ዕለት 25 March - ዓለምለኻዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ባርነት

08/08/2018 17:46 PM

ዕለት 25 March

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ባርነት

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ

Eritrean-National-Service

ዕለት 25 March - ዓለምለኻዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ባርነት
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

25/03 ዓለምለኻዊ መዓልቲ፡ ግዳይ ንግዲ-ባርነት፣ እትዝከረላን ልዕሊ 15 ሚልዮን አብ ባርነት ዝጠሓሉላን፣ ንኣስታት 400 ዓመት ብዘይምቁራጽ ዝቕጽል ዝነበረ፡ ብቓልሲ እቶም ብሓይሊ ባሮት ዝኾኑ ዝተቛረጸ፣ ግናኸ መልክዑ ለዊጡ ዝቕጽል ዘሎ፣ ነዚ ነገር ንምቅላሱን፣ ነቲ ዝተቛረጸ ንምዝካርን እዛ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፋ ዘላ ዕለት ክትብዕልን፣ መዓልቲ ዘተን ዝኽርን መተሓሳስቢን ክትከዉን ወሲኑስ ዓመት መጸ፣ አብ ኹሉ ሃገራትን መጋባእያታትን፡ ድርጅታት ኣዳባባይን፣ ብመልክዕ ዘተ ይኹን ቲያትር፣ መደረታት፣ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ብምዝውታር ብዕምቆት በቢ ዓይነቱ ምውሳእ ይርአ።

ከም እንፈልጦ ባርነት ካብ ርሑቕ እዋን ዝተወስደ ውርሻ ኣይኮነን፡ ኣብዛ ንነብረላ ዞሎና እውን ህሉው ኮይኑ፣ ብዝተፋላለየ መልክዓት ጎሊሑ ዝርአ ኩነት/ነገር እዩ።

እቲ ከም መስተንክር መርኣያ ባርነት-ደቂ-ሰባት ከም ኣቕሓ ክሽየጡን ክልወጡን ምርኣይ እዩ፤ እሱ ኸኣ መግለጺ/ትርጉም ከም ፕሮቶኮል ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር መሸጣ ደቂ-ሰባት ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡ "ሓይላዊ ክተባ፣ መጓዓዝያ ሰባት፣ ምስግጋር ደቂ-ሰባት፣ ብዘይ ድልየት፣ ብሓይሊ ሰውነተን ንምሻጥ (ክምንዝራ) ምግዳድ፡ ንተኣፈፍቲ/ተነቀፍቲ ደቅሰብ ብዘለካ መዓርግ ክትጥቀመሎም ምግባር፣ ገንዘብ ወይ ካልእ ዓይነት ብምሃብ ብምዕሽሻው ንትሕቲ-ዕድመን ተነቀፍቲ ደቂሰባት መርወይ ድልየትካ ምጥቃም፣ ምጭዋይን/ምስራቕን ደቂ ሰባት፣ ብዘለካ መዓርግ ተጠቒምካ ብግድነት ብዘይ ደሞዝ ናትካ ሰራሕተኛ ኮይኖም ከገልግሉኻ ምግባር፣ ኣካላት ደቂ ሰባት ምሻጥ፣ ብሓጺሩ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዓመጽ-ግፍዒ-ዘይቅጥዓዊ ስርሓት፣ ብምዝካር ንኹሉ ኽብሪን መሰልን ደቂ ሰባት፣ ንኸይጣሓስ እትዝከር መዓልቲ እያ፡፡

