እናገደደ ዝዓጸበ ዲክታተር ኤርትራ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

24/11/2018 01:50 AM

እናገደደ ዝዓጸበ ዲክታተር ኤርትራ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ

President Isaias Afewerki Interview 03 Nov 2018

እናገደደ ዝዓጸበ ዲክታተር ኤርትራ
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፣ ከመይ ቀኒኹም ፡ ከም እትሰምዑዎን ተንብብዎን ትካተተልዎን ዘለኹም፡ ኣብ ኩሉ ማዕክናትን መራኸቢ ቡዙሃንን እዚ እናገደደ ዝዐጸበ ዲክታተር ኤርትራ፡ በቲ ኣብ እዚ ቐረባ እዋን ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ወይ monologue በይኑ ዝዛረብ/በይኑ-ቁርቁር ዝገበሮ፣ ቃለ መሕትት ክትብሎ ብሓቂ ዘገርም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣አብ ዘውጽኦ ውጥን ብምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ምምልላስ ዕለታዊ ስርሑ ኮይኑ፡ንምዝካር ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ጎንደር ብምኻድ ዝከያዶ ትያትር ክንዕዘንብ ኪኢልና፡፡ አብዚ ናይ ሰራም ውልቀ መላኺ ዘርኣዮ ኦዲሰያ/ድራማ፣ ዝካየድ ዘሎ ዘተታት-ክትዓት ወይ ዝዋሃብ ዘሎ ርእይቶታት፡ አነ እውን ወስ ከብል ከተፍቁድለይን አብ ሓሳባኩም ይኹን ሃገራዊ ዉዑይ ምክርኻርኩም ከተሳቱፍኒ እና ተመነኹ፡ ኣብቲ ሓሳበይን ርእይቶይን መጠረሽታ ለበዋይን ይኣቱ፡፡

ኩቡራት ተኻታተልቲ፡ከተንብብዎን ብድምጺ ይኹን ብተንቀስቅቓሲ ፍሊም ትርእይዎን ዝቐነኹም ኩነትን ዘሳዓቦ ግብረመልስታት፣ እዚ ዝዐጸበ ወይ ጭካን ዘየናሕሲ ዲክታተር አስመራ፣አብ ዝገብሮ በይነ-ቁርቁር monologue ንቡዙሓት አስተንኪሩ፣ አስደሚሙ፡ንገሊኦም ድማ እቲ-ንጽበዮ ዝነበርና ሕልሚ ኣልቦ እዩ፡ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ፣ ዝዓይነቱ፣ሃተውተው ውይ መእሰሪ ዘይብሉ ዓጀውጀው እዩ ዝብሉ፡ርእይቶታት ዝሰማዕናዮን እንሰምዖ ዞሎና ቀጻሊ ኣርእስቲ ኮይኑ፣ ኣብዚ ተመርኩዊስካ ክውስውድ ዘለዎ ተበግሶን፣ዝሕተቱ ጠለባት ናብ ህዝቢ፣ብዝተፋለለዩ ማዕክናት ክውሕዙ እንርእዮን እንሰምዖን ዞሎና ህሞት እዩ፡፡ ብወገነይ ዝግ ኢልካ ነቲ ከም ባሩድ ዓረር/ጥይት፣ተተኲሳ አብ ግንባርካ ወይ ልብኻ ምስ ትጭምተካ እትቐትለካ፣ ኣብ መጠርሽታ ኣብታ ናይ ዘላኣለም ትሕቲ መርየት ተስፍረካ፡ከምኡ ናይ’ዚ ድስቡጣዊ despotic ስርዓት ኢሳያስ ምስላዊት ኤርትራ ገይሩ ኣብ ክንወጾ ዘይንኽእል መድረኽ {4ይ መዋእል ኢሉ ዝጽውዖ} ከሳግረና እዩ ጻዕሩ፡፡እዚ ክኣ ናይ ፈለማዊ ሕልሙን ውጥኑን ከም ዝኾነ፣ ካብ ግዚእ ገድሊ ሒዙ ብጩቕ የብሎ ከም ዝነበር ንሰምዖ ዘሎና ኮይኑ፡አብ ኩሎ ኣህጉራዊ ርክባት ዝግበር ዝነበረ፣ንግጭት ወይ ሰውራ ኤርታራ መዕረፊ ንምርካብ፣ ዝካፈሎ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ዋዕላታት፣ ርክባት ምስ ናይ ኣህጉራውያን ጋዘጠኛታት፣ ዝካይዶ ዝነበረ ቃለ መጠይቓት፣ ብዛዕባ ፈደረሽን ኮንፈደረሽን፡ ብዘይ ጉቡእ ኣጋባብን ግዚኡ ሓልዩ ዝይመጸ፡ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምስ ግዝየ ኣዋሃሂዱ/ኣጣጢሑ ነቲ ናይ መጀመርያ ሕልሙ፣ ንምትርጉዋሙ ይቃዳደም ምህላዉ ጎሊሑን በሪሁን ክርኣ ወይ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ይርከብ፡፡

