ዘይተዓደለ ህዝቢ (2ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

07/06/2020 19:46 PM

ያልታደለ ህጻን = ዘይተዓደለ ህዝቢ

ሕሉፍ ታሪኽና ንኽድገም
ኣይበጻሕናን ዶ ኣብ ገምገም፧
2ይ ክፋል

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ሕሉፍ ታሪኽና ንኽድገም ኣይበጻሕናን ዶ ኣብ ገምገም፧

ሕሉፍ ታሪኽና ንኽድገም ኣይበጻሕናን ዶ ኣብ ገምገም፧ (2ይ ክፋል)

ኣብ 1ይ ክፋል ንተንኮል ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ ሜዳ ሓቢረ ነይረ። ሎሚ ድማ ንዕኡ ዘራጉድ ዝበልኹዎ ናብ ቲ ዝቅጽል ናይ ኳታር ኤንባሲ ምንጪ ክወስደኹም። ሎሚ ውን እንተ ኾነ ነዚ ዘረጋግጾ ኣብዛ ትስዕብ ሊንክ ንመልከት። Cable: 08ASMARA543_a - WikiLeaks ብመሰረት መግለጺ ኣንባሳደር ኳታር ንፈራሕ ጠባያት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ብልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ። ካብ ዝሃቦ ንምጥቃስ ኢሰያስ ኩቱር ጽልኢ ናይ ቴሌፍን ምዘራብ ከምዘለዎን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እተፈላለየ ቦታ መደቀሲ ዘዘውትርን ንኽመጾ ዝኽእል ፈተነ ዕልዋን ቅንጸላን ንምክልኻል። ኣብ ናይ ሓጋይ ግዜ ድማ ዝብዝሕ ግዚኡ ካብ ኣስመራ ኣብ ባጽዕ ኢዩ ዘሕልፎ። ኣብ ቤት መግቢ ኣብ ዝምገብሉ እዋን ካብ ዘዘውትሮ እታ ዝመጸቶ ብያቲ መግቢ ምስ ዋርዲይኡ ከም ዝቅይራ ንኸምጽኦ ዝኽእል ምምራዝ ወይ (ምስማም) ንምክልኻል ዝገብሮ ጠባያት ባህሩ የጋልጽ ኤምባሲ ኳታር። እዚ ግን ኣብ 2008 ዝጀመሮ ዝምስሎ ሰብ እንተሎ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ካብ ቀደም ዝጀመር ምኻኑ ክረጋግጾ እፈቱ። ንዝያዳ መብርሂ ኤምባሲ ኳታር ኣብ ዛ ካልኣይቲ ሊንክ ተወከሱ። እንተ ሎሚ ንቡር ሃገራዊ ቤት ጽሕፈትን ኣኬባ ናይ ሚንስትርታ ገዲፉ ኣብ ዓዲ ሓሎን ስምሃር ከባቢ ገደምን ብጹኑዕ ክሕሎ እዃ እንተ ጸንሐ ሎሚ ድማ ኣብ ስውር ቦታ ይሕባእ ኣሎ።

https://www.wikileaks.org/plusd/cables/08ASMARA543_a.html ኣብ ሜዳ እዚ ኣምሰሉ ኢሰያስ ኣብ ግንባራት ዑደት ኣብ ዝገብረሉ ኣጋጣሚታት ብፍላይ 1986 ካብታ ዘይብሎም መግቢ ጋሻ መጺኡ ተባሂሉ ጤል ክትሕረድ እናርኣየ ስውር ውልቃዊ መልእኽቱ ጨቢጡ እቲ ጉሁድ ንሓፋሽ ተጋዳላይ ዘናቁት መልእኽቲ ገዲፉ ከይበልዓ ይብገስ ነይሩ። የዋህ ተጋዳላይ ድማ ብርግጽ እዞም ናይ ቀረባ ሓለፍትና ኢዮም ብሓለፋ ዝሕመዩ ይብል ነይሩ ውሽጡ ዘይፈለጠ። እንተ እዚ ሩኹስ ኢስያስ ግን ንተጋደልቲ “ሓለፋ ብልሽውና ሓለፍትኹም” እናበል የናቁት እቲ ሱቱር መልእኽቱ ድማ ሕጂ ተነጺሩ ናይ መጻኢ ዓባይ ኢትዮጵያ የቋሙት ምንባሩ። እዚ ቦጅባጅ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ሜዳ እውን ንተኾነ ንገለ እሞ ኽኣ ሓለፍቲ ንኸዛራርቦም ትብዓት ሲኢኑ ዕጥቆም ኣውሪዶም ንኽምጹ ይጽውዖም ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ድማ ብውልቂ ኮነ ብሓባር ንውልቀ መላኺ ሃጸይ ንምርካብ ፍቃድ ብመንገዲ ኮነሬል ተስፋልድት ረኺቦም ዕጥቆም ኣረኺቦምን ተፈቲሾምን ምእታው ነዉሕ ግዜ ኣቁጺሩ ነይሩ። ሎሚ ግን ዋላ እቲ ስማዊ ኣኼባ ካቢነ ሚንስተራት ካብ ዘይ እከብ ዳርጋ ክልተ ዓመቱ ቀሪቡ ኣሎ። ሕጂ ድማ እዚ ኹሉ ተሪፉ ምሉእ ርክባቱ ኣቡኡ ዘፍለጠ ምስ ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ንረኸቦ። እዚ ካብ ኮነ ትብዓት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ግን ፈራህ ኣይሓዝካ መን ከሊእዎ። ስለዚ ንመዓንጣ ኢሰያስ ሕጂ ውን እንተ ኾን ክትተብዕ ከይተጸበና እንታይ ድኣ መንእሰያት ኤርትራ ባዕሎም ብፍትሒ ክስሃልዎ ኢዮም ኢዩ እቲ ሓቅን ቁንዕን ዘረባ ናይ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ። ሎሚ ኣብ ዚ ሓሳብ ዘይርዕሙ እቶም ዕሽነቶ ዝሽመቶም ንስቃይ ህዝቦም ደው ዝበሉ ደገፍቱን ተደናገጽቱን ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ገዲፍካ ማለት ኢዩ። እንተ እቲ ቀደም ግን “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቅሎ” ክብሃል ንሰምዕ ነይርና። እንተ ኾነ ሎሚ ድማ ኣብ ስርዓት ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ናቱ ተመሳሳሊ “ንስርዓት ህግደፍ ዓሻ ዝደገፎ ለባም ነየጽድፎ” ኰይኑ እኳ እንተ ጸንሐ፤ ሎሚ ግን መድረኽ ተቀይሩ ኣብ መድረኽ መራኸቢ ቡዙሓን ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣኽለና ዘመተ ንስርዓት ህግድፍ ምጽዳፍ ብውሽጥን ብደገን ይምርሽ ኣሎ። ትም ምባል መሪሩና እንቢ ንሕሰም መግዛእቲ ስርዓት ዉልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ብምባል ዘለዎ ኣወንታዊ ውጺኢት ድማ ሃገራዊ ሓድነት ለቢሱ ሓሞት መንእሰያትና ሓፊሱ ኣብ ምቡንቋስ ንውልቀ መላኺ ዘራጊቶ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ሓቢርና ንብገሰሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ። ካብ ዉሽጢ ሃገር ኤርትራ ብሓርበኛ ብርሃነን ኣብርሀን ንህዝቢ ኤርትራ ንበገስ ንፍትሓዊ ስርዓት፡ ይኣኽል መግዛእታዊ ምልኪ ክብል እንኮሎ። ንውልቀ መላኺ ዘራጊቶ ኢሰያስ ድማ “ወይልኻ መንእሰያት ኤርትራ ክሳሃሉኻ ኢዮም” ዝብል ዝጀመረ ደወል ጻዊዒት ምስኡ ዝቀጸለ ድማ ኣባ ተኸለሚካኤል ዝቀረበ ኣዝዩ ሱልጡን ምሃሪ ቁዱስ ናይ ሰላም ሓሳብ እኳ እንተ ነበረ። እንተ ኾነ ግን ብስርዓት ህግደፍ ሰማዒ ሲኢኑ። ብኣንጻሩ ድማ ሃገርናን ህዝብን ኣብ ምጥፋእ ብውልቀ መላኺ ኢሰያስ ፍጥነቱ ከንህር እኳ እንተጸነሐ፡ ሕጂ ድማ መልሲ ተግባር ቂምተኛ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ኢሰያስ፡ ህዝብና ነተን ካብ ስርዓት ውልቀ መላኺ ዘይረኸቦ ኣገልጉሎት ጥዕናን ማይ ዝስተን ማይ ዝዕድላ ቦጥን ካቶሊካውያን ቤተ ክርስትያን ዓጽዩ ካብ ኣገልግሎት ጠጦው ኣቢሉ ንህዝቢ ዓቅሉ ኣጽቢብ ንኽንብርክኽ ሕልምታቱ የሳሲ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ምሉእ ዓለም ሓድነታዊ ደወል ንስርዓት ውልቀ መላኪ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ቫይረስ 1979 ምስ ኮቪዳ 19 ንምውጋድ ይድወል ኣሎ። እንቢ ንምልኪ፤ይኣክል ምባልን ንትግባረ ፍትሒ ኣብ ሙሉእ ዓለም ይጓዝም ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ሎብዘመን ዝራብዕ ኮይኑ። ብወገን ወይጦታት ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ናይ ዓቅሊ ጽበቱ ፎሰይ ፎሲ ዓሻ ኢሉ፤ ልሳኑ ንይምሰል ህግደፋዊ መንነቱ ኪሒዱ ንሕና ህዝባዊ ግንባር ዝብል ሕላገት ክገብረላ ይስማዕ ኣሎ።

ሎሚ ድማ ታሪኽ ጥፍኣት 50ታት ይድገም ሌተና ጀነራል ኣቢይ ኣበበ እንደራሴ ሃፀይ ኣብ ኤርትራን ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኮይኑ ነይሩ። ሎሚ ድማ 2018 ማእከይ ደረጃ ወትሃደራዊ መኮነን ማዕርግ ዝለበሰ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ኮይኑ። ልኡኽ ዓቄታይ ዑስማን ሳልሕ መልእኽቲ ካብ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያሰ ከብጽሕ ኣብ ዝተላእኮ ዝበሎ “ለባም መራሒና” ብምባል እዩ ዝጀመረ። ትሩፍ ድሕሪ ደጊም ስጋቦይ ኢለ!! ምስ ተስታይ ኔርካስ ምስ ኣብታይ ኮይኑ ውዕሎ ተጋድሎ። ነዚ ዝተመልከተ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ር ዶር ኣቢይ ኣብ ኣስመራ መጺኡ ወኪል ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚንስተር ንዑስማን ተኪአ እንተ ሰራሕኩ፤ ናይ ስልጣን ምሽማው ከይመስለኩም ኢሉ ከም ዋዛ ዝነገረና ኣብ ዋዛ ኣየብቀዕን እንታይ ድኣ ብግብሪ ኣርኢዩና ኣሎ። ኣርካናት መራሕቲ ሰውራ ናብ ጋህሲ የምርሑ ተካእቲ ወለዶ መንእሰያትና ድማ ናብ ስደት ይፈልሱ። “ከብቲ ምስ ሓራዲኤን ማይ ይሰትያ” ተባሂሉ ድዩ እትመሰለ፧ እሞ ዳኣ ህዝብና ደቁ እንዳ ጽነትሉ ከመይ ኢሉ እዩ ምስ ዞም ክልተ ውልቀ መልኽቲ ጎራሓት ናይ ህዝብና ስቃይ ዝስንቆም መሰል ባይቶና ረጊጾም ሰላም ክዝምሩ ዝፍትኑ። እንተ መርገጺ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሃገርና ጥንታዊ ሕዱር ሕማሞ ፍትሒ ምጉዕጻጽ ሓድሽ ኣይኮነን። እንተ ሎሚ እቲ ፉሉይ ዝገብሮ ግን ኣብ ዓለም ብእውጅ መልክዕ “ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባ ጉንባሕ ዛግራ ትብላ ” ምኻኑ እዩ። እቲ ጉዳይ ሽልማት ሰላም (Noble prize) ድማ ንሃገርና መጋበርያ ገይርካ ንኢትዮጵያ ንምድሓን ብዕሊ እንተ ተኸስበ ተባሂሉ ዝተነግደ እዩ ነይሩ። ኾይኑ ድማ ኣብዚ ዝርዓሙ ኣይርኣናን ኣይሰማዕናን ዝብሉ ገለ ዉሑዳት ኣሕዋት ኣይተሳእኑን። ማለት “ትንፈር ኣይትንፈር ጤል ኢያ” ብሃልቲ ምኻኖም ኢዮም እዞም ካብ ሕልሚ ጥፍኣት ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ሰላም ኣሎ ኣብ ዓድና ዝብሉ ዝለው። ኣቤት ጉዳም!! ክይሓንኹ ድማ ንክልተ ውልቀ መለኽቲ ናይ ሰላም ሽልማት ( Noble prize) እዩ ዝግባእ ንዝብሉ ኣብ ክንድኦም ሓኒኸ። እንተ ኾነ ግን እዞም ክልተ ውልቀ መለኽቲ ናይ ሓባር ረቋሒ ሓደ ዝራኽብ ነጥቢ ግን ምህላዉ ኣይሳሓትኩን። ምኽንያቱ ባህሪ ኢሰያሰ ይትረፍ ምስ መጋድልቱን ህዝቢ ኤርትራን ሲ፡ ምስ የሕዋቱ ደቂ እንኡ ውን እንተ ኾነ ዝላግብ ባህሪ የብሉን። ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ናይ ዞም ክልተ ናይ ሓባር ረቋሒ ዝብልኩዎም እሞ ንመልከት። ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ መጀመርያ ናጽነት ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣኬባ ከይዱ ተጻሪፉ። “ኣደይ መራሒ ሃገር ክትከውን ኢኻ እናበለት እያ ኣዕብያትኒ” ይብል ኮቴተ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ። ወይ ጉድ! ኣደ መን ኮን ኣላ እያ ወዳ ለማኒ ክኸውን እናበለት ተዕቢ፧ ጉዳም እዩ!! ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ር ዶር ኣቢይ ድማ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዑደቱ ንድያስፖራ ብስርዓት ወያነ 27 ዓመት ኣብ ጸልማት ኢና ነይርና ክብል ተጻሪፉ። ውልቀ መላኺ ሃጸይ ኢሰያስ ንኤርትራ ሰንጋፑር ክንገብራ ኢና ኢሉና። ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ር ዶር ኣቢይ ድማ ነታ ዓባይ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣይግበሮ ድኣ እምበር ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ተጸጊዑዋ ሰላም ሪሕቁዋ ንክትፈርስ ናይ ግዜ ሕቶ ኣንጸላልይዋ ምህላው ግን ኣይተረድኦን ኣሎ። ነዚ ዝዘንግዕ ኮተቴ ውልቀ ምላኺ 1ይ ሚ/ር ዶር ኣቢይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰልስተ ዓመት ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣፍሪቃ ዓባይ ናይ ቱሪስቲ ስሕበት ማእክል ኮይና መንበሪኡ ገዝኡ ድማ ናይ ጣልያን ቤት መግቢ ምስ ዝኽውን ፡ እቲ ካልእ ቪላ ድማ ናይ ፈረንሳ ቤት መግቢ ምስ ዝኽውን እዚ ድማ ብልክዕ ብውልቀ መላኺ ሃጸይ ኢሰያሰ ከም ዘረጋገጽ ብ1ይ ሚ/ር ኮተቴ ውልቀ መላኺ ዶር ኣብይ ተነጊሩና። ነቲ 27 ዓመት ኣብ ጸልማት ብመባእስቲ ኢሰያስ ዝኾኑ ወያነ ኢና ነይርና ዝዓይነቱ ዝረባ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ር ዶር ኣቢይ ኣብ ኣመሪካ ምስ ከደ ንኣመሪካውያን ኢትጵያውያን ዝበሎ እዩ። 1ይ ሚ/ር ነበር ነፍስሄር መልስ ዜናዊ ድማ እንታይ እዩ ራኢኻ፧ ምስ ተባህለ ዝሃቦ መልሲ ኣብ መጀመርታ ስልጣን ኣብ እተርኸብሉ ግዜ ጸላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድኽነት እዩ ንድኽነት ምቅላስ እዩ ዕላማ ቃልስና ኢሉ ዝሃቦ መልእኽቲ ንትዓዘብ። “ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ዝምገብ ዝነበር ክልተ ግዜ ክምገብ። እቲ ክልተ ግዜ ዝምግብ ዝነብር ድማ ሰለስተ ግዜ ክምገብ። እቲ ሰልስተ ዝምግብ ድማ ኣማሪጹ ክበልዕ እዩ ዘለኒ ራኢ” ዝበለ። እቲ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ኤርትራ ዝወሰዶ መርገጺ ድማ 100% ቁኑዕ እዩ ኢለ ከስምረሉ እፈቱ። ከምዚ ምባለይ ግን ነቲ ቁንዕ መርገጺየይ ብገለ ሚዛን ዓያሹ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተጸጊዖም ስሚዒት ዋንነት ምዕዳል ዜግነት ፍቃድ ዝሕድረሎም ግን ሕጂ ውን ኣስተውዕሉ ምባለይ ምስ ድፍረ ኣይትውሰድዎ። ስለዚ ይትረፍ ዶ መራሒ ናይ ሓንቲ ሃገር ሲ ተራ ዜጋ ውን እንተኾነ ከምዚ ከማይን ከማኹምን ንሃገሩ ጥቅሚ ቀዳምነት ዝህብ እንበር ኣሕሊፍ ዝህብ የሎን። ኣብ ዚ እሞ ልቢ በሉ ብፍሉይ ጉዳይ ዝረአ ናይ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ እዩ። ቀዳምነት ናይ ሃገርና ዘይኮነ ዘገድሶ እንታይ ድኣ ናይ ኢትዮጵያ እዩ። ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ 2018 ብዕሊ ኣብ ሓደ ኣኬባ ንገለ ሞኮነናቱ ኣኪቡ ዶብና ከይተሓንጸጸ ክጸንሕ እዩ ምኽንያቱ ወያነ ን1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ፡ ኢትዮጵያ ምርግጋእ የሽግርዎ ስለዘለው ክንሕግዞ ኢና እዩ ዝበሎም። ኣብዚ ከስምረሉ ዝደሊ ክልተ ካብ ላዕለዎት መኮነናቱ ንዘረብኡ ሰሚዖም ስቅ ኣይበሉን። እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ፧ ንሕና ዘገድሰና ጉዳይ ልእላውነት ሃገርና እዩ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን ኢሎም ተቋዊሞሞ። እሳ ዝኣፋ ብወግዓዊ ብኣኼባ መልክዕ ንጉዳይ ዶብና ናብ ዘተ ኣይተመርሐትን። እቶም ልቸንሳ ናይ ዜግነት ምዕዳል ዋንነት ኣለና ትብሉ ድማ ሚዛንኩም ኣተስፉርኩም ከዳዕ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ድዩ ዜግነቱ ብዘይ ውዓል ሕደር ክምንጠል ዘለዎ ወይስ እንቢ ንምልኪ ንሃገርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ዝበልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፧ ኣብ ዛ ንነብረላ ዓለም ንሃገርሩ ንባዕዲ ኣሕሊፍ ዝሃበ መራሒ ሃገር ኮነ ውልቀ መላኺ ዘመዝገቦ መዝገብ የሎን። እንተሎ ድማ ርግጽ ናይ ፈለማ ኣብ መዝገብ ዝሰፍሩ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስን ንዕኡ ዝኸተል ዘሎ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ኣሕመድን እዮም። ኮቴተ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ንዝነበሮ ቦታ ተጠቂሙ ንጸላኢቱ ዝኾነት ሃገር ኤርትራ ምስጥራዊ ብምቅባሉ እንተ ዝኽሰስ እንታይ ፍርዲ ኾነ ምተጸበዮ ነይሩ፧ ሓደ ወትሃደራዊ ሞኮነን ስለያ (ኢንሳ) ዝገብሮ በደል ግን ብዓይኒ ወተሃደራዊ ሕጊ እንተ ወሓደ እንተ ወሓደ ናይ ሕልፍት ማእሰርቲ እዩ ዘቅጽዕ። እዚ ማለት ድማ ጭቡጥ ምስ ዝኸውን እዩ። ከም ሃገረ ኢትዮጵያ ድማ ሃብታም ወግዓዊ ናይ ከዳዓት ትብሎም ሞኮነናት ብምርሻን ባህሪ ትልለ ክንሳ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ነጻ ዶ ምኾነ፧ እሞ ኽኣ ንዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ ይመርሕ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ድማ ብጃምላ ከሳሲ ዘይብሎም ሃገር ከዲዖም ተባሂሎም ቡዙሓት ተወንጂሎም። እሞ ኽኣ ገለ ካብ ኣቶም ብዘለዎም መንፈሳዊ እምነት ንፈጣሪኦም ዝብልዎ ምእማኖም ግን ክድዓት ሃገር ተቆጺሩ ኣብ እስርቤት ኮይኑ ኣሎ ሰፈሮም። ኣብ ፖለቲካ ጉዳይ ሃገር ብፍላይ ድማ ጉጂለ 15 ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ተውንጂሎምን ተሓይሮምን ኣለው። ግደ ሓቂ ግን እቲ ወንጃሊኦም ዝኾነ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ሎሚ ይትረፍ ብኣና ኤርትራውያን በተን ጎረባብትና ሃገራት ኳሓሊ ተመሲሉ ዝንቆረን ከይተረፋ ሰፍ ዘይብል ክሲ መዝገባት ይስንዳሉ ኣለዋ። እሞ ድኣ ናትና ተራ ኣብ ዚ ልዕሊ ከዳዕ ዓመጸኛ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝውሰድ ሱጉምቲ ግን ልዕለና ንጎሮባብትና ዝምልከትን ኮይኑ ድዩ ዝስማዓና ዞሎ፧

በሉ እታ ንእሽቶ ታሪኽ ንኣርእስቲ ጽሑፈይ ክትከውን ዝመረጽኩዋ መልእኽቲ ንገለ መንገዲ እንተሓበረት። ኣብ ኣጋሮ እትብሃ ንእሸቶይ ከተማ ዝነበረት ዘጋጠመ ተርእዮ ከዘንትወልኩም። እንተ ኾነ ግን ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ተኻታተልቲ ጽሑፈይ ንእግረ መንገደይ እታ ኩልና ንፈልጣ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ስርዓት ደርጊ ብፍሉይ ዕለት ግዳይ ደብዳብ ዝነበረት ኣይኮንኩን ከዘንትወልኹም። እዛ ኣውጋሮ ናይ ዓድና እንተ ብኣጋጣሚ እንተ ብመደብ ኣብ መዝገብ ዓመታዊ ኣጀንዳ ናይ ደብዳቦም ግዲ ሒዞማ ነይሮም ብፍልይ ዝበለት ዕለት ግዳይ ይገብርዋ ነይሮም። ብዕለት 08 መጋቢት 1983 ዝጀመረ ደብዳብ ነፈርቲ ብስርዓት ደርጊ ኣብተን ዘተረፋ ዕድመ መግዛእቱ በብዓመቱ ኣብ ዕለት 08 መጋቢት ንኽልተ ግዜ ማለት ብድምር ድማ በዛ ዕለት ንሰለስተ ግዜ ተደብዲባ። ኣብ ዕምሪ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብሰርዓት ደርጊ። እንተ ሕጂ ነዛ ዝይተዓደለት ኤርትራዊት ኣውጋሮ ግዳይ ኣረሜናዊ ደብዳብ ዝኾነት ኣይ ኮንኩን ከዘንቱ። እንታይ ድኣ እታ ኣብ ኢትዮጵያ “ክፍላ ኣገር ወለጋ” ትርከብ እታ ናይ ዶር ኣቢይ (ኣብዮት) ኣሕመድ መቦቆል ዓውዲ ትውልዱ ትምህርቱ ዝኾነት ከተማ ኣጋሮ ክኸይድን ክምለስን ዝረገጽኩዋ እያ ከዘንቱ። ንበደለ እተበህለ ቦታ ኣብ ዝተጓዓዝኩሉ ግዜ ዝነበረ ተርእዮ ብምኻኑ ንክህልዋና ዝክእል ናይ ቦታን ሽም ከየዳናግረኩም ከብርህ እፈቱ። ኣብ ዘመን ህግደፍ ስደት ብእግሪ ኣያ ዑቁባይ ኮይኑ እቶም ብ ሃገረ ኢትዮጵያ ኣቢልኩም እተሰደድኩም ግን በደለ ዝብል ስም ሰሚዕኩ ወቃሕ ኢላትኩ ትኸውን ኢያ። ርግጽ እዩ ዝረገጽኩሞ ቦታ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ዝሰተኹሞ በደለ ቢራ ዝፈርየሉ ብታ እያ። ተወላዲ “ኣጋሮ ክፍለ ኣገር ወለጋ” ዝኾነ ቆልዓ ኣብ ጋዜጣ ናይ ኢትዮጵያ ያልታደለ ህጻን ክትብል ኣስፊራ ወጺኣ ነይራ። እቲ ምኽንያት ድማ እዚ ህጻን ብተፈጥርኡ ኣብ ገጹ ንቡር ታሕተዋይ መንከሱ ወይ መንጋግኡ ብዘይምንባሩ (facial fragment) ዝሓደሮ ስንክልና ከይኣኽሎ ንዝስዓቦ እገዳ ካብ ትምህርቲ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ህጻን ዕደሙኡ ኣኺሉ ንትምህርቲ ኣብ እተላኸሉ ዝገጠሞ ዕድል ግን ከምቶም መሳትኡ ንትምህርቲ ዝወፈሩ ንኽማሃር ኣይተዓደለን። ምኽንያቱ እቲ ዝነበሮ ተፈጥራዊ ስንክልና ኣብ ክፍሊ ምስ ኣተወ ተማሃሮ ብዝነበሮ ጸገም ንዘረብኡን ስሕቁን ሰሚዖም ብስሓቅ ክቆስሉን ብወገን መምሃራን ድማ ክምህሩ ኣብታ ክፍሉ ተሸገሩ። እታ ቤት ትምህርቲ ግን 30 ቆልዑት ሒዛ ትምህርታዊ መደባ ንምቅጻል በዳሂ ኩነታት ኮይንዋ። ከም ቤት ትምህርቲ ኣአንጋዲት እዞም 30 ቆልዑት ኮይና ዘቀጽላ ዉሳኔ ድማ በጺሓ። እቲ እተገብረ ዉሳኔ ነዚ ያልታደለ ህጻን (ዘይተዓደለ ህጻን) ምስጓግ ኢዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ካብ ን30 ተማሃሮ ናይ ትምህርቲ ዕድሎም ምኽሳር ነዚ ሓደ ህጻን ምስጓግ ይሓይሽ ብዝብል ውሳኔ እዩ እተተገብረ። ኣደ ናይ ዚ ህጻን ብወገና ንወሳኔ ብታሕጓስ እያ ተቀቢላቶ። “እንዴ ትምህርት ሄዶ የሚያመጣዉ ገቢ የለዉም ኣስፋልት ከቦቴ ጋር እየሮጠ ለማኛ በምሆኑ ግን 5 ብር 10 ብር በቀን ገቢ ይሻለኛል” እያ ዝበለት። በቲ ኣቀዲሙ ዝነበሮ ስራሕ ኣብ ጽርግያ ወፊሩ ብምልማን ዘምጽኣላ ዝነበረ 5 ብር 10 ብር ገንዘብ ኣብ ትምህርቲ ወፊሩ ሰለዝቦኾራ እያ ምስጓጉ ዉሳኔ እታ ቤት ትምህርቲ ብደስታ እተቀበሎቶ። በቲ ቦታ ዝንቃሳቀሱ ዘነበሩ ሰብ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ቦጣትን ዝማላለሱ ዝነበሩ ኤርትራዊያን ኢትዮጵያወን ነቲ ኣዝዩ ዘሰንብድ ንገጽ ብሻንፈቱ (ከንፈሩ) መጢጡ እናስሓበ ነዒንቱ ብምሽፋን ዝልምን ህጻን ይተኸብሉ ነይሮም። ወረ ንገለሰ ብዝገብሩሉ ዝነብሩ ልግስንኦምሲ ብስርዓት ንመካይኖ ኣላሊይወን ደድሕሪ ማኪንኦም ይጎይ ነይሩ። ሎሚ ኣብዛ ንእሽቶይ መንደር ኣጋሮ ያልታደል ህጻን ዝሶጎገት ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ ዝፈረየ ኣቢይ (ኣብዮት) መሓመድ ናይ ሎሚ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ 1ይ/ሚ ኢትዮጵያ ኮይኑ ደድሕሪ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ኢሰያስ ይጎይ ኣሎ። ካብ ያልታደለ ህጻን ብኣንጻሩ ናብ ሃገርና ከወስደኩም ዘይተዓደለ ህዝቢ (ያልታደለ ህዝብ!) ክወስደኩም። ን 29 ዓመት ብዉለቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ንህዝብና ኣብ ዓለም ተራኢዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ የውርድ ኣሎ። ቤት ትምህርቲ ዓጽዩ መምሃራናት እናሃገረ ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ ኣዕንዩ። ሓረስታይ ህዝብና ኣብ እዋን ቀውዒ ምህርቱ ከይእክብ ብዕላማ ንታዕሊም ኣውሪዱ ናብ ኣደራዕን ሽግርን መከራን የውድቅ። ንመናእሰያትና ድማ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንባርነ ዝፈርዶ ዘሎ። ኣብ ኩሉ ትካላትን ጽላትን ሃብቲ ሃገር ዘማቲኡ ዘይፍለጥ የጥፍእን የዑኑን ኣሎ። ጸይቂ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንተ ኾነ ግን ጎኒ ጎኑ ድማ ትንፋስ ሂብዎ ዘሎ ድኽመትና እዩ። ንህዝብና እናኣጥፍእን ሃገርና እናኣዕነወን ኣብ ክንዲ ተላዚብና ንነቅሓሉ ነዚ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢስያስ ንጽልጽሎ ካብ ሓላል ገጽ መሬትና! በንጻሩ ግን ሓድነትና ኣላሕሊሑ ንህዝብናን ሃገርናን የጥፍእ ኣሎ። ኣይሰላም ኣይኹናት ንረብሓ ሕልሚ ስልጣን ፖሊስ ዉልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስን ስርዓት ኢትዮጵያን እንበር ንረብሓ ህዝብና ኣይኮነን። ብዉግእ ዘይተረኽበት ወደብ ዓሰብ ብዋጋ ሓድነትና በቲኖም ዝቃሙቱሉ መድረኽ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ የንጽፈሎም ኣሎ። በዚ ድማ ገለ ኢትዮጵያውያን ኣየተሳኣኑን ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዘይተማሃርዎ ፍልስፍና ምድማር ብቀትሪ ደቂሶም ኣብ ሕልሚ ምድማር ጣና ሃይቅ መልሓቅ ምስ ደርበዩ ምብርባር ዝስኣኑ። ብዓል ተኣምራት ነገራ ግደ ሓቂ እታ ዓባይ ኢትዮጵያ ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ በጺሕዋ ናይ ህላወ ኑዛዜ ኣብይ እሞ ክይርድኦም።

ሲወዱን ሲጠሉን ይኖራሉ እንኝ በትካዜ ኣለ ቀይ ባህር በህልም ውዝዋዜ። ኣሁንም ቢሆን መናገር ቢቻ ሳይ ሆን ሞኖር ነው ብቅጀት የርስቸው ድርሻ።

ርግጽ ዘይተዓደለ ህዝቢ!! ኣብታ ጠፋእና ማርያም ኣስመረይቲ ናበይ ምስ ከደት ዝበሎ ክምልሰኩም ማለት ስርዓት ደርጊ ሰጕግና ስርዓት ዘርጊ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ እንዲና ኣምጺእና። ንህዝቢ ኣብ ብሻቁሎት ተዋሒጡ ኣጋላቢጡ ንከይሓስብን ኣንጻሩ ከም ዘይላዓል ምግባር ለይትን ማዓልትን ድቃስ የብሉን። ነታ መን ድፋዕ ክትከዱ ኢሉኩም እንታይ ድኣ፧ ምስ ተባህለት እተዋህበት ተደንጹ መልሲ ድማ ካብ ነፋሪት ብጃንጥላ እንተ ኣውረደ ሽዑ ኸ እንታይ ኢኹም ከገብሩ፧ ኢዮም ተባሂሎም፡ ሰብኣይ ድማ ብስንባድ ከምዚ ኸ ኣሎ ድዩ፧ ማርያም ኣስመረይቲ ናበይ ምስ ከደት ኢሎም ብረቶም ተሰኺሞም ንገዝኦም። እዚ መርገም ዘለዎ ሓቀኛ ዛንታ እዩ። ብውሽጢ ዳግማይ ውዲት እዚ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ብደገ ድማ ናትና ክንሶም ኣቀዲሞም ክንዮ ምድማር እተራበሑ ኣይስሓትናዮም። ውጺኢት ትርጉም ሕልሚ ምድማር ናይ ኢሱ ና ኣቢይ ኣብ ባይታ ድማ ምጉዳል ዓሰብን ካብ መሬት ሃገርና ማለቱ እዩ። በሉ ሕራይ ባጽዕ እንተ ወሰድዋ ኽ፧ ዋ…..እ ማርያም ጥዋለት ናብይ ምስ ከደት ከ!! ኣንታ እታ ዓሰብ እንተወሰድዋ ኸ፧ ሚኪኤል ኣቦይ ከ ናበይ ምስ ከደ ምባል ጥራይ ብዘይ ጥሙር ቀላሲ ሓድነት ዋጋ የብሉን። ኣብ ዚ ኹሉ ከይበጻሕና ኣባይና ንምጽንጻል ብዘይ ውዓል ሕደር ሃየ ድኣ ንልዓል ብሓድነት።

እንታይ እዩ ዝስማዕ ዘሎ ብገለ ካብ ኣሕዋትና፧ ነቶም ገንሸል ልእላውነትና ዝኾኑ ስውኣትና ንዕዳጋ ኣውሪዶም ኣለው። ሎሚ ነቲ ዝወነንዎ ኤርትራውነቶ ዝተኽፍሉ ስውኣትና ኪሒዶም ንኢሰያስ እዮም ተሰዊኦ ምባል ምስ ምንታይ ከ ይቁጸር፧ ተጋደልቲ ሽፋቱ እዮም ዝብሉ ግዜ ዘምጽኦ ግዜ ይውሰዶ ብዝብል ዝሕለፍ ኣይኮንን። ገለ ግዳይ ህግደፍ ዝኾኑ መንእሰያትና ግን ንቃልሲ ሰውራና ናይ ሸፋቱ እዩ ነይሩ ይብሉ። ነቶም ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ንዝተሰውኡ ጀጋኑና ድማ እዞም ሸፋቱ ንእሰያስ እዮም ተሰዊኦም ምባሎም ንደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ኣዝዩ ዝተሓሳስብ እዩ። ንዓባይ ኢትዮጵያ ዝሓልም ሃጸይ ልጅ ኢሳያስን ስርዓቱ ህግደፍን ታሪኽና ካብ ምስናድ ብዕላማ ዕሽሽ ምባሉ እተረኽበ ውጺኢት እዩ። እንበር እቲ ሓቂ ካብ ጉንበት ክሳብ ታሓስ ናይ 1977 ዝነበረ ግዜ ነዚ ሎሚ ንሰውራ ኤርትራ ናይ ሸፋቱ ተባሂሉ ዝግለጽ ዝሎ ተጋዳላይን ህዝብን ንምጥፋ ዝፈሰሰ ገንዘብ ክንደይ ኮን ነይሩ ይኸውን፧ 850 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካን ካሽ ጥረ ገንዘብን ክዋሃብ እንከሎ። ናይ ሓደ ብሎዮን ዝዋጉኡ ወትሃደራዊ ኣጽዋርን ንኢትዮጵያ 60 ሚግ 21 ነፈርቲን 12 ሚግ 23 ዝጥቃለለ ተዋሂባ። ከሳብ እቲ ኩናት ዝውዳእ ዝነበረ ግዜ ድማ 12 ብልዮን ዶላር ብመልኽዕ ወትሃደርዊ ኣጽዋርን ወትሃደራዊ ስልጠናን ሓገዝ ንኢትዮጵያ ተዋሒቡ። ህዝቢ ኤርትራን ሰውራ ኤርትራን ኣንጻር እዚ ኹሉ ገዚፍ ዓቅሚ ናይ ደገ ኪዳን ሓይልታት ተቃሊሱ ከቢድ መስዋእቲ ክፊሉ ዝመጸት ሃገር ሎሚ ሰውራ ኤርትራ ናይ ሸፋቱ ምንባሩ ዝገልጹ መናእሰያት ብዓል “ቡሩህ መጻኢ” ሰብ ስረ ይቱብ። እሞ ድኣ በቶም ዋጋ ሸፍቱ ዝብልዎም ዘለው ስውኣትና ተኸፊላ ዝመጸት ኤርትራ ሃገርና ምኽሓድ እንታይ እዩ መኽሰቦም፧ ነስተውዕል እሞ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ብግብሪ ንስውኣትና ብምኽሓን ኣብ መድረኽ ወጺኡ “ኣይከሰርናን” ብምባል ነዚ ረዚን ምስዋእትና ይክሕድ። እቶም መላፍንቱ ኮይኖ ዘለው “ቡሩህ መጻኢ” ድማ ንዓና ኢሎም ኣይተሰውኡን ንኢሰያስ እንበር ካብ በሉ ድኣ ከምይ ኢላ እያ ትብጽሖም፧ ብዕላማ መስዋእቶ እተረኽበት ሃገርና ድማ ነቶም ገዛእትና ዝነብሩ ኤርትራ ሃገርና ከም ዘይናቶም ምኻና ብስዕረቶም ኣሚኖም እዮም። እሞ ድኣ ሕልሚ “ቡሩህ መጻኢ” እንታይ ዓይነቱ፧ ከም ዝምስለኒ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ስውኣትና ናይቶ ተሳዒሮም ንሃገሮም ዝኽዱ እዩ ዝመስል።

ክሳብ ሎሚ 2020 ንውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ እዚ ኩሉ ጽልኡን ጽላለኡን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ከትግብር ተዓንዚዞም፡ ኣግማል ዝኾኑ ሰበ ስልጣንሓ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ጉዶም፧ ገመል እዛ ብዓልቲ ግርማ ብማዕዶ ትልለ፡ እታ ዝዓበየት እንስሳ ዘቤት ኣብ ሃገርና እያ። ኣብ ኣገልጉሎት ንወድ ሰብ ካብ ሙቁር ስግኣ ንመግቢ ክሳብ ጉልበታ ኣብ ኩናት ከይተረፈ ብትዕግስቲ ትግዛ እያ ነይራ። ኣብ ቃልሲ ዝነበራ ተራ ድማ ሎሚ ከም ምልክት ኣብ ፓስፖርትና ምስላ ኣስፊራ ንዓለም ኣብ ምዛር ዕድል ረኺባ ኣላ። እንተ ኾነ ግን ምስ እዚ ኹሉ ሰፍ ዘይብል ኣበርኩቶ ንወዲ ሰብ እናኣበርከተት ኣብ ገለ እዋን ንነብሳ ምእላይ ግን ኣይተዓደለትን። ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ሩባ ደቂሳ ውሑጅ መጺኡ ከምቶ ክሳብ ዝወስዳ እያ ትጽበ። መስክነይቲ ገመል ድሕነት ነብሳስ ካብ ዋንኣ ትጽበ። ኣብዚ እንሀ እቲ ሕመረት ቁምነገር። እዞም መጋድልቲ ገመል ዝነበሩ ጀጋኑ ተጋደልቲ ሎሚ ናታ ባህሪ ለቢሶም ንውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ በብሓደ መጺኡ ክሳብ ዝበልዖም ካብ ኮብራል ክሳብ ጀነራል ክጽበዩ ንርኦም ኣለና። እዚ ተርእዮ ሎሚ ካባና ሓሊፉ ንህዝቢ ዓለም ዘደንጸወ ትዕዝብቲ እዩ። እቲ ዝነበረ ጅግንነት ኤርትራዊ ኣብ እዚ ሓደ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ በጺሖም እንታይ ኮን ረኾቦም እናበለ ይግረም ኣሎ። ወረገ ሓደ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዝመቦቆሉ መጸዋዕታ ንስራዊት ኤርትራ ብዩቱ ኣቅሪቡ ነይሩ። ኣብ ዛ ሊንክ ንመልከት መጸውዓት ዶር ባባጃ https://dl-mail.ymail.com/ws/download/mailboxes ገለ ካብ ትሕዝቱኡ በዚ ኣጋጣሚ መጸዋዕታይ “ንሰራዊት ኤርትራ ተባራበሩ ዓይንኹም ኣንቁሑ ንህዝብኹም ኣኽብሩ ነሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኣስላም ኣይትቅተሉ እምነት ምስልምና ቤት ትምህርቶምን ብምዕጻው ኣይዕገትን እዩ። እምነት እስላም ብምቅንጻል ፍጹም ጠጠው ኣይከተንብል ኢኹም። ጠጠው ከነብሎ ኢና ኢክኹም ትሓስቡ እንተኾንኹም ግን ትሓልሙ ጥራይ ኢኹም ዘለኹም።ክንደይ ቤት ትምህርቲ ክርስትያን ዓጺኹም ኣለኹም፧ ክንደይ ክርስትያን ከ ቀንጺልኩም ኣለኹም ኣብ ገዛእ ሃገርኩ፧ ሓደ ግዜ ምስ ኦም ኮፍ ኢለ ክዕልል ምስ ጀመርኩ ብዙሓት ካብኣቶ ሃብታማት ሰብ ርእማል እዮም ናብ ሃገሮ ክምለሱን ክውፍሩን እንዳ ደለዩ ንዓዶም ክምለሱ ኣይክእሉን ብሰንኪ ሓደ ሰብኣይ! ሰራዊት ኤርትራ ዓይንኹም ኣንቁሑ ብሰንኪ ሓደ ሰብኣይ ሚልዮንስ ኤርትራውያን ንሃገሮም ክምለሱ ኣይካኣሉን። ምኽንያቱ እንተ ተመሊሶም ዝጽበዮም ካብ መንግስቲ ግዳይ ናይ ምእሳርን ምጭዋይን ካብ ምኻን ስለ ዝሰግኡን ዝፈርሑን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ንሓደ ውልቀ መላኺ ሰብ ምኡዙዛት ምኻን ጠጠው ኣቢልኹም ንህዝቢ ሃገርኩም ኢኹም ክትምእዘዙ ዘለኩም። በጃኹ ንህዝብኹም ምቅታል ጠጠው ኣብሉ። ዓይንኹም ኣንቁሑ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኢና ዘለና።” ይብል መጸውዕታ ዶር ባባጃ

ገበናዊ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ለብድ እዛ ንታንኪ ትጽዕን ዓባይ ማኪና ውን ኣይትጾሮን እያ። ህዝብን ሃገርን ዝኸዳዕ ክንድዚ ገበን ዝፈጸመ ከዳዕ ኮሮና 91 ሃጸይ ልጅ እሰያስ ሓቁ እንድዩ ብኹናት መራኸቢ ብዙሃን ብናይ ፍይስ ቡኩን ዩቱብን ንምርሻን ዝተፈተ ግን ዕውት ኣይኮነን። ናይ ነዚ ኮሮና 91 ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ገበን ጸብጺካስ ይትረፍ ብፈይስ ቡክን ይቱብን ጥይት ጥራይ ዘርሸን ገበን ኣይኮነን ዘለዎ። እንታይ ድ፧ ህዝቢን ሃገርን ዘጥፍእ ዘሎ ገበነኛ ውልቀ መላኪ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ግን ብፋጎት ከማን ንጋዳ እዩ። እቲ እንኮ ፍታሕን ምርጫ ንሰላምን ሃገረና ምዕቃብን ፋጎት ጥራይ እያ መድሃኒቱ። እንበር ሎሚ ዝጋዋሕ ዘሎ ኣብ መራኺቢ ቡዝሃን ዲንቂ! ወደባት ወልንኪኤል ኣብርሃ ዶ ስምኦን ገብረድንግል ዶ….ወዘተ ምባል ግን ኣይዘረባን። እቲ ጉዳይ ዞም ገለ ኣግማል ጀነራላት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝኾኑ ግን ብወደባትነቱ እንበር ብሓጥያትነቱ ድሓን ተባሂሉ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ማለት ግን ካብ መብረ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ምኻን እንታይ ዋሕስ ኣለዎ ንህዝብና፧ ንብል እውን ኣይውሓድናን። እሞ ድኣ እንታይ እዩ እቲ ፍታሕ፧ ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ዶ ይሕደር ኽይኑ ሓቀይ፧ እቲ ለውጢ ብርግጽ ካብ ውሽጢ ንውሽጢ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዝሎኒ። ኣብ ዛ ሓሳብ ርጉጽ እዩ ምስ ገለ ሰብ ከምዘይ ንሳማማዕ። ምኽንያቱ ለባማትና እቶም ሰብ ታሪኽ ኣባይና ንምብርኻኽ ዝመርሑና ሓይሩ ንሰብ ድርብ ዜግነት ኣባሪሩ ግርም ሓድሽ ፍቅሪ ምስ ኢሱ ዝብሉ። ሎሚ ድማ ስግር ማዕዶ ከይዱ ለባም ናይ እንዳማቱ ዝምነ ሓደ ስማዊ ልኡኽ ውጻኢ ጉዳይ ዓቀታይ ሚንስተር ዑስማን ሳልሕን የማነ ማንኪን ሒዝካስ ካብ ውሽጢ፧ እወ!! ኣብ ውሽጢ ኣለውና እሞ ኽኣ ካብ ህግደፍ መን ሒዝካ ድኣ ኮይኑ እዩ፧ ብቀንዱ እቲ ጸሓፊ ናይ ኮሮና 91 ህግደፍ ዝኾነ ተ/ጋ ኣልኣሚን መሓመድ ሲዒድ ከ ናበይ ምስ ከደ፧ ንዕኡ እንተ ኢልካ ግርም ኣሎኻ ኣብቲ ቅድሚ ዓሚ ብስም ምዓልቲ ናጽነት ጉንበት 24 ዝገበሮ ቃለ መሕተት ድንቁርንኡ ጥቅልል ኣቢሉ ንካ ኣስምዓና። “ኣንጻር ኤርትራ ንኸይትምዕብል ዘይተገብረ ዕንቅፋት የሎን። ካብ እገዳ ኣትሒዝካ ካብ ሰብኣዊ መሰል ኣትሒዝካ! በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዓለም እታ እንኮ ሃገር መሰል ወዲ ሰብ ተኽብር ሃገር ኤርትራ እያ፡ ዝበለና ተ/ጋ ኣልኣሚን ይቅጽል ዘረብኡ ከነጽር ጽላልኡ። ባዕሉ ዝሓተቶ ንዝህቦ መልሲ እሞ ንስምዓዮ። ወዲ ሰብ እንታይ ይደሊ ንኽነብር፧ ጹሩይ ማይ ዝስተ፡ መግቢ ዝብላዕ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ምርካብ እዩ። ሕጂ ኣነ ከመ ድላየይ ኣብ ገዛይ ደቂሰ ሰብ መጺኡ ዘይርብሸኒ የሎን። ናብ ድላየይ ኣብ ሙሉእ ሃገር ብዘይ ሓታቲ ከምድላየይ ይንቀሳቅስ ኣለኹ ይብል። ሎሚ ድሕሪ 27 ዓመት ከሚዚ ክትሰምዕ ካብ ጸሓፊ ኮሮና 91 ህግደፍ ኣልኣሚን ግን ሎሚ ገድሊ ተጀሚሩ ኣሎ ዝበልዎ ክጋደል ዝወፍር ዘሎ እዩ ዝመስል። ንዝገበሮ ቃለ መሕተት ኣብ ዛ ሊንክ ንመልከት፡ https://youtu.be/phixhv3aYa8 እንበር ግደ ሓቅስ እታ እንኮ ሃገር ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ዓለም ብዘይ ፍርዲ ንወዲ ሰብ ብኣሰቃቂ ዝሕየረላን ለባም ሲኢና ንሸመታ ዕዳጋ ዘውረደትን ብልእላውንታ ንኽጣላዕ ንውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሱ ዘፍቀደ እያ።

ኣብ መወደታ ጽሑፈይ መን እዩ ተሓታቲ ዝተቃልሰናሉ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሽግር ወዲቁ እናርኣየ ፍታሕ ዘየናዲ፧ ከምቲ ናይ ቻይናውያን ምስላ ዝብልዎ ይግበርልና እዩ ዘብል። “ለባም ወትሃደራዊ መራሒ ሃገር ካብ ምጥፍኣ የድሕን” እዩም ዝብሉ። እሞ ድኣ እዛ ሃገርና ኮይንዋ ድዩ ለባም ወተሃደራዊ መራሒ ተሳኢኑዋ ድሕሪ ናይ ፎርቶ ስርሒት ወዲ ዓሊን ብጾቱን፧ መልሱ ድማ ኣብ ቅድመና ዘሎ ግዜ እዩ ክኸውን። እናበልኩ ጽሑፈይ ይዛዝም።

ውድቀት ንኣጽናቲ ሕልሚ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ!!
ራህዋን ሰላምን ንህዝብናን ሃገርናን!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!

ሰሎሞን የውሃንስ
ዓባይ ብሪጣንያ
24 May 2020

1ይ ክፋል - ኣብዚ ጠውቑ።   2ይ ክፋል - ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

"ኣይከሰርናን! ንስኻ ኢኻ ትመርሓና!" ኢሳይያስ ኣፈወርቂ።



Share with friends: