ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 3ይ ክፋል

16/01/2018 12:15 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

3ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


3ይ ክፋል

ቀዳማይ ቆጸራ ማዓልቱ ኣኪሉ ንቤትፍርዲ ይኸደልኩም፣ ካብቶም ሽዱሽተ ክሱሳት ኣነ ጥራይ ቀረብኩ። ኣበይ ከይዶም እቶም ካልኦት ክብል ዳኛ ሓተተ ኣነ ብመንገዲ ጠበቓይ ኣቢለ እንድዒ ኢለ መለስኩ። እንደገና ቆጸራ ተናዊሑ፣ ኣብዝቕጽል ግን ዋሕስ ዝተዋሕሱ ክቐርቡ ዳኛ ኣዘዘ።

መዓልቲ ኣኺሉ ከምቆጸራና ድማ ቀረብና። ሕጂ እውን ቆልዑ የለውን። ምናልባት ንሜዳ ዶ-ኾን ከይዶም ይኾኑ ኢልና ገመትና፣ ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ኣነ ክስሕና ማለት እዩ። ኣደይ እውን ንሜዳ ክወጹሉ ይክእሉ ዝብሃል ቦታ ገሻ ኣጣየቐት፣ ዝተፈላለየ ገጠራት እውን እንዳ-ገሸት ከተጣይቕ ትንፍሳ ደኣ ወጸት ግና ደሃይ የለን።

ዳሓር ግን ኣብ ዝቕጽል ቆጸራ ቤት ፍርዲ ካብ ደቀ-ምሓረ ህዝባዊ ሰራዊት ማሰልጥኛ ማእከል ዝብል ደብዳቤ ብቀጥታ ናብ ወረዳ ፍርድ-ቤት መጸ። ዋሕስን ሓደ ተኸሳስን ጥራይ ነበርና። ዳኛ ነታ ደብዳቤ ኣንበባ፣ እዞም መንእሰያት ኣብ ጎኒ ኣብዮታዊ ሰራዊት ክስለፉ ኣብ ታዕሊም ደቀ-ምሓረ ስለዝኣተው ክሳብ ታዕሊም ዝውድኡ እቲ ጉዳይ ይወንዘፍ ክብል ንጊዚኡ ናጻ ሙዃንና ተነግረና። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ጥሪ-1991 እዪ። ኣብ ግንቦት-1991 ናጽነት ስለዝኾነ ድሕሪ ናጽነት እውን ፋይል ስለዘይተዓጸወ ተጸዊዒ እቲ ጉዳይ/መዝገብ ብወግዒ ተዓጸወ።

ኣብ እዋን ደርጊ ብሄራዊ ውትድርና፣ ኣብ እዋን ህግደፍ ድማ ሃገራዊ ኣገልጉሎት እንዳተባህለ። ህጻውንቲ “ክህደኑ” መዓስ ከ ጢዒሙዋ ይፈልጥ። ደቂ ኣስመራ ተዛረብቲ “ኣብ እዋን ደርጊ ብሄራዊ ውትድርና ሓደ ካብ ገዛ እዩ ዝውሰድ ዝነበረ፣ ኣብ እዋን ህግደፍ ግን ሓደ ይተርፍ እሱ እውን ስንኩል ወይ ድማ ጽሉል ምስ ዝኸውን ጥራይ” ይብሉ መዓስ እሞ ተጋግዮም።

ብዝኾነ መብዛሕትና ኤርትራውያን ዝዓበናዮ ኣተዓባብያ ምልስ ኢልና እንተሪኢናዮ ኤርትራውያን ኣዴታትና ጥዑይ ሕብረተሰብን ሓላፍነታዊ መንእሰይ ክህልው ዝገበረኦ ጻዕሪ እዚ ኢልካ ክግለጽ ዝካኣል ኣይመስለንን። ዝተበጀወኦን፡ ዝሕለፈኦ ጭቆናን፡ ዝሰገረኦ መከራን ሽግርን ዳርጋ ኩልና ዝረኣናዮ ዝዓበናሉ ምናልባት እውን ግዳያት ናይ’ቲ ጸገም ኾይንና ክንከውን ስለንኽእል እቲ ዝሓለፈ ብድሆን ጻዕሪን ኣብ ኣእሙሮ ነፊሲ ወከፍና ዝተሳእለን ዝመላለስን ጉዳይ ይመስለኒ። እዚ ስለዝኮነ ይመስለኒ ድማ ቡዙሓት ስነጥበባውያን ሃገርና ንጅግንነት ኣዴታትና፡ ንለውሃትን፡ ንሓልዮትን፡ ንፍቕረን ቡዙሕ ዝተደርሱን ዝተደርፈን። ንኣብነት ንምጥቃስ ሳሚ ብርሃነ (ገዛና)፣ ካሕሳይ በርሀ (ዝያዳ ካብ ዓለም)፣ ዑስማን ዓብደልሪሕም (ካብ’ዛ ዓለም ኣላይተይ ኣደይ እያ ወላዲተይ…ወ.ዘ.ተ) እቲ ዝርዝር ክነውሕ እዩ።

ዳርጋ መብዛሕትኡ ኣተዓባብያና እንተሪኢናዮ ገለ ድኽነት ዘበገሶ፡ ገለ ብሰንኪ ሕማቕ ኣመል መስተ ኣቦታት። ኣዴታትና ዝረኽብአን ኣታዊ ኣዝየን ሒደት ኣብ ልዕሊ ሙዃነን እቲ ድሑር ጸቓጢ ኣተሓሳስባ ምልካዊ ግዝኣት ኣቦታት እውን ዝፈጥረለን ዝነበረ ጸቕጢ ንኹልና ቡሩህ ይመስለኒ። ኣዴታትና ግን ደቀን ሓብሒበን ጥርንፍቲ ቤተሰብ ክትህልወን። ንመዓልቲ መዓልቲ ኣለዎ እንዳበላ ብተስፋ ንጽባሕ እንዳማዕደዋ፣ ሎሚ ድማ ብዓቕሊ እንዳሰገራ ሓሊፈነኦ፣ መንእሰያት ደቀን እውን ጡዑያት ኣፍረይቲ ዜጋታት ክንከውን ቢሂገን፣ ግን ቀዛፊ ስርዓት እንከሎ ኣብቲ ኣዝየን ዝደልያና እዋን ሓሚመን ከነልዕለን፣ ተላኢኽና ክንጎየለን፣ ወሊድና ደቅና ክስዕማ ዝባሃጋ ኣዴታት፡ ኣይተዓደላን።

ኣብ’ታ ዘላታ ተወሰኸታ ከምዝብሃል ኣብቲ ዘመነ ገድሊ፣ እዋን ከርተትን መከራን፡ ዘዝጎበዘ “ሃገር” እንዳበሉ/ላ ሓደ ሰብ ደይኮነ በቢድርብ-ድርብ ፣ ካብ ገዛ ልዕሊ ሰለስተ (3) ብሓደ እዋን ጠዋሪ ዘይብሎም ወለዲ ጠንጢኖም ንሜዳ እንክሰለፉ እቲ ካልእ ግድዓት ወላዲት እዩ ኔሩ።

ዳሃይ ደቀን ሃሰው ክብላ ካብ ኣፈን ገዲፈን ዝብላዕ ጸይረን እንደገና ደድሕሪ ደቀን እናጎየያ፣ እቲ ክልእ ጠንቂ ቁጠባዊ ቁልውላው ዝኾነ ይመስለኒ።
ነዊሕ ተጓዒዘን፡ ባዕሉ ውላደን ተሓቢኡ 'የለን በልዋ' ኢሉ ኣዲኡ ንዘፋንው ተጋዳላይ፡ ደርፊ ወዲ ትኩል “ለሚን-ለሚነይ” ትብል ደርፊ ጋቢዙ የፍንው ወላዲቱ። ናዓይ ከምዝመስለኒ ፍትሒ ካብ ገዛካ እያ ትጅምር። ሰለስተ እንተልዮም፣ ሓደ ጠዋሪ ገዛ ክጸንሕ ዶ-ኾን ኣይምተገበኤን? ዝብል ሕቶ ይመላለሰኒ?።

እቲ ካልእ ነገር ዝገርመኒ እቲ ምልካዊ ጸቕጢ ኣተሓሳስባ ደቂ ተባዕትዮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣትዓባብያ ቤተሰብ ኣሎ ክብል እኳ እንተዘይደፈርኩ። ግን “ወዲ ሰበይቲ” ዝብል ጸርፊ ግና ኣብ ገለ ገለ ሰባት ብጩቕ ክብል ክትሰምዕ እንከለኻ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ኣሓትናን ኣዴታትን ዘለና ክብሪ ምቅላልን፡ ከምኡ እውን ነቶም ዝዓብዩ ህጻውንቲ ዝግብኦም መሰል ንነፍጎም ከም ዘለና ከነስተውዕል ይግባእ።

ኣብ’ዚ ዘለኹዎ ዕደመ ኾይነ ክሓስቦ ከለኹ፡ ኣዴታት እተን ዝተሰላዓለን ወርሓዊ ባጀት ኣይኮነን ንሽዱሽተ ትንፋስ ክኣክል፣ ንሓደ ትንፋስ እውን ንጋዳ እየን ኔረን። ግን ነብሰን ሃስየን ዝገበራ ጌረን ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ደቀን ይምግባ። ኣብ ገጸን ምንም ጭንቀት ከየርኣያ ድማ ደቀን ብፍቕሪ፡ ብሓልዮት፡ ብልግሲ መልሚለን ኣዕብየን እየን። ብርግጽ ተጻዋርነተን ጥዑይ ሕብረተሰብ ክህልው ዓቢ ግደ ጌሩ እዩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ብሓቂ ድማ ንኣዴታትና ስራሕ ምሃብ ማለት ሃገር ምምጋብ ሙኾኑ ይኣምን። is it empowering woman mean; insuring food security in the nation?

ኣስተውዒልኩሙሉ ዶ ትፈልጡ፣ ሃገር፣ ዓለም፣ ጸሓይ፣ ወርሒ፣ መኪና፣ ገዛ፣ ኩሉ እዚ ዝጠቐስኩዎ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዘስምዕ። ሞት ምስዝኸውን ጥራይ ብወዲ ይጽዋዕ፣ ሬሳ መጺኡ ንብል ኣይገርምን ዶ?

ይቕጽል ናብ 4ይ ክፍል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

Osman Abdurehim - ወላዲተይ