡ ዝያዳ ኹሉ፡ ኣባኻ ኢዩ።
ይኣክል ደጊም! ብምባል፡ ንመሰልካን ንመሰል ህዝብኻን ክትለዓል፡ ናይ ህዝብና ጻውዒት ምዃኑ፡ ክሰሓት ኣይግባእን።
ምናልባት፡ እቲ ስርዓት ኢሳይያስ ውሽጢ ውሽጢ ዘዋፍሮ ዝተቓናበረ ስብከታት ኣታሊሉካ፡ “ካብ ዘይተልጦ መልኣኽ፡ እትፈልጦ ሰይጣን ይሓይሽ” ኢልካ እትሓስብ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ግን ግጉይ ርድኢት ስለዝኾነ፡ ክትነቕሓሉን፡ ምስቶም ንፍትሒ ዝቃለሱ ዜጋታት ምትሕብባርካ ከተርኢ ይግባእ። ካብዚ ዘሎ ስርዓተ-ምሕደራ-ኢሳይያስ ዝኸፍእ፡ ኣብ ዝኾነ መዋእል ንህዝቢ ኤርትራ ከጋጥሞ ኣይክእልን ኢዩ።
ኣብዛ ሎሚ ኣቲናያ ዘሎና ዓመተ-2026፡ ካብ ንመዋእል ሞት፡ ሓጺር ዋጋ ከፊልካ፡ ናይ መዋእል ህይወት ይሓይሽ! ብምባል፡ ኩሉ ካባኻ ዝሕተት ዘበለ ክትገብር፡ ተስፋ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እዚ ምስ እትገብር፡ ዝተበተነ ህዝብና ናብ ዓዱ ክውሕዝ ኢዩ። ሃገርና፡ ብቅዋምን ብልዕልና-ሕጊን ክትመሓደር ኢያ። ፍትሒ ክነግስ ኢዩ። ኤርትራዊ ዜጋ፡ ከይተሾቑረረ፡ ንፋስ ዓዱ ከስተማቕር ኢዩ። ነጋዳይ ክነግድ፡ ሓረስታይ ክሓርስ፡ መንእሰይ ውን ሕልሙ ከተግብር ኢዩ። እዚ ሓርነታት እዚ፡ ናይ ህዝብና ስኒትን ሰላምን ክፈጥር ኢዩ። ንሃገርና ሓይሊ ክፈጥረላ ኢዩ። ዝደፍራ፡ ወይ ጽንጽያ ዓይና ዘንፍረላ ጸላኢ ውን፡ ኣይክህሉን ኢዩ።
ዝኸበርካ ኣብ ስደት ዘሎኻ ኤርትራዊ!
ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዕዉት ኮይኑ ንክወጽእ፡ እዚ ዝስዕብ ኣብ ግምት እናኣእቶኻ ኣካይዳ ቃልስኻ ከትክልስ ይግባእ፡-
1) እቲ ናይ ህዝቡ ክሳራ ግዲ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ከኣ፡ ናይ ገረብ-ብሓኽላ ሜላታቱ፡ ዝተፋላለየ ጉልባብ ኣስማት እናጠመቐ፡ ኣብ ሞንጎ መንእሰያት ኤርትራ ደም ምፍሳሳት ከምዝስዕብ ገይሩ ኢዩ። ስዉር ፈላላዪ ጎስጓስን ሜላታትን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቒሕካ ክትከታተሎን ዕድል ክትከልኦን፡ በዚ መንገዲ ኸኣ ሓድነትካ ክትዕቅብን ይግባእ። እቲ ስርዓት፡ ሃብቲ ሃገርና ኣብ ኢዱ ስለዝኾነ፡ ንዕኡ እናዋፈረ፡ ንግጭታት ክደፋፍኣኩም ድሕር ከምዘይብል፡ ድሮ ኣብ ተሞኩሮኹም ኣስተውዒልኩምሉ ኣሎኹም። ስለዝኾነ፡ ስምዒታትኩም ብምቁጽጻር፡ ንውዲታት ጸላኢኹም ከምዝብርዕን ግበሩዎ።
2) ብፍላይ መንእሰያት፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ኤርትራ ከርተት ዝብል ዘሎ መንእሰይ፡ ከም ምዃንኩም መጠን፡ ብቛንቋ ንክትራኸቡ ዘሎኩም ዕድል ዘዝለዓለ ኢዩ። ነዚ ኣብ ሞንጎ ክልቴኹም ዘሎ ዝምድና ዘራኽብ ድልድል ንምህናጽን ንምሕያልን፡ ውዱብን ዝተጸንዐን መደባት ናይ ጎስጓስ ከተውጽኡ ይግባእ። ነቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ዕቑር ዓቕሚ ናይ ሞያውያንን ምሁራትን፡ ናብ ቅድሚት ብምምጻእን ካልኦት ውን ብምዕዳምን፡ ኩሉ-መዳያዊ ዓቕምታትኩም ከተሐይሉ ኣገዳሲ ኢዩ።
3) ከምቲ ህድሞ ብዘይ ዓንዲ ዘይቀውም፡ መንእሰይ ወለዶ እውን ብዘይ ውህሉል ተሞኩሮ ወለዱ፡ ከምቲ ዝድለ ክቐውምን ከድምዕን ኣይክእልን ኢዩ። ህዝባዊ ቃልሲ፡ ቃልሲ ወለዶታት ስለዝኾነ። እሞ፡ እዚ ኣቲኹሞ ዘሎኹም ኣድማዒ መድርኽ፡ ንጸላኢ ዘርዓደ ስለዝኾነ፡ ንምፍልላይኩም፡ ብብዙሕ መልክዓት፡ ክፈታተነኩም ከምዝኾነ፡ ክትነቕሑሉ ይግባእ።
4) ኣንቱም መጋበሪያ ናይቲ እከይ-ስርዓት ብምዃን፡ ንደቅኹም ሓድሕድ ተናቑቱ ዘሎኹም ወለዲ፡ እቲ እትገብሩዎ ዘሎኹም፡ ጽባሕ ብታሪኽ ዘሕትት ኢዩ ሞ፡ በጃኹም፡ ልቢ ግበሩ። ከምኡ ውን፡ እቶም መስገደል ሰጊርኩም ናብ ዓዲ ሰላም ብሓባር ዝበጻሕኩም መንእሰያት ክንስኹም፡ ሕጂ መጋበሪያ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ክትኮኑ ዝመረጽኩም፡ ዓገብ! ጽባሕ ከጣዕሰኩም ኢዩ። ኣይፋልኩምን!
ህዝቢ ዝሓበሮ ፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ክዕወት ናይ ግድን ኢዩ!
ደጊምና፡
ርሑስ ቅንያት ልደትን፡ ሓድሽ ዓመተ 2026!
መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡
01 January 2026
ብምቕጻል፡
ህዝብና ነዛ ዝተፋነናያ ዓመተ 2025 ብኸመይ ኣሕሊፉዋ? ብኸመይ'ከ የስተንትና? ኣብዛ እንኣትዋ ዘሎና ሓዳስ ዓመት 2026'ከ እንታይ ተስፋታት ሒዝናላ ኣሎና? ንለውጢ ዝኸውን መቐይሮ መደባት እንታይ ኣሎ? ኣብ ዝብል ዘተኮረ፡ ካብ ዝተፋላለዩ ምንጪታት ዝመረጽናዮም መግለጺታትን ኣጋጣሚታትን፡ ኣብ ታሕቲ ነቕርበልኩም። ሓጋዚ ክኸውን ድማ ተስፋ ንገብር። ብቐጻሊ ትሕዝቶ እናወሰኽናሉ ስለእንኸይድ፡ ተማላሊስኩም ነዚ ገጽ`ዚ ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ።
ነዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስዝህሉ፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ፡ ሓበሬታ ክትሰዱልናን ክትተሓባበሩናን ብትሕትና ንሓትት።
See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦
ገምጋማት፡ ትምንኒታትን መልእኽትታትን፡ ኣብ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023
Assessments, New year wishes and Analyses, on the occasion of New year 2023
التقييمات ورغبات العام الجديد والتحليلات بمناسبة العام الجديد 2023
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።