እቲ ንዓይ ከም ርእሰ ነገር ኮይኑ ዝርአየኒ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብ-1993 ዘካየዶ ረፈረንድም ድሕሪ ብሓይሊ ብረት ናጽነት ምጉንጻፍ፣ ንርእሰ-ውሳነ ወይ ካብ ስርዓት ኢትዮጵያ ምፍላይ ድዩስ፡ ወይ ኤርትራ ከም ኤርትራ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገርን፣ ብህዝባ ዝተራጋገጸ ልእላውነት፣ ዝብል ኣነጺርካ ዘይምርዳእን ወይ ኑጹር ፖለቲካዊ ትንታነን መርገጽን ስለ ዘይሓዘ ኮይኑ ይስማዓኒ፤ ምኽንያቱስ ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ተራጋጊጹ ዝብል ዕለታዊ ኣዛራርባ ኮይኑ ስለ ዝረኽቦ፡፡

ህዝብና ንር-እሰ ውሳነ ዘይኮነስ ንባዕዳዊ ገዛኢ ኣውጺእካ፡ ሓንቲ ሃገር ናይ ደቂ ሃገር፣ ብደቂ ሃገር እትማሓደር፡ ዲሞክራሲያዊት፣ ብግዝኣተ ሕጊ እትካየድ፣ ልእላውነታ ዝሓለወት፣ ሓድነት-ህዝባ ዘራጋገጸት፣ ሓንትን ዘይትምቀል ኤርትራ እዩ ነይሩ ቃሉ፡ ተዓዊቱ ክኣ፡፡እዚ ከብል ዝገደደኒ እታ ርእሰ-ውሳነ እትብል ቃል፣ ካብ ሓንቲ ሃገር፣ ሓንቲ ክሊ ወይ አውራጃ፣ ካብቲ እትንርብሮ ዝነበርት ወይ ዘላ ሓበራዊ ናብራ፣ ፖለቲካዉን ማሕበራዉን ቁጠባዉን፣ ናይ ገዛእ ርእሳ፣ ርእሰ-ምሕደራራ፣ ርእሰ-ውሳነ ክትሓትት ከላ፣ ብሰላማዊ ይኹን ብረታዊ ክትንጸል ምስትደሊ ኮይኑ ስለዘስምዕ፤ ኮይኑ ስለ ዝርኣየኒ፡ ፡ኤርትራውያን ቃልሶም ንር-እሰ ውሳነ ዘይኮነስ፣ ሃገሮም ካብ ባዕዲ ምክልኻልን ንጽነቶምን ሓርነቶም ንምጉንጻፍ ክባሃል ከሎ ይምረጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኑጹር ውን ይኸዉን ዝብል ሓሳብ አለኒ።

ናይ ኣቦታትና ዝበልዎ ንምዝካር፡ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን ‘ ኤርትራ ብጥንቲ እንተኾነ እውን፣ ግዝኣተ ኢትዮጵያ ኮይና ኣይትፈልጥን፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣሚታት፣ ኤርትራውያን ነቲ ኢትዮጵያውያን ንስርቅን ዘመተን ክብሉ ዘካይድዎ ዝነበሩ ውራይ/ዘመታት፣ ክምልሱ ይግደዱ ነይሮም ኢዮም፡፡ ዘመናዊ ታሪኽና እንተኾነ ድማ፣ ሃገርና ብናኣሽቱ ግዛኣተ ልኡል principality ምምሕዳራት ዝቖመት ከም ዝነበረት. . . ጸኒሓ ግን ብኦቶማን ቱርኪ፣ ብግብጻውያን፣ በቶም ካብ ግብጻውያን ዝወሰድዋ ኢጣሊያውያን፣ ደኣ ተታሕዘት’ምበር፣ ከምቲ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ንሱ ዘልዓዓሎምን ንዑኡ ዝድግፉን ዝብልዎ፣ ካብ ኢትዮጵያ (ብኢጣልያ) ከም ዘይተወስደት እዩ ዘብርህ፡፡