ዓለምለኻዊ ብመሸጣ ደቂ ሰባት ዝግደሱ ትካልት፣ ዝሃብዎ ጸብጻብ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብዘይካ እተን ኣብ ትሕቲ ዲክታተርነት ስርዓታት ዝርከባ ሃገራት ገዲፍካ፡ 2.5 ሚሊዮን ደቂ ሰባት ኣብ ባርነት ይርከቡ፣ መብዛሕትኦም 60% ትሕቲ-ዕድመን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ድማ ይሕብር፡፡ ዕዳጋ/መሽጣ ደቂ ሰባት፣ ከም መኽሰባዊ ዕብየቱ ኣብ ሳልሳይ ቦታ ዝርከብን፡ 32 ሚሊያርድ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ዓመት እቶት ዝርከቦ ኾይኑ፡ ብሓቂ እቲ ኣኽሳቢ ወንጀላዊ ወይ ገበናዊ ዕዳጋ/ስርሓት ምዃኑ ጸቒጡ የብርህ፡፡ ብፍላይ ስደኛታት በቲ ናታቶም ተኣፋፍነት/ተነቃፍነት vulnerableness ጥራይ ዘይኮነስ እተን ከዕቅብኦም/ክካታተልኦምን ዝግበአን ሃገራት፣ ከም ጸገም ገይረን ስለ ዝወስድኦም ከምዘይናተን ብምርኣይን ዕሽሽ ኢለን፡ ብዘይ ተገዳስነት ኣብ ጫካ መስርሕ ናይቶም ወንጀለኛታት (criminals)፡ አብ ኢዶም ክወድቁ ይሓድግኦም። ገበኛታት ክኣ ኣብ ዕዳጋ ደቂ-ሰባት የዋፍርዎም፤ ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዝወርዶም ዝነበረ በቢዓይነቱ ግፍዒን ባርነትን ኣምሊጦም ድሕሪ'ቲ እዚ ዘይብሃል ጸገማት ሲዒሮም ራህዋን ብልጽግናን ሰላምን ንምርካብ ዝነበሮም ሕልሚ፣ ኣብ ኢድ ሸፋቱ/ወንገለኛታት ይወድቁ፣ ሕልሞም ተኾሊፉ ናብ ሓድሽ ባርነት ይሳገሩ፡፡ ብፍላይ ክኣ እቶም ናይ ፖለቲካ ዑቑባ ክረኽቡ ዘይካኣሉ፡ ኣብዚ ሓደጋ ክወድቁ ግድነት እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግደታዊ ምንዝርና የእትውወን፣ ስጋብ መሸጣ ኣክላት ደቂ ሰባት የጓንፍ፣ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዘይሕጋዊ ውላድ ስድራበት ይኾኑ እሞ፣ ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጢን ምፍርራሕን ዘለዎ ሕማቕ ሂውትን፣ ኣብ መንነትካ ምንዳይን ክትነብር ትግደድ። ኣብዝን ከምዝን ኻልኦት ጹዑቕ ጸገማት ዘለዎ እዋን ኢና ንነብር ዞሎና፡፡

ጽቡቕ ድልየትን ምድንጋጽን እኹል ኣይኮነን፣ ኩሎም ኣብ ሓደጋን ጸገምን ዝርከቡ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰል ምውሓስን፣ ደገፍ (solidarity) ምሃብን፣ ሓደ ካብቲ ሕግታት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝፈረማሉ ስለ ዝኾነ ክኸብር ይግባእ። ብፍላይ አተን ደሞክራሲያውያን ኢና ዝብላ ሃገራት እሞ ግደታአን’ዉን እዩ። እቲ ዝበለጸ ስምረትን ምትሕግጋዝ ህዝብታትን በቲ ጉቡእ መልክዑ ዝካናወን ነይሩ እንተዝኸውን ክኣ'ሞ፡ ደቂ ሰባት ዓዶም ገዲፎም ናብ ካልእ ኣይምተሰዱን። ስለዚ ኩሎም ስርዓታት ዓለም ካብ ስሱዕነት (egoist) ወጺኦም አብቲ ናይ ብሓቂ ምድግጋፍ እንተ ዝኣትዉ ብሰላምን ፍቕርን ሕውነትን ክንበር ምተኻእለ። እተን ብቑጠባ ዘይማዕበላ፣ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዘይብለን ሃገራት፣ ድማ ህዝብታተን ነቒሖም ንመሰሎም ክቃለሱ ካብ ምሕባርን ምጽዋዕን ካልእ ከም ኣማራጺ ኣይህሉን፤ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ለውጥታት ብቃልሲ ህዝቢ ስለ ዝመጽእ።

ኩቡራት ኣሕዋት ነዛ መዓልቲ እዚኣ ብምዝካር ንህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝሓወሰ ምስ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ምይይጥ/ዘተ ስለ ዝገበርና፡ሕጽር ዝበለን ብተኻታታሊ ናይ ዘተና ውጽኢት ከቕርበርልኩም ኣፍቅዱለይ።

ኣነ ከም ዝፈልጦ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ምስ ኣባላቱ ይኹን ምስ ካልኦት ዚጋታት ሓለፍቲ ውድባት ምንቅስቓሳት ውልቀ-ሰባት በቢእዋኑ ከም ኣጋባቡን ኣገዳስነቱን ብምርኻብ ይዛተን ንዝቐረቦ ሕቶ ንክምልስ ቁሩብን ክፉቱን ምዃኑ እየ ዝርዳእ። ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስበዚ ኣጋጣሚ Epdparty official Website ሓደ ዓምዲ ቀጥታዊ ርክብ ምስ ኣንበብቲ ብመልክዕ ሕቶ መልስን ምስ ኣቦ-ወንበር ዝብል ዓምዲ ከተኣታትዉ ይዕድም።

ኣቀራርባይ ጸሓፋይ ከም ሓታታይ(ሓ)፣ ኣቦ ወንበር ተስፋሚካኤል መላሳይ(መ) ገይረ ከቕርቦ ክፍትን እየ።

. ቅድሚ ኩሉ እቲ ህዝብና ዝረኽቦ ዘሎ ኣስፊሕና ከነዕልለሉ ኣገደሲ እኳ እንተኾነ በቢመድረኹ ከነዕልል እናሓተትኩ፡ 25/03 ዓለምላኻዊ መዓልቲ፡ ዝኽሪ ግዳያት-ባርነት ትኸበረላ ፍልይቲ-ዕለት፣ ስርዓት ኢሳይያስ ኻብታ ተኣሲሩላ ዝነበረን ዘሎን እገዳ ክልቀቐሉ፣ ናብ ኮሚሽን እገዳ ጥርዓን ወኸሳ ክግበረሉ ከም ዝሓተተ ብምዲያ ሰሚዕና በወገንካ እንታይ ትብል?

