05/07/2026 16:35 PM
“ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ነበር፡
ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ከም ሕሱም ሳዕሲዖም”
ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ
ሰላም ደቂ ሃገረይ
መቸም፤ ትምህርቲ መሰረት ምዕባለ ናይ ሓደ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። ነዚ ኣምር’ዚ፤ ዋላ እቶም ሽሞም ክጽሕፉ ዘይክእሉ ቀዳሞት ወለድና ብግቡእ ይግንዘብዎ ነይሮም። ንኣብነት፤ ሓደ ንባዕሉ ፊደል ዘይቆጸረ ዓዃይ፤ እቲ እንኮ ብዕራዩ ሸይጡ [ትካሉ ሸይጡ ክባሃል ይከኣል] ንውላዱ ናብ ትምህርቲ ይሰደድ ከምዝነበረ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። እዚ እምበኣር፤ ኣብ ሕብረተሰብና ትምህርትን ምሁርን ግቡእ ክብርን ቦታን ከምዝነበሮም ዘመላኽት’ዩ። ይኹን ደኣምበር፤ ኣብ ዘመነ ሰውራ፤ ንረብሓ ውልቀሰባት ወይከኣ ጉጅለታት ምእንቲ ክጥዕም፤ ንምሁር ክሃርሙ ክብሉ እንኮላይ ንትምህርቲ ለኪሞም ቅስሙ ሰይረሞ። ካብ ፍልጠት እቲ ምሁር ኣካል እንዳረብሑ፤ ነቲ ምሁር ግን ርእሱ ከምዘድንን ክሳብ ንዝምድና [ንመውስቦ] ከምዝፍንፈን ጌሮሞ። ነብሰ-ቅትለት ዝፍጽሙ ምሁራት ከምዝነበሩ’ውን ይዝንቶ። እዚ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተዘርአን ዝጠጠዐን ግናይ ሓሳብ፤ ድሕሪ ናጽነት’ውን ብሰፊሑ ኣብ ህዝብና ሰሪጹ። እቲ ንትምህርቲ [ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንምሁር] ክብሪ ዝህብ ዝነበረ ሕብረተሰብና፤ ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ዘለዎ ኣረኣእያ እንዳደኸመ መጽዩ። ብዛዕባ ውድቀት ትምህርቲ ኣብ ሃገርና ዝምልከት፤ ርእሱ ዝኸኣለ ሰፊሕ ኣርእስቲ ስለዝኾነ ንግዚኡ ክነጥሮ እየ። ብሓጺሩ ግን፤ ውጽኢት እቲ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ዝተዘርአ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ምሁርን ትምህርትን ንሓፍስ ኣለና። ኣብ ህዝብን ሃገርን ኣውሪዱዎ ዘሎ ዕንወት ከኣ ብቀሊሉ ዝፍወስ ኣይኮነን።
ኣብዝሓለፈ ሰሙን፤ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ነበር ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከምዝተራኸቡ ይፍለጥ። ዝበዝሐ ሰብ ነቲ ርክብ ብእወታ [ኣውንታ] እኳ እንተገለጾ፤ ውሑድ ዘይኮነ ኣሉታዊ ነቐፌታታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይውሕዝ ኣሎ። ገሊኡ ነቐፌታታት ካብ ጽቡቕ ድልየትን፤ ኣብ ልዕሊ ምሁር ኣካል ካብዘለዎም ትጽቢትን ዝብገስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ዝበዝሐ ነቐፌታታት ግን፤ መቐጸልታ እቲ ክብ ኢለ ዝጠቐስክዎ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተዘርአ ግናይ ዘርኢ እዩ። “ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ነበር ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ከም ሕሱም ሳዕሲዖም ወጽዮም፤ዘይ ንስእሊ’ዮም ተኣኪቦም፤ ወዘተ” እንዳተባህለ ብዙሕ ይሕጨጭ ኣሎ። ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ’ውን ከም ማህጸን ኣደ፤ ጉራምራ ወሊዳ ከምዘላ ኣይዘንጋዕኩን። ይኹን ደኣምበር፤ ብዙሕ ምሁር ኣካል ኣብ ቃልሲ’ሎ። ንኹሉ ብኣልማማ ምቕንጻል ሃናጺ ኣይኮነን። ኣነ ሓደ ካብቶም ዝተሳተፉን ዝሳዕስዑን እየ [ዕላል ኣብዚሔ ከምቲዝድለ ኣይተላሃኹን ግዳ 😀]። ፍልልያትካ ኣወንዚፍካ ኣብቲ ዘሰማማዓካ ባእታ ብሓባር ምስራሕ ክልመድ ዘለዎ’ዩ። ገሊኦም ተሳተፍቲ፤ ቅድሚ’ዚ ሳዕስዒት ኣብ ዝረአን ዘይረአን ስራሕ ወፊሮም ከምዝጸንሑ ከዘኻኽር እደሊ። ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ኮይኖም፤ ኣብ’ቲ ሓባራዊ ዝኾነ ዘሰማምኦም ረቋሒ ክሰርሑ ዝጸንሑ እዮም። ሓላፍ ዘላፍ ከይኮነኒ፤ ማለት ናይ ካለኦት ሰባት ስራሕ ክጠቅስ እንተጀሚረ ንኩሎም ክበጽሖም ስለዘይክእል፤ ኣነ ዝተሳተፍክወን ውሑዳት ኣብነታት ጠቒሰ ጥራይ ክሓልፍ።
1) “ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ” ትባሃል ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጀሚራ ብመማህራንን ተመሃሮን ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ነበር [መብዛሕቶም] ዝቖመት ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ኣላ። ኣብዛ ጉጅለ ዘለና ኣባላት፤ ኩላትና ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለና ኣይኮናን። ፍልልይና ኣወንዚፍና ግን ኣብቲ ዘሰማምዓና ሰሪሕና፤ እዚ ዝስዕብ ሃገራዊ ዶኩመንት ከኣ ኣፍሪና [ERITREAN SOVEREIGNTY AND ETHIOPIA'S QUEST FOR SEA ACCESS]።
2) ኣብ ግዜ ኮቪድ’ውን [Covid-19] ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ዜጋታት፤ ብሓባር ኮይኖም ብዛዕባ’ቲ ቫይረስን ክታበትን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ንኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዘሎ ህዝብና ከምዘስተምሃሩ እፈልጥ። ካሎኦት ብዙሓት ጉጅለታት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተመሳሳሊ ኣበርክቶ ዝገብሩ ከምዘለዉ ኣይሰሓትን።
ስለዚ እምበኣር፤ እዚ ዝሕጨጨሉ ዘሎ ርክብ ናይ ዋሺንግተን ዲሲ፤ መቐጸልታ ናይ ዝጸንሐ ንኡስ ርክባት ክባሃል ይከኣል። ናይ መጀመርታ እንተኾነ’ውን ሓላል’ዩ። ክፍለጥ ዘለዎ ግን፤ ትጽቢትና ምስ ክውንነት ክሳነ ኣለዎ። ካብ ሓንቲ ሓፍትና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸሓፈቶ ክልቃሕ፤ “እቶም ካብ’ዚ ርክብ’ዚ ካልእ ዓቢ ነገር ዝተጸበኹም ብጹኣን ኢኹም” ዝብል ጽሑፍ ኣስፊራ ሪኤያ። ሓቃ እያ፤ ምስ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ደሃዮም ዘይነበረካ ሰባት ኣብ ሓደ ረፍዲ ተራኺካ ሓደ ግዙፍ ቁውምነገር ሒዝካ ክትወጽእ ምጽባይ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ’ዩ። እዚ ማለት ግን ነቶም ብምእካብና ተስፋ ዝገበርኩም ሽውሃትኩም ንምዕጻው ዝዓለመ ኣይኮነን። ተስፋ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ብዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ዘኽእል ባይታ ተነጺፉ ኣሎ። ብውሕዱ ኣብታ ዝነበርክዋ ንኡስ ጉጅለ ጥዕና፤ ብሞያኦም ንህዝብና ከበርክቱ ክቱር ድልየት ዘለወንን ዘለዎምን ዜጋታት ተገንዚበ። ኣብ ካለኦት ጉጅለታት’ውን ከምኡ። ደሓር ከኣ ከም’ቲ ናይ ቀዳሞት ብሂል፤ “ኡይ በሊ ደሃብ! ሰብ ክእከብ ምኽሪ ክርከብ!” እዩ ነገሩ። እዛ ብሂል ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ህሞት ዝተባህለት’ኳ እንተዘይኮነት፤ ሕመረት መልእኽታ ግን ሰብ ምስ ተኣከበ’ዩ ምኽሪ ዝርከብ ዘመላኽት’ዩ። ተኣኪብና’ለና፤ ምኽሪ ለባማት ከኣ ኣይክሰኣንን’ዩ።
ካልእ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ስለምንታይ ዘይፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ተባሂሉ ዝብል’ዩ። ፖለቲካዊ ንጥፈታትና ነካዪደሉ መድረኻት ኣይዋሓደናን። ኩሉ ዳሳትና ፖለቲካ-ፖለቲካ ክሽትት ኣለዎ ዝብል ስነመጎት ግን ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ማሕበራዊ ርክባት እነካይደሉ ዳሳት’ውን ንጥዕናና የድሊየና’ዩ። ጥዕናኻ እንዳሓለኻ ምቅላስ ንባዕሉ ልቦና እዩ። ምእንቲ ጽባሕ ንግሆ ጽሉላት መራሕቲ ሃገር ከይነፍሪ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን መርገጺናን ግን ብሽብጢ ተሓጺብና ኣይኮናን ናብቲ ኣዳራሽ ኣቲና። እቲ መድረኽ ብርዱእ ምኽንያት ዘይፖለቲካዊ እንተተባሂሉ፤ ኣቲና ክሳብ ንወጽእ ነቲ መድረኽ ክንመስል ባህርያዊ ይኸውን። ብዛዕባ ምዕጻው ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዝምልከት እንተኾነ ንብዙሕ ዓመታትን ኣብ ብዙሕ መድረኻትን ተዛሪብናሉ ኢና፤ ብሕጂ’ውን ክንዛረበሉ ኢና። ዋላ’ኳ ብሓደ ኮንካ ድምጽኻ ምስማዕ ተመራጺ እንተኾነ፤ነቶም ድሕሪ ርብዒ ዘመን ዝረኸብናዮም መዛኑና፤ ንዑ ምሳና ኮንኩም ሎሚ ኮንኑ ኢልና ብክሳዶም ንሕዘሉ ምኽንያት ኣዪረኣየንን። ንኹሉ ግዜ ኣለዎ። ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ስራሕ ከምንሰርሕ ግን እምንቶይ እዩ።
ንምዃኑ እዞም ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ነበር ዝባሃሉ ዘለው መንዮም? መቸም ብገለ ተኣምር ካብ ካልእ ፕላኔት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝነጠቡ ኣይኮኑን። ቡቕልን ኣካልን ሕብረተሰብ ኤርትራ እዮም። ስለዝኾነ ከኣ በቲ መንእሰይ ኤርትራ ዝሓለፎ መግደራ ክሓልፉ ባህርያዊ ይኸውን። መብዛሕቶም ካብዞም ተኣኪቦም ዝነበሩ እምበኣር፤
1) ኣብ 2ይ ዓመት ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ተዋፊሮም ዝመሃሩ/ ዘገልገሉ [ኣለኹምዶ ናይ ቀሃዝ ተማሃሮይ ነበር?]
2) ምሳኻ/ኺ ንሳዋ ዝወረዱ
3) ኣብ ግዜ ኲናት ኢትዮ-አርትራ [1998-2000] ካብ እግሪ መኸል ክሳብ ግምባር ማይ ቆቓሕ፤ ካብ ዓሊተና ክሳብ ግምባር ቡሬ ኣብ ጎድኒ መንእሰይ ኤርትራ ተሰሊፎም ዝነበሩ
4) ውሑዳት’ውን ምሳኻ/ኺ ስግረዶብን ሰሃራን ባሕርን ዝሰገሩ እዮም። ስለዚ፤ ኣካልኩም’ዮም ኣይተጓንዮም።
ብሓፈሻ ነቲ ሃናጺ ዝኾነ ዝውሕዝ ዘሎ ነቐፌታ ኣይጎሰኹዎን። ንድሕሪ ሕጂ ዝግበር ስራሓት’ውን ሓጋዚ እዩ። ከስምረሉ ደልየ ዘለኹ ግን፤ ንዝተማህረ ኣካል ከነጥቅዕ ክንብል፤ ዕድል ናይ መጻኢ ወለዶን ሃገርን ነጸልምት ከምዘለና ክንግንዘብ ይግባእ። ኣብ ግዜ ሰውራ ዝተኮስኮሰ ንምሁር ዝነጽግ ኣተሓሳስባ፤ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ [ድሕሪ ፍርቂ ዘመን] ንትምህርትን ንምሁርን ዝጽየን ወለዶ የሰስን ከምዘሎ ከዘኻኽር እደሊ። ውሑድ ዘይኮነ መንእሰይ፤ ኣብ ክንዲ ዕድል ናይ ትምህርቲ ብዘይምርካቡን ብዘይምምሃሩን ዝሓዝን፤ “እንቋዕ’ኳ ዶክተር ኣይኮንኩ” ኢሉ ክንየት ክትሰምዕ እንኮለኻ፤ “ዳስ ጣል ልቤ” ዘብል’ዩ። ሃገራዊ ሓዘን ክትእውጅ ይግባእ። እዚ መጻኢ እታ ሃገር ዘጸልምት ሕማም ደሓር ዝኾነ ስነሓሳብ ክግታእ ኣለዎ። ነዚ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ትም ኢልካ ምዕዛብ፤ ነቲ ብብዙሕ ምኽንያታት ካብ ቤት ትምህርትን ምህሮን ሪሒቑ ዘሎ መንእሰይ ናይ ድንቁርና ዲግሪ ምዕዳል’ዩ ዝቑጸር። ካብ ሓላፍነትና ክንሃድም የብልናን። ንትምህርቲ ዝጸምእ ወለዶ ኣብ ምፍጣር ናይ’ቲ ምሁር ኣካል ሓላፍነት’ዩ። ብመሰረቱ ትምህርቲ ንደሞዝን ንዝናን ኣይኮነን። ብዝፈለጥካ መጠን፤ ትምህርቲ ብቐንዱ ሓላፍነት’ዩ ዘሰክመካ። ሓላፍነት ናይ ንስለ ሓቂ ደው ምባል፤ ሓላፍነት ናይ ሰብኣውነት፤ ሓላፍነት ናይ ምልኣተ-ሰብነት (personal integrity) ፤ ሓላፍነት ናይ ተሓታትነት፤ ብሓፈሻ ሓላፍነት ናይ ጽቡቕ ኣርኣያ ምዃን፤ ካብቲ ብዙሕ ክጥቐስ ይከኣል። ሓላፍነትና ብዝግባእ’ዶ ንበቕዖ ኣለና ዝብል ሰፊሕ ትንተና ስለዘድልዮ ካልእ ግዜ ክምለሶ እየ። ጉዳይ ኤርትራ ግን “ኣግራብ ምስጠፍኡ ቆጣቁጢ ይረኣዩ” ይኸውን ስለዘሎ፤ እቶም ኣግራብ ንቅድሚት ይምጽኡ። ኣብ ቅድሚት ምስ ወጻኻ ዘጋጥም ዘለፋታት ከምዘሎ’ውን እርዳኣኒ እዩ። ይኹንደኣምበር፤ ዘለፋ ፈሪሕካ ንድሕሪት ምባል ግን ኣማራጺ ኣይኮነን። ብትብዓት ምግጣሙ ካብቲ ሓላፍነታት ሓደ እዩ።
ወደሓንኩም!!
ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ
ኦታዋ ፤ ካናዳ
05 ሓምለ 2026
Read in PDF ብ'PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።
See also more articles by Dr Yohannes Haile:
ካልኦት ብ'ዶር ዮውሃንስ ሃይለ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
እወታውነት ሓይሊ ምትእኽኻብ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ነበር!! ዕላል መዛኑ መበል 86 ክፋል!
ጉዕዞ 25 ዓመት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ። Symposium 91 Batch &/or 96 Graduates of Asmara University.
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።