Placeholder Picture
Placeholder Picture
ደብሪ ኣቦታት (እምነት) ንምድራዊ’ዶ ንሰማያዊ መንግስቲ?

13/03/2024 18:32 PM

ደብሪ ኣቦታት (እምነት)
ንምድራዊ’ዶ ንሰማያዊ መንግስቲ?

ጽሑፍ ብ'ተክልሰንበት ተኽላይ

ደብሪ ኣቦታት (እምነት) ንምድራዊ’ዶ ንሰማያዊ መንግስቲ? ጽሑፍ ብ'ተክልሰንበት ተኽላይ

ደብሪ ኣቦታት (እምነት)፡ ንምድራዊ’ዶ ንሰማያዊ መንግስቲ?

እምነት ኦርቶዶክስ ከም ኣብነት እንተወሲድና፣ ነዛ ስጋዊት ዓለም ኣይትተሃመሉላ ኢዩ ዝብለና። ብካልእ ኣዘራርባ ነዚ ናይ ዓለምና ስጋዊ ብልጭሎጫት ደርቢኹም ኣብ’ቲ ንልብኹም ኰነ ንመንፈስኩም፣ ማለት ኣብቲ ንሕልና ዘርዊ ኣድህቡ’ዩ ዝብለና። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ግና ገለ ካህናት ካብ መንገዲ ሓቂን ሞራልን ወጺኦም ካልእ-ማልእ ክሰብኩ ንርኢ ኣሎና።

ብቀዳማይ ሓንቲ ኣደ ናይ ዝፈትዎምን ዘድንቖምኒ ስድራ ሞት ተረዲአ ኣብ’ቲ እንዳሓዘን እኸደልኩም። ነቲ ሓዘን ዘሳስዩ ከኣ ናይ ህግደፍ ማሕበረ-ሰብ ኴይኖም ጸኒሖሙኒ። እታ ዝብላ ዘሎኹ ስድራ ካብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚራ ሓርበኛ ስድራ ኢያ ነይራ። ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ’ውን እንዀነ እቶም ወለዲ ይዅኑ ደቆም ምስ ተቓወምቲ ኢዮም ጸሚዶም ጸኒሖም። ስለዚ ከኣ እቲ እንዳ-ሓዘን ኣብ ዕቚባ ማሕበረ-ሰብ ህግደፍ ምንባሩ ንኣይ ቅሩብ’ሲ ደንጽዩኒ ኢዩ። ብዝኾነ ከምቲ ልሙድ ናይ ሓገዝ (ወፈያ) መሶብ ዘርጊሖም ጸኒሖሙና፣ ሰብ ከኣ ተትኽእሎ ሂባ። ካብኡ ሓደ ሕውስውስ ዝበለ ኣኼባ፣ ማለት ብኸፊል ፍትሓት ብኸፊል ከኣ ፖለቲካዊ ስብከት ዝመስል መግለጺ ብሓደ ካህን ተዋሂቡና።

እቶም ካህን ኣብ መንጎ ካልእ-ማልኦም ነቲ እኩብ-ሰብ ይብልዎ እዘን መዋቲት-ኣደ ግቡኣን ክገብራ ኣይጸንሓን፣ ሕጂ ከኣ ዓለም ኣርኪባተን። ንሕና ከኣ ከም ካህናት ኣብ ጸገም ንኣቱ ኣሎና፤ እሞ ብመዳይ ክርስትና እንክርአ እዘን ኣደ ተዋህዶ ኢየን፣ ብመዳይ ሃገር እንተወሲድና ግና ሃገራዊ ግቡአን (2% ቀረጽ ንመንግስቲ ከምኡ’ውን ናይ ቤተ-ክርስትያን ጠርቂ) ከማልአ ኣይጸንሓን። “እሞ እዚ ሬሳ ንኤርትራ ክኣቱ ፍቓድ ንሃቦ ወይሲ ኣይፋል” ክብሉ ከኣ ወዮም ካህን ነቲ ኣኼበይና ሓተቱዎ። እቶም ከምዚ ከማይ’ኳ ኩሉ ነገር ጋን-ኰይኑና ኢዩ ዝነበረ፤ እቶም ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ግና (ፍቓድ ነቲ ሬሳ) ይወሃቦ በሉ። ሻቡ ወዮም ካህን እሞ ንላዕለዋይ ሓላፊና ዝኾኑ ንቀሺ ዘርኦም መዝነታዊ ጉልቦቶም ተገልጊሎም ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከም ዝራኸቡን ንሬሳ ፍቓድ ከም ዘውህቡን ብሸነኸይ ክገብር’የ በሉ። ንኣይ ክመስለኒ እዞም ካህናት ንሰዓብቶም ጥራይ ዘይኮነስ ንኣምላኾም’ውን ብከምኡ ዝሽውድዎ (ዝዕልቕዎ) ኴይኑ ኢዩ ዝርኣዮም። ካብ’ዚ ሓሊፉ ካህን እናተጸዋዕካ ንግዲ-ብሬሳ ድኣ ምስ እንታይ ክቚጸር’ዩ!

ጕዳይ እዛ ስድራ ወይ ብዓቢኡ እዚ ተርእዮ ኣብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ እናሻዕ ዝቀላቐል ዘሎ ልሙድ መስርሕ ኴይኑ’ሎ። እሞ ጕዳይ ባህልን ጕዳይ ሃይማኖትን ጋሊህካ ምትንታኑ ቀሊል ነገር’ኳ እንተዘይኮነ፣ በብዓቕምና ገለ ክንብል’ሲ ግድን ክህልወና’ዩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ገድሊ ሬሳ ሰዉኣትና ብከመይ ኣብ መሬት ይቕበር ነይሩ እዚ ህዝቢ ዝስሕቶ ኣይመስለንን። ሎሚ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሙዉቕ ቤቶም ወጺኦም ኣብ ፈቐዶ ባሕርን በረኻታትን ይወድቁ ኣሎዉ፤ ነቶም ሬሳታት ሓመድ ኣዳም ዘልብሶም እንተተረኺቡ ከኣ ዓቢ ዕድል’ዩ።

ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝበልኩዎ፣ ካህናት ከገድሶም ዝነበሮ ብዛዕባ ሬሳ ኣበይ ይቀበር ዘይኰነስ ኣብ ህይወት ናይቶም ኣመንቲ ኣዎንታዊ ጽልዋ ክህልዎምን ብሓቂ መንፈሳዊ መራሕቲ ክኮኑንዎምን ኢዩ ዝግባእ ነይሩ። ካድራት ናይ ህግደፍ ወይ ደድሕሪ ህግደፍ ዝኸዱ ካህናት ዝመርሕዎ ቤተ-እመነት ግና ካብ ንቡር ወጺኦም ኣብ ስጋዊ መኽሰባት ሃመር-መር ኢዮም ዝብሉ ዘሎዉ። እዞም ካህናት እዚኦም ካብ ንቤተ-ክርስትያንን ካብ ንፓትርያርክን ንመላኺ ስርዓተ-ህግደፍ ከገልግሉ ዝመረጹ ኢዮም።

ሕጂ’ውን እቲ ሕቶ ንነብሲ’ዶ ንስጋ ግዙኣት ንኸውን ዝብል’ዩ። ብፍላይ ንኣና ንደለይቲ ፍትሒ ብዝምልከት እቲ ስግንጢር ዝገብሮ ብህይወት ኣብ ዓለም እናነበርና ምስ ህግደፍ ተዓሪቕና ኮነ ገብሩ ዝተባህለና ከፊልና ንዓዲ ዘይኣቶናስ፣ ሎሚ ንሬሳ ሓመድ ኤርትራ ከነቅምሶ ምጕያይ ምስ እንታይ ይሕሰብ! እዚ ከኣ ምስ ሕልናዊ ዕግበትን ፖለተካዊ መርገጽን ናይ’ቲ ተቓላሳይ ዝነበረ ናይ ሎሚ ከኣ ሬሳ ብከመይ ይቃዶ? እስከ ንሓጻር ካልኢት’ውን ትኹን ንነገራት ብዓይኒ ሕልና ኣገናዚብና ንጠምቶም። እቲ ሰሃሮ ብሓቂ ብዛዕባ ሬሳ መቕርብና እንተኾይኑ፣ ነዚ ሬሳ ጽባሕ ንግሆ፣ ማለት ምልኪ ካብ ሃገርና ምስ ከደ፣ ካብ መቓብሩ ኣውጺእካ ንኤርትራ ምስግጋሩ ይከኣል’ዩ። ንምንታይ ኢና ግድን ሎሚ ሬሳ ንኤረትራ ክኸይድ ንመርጽ? ኣብ ቃልሲ እጃምና እንተጌርናን ነዞም መንእሰያት ደቅና ብጽነዓትን ብቕንዕናን እንተኣማእዚና’ኮ ብህይወት ከሎና ምስ ህዝብናን ሃገርና ክንትሓናፈጽ ኣዝዩ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እንተ ንሬሳ ኣብ ዝወደቖ ክፍሊ ዓለምን ሃገራትን እንተተቐብረ መለሳ ዘምጽኣሉ ኣይኮነን።

ናይ ኣብያተ እምነትና ታሪኽን ጸጋን ይተሓሎ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!

ተክልሰንበት ተኽላይ
ጀርመን፣ 07 ታሕሳስ 2024


ዜና ዕረፍቲን ዝኽሪን፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ፡
In memory of his holiness Abune Antonios, 3rd Patriarch of the State of Eritrea.
(July 1927 - 09 Feb. 2022)

ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ'ዚ ኩሉ መከራ ዝወደቑ፣'ብዘይ ሕጊ ሰብ ኣይትእሰር፣ ንቤተ ክርስቲያነይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለ ዝበሉ ጥራሕ ኢዩ!




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: