03/11/2025 21:23 PM
ጋዜጣዊ መግለጺ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን
ንምቛም ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ
25 September 2025
The Registration and Election Commission, Pressrelease, 25 September 2025: for One National Force, for salvation and democratic change.
ጋዜጣዊ መግለጺ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡
ንምቛም ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ 25 መስከረም 2025።
ኣብ’ቲ ካብ ኩሉ ክፍለ-ዓለም ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝተሳተፍዎ ታሪኻዊ ዋዕላ ናይ 30 ነሓሰ 2025፡ ብደሞክራስያዊ ኣጋባብ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ምቛማ ዝዝከር ኢዩ። ምቛም ናይ’ዛ ኮሚሽን ኣብ’ዚ ሃገርናን ህዝቢናን ከቢድ ናይ ህልውናን ጽንተትን ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ዘለወሉ እዋን ምዃኑ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክምን ህጹጽነት ዝጠልብን ጉዳይ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ኣብ መስርሕ ምቛም ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፤ ምስረታ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ኣገዳሲ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ። እዚ ናይ ምዝገባን ምርጫን ዕማማት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብምስልሳል፣ ሓደ ድልዱል ሃገራዊ ሓይሊ ብምትካል ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ መሪሕነትን ብምፍጣር፤ ኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታትና ኣብ ህጹጽ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከነውዕሎን፣ ኣህጉራዊ ተቐባልነትና ንከነረጋግጽን ከም ዘኽእለና ብሩህ እዩ።
ቃልስና ብመሰረቱ ሕግን ፍትሕን ሰላምን ርግኣትን ንምስፋን ስለዝኾነ፤ ኣብዚ መድረኽ እዚ፣ ናይ ጽፉፍ ምሕደራን ፍትሓዊ ኣካይዳን ኣገባባት፣ ብዕቱብ ክስራሓሎም ኣለዎ። ብምልኣት ንምዕዋቶም ድማ፣ ሰፊሕ ተቓላሳይ ህዝብና ከም ዋኒኑ ክሕዞምን፣ ተሳትፎኡ ብምዕዛዝ ክትግብሮምን ይግባእ። ናይ ኣፈርክቡ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፣ ኮምሽን ኣድላይነት ቀጻሊ እዋናዊ ሓበረታን፣ ብግሉጽነትን ተሓታትነትን ምስራሕን ከም ግቡኣ ገይራ ትወስዶ። በዚ መሰረት ኮሚሽን ብቐጻሊ ተካይዶም ዘላ ንጥፈታትን ናይ ስራሕ መደባትን ከም’ዚ ዝስዕብ ተቕርብ፦
ባህሉን ሃይማኖቱን ዘየኽብር ሕብረተሰብ ጥዑይ ፖለቲካ ክሰርሕ ይኽእል ድዩ? KMZ 26 Oct 2025
ብመሰረት ኣብ ዋዕላ ዝጸደቐ መምርሒ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፤ ውሽጣዊ መምርሒን ናይ ስራሕ ክፍፍልን ዘብርህን ተግባራዊነት ዘነጽርን ሰነድ ኣጽዲቓ። ብቐጥታ ናብ ስራሕ ብምእታው ሰለስተ ቀዳምነታት፡ ማለት ናይ ሰነድን መዝገብን፡ ናይ ጐስጓስን ምዝገባን፡ ናይ ፋይናንስ ጋንታታት ብምቛምን፤ ናይ ነፍስወከፍ ጋንታ ኣዋሃሃዲን ተሓጋጋዚን ብምምዳብን ውሽጣዊ ስርርዕን ናይ ስራሕ ክፍፍልን ኣካይዳ። በዚ መሰረት ከኣ 5 ዝኣባላታ ኣካያዲት ኣካል መዚዛ። ንኣገባብ ኣሰራርሓኣ ብዝምልከት ከኣ፡ ኩሉ ኣባል ኮሚሽን ነቲ ዝጽበያ ዘሎ ዕማማት ኣብ ዘድማዓሉ መዳይ ክሳተፎን ክዓሞን ወሲና።
ነዚ ይጽነሓለይ ዘይበሃል ምቛም ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንምቅልጣፍ፤ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ሰሙናዊ ምዱብ ኣኼባን ከም ኣድላይነቱ ተወሳኺ እንዳተራኸበት ነቲ ዕማማት ከተቀላጥፎ ተጊሃ ትጽዕር ኣላ። ነቲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ክንሕብር እንከለና፤ ብዘይ ምሉእ ተሳትፎ ህዝብና ክዕወት ስለ ዘይክእል፤ ወሳኒ ግዴና ክንገብርን ዋናታት ናይ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ክንከውን ጽንኩር መድረኽ ይጽበየና ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ፣ ኩሉ ተቓላሳይ ንፍትሒን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ትስፉው መስርሕ ምቛም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ልዑል ደገፍ ክገብርን፤ ሸቶታቱ ንምዕዋት ምሉእ ተሳትፎ ከረጋግጽን ኮሚሽን ብዓቢ ፍናን ትጽውዕ።
ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ከኣ ነዚ ሃገራዊ ዕላማ ንምዕዋት ብተወፋይነትን ግሉጽነትን፡ ቀዳምነታታ ሓንጺጻ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ተግባር ምእታዋ ዘተኣማምንን ትስፉው መጻኢ ዝእንፍትን ምዃኑ ክተባባዕ ዝግባእ ስራሕ’ዩ።
ኣብ መደምደምታ ኩሎም ተቓለስቲ ንፍትሒ ዜጋታትን ፖለቲካዊ/ሲቪካዊ ትካላቶምን፣ ኩሉ ዓቕምታቶም ጠርኒፎም ብሓደ ድምጽን ቃናን ክሰርሑን፣ ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ - ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ብምቛም - ብስትራተጂካዊ ቃልሲ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከነረጋግጽ እዋኑ ሕጂ ስለ ዝዀነ ኩሉና ክንዓስሎ ንጽውዕ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ድሕነት ሃገርን ህዝብን ቅድሚ ኩሉ
ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና
25 መስከረም 2025
ጋዜጣዊ መግለጽን ቃለ መሕትት ምስ ኣስሄል ብጹአኣምላክ
See also more articles by
ካልኦት ኣቐዲሞም ዝወጹ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
- ሌላ ምስ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡ ንምስረታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ። KMZ 05 October 2025
- ERIPM: ጋዜጣዊ መግለጺ ንምቋም ናይ ምዝገባን ምርጫን ኮሚሽን
- ERIPM: መደብ ብዛዕባ ሙቋም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ።
- ERISAT: ዕድመ ንምቃም ናይ ምዝገባን ምርጫን ኮምሽን ንምስረታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ።
- TEDDY PRESS: ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ነቲ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ሓይሊታት ኣብ ሓደ ንምምጽእ ዝግበሩ ካብ ዘለዉ ጻዕሪታት ሓደ እዚ ባርባዕተ ጥርናፈታት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ እዩ።
- Geled Media: Tigre: Call for the Formation of One Eritrean National Force
- ናይ ምምኽኻር ሰሚናር ምዝገባን ምርጫን ኮሚሽን፤ ንምስረታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ 12-13 April 2025።
Part-1: Part-2: Part-3: Part-4: Part-5: Part-6: - ብ'ኣሳላጢ ኣካል ንምቛም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ፡ እተኻየደ ሰሚናር፡ ندوة, هيئة تيسير تشكيل القوة الوطنية الواحدة
19-20 July 2024 - ኣድላይነትን፡ መስርሕ ምቛምን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ። The Need for and Process of Forming a National Force for Democratic Change in Eritrea. ضرورة وعملية تشكيل قوة وطنية للتغيير الديمقراطي في إرتريا Document Prepared by Facilitating Body, 22 June 2023.
ትግርኛ፡ English: عربي - ክፉት መኣዲ ዘተ (Eritrean Dialogue Forum) ዩቱብ ቻነል።
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።