. ሰላም፦ እወ ከምዚ እንሰምዖ ዞሎና ሃታሃታ ብምባል፣ ከምቲ ዝርኣየናዮ ትያትር ኣዲስ-ኣበባ ኣስመራ ናይ ክልተ መራሕቲ ንሰብ ገረሞ፣ ክብሃል ዝክኣል፡ በቶም ዝልኣኽዎም መሻርኽቶም ክሽለሙን ገንዘባዊ ሓገዝ ክረክቡን ንሰምዕን ብተለቪጅን ንርእዮምን ኣሎና። ሲዒቡ ፕረሲደንት ረፑብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብደላሂ መሓመድ ኣብ ኣስመራ ብምኻድ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብስርዓት ኢሳይያስ ተነጺጉ ዝነበረ፡ ሎሚ ንቡር ርክብን ዝምድናን ክገብሩ ተሳማሚዖም ምህላዎም ሪኢና። እዚ ናይ ክልተ ሃገራት ሁጹጽ ምሕዝነታት፡ ነቲ ኣብ እታ ናይ እገዳ ኮሚሽን ኣብ ርእሲ ስርዓት ኢሳይያስ ክልቀቐሉ ኣብዛ ዕለት 25/03 ዝኽሪ ግዳያት-ባርነት አጋጣሚ ምሕታቶም ብጣዕሚ እዩ ዘታሓሳስበካ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ፖለቲካዊ ሽርሒን ኢድ ሓያላት ሃገራትን፡ ንጉብልልና ዝዋዳደራ መንግስትታትን ዝግበር ኣምረ ፖለትካ ምዃኑ ጎሊሑ ይርኣየካ። ምኽንያቱ ስርዓተ-ውልቀ-መላኺ ንህዝብና ካብ ዝእግዶ 27 ዓመት ሓሊፉን ይቕጽልን እናሃለወ፣ ኩሉ እቲ አብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ግፍዕታት፡ ከምቲ ፕሮቶኮል ናይ ኮሚሽን መሰል ደቂ-ሰባት ዝሕብሮ፣ ዋላ ሓንቲ ዘይገበራ ነገር የላን። ብዝያዳ እኳ እቲ በዚ ውልቀ መላኺ ዝገብሮ ገበናት አብ ቤት ፈዲ ሀግ ከቕርቦ ዝኽእል ክነሱ፡ አብዛ ወቕቲ/እዋን ብወገን መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማልን እገዳ ካብ ርእሲ ውልቀ-መላኺ ክልገሰሉ ክሓቱ ሪኢና፣ እቲ ኮሚሽን ግን ግዜ ክወስድ እዩ ወሲኑ። ብወገን እዚ እከይ ስርዓተ-ኣስመራ ንዑኡ ኩሉ ውሁብ ገይሩ እዩ ዝወስዶ፤ ዓለምና ግን ከምኡ ኣይትኸይድን እያ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ህዝብና ካብ ዝእገድ 27 ዓመት ኮይኑ ኣሎ፡ መሰል ኤርትራውያን ተረጊጹ፣ ፖለቲካውያንን መንፈሳውያንን፣ ዓበይቲ-ዓዲ፣ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ዋላ ሓንቲ በደል ዘይገበሩ ክነሰም፣ ስለ ፍትሕን/ርትዕን፣ መስልን ዝሓተቱ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ናብርኦም፤ ዘይሓፍር ድሙ'ስ ገብረማርያም ሽሙ ከምዝባሃል፡ እዚ ባህርያቱ ዘይልውጥ ግፍዐኛ ስርዓት፣ ኣብ ህዝቡ ዘውርዶ ዘሎ ገበን/ግፍዒ ዝተሸፈነ ወይ ዘይፍለጥ ገይሩ ድዩ ዝወሰዶ? ዘገርም፡ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልን ንቡር ዝምድናታት ምግባር'ስ ንሓጥያታቱ ዝድምሰሰሉ ጌሩ ድዩ ዝሓስቦ? ዕሽልነት ኢልካ ዝሕለፍ ኮይኑ፣ ናትና ቤታዊ ዕዮ ስራሕ ግን፣ ኩሎም ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝንቃሳቐሱ፣ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፣ ህዝብናን፣ ንኹላትና ዝጥርንፍ ጽላል ሃሉዩና ብሓደ ድምጺ፣ ንመጋባእያታት/ድርጅታት ዓለም፡ በዚ ስርዓት እዚ ኣብ ህዝብና ዝፍጸም ዝነበረን ዘሎን ግፍዕታት/ገበናት፣ እቲ ዘይውዳእ ማዕቀብ ኣብ ርእሲ ህዝብና ኣውሪዱዎ ዘሎ ከልግስን፣ እቲ ዘድሊ ጸቕጢ ናብ ግዝኣተ-ሕጊ ምድፍፋእ ክግበረሉ ካብ ምሕታትን ምጽዋዕን ድሕር ክንብል ኣይግባእን። ኣውራ ግን ህዝቢ ብምልዓል መሰረታዊ ለውጢ ንኽመጽእ ምጽዓር ጥራይ ዘይኮነስ ግዚኡ እዉን በጺሑን ዓዳምን እዩ ዝመስል ዘሎ፡ እዚ ወርቃዊ ታሪኻዊ እዋን ከየምልጠና ብሓይልን ቁርጡውን ኣጋባብ ክንቃለስ ይግባእ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ 25/03 መዓልቲ ዝኽሪ-ባርነት፣ ኣብ እቲ ዘርእዮን/ዝምልከቶን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት፡ ወጽዓናን ባርነት ህዝብናን ክንገልጽ ዘይምኻኣልና ስጋብ ክንደይ ጉድለት/ድኻምን ሕምቀትን ከም ዘሎና ይርኣየካ። ስለዚ ናይ ግድን ሓደ ንኹላትና ዝጥርንፍ ባይታ የድልየናን ህጹጽነት ከም-ዘሎዎን ይበርሃልና፡፡

. ምይይጥና/ዘተና ጹቡቕ ነይሩ ግን ነንበብቲ ክይነውሖም መእንቲ እንተ ደኣ ፍቓደኛ ኮንካ ካልእ መዓልቲ ክንቅጽሎ እንታይ ትብል?

. ጸገም የለን ኣብ ዝደለኻዮ ደውለለይ እሞ ቆጾራ እና-ገበርና ክንቕጽሎ ንኽእል ኢና፤ ንተቦግሶካ ኣብ ርእሲ ምንኣድ የመስግን’ውን፡፡

. የቐንየለይ ቃል ይኣቱ ብዝካኣለኒ መጠን ክትርጉሞ፣ ስለምንታይሲ ናይ ውድባት መራሕቲ ምስ ህዝቦም ብዝተፋላለየ መገዲ ክራኸቡን ክዛተዩን ኣለዎም። ምስ ህዝቡኹም ምዝታይን ሓሳብ ህዝብኻ ምፍላጥን እቲ ክግበር ዘለዎ ስራሕ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብድሓን የራክበና

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ብ’ፍትዊ ክፍለ


Share with friends:

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmarino | Eritrea: ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ - ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና



Share with friends: