ዘመነ መዘርባዕ

08/04/2017 22:43 PM

ዘመነ መዘርባዕ

ብ'ጎርድም

መዘርባዕ (Datura Stramonium) መበቆላውነቱ ኣብዚ ሕጂ ሜክሲኮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ኣከባቢ ምዃኑ`ኳ እንተ ተገልጸ፡ ሎሚ ግን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዓለም ተዘርጊሑ ይርከብ። እዚ ብሩህ ቀጠልያ ዝሕብሩ ልምሉም ቆጽሊ ዝውንን በዓል ድሙቕ ዕምባባ፡ ግምብኡ ብበላሕቲ ኣእሽኽ ዝተሸፈነ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ከም ጻህያይ ዝግለጹ ቡቕሊ መሬት ዝኾነ መዘርባዕ፡ ኣብ ኣዝዩ ስቡሕ ቦታ ማእከላይ ዝሙቆቱ ዝናብ ዝረኽበሉ ኲነታት ኣየር ይምቸኦ። እዚ ቡቕሊ`ዚ ዕቤቱ ቊልጡፍ ኮይኑ ልዑል ዓቐን Alkaloid ዝተባህለ ባእታ ስለ ዘለዎ መራዚ ኢዩ። ኣቊጽልቱ ጐርፋዕፋዕ ኢሎም ብምዝርጋሕ ንኣብ ከባቢኦም ዝቦቕሉ ኣዝርእቲ ይኹን ንመግቢ እንስሳታት ዘገልግሉ ዓሌታት ሳዕሪ ብቐሊሉ መሪዞም ከጥፍእዎም ግዜ ኣይወስደሎምን።

ዘመነ መዘርባዕመዘርባዕ ወቕታዊ ኮይኑ ጸሓይን ኣስሓይታን ኣይጻወርን ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ደጋዊ ክፋል ሃገርና፡ ወርሒ ሓምለ ኣጒላዕሊዑ ነሓሰ ክውዳእ እንከሎ ይቕምስል፡ ኣብ መጠርሽታ መስከረም ድማ ከም ዘይነበረ ኣሰሩ ይጠፍእ። ቀዳሞት ሰባት ከም ባህላዊ ፈውሲ ናይ ኣዝማን መዓገሲ ቃንዛን`ኳ ይጥቀምሉ እንተ ነበሩ፡ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ምዕባለ ግን ሓደገኛነቱ ስለ ዝተረጋገጸ ካብ ዝቋረጽ ሓያለ እዋን ገይሩ ኣሎ። ካልእ ይትረፍ እቲ ንህቢ ካብ ዕምባብኡ ዝወስዶ ምጽ-ምጸ`ውን ዓቕሙ ዋላ ውሱን ይኹን ኣብ መዓር ናይ ምምራዝ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ኣብ ሜክሲኮ፣ ሃንጋሪ፣ ብራዚል ብዝተገብረ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ። ስለዚ፥ መዘርባዕ ኣብዚ ዘመን`ዚ ተመራመርቲ ንህላወ ብዙሕነት ቡቕሊ ዝጥቀምሉ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዝረአ ጉሉሕ ኣገዳስነት የብሉን ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ኢዩ በጺሑ።

ኣብ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ፍሉይ ግዜ ናይ ዓብላልነት (dominance) ባህሪ ንዘርኣየ እቲ እዋን ብስሙ ዘመነ…ተባሂሉ ይጥቀስ። ኣብነት፥ ዘመነ ኣንበጣ፣ ዘመነ ጒልሓይ…ወዘተ እናተባህለ ዝጽዋዕ ግዜ ሓሊፉ ኢዩ። ነቲ እዋን ምስቲ ዘጋጠመ ጸገም እንተ ኣገናዚብናዮ ከም መጸውዒ ንሕሱም ግዜ ዝተዋህበ ስያመ ይመስል። እጃም ኣብ ምብዳህ ናይ`ቲ ኣደራዕ ዝቕበል ህዝቢ ከም ኩነታቱ ክፈላለ ይኽእል። የግዳስ ዋላ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ይኹን ይኹንንዎን መዓቶም ከቕርረሎም ንፈጣሪኦም ብምህልላ ካብ ምልማን ድሕር ኣይብሉን። ዋላ`ኳ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዝገድፎ በሰላን ሕማቕ ዝኽርን ይሃልዎ፡ ነባርነት ስለ ዘይብሉ ሓላፍን እዋናውን ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ `ሕማቕ ዘመን ንሳ ትሓልፍ ሽም ትገድፍ` ይበሃል።

ሎሚ እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ዃኺቶ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ፡ መዘርባዕ ፈርዩ ንተኽሊ ሓድነት ብመርዚ ሃይማኖት፣ ብሄርን ኣውራጃን ሰሚሙ ከህጒጐ ህርድግ ይብል ኣሎ። እዚ ኣብ ስደት ምዕቡል ዓለም ንእዋኑ ጐርፋዕፋዕ ዝብል ዘሎ በዓል ዘመን ብናይ ዓዲ ጓና ዲሞክራሲ ማሚቚ፡ ብጸጋታት ጸላእቲ ሰቢሑ፡ ኣብ ዝደለዮ እዋን ዝመረጾ ውዑዩን ዝሑልን እናጨለጠ ንመሳለጢ ትምህርቲ፣ ጥርናፈን ሓበሬታን ከገልግል ዝግበኦ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ተክኖሎጂ ብምብሓት ክንዮው ጸርፊ፣ ምዝንጣል፣ ምውንጃል ናብ ምፍርራህ ብምስጋር ንምፍልላይ ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ምህላዉ ዘይተዓዘበ የሎን።

ንሓደ ወለዶ ክትግምግምን ክትመዝንን እንተ ኴንካ ኣቐዲምካ ነቲ ንዕኡ ዘዕበየ ሰረት ኢኻ ክትፈልጥ ዘለካ። ምኽንያቱ፥ ዝኾነ ውላድ ጠባያት ናይ ዘዕበዮ ስለ ዝወርስ ኢዩ `ምስ መዕበያኻ ጥፋእ` ዝብል ብሂል ዝዝውተር። እዚ ኣብ ስደት ዝህውትት ዘሎ ገለ ክፋል ሓድሽ ወለዶ፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ኣየዛርብን። ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ክኾንሉ ዝደልዮም ገይሩ ስለ ዝመልመሎም ከይላገቡ ዝፋናጥሑ፣ ከይመዓዓዱ ዝጻረፉ፣ ከይከባበሩ ዝነዓዓቊ፣ ከይተማህሩ ክምህሩ ዝህንጠዩ፣ ካብ ምስማዕ ምዝራብ ዝብረሆም ስለ ዝኾኑ፡ ነቲ ጥዑይ ዓብሊሎም ብመርዚ ወገናውነት ንምስማም ክግዕሩ ንርእዮም ኣለና።

ህግደፍ ካብ መጀመርታ ብመንእሰይ ወለዶ ተቃውሞ ንኸይመጾ፡ ልሙስ ባህርያት ሒዞም ንኽዓብዩን ናይ ተማእዛዝነት ጠባይ ከማዕብሉ ብወታደራዊ ቀይዲ ሸቖጥቆጥ ከም ዝብሉ ገይርዎም። ነቶም ካብዚ ሃዲሞም ናብ ስደት ዘምርሑ ድማ ተማሂሮም ከይስልጥኑን ሰሪሖም ከይልወጡን ዘርኢ መዘርባዕ ቆጺሩ ስለ ዘስዓበሎም ክስስኑ ይትረፍ ብሕማሙ ተለኺፎም ተወዝ ክብሉ ኣይከኣሉን።

መራኸቢ ብዙሃን፡ ሞያውያን ክምህርሉ፣ ሰብ ተመክሮ ከዘንትውሉ፣ ግዜጠኛታት ሓበሬታ ክዝርግሕሉ፣ ፖለቲከኛታት ንህንጸት ዲሞክራሲ ክጒስጒስሉ እንከለዉ ኢዩ ኣብ መዓልኡ ውዒሉ ዝበሃልን ኣብ ሕብረተ-ሰብ እወንታዊ ውጽኢት ዝርከቦን። እቲ ዃኺቶ ዝኾነ ስርዓት ግን ብዝተሰደድናዮ ተበሊልና ክንጠፍእ ስለ ዝኾነ ዕላምኡ፡ ከም ነፋሒቶ ሕብሮም ዝቐያይሩ ሓደ ድሕሪ ሓደ እናበራረየ ኣሰስኒቊ ብምልኣኽ ንደምበ ተቋውሞ ፍሕት ከሊእዎ ይርከብ።

ከምቲ መዘርባዕ ቁም ነገር ከም ዘለዎ ስቡሕ መሬት፣ መጠነኛ ኲነታት ኣየርን ዝናብን ዝፈቱ፡ ንዓይ ይጥዓመኒ በሃልቲ በለጸኛታት ከኣ ናይ ካልእ ጉዳይ ኣይንታዮምን ኢዩ። `በይኑ ዝበልዕ በይኑ ይመውት` ከም ዝበሃል፡ ክራማት ጽሕዩ ዘርኢ ዲሞክራሲ ምስ ዓምበበ መርዚ መዘርባዕ ነቒጹ ኣብ ቦትኡ ፍትሒ ከም ዝጥጥዕ ክስወጦም ኣይክእልን።

ካብ መሰረቱ፡ ኣይኮነን ሰብ ዝሓስብን ዝንቀሳቐስን እዚ ኣብ ዓለምና ዘሎ ነገደ ኣግራብ`ውን እንተኾነ ዘርኡ ብንፋስ፣ ብወሓይዝ፣ ብኣዕዋፍ እናተጾረ ኢዩ ናብዛ ፕላኔት ምድሪ ተዘርጊሑ። ህላውነቱ ንምዕቃብ ከኣ ምስቲ ዝዓለቦ ኲነታት ኣየርን ሓመድን ንኸሳኒ ኣብ ሕብሩ፣ ቅርጹ፣ ባህሪኡ መጠነኛ ለውጢ ኣማዕቢሉ። ኣብኡ ከይተወሰነ`ውን ምስ ኣብኡ ዝጸንሕዎን ብድሕሪኡ ዝሰዓብዎን ስለ ዝተዳቐለ ኢዩ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ኮይኑ። ጌና`ውን ኣብኡ ከይተደረተ ንዝቕጽል ካልእ ለውጢ ክረአ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።

ህዝቢ ዓለም ብሰንኪ ሰብ ዝሰርሖን ባህርያውን ሽግራት ብጉጅለታትን ብዕስለን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ እናተንቀሳቐሰ፡ ምስ`ቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎ ብምልምማድ እናተሓወሰን እናተዋሰበን ኢዩ ክደባለቕ ጸኒሑ። ካብ ዘመነ ፍጥረት (ኦሪት) ክሳዕ ሕጂ ተንቀሳቒሱ ዘይገዓዘ ኣሎ ንምባል የጸግም ኢዩ። ኩላቶም ኣህዛብ ነቲ ሕጂ ዘለዉዎ ቦታ ካብ ካልእ ቦታ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሳጊሞም ብምምጻእ ዝሰፈርዎ ኢዩ። እቲ ፍልልይ ናይ ኣመጻጽኦም ጉዳይ መን ቅዱም መን ድሒሩ ሰዓበ ኢዩ። ስሩ መሰረቱ ካብታ ዝቕመጣ ዘሎ ምድሪ ዝቦቈለ ወይ ድማ ንዕኡ ኢላ ዝተደኮነት መሬት የላን። የግዳስ ብናይ ምንባር እጀታ ናተይ ብምባል ግዝያዊ ዋንነት ክበሓት ክኢሉ። እዞም ኣብ ሰማይ ኣንቃዕሪርና ንርእዮም ከዋኽብቲ`ውን ካብ ኣቦሓጎታትና ወሪስናዮም ዝብሉ ዋናታት ኢና በሃልቲ ከም ዘለዉ ምስማዕ ኣየገርምን ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ንመሬት ሰብ ኢዩ ባዕሉ ተማሲሕዋ`በር እግዚኣብሄር/ረቢ ብናይ ምርቓን መርገምን ቅጥዒ ኣይመቐሎምን። ስለዚ፥ ኣንቱም ብጆግራፊካዊ ምምሕዳራት ኣውራጃነት ተፈላሊኹም ትተሃላለኹ ዘለኹም ወገናት፡ ንታሪኽ ፍልሰት ኣህዛብ ምብራቕን ስሜንን ኣፍሪቃ እንተ ትውከሱ ጋእ ምበልኩም፡ ነቲ መዘርባዕ ኣለሊኹም ንኽትጽህይዎ`ውን ኣይምተጸገምኩምን።

ስነ-ጥበባዊት ሩማና ብርሃኑ ኣብ ግጥማ “ንመን ኣሚኑ ኣዳም ኣብ መስጊድ ድዩ ገዳም፡ ኣዳም ሃይማኖቱ ኣብ ፈጣሪ ካብ ኮነ እምነቱ፡ ኣይነበረን ኣስላም ክስታን…” ብምባል ዘልዓለቶ ረቒቅ ፍልስፍና ዝምልሶ ምሁር ወይ ነቢዪ የሎን። የግዳስ ናይ ሃውሪ ዝመስል ዳርጋ ዝበዝሐ ድማ ዝቕበሎ ‘እምነቶም ፍቕሪ ኢዩ ኔሩ’ ክበሃል ይከኣል። ምትእምማን ስለ ዝነበረ ከኣ `ኣዳም ንሓሳባት ሄዋን ተቐቢሉ ዕጸ-በለስ በሊዑ` ኢልካ ከም መርትዖ ብምጥቃም ንመእመኒ ክራጎድ ይኽእል። በቲ ኢልካ በቲ ወዲ ሰብ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና መሬት ቅድሚ እዘን ሕጂ ዘለዋ ሃይማኖታት ከም ዝተፈጥረ ርጉጽ ኢዩ። እዚ ተበላሓቲ ዝኾነ ዘርኢ ኣዳም ኣብ ሓደ ቦታ ብቐዋምነት ከይተቐመጠ እናተንቀሳቐሰ ፍልጠት ክለዋወጥ ተመክሮ ክቀዳዳሕ ብመስቦ ክተሓናፈጽ ካብ ጸንሐ፡ ልክዕ ከምኡ ንሃይማኖታዊ እምነቱ ዝምልከት`ውን ከም ዝተቐያየረ ተዓሚትካ ዝረኣይ ሓቂ ኢዩ። እዚ ብካብ ሓምሳ ዓመት ንላዕሊ ዝመጽእ ዘገምታዊ ለውጢ ግን ናይ በለጽ ዓቀይቶት ኣየስተውዕልሉን ኢዮም።

እዞም ኣብ ስደት ናይ ምዕቡል ዓለም ዘጒላዕልዑ ዘለዉ መዘርባዓት፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ነባርነት፡ ዜግነት ናይተን ዝቕመጡለን ዘለዉ ሃገራት ዝሓዙ ምዃኖም ክዝክርዎ ኣይደልዩን። ነዚ ኣብ ቱሽትሾም ሸጒጦም፡ ተሓለቕቲ ኣውራጃ፣ ብሄርን ሃይማኖትን መሲሎም ክነዝሕዎ ዝፍትኑ መርዚዚ ምፍልላይ ሓልዮት ናይ`ቲ ወገንና ዝብልዎ ሃልይዎም ኣይኮነን። ዋና ነገሮም ንገዛእ ርእሶም ክጥዕሞምን ኣምሳያ`ቲ ብተልእኸኦም ዝረኽብዎ ግንዖ ንኸይተርፎምን ኢዮም።

ተቋዋሚ ህግደፍ ኢየ እናበልካ ንደለይቲ ፍትሒ ምብታን፣ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ተመሲልካ ንሓድነትን ምጽውዋርን ምጽባእ፣ ንጉጅላውን ውልቃውን ረብሓ ኣብ ውሽጢ ሓባራዊ ጠቕሚ ኣብ ክንዲ ምጥማር ኣብ ብሕታዊ ጉዳያትካ ምንቃጽ፣ ንጸጽቡቚ ገዲፍካ ንከክፍኡ ኮስኲስካ ጽልእን ቅርሕንትን ከተሳሲ ድቃስ ካብ ምስኣን ዝኸፍእ ሓዳሪ ሕማም የልቦን። ግዳይ ናይ`ዚ ጻህያይ ኮይኑ ዘሎ ኣረጋጊጹ ክፈልጦ ዘለዎ፥-

-  ከም ሕማምካ ካልኦት ንኽልከፉ ዝግበር ስልቲ፡ ንናይ ውልቅኻ ኣረኣእያን መርገጽን ናይ ምሉእ እቲ ይሕለቐሉ እትብሎ ወገን ንምምሳል `ንሕና` እናበልካ ምዝራብ ዘመናዊ ቅዲ ኮይኑ ኣሎ። ካብኡ ሰጊሩ ከምቲ `ኣብ ገምገም ትኪ ዘሎ ቈልዓ ኣይተብኪ` ዝበሃል፡ እቲ ሕማም ጽበት ክቕለውልዎ ዝጸንሐ`ንሕና` እናበለ ይምልሰሉ። እዚኦም ሕማሞም ናብ ካልእ ብምልጋብ መጻልእቲ ንምርካብ ዝጥቀምሉ ብልሓት ምዃኑ ምርዳእ፡

-  ኣነ ኣነ ዘብዝሕ ሰብ፡ መንነቱ ንምሕባር ዘይኮነ ንምንያት ኢዩ። ወይ ድማ ብኣንጻሩ እቲ ኣነ ዝብሎ መንነት ኣብ ሕልሙ ዘሎ ክበጽሖ ዘይከኣለ ናይ ካልኦት መንነት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ፡

-  ኩሉ ተዛራባይን መዳራይን ማለት፡ ፈላጥ ወይ ክኢላን ደፋርን ዘይምዃኑ፡

-  ሓሳባቶም ጉዕ ይኹን ብስለ ብዘየገድስ ብመርትዖን ኣብነትን ኣብ ክንዲ ዘሰንይዎ፡ ምጒቶም ብጸርፊ፣ ጸለመ፣ ብደዐን ፈኸራን ንሰማዒ ብሓይሊ ከጒስምዎ ዝህቅኑ፡ ኣንፈት ናይቲ ጉዳይ ኣስሒቶም ብዕድመ ምውሳኽ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝረብሑ ምዃኖም ምፍላጥ የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ብዙሕነት ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ኮነ ጂኦግራፊካዊ ምምሕዳር ብግቡእ ምስ ዝመሓደር ቀመም ሓድነት ምዃኑ ክጠራጠረሉ የብሉን።

እቲ ዘንጊ ተኺሉ ነጸልኡ ተዓጢቚ ብሕጊ እንዳ`ባ ኣብ ባይቶ ዓዲ ብመርትዖ ናይ ምጭባጥ ሰረት ካብ ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ዝመጽአ ወለዶ፡ ሎሚ ብዘሎ ምዕባለ ተሓጊዙ ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ተዓቂቡ ዝጸንሐ ናይ ምጽውዋር ልምዲ ኣብ ክንዲ ብትምህርቲ ዘማዕብሎ፡ ካብ ተሰዲድሉ ዘሎ ሃገር ጸጽብቚ ቀዲሑ ዘራጉዶ፡ ኣብ ላብቶፕ ተኸዊሉ ነቲ ብሓዊ ዝተፈተነ ሓድነቱን ክቡር ባህሉን ብንኽትደግሞ ዘሕንኽ ፍንፉን ቃላት ይጋጫጨበሉ ኣሎ። ሃይማኖት፣ ብሄርን ኣውራጃን ተምሳሌት ናይ ስጋ ዘይብሉ ዓጽሚ ኮይኑ እቶም ኣብ ስደት ኮራርምቶም ዝወድኡ ኣኽላባት ክነብሑሎም ካብ ምስማዕ ዝኸፍእ የሎን።

ብስም ነጻ ርእይቶ ተጐልቢብካ ህዝቢ ንምንዕዓብ ዝካየድ ሽርሒ ብትሪ ክኹነን ከም ዝግባእ ንጹር ኢዩ። ኣተኣላልይኡ ግን ነቲ ሰራም ሓሳባት ብእሩምን ገላጽን ቃላት ተጠቒምካ ምስዓር`ምበር ኣብ ምጽራፍን ምዝንጣልን እንተ ተሰጊሩ፡ እቲ መበገሲ ነገር ዝኾነ መንቀኛ ሕማሙ ዘልግበሉ ወገን ስለ ዝረክብ ይሻድን። ስለዚ፥ ኣራሚ ኣብቲ ተኻል ዔዖ (ተኻል እምባጓሮ) ዘንገርግረሉ ዘሎ ጐዱፍ ምስኡ ሓቢሩ ምስ ዘንፈፉው ካብቲ መበገሲ ዝሕሸሉ ምኽንያት የብሉን። `ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ` ከም ዝበሃል ሓላይ ህዝቢ ተመሲልካ ውጹዓት ካብ ምንቋት ዝኸፍእ ነውሪ ስለ ዘየልቦ፡ ዓገብ ኣብ ምባልን ጉድለታት ኣብ ምእራምን ብፍላይ እቶም ክኢላታት ዝሰልጠንክምሉ ሞያዊ ስነ-ምግባር (ethics of profession) እንተ ዘይተኸቲልኩም ካብ`ቲ ተራ ሰብ ኣይትፍለዩን። ምስላ `ዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ` እውን ክትንእሰኩም እያ።

መወከሲ ሓበሬታ "መዘርባዕ" wikipedia

ሰናይ በዓለ ትንሳኤ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ

ጎርድም 08/04/2017

Email:

Kiflu23@yahoo.com


Share with friends:


Other articles by Mr. Kiflehans Teweldebrhan.
ካልኦት ጽሑፋት ብ'ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም)፡-