እዚ ቃል ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን፣ ነቲ ውልቀ/መላኺ ኢስያስ አብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዝበሎ ‘’ሎሚ ክልተ ዝተፋላለዩ ህዝቢ ኢሉ ዝዛረብ ንታሪኽ ክጥምዝዝ ወይ ዘይምፍላጥ እዩ፤ ዝስምዕ ዘረባ፡ ’’ ምስቲ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን ከተናጻጽሮ ከለኻ ስጋብ ክንደይ ናይ ህዝቢ መቦቆልን ዝኽተሎ ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፖለቲካዉን፣ መሬታውን ክልልላት፣ ደቅስደብ ዝፈጠርዎ፣ምስ ኣናባብርኦም ኣዛሚዶም ዝተኽልዎ ዶባትን፣ ምዕባሌታት ዝሃንጾ ቅርጸ ምሕደራ አወንዚፉ፡ እዚ ዘይሓፍር ድስቡጣ ኢሳያስ፣ ነቲ ህዝብና ብጻዕሩን ሓድነቱን፣ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ክስጉግ፣ ደሙን ዓጽሙን ሰዊኡ፣ ዝተኸላ ሃገር፡ ንመርወይ ሕልሙን፣ ነቲ መምዘኒ ዘይብሉ ህርፋን ስልጣኑ ክብል፣ ህዝብና ዘይደልዮን ዘይሳተፎን ሱዉር ዉዑላት ክፈርምን ኣብ ሓድሽ መዋእል ኣቲና እናበለ፣ ላዕልን ታሕት ክጻፋዕ ይርአ አሎ። እቲ ረሲዑዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንባዕዳዊ ገዛኢ ካብ መሬቱ ሓግሒግካ ንምውጻእ፣ መሪርን ነዊሕን ሰውራ ኣካይዱ ተዓዊቱ ድማ፡፡ ስለዚ ሕጂ መድረኽ ግዝኣተ/ሕጊ ንምትካልን ዲሞክራስያዊትን፣ ብልጽግትን ኤርትራ፣ ብደቂ ሃገራ ደኣምበር፣ ናይ ደገ ዝመጽእ ካብ ደገፍ ሓሊፉ ካልእ ክኸዉን አይክእልን። ኤርትራውያን ደቃ ብቝዓትን ከእለት ዘለዎም ከም ዝነበራን/ዘለዋን፡ እዛ ሎሚ በዓልቲ ጸጋን ሃብታምን ኢሉ ዝደርፈላ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ እትምስክሮ ጥራይ ዘኮነስ፣ ደብተራት ሕጊ-እንዳቦን፣ ዝነበሩ ትካላታታን እዉን ምስክር እዩ። እቲ ውልቀ መላኺ ክተርግሞ ወይ ከስረክቦ ዘይካኣለ፣ስልጣን ንህዝቢ፣ ክትከል ዘይተደልየ ግዝኣተ-ሕግን፣ ናጻ ኮንካ ተበግሶ ምሳድ ዝተኣገደ ዜጋታትን፣ እንተዘይኮይኑ፣ ህዝብናስ ኻብ ካልኦት ህዝብታት ዝሰነፈ ኣይኮነን እንተዘይ ነፊዑ።

ሸክ ዓብደልቃድር ከቢረ ካብ ዝበልዎ ‘ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ልእላውነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዕላሙኡ ክኣ ክብሪ እዮ። ዋጋ ክብሪ ድማ ህይወት እዩ። ዋጋስ ክኽፈሎ እዩ. . . እዚ ድማ ኣብ ማዕራፋት ናይቲ ፍትሒ ዝካየድ ኣህጉራዊ ቃልሲ ሓንቲ ገጽ ንምጽሓፍ እዩ

እዛ ናይ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ ዘረባ ከምቲ ዝተንበይዎ ህዝብና ብዓጽሙን ደሙን ኣብ መዝገበ ሑቡራት ዓለም ተመዝጊቡ እዩ። ስለዚ በዚ ዲክታተር ዝገብሮ ዘሎ ታሪኽና ንምህሳስ ንምቅላሱ፣ ህዝቢ-ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይኹን ኣብ ደገ፣ ብሓባር ጠጠወ ኢሉ፣ እምብልና ኣይንጽንበርን/ኣይንድመርን ሃገርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን፣ ኣብ ናትካ ሓድሽ መዋእል እትብሎ ኣይንአቱን/ ኣይንዋሳእን፡፡

ዘመነ ናጽነትን ፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ኣሕግን፡ ባዕልና እንተኽሎ እዋን እዩ ዘሎ፣ እታ ቃጭል ተደዊላ እያ መንእሰይ ተላዒሉ እታ መዘወር ቃልሲ ክዕትዕታ ተበጊሱ ኣሎ፡ ወይልኻ ንፍትሕን ዲሞክራስን ልእላውነት/ሃገር ሓድነት/ህዝቢ እትጻረር፣ ዝብል ነጎዳ ይስማዕ ኣሎ። ስለዚ እዋኑ ኩሉ ደቂ ሃገር ሓንቲ መዝሙሩ፡ ኢሳያስ ምስ እቶም ቁሩብቅት መሻርኽቱ ክጠፍኡ ኣለዎም እናኾነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፣ ዘበነ ልእላውነት ግዝኣተ-ሕጊ ዝነግሰሉ ይሰርብ ኣሎ፡፡ ብሓጺሩ እታ time-over ግዝየ ኣኺሉ፣ ናብኡ እያ ተመሊሳ/ተገምጢላ ዘላ፡፡

ብምቕጻል ኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያ ካብ ዝበልዎ ንምዝካር ‘ ናጽነት ማለት ሃገርን ህዝብን እንበር፣ናጽነት መሬት ጥራይ ኣይኮነን።ሓደ ካብቲ ክልቲኡ እንተ ዘየለ ናጽነት ክባሃል ኣይካኣልን። ስለዚ በይኑ ልእላውነት ወይ ናጽነት መሬት ጥረኣይ መዓቀኒ ክብርን መሰልን ደቂሰባት ክኸዉን ኣይካኣልን። እዚ ጠቕሲ እዚ ንድስቡጣዊ ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ንቀዳማይ ሚኒስትሪ ኣብይ ኣሕመድ እዉን ተመልክት/ትሕብር እያ

ብዛዕባ ሰላም ፍቕሪ ይቕረታ. . . ወዘተ መንፈሳውያን ቃላት ኣብ ፖለቲካ እናሓዋወስካ ንደቅሰባት ክትማርኽ ምፍታን ነዊሕ ከኽይድ ዝኽእል ስልቲ ኣይኮነን። ናይ ፖለቲካ ግድላት፣ ቡጡዑማት ቃላት ዝፍታሕ ኣይኮነን፡ ማሕበራዉን ቁጠባዉን በቲ ህዝቢ ዝሓቶ መሰረት፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ፣ ግርጭት ናብ ግጭት ከይተለውጠ፣ ምስ ኩሎም ተጻባእቲ ቀሪብካ ኢሂን ሚሂን ምባልን፣ ልዝብ ምዝውታርን፣ ብሁዱኡን ጹፉፍ ኣጋባ፣ እንካን ሃባን ምባልን፣ ንኹሉኻ ክዓርቕ ዝኽእል መስረሐ/ሕጊ ምህላውን፣ከም ስልሳይ ኣካል ነጻ ዝኾነ ፈራዲ ኣካል ሃልዩ፣ ንዝኮነ ዳንነትን ዘድልዮ በጋባብ ንኽፍታሕ ንዑኡ ገዲፍካን፣ ኢድካ ከየእተኻ፣ ብፖለቲካዊ ኣጋባብ ንኽትፈትሖ ዘለካ ጉዳያት ክኣ፣ መሰረቱ ዘተን እንካን ሃባን ምዃኑ ብደምቢ ክርዳእ ይግባእ። እንተ ደኣ እቲ ግርጭት ተሪሩ ጩራ ፍታሕ ምስ ዘይህልዎ ንገበናዊ መዳያቱ፣ ነዚ ሳልሳይ ኣካል ፍታሕ ክረክብ ውክልና ምሃብን፣እቲ ፖለቲካዊ ክርክራት ናጻ ፕረስ ዝካታታሉዎን ዘቃልዕዎን፣ ንሕዝቢ ብዘይ ሽርክነት ሓበረታ ክረክብ ምስ ዝግበር መሰርሕ ደሞክራሲ ይካናወን ኣሎ ክባሃል ይክኣልን፣ ህዝቢ ክኣ ረይቶታት ኣብቲ ኣካቲዒ ነገርት ይህልዎን ኣብ ግዜ ምርጫ ክኣ ኑጹር ሓበረታ ቐሲሙ ይጸንሕ። እንተ ንህዝቢ ኣኪብካ ከምዚ ጌርና፣ ከምዚ ሂብና፣ ከምዚ ኣፍቂድና፣ ንፍቕርን ሰላምን ይቕሬታ ኢድና ዘርጊሕና፣ እናበልካ ዝግበር ፕሮፓጋንዳ ነቲ መሰረታዊ ግርጭት ፍታሕ ዝህብ ኣይኮነን።

ብዙሓት እዮም ንቃል ዲሞክራሲያ፣ ብናቶም መልክዕ ዘቕርብዋ፡ ዲሞክራሲ ግን መልክዕ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ትሕዝቶ/መንቲ ምስ ዘይህልዎ ፈሻሊ እዩ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፤እቲ ትሕዝቶ ምስ ናጽነት ደቂ ሰባት እንተ-ደኣ ዘይተኣሳሲሩ መገዱ ዝሳሓት ይውስኹሉ፣ ምኽንያቱስ ዲምክራሲያን ናጽነትን ዝተኣሳሰራ ስለ ዝኾና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ፣ ጕዑዞ ዲሞክራሲ ይኽተል ኣሎ-ዶ ትብሉ?? ምኽሪ ካብ እዚ ዲያብሎስ ውልቀ መላኺ እናቀሰመ፤ ጉዕዞ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ከማልእ ይኽእል’ዶ ይመስለኩም? ኩላትና ክርዳኣና ዘለዎ እዚ ባህርያት crowd puller መራኺ/ሰሓቢ ህዝቢ ካብ ምዃን፣ ድልየትን ጠለብ-ህዝቢ ንምርዋይ፣ ምስ ለባማት-ሙኩራት፣ ምሁራት ደቂ ዓዲ ምዝታይ፡ ምስቶም ተቛምቲ ናይ ዘተ መኣዲ ከፊትካ ሓሳብ ንሓሳብ ምንጽጻር፡ ኩሉ ንሃገር ዝጠቅም፣ ብፍላይ ዓንድን መሰረትን ሃገር ዘርኢ-ኣርእስትታት ናይ ሓባር ፍታሕ ንምርካብ ምጻዓር፡፡ ነቲ ናይ ቁጠባን ፖለቲካዉን ዘርኢ ብኑጹር ፕሮግራምን መስርሕ መደበ-ዕዮ አብ ቃልዕ ምዝርጋሕን ብ-ሓጋጊ ኣካል ኣብ ባይቶ ክጸድቕ ምግባር፡ ኣብዚ ባይታ እቲ ናይ ታቓውሞ ውድባት ናቱ ተጻራርነትን ንሱ ይጠቅም ዝብሎ ሓሳብ ከቕርብ ምግባር፡ እዚ ዝካየድ ባይቶኣዊ ዘተ፣ ህዝቢ ክሰምዖን ክፈልጦን ብተለቪጂን ክዝርጋሕን፣ ኩሎም ጋዜጠኛታት ኪካተልዎን ናታቶም ርእይቶን ክቡሉን፣ ሓተታ ዘቕርብሉ ባይታ ክህሉን፣ እዚ ዓይነት ኣካይዳ ገለ ክፋል ካብቲ ጉዕዞ ዲሞክራሲ እዩ፡ ከምዚ አጋባብ-ዶ ይኽተል አሎ ኣብይ ኣሕመድ? ክርሳዕ ዘይብሉ ጉቡኡን መሰልን ዘይፋላለያ ጽምዲ ዲሞክራሲ ኢየን፡ ነዚ’ኸ ረጊጽዎ-ዶ ይኸይድ የሎን ዶር. ኣብይ? መሰል ህዝቢ ኤረትራ አበይ እዩ ዘቐምጣ? ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ልዕልና ሕጊ ቅድም ከም ዝስራዕ ይርአዮ ዶኾን ይኸዉን? ኣብ ዲሞክራሲ ሕጊ ኑኹሉ ማዕረ እዩ ዝብል ትዝ-ዶ ይብሎ ይኸዉን፡ ብኸመይ እዩ ነቲ ብሕጊ ዝተራጋገጸ ዶብ ብመጀመርያ አብ መሬት ክሕንጸጽ/ሽኽላትታ ክሽከሉ ነቶም ኑዑኡ ዘርእዩ አህጉራውያን ሽማግለ-ዶብ ተጸዊዖም ስርሖም ዘይጀመሩ? ዘገርም ኑሱ ንገዛእ ርእሱ ሰብ ክነሱ ዶብ ወድሰብ ዝገበሮ እምበር፣ ተፈጥሮ ዝገበሮ ኩነት ኣይኮነን ክብል ተሰሚዑ፣ እዘን ኣብ ዓለምና ዘለዋ ሃገራት ደቂሰብ እኮ እዮም ፈጢረሞን፣ በቢ ግዚኡ ምስኩነታቱን ታሪኹን ዶብ እናገበሩ ሃገራት ክኾና ኪኢለን። ካብ ሰማይ ዝመጽእ ዶብ ኣሎ ድዩ? ዶስ ካልእ ኢኻ ክትብል ደሊኻ። በል ኤርትራስ ብደም ደቃን ናጽነታ ዝረኸበት፣ ብረፈረንድም ህዝባ ድማ ዘራጋጋጸት ስለ ዝኾነት ዶባታ ብማንም ዓይነት አይክድፈርን እዩ። እዚ ዘይሓፍር ዲክታተር ኢሳያስ ግን፣እንተ እቲ ናቱ ዲኤነኣ ግዲ ሲዒርዎ ወይ መበቆል ሕልሙ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዃን ዝነበረ ቲምኒቱ፡ ዝኾኖሉ ኮይኑ ተስሚዕዎ ግዲ ኮይኑ፣ ብተዳጋጋሚ ላዕልን ታሕትን ምባሉን፣ ናብ ኢጥዮጵያ ምምልላሱ ምስኩሩ’ዩ። ዘሎ ግን ሓሳብን ግብርን ብሓደ ዘይክኸዳ ይኽእላ እየን።አብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ጉዕዞ ዲሞክራሲ ክዕንቅፎን፣ ፈላሊኻ ምግዛእ ባህርያቱ ከተኣታቱ እኳ እንተ ፈተነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተረዲኡ ክነጽጎ ምዃኑ አይስሓትን፣ ምኽንያቱ ንድሕሪት ክምለስ ኣየዋጽኦን እዩ።

ክቡራት ኣንበብቲን ንዛ ካብ ኣቦታትና ዝወረስናያ ሀገርን፣ ነቶም ብዘይ ድልይትናን ብሓይልን ዝመጹ በቢ ዓይነቶም ገዛእቲ ክንሰጉግ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፣ ዋላ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ኣብ ዓንቀጽ 2 መሬት ኤርትራ፣ ምስ ደሳታታ ቅድም ናይታ ኢጣልያ ቅኝ ሃገር ዝነበር ኤርትራ እዩ። ዝብል ሰፊሩ አሎ ዋላ ግዝኣተ ሃይለስላሰ እዉን አየፍረሶን፡፡ ስለዚ እዚ ሰንካም ውልቀ መላኺ ይኹን እቲ ምስኡ ተሓባቢሩ ብዘይ ዶብ ዝብል ቀዳማይ ሚኑስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ሕልሞም አብ በረድ ዝተጻሕፈ ኾይኑ እዩ ኽተርፍ፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ አይከፍቅደሎምን ኢዩ፡፡

ኣብዚ እዩ እቲ ኤርትራኢ ዜጋ ኒሑን ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ግርማን ሓርበኘቱን ኣባራቢሩ ኻብ ትማሊ ሎሚ ሓድነቱ ኸጠንከርን፣ ኩሉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ትንታነታት፣ መሰል ምውዳብ እናተባህለ ብዝሐ ፖለትካውያን ውድባትን፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን፣ ህዝባውያን ማሕበራት ክጣረነፍ ክነጥፍ ዝጸንሐ፤ ኩሉ ምሰላት፣ ኣብታ እዚ ውልቀ መላኺ ኣብ ዘይድሊ ክውጻእ ዘይኽኣል መሰናጭርታት ክሰዂዓ፣ ህርድግ ዝብልዘሎ stop ጠጠው ነብሎ/ከም ዝቋረጽ ንግበር እሞ፣ ድሕሪ ምርግጋጽ ልእላውነት ሃገርን፣ ሓድነት ህዝብን አብታ ባዕላና እንተኻላ ግዝኣተ ሕግን፣ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡ ኩሉ እቲ ኣድማሳዊን ሕጊ አብ መሰል ደቅሰባት ዝተሞርኮሰ ከነተግብሮ ኢና፡፡ ሎሚ ሃገረ ንደቂ ሃገር ትጽውዓሉ እዋን እዩ ዘሎ፡፡ስለዚ ከምቲ ባህልና ኒሕና ግርማና ንሃገርና ጠጠው ኢልና፣ ብሓደ ዲምጺ፣ ሃገራዊ ዝሓዘ መልክዐ ጥርናፈ፣ አብ ዲያስፖራን አብ ውሽጥን ዘሎ ህዝብና ንፍትሒ ዝቃለስ፡ ነዛ ካብ ኣቦታትና ዝወረስናያ ሃገር ሎሚ ከም ትማሊ ብትሪ አይትሽየጥ አይትልወጥ እናበልና ደሃይና ዓው ኢልና ነስምዕ፡፡

ከም ዝረኣናዮ ንፍትሒ ዝቃለስ ዘበለ ዲሞክርስያዊ ጠለባት፣ ከም ልእላውነት-ሃገር፣ሓድነት ህዝቢ፣ ዶብ ይትሓንጸጽ፣ እሱራት ይፈትሑ፣ ገደብ ኣልቦ ኣጎልጉለት ሃገር የብቅዕ፣ ግዝኣተ/ሕጊ ይንገስ፣ ስልጣን ንህዝቢ ይስረከብ፣ መሰል ምዝራብ ምጽሓፍ ምወዳብ ይፈቐድ፣ ቋም ይተርጎም፣ እናበልና ኢና ክንዝምር ውይ ንባይታትን ንማሕበራት ዓለም ጥርዓና ከነቕርብ ጸኒሕና፤ ካቡኡ ሓሊፉ ናብ ሀግ በት ፍርዲ ዓለም ንዲክታተር ክቐርብን ነቲ ብሰንኪ አብ ዘየድልዮ ጠብሎቕሎቕ ዝብሎ ዝነበረ እገዳ እዉን ከም ጸቕጢ ይኸውን ብምባል ከወርደሉ የብሉን ክንብል ጸኒሕና፡፡

ኩሉ እዚ ኽንገብሮ ዝጸናሕና ሕጋዉን ጉቡኡን እኳ እንተኾነ ሕጂ አብዛ እዋን እዚኣ ሓደ jump ምዝላል ከድልይና እዩ። ኩሉ ክንገብሮ ዘላና ኣብዛ እዋን እዚኣ፣ ህገር ቅድሚ ኩሉ ዝብል ጭርሖ ምሓዝ። ምኽንያቱስ እዚ ሰራም ውልቀ መላኺ ስልጣኑ ንምንዋሕ፣ ዶር. ኣብይ ኣሕመድ ስልጣኑ ንምድልዳል ዝነቐለ፡ብጽላል ሱዑድ ዓርብን ኤሚራትን፡ ብደገፍ ሓያላት ሃገራት ኣመሪካ ትኩን ሩስያ ቺና እዉን ከይተረፋ ኣብዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልውአን ንምጥንካር ዝገብርኦ ዘለዋ ፖለቲካ ጸወታት አብ ቕድመና ጎሊሑ ይርአ ኣሎ።

እንተ ደኣ ሓድነትና ኣጠንኪርና ብወገና ብቛንቛ ዓለም እናተዛረብና ውሕስነትን ትርግኣን፡ ብሕግዊትን ዲሞክራሲያዊት ሃገረ ኤርትራን ህዝባን፣ ድኣምበር በዚ ውልቀ መላኺ ክርከብ ኣይካኣልን፡ ኢልና ነቶም ኩሎም ደሞክራስያውያን ውድባት ምንቅስቓሳት ኣብ ዞባና ዘለዉ ኣብ ኩሉ መዳይ ዓለመት ደሃይና ከነስምዕ ንኽእል፡፡ ብዝተረፈ ብቕልጽምና ነዚ ስርዓት ካብ ገጽ ዓለም ከምዝጠፍእ ምግባር እንተዘኮይኑ ካልእ ኣማራጺ የለን፡፡

ብወገን መንእሳያት ሕጅስ ይኣክል፣ ዝብሉ በቢ መገዶም ዝጣራነፉ፣ ክም ምትእስሳራት ኤርትራዊ-ዜጋ ፣ዳግመ-ትንሳኤ፣ ሓንቲ ኤርትራ፣ እዚኦምን ካልኦትን ብዘለዎም ዓቕሚ ተወዲብካ ብምብጋስ፣ ኣብ ከርሲ ትካላትን ስርርዕን ሰራዊትን ኤርትራ፣ ኣቲኻ ካብ ውሽጢ ለውጢ ንምምጻእ እዩ ቓልስና፤ ካብ ሕጂ ንንዮው፡ እናበሉ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ፡፡ ክታባብዑን ካብ ኩሉ ክኣ ምውህሃድ፣ ምተስሳር ክህልዎም እና ኣማሕጸንኩ፣ እቲ ፋሕ ኢልካ በቢ ዓይነቱ ምውድዳብ ክስራን እምበር መኽሰብ ከም ዘይኮነ፡ እቲ ስርዓት እዉን አብ ምምቕቓላና ተውጢሑ ከም ዝጸንሐ፡ ከም ተሞክሮ ክርእይዎ ይላቦ፡፡ ብዝተረፈ ሃየ ንቕድሚት አብ ጎኖኹም አሎና ይብሎም፡፡

እዚ ትምክሕታዊ ስርዓተ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ቁኑዑን ዲሞክራስያዊ ጠለባት ደምበ ፍትሒ ዝሃሰሰን ዝጠፈሸን ክብሎ ይስማዕ፤ ዘገርም ዲሞክራሲ፣ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ቋም፣ መሰልን ጉቡእን፣ ናጽነት ወድሰብ፣ ካብ ኩሉ ክኣ ልእላውነት ሃገር፣ ሓድነት ህዝቢ፣ ክካናወን ወይ ክትግበር ከምዘይክእል ግይሩ እዩ ዝሪኦ፣ ይድንጒ እምበር ከም ኩሎም ዲክታተራት ከም ዝወድቕን ህዝቢ ከም ዝዕወትን ታሪኽ ዓለምና እዩ ዝሕብሮ፡፡ ቺቸሮነ ከም ዝበሎ ታሪኽ መምምህር ሂወት ደቂ ሰባት እያ። እንተ ደኣ ብደምቢ ተማሂሮማ፣ ይብል፡፡

ኣብ መዕጸውየይ ኩሎም እቶም ንውድባት ዝመርሑ ፖለቲከኛታ፣ ይኹኑ ህዝባውያን ማሕበራት ከምኡ ሲቪካውያን ማሕበራት ካብቲ ዘለኽምዎ ገዛ/ባይታ ወጺእኩም network መርበብ መረኸቢ ፈጢርኩም ብሓደ ድምጺ ናይዚ ዲያብሎስ ውልቀ መላኺ ግብርታት ከተቃሉዑን ንባይቶታትን መንግስታት ዓለም ያህ በልዎ ህዝብና ኣብ ዘይ ደልዮ ዓዘቕ ይሸሞ ኣሎ፡፡ ርግ ኣትን ሰላም አብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘይህሉ እዩ ዝግበር ዘሎ ክትብሉን፣ ብሓደ ድምጺ ብምዝራብኩም ነቲ አብ ውሽጢ ሃገር ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለስ ዘሎ ህዝብና፡ ሞራላዊ ደገፍ ጥራይ ዘይኮነስ ምትእምማን ከሕድርን ብሓደ ሓባራዊ ቅልጽም ንሓውሩ ንምልካዊ ስርዓት ሓግሒጉ ከውጽኦ ምዃኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን፡ መጀመርያኡ ኣይኮነ፣ አብ ታሪኽ ዘመስከረ ህዝቢ ከም ዝኾነን፣ ሕልንኡን ሓርበኝነቱን ዝየጥፍእ ዜጋ ኤርትራዊ ምዃኑ አይንረስዕ፡፡ ስለዚ ኩሏትና ናይ ግዛ ዕዮና ንግበር።

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ኣብ ዝመጽእ የራኽበና

ብ’ፍትዊ ክፍለ

Read in PDF (ብ'PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።)



Share with friends:

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-


See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


You may also be interested on these /  እዚ ዝስዕብ'ውን ከገድሰኩም ይኽእል'ዩ፡-

ERISAT_Nov 01, 2018 ጻውዒት ንሰላም ብ ኣቦና ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ



Share with friends: